ስርዓት ህግደፍ፡ ሕጂ’ኸ ናበይ?
ኣቐዲመ ንኹሉኹም ፈተውቲ ሰላምን ፍትሕን ርሑስ ሓድሽ ዓመት እምነየልኩም። ከምኡ ድማ ነቲ ውጹዕ ህዝብና ናይ ሰላምን ለውጥን ዓመት ክኾነሉ እምነ።
ቀጺለ ናብቲ ኣዝዩ ውዕውዕን ተኣፋፍን ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኤርትራ ብምእታው፡ ዘሎኒ ሕጽር ዝበለ ርእይቶ ከቐምጥ እፈቱ። ጉዳይ ኤርትራ ሎሚ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ዓለም መዛረቢ ኣደባባይ ኮይኑ ኣሎ። “መለበሚያ ኣይግበርካ መለበሚ’ኸ ኣይኽላእኻ”፡ ከምዝበሃል፡ ዕድመ ንኣቶ ኢሳያስ ሃገርና ሎሚ ምስሓቕ ሸራፋት ኰይና’ላ። ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ብህልኽን ህንጥውናን ዝተላዕጠጠ፡ ሂወት ህዝብና ረማሲሱ ሃገርና ኣብ ሕቶ ምልክት ኣውዲቕዋ ይርከብ።
እሞ እቲ ስርዓት ህግደፍ ቶዅቲኹ ቶዃቲኹ ዘምጽኦ ቁጠባዊ ማዕቀብ(እገዳ) ብኸመይ ንመዝኖ?
ልክዕ ኢዩ፡ ኣይኮነን ሃገርካስ ዝኾነት ሃገር እውን ብዓለምለኸ ደረጃ ክትቅጻዕ ደስ ዘየብል ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግና ስርዓት ህግደፍ ተሃንጥዩ ዘምጸኦ ሰበብ ስለ ዝኾነ፡ ዝግበር ነገር የለን። ወይዘሮ ሱዛን ራይስ ኣብ ሕቡረት ሃገራት ናይ ኣሜሪካ ወኪል “ነዚ መቕጻዕቲ’ዚ ክንውስን ብሓጎስን ደስታን ኣይኰናን ገርናዮ። ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ንኽቕይር ዘይገበርናዮ ጻዕሪ የለን።” ከምዝበለቶ ብድርቅናን ህልኽን ዝተላዕጠጠት ፖሊሲ ኢሳያስ ምዃኑ ኢዩ።
ህዝብና እንተዀይኑ ቅድሚ እዚ ብሕቡራት ሃገራት ዝወረደ ማዕቀብ ብስርዓት ህግደፍ ተዓቂቡዎ ኢዩ። ከይሸይጥ ከይልውጥ፤ ሓሪሱ ወይ ነጊዱ ከይነብር ንሓያሎ ዓመታት ተኣጊዱ ኢዩ። ደቁ ኣምሂሩ ክይጥወር እውን ተነፊጉ ኢዩ። ኰታ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተኣሲሩ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ እዚ ማዕቀብ’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ፈልዩ ስለ ዝሃርም፡ ንህዝብና ካብቲ ዘለዎ ኣይውስኸሉ ኣይንክየሉ። ነቲ ዘሳቕዮ ዘሎ ስርዓት እንተ ኣዳኸመሉ ግን ጠቓሚኡ’ምበር ጎዳኢኡ ኣይኮነን። የግዳስ ቅድም ኢሉ እኳድኣ ክግበር ነይርዎ።
ብመሰረቱ እዚ እገዳዚ ኣብ ክንዲ ብጉዳይ ሶማልያን ጅቡቲን ዝኸውን ብምኽንያት ጭቆናን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ኪኸውን ነይርዎ። እንተዀነ ግን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ዘይምእታው ዝብል ስምምዕ ስለ ዘሎ ኢዩ። ይኹን’ምበር ህዝቢ ዓለም ጭቆና ህዝቢ ኤርትራ ዝስሕቶ ኣይኮነን። በዚ ኰይኑ በቲ ግን እቲ መቕጻዕቲ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ኢዩ።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ መስከረም ዳት ነት ጀሚረካ ስጋብ አለናልኪ እዚ ወሪዱ ዘሎ ማዕቀብ ቆጭቆጭ ዘበሎም ይመስል።ንሕና ግን ሎሚ ኣይኮናን ሓዚና፡ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍ ክእሰርን ክቕተልን ክጠምን ክስደድን እንከሎ ኢና ሓዘና ወዲእና።
ሃገራውነት ማለት ንህዝብኻ ዝጭፍልቕን ዘሳቕን ስርዓት ምድጋፍ ኣይኮነን። ሃገራውነት ማለት ህዝቢ ክሳቐ እንከሎ ከም ዘይናትካ ብምርኣይ፡ ዲክታተራዊ ስርዓት ብሕጊ ክቕጻዕ እንከሎ ሃገራውያን ምምሳል ኣይኮነን። ሃገራውነት ማለት ብሽም ላዕላውነት መሰል ህዝቢ ረጊጽካ፡ ንጎቦታትን ሽንጭሮታትን ምክልኻል ኣይኮነን። ሃገራውነት ማለት ቀንዲ ንመሰል ህዝብኻ ምክልኻል ማለት ኢዩ። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ መሰል፡ ሃገር አሎኒ ክበሃል ኣይካኣልን። ብሓፈሽኡ ግን ኣብዝኾነ ቦታን ግዜን፡ ዲክታቶራትን ደገፍቶምን ወጽዓ ህዝቢ ምንም ኣይስምዖምን።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ወዮ ድኣ ካብ ክውንነት ዘይመሃሩ ኰይኖም’ምበር ኢሳያስ ኣብ ሶማል ኣትዩ ከታራምስ ዝጀመረ ንህዝቢ ሶማል ወይ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ ኣይኮነን። ኣብ ጅቡቲ ኣትዩ ኵናት ምኽፋቱ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ወይ ንህዝቢ ጅቡቲ ክጠቅም ኢሉ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ምስ ወያኔ ህልኽ ስለ ዝሓደሮ ጥራይ ኢዩ። ህልኽ ኢሳያስ ምስ ወያኔ ጥራይ ኣይ ኮነን። ምስ ኢጋድ፤ ሕቡራት ሃገራት ኣፈሪቃ፤ ዓረብ ሊግ፤ ሕቡራት ሃገራት ብዓቢዩ ድማ ምስ ኣሜሪካ። ወዳጀ!! ብዊንታን ስሚዒትን ሓደ መራሒ ሃገር ክትጠፍእ!! ኢሳያስ ዓቕሙ ዘይመዝን ብህልኽ ዝዓወረ ዲክታቶር ኢዩ። ብዓል ሩሲያን ቻይናን ከምኡ ድማ ምብራቕ ኤውሮጳን ዝሓደግዎ 70 ዓመት ዝገበረ ኣረጊት ፖለቲካ ሒዙ ሲኣይኤ(CIA) ክብል ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። ይብለኩም ኣሎኹ መፍቲሒኡ ቆሪጽካ ነዚ ስረዓት’ዚ ምውጋድ ጥራይ ኢዩ።
እሞ’ኸ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ኸ ጉዕዞኡ ናበይ ኢዩ? እዛ ዝኽተላ ዘሎ መንገዲ ኣበይ ከተብጽሖ ኢያ?
ከም ዝመስለኒ ወዮ ድኣ ሓደ ጸቓጢ ስርዓት ብቐሊሉ ኢዱ ዘይህብ ኰይኑ’ምበር፡ ጉዕዞኡ ኣብ ዕጽዊ መንገዲ ዝበጽሐ ይመስል። ህዝብና ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንስርዓት ህግደፍ ከም መንግሰቱ ዘይኮነስ ከም ጸላኢኡ ኢዩ ዝሪኦ። ከምኡ ሰለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ስደት ጺዒቑ ዝርከብ። እቲ ዘገርም ግን ኢሳያስ “ ወያኔ ጸላኢኻ ኢዩ” እናበለ እንተ ጋዓረ በሻሓት ዝቑጸር ህዝብና ናብ ኢትዮጵያ ይዕቆብ ምህላው ኢዩ። ብዓለም ለኸ ደረጃ’ውን እነተ ኾነ ስርዓት ህግደፍ ጨሪሹ ተነጺሉ ክበሃል ይከኣል። ዘገርም ኢዩ፡፤ ሕቡራት ሃገራት ኣፈሪቃ ብሙሉአን መሪሩወን “ ስርዓት ኣሰመራ እገዳ ይገበረሉ” ኢለን ናብ ሕቡራት ሃገራት ክጠርዓ ኣብ ዓለም ቀዳምነት ዝሓዘ ታሪኸ ኢዩ። ዓለም ኩላ ኣንጻር ኢሳያስ ኰይና። እቲ ዘይስነሞጎታዊ ኣተሓሳስባ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ “ዓለም ኩሉ ተጋጊዩ! ኢሳያስ ጥራይ ጥዑይ!” እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ናይ ጥዕና ኣይ ኮነን።
እዚ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ወሪዱ ዘሎ መቐጻዕቲ ናይ መጀመርታ’ምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። ኣብቲ ዞና ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ሽፍትነት ገበን ጠጠው እንተ ዘየቢልዎ ዝበርትዐ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉ ዘየጣራጥር ኢዩ። ኣነ ኳ ዝብል ሓንጎል ኢሳያስ ብህልኽ ስለ ዝተሰርሐት ኢዱን እገሩን ኣኪቡ ዝኸይድ ኣይመሰለንን። ብዝኾነ ንግዜ ንግደፎ።
እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ካባና ናባና ኢዩ። ካብ ግዳም ፍታሕ ክንጽበ የብልናን። ዘሎ ዓቕምታትናን ሓይልታትናን ኣወሃሂድና ካብ ምቅላስ ካሊእ ምርጫ የብልናን። ከምቲ ሕጂ ዝረአ ዘሎ በቢፊናኻ ምጉያይ ዘዐውት ኣይኮነን። ካብዚ ዝገደደ “ብሰላማዊ ወይ ብጎንጺ ኣገባብ ቃልሲ” ዝብል ንኪዳን ዘዳኽምን ዝፈላልን ኣብ ህዝቢ ኣውሪድካ ምክታዕ ከይዱ ከይዱ ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ኢዩ። እምበኣረይ ኪዳን ምስቲ ኩሉ ድኽመታቱ ሓንቲ ኣገዳሲትን ጠርናፊትን መሰረት ኣንቢሩ ክበሃል እነተ ኮይኑ እቲ ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ ንጠቐም ዝብል ኢዩ። ኩሎም በቢቲዝኣምነሉ፡ ብብረት ዝኣምኑ ብብረት፡ ብስላም ዝኣምኑ ብሰላም ተሳማሚዖም ስልጣን ካብ ስርዓት ህግደፍ መንዚዕካ ናብ ህዝቢ ምርካብ ማለት ኢዩ።እዚ ስምምዕዚ ኣብቲ ቻርተር ሰፊሩ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ ብውሽጢ ውሽጢ ይኹን ብጋህዲ ኣባል ኪዳን ኮንካ ነቲ ዝተሰማማዕካሉ ምቅዋም ኣብ ኪዳን ዘይምትእምማን ምፍጣር ኢዩ።
እቲ ክኸውን ዘለዎ ብዕጥቂ ዝቃለሳ ኣባላት ኪዳን ሓይልታተን ኣብ ሓደ ጠርኒፈን ንኪዳን ከረክባ አለወን። ዝኾነ ይኹን ወተሃዳረዊ ስርሒት ብማእከልነት ኪዳን ይካየድ።እዚ ብሃገር ደረጃ ዝተጠርነፈ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክልተ ጠቕምታት ኣለዎ። ሀ)ኣደማዒ ቃልሲ ከወፊ ይኽእል። ለ) ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ዝኸውን ሃገርን ህዝብን ዝከላኸል ሰራዊት ይኸውን። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ክትካሰስን ክተወቓቐስን ጠቕሙ ንስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ኣቶም ንሓያሎ ዓመታት ብዕጥቂ ክቃለሱ ዝጸንሑ ብረትኩም ኣወርዱ ክትብሎም ኣይካኣልን። ነቶም ብሰላማዊ መንገዲ ኢና እንቃለስ ዝብሉ’ውን ብግዲ ብብረት ተቓለሱ ክትብሎም ኣይትኽእልን። መፍቲሒኡ ምስምማዕ ጠራይ ኢዩ። ኩላትና ዝተፈላለየ እምነታት ክህልወና ይኽእል። ኣነ ብወገነይ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ኣብ ገለ ፍሉያት ሃገራት ዝተዓወተ ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። ይኹን’ምበር አእምነትና ሒዝና ህዝብና ካብ ግፍዒ ናይቲ ስርዓት ንምድሓን ክንሳማማዕ ናይ ግድን ይኸውን። ከም ምርጫ ኩሉ ግዜ ብሰላማዊ መንገዲ ይምረጽ። ግን እቲ ውሳኔ ኣብቲ ተቓላሳይ ኣካል ጥራይ ኣይኮነን። ናይቲ እትቃለሶ ስርዓት ኩነታት እውን ወሳኒ ኢዩ። ካሊእ ይተረፍ ንናጽነትና ዝመረጽናዮ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ኣብ መጀመርትኡስ ሰላማዊ ኢዩ ነይሩ። ብሰላማዊ መንገዲ ባዕዳዊ ጸላኢ ክወጽእ ሰለ ዘይተኻእለ ኢዩ ኣብ ጐንጺ ተኣትዩ። ፈቲና ኣይኮናን ኮማንዶስ ኣሕዋትና ንቐትል ዝነበርና። ከምኡ’ውን ብሰብኣዊ ርህራሄ ዓይኒ ክረአ እንከሎ ተገዲዶም ዝመጹ ደቂ ድኻታት ኢትዮጵያውያን ክትቀትል እውን ደስ ኣይብለካን። ሕጂ’ውን ንመሰለን ድሕነትን ህዝበይ ዝቃለስ እንተዀይነ፡ ሓደ ሓወይ ናይ ህግደፍ ናይ ጸጥታ መሳርሒ ኮይኑ ኣብ ፎቖዶ ዶባት ዓቕሎም ጸቢብዎም ዝሃድሙ ዜጋታት ዝርሽንን ዘባሳብስን እንተ ኮይኑ፡ ስጉመቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን። ንዓይ ጭቆና ህዝበይ ጭቆና ኢዩ፡ ብወዲ ሃገር ኢኩን ብባዕዳዊ መለሳ የብሉን። እሞ ንዝዀነ ዝውሰድ ኣገባብ ቃልሲ ብመንጽር እቲ መዘና ዘይብሉ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ እንተረኣናዮ ይሓሽ ይመስለኒ።
ርእይቶ፡ fitiwi@planet.nl
Awate Forum
Haile S.,
Don't you think he sniffed enough with that thing? But I think it's the wrong nose; if not, do you think he left it with contempt or feasted on it?
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 4 hours ago
ሰላም ሳልሕ
Pragmatic ምኽሪ ሂብካ
ንዓ ኢሱ ኩነታት ሃገር ጭኖ ቢልካ
ኮይኑ'ምበር ኣፍንጫ እንዳ-ዳዕመስካ
-- ግና ካብ ሃለዎ 5x2 ኣብ መንጎ ሰለፉ
-- መሽተቲ'ውን ይህልዎ ኣብ ትሕቲ ኣፉ
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 4 hours ago
Hi BNB, I will stick to my initial assertion, "If you write they will show up". Ergo your amendment has been rejected or as Daniel will say these days, "ብጻይ በያን፣ዘቅርብካዮ አማማ ቅቡል...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 12 hours ago
ሰላም በያን
ማ ፊ ሙሽኪላ
ኣነስ ዛዕባ ዲሞክራሲ እንተልዒልና እሞ ኸኣ ናብ ከባቢና ካብ ጠመትና .. ነገሩ በትረይ አሎኒ ዘሕምቖ 'ለኒ ኣይኹን ክብል ንምፍታን ኢዩ
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 12 hours ago
Selam M/Brhan,
Many thanks for your comments. Greetings for now, bear with me as well until I come back later today.
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 15 hours ago
Hey now, "If you write others will show up". Amending it to read, if WE write others will show up. Speaking of writing, you do have a way of expression that can only emanate from someone...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 15 hours ago
Hi All Speaking of justice and democracy and rule of law. There is breaking news today in Shabait declaring th 34th anniversary If you do not know what this anniversary is here is a primer It...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Hi BNB
Thanks for the selamta. If you write others will show up
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago