Awate.com

ኣድጊ’ዶ ገመል ምዃን? SemDTesfai

እቲ ሰብ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን። ኣኽሊል ፍጥረት ምዃን ንኸማኡ ኣይተዋህበን። ብኸማኡ’ውን ኣይተዋህበን። ንኵሉ ሓለፋ ዝኽፈሎ ዋጋ  እነኤዎ።  ንልዕልነት’ውን። ኣኽሊል፡ እቲ ዝለዓለ ካብ መዛንኡ  እዩ። ጽላል’ዩ። ሓላዊ’ዩ።  ኣኽሊል ንጉስ’ዩ።  የመሓድር፡ የዋህድ። ሚዛንነት ይሕሉ። እቲ ማእከለ ሚዛን’ዩ። ተግባራውነት’ዩ። ርትዓውነት’ዩ። እምበኣር እቲ ሰብ ምዅን ሓለፋ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ሓላፍነት እዩ። 

ንሰብ ኣኽሊሉ ከኣ ኣእምሮኡ እዩ። ሰብ ነፍሱ ይፈልጥ፡ ከባቢኡ ይግንዘብ። ይትርጕም። ይገልጽ። ሰብ፡ ነፍሰ ንቑሕ’ዩ። እምኒ እምኒ ምዃኑ ዝፈልጥ እንተኾነ ኣይፈልጥን። ሰብ ግን ብዝወሓደ ‘ኣነ’ ይፈልጥ። እቲ ኣእምሮኡ ዝሰርሖ ‘ኣነ’።ካብ’ዚ ተበጊሱ ፍልስፍናታት፡ ስነፍልጠታት፡ ስነጥበባት፡ ስነስርዓታት ኣማዕበለ። እኩብ ማሕበራዊ ንቕሓት ከኣ ኣጥረየ። ንእግረ መገዱ ከኣ ነፍሲ ሰርሐ። ነፍሱ ከኣ እኵብ ድምር  ንቕሓታቱን ተሞኵሮታቱን ኮነት። ካብ’ዚ ዓይኒ’ዚ ተራእዩ፡ ሰብ፡ ነታ ኣኽሊል ባዕሉ እዩ ደፊኡዋ ክበሃል ይከኣል።  እዚ ኴይኑ’ቲ፡ ንግስነት ከቢድ ሓላፍነት’ዩ ኣየድቅስ ኣየስሕቕ ክሳብ ይቐትል።

እቲ፡ ዝዓበየ ተኣምራቱ፡ ወድ ሰብ፡ ኣእምሮኡ እዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣእምሮ ሰፈር ነፍሲ ተባሂሉ ዝእመነሉ። ንገዛእ ንቕሓቱ፡ ንገዛእ ‘ነፍሱ’  ብቀጻልነት ዘማዕብል ኣእምሮ።  ነብሱ ዘባዛሕ  ኣእምሮ። ተኣምራታት’ዩ እቲ ኵሉ ኣእምሮ ዝገብሮ። እዚ ኣእምሮ’ ዝተባህለ ተኣምር ግን  ዝኽፈሎ ዋጋ ኣሎዎ !  

እዚ ኣእምሮ ዝተባህለ ጸጋ ኣብ ሸከና ርእሲ ዝተባህለ ጽኑዕ ሳጹን ተዓጽዩ ጸጥ ኢሉ ዝቕመጥ ብሒቝ ኣይኮነን። ንሱ ብቐጻልነት ይውሕዝ፡ ይፈስስ፡ ይፈስስ ንቕድሚት ይምርሽ  ምሰ’ኻውሕ ይላጋዕ፡ ይግዕር ኣይቈምን ግን።  ንውሒዝ ሓሳባት ምዕጋት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ፡ ንሓሳብ ምሕሳብ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ስራሓት ኣእምሮ’ዩ፡ እቶም ንሓጻር ጊዜ ከም ድልዬቶም ክቈጻጸሩዎ ዝበቕዑ ሱባዔኛታት ይተሓተቱ። ኣእምሮ ኣይድቅስን። እንተደቀሰ ይመወት።

ኣእምሮኡ፡ ንወዲ ሰብ’ውን ንባዕሉ፡ እቲ  ዝዓበየ ሓደጋ’ዩ።  እቲ መለኮታውነቱ፡ እቲ ዝለዓለ ምንቀኝኡ’ ከኣ ዩ ንወድ ሰብ።  ግርንቢጥ? ኣይፋልን። ሚዛንነት’ዩ። ባህርያዊ ፍትሒ’ዩ።

ኣእምሮና፡ መንፈሳውነትና፡ ወድዓዊ፡ ክዉን  ዝኾነሉ ትካል ሰብነትና።  ፈጣርን ደምሳስን ከኣ ከም ምርጫና።  ልዑል ነታጕን ፋብሪካ ሓሳባት’ዩ። እዚ ጕንዖ’ዚ እምበኣር  ግዙፍ ሓላፍነት ኣጠቓቕምኡ  ኣጣሚሩ እዩ። ኣእምሮ፡ እንተላይ ኣእምሮኣዊ ኣጠቓቕምኡ እዩ።

እቲ ግርንቢጥ እምበኣር ኣይግሪምቢጥን ስነሞገቱ እነኤዎ። ፍጥረት ምምዝባል ሚዛን ኣይትፈቱን፡ ኣይተፍቅድን። ዋላ’ሓነቲ ሓለፋ’ኳ ብኸማኡ ኣይትምጽውትን። እቲ ብልጭኡ ወድ ሰብ እንተላይ  ንጥፍኣቱ’ውን ይሰርሕ። እምበኣር  እቲ ንግስነት ዓንቃሪቦኡ እነሀሉ። ኣእምሮ፡ ንልምዓት’ዶ ጥፍኣት? ዘየቋርጽ ገድሊሓዋሩ እዩ። ዘየቋርጽ ስነእምሮኣዊ ጸቕጢ። ስእነተ ድቃስ፡ ምህላል ልቢ። ወርትግ ቍልሕ ምልሕ ወርትግ  ፍርሒ። ወቐሳ፡ ርእሰ ወቐሳ፡ ርእይቶ፡ ተቓውሞ፡ ገዛ ክራይ፡ ሓማም፡ ሞት ውላድ  … ፡ህይወት፡ ኣእምሮኻ  ከየጥፋእካ ንኽትነብራ ቀሊል ኣይኮነትን። ኣእምሮ፡ ክልተ ዝብልሑ መላጺ’ዩ። ሓደ ሸነኹ መሪጾም ዝቀራደዱ ኣሎዉ። ዘደንግጹ፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት ብልሒ ተቐሚጦም ዘሽካዕልሉ’ውን ኣሎው። ንሳቶም እቶም  ፈለማ  ዝሕረዱ እዮም። 

እቶም ዝኸፎኦም ግን እቶም ጸቅጢ በርቲዑዎም፡ መንፈሶም ደኺሙ ነእምሮኦም ምስካም ስኢኑ ዝዓቝሩዎንን ዘደስክልዎን እዮም። እንዳረየ፡ እንዳሰምዐ፡ ሓሽኻ ዝቐብርዎ። ኣእምሮ ግን ይመወት እምበር ኣይዑቌርን! ነዝ’ስ ኣይፈልጥዎን? ተዓቝሩ ከም ወይኒ ኣይምቅርን ከም ሰበይቲ’ውን ኣይበስልን። ኣእምሮ፡ ነቲ ዝተፈጥረሉ ስራሕ ‘ተዘይሰሪሑ፡ ይመውት።  ከም’ቲ ዝኾነ ካልእ ኣካል’ውን  ዝመውት።  ነፍሲ’ውን ምስ’ኡ ትመወት። ነፍሲ ‘ተሞተት ድማ ኵሉ ይመውት። እቲ ሰብ ድማ ይመውት።

ሰብ ‘ተሞተ እንታይ ይኸውን? ዓቢዪ ፍልስፍናዊ ሕቶ ይመስል ቀሊል መልሱ። ሰብ ‘ተሞተ እንስሳ ይኸውን። ስለዚ’ዩ ድማ ሰብ ‘ተሞተ ቀልጢፍካ ምድፋኑ ግጉይ ዝኾነ። ኵሉ ዝሞተ’ውን ኣይቅበርን።  ምናልባት ከም እንስሳ ክነብር መሪጹ እንተኾነ”ኸ እቲ ሰብ ዝሞተ?  ሰብ ምዃን በርቲዑዎ ደኺሙ ደላይ ዕረፍቲ ‘ተኾነ’ኸ?  እዚ ተኽእሎ’ዚ ተራ ተኽእሎ ጥራሕ ኣይኮነን ስነፍልጠታዊ መሰረትን ስነሞገትን ኣሎዎ። ኣእምሮ ሰብ፡ እቲ ንሰብ ካብ እንስሳታትን ኣታኽልትን  ደንጎላታትን ዝፈልዮ  ፍሉይ ጸጋ እዩ ! ኢሉ  ሰብ ባዕሉ ኣረጋጊጽዎ።  ካብ እንስሳታትን ኣታኽልተን ደንጎላታትን ድማ ነዚ ጽንሰሓሳብ’ዚ ዝተቓወመ የሎን።  እምበኣር፡ ሰብ፡ ኣእምሮኡ ‘ተጥፈአ ወይ ‘ተደቀሰ፡ ንርእሱ  እዩ  ናብ እንስሳ ዘንኣሰ። እሞ ሰብ ኣእምሮኡ ‘ተቐተለ እንስሳ እዩ ዝኾነ።  ነዚ ስነሞገት’ዚ እሞ እንታይ  ክወጾ !

እዚ’ውን  ክሳብ ክንድ’ቲ ክፉእ ኣይምነበረን። እቲ ቅሱን ስነኣእምሮኣዊ  ናብራ እንስሳታት ኣጎምጃዊ’ዩ። ቀሊል ስለ’ዚ ኣጎምጃዊ። ግብሪ፡ ገዛ ክራይ፡ ቀለብ ቈልዓ ኣይከፍሉን … ። ምስ ባህሪዪ ተሰማሚዖም እቲ ዝበለጸ ካብ ህይወት ክረኽቡ ብባህረት ይጋደሉ። ኮርኳሒ ሕልና የብሎምን ነፍሰ ወቀሳ ኣይፈልጡን። ኣየዕዘዝሙን ህይወቶም ከምዝመጸቶ ይነብሩ። ኣብታ ዕምሮም ዝኣኸለትሉ ከኣ ብዘይ ብዙሕ ምዕርምራምን ኣውያትን ይኸዱ። ሕሉፍ ኣይግድሶምን  ንሎም’መዓልቲ ጥራሕ ይነብሩ። ሎም’ዓልቲ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይፈርሑን። ካብ’ዚ ዝበለጸ ናብራ’ሞ ኣበይ ክርከብ። ድቃስ’ዩ። ኣብ ጀርመን ከልቢ ‘ተኾን’ካ ገነት’ዩ። ከልቢ ኤልሳቤጥ ተይለር እንተኾነካ እቲ ጣዕሚ ናብ ብልሽውና ጥሒሱ ልብኻ ብስብሒ ጣዕ ከይትብል ተፈልርሕ። ኣህ! ድሙ  ንበይና ትነብር ሽማግለ ሰበይቲ ‘ተዝገብረኒ  … ። ድሙ’ውን ትሓልም’ያ።

ካብዚ ንላዕሊ ዝማዕረገ ናብራ እንስሳ’ውን ኣሎ። ምልዖ ዝመሰለት ነዋሕቲ ኣእጋርን ፡ ልስሉሳት ኣእዳውን … ኣየወ ክጥጥሕ’ቲ ድሕሬኣ !  ንግስቲ እትውጥሖ ፈረስ ‘ተትኸውን’ከ’ሞ … ንጹህ መንግስተ ሰማያት። ቀጠልያ ለምለም ጻሕ ዝበለ ሜዳ … ።

እቲ እንስሳ ምዃን ግን ፍስሓ ጥራሕ ኣይኮነን።  ሓደጋ’ውን ኣሎዎ’ዩ። ንኣብነት፡ ዕድልካ ‘ተሓሚቑ፡  ኣድጊ ምዃን ኣሎ።  … ኣይግበሮ ድኣ’ምበር … ኣብ ኤርትራ ! ኣይግበሮ። ኣይግበሮ ንጸላኢኻ እኳ ኣይትትምነዮ። እንተ ግን … ? ጡፍ በሎ ጡፍ በሎ … !  እወ፣ ካሊጉላ፡ ኔሮ፡ ሂትለር፡ ስታሊን፡ ቦካሳ የእዱግ ኤርትራ ኴይኖም ‘ተዝምለሱ ምናልባት ፍትሓዊ ‘ምነበረ። ምናልባት’ውን ንመንፈሳዊ ምዕብልንኦም ጠቓሚ ም”ነበረ። ማለት’ሲ፡ ብገዛእ ክልተ ኣእዳዎም ዝፈጸምዎ ገዛእ ተግባራቶም፡ ካብቲ ብዓይኖም ዝረኣዪዎ ንላዕሊ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ምስተራእ’ዮም። ምናልባት ም’ነቕሑ። ምናልባት እታ ሓጺን ልቦም ም’መኸኸት።  ተኣምር ዝምሰርሐ’ዩ’ቲ ምርኢተ ኢርትራ። ምናልባት’ውን በቲ ኢሳያስ ም’ቐንኡ። ምዓንጥኦም ም’ሓረረት። ብቕንኢ ድማ ጣዕ ም’በሉ ሳልሳይ ሞት።      

ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፡ ኵሎም ደቀቕቲ መለኽቲ’ዮም ንኢሳያስ። ኣብ ኵሉ ሜዳታት፡ ካብ’ኡ ዝለዓለ ክርኢ ኣየፈቱን ኢሳያስ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ ፉሉይ ሞያኡ – ምልኪ። ስለ’ዚ ንዅሎም ይንዕቆም። ንሓንቲ ምኽንያት ጥራሕ’ኳ ንዅሎም ይንዕቆም። ኵሎም ሞይቶም። ንሱ ግን ገና ብህይወቱ ኣሎ ! ንሱ ንሞት መሊኹዋ እዩ። ክሳብ ዝመልካ ግን ብዙሕ ሞይቱ። ንሱ ግን ከምዝሞተ ፈጺሙ ኣይኣምንን’ዩ። ሸቶኡ ቀቲሉ፡ ሕልንኡ ቀቲሉ፡  ቃሉ ቀቲሉ፡ ዝንኡ ቀቲሉ፡ ንልቢ ዓዱ ቀቲሉ ገና እነብር ኣሎኹ ኢሉ ይኣምን። ከም’ቲ ቺናዊ ጀነራል … ። ርእሱ ተቈሪጻ ኣብ መሬት ተሰንድያ፡ ንሱ ኣይፈለጠን ገና ይዋጋእ ይፋለጽ። እታ ርእሱ ብዘይ ርእሲ ክዋጋእ ርእያ ( ኣቤት ናህሪ!) ተንተኽቲኻ ትስሕቕ። ርእሱ ኣብ መሬት ተሰንድያ ክትስሕቆ  ርእዩ  ግን  ከምዝሞተ ኣስተውዓለ። ሽዓ ከኣ ናብ መሬት ጡብ በለ።   

ኢሳያስ ግን፡ ርእሱ ኣብ መሬት ተደርብያ እንዳረኣያ፡ ኣይርእሰይን ! ኢሉ ይኽሕድ ድኣ’ምበር ኣይሞውትን።  ጤረር ጽንዓት ኤርትራ’ዩ ‘ቲ ሰብኣይ።

እዚ ኵሉ ኵሊተ ዘረባ፡ እቲ ኣድጊ ኤርትራ ምዃን ክሳብ ክንደይ ሓማቕ ዕድል ከም ዝምነበረ ንምስትውዓል’ዩ። ኣይ ጽቡቕ ካርማን ! እቲ ፈላሲ’ውን ርእሱ ምነቕነቐ። እቲ ሎም ዘመን ኣድጊ ኤርትራ ረኺቡዎ ዘሎ፡ ወዮ’ድኣ’ቲ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሽግራቱ ጥራሕ ዝዛረብ ኴይኑ’ምበር፡ ስቅያቱ ኣብ’ቲ ምሉእ ታሪኽ ኤርትራዊ ኣድግነቱ  ተራእዩን ተሰሚዑን  ኣይፈልጥን። እቲ እሳያስ ርእስና ንኽእል ኢሉ ክመካሕ ከሎ ኣድጊ ይስከሞ ማለቱ ነበረ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘይውዳእ ዕማምቱ ታክሲ ከተማታት ‘ውን ተወሲኽዎ። ደቂ ሰበ ስልጣናት ንቤት ትምህርቲ የመላልስ። ናብ ሱፐር ማርኬት ይለኣኽ። እሞ ከኣ ንሰብ መድሃኒት ዘይተረኽበ ገጸብኡ ክሕከም’ዶ’ኸ ይመስለኩም? ሰብ ከብዱ ከይጸገበት ንሱ ሓሰር ንፋይ ክረክብ’ዶ ይመስለኩም? ኣድጊ ሕማቕ ረኺቡ ሰብ ሓሰር ንፋይ ክበልዕ ጀሚሩ። (Eritrean full corn !)  ስለ’ዚ’ዩ ከኣ  ዝኾነ ኤርትራዊ ኣእምሮኡ ከጥፍእ  ኣዝዩ ክጥንቀቕ ዘሎዎ ነቲ ኣድጊ ምዃን ስለዘሎዎ።           

እቲ ገመል ምዃን’ውን ብዙሕ ዘወናውን ኣይኮነን። እወ፡ ከም ገለ ኣብ በዓል ኣቡ ዳቢ፡ ዱባይ  ‘ተነጢብካ፡ እሞ እንዳ ሓደ ሸኽ ከኣ፡ ጀና ዘይኣቶኹ ኣይምበልካን። ኣብ ፈቐዶ ሑጻን እምንን ክሳዱ ደርብዩ ከብዱ እንዳሓሰየ፡ ሓንቲ ሳዕሪ ኣብ ኣስናኒኡ ቀርቂሩ ‘ያ ረብ! ገመል ዓረብ ዘይገብርካኒ !‘ ኢሉ ክራገምን ክሓልምን ዝውዕል ኤርትራዊ ገመል ውሑድ ኣይኮነን። እቲ እዋናዊ ኣከዋውንኡ፡ እቲ ምስፍሕፋሕ ዝንኡ  ኣብ ኤርትራ፡ ገመል፡ ጽልግልግን ዘተሓማምን’ዩ። ኣብ ኵሉ ኣቕራሻት ሃገርን ማሕተመ መንግስትን ተለጢፉ ትእምርተ ሃገር’ዩ። ንዝኾነ ኤርትራዊ እንስሳ፡ ናይ ቤት ይኹን በረኻ፡ ተዋሂቡ ዘይፈልጥ ክብሪ’ዩ። ገመል፡ ማህተመ ንጉስ’ዩ።፡ ዘገምታን ጽሮትን  ዘደንቕ ንጉስ። 

ኵሉ ዘንጸባርእ ግን ወርቂ ኣይኮነን። ኣብ ቅርሺ ይጠቃዕ ድኣ’ምበር ሳንቲም ኣይውንን። እቲ ወድዓዊ ኣተሃላልውኡ ካብ ኣድጊ ኣይፍለን። እንተኾነ እቲ ትእምርተ ሃገር’ዩ።

ስለምንታይ’ከ ኣድጊ ትእምርተ ሃገር ዘይኮነ? ማለት’ሲ፡  ብዝውሓደ ዘይተወዳደረ።  ኣይተሓተን ፈጺሙ ኣይፈለጠን። ኣድጊ ኣብ ጸብጻብ ኣይኣተወን።  ኣድጊ ስእሊ የብሉን ኣይህሉውን። ኣድጊ ኣገልጋሊ ጥራሕ እዩ። ኣብ’ቲ ቅርጻ ብድዐ ‘ቲ መላኺ ኣይሰጥምን። ኣየንጸባርቕን’ዩ ኣድጊ ሕብሪ’ኳ የብሉ። ኣድጊ ጸዳለ ጽድቂ የብሉን። ንወለዶታት ከም ኣእምሮኣልቦ ምእዙዝ ኣገላጋሊ፡ ‘ተበሊዑን ሰትዩን ሰሪሩን ከኣ ከም ኣድጊ ዝርፍዕ ሰራሕተኛ እዩ ተራእዩ። ኣድጊ ድማ ተቐቢሉዎ እዩ። ኣድጊ፡ ግዳዪ ምልኪ እዩ። ግዳይ ፍጥረቱ ከኣ። ቍንጹብ’ዩ ኣእምሮኡ ከማዕብል ኔሩዎ ንሱ’ግን ብልዕቱ ከዕቢ መሪጹ። ንሱ ትእምርተ ሓፋሽ ጥራሕዩ። 

ግን’ከ ገመል ኣብ ልዕሊ ኣድጊ እንታይ ብልጫ ኣሎዎ? ቈማት’ዩ። ግርማ ኣሎዎ። ብዙሕ ይጸውር። ብዙሕ ይጻወር። ኣድጊ’ውን ብዙሕ ይጸውርን ይጻወርን’ዩ መጠን ግዝፉ። እቲ ምጽዋር ድማ ሓሊፍዎ።  ግርማ ድማ ካብ ዓይኒ ረኣያይ እዩ። እቲ ግርማ ዝርኢ ኣብ ኣድጊ’ውን ይርኢ። ብዛዕባ  ቍመት ድማ … ኣድጊ’ኮ  ንነብሱ ባዕሉ ኣይሰርሓን። ንሱ ንከበሳን ንእምንን’ዩ ተሰሪሑ። ኣእጋሩ እንተሓጸራ ንመሬት ቀሪበን ኣደልዲለን መታን ክረግጻ እዩ። ኣብ ቦትኡ ኣድጊ፡ ርግጽ  ንጉስ ጽዕነት’ዩ። ኣብ ዝባኑ ማይ ዝመልአ መንድዓት ተሰኪሙ ላዕልን ታሕትን ዘይበለ፡ ብርኩ ዘየንውሐ ክበሃል ኣይከኣልን።  ግድን ብርቱዕ  ሓይሊ ‘ተተደልየ ከኣ ንበቕሊ ይወልድ’ዩ።

ወዮ’ድኣ ‘ታ ስሙ ምርርቲ ኴይና’ምበር፡ በእምሮ’ውን፡ ብስነፍልጠት ተዓቂኖም ዳርጋ ፍልልይ የብሎምን። ኵሎም ሃደምቲ እንስሳታት ብርቱዕ ብርኪ ድኣ’ምበር ብርቱዕ ሓንጎል ኣየድልዮምን። እንተኾነ፡ ሓንጎል ኣድጊ’ውን ትዓቢ ክንዲ ሑጻ’ውን ‘ተኾነ። እሞ ኣይፍሕን፡ ትእምርተ ሃገር ዝኣኽል ግርማ’ስ ብመልኽዕ፡ ብመጠረዚ ክውሰን? ካልእ ምኽንያት’ሲ ክህሉ ኣሎዎ። ገለ ውሽጣዊ ጕርሒ’ስ ኣሎዎ።

እቶም ክርስትያን ከበሳ ገመል ኣይበልዑን። ብመሰረቱ ስጋ ዝጸዓን እንስሳ ኣይበልዑን ጸብኡ ኣይሰትዩን። እዞም ኣስላም’ሲ፡ ነታ ገመል ስጋኣ ይበልዑ፡ ጸባኣ ይሰትዩ ክንደይ ይስስዑ … !  እቲ ምጽዓና ከይኣኽሎም’ሲ … ። ጺን የብሎምን ! ገመል እምበኣር ከም ኣድጊ እንስሳ ጽዕነት እያ ልክዕ ከም ስጋ ኣድጊ ድማ ኣይትብላዕን።

በቲ ካልእ መዓቀኒ – ሓደ ሸኾና ኣይብላዕን ክልተ ሸኾና ይብላዕ – ግን ገመል ክትብላዕ ይግብኣ’ዩ ከም ላም። እወ …  ትብላዕ … ኣህ! እንታይ’ሞ እዞም ኣስላምን’ዶ ጽዒኖማ። ንዕኦም ንሕደገሎም ኣስላመይቲ እያ።

ኣይግበሮ ድኣ’ምበኣር፡ ‘ቶም ኣስላም ኣቡዑሮምን ኣላማቶምን፡ ጤለ በጊዓቶም ክጽዕኑ ‘ተጀሚሮም፡ ክርስትያን ከበሳ ናብ ቈጽለ መጽሊ ወዲቑ ክእለሽ’ዩ። ገመል እምበኣር በዓልቲ ድርብ ሞያ’ያ። ንኣድጊ በዚኣ ትበልጾ። እዛ ብልጫ’ዚ’ኣ ግን ነዊሕ ትሕክም ኣይትመስልን። ህዝቢ ከበሳ፡ ንስለ ዝናን ክብርን ዝፈትዎም ኣእዱጉ፡  ኣእዱጉ ክበልዕ ክጅምር’ዩ።  ጠምዩ ዘይኮነስ ፈትዩ። ድሮ’ውን ጀሚሩ ኣሎ ይስማዕ።  ኣድጊ ገና ይከራኸ ኣሎ ኣይሓመቐን።     

እሞ እቲ ገመል ድኣ ብምንታይ ይበለጽ? ገለ ኣገዳሲ ምኽንታት ክህሉ ኣሎዎ … ።  ትእምርተ ሃገር ንዝኣክል ሕቶ… ? ኣብ ኤርትራ ምኽንያት ካብ ተሳእነስ እምበኣር እስከ ደገ  ንጻእ ገለ ብርሃን ‘ተበርሀ።  ወጺእና፡ መርሚርና፡ ተመራሚርና ነቲ ምኽንያት ከኣ ዳርጋ በጺሕናዮ። እቲ ኤርትራዊ ገመል፡ ንሱ ናቱ ብዙሕ ዘይብሉ ግን ንግርምኡ ኣብ ኤርትራ ዘዕቢ ኣህጉራዊ ግርማ ገመል  ኣብ መላእ ዓለመ ኣእግማል እንዳማዕበለ ከይዱ። ገመል፡ ንጉስ ምሉእ ምድረበዳ ኴይኑ ኣብ ምሉእ ምድረበዳ ዓለም ዝናን ተፈታውነትን ኣጥርዩ ጸኒሑ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ድማ ርግጽ ተኣምር ምድረበዳ  እዩ። ዕድሉ ጽቡቕ ኴይኑ ድማ እቲ ዝበዝሐ ነዳዲ ዓለም ኣብ’ቲ ንሱ ዝነገሰሉ  ምድረበዳ ከም ማይ ተዃዕዩ ንሱ’ውን ቀድዪዎ ካብ ኣገልግሎት  ጽዕነት ተገላጊሉ ንመልክዑን ስፖርታዊ ንጥፈቱን ጥራሕ ይነብር ኣሎ። ነታ ጠረር ምቾት ገመል በጺሑዋ እዩ። እቲ ምድረበዳ ብካዲላካትን መርሰደሳትን ላንዳ ሮቨራትን ፈሎቝሎቝ ኢሉ፡ ገመል ተጸይሩ። ካብ ጸዋሪ ናብ ተጸዋሪ ኣድጊ ኣይሓልሞን። ገመል፡ ተዃሑሉ ተሰንቲሩ ‘ተምሳሉ ተወልዊሉ  ትእምርተ ምሉእ ምድረበዳ  ኴይኑ። እቲ ጎሳስነቱ’ውን ናብ ዓቕልን ጥንቃቔን ተተርጕሙ ሎሚ ጸርፊ ኣይኮነን ናእዳ እዩ። ነዚ ምስሊ’ዚ ኣብ ኤርትራ ምንጽብራቑ ድማ ብዙሕ ፖለቲካውን  ዲፕሎማስያውን ስነኣእምሮኣውን ረብሓታት ኣሎዎ። ንሃብታም ጎረባብትኻ ምምሳል ወርትግ ጠቓሚ እዩ።  እቲ ቀስ ኢልካ ምኻድ’ውን ኣንበይተጸልአን።  ፕረሲደንት ኢሳያስ ንባዕሉ ቀስ ኢልና ኢና ንኸይድ ግን ንኸይድ ኢና !  ክብል ተመኪሑ እዩ። እንኳዕ ከኣ ኣካይዳ ገመል ከድና ዘይ ናብ ጕድጓድ ኢዩ ዝመርሓና!

እቲ ጕርሒ ካብ’ዚ ዝዓሞቘ’ውን ይኸውን። ገመል ዕጪኡ ኴይኑ ኣብ’ቲ እስላማዊ ምድረበዳ ስሱን’ዩ። ኣድጊ’ውን ኣሎ ‘ተኾነ ገመል ኣንስቲ ተጸዊዑ ኣገዳስነቱ ንኡስ’ዩ።  ገመል ግን ኣስሊ ውላድ ምድረበዳ እዩ። ትእምርተ ጽንዓቱ፡ ኵርዓቱ። ገመል ናብ ጣዖት ክምለኽ ቀሪቡ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣካል ናይ’ዚ ኣደናቒ ኩልት ገመል (cult of the camel) ምምሳል ኣካል ሓያሎ ፖለቲካዊ-ስነኣእምሮኣዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ፕሮፓጋንዳዊ ጥቅምታት ከምዝነብሮ ብባህረት ይፈልጥ። ኣብ ኢድ ክኢላ ጥበበኛ፡ ‘ገመል’ ክሳብ ኤርትራ ዓረባዊትን እስላማዊትን እያ ንምባል ክምጠጥ ይከኣል። ንኣድጊ መጢጥካ ናበይ ትበጽሕ!?

ንዝጠመየ፡ ንዝጸምአ፡ ገመል እንዲኻ ተጻወር!  ክትብሎ ይከኣል። ደንጕኻ ንዝበለካ ገመል እንድ’ዬ! ክትብሎ ትኽእል። ምስ ኣድጊ ከም’ዚ ክትገላበጥ ኣይትኽእልን።  ገመል እምበኣር ሓደ ካብ’ቲ ዘይውዳእ ጕርሒታት ኢሳያስ እዩ።

ኣድጊ ትእምርተ ሃገር  ‘ተዝነብር’ኸ? ኣ ዑዝቢላህ … !             

ኣድጊ ከይተበገሰ ዝተሳዕረ ምስኪን እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ይመስል የደንግጸካ። ሓንሳብ ኣድጊ ተባሃሉ ነዚ ምርኢቱ’ዚ ክቕይር ንብምሉኣቶም ቈነንትን ቀባእትን ዓለም ኣኪብካ እኳ ንጋዳ። ካብ ኵሉ ነቲ ኣድጊ ምዃኑ ምቕባሉ፡ ካብ’ዚ ገዛእ መግዛእቲ ገዛእ ሓንጎሉ ከተላቕቖ  ድማ እቲ ዝበርዐ  ገድሊ’ዩ እቲ  ገድሊ ጸረ ነፍሱ ኴይኑ። ከባቢ’ኡ’ውን ርእሰ ንቕሓቱ ከዕቢ ዘተባብዖ ኣይኮነን።

እታ ህይወት ዓዃይ ከበሳ ብዘይካ ኣድጊ ስድሪ’ኳ ፍሕዅ ኣይትብልን። ኣድጊ’ውን ይፈልጥ። ሓንቲ ኣድጊ ግን እቲ ዓዃይ  ኣገልግሎታ ብልክዕ ዝመዝን ‘ተነበረ ኣገጋጊጻ ክትፈልጥ ወሲና ንጎይትኣ እቲ ምስ ሞትኩ ተልቅሶ ክሰምዖ እደሊ ኣሎኹ’ሞ ሃየ ኣስምዓኒ በለቶ።

ቀለሙ ቀለሙ ኣንቲ ቀለ
ኣንቲ ጓል ጻዕዳ ኣንቲ ቀለሙ
ኣንቲ ጓል ደስታ ቀለሙ
በዓል ጣፍ’ዶ ኣብጺሑ መርገሙ
በዓል ዳጕሳ’ዶ ኣብጺሑ መርገሙ
ጽጡሕ ምድረቤት’ዶ ኣብጺሑ መርገሙ
ንስኽስ ኼድኪ ደቅኺ ይደገሙ

ኣልቀሰላ እቲ ዓዃይ። እታ ኣድጊ ንዓለም ክትርድኣ ስኣነት። እዚ ሰብ’ሲ በታ ከብዱ ጥራሕ ክሓስብ ? ኣነ’ውን በዓልቲ ከብዲ እንድ’ዬ? እቲ ዝስከሞ’ኸ? እቲ ዝጓሩቶ’ኸ? እሞ ንደቀይ ለኪሙ? መን ድዩ ንመወዳእታኡ ክጕዳእ? ነታ ዘረባ’ኳ ሳንቲም ዘይትክፈላ ጥዕምቲ ዘይትወጾ ? እንስሳ ልክዕ ከም ወናኒኡ’ስ ክበሃል እንድ’ዩ።  ቀለሙ ንያታ ኣዝዩ ተተንከፈ። ከይሓፈረ ርእይቶኣ ሓቲትዋ ድማ < ሕጂ ኣየናይና እዩ እቲ ኣድጊ? > ክትብል ንሕቶ ብሕቶ መሊሳትሉ።      

ሓደ ማሕበር ምሕጋዝ ኣእዱግ ንኣድገ-ስኡናት ኤርትራውያን ዝተባህለ ጀርመናዊ ማሕበር ግብረጽድቂ ( Deutche Essel Gesselshaft: Esselhilfe für Eritrea ) ግን፡ ንእግረ መገዱ፡ ንክብረትን ዋጋን ኣእዱግ ኤርትራ ዘድምቕ  ግብረ ሰናያት የካይድ ምህላዉ ፈነዋ ተለቪዝዮን ARTE.De. ኣብ ናይ ጥሪ፡ 2010 ፈነውኡ ኣቓሊሑ። ኵለን ሰብኣዊ ሰናይ ማሕበራት ካብ ኤርትራ ተሰጕጔን፡ እዚ እንስሳዊ ማሕበረ ሰናይ’ዚ ግን ገና ክሰርሕ ምፍቃዱ ስነሞገታዊ እዩ። እታ ሃገር ናብ ስም ኣድጊ ዝገነሉ ኵሉ ሸነኻዊ ሃለዋት እንዳኣተወት  እያ። አረ ኣትያ እያ። ሃገራዊ ፖስታ ቤት ኤርትራ ኣብ ምዝርጋሕ ቡስጣታት ኣድጊ ሃገራዊ ግቡኡ ዝፍጽመሉ ኣኽእሎታት ኣጽኒዑ ወዲኡ ኣሎ። ኣብ ኵሉ ጎደናታት ከተማታት ጋብላታት ማይን፡ መዕረፍ ኣእዱግን፡ ቤት ሳዕርታትን ጥረምረን ከይተረፉ፡ ድሮ ተነዲፎም ይርከቡ።  ከይዱ ከይዱ፡ ኣድጊ ነቲ ምሉእ በርጌሳዊ ትራንስፖርት ኤርትራ ክትክእ’ዩ። ኣብ ክንዲ ታክሲ ! ኣድጊ ! ክበሃል እዩ። እቲ ኣድጊ ድዩ ኣድጊ እቲ በዓል ኣድጊ ኣድናጊሩ ከናቍት’ዩ።     

ኣደይ ትበርህ ሓንቲ ካብ ተጠቃሚት ናይቲ ፕሮግራም’የን። ኣብ ሓንቲ ቍሸት ከበሳ፡ ኣብ ሓንቲ ህድሞ ከበሳ ይነብራ። ካብ ዘመነ ፈርዖን ኣይተቐየረን ኣሰራርሓኣ። ኣብ ዘመነ ፈርዖን ተሃኒጻ ማእከልነታ ተመዛቢሉ ትራጠጽዩም መሲላ’ያ። በዓል ቤተን ምዉት፡ ክልተ ደቀን ስዉኣት፡ ኣብታ ቤት ንውልቀን እየን ንሰን’ውን ካብ ዘመነ ፈርዖን ይመስላ። እቲ ፈርዖናዊ ዕርፊ ኣብቲ ገደና ተደርብዩ’ዩ  ዘልዕሎ ስኢኑ። ኣብ’ቲ ቦታ፡ ጊዜ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ዝሞተ ይመስል። ሎሚ ጊዝያት ግን፡ ኣምላኽ ይመስገን ፡ ብዝወሓደ፡ ተንቈልቍል እኳ’ላ።

ኣደይ ተበርህ፡ ኣብ እንግድዐአን ዕትሮ ተሰኪመን፡ ቍልቍለት ወሪደን ዓቐበት ደይበን ንቤተን ክምለሳ ክልተ ሰዓት ይወስደለን ከም’ቲ ኣብ ዘመነ ፈርዖን። ክልተ ሰዓት ንሓንቲ ዕትሮ ማይ። ጭሕመይ ዘየላጽያ ማይ። ኣደይ ትበርህ ግን ካብአን ገጸን ይሕጸባ። ካብአን ጎሮሮአን ይዕንግላ። ካብአን መግበን ይሰርሓ፡ ቡነን የፍልሓ፡ ክዳነን ይሓጽባ። ንጽብሒ’ቱ ንግሆ ድማ ዕትሮአን ተሰኪመን ንሩባ ይወርዳ ከም’ቲ ኣብ ዘመነ ፈርዖን።

ሽግረን፡ ናይ’ቲ ዞና ናይ ማሕበራዊ ዕዮታት ሓላፊት ኣጽኒዓቶን፡ ክሕገዛ ከምዝግብአን ናይ’ቲ ወረዳ ምምሕዳር መርሚሩዎን ተሰማሚዑን፣ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ፈሪሙሉን፣ ማሕበር ኣእዱግ ጀርመን፡ ፍሉይ ማሕበር ሓገዝ ኣድጊ ንኤርትራውያን፡ ሓደ ኣድጊ ነደይ ትበርህ ክትሕግዝ ተፈቕደሉ። ንኽሕግዝ ፍቓድ መንግስቲ የድልዮ’ዩ’ቲ ማሕበር።

ዕዳጋ ኣድጊ ንሰብኡት ጥራሕ ዝምልከት ኴይኑ ድማ ሓደ ተባዕታይ ኣባል ማሕበራዊ ዕዮታትን ክልተ ርእሱን ራብዐይቶም ኣደይ ትበርህን ኴይኖም ንዕዳጋ ኣእዱግ ወረዱ። ድሕሪ ብዙሕ ምርመራ ኣስናንን፡ ክሳድን ጎሎን ከኣ ኣብ ሓንቲ ጽብቕቲ ኣድጊ ብ1500.00 ቅርሺ ናቕፋ ( 130.00 ኢሮ) ተሰማምዑ። ኣደይ ትበርህ ከም’ታ መዓልቲ’ቲኣ ጌረን ተሓጕሰን ካብ ዘይፈልጣ መዋእላት ሓሊፉ እዩ። ዕድለን ጽቡቕ ኴይኑ ድማ እታ ኣድጊ ድቂ’ውን ሒዛ ጸንሐት። ድሕሪ መንፈቕ ድማ ድርብ ክሕጎሳ’የን ኣደይ ትበርህ።

እቲ ቍሸታዊ ምጣኔሃብቲ ሓደ ኣድጊ ደሊቡ ከኣ ምልእቲ ዓዲ ምሰደይ ትበርህ ተሓጎሰት። ሽማግለታትን  ቈልዑትን ዓዲ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣደይ ትበርህ ተኣኪቦም ሓጎሶም ገለጹ።  ቈልዓ ኴይኑ ወይ ኣሪጉ ስኑ ዘይረገፈ ኣይነበሮምን። ደርጊ ስኑ፡ ብዘይካ ኣድጊ ዝሰረረ ኣይነበረን ኣብ’ታ ዓዲ። ከም’ቲ ኣድጊ ጽኑዕ  ደንቲስታዊ  ምርመራ ‘ተዝግበሮም ሓደ’ኳ ኣንበይተሸጠን። ሓደ ቈልዓ  ክራር ወቕዐ። ሓደ ሽማግለ ኮቦሮ ወቕዐ። እቲ ጓይላ፡ ጓይላ ቈልዑትን ኣረገውቶትን ኴይኑ ኣይደመቐን። ንስለ ወግዑ ግን እሽም ተባህለ። ኣደይ ትበርህ’ውን ኣብ ልዕሊ’ታ ረሳሕን ብላይን ክዳን ቤተን ሓንቲ ጽርይቲ ናይሎን ቀሚስ ለቢሰን ኣዕለላ። ሓንቲ ብቐጻልነት ቍልዒ ዓይነይ ብጉንቦ ኢደን ከልግሳ ዝቃለሳ ዝነበራ ካልእ ፈርዖናዊት ሰበይቲ’ውን ኣዕለላ። እቲ ጓይላ ከኣ ሽዓ ቀሃመ። ንስእሊ ተለቪስዮን ግን እኹል ነበረ።

ንጽብሒቱ ንግሆ ጸሓይ ከይበረቐት፡ ኣደይ ትበርህ ኣድገን ጽዒነን ንሩባ ተሃንፈፋ። ነብሰን ፈዅሱለን ነቲ’ኻውሕ  ከም’ዛ ሰሰሓ ነጠርኦ። ኣርባዕተ ዕጽፊ ማይ ጽዒነን ድማ ነቲ ዓቐበት ‘ተተሓሓዝኦ። ኣብ 20 ደቓይቕ ድማ ንቤተን ከተፍ በላ። ወዮ ሕማም ሕቘ ድማ ብንን በለለን። ወዮ ኣድጊ ድማ ምጣኔሃብታዊ ተኣምራት ሰርሐ። ኣደይ ገነት ነብሰን ክኢለን’ሲ ክሳብ ንኣድገኣልቦ ደቂ ዓዲ ማይ ክሸጣ ከኣላ። ኣብቲ እቲ ኣድጊ ዝቈጠበለን ጊዜ ከኣ፡ ክልተ ሰዓት ንመዓልቲ፡  መብልዕ ቍርሲ ክሰፍያ ጀመራ። ዝቘርስ ‘ተረረኺቡ ድማ ንዓኣ ሸይጠን ክቈርሳ እየን።

እሞ ገመል ተጠንቀቕ ኣድጊ ደቂሱ ኣይሓደረን።

ድቁሳት ኣእምሮ’ውን ተበራበሩ እቲ እንስሳ ምዃን ኣድጊ ምዃን’ውን ኣሎዎ። እሞ ኣድጊ ኤርትራ!

የቐንየለይ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares