Awate.com

ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ን10 ዓመታት ሓደ ዓይነት ደርፊ

ኢሳያስ ንህዝቢ ዝጠቅም ክዛረብ ኢዩ ኢለ ዘይኰነስ “ሎሚ’ኸ እንታይ’ኮን ክዛረብ ይኸውን?” ብዝብል ሓሳብ ተመርኵሰ ብናይ ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ምስ ሰማዕኩ፡ ከም ትጽቢተይ ድሙ ከም ቀደሙ ኰይኑ ረኸብክዎ።

“ወያኔ!ወያኔ!ከደመቲ!ከደምቲ!ትማእዘዝቲ ወዘተ.” እዘን ቃላት እዚኣተን ብዘይምግናን ን10 ዓመታት ዝኣክል ኣጽሚመናና ኢየን። መቸስ ንኽኢትሰምዖ ሓድ ሓደ ግዜ ዘስሕቕ ኢዩ። ኢሳያስ “ወያኔ ኩሉ ግዜ ብኣና(ብሻዓብያ) ኢዩ ዝብህርር” ይብል። ዋእ! እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ንዕኡ ማለት ንኢሳያስ ዝምልከት ይመስለኒ። ወግሐ ጸብሐ “ወያኔ!ወያኔ” ምባል ብወያኔ ምብህራርር’ዶ ኣይኰነን? ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ መደረን ዘረባን “ወያኔ” እትብል ቃል ዘየትርከባ ሙሉእ ሓሳብ የላን። ልክዕ ኢሳያስ ከምቲ ኣብ መዳ ብ70ታት ብመንካዕ  ዝብህርሮ ዝነበረ ሕጂ’ውን ን10 ዓመታት ብወያኔ ይብህርር ኣሎ ክበሃል ይከኣል።

ኣብቲ ኢሳያስ ዝሃቦ ቃለ-መሕተት ኣቲኻ ነጥቢ-ብነጥቢ ምጥቃሱ፡ ኣድላይ ኰይኑ ኣይስማዓንን። ብሓፍሽኡ ግን እቲ ዝዛረቦ ናይ ዓቕሊ ጽበት፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ፡ ምናልባሽ ዝታለል እንተኰይኑስ ንህዝቢ ምትላል ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኢሳያስ ኣሻሓት ህዝቢ ኣሲሩ፤ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቖዶ መድረበዳን ባሕርታትን እናወደቐ በሻሓት ዝስደደሉ፤ ምልዮን ዝኣክል ህዝቢ ብጥሜት እናተጠቕዐ፡ ንነብሱ ከም ሓደ “ዓቢ መራሒ” መሲሉ ክዋራዘ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ጸርፊ ኢዩ።

ብመሰረቱ ናይ ኢሳያስ ቃለ-መሕተት፡ ኢሳያስ ባዕሉ ኣርእስቲ መሪጹ ንይምሰል ብሓተቲ ዝቐርብ ትያትር ኢዩ። ብገለ ከም ኣጋጣሚ ግን ሓንቲ ጸዋግ ሕቶ ኣጋጢማቶ። ንሳ ድማ “ህዝቢ ናብራ ከፊእዎ የማርር ኣሎ” ምስ በሎ። ኢሳያስ ከይሓፈረ “እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሕንቃቐ ኢዩ” በለ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ረኺቡ ክሕንቅቕ? ኣብ ዘይደልዮ ኵናት ኣትዩ ደቁ ስለ ዘጨረሰ? ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ደቁ ኣይትምህርቲ ኣይናብራ ኣብ ፈቖዶ በረኻ መኺኖም ስለ ዝተረፉ? ዝበዝሕ ህዝቢ ኣደዳ ማእሰርትን፡ ጥሜትን፡ ሕማምን ስደትን ስለ ዝኾነ? ስርዓት ኢሳያስ  ብጥቕሚ ህዝቢ መለክዒ እንታይ መትሓዚ ኣለዎ?

ኣነ ናይ ብሓቂ ኢዩ ዝገርመኒ። ኢሳያስ ዝህቦ መደረ ንመን ኢዩ? መን’ዩ ኸ ዝኣምኖ? ሎሚ ንስርዓት ህግደፍ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። ዋላ ደገፍቲ እቲ ስርዓት እውን ነቲ ዝወሃብ መደረ ኣይኣምንዎን። ስርዓት ህግደፍ ብኹሉ ማለት ብቑጠባን ፖለቲካን ዲፕሎማስን ሸነኻቱ ራዕ ኢሉ ዝወደቐ ስርዓት ኢዩ። ባዕሎም ደገፍቲ እቲ ስርዓት እውን ዓዲ በበጺሖም ዝመጹ ዝምስክርዎ ዘለው ኩነታት ኢዩ።

ኢሳያስ ካበ ክልተ ሚልዮን ዘይበዝሕ ኣብ ውሽጢ ዝቕመጥ ህዝቢ ባኒ ከቕርብ ዝይካኣለ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓደ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ መራሒ መሲሉ ክርኤ ምፍታኑ ዘገርም ኢዩ። “ኢትዮጵያ ክትበታተን ስቕ ኢልና ኣይንርእን” ይብል። ወዮ ኣቶ ኢሳያስ ትማሊ ዝበሎ ሎሚ ዘፍርሶ ኰይኑ’ምበር። ትማሊ “እታ ዓባይ  ኢትዮጵያ ፋሕፋሕ ክትብል ኢያ” ከም ዘይበለ።  ናይ ሶማል ሓይልታት ጠርናፈ ይጽዕር። ናይ ሱዳን ሓድነት’ውን ይምነ። ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ ሱዳን ንምድካም ሓንሳብ ናይ ደቡብ ሓንሳብ ድማ ናይ ምብራቕ ሱዳን ውድባት ከምዘይ ደገፈ። እሞ ንኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ “ንወያኔ” ምድካም እንተዘይኰይኑ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ዓጢጥዎ ኣይኮነን ንዝተፋላለዩ ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝድግፍ ዘሎ። ምዃን ድሮ ኢሳያስ ናይ ሞራል ዋጋ ረኺቡ ኣሎ ክበሃል ይካኣል። ሓደ ኢትዮጰያን ረቪዉ (EthiopianReview) ዝበሃል ወብ ሳይት፡ ኢሳያስ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ምሩጽ ሰብ(man of the year) ኢሉ ሰይምዎ ኣሎ። መስሓቕ ኢዩ። ኢሳያስ ብህዝባዊ ገበናት ናይ ሓደ ዓመት ዘይኰነስ ናይዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ቀዳማይ ክበሃል ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ንኢሳያስ ዘይፈልጥ ኢትዮጰያዊ ኣሎ ኢልና ስለ ዘይንኣምን፡ ናይ’ዚ ወብ-ሳት እዚ ኣማሓዳሪ ጽሉል ክኸውን ኣለዎ ጥራይ ኢና ክንብል እንኽእል።

ቀጺሉ ኢሳያስ ኣብቲ ዘቕረቦ ትንተና፡ “ቁጠባ ኢትዮጵያ ወያኔ ወኒንዎ” ይብል።ዋእ! ንኢትዮጰያ ክሕለቐላ ዘይኰነስ ግደ ሓቂ ክነዛረብ ስርዓት ህግደፍ’ከ? ስርዓት ህግደፍ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ዕዳጋ ወጺኡ ምስ ድኻታት ተሰሪዑ እንቋቑሖን ኰሚደረን ዝሸይጥ ስርዓት’ዶ ኣይኮነን?ኣብ ኤርትራ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ዘይገበቶ ቁጠባዊ ትካልዶ ኣሎ ኢዩ?

ኢሳያስ “ስርዓት ወያኔ ብብልሽውና ዝተጠቕዐ ኢዩ” ይብል። ስርዓት ህግደፍ’ከ?  ኣብዚ ቀረባ ግዜ’ዶ ኣይኰኑን ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራት ህግደፍ ብምኽኒያት ብልሽውና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተቓተሉ። ባዕሉ ኢሳያስ ዶ ኣይኰነን ንጀነራላቱ “ህዝቢ ኣገልግሉ ኢልና ሓላፍነት ሂብናዮም ዓበይቲ ነጋዶ ኰይኖም” ዝበሎም? ከምኡ’ውን ዝሓለፉ ዓመታት 120 ዝኾኑ ሰበስልጣን ቀይሕ ባሕሪ 09 ብብልሽውና ዝተኣስሩ? ኢሳያስ ልማዱ ስለ ዝኾነ ድዩ እቲ ናቱ ንሰብ ዝቦ? ግን መን’ዩ ዝኣምኖ?

ኣነ ብርግጽ ኣእመሮ ኢሳያስ ጥዕና ኣለዋ ክብል ኣይክእልን። ኣብ መንጎ ኢትዮጰያን ኤርትራን ዝነበረ ኵናት ጀማሪቱ ኤርትራ ከምዝኾነት ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ በይኑ። ኢሳያስ እውን ኣሚኑ ተቐቢለዎ። ኣብ ትንታኔኡ ግን “ወያኔ ብዘሳወሮ ኵናት ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኦም” ይብል። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ምስምንታይ ይቑጸር?

ቀጺሉ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ በቲ ዝተገብረ ናይ 2005 ምርጫ ይወቕሶም። ንሱ’ኸ? ኣይኰነንዶ ምርጫ ክገብርስ፡ ምርጫ ንግበር ንዝበሉ ዓበይቲ ሰበስልጣን ህግደፍ መሳርሕቱ  ዝነበሩ ስጋብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የሳቕዮም ኣሎ። ህዝቢ እናኣሰረን እናጨወየን ብዘይ ቅዋም ዝገዝእ ስርዓት ብዛዕባ ፍትሕን ደሞክራስን ናይ ካልኦት ኣህዛብ ክዛረብ ግልቡጥ ስነ-መጎት ኢዩ። ሓድ ሓደ ግዜ ኳ ዘስሕቕ ኢዩ። “ወያኔ እናወደቐት ትኸይድ ኣላ” ይብል። ኢሳያስ ዓሻ ኢዩ ይመስለኒ። ሕራይ ናይ ኢትዮጰያስ ባዕሎም ኣለውዎ። ንሱ’ኸ ይወድቕ ከምዘሎዶ ኣይረድኦን ኢዩ?

ኢሳያስ ኣብቲ ዝሃቦ መደረ “ወያኔ ላቐባ ኢዩ ዘስግእ ኣይኮነን፡ ዘስግኣና ኣሜሪካ ኢዩ” ይብል። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኢሳያስ ዓቕሙ ዘይምፍላጥ ኢዩ። ኢሳያስ ሓንቲ ንእሽቶ ድኻ  ዓዲ ሒዙ፡ ነዚ ውሑድ ህዝባ ኣድሪሩ ከሕድር ዘይካኣለ፡ ምስ ሓያላን መንግስታት ኣሜሪካን ፈረንሳን ክጻባእ ምፍታኑ ምሒር ዕንደራ ይበሃል። ሓደ ግዜ ምስ ሱዳን ኣብ ዝተባኣሰሉ እዋን ኢሳያስ ከምዚ በለ፡ “ሱዳን ኣበይ ንምብጻሕ ኢዩ ኣብዘይ ዓቕማ ፈንጠርጠር ትብል? ልክዕ ከምቲ ሓደ ግዜ እንቁርዖብ ኣብቲ ደንደስ ሩባ ብዕራይ ማይ ክሰቲ ምስራኣየት፡ ክንድኡ ክትከውን ተነፊሓ ሞተት።” እዚ ምሳሌ’ዚ ንኢሳያስ ንባዕሉ ኢዩ ዝምለከት። ህዝብኻ ብድኽነት ተቘራሚዱ፤ መንእሰያት በሻሓት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እናተሰዱ ምስ ሓያላን መንግስታት ዘየዓቕምኻ ምጥምማት መስመሩ ዝሰሓተ ፖለቲካ ኢዩ።

ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ብሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ትግዛእ ዘላ ሃገር ኢያ። ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ እቲ ስርዓት ሓደ ውልቀ መላኺ ዘሕምቖ ስርዓት (autocracy) ኢዩ። ኢሳያስ ውልቀ መላኺ ጥራይ ይኮነስ ብኽልተ ባህርያት ዝጥቃዕ ሰብ ኢዩ። ቀናእን ህልኸኛን ኢዩ። ኣብዛ ሃገር ማዕረኡ ወይ ብልዕሊኡ ጸብለል ኢሉ ዝረእሰብ ምስዝርከብ ርእሱ ከምዘድንን ይገብሮ። በረኣእያ ካብ መስመር ኢሳያሰ ዝወጸ ብኹፉእ ይጥምቶ። ሓንሳብ ምስ ጠመቶ ድማ ኣይገድፎን ብዝኾነ ካብቲ ሕበረተሰብ ነጺሉ ወይ ኣደስኪሉ ኣሜን ኢሉ ከም ዝግዛእ ይገብሮ። ኣሜን ኢሉ ዘይግዛእ ከኣ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ መንሚኑ ይመውት። እዚ ካብ ሳሕል ሒዝዎ ን40 ዓመት ዝተጓዕዘሉ ኣገባብ ኢዩ። ንዝኾነ ዝላዓል ውሽጣዊ ግርጭታት ብሓይሊ ጎነጽ ማለት ብምቕንጻል ባእታታት ይኹኑ ጉጅለታት ኣናበልዐ ዝመጸ ሰብ ኢዩ። ህልኽን ሓይልን ጥራይ ኢዩ ቋንቁኡ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ነዛ ሃገር ብውሽጢ ናብ ዓውዲ ማእሰርትን ጥሜትን ለዊጡ ብግዳም ከኣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ውድባትን እናተናኸሰ ነቲ ህዝቢ የሳቕዮ ዘሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝጥቀመሉ መይላ እንታይ ኢዩ? ብመሰረቱ ኩሎም ዓመጽቲ ስርዓታት ዝጥቀምሉ ኣገባብ ብሓይልን ምፍርራሕን ኢዩ። ስርዓት ኢሳያሰ ፍልይ ዝበለ ናይ ጸጥታ ኣሰራርሓ ኣለዎ። ኢሳያስ ብኽልተ መስመር ዝዋፈር ጸጥታዊ ጸብጻብ ኣለዎ። ከምቲ ግቡእ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ይቕበል። ቀጺሉ ከኣ ካብ ባዕሉ ዝወደቦም ታሕተዎት ባእታታት ፉሉይ ጸብጻብ ይቕበል። እቶም ላዕለዎት ነቶም ታሕተዎት፡ እቶም ታሕተዎት ከኣ ነቶም ላዕለዎት ይቋጻጸርዎም። ከምዚ ሎም ነንሕድሕዶም እናታሓላለው ስርዓት ኢሳያስ ከይተተንከፈ ይነብር። ቀጺሉ ኢሳያስ ብከፋፊልካ-ምግዛእ ዋሓለ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ብትሕቲኡ ዘለው ሓለፍቲ ነንሕድሓዶም ከምዘየሳማምዑ ይገብር። እዚ ካብ መዳ ኣትሒዙ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ ኢዩ ።ምናልባሽ ካሊእ ገዜ ብስፍሕ ዝበለ ስጋብ ዝገልጾ፡ መበገሲ ደሞከራሰያዊ ምንቅስቓስ ናይ 1973 (መንካዕ) እውን ነዚ ሕማም’ዚ ንመፍዋስ ኢዩ ነይሩ።

ካሊእ ምቹእ ንመግዛእቲ ስርዓት ዘናውሑ  ከምቲ ለተናንት ኪዳነ ኣብ ዓወተ ዳት ኮም ብሰፊሑ ዝገለጾ፡ ህዝባና መዓልታዊ ንጥፈታቱ ብባህሊ ዝቐየደ ኢዩ። እቲ ዝጠቐሶ ምሳሌታት ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ዓቢ ግደ ይጻወት። “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና። መመሰልን ኣይኽላእኻ፡ መመሰልን’ከ ኣይግበርካ። ዝነውሐት መሽላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንዋንጭፍ።” ወ.ዘ.ተ.። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምሳሌታትን ያታታትን ንጭቆና ዘናውሑ ንለውጢ ዘየታባብዑ ኢዮም።

ስለዚ እቲ መፍትሒ ብጸጥታን ራዕድን ዝተነድቀ ዕርዲ ስርዓት ህግደፍ ምስባሩ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ዕርዲ’ዚ ክስበር እንተ ኰይኑ ድማ ዝተወደበን ዝተጠርነፈን ሓይሊ የድሊ። ነዚ ብፅኑዕ ሓይልን ጽጥታን ዝተነድቀ ስርዓት ከተፍርስ ንጹር ኣገባብ ቃልሲ የድሊ እብል። ኣብቲ ለማቕነ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ክትዓት “ ብጐንጺ’ዶ ወይስ ሰላማዊ ኣገባብ” ዝብል ክኣቱ ኣይደልን። ስርዓት ህግደፍ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራይ ክወድቕ ኢዩ ዝብል እምነት ግን የብለይን። ሕሉፈ ሓሊፉ ድማ ነዚ ስርዓት’ዚ ብዘተ(dialogue) ክንቅይሮ ኢና ዝብሉ ተቓወምቲ እንተልዮም ለዋህነት ኢዩ።

ርእይቶ fitiwi@planet.nl This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares