ነቲ ናይ 19 ዓመታት ሕሱም ምልኪ ኣላቒቕካ ምትንሳኣ
ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ቅድሚ 19 ዓመታት፡ ንኢትዮጵያዊ ጐበጣ ብምስዓር ነጻነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም። ኣብ 1961፡ ኣብቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ንትሕዝቶ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 1952 ጠቕሊሉ ንምጕሓፍ፡ ናይ መወዳእታ መድረኽ ረጊጹሉ ዝነበረ እዋን ተጀሚሩ ክሰላሰል ዝጸንሔ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ እፎይታ ግልግል ብሓባር ከምዘስመዐ ንዝክር። ከመይሲ፡ ህዝቢ፡ ንገዛእ-ርእሱ ብገዛእ-ርእሱ ዘመሓድረላ ዕለት ክተርክበሉ፡ ን40 ዓመታት ዝኣክል ብሃንቀውታ ጭልም ክብል’ስለዝጸንሔ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ግልግል ምሉእ ኣይነበረን፣ ጊዜያዊ ኰይኑ ተሪፉ። ብዙሕ ከይጸንሔ፡ ዘይ ከምቲ ህዝቢ ዝተጸበዮ ውጽኢቱ፡ ካብቲ ባዕዳዊ ጨቋኒ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ዘይ ሓይሽ፡ ኣብራኽ ኤርትራ ብዝፈረየኦ ሕሱም ገዛኢ፡ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ምትካእ ጥራሕ ኰይኑ ትርፉ።
19 ዓመታት ክበሃል እንከሎ መጠኑ ነስተማቕሮ ‘ዶ? ብዕድመ ሃገር ክግምገም እንከሎ፡ 19 ዓመታት፡ እወ ሓጺር ጊዜ ኢዩ። መዋእል ሓደ ስርዓት ንምግምጋም ክንሓስቦ እንከለና ግን፡ ነዊሕ እዋን ኢዩ። እቶም ነዚ ሓቅነት እዚ ዝርድኡ ኢሳያስን ዓሻኽሩን ተሓለቕትን ግን፡ ኣእምሮ ዜጋታት ንምዕዋን፡ ሃገርን መንግስትን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን መንግስትን ኢሳያስን ከም ሓደን ዘይፈላለን ተረድኦ የዋስቡዎ። እምበኣርከስ፡ ሓንቲ ሃገር ን19 ዓመታት ብሓደ ሰብ ተገቢታ ግትግዛእ ኣዝዩ ነዊሕ ጊዜ ኢዩ። እዚ ዘጠራጥረና እንተደኣ ኰይኑ፡ ናብ ስርዓት መንግስቱ ምልስ ኢልና ንጠምት፦ ዘበን መንግስቱ 14 ዓመታት’ዩ ዕምሩ፣ ንዓና ንኤርትራውያን ግን፡ ሓደ ዘመን ምሉእ ዝጸንሔ መሲሉ ይስመዐና።
መንግስቱ ንጭካኔኡ ምኽንያት ክደልየሉ እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ኲናት፡ ዕለታዊ፡ ብኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናዕበኛታት ኣብ ጽዕጹዕ ውግእ እጽመድ ስለ ዝነበርኩ ክብል ይገልጾ። ምስቲ ኵሉ ጭካኔኡ ግን፡ ብርግጽ ከኣ ጸሓፍቲ ታሪኽ ምስቶም ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ኣዝዮም ጨካናት ዝበሃሉ ዝሰርዑዎ ኰይኑ፣ መንግስቱ፡ ንገለ እሱራት ቤተ-ሰቦም ክራኸቡዎም ብምፍቃድ፡ ንኣብነት፣ ጸጸኒሑ ፍትሐኛ ክመስል ይጽዕት ነይሩ።ጭካኔኡ ምኽኒት ከምዘይርከቦ ርዱእ’ኳ እንተዀነ፡ ገበር ማርክሰ-ለኒንነት ደሪቡ የተግብሮ ነይሩ፣ ንጽልዋን ምምሕያሽን ናይቶም ከም በዓል ሩስያ፡ ምብራቕ ጀርመን፡ ኩባ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ጐይቶት ማርክሰ-ለኒንነት ድማ ክፉት ነይሩ።
