Awate.com

ደገፍቲ ህግደፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር መን?

ብመሰረቱ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ካብ ኣጽዋር ኵናት ጉድኣት ትዘይ ኮይኑ ዝረኸቦ ጥቐሚ የለን። በንጻሩ እኳ ድኣ ዝተፋላለዩ ሽፋቱ ንኸዕጥቕ ካብ ኣፍ ህዝቢ እናመንዘዐ ኣብ ኣጽዋር መሸመቲ የውዕሎ ኣሎ። ላዕለወት ሓለፍቲ ህግደፍ እውን ብምኽንያት ፈስታታትን ጓይላታትን ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ገርሂ ዘይጋ ክልተ ካብ ሚኢይቲ’ዶ ካሊእ’ዶ እናበልካ ካብ ምምዝማዝ ይድሕን። እዚ’ውን ነቲ ህዝቢ ጠቃሚኡ ኢዩ። ብፍላይ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብዝያዳ ክትድግፍዎ አሎኩም። ምኽንያቱ ንዓኹም ኢዩ ከፊእኩም ዘሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረት ህግደፍ እውን ንህዝቢ ክጠቅም ኣይራኣናን። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንብረት ዘይጠቀመስ ኣብ ወጻ ዘሎ ክጠቅም? ህዝቢ ከመይ ይነብር ኣሎ ድማ ኩሉታ ንፈልጦ ኢና። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ’ውን ዝጠፍኦም ኣይ ኮነን።

ብመሰረቱ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ወይ መንግስቲ ብሕቡራት ሃገራት  ቁጠባዊ ማዕቀብ ክወርድ እንከሎ “እወ፡ ተጋግየ ይግባኣኒ ኢዩ።” እትብል ሃገር ወይ መንግስቲ የላን። እቲ ግብረ መልሲ” ኣድልዎ ተጌሩለይ፤ዘይሕጋዊ ኢዩ፤ ሕቡራት ሃገራት ብኣሜሪካ ዝዕብለል ኢዩ፤ ወ.ዘ.ተ.” ዝብል ኢዩ። ከምቲ ሓደ ሕማቕ ተምሃራይ ብሕምቀቱ ከይእመን ንመምህሩ ዘሳብብ ኢሳያስ እውን ኩሉ ግዜ ንሕቡራት ሃገራት፤ንኣፈሪቃ ሕብረት፤ ንኢጋድ ኮታ ንኹለን ናይ ዓለም ትካላት ምስ ኣማረረ ኢዩ። ኣብ ሂወቱ ጌግኡ ተኣሚኑ ኣይፈልጥን።

እሞ መታን ሚዛናውን ውድዓውን ፍርዲ ክንህብ እስከ ርግእ ኢልና ገበናት ስርዓት ህግደፍ ንጥቀስ። ስርዓት ህግደፍ እዚ ማዕቀብ’ዚ’ዶ ኣይግብኦን ኢዩ? እዚ ማዕቀብ’ዚኸ ንመን ይሃሲ? መፍትሒኡ’ኸ እንታይ ኢዩ? 

  1. ገበናት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ

    ሓቂ ክንዛርብ እንተኰይኑ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ መዘና የብሉን። ህዝብና ናይ ምዝራብ፤ ምጽሓፍ፤ምእካብ፤ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር፤ ምንቅስቓስ፤ ናይ ሃይማኖት መሰላት ከምዘይብሉ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብሩህ ኢዩ። በብዕለቱ ዝእሰር ህዝቢውን ውሑድ ኣይ ኮነን። ወለዲ ደቆም ኣምሂሮም ከይጥወሩ መንእሰይ ኩሉ ብግዲ ኣዐስኪሩ ናይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ኰይኖም ይርከቡ። ስደት ካብቶም ዝሓለፉ ዘበናት ጽዒቑ ይርከብ።ኣብ ፈቖዶ ዶባት ብጥይት ዝርሸኑ መንእሰያት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ገበናት’ዚ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ዝተፈልጡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም በዓል ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ሁማን ራይትስዎችን ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ህዝባዊ ገበናት’ዚ ኣይኮነንዶ ማዕቀብስ ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ዓለም’ዶ ዘቕርብ ኣይኮነን?

  2. ገበናት ስርዓት ህግደፍ ባዓለምለኻዊ ሕጊ

    ሀ) ናይ ደሴታት ሓነሽ ኵናት

    ብዓኒ ኣህጉራዊ ሕጊ ኢሳያስ ኣብ ደሴታት ሓነሽ ዝወለዖ ኵናት ገበን ኢዩ። ይግባኣኒ ኢዩ ዝብሎ መሬት እንተ ሎ ብሕጋዊ መንገዲ ኢዩ ክሓትት ዝግባኦ። ኣብዚ ኵናት’ዚ 12 ንጹሃት ኤርትራውያን መይቶም። ከምኡ’ውን ብወገን የመናውያን። እዚ ብናይ ዓለም ሕጊ የቕጽዕ ኢዩ።

    ለ) ኣብ ልዕላዊት ሃገር ሱዳን ኢድ ምእታው

    ኩላትና ከም እንፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ብ1994 ምስ መንግስቲ ሱዳን ጽልኢ ፈጢሩ፡ ናይ ምብራቕ ሱዳን ተጋደልቲ ብምፍጣር፡ ንሱዳን ስጋብ ከሰላ ኣትዩ ወሪሩዋ ኢዩ።ሕጂ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኢድ ምእታው ኣይገደፈን። እዚ’ውን ብዓለምለኻዊ ሕጊ ገብን ኢዩ።

    ሐ) ብ1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝኸስተ ኵናት

    ምስ ኢትዮጵያ’ውን ልክዕ ከምቲ ጉዳይ ሓነሽ ኢዩ። ይግባኣኒ ኢዩ እትብሎ መሬት እንተሎ ብሕጊ ዘንግኻ ተኺልካ ትምጉት። ካብዚ ሓሊፉ ስርዓት ህግደፍ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘይ-ሕጋዊ ኣገባብ ኢዩ። ቅድም ብሓይሊ ይወርር ደሓር ናብ ሕጊ ይኣቱ። ስርዓት ህግደፍ ዋላኳ ባድመ ናይ ኤርትራ እንተ ኾነት ብሕጊ ኢዩ ክሓት ዝነበሮ። እቲ ወተሃደራት ሰዲድካ ቦታ ምሓዝ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ኢዩ። ከምኡ ሰለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ቤት ፍርዲ ዓለም ናይ ጀማሪ ኵናት 10 ሚልዮን ዶላር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ካሕሳ ዝፈረደ። ብኽልቲኡ ኣብቲ ኵናት ዝጠፍኡ ነብሳት አውን እቲ ስርዓት ብታሪኽ ተሓታቲ ኢዩ። እዚ’ውን ብዓለምለኸ ደረጃ ገበን ኢዩ። ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ’ውን፡ ሕራይ ልክዕ ኢዩ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ተጋጊያ ነቲ ውዕል ነጺጋቶ ነይራ። ድሓር ግን ሪኢቶ ዓለም ምስ ተገንዘበት ተቐቢላቶ። ግን ናይ ምሕንጻጹ ጉዳይ “ክልተና መንግስታት ብምምይያጥ ይኹን” በለት። ዘተ ድማ ብኣረኣእያ ማሕበረሰብ ዓለም ቅቡል ኢዩ። ስርዓት ኣስመራ ግን ከም ኣመሉ ግትር ብምባል ብምርድዳእ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ኣይ ኣቱን በለ። ቀጺሉ’ውን ነቲ ዝፈረመሉ ውዕል  ኣጻዕዲዩ ኣፍረሶ። ማለት ናብቲ ናይ ጸጥታ ቦታ ወተሃደራቱ ከእቱ ጀመረ። ቀጺሉ’ውን ዓቃቢ ሰላም ስርሑ ከየካይ ናይ ሄሊኮፕተራት በረራ ከልከለ። ኣብ መጨረሻ ድማ ናይ ገለ ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ኣባረረ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ! ገበነኛ ስርዓት ንምድጋፍ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ዞዅዞዅ ጥራይ ኣይ ኮነን። እዚ ገበን ምዃኑ ክፈልጡ ምተገበኦም።

    መ) ኣብ ሶማል ኢድ ምእታው

    ስርዓት ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ብምትህልላኽ፡ ኣብ ሶማል ኢዱ ከም ዘእተወ፡ ንሕና ንፈልጥ ዓለም’ውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ።” ተሓቢአ ኢየ ዝገብሮ ዘሎኹ፡ ጭብጢ የብሎምን” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይሰርሕን። ኣየዋጽእን’ውን። ናይቲ ዝነበረ እሰላማዊ ስርዓት መራሕቲ ከም በዓል  (ምስ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ዘለዎ) ሸኽ ኣወይን ሸኽ ሸሪፍን ካብ መቓዲሾ ሃዲሞም ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ይቃለሱ ከም ዝነበሩ ዘይሕባእ ነገር ኢዩ። ብቐጻሊ’ውን ኢሳያስ ሰፈሩ ኣብ ባጽዕ ቀይሩ ኣጽዋር ንሶማል የእቱን ከምኡ ድማ ናይ ኣል-ሸባብን ሕዝብ-ኣል-ኢስላምን ወተሃደራት የሰልጥን ከም ዝነበረን ዘሎን፡ ኣብቲ ጸጥታ ተዋፊሮም ዝነበሩ ደሓር መሪርዎም ኢዱም ዝሃቡ ሃገራውያን ብመራኸቢ ብዙሃን ገሊጾምዎ ኢዮም።  እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ቤት መኽሪውን ኣልዕል ኣቢሉ ንሓንቲ ኣባል ዝኾነት ሃገር ከም ዘይቐጽዕ ንፈልጥ ኢና። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ እውን ኣጸቢቖም ይውፈልጡ ኢዮም። እቲ ጉዳ ዓይንኻን ልብኻን ኣዐሚትካ ምስ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት መሰጽዳፍ ኢዩ።

    ሰ) ወራር ጅቡቲ

    ጅቡቲ’ኸ እንታይ ኣበሰት? ንዓና ንኤርትራውያን ኣይገረመናን፡ ንስርዓት ህግደፍ ስለ እንፈልጦ። ንዓለም ግን ገሪምዎ ኢዩ። ሰላማዊት ዝኾነት ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ ናይ ወረራ ምኽንያት’ከ እንታይ ይኸውን? ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣሉ! ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ዝወሰድሉ፡ ዓረብ ሊግ ዝመስከረሉ፤  ሕብረት ኣፍረቃ ዘራጋገጸሉ፡ ወረራ ጅቡቲ ከመይ ጌርና ክንክሕዶ ንኽእል። ብሓደ ውልቀ መላኺ፡ ብሓንቲ ሓንጎል እትመራሕ ስርዓት ህግደፍ ረዞሉሸን ብረዞሉሸን ጢሒሱ እምቢ ዝበለ ከምይ ገበን ምዃኑ ኣይን እመንን? ልክዕ ኣቐድም ኣቢለ ከም ዝገለጽኩዎ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ጭብጢ ኣልዕል ኣቢሉ ንሓንቲ ኣባል ሃገር ይቐጽዕ ኣይንብልን። ንዑድኣ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ በስመኣብ(በስሚላህ) በሉ። ነብስኹም ፈትሹ። እዚ ትገብረዎ ዘሎኹም፡ ሰላማዊ ሰልፍዶ ደገፍዶ መፍተሒ ኣይኮነን። ነቲ ሕማም ሓቢርና ፈውሲ ንድለየሉ።

ካሊእ ኣገዳሲ ሕቶ እዚ ማዕቀብዚ ንመን ይሃሲ?

ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ግዜ ብህዝቢ ኢዩ ዝነብር። ከም ሕሱም ቁማል ካብ ሕቘ ህዝቢ ኣይወርድን። ብሽም ልዕላውነት ኣሸሓት መንእሰያት ኣጥፊኡ ኢዩ። ሕጂ ድማ ብህልኽን ድርቅናኡን ዝፈጠሮ መቕጻዕቲ ንህዝብና ምስ ዓለም ከባእሶ “ ሕቡራተ ሃገራት ጸላኢትካ ኢያ።’ ይብሎ ኣሎ። እተን ብጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቓ ማዕቀብ እዘን ዝስዕባ ኢየን፤

1)     ስርዓት ህግደፍ ናይ ኵናት ኣጽዋር ከይእቱን ከየውጽን

2)     ፖለቲካውን ወተሃደራውን ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ  ኣብ ወጻኢ ከም ድላዮም ከይንቀሳቐሱ

3)     ኣብ ወጻኢ ዝረከብ ንበረት ህግደፍ ክእገድ

ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኰይኑ፡ መነባብሮ ህዝቢ በቲ ስርዓት ንሓያሎ ዓመታት ተወቒዑ ኢዩ። ዝተረፎ የብሉን። ካሊእ ይትረፍ ድኻ ሓረስታይ ዓመት ጫዅሩ ዘፍረየን እቲ ስርዓት ብሓይሊ ካብ ኣፉ የሕድጎ ከምዘሎ ንኹላተና ብሩህ ኢዩ። ባርነት መንእሰያትና ንዓለም ከም ዘስካሕከሖ’ውን ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። እዚ ማዕቀብዚ ንህዝብና ይጎድኦ ኢዩ ማለት “ንስኡን ክትስእን ኢኻ” ማለት ኢዩ። ንዘይብሉ ኣለካ ክትብሎ ዘይ ስነሞጎት ኢዩ። ተቐጺዑ ዘሎ ህዝቢ መቕጻዕቲ ወሪዱኳ ኣሎ ክትብሎ አይትኽእልን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ብርግጽ እቲ ማዕቀብ አምበኣር ፈልዩ ነቲ ስርዓት ኢዩ ዝወቀዕ። እዚ ከኣ እቲ ውጹዕ ሀዝቢ ነቲ ዝፈርዐነ ጸቓጢኡ ስርዓት ክቕጻዓሉ ከሎ ሓጋዚኡ ኢዩ። መብዛሕትኡ ህዝብና ነዚ ማዕቀብዚ ቅድም ኢሉ ኣብ ግበሪ ክውዕል ነይርዎ ይብል።

ስርዓት ህግደፍ እንተ ኰይኑ ናይ ግድን ኢዩ ህዝቢ ከላዓዕል። ኣመሉ ጥራይ ዘይ ኮነስ ዘዋጽኦ ስትራተጂ’ውን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንዘይነጸፉ ደገፍቲ ንምሕላብ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ኣንጻር ህዝቦም ክጉድፉ ምንባሮም ኢዩ። ገሊኦም ብጠቕሚ ገሊኦም ከኣ በገርሂ። ግን እቲ ነገር የሕዝነካ ኢዩ።

ግደ ሓቂ ኣነ ብወገነይ ዝተጸበኹዎ፡ ድሕሪ እዚ ማዕቀብ’ዚ ህዝቢ ኣንጻር ስርዓት ንኽልዓል ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ብረት ዝዓጠቐ ወተሃደራዊ ክፍሊ። ብሰንኪ ሓደ መላኺ መራሒ ህዝቢ ተዋሪዱ፡ ዓለምውን ተናዊጹ። እዚ መራሒ’ዚ ኢዱ ዘየእተወላ ዓወደ ግጭት የላን። ሰላማዊ ሰልፊ’ኸ ኣንጻር መን? ኣንጻር ሕቡራት ሃገራት? ኣንጻር ህዝቢ ዓለም? ኣብኩሉ ኩርናዓት ዓለም መራሒ ስርዓት ህግደፍ ብሕጊ ዘይቕየድ፡ ቅዋም ዘይኣምን ሓደ ሽፍታ ምዃኑ  ከምዝፍለጠ’ዶ ኣይፈልጡን ኢዮም? ንስርዓት ህግደፍ ምድጋፍኩም ሃገራውያን ከብሎኩም ኣይኽእልን። ሃገራውነት ማለት ንሓደ ዲክታቶር ምድጋፍን ምክልኻለን ማለት ኣይኮነን፡ ሃገራውነት ማለት ህዝብኻ ክእሰርን ክግፋዕን እንከሎ ምስኡ ጠጠው ምባል ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ሃገራውነት ማለት ምእንቲ መሰል ህዝበኻ ምቅላስ ማለት ኢዩ።

ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ኣይኮነን ዘድሊ። ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ክእሰርን መሰሉ ክስእን ሽዑ ኢዩ ነይሩ ዘድሊ። ናይ ኵናት ጀጋኑ ኣከለ ስንኩላን ክረሸኑ ዓገብ ዘይበልኩም ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? ቅተለት ዓዲ ኣበይቶ ዘይተቓወምኩም ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? ኣቦታትን ኣደታትን ስዋኣት ክእሰሩ ኣቤት ዘይበልኩም ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? ቀይዲ ዝበተኸ ስርዓት ክትካላኸሉ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? መን’ዩ ኣገዳሲ? ህዝብኹም ወይስ ስርዓት? ስርዓት ይኸይድ ስርዓት ይትካእ። ህዝቢ ግን ነባሪ ኢዩ። ቈራጸን ንቑሕን ዘይጋ ምስ ህዝቡ ኢዩ ጠጠው ዝብል። መሳርሒ ጸቓጢ ስርዓት ኣይከውንን። እኳ ድኣ እቲ ስርዓት ገበን ክፍጽም’ከሎ ኣንጻሩ ይምክት።

በጋጣሚ ኮይኑ፡ እዛ ጽሕፈቲ’ዚኣ ክጽሕፍ ከሎኹ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር ናይ ዓባይ በሪጣንያ፡ ቶኒ ብለር “ህዘቢ ዘይደገፎ ኵናት ኣብ ዒራቕ ኣካይደካ” ብምባል ተኸሲሱ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ዝሕተተሉ ዘሎ ግዜ ኢዩ። በዓል ኣቶ ኢሳያስ ድማ ብኢደ ወነኖም ኵናት ጻሕቲሮም ዘጥፍእዎም ነብሳት ምሕታት ይትረፍስ “ቀይዲ ትበትኽ ኣሎኻ በስመኣብ በል” ኣብ ዝተባሀለሉ ግዜ፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ “ጽቡቚ ኣሎ ይፈልል” ኣብ ዝብሉሉ ግዜ ምዃኑ ብዙሕ ኣተሐሳሲቡኒ። መኣስዮም ዝልብሙ? መኣስዮም’ከ ዝነቕሑ? 

እቲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ’ኸ እንታይ ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ? ጽጥታ ሕቡራተ ሃገራትከ ነቲ ዘሕለፈቶ ረዞሉሸን ክትቅይሮ ድያ? እዚ ደገፍቲ ስርዓት እውን ይፈልጥዎ ኢዮም ከም ዘይቕየር። ብዓብዩ ሰርዓት ህግደፍ’ውን ዓላማኡ ነዚ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስኩዎ “ በሉ ዓለም ኣንጻርኩም ኰይና’ላሞ መክቱ፤ ከም ቀደምኩም ዘለኩም ነጊፍኩም ተወፈዩለይ፤ ኣድሕኑኒ” ኢዩ። ካሊእ ወላሓንቲ ትርጉም የብሉን። ኣብ ሰተራሰቦርኽ (ፈረንሳ) ዝተገብረ ንዶብ ምሕንጻጽ ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ሪኢናዮ ወላሓንቲ ኣየፍረየን። ኣብ ሰደት ዓለም ኣንጻር መንግሰቱ ተዘይኮይኑ ሓዲግዎ ዝመጸ መንግስቲ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ሪኢና ኣይንፈልጥን።

ኣብ መጨረሻ እቲ መፍትሒ ጸረ ህዝቢን ጸረ ሕግን ዝኾነ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበን ምክልኻል ኣይኰነን። እዚ ስርዓተ’ዚ ካብ ገበን ምፍጻም ዝቑጠብ ኣይኰነን። ደድሕሪኡ እና ስዓብካ ዝገብሮ ገበናት ካብ ምክልኻል እቲ ዝበለጸ መሰረታዊ መፍተሒ ነቲ ስርዓት ምውጋድ ኢዩ። ስለዚ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻር ህዝብኹም ካብ ምቅላስ ንዑ ሓቢርና ንህዝብና ዝሓይሽ ፍታሕ ነናዲ። ኣብ ክንዲ ነዚ ኣንጻር ህዝብኹም ዝኾነ ስርዓት ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር፡ ምሳና ኣንጻሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገበሩ ንዕድመኩም። መፍትሕ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ምውጋድ ጥራይ ኢዩ።

ርእይቶ፡ fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares