ኣስመራ ምንጪ ሕውስዋስ ስምዒት
ዓርቢ ንግሆ፡ “ቀይሕ ዘመን” ናይ ተስፋዮ ገብርኣብ ኣብ ኢደይ ሒዘ ናብ‘ታ ኣብ ፊት ህዝባዊ ቤት ንባብ ዘላ እንዳ ቡን ይኸይድ ኣለኹ። ንግሆ ኣዙዩ ጸጥታ ዝሰፈኖ፡ ኩሎም ሰባት ካብ ዓራቶም ዝወደቁ እዮም ዝመስሉ። ገጾም ዘይትሓጽቡ ቆልዑ፡ ንቁርሲ ዝኸውን ባንን ካልእን ክገዝኡ፡ ገንዘብ ጠቅሊሎም ዓሙኾም ናብ ዱኳናት ይኸዱ። ሓደ ኮምፕላሴን ዓይነት ፒጃማ ገይሩ ኣእማን እንዳ ቀልዐ ዝኸይድ ዝነበረ ካብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ዘይሓልፍ ቆልዓ። “ሓጺጺጽ. . . ሓጺጺጽ. . .” ብሽግሌታታት ቆልዑ፡ ዓበይቲ፡ ኣንስቲ፡ ሰብኡት. . . ናብ‘ዝን ናብ‘ትንይብሉኣለዉ።
ኣብ ጽርግያ ፉልን ካልእ ቀንጠመንጥን እትሸይጥ ሰበይቲ፡ ከም ባኒ መሳሊ ንከብዳ ትዕንግላ ኣላ። ዓበይቲ ከም ናብ ናይ ኦፊስ ስራሕ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ባድላታትን ጽሩይ ጫማን ገይሮም ኳዕንን እንዳ በሉ ብየማንን ብጸጋምን ብቅድሚትን ይመላለሱ ኣለዉ። ኣዋልድ ናይ‘ዚዓዲክፍእቲዘላተንኣይመስላንእየን፡ንግሆ ናይ ገዛ ክዳን ተኸዲነንናብእንዳዱኳንክኸዳ እንከለዋ መሊሱ እዩ ዘምሕረለን።
ፑሽኪን ዝተገንጸለት መጽሓፍ ብጸጋመይቲ ኢዱ ገቲሩ፡ “ሓደርኩም. . . ስለማርያም እባ መጽሓፍ ቁረሱ፡ ተመስሑን ተደረሩን!” ዝብል ዘሎ ክመስል ናብ ሸነኽ ቤት ንባብ ይጥምት ኣሎ። ገለ ዕብይ ዝበሉ ሰብኡት ለበዋኡ ከየዕብሩ፡ ጋዜጣታት ሒዞም ናብ እንዳ ቡን ይኸዱ ኣለዉ። እታ እንዳ ቡን ንግሆ ምድሪ ሰብ መሊኣ ኣላ፡ ናብ ተለቪጅን እንዳ ጠመቱ፡ ጸት ኢሎም ነንሕድሕዶም ከማን ኣይዛረቡን እዮም። ኣብ ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ቅትለት ቻርሊ ከርክ ዜናታት ተጎቢኡ እዩ ዘሉ። ትራምፕ ፡ ንጋዜጠኛታት ክምልስ ናብኦም ገጹ እንዳ ኸደ ይርአ ኣሎ፡ ገሊኦም ብዛዕባ ግጅፉ፡ ገሊኦም ብዛዕባ በታኽነቱ፡ ገሊኦም ብዛዕባ ዕሽነቱ ሓጸርቲ ርኢቶታት ምስ እናይ ባጫ ወይ ኣድንቆት ፍሽኽ በሉ። ማክያቶ ኣብ ነፍስወከፍ ጠረጴዛ ኣላ።
ተስፋዮ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይተነግረ ዛንታታትን ታሪኽን ብሓውሲ ቃንዛ ይዛረብ ኣሎ ኣብ‘ዛ መጽሓፉ። ገለ ዑምቀት ፍልጠት ዝውሕዶም በካድናን ፎኲስ ኣዘራርባን ደቂ–ኣስማርነቶም ዘርእዩ ገጸ ባህርያት ኣልዒሉ እዩ መጽሓፉ ጀሚርዋ። እዞም ኣብ‘ዚኣ እንዳ ሻሂ ዘለዉ፡ ካብ ብዛዕባ ኣዕርዮም ዝፈልጥዎን ዘጽንዕዎን ብዛዕባ እንዶ ዘይብሎም ዛዕባታት ክትንትኑን፡ ብትንታኔኦም ክሕበኑን ክትርኢ፡ ዘረብኦም ከም ዝጨነወ ኣፍ የስገድግደካ። እንታይ ይዛረቡ ኮታ እንተ ዝፈልጡ! ግንከኣፍቅሪንግርህነትንዝመልአንልብታትይመስላ።
ቀዳም ንግሆ ነታ ከም ቀንዲ መግቢ ዝሓስቦ ዘለኹ፡ ናይ ኣለም ሰገድ ተስፋይ “ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ” ታሪኽ ኤርትራ ካብ 1951 ክሳብ 1955 ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣበይ ኮይነ ከምዘንብብ ከይወሰንኩ ኣብ ባር ቶሪኖ ምስበጻሕኩ ነቲ ባር ንድሕረይ ገዲፈ ናብ‘ታ ኣብ ጥቃ ፑሽኪን ዘላ ራስ ዱሜራ ክኸይድ እኮ እንተ ሓሰብኩ፡ ሃንደበት ሓሳበይ ቀይረ ንየማነይ በሊዐ ነታ ናብ ፑሽኪን እትኸይድ ጽርግያ ንጸጋመይ ገዲፈ ትኽ ኢለ ከድኩ። ኣብ ፊተይ ኣብ‘ቲ ላዕሊ ዝባን ባንዴራ ናይ ሕብረት ኣውሮጳን ሃገረ ፈረንሳን ርኣኹ ናብኡ ገጸይ ከድኩ። ኣስመራ ኣዝያ ጸባብ ምዃናክ ተመስክር፡ማካላይዝ መዛናግዒ ማእከል ብቕድመይ ጸንሐትኒ። ኣብ ሞንጎይን ኣብ መንጎ ማካላይስን ዘሎ ጽርግያ ገለ ኣብ ኣውሮፓ ወይ ናይኣመሪካ ጽርግያ የዘኻኽረካ።
ነታ ዓቀብ ክድይባ ዝጽዕር ዝነበረ ብዓል ብሽግለታ፡ ሓፍሓፍ እንዳ በለ ይረግጻ ኣሎ፡ በንጻሩ በቲ ቁልቁል ዝወርዱ ከምንፋስ ይዕዘሩ ኣለዉ። ደው ኢለ ናብ ማይ ጃሕጃሕ ገጸይ ጠሚተ ናብ‘ቲ ድሮ ስሒብኒ ዘሎ ንገዛ ባንዳ ገጹ ዝወስድ ዓቀብ ጠመትኩ። ንክድይቦ ትሓጎስኩ። ምስ ደየብኩ፡ ብጸጋመይ ዘላ ኤምባሲ ሃገረ ፈረንሳ፡ ዘይከም ዝተጸበኽዎ ጸባብ እያ። ንጸጋመይ ገጸይ ተጠውየ፡ ኣዝያ ጽምዋ ጽርግያ ሒዘ ናብ ማይ ጃሕጃሕ ገጸይ ወረድኩ። እዚ ዓዲ ኩሉ ቦታታት ዉተፍ-ውትፍ እዩ ዝብለካ። ኣብ‘ታ ዝባን በለስ ዝሸጣ ክልተ ኣንስቲ ኣለዋ። ተኣልየ ሓሙሽተ በለስ በላዕኩ፡ ከዕልለን እንተ ፈተንኩ እኳ ገጽ ከልኣኒ። ዘዝፈተንክዎ ዳእላ ንፋስ ክውስዶ ምስ ጀመረ ከፊለ ኣመስጊነየን ከድኩ።
ኢድ ፍቅረይ ሒዘ ዝወረድክዎ እንዳ ዘከርኩ፡ ኣስካላ ማይጃሕጃሕ ክወርድ እንዳ ከድኩ ሃንደበት ንየማን ገጸይ ተጠወኹ።ዝስሕበካ ጽርግያ ኣሎ ብየማን። ሞተር ሳይክል ዝምሃሩ ሰለስተ ሰባት መሰናኽል ገይሮም ይመላለሱ ኣለዉ። ሓለፍክዎም። ትኽ ኢለ ክኸይድ እንከለኡኹ፡ ብየማነይ ዘሎ ኣዝዩ ኣረግቶት መናድቅ ኣሎ። ሓንቲ ካብ‘ተን ካንቸሎታት ፈሪሳ ኣላ። ብጸጋም ጨናዊ ቦታ ኣሎ፡ ሓሓሊፉ ሃንገፍ ዝብለካ ሕማቕ ጨና። ብኪኖ እቲ ጨናዊ ቦታ ውቃበ ከተማ ኣስመራ ብልግሲ ተዘርጊሑ፡ እንዳ ማርያም፡ ካቴድራለ፡ መን ምዃኑ ዘይፈለጥክዎ ዓቢ ጸሊም ህንጻ (ባንክ ዶኾን እዩ)፡ ናይ ሽወደንን ሕብረት ኣውሮጳን ባንደራታት ድማ ኣብ ትሕተይ። እታ ናይ ሕብረት ኣውረጳ ባንደራ ብጫፋ ስልኪ ዝመስል ሒዙ ዘርጊሕዋ ኣሎ፡ ንከተንበልብል ዝድግፋ ዘሎ ባላ መሰለ። ሲምቦል ኩነታት ናይ‘ቲሕብረትኮይኑይስምዓካ።
ኣብ መወዳእታ ናይ‘ታ ጽርግያ ከይበጻሕኩ፡ ንየማን ገጸይ ተጠውየ ናብ‘ቲ ክትነብረሉ ዘብህግ ጽምው ገዛ ባንዳ ተመልስኩ። ንየማን ተጠውየ ናብ ኣደባባይ ገጸይ ከድኩ። ምስ ወረድኩ ብድሕሪ ባሕቲ መስከረም ዘሎ ቀጽሪ ተጸጊዐ ኣብ‘ቲ ውሽጢ ዝነበረ ማርሞታት እንታይ ምዃነን ክርእየን ቀው ኢለ ጠመትኩ፡ ናይ ማይ ጥምቕት እዩ መስለኒ። ንየማን ገጸይ ተጠውየ ትኽ ኢለ ናብ‘ቲ ኣብ ፊተይ ዘሎ ጎቦ ክኸይድ ወሰንኩ። ነዊሕ ከይከድኩ፡ በለስ ዝሓዛ ቆልዑ ጸንሓኒ። ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ። “ክንደይ ድኣ ክጽብቕ እዩ እዚ በለስኪን” በልክወን። ነታ ቀዳመይቲ ዝገዝኣላ ዝነበረ ሰብኣይ “ስብሒ ኣለዎ ምቁር እዩ ምቁር!” እቲ ላህጃኡ ናይ ትግረ ይመስል። ሕዉስን ተዋዛያይን ምዃኑ ደስ በለኒ። “ካበይ ኣምጺኽናኦ“ ሓተትክውን። “ካብ ጉልዒ” በለትኒብኣዝዩፍሕሽውፍሽኽታ።
“ክንደይ ኢኺ ትምሃሪ?” ሓተትክዋ ነታ ዝመረጽክዋ በለስ እንዳ ኣመልከትኩ። “ሻውዓይ ሕጂ ናብ ሻሙናይ ሓሊፈ. . .” በለትኒ። ” ናብ‘ታ ኣብ ኢደይ ዘላ መጽሓፍ እንዳ ጠመተት “መምህር ዲኻ?” ሓተተት ፍሽኽትኣ ገና ከይሃሰሰ። “መምህር ይመስል?” ሕቶይ ከይ ወዳእኩ፡ “ላላእ ወይ ናይ ደገ ወይ ናይ ቢሻ እዩ።” ደቀቅቲ ኣስናኑ፡ ንጽህናኡ ከበስራ ዝጋደላ ይመስላ። ኣዝዩ ጽሙእ ገጹ፡ ከም ኣናጹ ዝባሕጀራኡ ሕጣጥ ሕንጣጥ ኣለዎ። ካብ‘ቶም ተጋሩ “ጥባሕ ጥባሕ” ኢሎም ክውንጅልዎም ካብ ዝፈተኑ ኣሕዋሕዋትና ምዃኑ እዩ። ‘እዛ ገጹ ግን ኣበይ እየ ዝፈልጣ?’ ንእግረ መንገደይ ሓሳብ ሽው ኢሉ ሓሊፉ። ወቃሕ በለኒ።
“ንስኺከ ክንደይ ኢኺ ትምሃሪ?” ሓተትኩዋ ነታ ነቲ ሰብኣይ በለስ ትቀርፈሉ ዝነበረት። “ጀነራል ሓሊፈ።” በለትኒ ናብ ታሽዓይ ከም ዝሓለፈት ክትነግር። እታ ንዓይ ትቀርፈለይ ዝነበረት ሕውስትን ብዓልቲ ጽቡቅ ፍሽኽታን፡ “ርእሲ የብላ እዚኣ፡ ወላሓንቲ ኣይርድኣን እዩ።” በለትኒ። ነንሕድሕደን ትግረ ተዛሪበን ስሓቃ። “እዚ ተዋስኣይ እዩ።” ኢላ ክኣ ሃንደበት ዘረባ ቀይራ ዕላልና ናብ‘ቲ ሰብእይ ገጻ ቀየረቶ። “ኣሃ ኣብ እትመት ሓቀይ” ምስበልክዎ፡ትሓጒሱንሱምዃኑኣረጋገጸለይ።
ናተይን ናቱን ክኸፍል፡ ወጠጥ በለኒ። ናይ ክልቴና ከፊለ፡ ምስኡ ከዕልል መደብኩ። ብሓደ ኬድና ዕላልና ብዛዕባ ትግረ ስነ–ጽሑፍ ጀመርና። ኣዝዩ ብሃም ኣይኮነን። እቶም ዝዛረበሉም ነገራት ዘይ ከም ደቂ ኣስመራ ንመራጎዲ፡ ጽሓፍትን ፍሉጣት ሰባትን እንዳ ኣልዓለ ከረድእ ሓኾት ይብል። “ሙሳ ኣሮን እቲ መንስዓይ፡ ከም ዝብሎ ናይትግረ ስነጽሑፍ፡ ኣብ ዒላ በርዕድ እዩ ጀሚሩ።” ኢሉ ትግሪኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ትግረን ዓረብኛን ተመሳሰልቲ እየን ኢሉ፡ እተን ቀዳሞት ሰለስተ ካብ ግእዝ ከም ዝመጻ እንዳ ነገረኒ። ‘መጀመርያ ጽሑፍሲ ኣብ ኡምኩሉ ክብል እዩ።‘ ኢለ ሓሳአይ ከይወዳእኩ፡ ናይ ጥንቲ ናይ ትግረ መጽሓፍቲ ኣብ ዒላ በርዕድ ከም ዝተረኽበ ነገረኒ። “ክንደይ ዝኸውን መጽሓፍቲ ኣሎ ኣብ ትግረ?” ሓተትክዎ። ኣብ ቛንቛ ትግሪኛ፡ ካብ 1866 ክሳብ 1991 ዝተሓትማ መጽሓፍቲ 629 ጥራይ ምዃነን ኣብርሃም ነጋሽ ዝገበሮ መጽናዕቲ ስለዝነግር፡ ብዙሕ ኣይተጸበኹን። በቲ ጽይፍ ዝበለ ላህጃ ትግሪኛ “ብዙሕ ኣይኮነን።” ኢሉ ቁጽርን ገብጋምን ከይሃበ ነገረኒ “ምሓመድ ዓብደላ ዝብልዎ ነይሩ ኣብ‘ዚዝጽሕፍ ግን ንደገ ከይዱ፡ሙሳ ኣሮን ክኣ ይጽሕፉ ነይሮም።እዞም እንዳ ቡሉሕ ዝብሃሉ ደረስቲ ኣለዉ ሳልም ኢብራሂም ዝብሃል ሓደ ስንኩል ተጋዳላይ ክኣ ጽሒፉ ኣሎ ብዛዕባ ገድሉ። ኢሉ እተን ዝርካበን መጽሓፍቲ ትግረን በቲ ቛንቛ ዝጸሓፉ ንክዝርዝሮ ምፈተነ።
ኣብ እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢልና ቡን ምስ ኣዘዝና “ትግረ ኣብ ክንደይ ይክፈሉ?” ከም ሓውሲ ዕሽው ዝበለ ሕቶ ሰንደኽልኡ። “ብቀቢላ ማለትካ ድዩ?” ንሕቶይ ከነጽሮ ፈተነ። ዘረባ ከይገፍሓና ካብ ምስጋእ “እወ” ኢለ ንመልሱ ተሃንጠኹ። “ቤት ኣብረሀ፡ ቤት ሻሕታይ፡ ቤት ኣስገዳ፡ ቤት ማዕላ፡ ጉሪታ፡ ዛግር፡ ኣልመደ፡ ኣስገደ. . . ኣስገደ ሕጂ ኣብ ሰለስተ እዮም ዝክፈሉ፥ ተክልየስን ማርያን ሓባብን እዮም ማርያ ሕጂ ንጉስ እዩ ነይሩ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም የሕዋቱ። ኣነ ጉሪታ እየ። ሓደ ግዜ ሓዎቦይ ‘ንሕና እኮ ሓበሻ ኢና ኔርና‘ ኢሉ ወለዶታት ተንቲኑ ተንቲኑ ኣብ ገብርሃንስ ኣብጺሕኑ። ጉሪታ ዓሰርተ ግዜ እዮም ከስቲኖምን መስሊሞምን። ጉሪታ ካብ ባርካ ናብ መትከል ኣቤት ክጉዕዙ ንብረቶም ብኣግማል ስለ ዝጓርትዎ ዝነበሩ፡ ካብ ‘ምጉራት‘ ዝመጸት ስም እያ ኣብ ዓንሰባ ውን ‘ጉሪታ‘ ትብሃልዓዲኣላ።
ሓደ ግዜ ሰብ ማርያን መንሳዕን ‘ሓወይ ናፊቀ ሓውይ ናፊቐ‘ ኢሎም ኣፍራሶም ገይሮም ክባጻጽሑ እንዳ ከዱ እንከለዉ ኣብ መንገዲ ስለ ዝመሰየ፡ ደርጓዕጓዕ ሰምዑ። ‘ኣነ ማሩ ኣነ ማንሹ‘ ኢሎም ሴፎም መዚዞም ተሃራረሙ ማንሹ ወቂዑ ንማሩ ቀዲሙ ቀተሉ። ድሓር ሓዉ ምንባሩ ምስ ፈለጠ ብስንባር ከይጸነሐ ከነፍ ኢሉ ሞይቱ። ሕጂ ምቅባር ማርያ ዝብሃል ቦታ ኣሎ።“
እዞም ማርያ ዝብሃሉ ኣብ ኣቁርደት እዮም ዝነብሩ፡ ሃብታማትን ሸሞኛታትን እዮም። ድሕሪ ናጽነት ይሕዋትና ክንረክብ ኢሎም ንዓዲ ንፋስ መጽኦም። ‘ንሕና የሕዋትኩም ኢና‘ ኢሎም ክረኽብዎም ከም ዝመጹ ነጊረሞም። ንሶም ክኣ ‘እዚኦም ኣሕዋትኩም ዝብሉና ዘለዉ፡ ሜረት ደልዮም እዮም‘ ኢሎም ስለ ዝሰግኡ፡ ‘መሬት የብልናን‘ በልዎም። ‘ንሕና ኣሕዋትና ክንረክብ ኢልና እንበር መሬትኩም ኣይንደልን ኢና። ምዓት መሬት ኣለና እንተ ደሊኹም ንሕና ክንህበኩም ንኽእል ኢና። ኢሎም ሰላም ኢሎሞም ከይዶም።” ኢሉ ንዛግርን ንዓዲ ንፋስን ትግሪኛ ዘይኮኑስ ትግረ ከም ዝኾና ከም ዝቆጽረን ካብ ዘረባኡ ኣእንፈተለይ። ናይ ኤርትራ ቀደም ስብ ብንቅሑ (ከም‘ዚ ሎሚ ርእሱ ካብ ካንቸሎ ኣሕሊፉ ክርኢ ኣብዘይ ክእለሉ ከይበጽሐ እንከሎ።) ህዝቢ ነንሕድሕዶም ይዋሰቡን ቛንቛታት፡ባህሊታትን ሃይማኖታትን ሓድሕዶም ድማ ይርዕሙ ምንባሮም ዘዘኻኽ ርዛንታ፡ ወላኳ ተጸኒዑ ክደላደል ዝግብኦ እንተኾነ።
ክሳብ ሽዑ ስሙ ዘይምሕታተይ ነብሰይ እንዳ ወቀስኩ፡ “ስምካ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይሓዝክዎን።” በልክዎ ብዘይ ስክፍታ። ስመይ ከምዝዘከራን ነጊሩ ስሙ ነገረኒ እሞ፡ ስሒቁ ናብ ምቑሩምራሙ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣተወ። “እዚ ኣቢ ዝብሃል ወዲ እኮ ክጎስማ እንድዩ ነታ ፓኒኖ፡ ክወርድ እዩ ዝጸንሕ እኳ ኣይመስለኒን።” ኢሉ ከም ደቂ ዓዱ በቲ ተልሜደን ፖለቲካኡ ተንተነለይ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ዝተጠወኻላ ጎደና ኣስመራን ኣፉ ዝከፈተ መትዓልልቲን ዝደጋግማ እዩ። ኣብዘይ ኣስሓየካ ምሕካኽ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። “ኢትዮጵያ ከም‘ዚ ትኹን ከም‘ትስ እንታ ገደሰኩም!” በሎም እዩ ዝስምዓኒ። ብዙሕ ዝብሃል፡ ብዙሕ ዝግበር፡ ብዙሕ ዝእረም፡ ብዙሕ ዝዕረ፡ ብዙሕ ዝሕሰብ ብዛዕባ ኤርትራ እንከሎ ግን ስኣን ዘልዕሎ መሽምሹን ጨንዩን ኣሎ። ሓደ ካብኡ ታሪኽ ኤርትራ እዩ። ማሕበረዊ ናብራ፡ ፖሎቲካ፡ ትምህርቲ፡ ቁጠባን ስነ–ሓሳባት ንክኣምስኡ።
Awate Forum