Home / ትግርኛ / “ጽባሕ” ሓጸርቲ ግጥምታት ትግርኛ: ብ ኻልድ ዓብዱ መሓመድ ስዒድ

“ጽባሕ” ሓጸርቲ ግጥምታት ትግርኛ: ብ ኻልድ ዓብዱ መሓመድ ስዒድ

መቅድም:   እዚ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ሰፊሩ ዘሎ ግጥምታት፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውድዓዊ ኩነታት ናብ ቅድሚት ብምምጻእ፡  ነቶም ብፍላጥ ኮነ ብየዋህነት ዚድግፉዎን ዚሕለቑሉን ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ከኣ ብምልላይ፡ ነቓፊ ርእይቶን ተግሳጽን ምዕዶን ዚህብ ኮይኑ ብውሕሉል ቃላት እተነድቀ መልእኽቲ ኢዩ።

 እዚ ግጥምታ’ዚ፡ እተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዘ ኾይኑ፡ ገለ ብኣስተንትኖኣዊ፡ ገለ ድማ ብመዘናግዒ፡ ገለ ኸኣ ብምሁራዊ መገዲ ተጻሒፉ ኣሎ።

 ፍቕሪ ኣደ፡ ፍቕሪ ማሕብራዊ ናብራን ዕርክነትን፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን ወድሰብ ዚጓነፎ እተፈላለየ ሽግራትን ብድሆታትን ብመልክዕ ግጥሚ ቀሪቡ ኣሎ። ከምዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዘንብብ መታን ከይስልችዎ ወይ ከየድክሞ ብማለት፡ ኣብ መንጎ ወይ መጠረስታ ነፍስወከፍ ግጥሚ፡ ምስቲ ኣርእስቲ ዚሳነ ይኹን ዘይሳነ ስእልታትን ቅርጽታትን ተወሲኹዎ ኣሎ። እቲ ዘንብብ ሰብ፡ ነቲ ኣሳእል ከም ድላዩ ገይሩ ክትርጉሞ መሰሉ ኢዩ።

 ግጥሚ ወይ መዝሙር፡ ናይ ሙዚቃ መሳርያ ዘየድልዮ ነፍሱ ዝኸኣለ ሙዚቃ ኢዩ። ካብ ኩሉ ዝለዓለ ግን፡ እቲ ብተምሳላትን ምሳሌታትን ዚህቦ መልእኽታት ዓቢ ኢዩ።

 ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነጻነት፡ ባርነት ዚረኣየላ ሃገር ብምዃና፡ ኩሉ መንእሰይ ጠንጢኑዋ ንወጻኢ ይኸይድ ኣሎ። ገለን ዕድል ዝረኸበ ኣብ ቲ ዚደልዮ ሃገር ኪበጽሕ ከሎ፡ ገለን ድማ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ኣጻምእን ዱርን ባሕርታትን ኣኽራናትን ግዳይ ጥምየትን ዕርቃንን ጽምእን ሞትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

 እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ገለ ደም ዘይብሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዚቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ሽማግለታትን ኣዴታትን ነቲ ገፋዒ መንግስቲ ኪድግፉን ኪሕለቑሉን ይረኣዩ ኣለዉ። እምበኣር ሓደ ገጽታ ናይቲ ግጥሚ ድማ ነዞም ኣብ ‘መቓብር ደቆም’ ኪስዕስዑ ነውሪ ወይ ገበን ኮይኑ ዘይስምዖም ባእታታት ናብ ልቦም ዚምለሱሉ ምዕዶ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ።

 ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ስደትን፡ ኪብከየሉ ዚግባእ ህዝቢ ኢዩ። ሓደ ናይ ጓሂኻን ኣስተንትኖኻን መግለጺ ድማ ግጥሚ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይሓዝን ሰብ እንተ ደኣ ኣሎ፡ ኤርትራውነቱ ኣጠራጣሪ ኢዩ።

ኣማኑኤል ሳህለ (ሓምለ 2010)
__________________________________________

መጽሓፍ ንምእዛዝ ንደራሲ ኣብ  khabdu@gmail.com ተወከሱ::

About Awate Team

The PENCIL is awate.com's editorial and it reflects the combined opinions of the Awate Team and not the individual opinion of team members.

Check Also

The Arsonists’ Fire and a Bucket of Water

Into the noise with a small bucket of water, trying to help put down the …

  • kahsay

    continue