ምልስ ኢልና፡ ንዕኡ ምስዚ ሕሱም ዜጋ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነነጻጽሮ፦ እታ መዋፍርቲ ዘይብላ እንኮ ፍልስፍናኡ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሕካ ምንባር ኢያ፣ ስልጣን ንስለ ስልጣን ጥራሕ። ሰብ ምጥፋእ፡ ምእሳር፡ ምስቓይ፡ ንስደት ምቅላዕ፡ ከምኡ’ውን ካልእ እከይ ተግባራት ዕለታዊ ስርሑ ኰይኑ ይርከብ። ናይዚ ኵሉ ሳዲስቲካዊ ተግባራቱ ውሽጣዊ ድፍኢት ድማ፡ ስምዒት ውሕስነት ስልጣን ስለ ዘሕድረሉ ኢዩ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሎሚ ህሉው ኵነት ቅድሚ 19 ዓመታት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ፍጹም ዘይግመት’ኳ እንተነበረ፣ሕጂ ግን፡ ኤርትራ ዝረኸበቶ ምቅይያር፡ ባዕዳዊ ሕሰም ብዘቤታዊ ሕሰም ምትካእ ደኣ’ምበር፡ ካልኡስ ብጭካኔኡን ዘይተሰቃቕነቱን፡ ካብቲ ቀዳማይ ዘይፍለ፡ ትሕጃ ስልጣኑ እንተዘይኰይኑ ናይ ካልእ ፍጡር ዘይዕጥጦ ምዃኑ ብንጹር ተጋሂዱ። እቶም ድሕሪ ነጻነት ከጋጥም ንዝኽእል ምግፋዕ ኣያታት ክዀኑና ኢዮም ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ዘንበረሎም ተጋደልቲ ‘ውን እንተዀኑ፡ ንርእሶም ኣደዳ ጨፍጫፍ ምልኪ ኰይኖም ይርከቡ። ድሕሪ 19 ዓመታት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘመዝገበቶ ምዕባሌ እንተሎ፡ ብኣጻብዕቲ ሓንቲ ኢድ ዝቝጸር’ዩ ንሱ ድማ፦
1ይ- ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ብዝተሰነዐት ባንዴራ ምትካእ፣
2ይ- ንኣምሓርኛ ብትግርኛ ምትካእ።
እዛ ሃገር ቅዋም ዝበሃል የብላን። ግዝኣተ ሕጊ የለን። መራሕቲ፡ ስልጣን ብሰላም ዝረኻኸቡሉ መስርሕ የለን። ናይ ምእካብ ነጻነት የለን። ብማዕከናት ጽሑፍ፡ ርእይቶ ናይ ምግላጽ መሰል የለን። ነጻነት ኣምልኾ የለን። ብነጻ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምምልላስ መሰል ዝበሃል የለን። ሃገራዊ ባጀት ዝበሃል ንርእሱ ‘ውን የለን። ፍትሒ የለን። ሰላም ብዓብዩ ድማ የለን።
ካብተን ኤርትራ ከም ሃገር ቈይማ ዝቘጸረተን 19 ዓመታት፡ እተን 14፡ መራሒኣ የማን ጸጋም ሃሰው እንዳበለ፡ ደም መናእሰይ ኤርትራ ዘፍስሰሉ ብልሓታት ኣብ ምውዳድ ኣሕሊፉዎ። ቀዳማይ ግጥም፡ እቲ ኣብ ታሕሳስ 1995 ዝተራእየ፡ “ብጕዳይ ደሴታት ሓኒሽ” ምስ የመን ዝተወልዐ ኲናት ነይሩ። መፈጸምትኡ ከኣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምጭናቕ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓይሊ ዝዓምጠሮ መሬት ክለቅቕ ተቐሲቡ። ድሕሪ ውሳኔ ሄግ ድማ ካልእ ተወሳኺ መሬት ከረክብ ተገዲዱ። ገና ኣብዚ ዓመት’ዚ ምስ ጅቡቲ ’ውን ምትፍናን ፈጢሩ ነይሩ፣ ፈረንሳ ኣብ ክንዲ ጅቡቲ ተሲኣ ተኣደብ ምስበለቶ ግን፡ ኢዱ ክእክብ ተገዲዱ። ቀጺሉ ዝመጸ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት ኢዩ። ኣብዚ ‘ውን እንተዀነ እታ “ክለይምስ ኮሚሽን” እትበሃል ኣካል፡ እቲ ኲናት ብመራሒ ኤርትራ ከምዝተጀመረ በዪና። ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ጊዜ ድማ፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ማለት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሃገሮም መንግስቲ ክቕይሩ ንዝተዋፈሩ ሓይልታት ኣብ ምዕጣቕን ስልጠና ምሃብን ምትርናዖምን ተዋፊሩ ጸኒሑ። ብተወሳኺ ‘ውን፡ ባይቶ ጸጥታ ከምዝበሎ፡ ዋንነቱ ምስ ጅቡቲ ዘዋጥጥ መሬት፡ ካብ 2008 ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ጐቢጡ ምትሓዙን ዘይምውጽኡን ይፍለጥ።
ሃገር ካብ ሕሰም ኣላቒቕካ ምትንሳኣ ልክዕ ከምቲ እታ ቍጽራ በብእዋኑ እንዳጸረየት እትኸይድ ዘላ፡ ሃገራዊት’የ በሃሊት ጕጅለ መንግስቱ፡ ንዅሉ በደላታ ብስም ኣፍቅሮተ-ሃገር (ፓትርዮቲዝም) እትኸድኖ ዝነበረት፣ እዚ ሕሱም ገዛኢ ኤርትራ ‘ውን፡ እቲ ብንጹህ ሃገራዊነተይን ዘይታለል መንፈሰይን ንጽህና ዕላማይን ብቕንኢ ድቃስ ዝሰኣነ ውዲተኛ ይተሃላኸኒ ኣሎ እንዳበለ ጸት ዝብሎን፡ ጸላኢ ዝኣልሞ ውዲታት ፈንጢሱ ብምሉእ ነጻነት ይጐዓዝ ከምዘሎ እናሻዕ ዘተንብህ ዓዛፍ መደረኡን ሃህ ኢሎም ዝሰምዑን ዘቃልሑን ደድሕሪኡ ዝ ዓብዱ ሰዓብቲ ኣለዉዎ::
ካብ ንነብስኻ ምንኣድ ወጻኢ ግን፡ ድሕሪ ናይ 19 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምጽናሕ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እዚ ኣድሚዐ ኢሉ ክዛረበሉ ዝኽእል ዝጭበጥን ዝተሓዝን መረዳእታ እንታይ ኣሎ? ምቅላል ኣመጋግባ ዶ ይኸውን? እቲ ሕጽረት መጠኑ፡ 75% ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ። እጃም ናይ ወጻኢ ሓገዝ ብመንጽር ጂ.ዲ.ፒ ‘ውን እንተዀነ 29% ኢዩ፣ በዚ መዐቀኒ’ዚ ‘ውን ምስቲ ኵሉ ናይ ኢሳያስ ገፋሕፋሕን ፍለጡለይን፡ ኤርትራ ብጽገዕትኝነት ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ሚዛን ተሳትፎ ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ክጥቀስ ይከኣል ዶ? ተመጣጣኒነት ዓቕሚ ሸመታ ሃገርከ? መጠን ናይቲ ትሕቲ ጽፍሒ ድኽነት ዝርከብ ዜጋኸ? ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብመንጽር ናይ ጂ.ዲ.ፒ ክጥቀስ ይከኣል ዶ? ወይ’ውን እቲ .5% ዝዕቀን ተርባብ ዕቤት ጂ.ዲ.ፒ ክጥቀስ ይከኣል ዶ? (ንሱ ‘ውን እንተዀነ ንኤርትራ ከም መበል 13 ኢዩ ዝሰርዓ።) ቍጽሪ ናይተን ኣብ ትምህርቲ ዝርከባ ደቀ’ንስትዮ እንተዀነ ‘ውን፡ እታ ብኲናት እትባላዕ ዘላ ሶማልያ እትሓሸሉ ኢዩ። መጠን መቕዘፍቲ ሓራሳት እንተወሰድና ‘ውን፡ ናይ ኤርትራ 1,000 ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 100,000 ይግምገም፣ ካብተን ኣብ ዓለም ዝኸፍኤ መቕዘፍቲ ዝረኣየን ኰይና 4ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ( እታ 4ይ ደረጃ ንርእሳ’ውን እተን 3 ኣብ 1ይ ደረጃ ተሰሪዐን ስለዝርከባ)
እምበርከስ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገማት ዘላቡ ኣይኰነን። ደቃ ካብዚ ኵሉ ጸገማት ኣላቒቖም ክርከቡዋ ይግባእ። ሕሱም መራሒኣ፡ ን19 ዓመታት ዝኣክል ብቐጻሊ ከዕንዋ ስለ ዝጸንሔ፡ ዕድላ መፈጸምታኡ ፖለቲካውን ስነ-ምግባራውን ገንዘባውን ድከት ኰይኑ ኣሎ። ነዛ ሃገር፡ በብእዋኑ፡ ካብ ሓደ ትርጕም ኣልቦ ህውተታ ናብ ካልእ ትንፋስ ብዝኸልእ ኣገባብ ከዋፍራ ጸኒሑ ኣሎ። ካብቲ ኵሉ ተግባራቱ ክንየተሉ ዝኽእል ነገር ፍጹም ኣይርከብን። ፋይዳ ህውተታኡ፡ ጓንጓ መብጽዓታትን ምኽኒታትን ጥራሕ ኰይኑ ተሪፉ። ህዝቢ፡ ብዘይካ’ቲ ብትዕቢት ዝዘቕበበ ኣንነቱ፡ ካብኡ ዝረኸቦ ዝሕፈስ ይኹን ዝድህሰስ ዕንጋሎት የለን። ንስለ ድሕነት እዛ ሃገር፡ ኢሳያስ ባዕሉን እቲ ብልሹው ቅርጻኡን ክግለፍ ኣለዎ።እቲ ንዕ ኡ ዝትክኦ ድማ ሓዲሽ ቅርሳ ክኸውን ይግባእ፦ ኣብ ልግሲን እንግድዓን ህዝቢ ዘይልጠፍ ቅርጻ! ተስፋኡ ምስ ልዕለ-ሓያላን ዝስራዕ ዓቕሚን ክእለትን ኣለና ኣብ ዝብል ንግር ተሓሊኹ ዘይነብር ቅርጻ! ኣብ ውሽጢ ጋህዲን ሕውነታዊን ሃዋህው፣ ዜጋታት ነጻ ኰይኖም ኣብ ዝዋስኡሉ ምዕሩይ መኣዲ፣ ብሓርነት ተዛትዮም ዝሃንጹዎ ቅርጻ! ነቲ ብታሪኹን ባህሉን ዝሕበን ህዝቢ ዝበቅዕ ቅርጻ! ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ብሃገሩ ክሕበን ዝኽእል ንጹህ ዜጋ ኣይክህሉን ኢዩ።
Awate Forum
Haile S.,
Don't you think he sniffed enough with that thing? But I think it's the wrong nose; if not, do you think he left it with contempt or feasted on it?
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 4 hours ago
ሰላም ሳልሕ
Pragmatic ምኽሪ ሂብካ
ንዓ ኢሱ ኩነታት ሃገር ጭኖ ቢልካ
ኮይኑ'ምበር ኣፍንጫ እንዳ-ዳዕመስካ
-- ግና ካብ ሃለዎ 5x2 ኣብ መንጎ ሰለፉ
-- መሽተቲ'ውን ይህልዎ ኣብ ትሕቲ ኣፉ
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 4 hours ago
Hi BNB, I will stick to my initial assertion, "If you write they will show up". Ergo your amendment has been rejected or as Daniel will say these days, "ብጻይ በያን፣ዘቅርብካዮ አማማ ቅቡል...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 12 hours ago
ሰላም በያን
ማ ፊ ሙሽኪላ
ኣነስ ዛዕባ ዲሞክራሲ እንተልዒልና እሞ ኸኣ ናብ ከባቢና ካብ ጠመትና .. ነገሩ በትረይ አሎኒ ዘሕምቖ 'ለኒ ኣይኹን ክብል ንምፍታን ኢዩ
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 13 hours ago
Selam M/Brhan,
Many thanks for your comments. Greetings for now, bear with me as well until I come back later today.
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 15 hours ago
Hey now, "If you write others will show up". Amending it to read, if WE write others will show up. Speaking of writing, you do have a way of expression that can only emanate from someone...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 15 hours ago
Hi All Speaking of justice and democracy and rule of law. There is breaking news today in Shabait declaring th 34th anniversary If you do not know what this anniversary is here is a primer It...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Hi BNB
Thanks for the selamta. If you write others will show up
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago