Awate.com

ጦብላሕታ፡ ናይ ሎንዶን ሲምፖስየም

ብጥሪ 9 ኣብ ሎንዶን ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ሓዘል ሲምፖስየም ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ዘመዝገቦም ሸቶታ  እንተሃለዉ፣ ተኻፈልቲ ብዘይቐይዲ ውዕዉዕ ዘተ ከካይዱ ብምኻአሎም ኢዩ። መጀመርያ ካብቲ ንዓይ ዝመሰጠኒ ፍጻሜታት ሓደ ፡ግዝያዊ ሕቶ ምዃኑ’ኳ እንተተአመነሉ፡ ግን’ከስ ነቲ ኣርእስቲ ብዘይምግባዝ ኣልዒልካ ብህድአትን፣ብስለትን ምዝታይ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልአይ ድማ ዓቢኡ ንእሽታኡ፣ ከበሳዊ መታሕታዊ፣ ኣስላምይ ክርስትያናይ፡ ንህንጸት ሃገር ዘድልዩ ቅድመ-ኩነት ንምምልእ ዓቢ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ብምግንዛብ ይኸውን። ካብቶም ኣገደስቲ ተብሂሎም ዝቐረቡ ርእሰነገራት ብኽፋሉ ናይ መሬት አጠቓቕማ አብ ዓዃይን  አርብሕቲ ከብቲን ዘለዎ ጽልዋ፣ ናይ ብሔር ብሔራት መሰላት ከምኡ’ውን ወግዓዊ ቛንቛታት መንግስቲ ዝኾኑ ትግርኛን ዐረብን ብዘይአድልዎ ክምዕብልሉ ዝኽእሉ ባይታ ምፍጣር ዝአመሰሉ ነበረ። ብሕልፊ ድማ ካብ ከበሳ ናብ መታሕት ብምውራድ ነቶም ብተፈጥሮ ሳዕሪ በቝል ዝኾኑ ቦታታት ብምግባት ብድሑር ናውቲ ማሕረስን ብዘይተመሓየሹ ኣዝርእትን፡ ዕዮ ሕርሻ ብምክያድ ናይ ምግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝግበር ሃተውተው ንሓዋሩ ጠንቂ ናይ ተሳኒኻ ምንባር ክኸውን ከምዝኽእል ተሳተፍቲ ዕሙቕ ዝበለ ግንዛቤ ከም ዘሕደሩ ክርዳእ ክኢለ። ዝሓለፉ መንግስትታት ኣቓልቦ ከይገበርሉ፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ እዚ ነዳይ መንግስቲ ሻዕብያ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሰፈራ ወፈራ ንመግቢ ውሕስነት ከምዘየረጋግጽ፡ የግዳስ ናይ ሓድነት ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግንዛብ ብአጋኡ ክብዳህ ከምዝግባእ ዝቀረበ ጽሑፍ ኣስሚርሉ። ከበሳታት ኤርትራ መሬቱ ተባሕጒጉ፣ ማይ ምንጩ ደሪቑ፣ ኣፍላጋቱ ማይ ሓሪምዎ ኣብ ምድረ በዳ ዝልወጥ ዘሎ ታሪኻዊ ምልክዓ-ምድሪ፣ ብዕምቖቱ ጥልቕ ዝበለ ምስሳይ ከምዘድልዮ እሙን ኢዩ። ካብቶም ክውሰዱ ዘለዎም ስጒምትታት ድማ ሓረስታይ ክጥቀመሎም ዝኽእሉ ሕርሻዊ ምኽርታትን ኣስተምህሮን ምሃብ፣ ቐጺሉ,ውን ብተክኒካዊ መጽንዕቲ ዝተሰነየ ናይ መሬትን ማይን ዕቀባ ክካየድ ከምዝግባእ ተሳተፍቲ ተገንዚቦም። ኣብዚ ብተወሳኺ ክግለጽ ዘለዎ ጉዳይ፡ ሕርሻ ናይ ኤርትራ ንምስሳይ ይኹን ንምምዕባል ብተናጸል ዘይኮነስ ምስተን ኣብ ኣከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዘካይድኦ ፈተነታትን ፍጻሜታትን ውጥንካ ኣዋሂድካ ምስላይ/ምጓዐዝ (ሰለይ ምባል) የድሊ። ናይ ተወሃሂድካ ምስራሕ ስትራተጂ ረብሓኡ ድግግሞሽ ኣወጊዱ ማተሪያላዊን ሰብአዊን ንዋይ ስለዝቑጥብ ኢየ ኣጽኒዔ ዝድግፎ። ኣብ መወዳእታ ናይ መታሕት መሬት ካብ ከበሳ ፈሊኻ ዘይትርእዮ ብጣዕሚ ተአፋፊን፡ ተምባእን፡ ሕንቁቕን ስለዝኾነ ካብ ምግሃሱ ምቑጣብ ይግብእ። መሬት መታሕት  ናይ ኤርትራ ኩለንተናዊ ናይ ሽግር መግቢ  መፍትሕ ክኸውን አይክእልን ኢዩ። እንታይ’ደአ ንዝመጽእ ግዜ ፡ ናይ መግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ናይ ሞትን ሂወትን ቃልሲ፡ ሓጋዝን ተወሳኽን ክኸውን ከምዝኽእል ጌርካ ምውሳዱ ይግብእ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ግን አብ መሬት መታሕት ፍጹም ጠመተ ምግባር፡ ንኽዘርግ/ንኽብትን ዝተዓጥቀ ባእታ ሰፊሕ ማዕጾ ከምምኽፋት ይቑጸር።

ካብዚ ሓሊፉ ብመንእሰይ ተመራማሪ አሕመድ ዝቀረበ ናይ ብሔር ብሔራት መሰል ክኸውን እንከሎ፡ ሙሁር ኣሕመድ ዘስመረሉ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ብሔራት ኤርትራ ተጻቦአዊ ግርጭታት ከምዘየለ እንታይድ’አ ዘተሓባብርዎም ይኹኑ ዘሳንይዎም ረቛሒታት ብዝያዳ ከምዘለው ብሰነድ ዝተሰነየ መረዳእታታት አቕሪቡ። ደቂሰባት ብመሓውራት መራኸቢ ከም መንገድታትን፣ ጽሑፍን ፣ጊዜ ብዘምጽኦ ኤለክትሮኒካዊ ጥበብን ምስ ዝተአሳሰሩ ጥራይ ኢዮም እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዐቢ ጋግ ከምእምንት ዝርእይዎ። ካብ ዝፈላልይዎም ነገራት፡ ሓደ ዝገብሮም ብኽብደት ከምዝምዝን’ውን የስተውዕሉ።  ሓደ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ዝኽእል ምስ ዝጸዋወር፣ ዝከባበር፣ ካብ ብኣሉታዊ  ብኣወንታዊ መንፈስ ክግዛእ እንከሎ ምዃኑ ተሰሚርሉ።

ካብዚ ቀጺሉ ሃይማኖት ናይ ብሕቲ፣ ሃገር/መንግስትን’ከ ናይ ሓባር ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ናይ ምዕራባውያን ተመክሮ ማእከል ብምግባር ሃይማኖት ንምሕደራ ሃገር መሰናኽል ክኸውን ከምዘይብሉ ብንጹር ቀሪቡ። ቋንቋ ዐረብ ብዝምልከት’ውን ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።  ምትእትታው ቋንቋ ዐረብ ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ምዃኑ ካብዚ ብምብጋስዩ ድማ እታ ከም lingua franka ኮይና ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከተገልግል ዝጸንሔት ቋንቋ ከም ወግዐዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኮይና ክትስየም ዝኸኣአለት። ካብዝቐረበ ጽሑፍ ክንርድእ ከም ዝኸኣአልና፣ ዐረብኛ ብውግዒ ሓንቲ ካብተን ቋንቋ ኤርትራ ተባሂላ ክትስየም እንኮላ ፓርላም ናይ ኤርትራ ብ37 ድምጺ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቅበሎ እንኮሎ፡ ተቓወሚ ድምጺ 2 ጥራይ ነበሩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን 28 ኣባላት ካብ ድምጺ ምሃብ ተቖጠቡ.። ካብቶም ብአወንታ ዘድመጹ ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል ክሕትቱ ፡ “መብዛሕታኦም አስላም ኣሕዋትና ቋንቋ ዐረብ መሰነይታ ትግርኛ ይኹን ካብ በሉ ክንቋወሞ የብልናን” የሉ፡

ኣብ ሲምፖስየም ዝቀረቡ ጽሑፋት ብሰለስተ ቋንቋ ኮይኑ፡ ዐረብኛ ሓንቲ ካብአን ነበረት። እቲ መደረ ይኹን፣ ሓተታ፣ ሕቶን መልስን’ውን እንተኾነ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ነበረ። ሓፈሻዊ ግምገማ ናይቲ ኣኼባ ምጥቓስ ምስ ዘደሊ ቑም ነገር ከም ዝነበሮ ንዕዘብ። ከም’ውን ግሉጽ  ኣብ ርእሲ’ምንባሩ፡ ተሳተፍቲ ኣስተምህሮ ዝረኸብሉ ይመስል። እዚ ብጥሪ 9, 2010 ኣብ ሎንዶን ዝተገብረ ሲምፖስየም ፡ነቲ በብማዕከኑ ዝካየድ ዘሉ  ኣስትምሁራዊ መጋባእያታትን፣ ኣኼባታትን፣ ፓልቶክን ተወሳኺ ድጋፍ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እዚ ኣብ ሎንዶን ዝተኻየደ አኼባ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሚንያፖሊስ ሚኒሶታ፣ ሲንሰናቲ ኦሀዮ፣ ኦክላንድ፡ ከማኡ’ውን ኣብ ኣትላንታ ዝካየድ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ፈሊኻ ዝርኤ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዓላማ ናይ እዞም ዝተፋላለዩ ኣኼባታትን ዋዕላታትን፡ ወዲ ሰብ መሰሉ ዝሕለወሉ፡ ኣብ ክንዲ ውግእን ወረ ውግእን ብሰላም ሂወቱ ዝመርሓሉ መንገዲ ንምንዳይ ስለ ዝኾነ። ነዚ ተዐሊሙ ዘሎ ኣብ ግብሪ ንምውዐል  ግን ተሳትፎ ብዙሓት ይሓትት፣ ብፍላይ ድማ ብንዋይ ይኹን ብሓንጎል ከበርክቱ ዝኽእሉ ደቂ ሃገር። ስድሪ ነዚ ስምፖስየም ከተዳሉ ካብ ዝደረኻ ሓደ ምኽንያት እዚ ኢዩ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares