Awate.com

ኣየናዮም ኣምላኽ ይሕይል? SemDtesfai*

ኣየናዮም ኣምላኽ ይሕይል? *
ኣየናዮም መጽሓፍ ይበልጽ?
ኣየናዮም ተግባር’ከ?

ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት፡ ሓደ ዳዊት ባረት ዝተባህለ ተመራማሪ ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ናይ ዝርከቡ ሃይማኖታትን ቍጽሪ ሰዓብትን ክምዝግብ ጀመረ። ንዅሉ ኣማን ሃይማኖት ዓለም  መዝጊቡ ከኣ ኣብ 238 ሃገራትን ቦታታትን  ክሳብ 10,000 ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምንባሮም ኣረጋገጸ። ካብ’ዞም ኵሎም ሃይማኖታት ግን ንዓለምና ናብ ቅድስትን ንጽህትን ግዝኣተ ኣምላኽ ለዊጦም ንብምልኡ ህዝቢ ዓለም ከጽድቑ ዝጽዕሩን፡ ዝቃለሱን ክሳብ ዝዳመዩን ክርስትናን እስልምናን ጥራሕ’ዮም። ሂንዱነት እታ ክፍለ ዓለሙ ህንዲ ጥራሕ ትኣኽሎ። ቡዲስትነት፡ ንዓለም ከድሕናን ክቈጻጸራን ኢሉ ተመጣጢሩ ኣይፈልጥን ኣብ ኣእምሮኡን መንፈሱን የሎን። ንዕኡ ካብ ‘ ወላ ሓንቲ ‘(nothingness) ንላዕሊ ዘገድስ ዋላ ሓንቲ የሎን። ደላይ ላማ – እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ መራሒ ቲበታዊ ቡዲስትነት – እቲ እምነትን ተግባርን ቡዲስትነት ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ክትግበር ከምዝከኣል የምህር። ንጃፓናውያን ካብ ጃፓን ወጻኢ ኣብ ሺንቶነት ዝኣምን ካልእ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይግድሶምን። ኣይሁዳውያን፡ እቲ ማይ ቤታዊ ኣምላኾም ዮህዋ ናቶም ናይ በይኖም ጥራሕ ኴይኑ ክተርፍ ኣይጸልኡን ኣብ ምሉእ ታሪኹ ድማ ኣይሁድነት ነብሱ ከስፋሕፍሕ ናብ ካልኦት ኣህዛብ ሚስዮናውያን ልኢኹ ኣይፈልጥን። እቲ ሃይማኖት እንተላይ ዜግነት እዩ።

ክርስትናን እስልምናን ግን ዓለም ብምልእታ ናተይ’ያ፡ እቲ ሓቀኛ መገዲ ድሕነት ኣነ ጥራሕ’ዬ ወሲኖም ፍጥር ክብሉ ምስተናታረኹን ምስተፋነኑን እዮም። ንዓለም ድማ ምእንተ ኣምላኽ ብደም ኣጥለቕሊቖማ እዮም።

ንኽልቲኣቶም ሓደ’ዩ ኣምላኾም። እቲ ኣምላኽ ኣብራሃም ሙሴን። ክልቲኦም ሃይማኖታትን ብመንፈስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብስጋ’ውን ኣሕዋት እዮም። እቲ ሓደ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓደ ገዛእ ውላዱ ብኣካል፣ ነቲ ሓደ ከኣ ብኢዱ ዝተጻሕፈ መጽሓፉ ብምልኣኽ ኣብ ሕድሕዶም ዘይምርድዳእ ዝፈጠረ ይመስል። እቲ ዘይምርድዳእ ከኣ  ሓጺር ጊዜ ድሕሪ ሞት ነቢዪ መሓመድ ንፈለማ ጊዜኡ ናብ ዕጡቕ ግርጭት ገንፈለ። ብ634ዓም ሓደ ዓረባዊ እስላማዊ ሰራዊት ነቶም ኣብ ፍልስጤም ዓስኪሮም ዝነበረኡ ክርስትያናዊ ወትሃደራት ኣጥቅዐ። ካብ’ታ ጊዜ’ቲኣ ጀሚሩ ከኣ፡ ሽሕ’ኳ፡ ኣብ ሞንጎ ሞንጎ ንነዊሕ እዋን ሕድሕዶም ተኸባቢሮም ብሰላም ‘ተነበሩ፡ ዝንተ ዕለታዊ ወጥርን ብዙሕ ሻዕ’ውን ደማዊ ኵናትን’ሲ ተፈልዪዎም ኣይፈልጥን። ገና’ውን ክልቲኦም ሃይማኖታት ንዓለም ክመርሑ (ክገዝኡ) ክረጋረጉ ይርከቡ። ናብ’ታ ዝረሓቐት ርባዕ ሜተር መሬት’ውን እንተኾነ እምነቶም ከስፋሕፍሑ ብሚልያርድ ዝቝጸር ኣቕራሽ የዋፍሩ።  

እቲ ዝበርሀ ተልእኾ ምስፍሕፋሕ ዝተዋህቦም ክርስትያን’ዮም። “ናብ ምልእቲ ዓለም ተንቀሳቒስኩም ንብዘሎ ፍጡር ወንጌል ስበኹ!” ( እየሱስ ባዕሉ ኣብ ወንጌል ማርቆስ )

እስልምና፡ ኣብ’ቲ ፈለማ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ክርስትና ዝሕትል ቍሩብ ዝበለ ይመስል። ሽሕ’ኳ ዝኾነ ኣስላማይ ንመልእኽተ ኣምላኽ ክምስክር ዝኽእል እንተኾነ፡ ምስባኽ፡ ፈለማን ቀንድን  ንኡማ –  ነቲ ማሕበረ ኣመንቲ ይምልከት። ኣብ እዋን’ና ግን፡ እስልምና፡ ብክግለጹ ዝኽእሉ ማሕበረታሪኻዊ ምኽንያታት ሓኒኑ፡ ንብምእንትኡ ዝቖሙ  ሃይማኖታዊ ትካላትን ምጽዋት ሃብታማት ውልቀ ሰባትን ኣብ ምስፍሕፋሕ ነብሱ ዓቲቡ ክሰርሕ ይርከብ። እቶም ንክልቲኦም ሃይማኖታት ንምስፋሕ ተዓጢቖም ዝተንስኡ ከኣ እቶም ኣኽረርቲ(fundamentalists) ክልቲኡ ሃይማኖታት’ዮም። እቶም ኣብ ምልእቲ ዓለም  መሳጊዳትን ቤት ትምህርታት ቁርኣንን ንክህነጹ ሚልያርድታት ፔትሮ ዶላር ዝምጽውቱ ዘሎዉ ከኣ እቶም ባህላውያን መራሕቲ እስልምና ዘይኮኑስ እቶም እስልምና ክሳብ ሕጂ ርእዪዎም ዘይፈልጥ ሕኑናት ኣኽረርቲ’ዮም። መንፈሳዊ ሰዓብቲ ናይቲ ኣብ 18ክ.ዘ. ንክርስትናን ከም ግጉይ እምነት ዝወገዘ መሓመድ ዓብደልዋሃብ። ንወሃባውያን፡ ጂሃድ እምነት ንምድልዳል ዝግበር መዓልታዊ ነፍሰ ገድሊ ዘይኮነስ ዕጡቕ ቃልሲ ኣንጻር ዘይኣመንቲ’ዩ።

ካብ ሸነኽ ክርስትና’ውን እቲ ተርእዮ ኣይፍለን። እቶም ቀንዲ ሚስዮናውያን በዓል ኣደይ ማርያ ተረዛ ኣይኮናን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ብምልእታ ዓለም ንምንጋሳ ሓኒኖም ዝዋግኡ ዘሎዉ እቶም ንነብሶም ከም ወትሃደራት ክርስቶስ ዝፈልጡ ኣኽረርቲ ሓደስቲ ጨናፍር ክርስትና’ዮም። ንመጽሓፎም ቃል ብቃል ይትርጕሙ። ኣድማስ፡ ልክዕ ቅድሚ 6013 ዓመታት ኣብ ሽዱሽተ መዓልታት ተፈጢሩ ይኣምኑ።

ክልቲኦም ኣኽረርቲ ኣብ ምጽኣተ ዓለም የድህቡ። ብምጽኣተ ዓለም የፈራርሑ። እንተኸኣሉ ድማ ከቀላጥፍዎ ይጽዕሩ። ዝዕወቱ ዘሎዉ ድማ ይመስሉ።

እዋናዊ ተፋነንቲ ክልቲኦም ሃይማኖታት ሕሉፋት’ዮም። እዚ ድማ ነቲ ስነሓሳባዊ ፍልልይ ክልቲኦም ሃይማኖታት ብቐሊሉ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ግርጭት ክልውጦ ይኽእል። እቶም ንግምብታት ንግዲ ዓለም ንነፈርቲ ከም ጥይት ተጠቒሞም ዝበንቆርዎ ፍርቂ ብሱላት ወሃባውያን እዮም። እቲ ነቲ ፋሺሽትነት እስልምና ኢሉ ዘጠመቖ ጸላኢ ክድምስስ ተዓጢቑ ዝተንስአን ዘለዓዕልን ከኣ እቲ ኣኽራሪ ክርስትያን ኣሜሪካ እዩ። እቶም ልቡጣት መራሕቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት ከኣ፡ ፈትዮም ኣይፈትዮም፡ ናብቲ ግርጭት እንዳተገርዙ እዚ ግርጭት’ዚ እቲ  ዝለዓለ ግርጭት እዚ ክፍለ ዘመን’ዚ ከይኮነ ኣይተርፍን። ክሳብ’ውን ምኽንያት መንቀሊ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክኸውን’ዩ ኢሎም ዝንበዩ ፈጠርቲ ፍርሒ’ውን ኣሎዉ።  ክርስትያናውን እስላማውን ሂንዱስታውን ኮሙኒስታውን ኣቶሚካዊ ነታጕታት ኣብ ኵሉ ተጻዊዶም ድማ እቲ ፍርሒ ፈጺሙ መሰረተኣልቦን  ዘየተሓሳስብን ኣይኮነን።    

ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣንጻር’ቲ እስላማዊ ሽበራ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ‘ተተላዕሉ፡ እቲ ኣስላማይ፡ ብተግባር፡ ክርስትና ኣንጻር እስልምና መስቀላዊ ኵናት ከምዘበገሰ ክርድኦ ቀሊል እዩ። ሓንቲ ስእለ ዋዛ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሃይማኖትን መራሕቱን ከኣ ምኽንያት ዓለማዊ እስላማዊ ናዕብን መቃጸሊ ኣብያተ ክርስትያናትን ምቕታል ክርስትያናትን  እንተኾነት ድማ ዘገርም ኣይከውንን። እዚ’ውን፡ ከይዱ ከይዱ፡ ናቱ ተጻይ መልሲ ከይረኸበ ኣይክተርፍን።

ኣብ’ዚ ውድድር’ዚ ኣየናዮም ኣቅጣጫ ክዕወት’ዩ? ኣየናዩ ትምህርቲ ይምስጥ? ኣየናዩ ኣማኒ ይጸንዕ? … ተራ ኣካደምያዊ ሕቶታት ኣይኮኑን። ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን ምትኻስ፡ ኣላህን እግዚኣቢሔርን** እንደገና ናብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዓለም ተመሊሶም። ከምቲ ዝኾነ ደጊሙ ዝምለስ ሓኒኑ ዝምለስ። ኒትሸ ተጋግዩ ኣምላኽ ኣይሞተን። ኵሎም ፈላስፋታት ታሪኽን  ማሕበረ ሃይማኖታዊ ተመራመርትን  ዳርጋ ተጋግዮም። ካርል ማርክስ፡ ማክስ ቨበር፡ ኒትሸ፡ ሲግሞንድ ፍሮይድ ንኣምላኽ ኣናኢሶሞ እንሆ ከኣ ሎሚ ካብ ክልቲኡ ሸነኻት ዓጢቑ፡ በርቲዑ ተመሊሱ’ስ ሺዞፍረንያዊ  ቁርቍስ ገዛእ ነፍሱ የካይድ። ኣየናዮም ሸነኹ ይሕይል?

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ እስልምና፡ ኣብ ዝሐሸ ኵነታት ሓይሊ ዘሎ ይመስል ተንሲኡስ  የጥቅዕ’ውን ኣሎ’ሞ። ኣብ 20ክ.ዘ.፡ ብገምጋም፡ ከም እስልምና ጌሩ ሓደስቲ ኣመንቲ ዝኸሰበ ካልእ ሃይማኖት የሎን። ብኣንጻሩ፡ ንኣብነት ኣውሮጳ፡ ኣብ ነገራዊ ስነፍልጠት ተዓዊቱን ብእኡ ተመሲጡን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ንጡፍ ተሳትፎ ክርስትያናዊ ኣመንቱ እንዳኣጥፍአ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ’ሞ ክርስትና ኣብ ምድሓን ነፍሳት ኴይኑዎ ተሰኒፉ ድዩ? እስልምና ነዛ ሎሚ ናብ ሓንቲ ዓለም እንዳተጨበጠት ትኸይድ ዘላ ዓለም ዝያዳ ዝተዳለወ ኴይኑ ድዩ?

ክልቲኦም ሃይማኖተ መጻሕፍቲ እዮም። ቁርኣንን መጽሓፍ ቅዱስን። ካብ ክልቲኦም  ምንጪ እምነታት ኣየንኦም’ዩ ንዘመን’ና ሕልፊ ዝተዳለወ?

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሰንትራል ፓርክ፡ ገለ እመታት ካብ ዓንኬል ኮሎምቡስ ኬድካ እቲ  ዝዓበየ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቤት ንባብ ሰሜን ኣሜሪካ ይርከብ። ዓሰርተው ክልተ ደርብታት መጻሕፍቲ ዝመልአ ዓርሞሸሻዊ ህንጻ’ዩ። ኣብ’ዚ ቤተ መጻሕፍቲ’ዚ ብ2500 ቋንቋታትን ላህጃታትን ዝተጻሕፉ መጽሓፍ ቅዱሳት ይርከቡ። እዚ ድማ ተስዓ ካብ ሚእቲ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት ዓለም የጠቓልል። እቲ መልእኽቲ ” ኣምላኽ ብቋንቋኻ እዩ ዝዛረብ ” ዝበለ’ዩ። ብእንግልዝኛ ጥራሕ ኣብ ዓመት ክልተ ሓደስቲ ትርጕማት ይወጹ። ብሓፈሽኡ ድማ 900 ሚእቲ ሓደስቲ ትርጕማት። እቲ መጽሓፍ፡ ዝዛረብዎ ካብ ዕሟኾ ኢድ ንዘይበዝሑ ኢኑይት ኣላስካ ናብ ኢኑፕያክ’ውን ተተርጕሙ። ብቁንቍኛ (ስላንግ) ብሮንክስ’ውን ተጻሒፉ።  ገለ ክፍልታቱ’ውን ናብ ክሊንጎንኛ ተተርጕሙ እዩ። ክርስቶስ፡ ጽቡቕ ጉዕዞ ናብ ጠረፍ ይግበረልካ።   

ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 20 ሚልዮን መጽሓፍ ቅዱሳት ይሽየጡ ሽሕ’ኳ፡ብገምጋም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣሜሪካዊ ቤተ ሰብ ድሮ ሰለስተ መጻሕፍቲ እንተሃለዉ። 500 ሚልዮን ዶላር ዝግፈጠሉ ስቡሕ ንግዲ እዩ። እቲ ንግዲ ድማ ብኤለክትሮኒካዊ መልክዕ (ሰደታት፡ ቪድዮ|ኣውድዮ ክሊፕስ፡  ጸወታትን) ሜጋ ካዕቢቱ።

እስልምና ንከምዚ ዝኣመሰለ ምስፍሕፋሕ ሓደ ጸገም ኣሎዎ። ቁርኣን ናብ ካልኦት ቋንቋታት ክትርጎም ኣይከኣልን’ዩ ቋንቋ ኣላህ ዓረብኛ ኴይኑ ነቲ ጽኑዕ ኣማኒ ዝኾነ ትርጕም ጥርጡር ስለዝኾነ።  ነፍሲ ወከፍ ሓቀኛ ኣማኒ ድማ ነቲ ቋንቋ ኣላህ  ክመሃር ትጽቢት ይግበረሉ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እስላማዊ ዓለም፡ እቲ መጽሓፍ  ኵሉ ሸነኻዊ ምሉእ ህላዌ ኣሎዎ። ካብ’ቲ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራሕ ምሉእ ጊዜኦም ጥቕስታት ዝጠቕሱ ማዕከናት ቴለቪዝዮንን ራድዮን ኣሎዉ። ካብ ስዑዲ ዓረብ ጥራሕ ኣብ ዓመት ሰላሳ ሚልዮን መጻሕፍቲ ናብ ምሉእ ዓለም ይለኣኹ።  

ንኣመንቱ፡ እቲ መጽሓፍ እቲ ዝጸበቐ ስነጽሑፍ ቋንቋ’ዩ። ናቪድ ከርማኒ፡ ናይ እስልምና ሊቅን ደራስን’ዩ፡ እቲ ጽባቐ ቋንቋ ቁርኣን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምዕዋት እስልምና ምዃኑ ይጠቅስ። “እቲ ጽባቐ ቋንቋ ምስክር ብቕዓትን ሓቅነትን እቲ መልእኽቲ  እዩ። ኣላህ ጽቡቕ’ዩ” ይዝምር።

ኣየናዮም ካብ ክልቲኦም መጻሕፍቲ ዝበዝሑ ኣመንቲ ማሪኹ ሓደ ክመራመረሉን ክምልሶን ዘገድስ ሕቶ’ዩ። እንተኾነ፡ ጻልጣ ብዝሒ ቍጽሪ ኣመንቲ ሓደ ገጽ ናይ’ቲ ሕቶ ይመልስ ድኣ’ምበር ነቲ ዕብዬት ውሽጣዊ ሓይልን ብቕዓትን (inner dynamics and its further unfolding) ክልቲኡ መጻሕፍቲ ኣየርእን።

ከም መጀመርያ ጦብላሕታ፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን እስልምና ነቲ ናዝሬታዊ መቈራቝስቱ ዝሓየሎ ይመስል። ኣብ’ታ እቲ እግዚኣቢሔር ሞይቱ ! ዘርድአ ፍላስፋ፡ ፍሪድሪሽ ኒትሸ፡ ንባዕሉ ዝዓረፈላ ዓመተ ምሕረት 1900 እስላም ዓለም 200 ሚልዮን ነበሩ። ሕጂ 1,5 ሚልያርድ በጺሖም። እዚ ከኣ  እስልምና ብረቋሒ 7 ተባዚሑ ማለት’ዩ። ክርስትና ድማ ብረቛሒ ኣርባዕተ።

ኣብ ኵለን ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ’ውን እስልምና ሱር እንዳሰደደ ይርከብ’ዩ። ብገምጋም ገለ 5% ካብ ተቐማጦ ከተማታት ናይተን ብብዝሒ ባዕዳውያን ስደተኛታትን ተጣያሶን ዝተቐበላ ሃገራት ከም በዓል ጀርመንን ሆላንድን ዓባይ ብሪጣንያን፡ ፈረንሳን … ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቶም ዝዓበዩ ካተድራላት ኤውሮጳ ብገያሾ በጻሕቲ ክመልኡ እንከሎዉ መሳጊዳት ግን ብኣመንቲ መሊኦም ይርኣዩ። እቶም ፈለማ መጻእቲ ኣስላም ብዝተኻእለ መጠን እምነቶም ይሓብኡ ነበሩ። ደቂ ደቆም ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ንእምነቶም ካብ ናይ ኣቦታቶም ብዝለዓለ ንቕሓትን ነፍሰ እምነትን ይትግብሩ። ንእምነቶም ከኣ  ከም ምንጪ ኵርዓቶምን መለለዪ መንነቶምን  ይወስድዎ። መሳጊድ ከም ትእምርተ ህላዌ’ቲ ሃይማኖት ተወሲዶም ድማ ኣብ ኵሉ ቦታታት ብብዝሕን ብህጽን ክህነጹ ይርከቡ። እዚ እምነት ጥራሕ ኣይኮነን ስነኣእምሮኣዊ ኵናት’ውን’ዩ ክሳብ ኣብ ሽዊትሰርላንድ ግንበ ጻውዒት ጸሎት ከይህነጹ ህዝቢ ወሲኑ። ኣብ ቦዝንያ ጥራሕ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዓሰርተ ዘይበጽሕ ዓመታት 158 መሳጊድ ሃኒጻ። ቍጽሪ ዝተሃንጹ ቤተ መጻሕፍትን፡ ቤት ትምህርታት ቁርኣንን፡ መዳቕሶ ተመሃሮን፡ መዋዕለ ህጻናትን ማእለያ የብሉን። ቦዝንያ ከም ገዛእ ሃገር ምስቈመት ስዑዲ ዓረብ ጥራሕ ሓደ ሚልያርድ ዶላር ንባልካናውያን ሃይማኖታዊ ኣሕዋታ ሃይማኖታዊ ሓገዝ ሂባ።   

ብመንጽሩ ቤተ ክርስትያን ዝጥቀመሎም ጠፊኡ ክዕጸዉን ናብ መንፈሳዊ ዘይኮነ ኣገልግሎት ክውዕሉን ይርኣዩ። ከምዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ተገሚቱ፡ ብ2050ዓም ሓደ ርብዒ ህዝቢ ዓለም (27, 5%) ኣስላማይ፡ 35% ከኣ ክርስትያን ክኸውን’ዩ። ማለት፡ 2.5 ሚልያርድ እስልምና፣ 3.5 ሚልያርድ ከኣ ክርስትና።  

እቲ ቅልጡፍ ኣተዓባብያ እስልምና  ብዙሕ ምኽንያታት- ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዲሞግራፍያዊ – ኣሎዎ። ንኣብነት እቶም  ኣብ ሃገረ ዓረብ ምዕራባዊ ዲሞክራስያ ከተግብሩ ዝፈተኑ ዓለማዊ መንግስታት(secular regimes) ኣብ ዲሞክራስያዊ መብጽዓታቶም ፈሺሎም እዚ ንእስልምና ብርቱዕ ኣሐየሎ። እቲ ቅብጸተ ተስፋ ህዝቢ ዓቢዪን ዓሚቝ ዝሰረተን’ዩ። ፕሮፌሶር ቲሞሲ ሻህ ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ እታ ኣላህ ብልክዕ ዝተመልሰላ ዕለትን ዓመትን ክሳብ ይፈልጥ። 10 ሓምለ 1969ዓም። እታ መዓልቲ ስዕረት ዓረብ ኣብቲ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ውግእ ኣንጻር እስራኤል። እዛ መዓልቲ እዚኣ ከኣ መዓልቲ ፍሽለት ኵሉ መብጽዓታት ፓን ዓረብነት’ያ። ካብ ኵሉ ድማ ግብጺ ካብቲ ጀማል ዓብደል ናስር ዘበገሶ ዓለማዊ ዴስነት ናብ’ቶም ” ኣላህ ዕላማና ፡ ቁርኣን ሕገ መንግስትና ፡ ነቢዪ መሓመድ መራሒና፡ ውግእ መገድና፡ ንስለ ኣላህ ምሟት ከኣ ድልየትና ” ናብ ዝሰብኩ  ኣሕዋት እስልምና ኣልገሰት። ዓወት ሙላሃዊ ሰውራ ኣብ ኢራንን (1978/79) ምውራር ኣፍጋኒስታን ብሶቬት ሕብረትን  ዓበይቲ ተወሰኽቲ ነጥበ ለውጢ እዮም። ኣብ ኵለን ገና ፓርላመንታዊ ምርጫ  ዘፍቀዳ ሃገራት ዓረብ ከኣ እተን እስላማዊ ሰልፍታት ሓይለን ወጻ። ግብጺ፡ ኣልጀርያ፡ ፍልስጤም … ። ኣብታ ቀንዲ ዓለማዊት ቱርኪ’ውን ከይተረፈ ካብ 2002 ጀሚሩ ሓድ እስላማዊ ሰልፊ ሰልጠነ።

እቲ ዝዓበየ ዕብዬት እስልምና ግን ኣብ ገዛእ ኣስሊ ሃገሩ ዘይኮነስ ኣብቲ ርሑቕ እስያ እዩ። ኣብ ኢንዶነዝያ 203 ሚልዮን ኣስላም ይቕመጡ። ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ባንግላደሽን ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር፡ ዕጽፊ ኣስላም ግብጺ ይቕመጡ።

እስልምና ኣብ’ተን ተቐማጦኣን መንእሰያትን ልዑል መጠነ  ምፍራዪ  ዘለወንን ሃገራት እዩ ተስፋሕፊሑ። እቲ ዝዓበየ እስላማዊ ማሕበረሰብ ድማ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ይነብር። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝነብሩ እስላም ሓደ ሕምሲት ናይቲ ምሉእ እስልምና እዮም።  ሽሕ’ኳ’ቲ መጠነ ምፍራዪ እዘን ዝተጠቕሳ  ሃገራት’ውን ልዑል እንተኾነ፡  ቍጽሪ ናይ ዓረብኛ ተዛረብቲ እስላም ግን እንዳጎደሉ እዩ ከይዱ።  

እቲ ሃይማኖት ኣብ  ኤውሮጳ መርገጽ እግሪ’ኳ እንተሰርሐ ብቍጽርስ ገና ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ካብ 700 ሚልዮን ህዝቢ እቲ 550 ሚልዮን ገና ክርስትያን’ዩ። ኣብ ኤውሮጳ ቍጽሪ  ዘይኣመንቲ ሃይማኖት ካብ እስላም ብሰለስተ ኢድ ይበዝሑ። ኣብ ምሉእ ዓለም ተራእዩ ከኣ እቲ ሽማግለ ክርስትያናዊ ኣምላኽ ገና ኣይሰንከለን ክበሃል ይከኣል። እዚ ድማ ሳላ ላቲን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን እዩ። ብ1900ዓም፡ ኣብዘን ክፍለ ዓለማት እዚኤን ገለ 10 ሚልዮን ክርስትያን ነበሩ። ሕጂ ድማ ናብ 400 ሚልዮን ካዕቢቶም። እዚ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ምሉእ ተቐማጦአን’ዩ።

እቲ ዓወት ሚስዮናዊ ስራሓት ክርስትና በቶም ኣረገውቶት ዲኖሳውርያ ቤተ ክርስትያናት ዘይኮነስ በቶም ስሑላት ናይ ዳስን ጎላጉልን ሰበኽቲ ንኣሽቱ፡ ነጻ ክርስትያናዊ ቤተ ክርስትያናት ዝተሰላሰለ እዩ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብዝሒ ባህላዊ ፕሮተስታንት 350 ሚልዮን እዩ። ኣብ ምልእቲ ዓለም ድማ 400 ሚልዮን  ኣባላት ነጻ ቤተ ክርስትያናት ይርከቡ።  እምበኣር እቲ ዝለዓለ ሚስዮናዊ ዓወት ዘመዝገቡ ኣኽረርቲ ክርስትያና እዮም። በቲ  ኣብ ኣባሻውላት ላቲን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝተዓወቱዎ ዓወት ቫቲካን ብርቱዕ ክትቐንእ ይግብኣ። ኣብ ቺና ጥራሕ’ኳ ቍጽሪ ኣባላት ነጻ ፕሮተስታንት ካብ’ቲ ቍጽሪ ኣባላት’ቲ ኮሙኒስት ሰልፊ ቺና ( 76 ሚልዮን) ይበዝሕ። “ካብቲ መጠነ  ዕብዬት ምጣኔ ሃብቲ  ቺና መጠነ ዕብዬት እምነትና ይቕልፍ” ክብሉ ድማ ይምክሑ። ኣብ’ቲ ባህላዊ ማዕከናት ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክርስትና’ውን (ኣብ ሩስያ፡ ሩመንያ … ፡ ዓዲ ሓበሻ) ኣኽረርቲ ግዙፍ ዓወታት እናመዝገቡ እዮም። ፍትወተ ስራሕን ብልጽግናን ነፍሰ ስነስርዓትን – ማእከላዊ መንፈስ ክርስትና’ዮም፡  እቶም ቀንዲ ማረኽቲ ሓይሊ ሓደስቲ ኣመንቲ’ውን። እስልምና ድማ ምስ’ዚ ሓይሊ’ዚ ገና ክመጣጠን ይነብሮ።

እምነታቶም ንምስፍሕፋሕ ክልቲኦም ሃይማኖታት ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ብዝሒ ገንዘብ የዋፍሩ።

ቤተ ክርስትያናት ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዓመት ክሳብ 9 ሚልያርድ ዶላር ከም ሓገዝ ንወጻኢ ሃገራት ይምጽውቱ። እዚ ከኣ ገለ 37% ናይቲ ምሉእ ሓገዝ ምዕብልና መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዓመት ዘውጽኦ እዩ። ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት (Salvation Army, World Vision, Catholic Relief Services) ከኣ 1.6 ሚልያርድ ዶላር የውጽኡ። ንምስፍሕፋሕ  እስልምና ክገትኡ ዝተባህሉ  ሚስዮናውያን ንምምልማል ድማ ብዙሕ ጻዕርን ገንዘብን የፍስሱ።

ካብ’ቲ መንጽር ሸነኽ ድማ፡ ሳልሕ ኣል ውሃቢ፡ ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ጉባኤ መንእሰያት እስልምና: እቲ ብድሆ ቁሸትነት ዓለም (world globalization) ይርድኦን እስልምና ከኣ ክምክቶ ብቑዕ ምዃኑን ይመባጻዕ። እቲ ማሕበር ንመግብን፡ መህነጽ መሳጊዳትን ቤት ትምህርታትን መዕበያ ዘኻትማትን ሚልዮናት ኣቕራሽ ይዕድል። ብገምጋም ሲ.ኣይ.ኤ. እስላማዊ ኣህጉራዊ ራቢጣ፡ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ ክሳብ 2005ዓም ገለ 90 ሚልያርድ ዶላር ኣዋፊሩ። ” ኣላህ ነቲ ዝበዝሐ ሃብቲ ነዳዲ ኣብቲ ነቢኡ ዝሰርሓሉ ቦታ ምጽዓቑ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን ” ይዋዘ ኣል ዋሃቢ። ንዓመት ድማ 5000 ፍቓዳት ሓገዝ ን55 ሃገራት ይፍርም። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከጽዕቕ ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ኢንተርነትን ነጻ ምትሕልላፍ ሓበሬታን  ንኣቕጣጫ ሃይማኖታዊ ዕዳጋን ግብትነቱን ኣደናጊሩዎ’ሎ። ሓደ፡ ካብ ሶልት ለይክ መዓልታዊ ቁርኣናዊ ሱራታቱ ኦን ላይን ክከታተል ይኽእል። ካልእ’ውን ካብ መካ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስብከታት  ክሰምዕ ይኽእል። ዝኾነ ሰባኺ ድማ ኵሉ ፋንጣዝያታቱ ክጥቀም ይኽእል። ኣሕመድ ኣል ሹገይሪ ሓደ ካብ’ቶምዘመናውያን ኦን ላይን ሰበኽቲ እስልምና’ዩ። 36 ዓመታት ዝዕድሜኡ ቈማት፡ ነፍሰ ንቑሕን ተዋዛይን ትሑትን  ስዑድያዊ እዩ። ” ሸኽ ኣይኮንኩን። ብመሰረቱ’ውን ሃይማኖታዊ ሊቅ ኣይኮንኩን ” ይብል። ኣብ መንእሰያት እስልምና ግን እቲ ዝተፈትወ ሰባኺ ምዃኑ ንምርዳእ ክእለተ ዓረብኛ ኣየድልዮን።  ቪድዮታቱ  ድማ ኣብ  ዩ ትዩብ  ተዘርጊሖም  ይርከቡ።

” ሰብ ንኽትከውን ኣስላማይ ክትከውን ግድን ኣይኮነን። ምስ ሰባት ተሰማሚዕካ ክትነብር ግን እስልምና ይሕግዝ። እስልምና፡ ሕግታቱ፡ ቀለልትን ተዓጻጸፍትን እዮም። ከተተግብሮም ጥራሕ ይነብረካ” የስተምህር። ንሓንሳብ ጀለብያ ንሓንሳብ ድማ ጂንስን ካናቴራን ለቢሱ ንስብከት ይቐርብ። ኣብ ሞንጎ መንእሰያዊ ዋዛን ሞራላዊ ዕቱብነትን ይገማጠል። እምነትን ዘመናውነትን የጣምር። እቲ እዋን ኣኽራርነት ከኣ ጊዜ’ኡ ሓሊፉዎ እዩ በሃላይ’ዩ። እስልምና ዝተሓላለኹ ክትዓት ጂሃድን፡ ስነስርዓት ኣከዳድናን ሞዳ ጭሕምን ኣይኮነን ! ይኣምን። “700 ሚልዮን ጭሓማት ሰብኡት  ንዓለም ሕልፊ እስላማዊት ኣይገብሩዋን! ”  ይሰብኽ። ብሓቂ ዘመናዊ ሰባኺ።

ኣየናዮም ሃይማኖት’ዩ እቲ ዝበለጸ መልእኽቲ ዝሓዘለ ንምውሳን ግን ተግባራውነት ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ሕመረት ኵሎም ሃይማኖታት እቲ መንፈሳዊ ትሕዝቶ እዩ። ኣብዚ ትሕዝቶ’ዚ ከኣ እስልምናን ክርስትናን ጭቡጥ ፍልልያት ኣሎዎም።

እስልምና፡ ኣምላኽ መጽሓፍ  ድኣ’ምበር ስጋ ኴይኑ ንዓለም ኣይወረደን በሃሊ እዩ። ቁርኣን ከኣ ቃል ኣምላኽ’ዩ። ቁርኣን ብዛዕባ  ሓቅነት ኣይኮነን እቲ ሓቂ ንባዕሉ እዩ። እዚ ድማ ንምምርማርን ድግማን ብመትከል ቦታ ኣይሓድግን ጥራሕ ዘይኮነስ  ንህይወት’ውን ሓደገኛ እዩ። ማሕሙድ መሓመድ ጣሃ፡ ሱዳናዊ ሊቅ ሃይማኖት፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈልየ ርእይቶ ስለዝሓዘ ብ1985ዓም ኣብ ካርቱም ተሓኒቑ ኣብ’ታ ዕለተ መስዋእቱ ኣነ ባዕለይ ኣብኡ ውዒለ። እምበኣር ቁርኣን ፍጹም እምነትን  ምእዙዝነትን ድኣ’ምበር ምርምርን ምምሕያሽን ኣየፍቅድን። ቃል ኣምላኽ እዩ’ሞ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ቁርኣን ይፍለ። ንሱ ቃል ኣምላኽ ብቃል ደቂ ሰባት’ዩ። ብዛዕባ ኪዳን ኣምላኽን ደቂ ሰባትን የዘንቱ። ኣምላኽ፡ ንሰብ፡ ምሉእ ሓላፍነት ፍጥረትን ነፍሱን ኣረኪብዎ እዩ ድማ ይኣምን። ነፍሲ ወከፍ ምልእተ ሓሳባት’ቲ መጽሓፍ ድማ ብዝተፈላለየ መገድታት ክት’ትርጎም ይከኣል።

ሃይማኖታዊ ሊቃውንቲ ኣምላኸ ክርስትያን ካብ መሬት ኣንሳሒቡ ይብሉ። ጉጉይ’ውን ይኹን ሰባት ድልየቶም ክኣምኑ ሓዲጉዎም ያኢ። ወድ ሰብ ድማ ሓላፍነት ተግባራቱ ባዕሉ ይስከም።

ንእስልምና ግን ኣላህ ፈጺሙ ንዓለም ኣይሓደጋን። ብዘይካ ድልዬት ኣላህ ከኣ ወድ ሰብ ዝፍጽሞ ነገር የብሉን። ኢንሻላህ ! ስለዚ ድማ፡ ኣብቲ ዝበዝሐ እስላማዊ፡ እምነታዊ ሓቅነት ድኣ’ምበር ምርምር ብዛዕባ ሓቀኛ መገድታት ኣይፍቀድን። እስልምና ክትእዘዞ ጥራሕ ዘሎካ ሃይማኖት’ዩ። እዚ ድማ ንህይወት ቀላል ይገብራ። እንተድኣ ሓደ ንኣላህ ከምቲ ሓደ ንሱ ጥራሕ እቲ ዝዓበየ ኣምላኽ ኣሚኑ፡ ሓሙሽተ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ሰጊዱ፡ ሓደ ጊዜ ኣብ ህይወት ናብ መካ  ነጊዱ፡ ጸምዩ፡ መጽዊቱ ናብ ገነት ክኣቱ ጽቡእ ዕድል ኣሎዎ። ” ገጹ ናብ ኣላህ ዘቕንዐን እቲ ቅኑዕ ዝገበረን ሞሳኡ ካብ ኣላህ ክረክብ’ዩ ” (ሱራ 2፡112)። ክረክብ ይኽእል’ዩ ኣይብልን እቲ ሱራ። እዚ ዘየደናግር ብሩህነቱን ቀላልነቱን  ከኣ’ዩ ንእስልምና ኣብ ዓለመ ሓጢኣተኛታት ማራኺ ዝገብሮ።

ኣብ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ስታቲስቲክስ፡ እቲ ካብ ሓደ ዓይነት ሓደ ሃይማኖት ናብቲ ካልእ ዓይነት ምቕያርን (ኦርቶዶክስ/ካቶሊክ>ጴንጠቆስጤ) መጠን ተፋራይነትን ነቲ ስታቲስቲክስ ሚስዮናዊ ዓወታት ከምዘደናግሮ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ሕጂ፡ እቲ ሕቶ፡ እቲ ምንዳይ ሓቅነትን ምርምርን ክርስትና’ዶ እቲ ድሮ ንሓቅነት ረኺቡዋስ ንምርምርን ፍልልይነት ትርጕምን ዕድል ዝኽልክል እስልምና እዩ ንጠለባት 21 ክፍለ ዘመን ንምግልጋል እቲ ዝበለጸ ዝተዓጥቀ፡ ዝብል’ዩ። ንምምላሱ ቀሊል ዝኾነ ሕቶ ኣይኮነን። ብሓፈሽኡ፡  ክርስትና፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰብ ንኽዕንብባ ዝበለጸ ዕድል ዝኸፈ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ማሮኮ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ኢማማት ክኾና ተፈቒዱለን ክነሱ ኣብ’ቲ ጳጳሳዊ ክርስትና ግን ክሳብ ሕጂ እዚ መሰል’ዚ ተነፊጉወን ይርከብ። ኣብቶም ሓደስቲ ክርስትያናዊ ምንቅስቓሳት ግን ጔሪሖም ደቂ ኣንስትዮ ክሰብካን ክሳብ’ውን ኣቡናት ክኾናን ተፈቒዱ እዩ።

ኣብ እስልምናዊ ማሕበረሰባት፡ ሽሕ’ኳ ኣብ ዓማራት ሓንቲ መንግስታዊ ሚኒስቴር እንተሃለወት፡ ብሓፈሽኡ ደቂ ኣንስትዮ ንሰብኣዊ መሰል ማዕርነተን ገና ዝኸድኦ ነዊሕ ጉዕዞ  ኣሎወን። ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ኵለን ብእስልምና ዝጽለዋ ሃገራት እቲ ምሉእ ምሽፋን ደቂ ኣንስትዮ እንዳኸረረ ክኸይድ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ስዑድያ ባዕላተን ንበይነን መኪን ክዝውራ ክኽእላ ገና እንዳሓለማ እየን።

ማእከላይ ክፍለ ዘመን ኣብ እስልምና ማሕለኽኡ ገና ኣይሓደገን። ሃኒ ሮሞዳን፡ ኢማም መስጊድ ጀኔቫ፡  ሓዳር ዘፍረሳ  ደቂ ኣንስትዮ ብደጎላ ክቅጥቀጣ ኣሎወን  ክብል ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብወግዒ ኣስተምሂሩ። ኣብ ኤውሮጳ! ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሓዉ፡ ጣሪግ ሮሞዳን  ኵሉ ኣካላዊ  መቕጻዕቲ እስልምና ክተርፍ ይቃለስ።

ብዛዕባ ክእለተ ምምስሳል ምስ ፍሉያት ባህልታትን ዘመናዊ ኣቕጣጫታትን ካብ ክልቲኦም ሃይማኖታት ኣየናዮም’ዩ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ወርትግ ብሩህ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ መጀመርያ ሽሕ ዓመታት ምስፍሕፍሑ፡ እስልምና፡ ናይ ምምስሳልን ምስ ካልኦት ሓቢርካ ናይ ምንባርን ሽግር ኣይነበሮን። ኦሪታዊ እስልምና ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዝኣቶዉ ካልኦት ሃይማኖታት ሃይማኖታዊ ግብሪ ኣኽፊሉ ብነጻ እምነታቶም ከተግብሩ ይሓድጎም ኔሩ። ንሊቅነታዊ ምርመራታት’ውን ቁሩብ ኔሩ። ንምዃኑ ነቲ ምሉእ ስነጽሑፋውን ስነፍልጠታውን ጥንታዊት ግሪኽ ዝዓቐበን ናብ ዘመን’ና ዘመሓላለፈን ንሱ እዩ።  ብኣንጻሩ ድማ ክርስትና ነቶም መጻሕፍቲ የቃጽል ኔሩ። ኣብዚ ዘመናዊ ጊዜ’ዚ ግን፡ እስልምና፡ ንፈለማ ጊዜ ክቕርቀር ጀሚሩ። ምኽናይቱ ድማ ኣመንቱ፡ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ሃይማኖት’ውን፡ ብምዕራብን ፍልስፍኑን ተገዚኡ ጸኒሑ ሕጂ እቲ ህዝቢ ነቲ ዘዅርዕ ታሪኻውን መንፈሳውን  መንነቱ ደጊሙ ክረክብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን’ዩ።” ኣብቲ ቁርኣን ብዛዕብኦም ዘይተናገረ ክንመሳሰል ንኽእል። ኣብቶም ቁርኣን ብዛዕብ ኦም ዝወሰነ ግን ንቁርኣን ክንክተል ኣሎና ” ይብል ዑመር ኤስዞይ እቲ ቱርካዊ ሃይማኖታዊ ሓሳቢ።

እስልምና ልዕለታሕቲ (hierarchy) ዳርጋ ዘይብሉ ሃይማኖት’ዩ። ማእከላዊ በዓል መዚ’ውን የብሉን። ዝምድና ሰብን ኣምላኽን ድማ ብዘይካ ክለሪካዊ ቢሮክራሲ ይካየድ። ንንግድን ምፍራይ ገንዘብን ብዝምልከት ከኣ ጥዑም ኣረኣእያ ኣሎዎ። ካበይ መጺእካን እንታዩ ደርብኻን ድማ ኣይግድሶን። ሃይማኖታዊ ዲሞክራስያዊ ከኣ’ዩ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝዓበየ ኣምላኽ ኵሉ ማዕረ ንኡስ ስለዝኾነ። እዚ ብዛዕባ ዝሐሸ ዕድሉ ምስ ኣህጉራዊ ተመሳሳልነቱ ከመልክት ከሎ ፈታው ለውጥን ምምሕያሽን ስለዘይኮነ ሓደ ድኽመቱ እዩ። ምዃን እቲ ኣብ ቫቲካን ዝበጽሐ ምምሕያሽ’ውን ብክፍለ ዘመናት ድኣ’ምበር ብዓመታት ዝዕቀን ኣይኮነን።

እቲ ምስ ካልኦት  ተኸኣኢልካን ተሰማሚዕካን ናይ ምንባር ክእለት ክልቲኡ ሃይማኖታት ምናልባት ብቀሊሉ ክምለስ ዝከኣል ሕቶ ይመስል።

እስልምና እቲ ፍጹም ሓቂ ንሱ ምዃኑ ይኣምን። እቲ ነዚ ዘይኣምን ነብሱ ካብ ኣላህ የርሕቕ። ነቢዪ መሓመድ፡ ኣብ ጊዜ ህይወቱ፡ ምስቶም ድሮ ክርስትያን ዝነበሩ ቀቢላታት ዓረብ ሃይማኖቶም ከተግብሩ፡ እንተኾነ ሓደስቲ ቤተ ክርስትያናት ከይሃንጹ፡ እዩ ተሰማሚዑ። ኣብ እስልምና ማዕርነት ሃይማኖታት የሎን። ክህሉ’ውን ኣይክእልን።

ክርስትና’ውን እቲ ሓደ ፍጹም ሓቂ ንሱ ምዃኑ ብመትከል ይኣምን’ዩ። ” እቲ መገዲ ኣነ’ዬ!” እቶም ምዕራባዊ ዲሞክራስያዊ ሓሳባትን መርገጻትን ኣብ ነጻ ወልቀ ሰብነት ኣዝዮም ጸልየሞ ግን ኣብ ተግባራዊ ባህሉ ጸንቢሩዎም እዩ። ኣብ እስልምና ግን፡ ገና፡ እቲ ምሉእ ማሕበረሰብ (ቤተሰብ፡ እንዳ፡ ቀቢላ  ኣብ መወዳእታ ድማ ኡማ – እቲ ማሕበረሰብ ኣመንቲ)  ድኣ’ምበር እቲ ውልቀሰብ ኣይኮነን እቲ ማእከል ማሕበረሰብ። ነጻነት’ቲ ወልቀሰብ ኣብ ውሽጢ እስልምና ጥራሕ’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ንሓድ ኣስላማይ ካብቲ ማህበረሰብ ኣመንቲ ክወጽእ ፍጹም ኣይከኣሎን። ኵሎም እስላም ምቅያር ሃይማኖት ከም’ቲ ብሞት ክቅጻዕ ዘሎዎ ከቢድ ሓጢኣት ይወስድዎ። እቲ ቀንዲ ድኽመት እስልምና ምስ ዘመናውንት ሰላም ክፈጥር ዘይምኽኣሉ ከኣ  ብዙሕነት እምነታት ክቅበል ዘሸግሮ ምዃኑዩ። ዝተፈላለዩ እምነታትን ኣረኣእያታትን ሓቢሮም ብሰላም ክነብሩ ምኽኣል ከኣ ዘመናውነት’ዩ። ዘይተገደበ፡ ነጻ ምምሕልላፍ ሓሳባትን ለበዋታትን ጌጋታትን መሰረት ሓባራዊ ናብራን ምጣኔሃብታዊ ብልጽናን እዮም።

ኣብዚ ዓለም ናብ ሓንቲ ደቃቕ ኵዕሾ እንዳተዋሃደት ትኸደሉ ዘላ እዋን፡ እስልምና፡ ብመንጽር’ዚ ኣቕጣጫ’ዚ ከም ዓምዲ መለለዪ መንነት ቈይሙ(ደሪቑ) ይርከብ። ድሕሪ’ቲ ውድቀት ኮሙኒስታዊ ጦብያ፡ እቲ ሓደ ዝሓየለ ብመንጽር  ምዕራባዊ ሞዴል ማሕበራዊ ኣቃዉማ ዝቈመ ኣማራጺ ማሕበራዊ ሓይሊ ኴይኑ’ዩ። ነቲ  ኮሙንስትነት ዝተፈጠሮ ስነሓሳባዊ ባዶነት ንምምላእ ከኣ ኣበርቲዑ ይቃለስ ኣሎ። እዚ ድማ ማራኺ ይገብሮ። እቲ ተግባራዊ ሃይማኖታዊ ተገዳስነት ክርስትያን ብፍላይ ኣብ ምዕራብ እንዳኣንቈልቈለ ኣብ ዝኸደሉ  ዘሎ እዋን፡ ካብ ካዛብላንካ ክሳብ ጃካርታ መሳጊድ ብኣመንቲ ተጠጢቖም ይርኣዩ። እቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዝቕመጥ ናይ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ሊቅ፡ ቫሊ ናስር፡ እዚ ዓወት እስልምና’ዚ በቶም ምእንቲ ኣምላኽ ዓመጽ ዝጥቀሙ ኣኽረርቲ ዝመጸ ዘይኮነስ ባህላዊ ብዙሕነትን ሊቅነታዊ ውጥምናን እስልምና ዘመዝገቦ ዓወት’ዩ ይድምድም።(ይግበሮ’ኸ!)

ኣብ’ዚ ክፍለ ዘመን’ዚ ክልተ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ንዓለመ እስልምና ዓብሊለሞ ይርከቡ ይቕጽል ናስር። እቲ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝዓንበበ ዓለማውነት(secularism) ኣብ ማራኽነቱ ኣጥፊኡ ሃይማኖታዊ ሕኑንነት ግን ሓይሉ። ንህዝበ እስልምና ድማ ሰለስተ ጠባያት የነጽርዎ። መንእሰይነት ህዝቢ፡ ተግባራውነት፡ ሽሕ’ኳ ፈራሕ እንተኾነ ተመሳጥነት ኣብ ዘመናውነት። ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዱባይን በይሩትን ዝገደደን ዘየሎ ክነሱ ብፍቓደን ጸጕረን ይሽፍና ነዚ ከም መለለዪ መንነት ወሲደንኦ። መንእሰያት እስልምና ዘመናዊ ቅዲ ህይወት፡ ነገራዊ ብልጽግና፡ ደስታ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ብዝኾነ መገዲ ምስ ሃይማኖታዊ እምነት ከምዘይጓነጽ እንዳረኣዩ ይኸዱ ኣሎዉ(ንኣብነት ኢራን)። እዚ ድማ ካብ’ቲ ጻውዒት ውግእ ኦሳማ ቢን ላደን ንላዕሊ ይማርኾም ኣሎ። ግርም፡ እምበኣር እስልምና ንቕድሚት ይምርሽ ኣሎ።

እዚ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ እስልምና፡ ኣብ ዝበዝሐ ሸነኻቱ ገና ዓበይቲ  መሰረታዊ ምምሕያሻት ኣብ ቅድሚኡ ተደቂኖም ይርከቡ። ኣብ ኣብዝሓነት እምነታትን ተራ ደቀንስትዮን ኣወንታዊ መርገጻት ከማዕብል የድልዮ ኣብ ዘመናዊ ህይወት ክጸሉን ክዕወትን ክኽእል። ነብሱ ከሐድስን፡ ካብ ውሽጡ ሓዲስ ክረክብን ክጽዕር ይግብኦ። ዝምድንኡ ምስ ዓመጻዊ ኣኽራርነት ከነጽር ይግብኦ። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም በዚ ዓመጻ’ዚ ዝተቐትሉ ዝበዝሑ ኣመንቲ እስልምና ድኣ’ምበር ክርስትያን ኣይኮኑን። ለውጢ ተበጊሱ ከምዘሎ ዘርእዩ ገለ ምልክታት ኣሎዉ። ንኣብነት ኣብ ቱርኪ፡ ምስ ብዙሕ ምውዳቕን ምትሳእን፡ ዘመናውነትን ዲሞክራስያን ምስ እስልምናዊ እምነታት ንምጥማር ካብ ነዊሕ ጊዜ ክፍተን ጸኒሑ። ሽሕ’ኳ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብእስላማውያን ዝተዓብለለ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ይሃሉ፡ እታ ሃገር ግን ገና ናብ ኣምላኻዊ መንግስቲ ኣይተኣልየትን። እስላማዊ ሊቃውንቲ፡ ከም ፕሮፌሶር ዑመር ኤስዞይ፡ እስልምና ኣብ ውሽጢ’ቲ ታሪኻዊ ኣመጻጽኡን ኣቀማምጥኡን (historical context) ክበርህን ክትግበርን  ይግብኦ ብዝኾነ ፋጥዋ ናይ ሓደ ዝነደረ ሙላህ ናብ ዘይኣማኒ  ወዲቑ ንሞት ከይተፈርደ፡ የነቓቕሕ ። ” ቁርኣን ኣፍኣዊ ፍቓድ (ውዕል) ኣምላኽ’ዩ። እዚ ውዕል’ዚ ውዱእ፡ ድምዱም ኣይኮነን። ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣምላኽ ገና ምሳና ይዛረብ እዩ ” ይኣምን። እዚ ኣቕጣጫ’ዚ ከኣ ክልቲኦም ሃይማኖታት ብሓባር ክነብሩን ብሰላም ክወዳደሩን ከምዝኽእሉ የተስፍወና። ኣብ’ቲ ውድድር፡ ሽሕ’ኳ ክርስትና ብሓለፋ ዕድሜኡ ጉንዖ እንተሃለዎ፡ እስልምና’ውን ደቂሱ ኣይሓደረን።

ኣነ ንባዕለይ  ናይ ዝኾነ ዝተወደበ ሃይማኖት ኣማኒ ኣይኮንኩን። ኣብ ህልውናን ዘይህልውናን ኣምላኽ’ውን ኣረጋጊጸ ዝፈልጦን ዝኣምኖን የብለይን። ደቂ ሰባት ግን፡ እቲ ድሌት ‘ተሃልዩ፡  ንኣምላኽ ከይጸንበሩ ምድራዊ  ሽግራቶም ባዕላቶም  ክፈትሑ  ምሉእ  ብቕዓት  ኣሎዎም

እኣምን። እንተኾነ፡ ሃይማኖታዊ እምነታትን ጽንብላትን ንምሉእ ማሕበረፖለቲካውን ምጣኔሃብታውን ስነኣእምሮኣውን ህይወት ነፍሲወከፍ ውልቀሰብ ማሕበረተሰብ ስለዝጸልዉን(እንተስ ብኣሉታ እንተስ ብኣወንታ)፡ ዘይፍለዩና ኣካል ናይ’ቲ እኩብ ሰብኣዊ ንቕሓትና ስለዝኾኑን፡ ኣብ ቀጻሊ ምዕብልና ኣድማሳዊ ነገራውን መንፈሳውን ንቕሓትና ኣዎንታዊ  ተራ ክጻወትሉ ዝኽእልሉ መንገድታት ሃሰውሰው ካብ ምባል ኣይዓርፍን። እታ ሓንቲ ሓቀኛ መገዲ መገደይ ጥራሕ’ያ !  ነዊሕ ዘጓዕዝ መገዲ ኣይኮነን። ሕመረት ኵሉ ዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለ’ዚ ንሓዋሩ ብሰላም ዘናብር ኣይኮነን። መገዲ ሓቂ ብዙሕ’ዩ ሓቂ ንባዕላ ብዝሕቲ ስለዝኾነት። ሓቅነት፡ እንተላይ ኣገናዝባ ሓቅነት’ያ።

ስለምንታ’ዩ ሓደ ብፍታወይ ይኹን ብሓይሊ ናብ እምነቱ ክጽንብረኒ ዝጽዕር? ሓልዩለይ መታን ክጸድቕ ድዩ?  ሓንቲ መዓልቲ ሓደ ሞርሞናዊ ናብ ገዛእ መጺኡ ከድሕነኒ ፍቓደኛ እንተዄይነ ሓተተኒ። ከይመለስኩ ድማ ተቐላጢፉ ንነብሰይ ድኣ’ምበር ንስጋይ ከምዘየድሕን ገለጸለይ። ነፍሰይስ ባዕለይ ከድሕና ከምዝኽእልን ንስጋይ ግን ሓንቲ ቢራ ‘ተዝዕድገላ ከድሕና ከምዝምኸኣለን ገለጽኩሉ። ነፍሰይን ስጋይን ከድሕን ከይከኣለ ድማ ከደ። ዕድል ድኣ ጌረ እምበር፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ቅድሚ 500 ዓመታት በጺሑ ‘ተዝነብር ነፍሰይ መታን ክትድሕን ስጋይ ብሓዊ ም’ተቓጸለት ወይ’ውን ብዳርባ እምኒ ም’ተጨፍጨፈት። ስለምንታይ’ዮም ሰባት ነፍሰይ ከድሕኑ ክንድ’ዚ ዝጽዕቱን መዓት ገንዘብ’ውን ዘጥፍኡን ‘ነገራዊ’ ማሕበራውን ምጣኔሃብታውን ህይወተይ ከይገደሶም ? ንዓይ ከየፍቐሩ ምስ ነፍሰይ ፍቕሪ ሓዲሩዎም ድዩ? ላእ! ላእ! ላእ!   እታ ንዕኦም ብመጀመርያ ተገድሶም ድሕነተ ነፍሶም’ያ። ኣነ እቲ ንገዛእ ጽድቆም ዝኽፈል ጉቦ እዬ። ኣነ ምስክር ተግባረ ጽድቆም እዬ። ” ርኢኻ ኣምላኽ፡  ኣነ ሓደ ኣማኒ ኣምጺኤልካ እዬ። ሕጂ’ቲ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ሃባ … ”

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን ዓለማዊ እዩ። ንጹህ ፖለቲካዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ማሕበራዊ ምኽንያታት። ኣብ ኵሉ ሜዳያት እቲ ዝበዝሐ እቲ ዝሓየለ እዩ። እቲ ዝሓየለ ንሱ ንዓለም ብዅሉ ሸነኻታ፡ ብመንፈሳን ነገራን ይቈጻጸራን ይመርሓን። ካብ መንፈሳዊ ቍጽጽር ናብ ስጋዊ ቍጽጽር ከኣ ነዊሕ ስጕምቲ ኣይኮነን እሞ ኣየናዮም እምነት ይብርትዕ ኣየናዮም ይሕይል? መቸስ … ‘ እዚ’  ክብለኩም’ሞ እቶም ገለኹም ክትሰቕሉኒ፡ ‘ቶም ገለኹም ብዳርባ እምኒ ክትፈጕኡኒ ኣእዳውኩም ትሓሳስዩ ዘለኹም ኴይኑ ይስምዓኒ። ሄይ! ሽጣራኹም ደውሩ .. ! ኣስማሪኖ’ኳ’ዬ! ።          

ክልቲኦም ሓያላት ንሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመታትን፡ ብዘይካ ወዲቑ ዝተንስኤ’ምበር ወዲቑ  ዝተረፈ ዘይብሎም  ማዕረ ተወዳደርቲ’ዮም። ‘ተዘይኴይኑ፡ ሓዲኦም ሽዋሕ ‘ምበለ’ሞ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ሓዲኦም ም’ሃለና።

ግን’ሲ፡ ኣብ’ዛ ንዛረበላ ዘሎና ንእስቲ ጊዜ መን’ኦም ቀዲሙ’ሎ? ክትምልሶ ዘዋናውን ሕቶ’ዩ። ሄይ … ። ኣነ’ድዬ ኣቀዳዲመዮም!  ናብ ቤት ጽሕፈት ኦሎምፕያደ ምስፍሕፋሕ ሃይማኖታት ዓለም ኬድኩም ተወከሱ … ። 

መን ከምዝቕድም ግን ክነግረኩም እኽእል።

1. እቲ ንኣብዝሓ እምነታትን ባህልታትን ፍልልያትን ናብ ማእከላዊ መንፈሳዊ እምነቱ ዘንበረ።

2. እቲ ንዝምድና ኣምላኽን ሰብን፡ ዝምድና ኣምላኽን እቲ ሰብን ጥራሕ ምዃኑ ዝተቐበለ። ኣምላኽ’እኮ ግዱድ እምነት ዘደናግሮ ምዕንጅሉ ኣይኮነን … !  ዝምድና ኣምላኽን ሰብን ብሕታዊ’ዩ።

3. እቲ ንዘመናዊ ስነፍልጠታዊ  ሓቅታት ከረጋግጽን ንስነፍልጠት ኣብ ስነሞገቱ ሰዅዑ ከማዕብላን ዝኸኣለ። ዓለም ከባብ ምዃና ብወግዒ ክትቅበል 500 ዓመታት ዝወስድ ‘ተዄይኑ፡  ኣርምስሮንግ፡  ኣእጋሩ ገና ኣብ ወርሒ ኣንበይረገጻን ” ንወድሰብ ግን ዓቢዪ ስጕምቲ!” ገና ኣንበይበለን። ዕድመ ማቱሳሌም ክኣ ይሃቦ መታን ነቶም ቃላት ክብል።

3. እቲ ንምሉእ ማዕርነት ክብርን ሰብን፡  ኵሉ ካልእ ፍጡርን ኣብ መንፈሳዊ እምነቱን ተግባሩን ዘዕዘዘ። ኣምላኽ እንተላይ ኣብ ውሽጢ ኵሎም ፍጡራቱን እቶም ፍጡራቱን እዩ’ሞ።  ኣብራሃም ሊምከልን ጸረ ባርነት (ሓደ ማሕበረ-ምጣኔሃብታዊ ስርዓት) ድኣ’ምበር ንማዕርነት ደቂ ሰባት ኣይነበረን። ደቡብ ተሳዒሩ ከኣ እቲ ሞኖጶልዮ ውነና ባርነት ተሰይሩ እቶም ባሮት ከም ነጻ ባሮት ኣብ ምልእቲ ኣሜሪካ ቀጸሉ። ከምዝ’ስ ኣይሃማኖትን። ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ናብዚ ሕጂ በጺሐሞ ዘሎዉ ክበጽሑ ገለ 400 ዓመታት ወሲዱሎም። ኣብ’ዚ ድማ ሃይማኖት ብዙሕ ሓጊዙ። ክልተ’ዩ ሃይማኖት ብልሑ።

4. እቲ ንነፍሱ ካብ መንግስተ ስጋ (በርጌሳዊ መንግስቲ)ዝፈለየ። መንፈሳውን ነገራውን ሓይልታት ኣብ ሓደ ኣካል ተዋሂዶም ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ተባራዒ እዮም።

5. እቲ ነጻነት ሓሳባትን ምክፋሎምን ዝኣመነን ኣብ ምምዕባል ኵሉ ሸነኻዊ ንቕሓት ወድሰብ ዘድሃበን።

6. እቲ ኣብ ፍጹም ማዕርነትን ውልቃውነትን ጓል ኣንስተይቲ ዝኣመነን፡ ነቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋቱ ነዚ ዘመሳምሱ ጽውጽዋያት ግቡእ ቦትኦም ዘትሓዘን(outrationalize ዝገበረ)። ማለት’ሲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ፍርቂ ምሉእ ህዝቢ ዓለም እዬን ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ጠፊኣ ዝተባህለት ሓንጎለን ከኣ ረኺበንኣ እየን።

6. እቲ ንሸነኹ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅሉ ብሓንቲ ዓይነት ልግሲ ዝረኣየ። ልግሲ፡ ጸጋ ኣምላኽ ዝንጸባረቐሉ ተግባር ድኣ’ምበር መሸመት ኣመንቲ ኣይኮነን።       

… ብሓጺሩ እቲ ነብሱ ዘሓደሰ።  እቲ ዘመናዊ ኣምላኽ ዝሰርሐ።  ብኣዝዩ ሓጺሩ ከኣ እቲ ዘፍቀረ ንሱ ክዕወት’ዩ። ንሱ ‘ተዘይተዓዊቱ ከኣ፡ እቲ ንጉስ ስጋን ንጉስ ነፍስን ክዕወት’ዩ።  ምጹም መላኺ ከኣ፡ እንታይ ካባ ለቢሱ፡ ኵልጊዜ ፍጹም መላኺ እዩ።

ሕጂ ኣቀዳዳሚ ኴይነ ! ኣሽኪዔኩም’ዶ?  ኣይተሰቐልኩን፡ ብእምኒ ከኣ ኣይተወገርኩን።

* ኣርእስትን ሕመረት ጭብጥታት ካብቲ ብዕለት 19.12.09 ኣብ ጋዜጣ Spiegel ዝተሓትመ ሓተታ ኴይኑ እቶም ኣብ’ቲ ጋዜጣ ዘየሎዉ ርእይቶታት፡ ‘ቶም ዋዛታት’ውን፡ ናተይ እዮም።

** ዮህዋ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ነቲ ክርስትያናዊ ኣምረ ኣምላኽ ካብ ኣላህ ንምፍላዩ ንጹር ስመ ተጸውዖ  ስኢነሉ እግዚኣቢሔር  ብዝብል ስም ክጽውዖ ሓሲበ። (ነዚ ጽሑፍ’ዚ ጥራሕ)። ‘ኣምላኽ’ ድማ ንዅሎም ዓይነታት ኣማልኽቲ ንምጥቃስ ተጠቒመሉ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares