Awate.com

የዕብዮ ወልደማሪያም:እምበይተይ ኢለን-ስብኣይ ስብኡት

እመበት እለን ድማ ሰበይቲ ኣይተ ሰሎሞን ሃብሮም በዓልቲ ኒሕ ነበራ “ ክብሉ የዘንትውለን ዓበይቲ ጸዓዘጋን ሃዘጋን። ርግጽ፡ ብቑንጣሮ ድኣ ኰይኑ’ምበር፡እምበይተይ እለን ምዕቲ ሰበይቲ ምንባረን ዝሕብሩ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈሩ ሐበረታታት ኣለዉ። መሸም ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ብሂል ወይ ዛንታ ብኢደወነንካ ንኸተማሓይሾ ፣ ከተጋንኖ፣ ከተቓምሞ፣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝኾነካ። ስለዚ ካብ ሚእቲ ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ብትግርኛ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ምርካብ ዓቢ ጻጋ ኢዩ።። ናይ እምበይተይ እለን ዘይተጋነነ ምናልባት’ውን ካብ ቐዳማዊ ምንጪ ዝተረኽበ እንታዊነተን ዝገልጽ ጽሑፍ ምርካብ፡ ንፍልጠትና ኣዕሚቑ ፡ በዝን ወይ ከኣ ብኻልኦት ነዚኦም ዝአመስሉ ኣርእስትታን ንኽመራመሩ ዝደልዩ ሰባት ድማ መትባብዒ ይኸውን ሓደ ከም ኣብነት ዝጥቐስ፡ እታ ብዶ/ር ግርማይ ነጋሽ ዝተጻሕፈ ‘ ናይ ደረስቲ ናጽነት’ ዘርእስታ መጽሓፍ ብኣፍ ክንገር ዝጸንሐ ማሰን፡ ኣውሎን ሰብ መረብ ምላሽ ገሊኡ ካብ ቐዳማዊ ገሊኡ ድማ ካብ ካልኣዊ ምንጪ ዝተረኽቡ መረዳእታት ተእኪቡ ዝተጻሕፈ ኢዩ። ካብ ኩሉ ዘግረም ከበሳታ አርትራ ምስ ትግራይን/ኣምሓራ ወሲኽካ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ወረቀት ወይ ብራና ተጻሒፉ ፡ ክዋሳኣሉ ዘኽእሎ ቋንቋ ይንበሮምበር ፡ ንሕብረተሰብ ብኹሉ መዳዩ ጠሚቱ – ንህብረተሰባዊ ኣነባብራ ዝእምት፣ ንግኡዛዊን ረቒቓዊን ፍልጠት ዝድህስስ ፣ ንልቢ ኣርሒሱ ንኣእምሮ ዘስፍሕ- ስነጹሑፍ ኣይፈጠረን። ስለዚ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ዝተጽሕፉ ኣዝዮም ዉሱናት ከይኖም፣ ዝርካቦም ድማ ናብ ተውህዶ ሓይማኖት ዘተኮሩ፡ ካልእ ዓለማዊ ነገር ከም ዘይትንክፉ ጭብጢ ዘድልዮ ኣይኮነን። ቋንቋ ትግርኛ ብስሩዕ ክጸሓፍን ብሰፊሑ ኣብ ከተማታት ክንበብ ዝጀመረ ጣሊያን ተሳዒሩ፡ አርትራ ኣብ ትሕቲ ሞግዚት ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኣተወት ኢዩ። እምበኣርከስ ካብቲ ብወሃ ወሃ ዝተርኽበ ጽሑፍ ታሪኽ እመበይተይ እለን ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል።  

እምበይተይ እለን፡ ሰበይቲ ኣይተ ሰለሙን፡ ሰበይቲ ወዶም ንኸንቲባ ዘርዐይ፡ ኣደ ራእሲ ወልደሚካኤል በዐልቲ ሃዘጋ ኢየን። ዝነበራሉ እዋን፡ ኣዋን ቕልውላው ኢዩ ዝነበረ። ዘመኑ፡ ዘመን ሕንፍሽፍሽ ኰይኑ፡ ንጉሥ ክይተረፈ ተሽቈጥቒጡ ፡ ክብሩ ተገፊፉ፡ ብድኽነት ዝነብረሉ ዝነበረ ሥርዐት ኣልቦ እዋን ኢዩ ዝነበረ። ኰታ ፋረ ዝለበሰ፣ዝናር ዝተዓጥቐ ጸባ ፀገብ ወዲ ዓዃይ’ውን ከይተረፈ፡ ዓሚጹ፡ ኣከባቢኡ ብኣልማማ ምስ ዝመልኽ፡ ተሓፊሩ ፡ተፈሪሁ ኣብ እንግድዓ ዓዃይ ሸይሸይ እንዳበለ ተጋይጹ ዝነብረሉ ዝነበረ ሑሱም ጊዜ ኢዩ ዝነበረ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢዩ’ምበአር እቶም ዑሉል ደጃች ውቤ ፡ ንድፍን መረብ ምላሽ ምስናይ ምዕራባዊ ቖላታት አርትራ ብዘይ ምቕራጽ ካብ 5 ክሳብ 7 ቀውዒ ዝኸውንብዘይምቍራጽ ከም ዝዘመትዎ ዝንገር። ኣብቲ ክፍለ-ዘመን’ቲ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክፍለ-ዘመናት ፈሊኻ ዘይርኤ ኮይኑ፡ ብርግጽ ናይ ወዲ ተባዕታይ ጽብለልታ ጎሊሑ ዝረኣየሉ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግደ ኣብ ሃገር ምምሕዳር ድማ ኣዝዩ ድሩት ዝነበረሉ ምዃኑ ንኣንበብቲ ምስጢር ኣይኮነን። እምበይተይ እለን ለበዋ ሰብአየን ከይዓጀበን ድሕሪ ሞት ከንቲባ ዘርዐይ፡ ሽመት ሃዘጋ ምስ ወዲሓሙተን ፍርቂ ፍርቂ ተኻፈለኦ። ኣብዚ ሃዋሁ’ዚ ዝተጻወተኦ ተፈላለዩ ገጸ ባህሪያት ማለት ከም ሒማ ሰበይቲ፡ ኣደ፡ እንሓጎ፡ ዕልምቲ ተዋሳኢት ኣብቲ መስፍናዊ ሽጣራ (feudal intrigue) ኣዝዩ ዘድነቕ ኢዩ። 

ኣይተ ሰለሙን ካብ ምዑት ከንቲባ ዘርዐይ ድኣ ይወለዱ’ምበር፡ ሚሒር ዐል ቕያ ኣይነበሩን’። ሓደ መዐልቲ ሰበይቶም “ምሳሕ ኣዳልውለይ ‘ምስ ዓቀይቶተይ ጸዓዘጋ ወሪደ ክጎብጣ ኢየ’ በልወን”። ንሰን ከኣ ትቅብል ኣቢለን ‘ኣብ ጽዐዘጋ ከድኩም ተመስሑ’ ክብላ መለሳሎም። ምናልባት ከምዚ መበሊኤን ጸዓዘጋ ንምውራር ብዙሕ ይወሳወሱ ስለ ዝነበሩ ይኸውን እሞ ‘ሃየ’ ንጸዓዘጋን፡ ግዝኣታ ዘበለ ኵሉን፡ ኣብ ትሕቲ ሃዘጋ ንምእታው መዓንጣኻ ሸጥ ኣብሎ’ ንምባል ይኸውን፣ ኣብ ጽዓዘጋ ከድካ ተምሳሕ መበሊኤን። ንጸዓዘጋ ሓመድ ድፋጭኣ ንምስታይ እንተኾነ፡ ናይ ወዶም ናይ ኣይተ ወልደንኪኤል ድኣ’ምበር ናይ ኣይተ ሰለሞን ዕጫ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ታሪኽ ክንርዳእ ንኽእል። ኣይተ ሰለሞን ከኣ ንጸዓዘጋ ከይጥቅዑ ዓዲ ኩልና ከዱ። 

እምበይተይ እለን ሹት በሃሊት ጥራይ ዘይኮናስ፡ባዕለን ድግድጊት ተዓጢቐን ኣብ ረምጺ ኵናት ዝካፈላ ሓየት ሰበይቲ ነበራ። ኣብ ኵናት ዓዜን፡ ሰብኡት ሃዘጋን፡ ሓያሎ ኣባጽሕ ካብ ካርነሽም ኣኻኺበን ምስ ከንቲባ ወልደጋብር ተጋጠማ። ንኸንቲባ ወልደጋብር ድማ፡ ስዓረኦም። ድሕርቲ ኵናት፡ ሰብ ዓዲ ተከለዛን ብስዕረት ንዓዶም ተመልሱ፡ እንተኾነ ግን እዚ እቲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ናይ ሃዘጋን ዓዲ ተክለዛን ናይ ሓድ-ሕድ ምብራስ ይኸውን። አቐድም ኣቢሉውን ምስ ኣይተ ኣላ በዓል ጽዓዘጋ ኣብ ምስጓጓ ተጋጢመን፡ ኣብቲ ዝተገብረ ውግእ እምበተይ እለን ተሳዕራ። ነብሰንን ነብሲ ደቐንን ንምድሓን ድማ ካብ ሓዘጋ ኣርሒቐን ሃደማ። ኵሉ ግዜ መራሒት ውግእ’ኳ እንተዘይነበራ፡ብርግጽ ብዛዕባ ኵናት ወይ ንከባቢኤን ዝምልከት ፖለቲካ ኣብዝዝተየሉ ኣጋጣሚ፡ ከም ተራ መበለት ተቐማጢት ውሻጠ ከምዘይነበራ ዝሳሐት ኣይኮነን ። ካብዚ ብምብጋስ ኢዩ ድማ ‘ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ’ ዝብል ናይ ኣቦታት ምስላ ንእለን ኣይምልከትን ዝብል።

እምበይተይ እለን ፡ ኣብቲ ብ ‘ዘመነ ጭቃታት’ ዝፍለጥ ሰላም ዝረሓቖ፣ ሓረስታይ ሓሪሱ ናብራኡ ዘይመሓይሸሉ፣ ነጋዳይ ኣደዳ ጓሓላሉ ኮይኑ ዝነበረሉ፣ ክረምቲ – ሓጋይ ከይዓጀአቦም ወግሐ ጽብሐ ናይ ሓድሕድ ውግእ ዘካይዱ ዓበይትን ናእሽቱን መሳፍንቲ ብስርግፎኣ ዝበዝሕሉ እዋን እየን ዝነበራ። ኣብቲ እሾኽ ዳንደር ዝተዘራአሉ መስፍናዊ ናይ ፖለቲካ ምፍሕፋሕ፡ ሓንሳብ ብሜላ ሓንሳብ ብሸፈጥ ከይተሓለላ ንነዊሕ እዋን ክጻወታ ጸንሓ። ሑሉፍ ሓሊፈን እታ ተፈጥሮ ዝዓደለተን ፍልይቲ ህያብ (ናይ ደቂ ኣንስትዮ) ተጠቒመን ንዉሱናት መኳንንቲ ሓማሴንን ትግራይን አላሽ ዘበላ ጓል ኣንስተይቲ ኢየን። ንአብነት ምስቶም ስልጣን ዝተኻፈሎኦም ወዲ ሓሙተን ኣይተ ገብራይ ምስ ተብእሳ ናብ ደግያት ሀይሉ ኸይደን ተዐቝባ። ንሰለስቲኦም ደቐን እንዳኾስኮሳ ድም ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸዐዘጋ ተቐመጣ። እዚ ክሳዃዐለን ዝኸኣአለ ድም ናይ ደግያት ሀይሉ ናይ ስጋ ፈታዊት ብምዃን ኢዩ። ክጸንሓ ክጸንሓ ከኣ ጓል ወለዳሎም። በዚ ክይተወሰና ምስ ኣብ ትግራይን ዐደምሓራን ዝርከቡ ዕሉላት መሳፍንቲ ርክበን ብምቐጻል፣ እንተኾነ መረብ ምላሽ ካብኡ ዝተረፈ ካብ ምኽዐው ቆሎ ንነጀው ዝርከብ ግዝኣት፡ ንዐኤንን ንደቀን ክውሃበን ዘይገበረኦን ዘይኣበሳኦን የለን። ኣብ ካምፕ ደግያት ውቤ ድማ ንነዊሕ ግዜ ከም ዝተቀመጣ ይፍለጥ። ወረ ካብ ኣገው ወልደሚካኤል ዘማ ደግያት ውቤ’ውን ጓል ወሊደን ኢየን።  

ኣብ መንጎ ሀዘጋን ዓድተከለዛንን ዝተፈጥረ ምቅሕሓር ፡ኣስዒቡ’ውን ዘኽተሎ ናይ ደም ምፍሳስ መንቀሊኡ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ከንቲባ ወልደጋብር ካብ ሻራ ሀዘጋ ሻራ ጸዓዘጋ ክኾኑ ስለ ዝመረጹ ኢዩ ይብሃል። ምዃን ከንቲባ ወልደጋብር ‘ውሽማ’ ወይዘሮ እለን ኢዮም ኔሮም ዝብል ትሕምሕም ኣሎ። ከንቲባ ፡ኣብ መንጎም ክልቲኦም ዝነበረ ስጋዊ ፍትወት ብኻልአይ ደረጃ ብምስራዕ ምስ ዐድገዝማቲ ምምሽጣሮም ንእለን ክየጒሀየ ኣይተረፈን። እቲ ጒዳይ ዝተሓላለኸ ምንባሩ ዘረደአካ ድማ፡ ከንቲባ ወልደጋብር ስብኣይ ጓለን ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንጓለን ፈቲሖም ካልእ ከምዝተመርዓዉ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ሓደ መዐልቲ ከንቲባ ወልደጋብር ጸዐዘጋ ቀንዮም ንሀዘጋ ብምጒሳይ ንዓዶም ክኸዱ ምዃኖም ምስ ኣረጋገጻ ፡እምበይተይ እለን ሰብ ልኢኸን ኣጸወዖኦም። ዝብላዕ ተበሊዑ፡ ዝግበር ተጌሩ፡ ዳዝዳዝ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣይተ ወልደንኪኤል ምስ ሓዎም እይተ መርእድ ኮይኖም ንከንቲባ ወልደጋብር ኣብ ሩባ ፈለጋ ኣውሪዶም ቀተልዎም። ‘ከልቢ’ውን እንተኾነ መዓልቱ ኣለዎ’ ዝብሃል ናይ ፈረንጂ ምሳሌ እውን ንምግባር፡ ሰብ ዓድተከለዛን ድማ መዓልቶም ተጸብዮም ንእመበት እለን ምስ ክልተ ደቂ ደቀን ኣብ ዓድተከለዛን ኣሲሮም ኣቀመጥወን። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ደቂ ወይዘሮ እለን ብዛዕባ ኣዴኦም ብዝምልከት ጥርዓን ናብ ደጃች ውቤ ኣቕረቡ። ውቤ እቶም ኣብ ምድሪ ሓማሴን ተኣሲሮም ዝርከቡ እሱራት ክፍትሑ እኳ ይኣዝዙ’ምበር፡ ሰብ ዓድተከለዛን ሕነ ሓዎም ክፈድዩ ንእምብየት እለን ምስ ቀለውዕ ደቂ ደቀን ሓራረድዎም። ሞት እምበይትይ እለን ምስ ደቂ ደቀን ዘኸተሎ መዘዝ ብዙሕ ኢዩ።

ሓደ ኣይተ ወልደንኪኤል ንዓዲተከለዛን ብሓደጋ ወዲቆም ሰባ ብምጥፋእ እታ ከተማ ኣንደድዋ። ኣብ ውግእ ዓድተከለዛን ከኣ በዓል ቆጽሎም ዝኾነ ሓዊ ከንቲባ ወልደጋብር፡ ኣቦኦም ንደግያት ሓድገምበስ፡ ከንቲባ ጉልበት ሞቱ። እቲ ኵናት ዘስካሕክሕ ምንባሩ ሓያሎ ሰባት የዘንትዉ። ካባታቶም ሓንቲ ኣደይ ኮይና ፡ ከም እተዘንትዎ፡ (ካልኣዊ ምንጪ ድኣ ይኸውን’ምበር)፡ ኣብቲ ኵናት ነፍሰ-ጹር ከይተረፈት ከብዳ ተተርቲሩ ናውቲ ከብዳ እንኮላይ እቲ ድቂ ኣብ መሬት ምስጥሑ ይንገር። ኣብ ኵናት ዓድተከለዛን፡ሰበይቲ ከንቲባ ጕልበት ንሓድገምበስ ጠኒሰን ምንባረን፡ከምተን ካልኦት ጥኑሳት ዓድተከለዛን ድማ ከብደን ክይተተርተረ ዝተረፈ ራእሲ ወልደንኪኣኤል ንዓቐይትኦም “ሕደጋ ነዛ ጥንስቲ” ኢሎም ስለ ዝአዘዙ ኢዩ ዝብሃል ኣፈ ታሪኽ ኣሎ። ሓድገምበስ ፣ ሓድገምበስ ዝተሰምየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሓድጊ ኣምበሳ ኮይኑ ሕነ ንኽፈዲ ኢዩ ይብሉ፡ ብሕልፊ ኣደይ። እዚ ብዘየገድስ ሓድገምበስ ዘኽታም ኰይኑ ዝዓበየ፣ ካብ ራእሲ ወልደንኪኤል ብምፍራህ ድማ ሽልብ ግልብ ክብል ዝነበረ፡ ውጽእ-መዓት ምዃኑ ክንግምት ንኽእል።  

መሬት ኣብ ምጥሕሳሱ፡ ባዕዳውያን ድማ ንኸበሳታት ኤርትራ ንምሓዝ ኣብ ዝሸባሸብሉ ግዜ፡ ሓያሎ ዐበይቲ ዐዲ፡ ካብኣቶም ሓደ ፡ ሓድገምበስ ኾይኑ፡ ምስ ጣልያን ጽኑዕ ምሕዝነት ገበሩ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኢዩም ድማ ሓድገምበስ ንሰብ ሃዘጋ ዘይርስዕዎ ትምህርቲ ክህብዎም ዝተዐጥቁ። ንምዃኑ ሕነ ንምፍዳይ ካብ’ዚ ዝጥዕም ኣጋጣሚ ኣበይ ይርከብ፧ ሰብ ሃዘጋ ክረኽብ ክስኡን ከይትፍትኑ፡ ንሓደ ዘመን ዝአክል ሓንሳእ ከም ዋልታ ሓንሳእ ድማ ከም ጭማራ ኮይኖም ዘገልገልዋም እንዳ ከንቲባ ዘርዐይ፡ ዝእስር ተኣአሲሩ (ኣብ ትግራይ) ዝመውት ድማ መይቱ(እምበይትይ እለን) ። ዝኾነ ኮይኑ ፡‘የወጋ ብረሳ የተወጋ አይረሳም’ እንድዩ፡ ደግያት ሓድገምበስ ሕነ እቶም ብደቂ እምበይተይ እለን ደሞም ዝፈሰሰ ደቂ ዐድተከለዛን ንምፍዳይ ንሃዘጋ ብሰላሕታ ጐበጥዋ። አብ ድብያ ሃዘጋ ዝጠፍኤ ሂወት፡ ዝበረሰ ንብረት ብንጹር ክፍለጥ’’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ሃዘጋ ምንዳዳ፡ ሰባ ኣብ ፈቐዶ ምብትታኑ፡ንብረታ እንኮላይ ማላ ምዝራፉ መረዳእታ ኣሎ። ጣልያን ግዛአቱ ኣጣጢሑ፡ ክንየው መረብ ዝርከብ መሬት ሓበሻ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝዳለወሉ ጊዜ፡ ንዐበይቲ ኤርትራ ሓደ ብሓደ ሒዙ ኣሰሮም። ካባአቶም ሓደ ደግያት ሓድገንበስ ይኾኑ።

ብሓጺሩ ዛንታ እመበት ሂለን ከምዚ ይመስል።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares