Awate.com

ብዶ/ር ዳንኤል ረዘነ:ኣድላይነት ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ

ኣድላይነት ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ  (transitional justice) ኣብ ኤርትራ

(ብኣጋጣሚ መበል 18 በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ለንደን ዝቐረበ ጽሑፍ)

ዝኸበርኩም ተሳተፍትን ኣዳለውትን ናይዚ መደብ እዚ፡ ከመይ ትኾኑ፧

ብርዱእ ምኽንያታት ኣብ “ምሉእ” ሓጎስ ኣለና ክንብል ዘይንኽእል’ኳ እንተዀና፡ ዝዓበየ ሃገራዊ በዓልና ብምዃኑ እንቋዕ ናብ መበል 18 በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብቀዓና ክብል ፍቐዱለይ!

ብቐዳምነት ነዚ ጽሑፍ እዚ ከካፍል ዕድመ ንዘቕረቡለይ ወደብቲ ናይዚ ኣኼባዚ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ፡ ንተኻፈልቲ ድማ ክብረት ይሃበለይ እብል። ቀጺለ እምበኣር ናብ ኣርእስተይ ክኣቱ። 

1. መእተዊ 

መበገሲ ናይዚ ጽሑፍዚ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከካይዶ ዝጸናሕኩ መጽናዕታዊ ምርምር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብመልክዕ መጽሓፍ ተሓቲሙ ክወጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ስርሐይ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣዝዩ ሓጺር ጽሟቕ ናይዚ ዝጠቐስክዎ ስራሕ ኢዩ። ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ከቕርቦ ፈቲነ ስለ ዘለኹ ብዙሕ ሰብ ብዕምቆት ክግንዘቦ ተስፋ እገብር።

እምበኣርከስ ካብቲ መሰጋገሪ ፍትሒ (transitional justice) ዝብል ኣምር ክጅምር። መሰጋገሪ ፍትሒ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ኣምር (ሓሳብ) እዚ ክሳብ ሕጂ ንዕኡ ዝበቅዕ ናይ ትግርኛ መግለጺ ኣይረኸብኩሉን። ከምኡ ዝኣመሰለ መግለጺ ክሳብ ዝርከቦ ግን፡ ናይቲ ብቛንቋ እንግሊዝ ተዋሂቡ ዘሎ ኣበሃህላ ቀጥታዊ ትርጉም ክወስድ ኢየ። ትርጉም መሰጋገሪ ፍትሒ ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ሃገራት ኣብ ትሕቲ ጨቆንቲ ስርዓታት ኣብ ዝደሃኻሉ ግዜ፡ ወይ ውን ብኹናት ሕድ-ሕድ ኣብ ዝሕመሳሉ ግዜ ሃገራዊ ትካላት ፍትሒ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝለምስ፡ ኣብተን ሃገራት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ይገንን — ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ማለት ኢዩ። ሰባት ጠሪዖም ዘስምዕሉ፣ ሞጊቶም ዝረዕትሉ መጋባኣያታት ስለ ዘይህሉ፡ ገበናት በብዝተፈጸሞ ይኹመር። ዓመጸኛ ከም ሓቀኛ፡ ተበዳሊ ድማ ከም ገበነኛ ስለ ዝርአ፡ ዘስደምም ገበናት ይፍጸም፤ ብርግጽ ድማ ክሳብ ምእማን ዘጸግም ሓደ ገበን ኣብ ልዕሊ ካልእ ይኹመር። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንምግላጽ ኢዩ እቲ ወሓለ ኤርትራዊ ገጣሚ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)፡ ኣብ ጕንበት 24 2003 ከምዚ ዝስዕብ ክብል ዝገጠመ፡-

“ዓወት ዘልበሱኺ ፍጡር ዘዛረቡ
ኣይስለፉልክን ዲዮም ሰላምታ ክህቡ፧
ከመይ ዲዩ ነገሩ ጕንበት ዘይትነግሪ
ኣስደሚሙኪ ዲዩ ተኾሚሩ ነውሪ፧”

እምበኣርከስ እቲ ኣብ ትሕቲ ጨቆንቲ ስርዓታት ብኣዝዩ ብዙሕ ዓቐንን ብዘስካሕክሕ ኣገባባትን ዝፍጸም ገበናት ከከም ዝተፈጸሞ ተኾሚሩ ዝጸንሕ እኳ እንተኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ራህዋ ዝነግሰላ መዓልቲ ምምጻኣ ስለ ዘይተርፍ፡ መጋረጃ ምልኪ ተቐንጢጡ፡ ፍትሒ ክፍረደሉ ዝግባእ ግዜ ደበኽ ምስ በለ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐ ገበናት ከመይ ጌርካ መፍትሒ ተናድየሉ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህብ ዝህቅን ዓውዲ-ፍልጠት መሰጋገሪ ፍትሒ ተባሂሉ ይፍለጥ። መሰጋገሪ ፍትሒ ዝተበሃለሉ ምኽንያት ድማ፡ ሃገራት ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ወይ ድማ ካብ ኩናት ናብ ሰላም ኣብ ዝሰጋገራሉ እዋን (ማለት ኣብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ) እንታይ ዓይነት ፍትሒ ከንግሳ ይግባእ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝሓቖፈ ኣምር ስለ ዝኾነ ኢዩ። እዚ ዓውደ-ፍልጠት እዚ ኣብ ዝሓለፈ 10-20 ዓመታት ተፈላጥነት እንዳረኸበ ዝመጽአ፡ ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕግን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ዓውደ-ፍልጠት ኢዩ። እቲ ኣብ ግዜ መሰጋገሪ መድረኽ ዝፍረድ ዓይነት ፍትሒ፡ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ናይ ሃገራት ተዛሚዱ ዝረአ ነገር ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል። ንኣብነት ንዕሉላት ወይ ነቶም ቀንዲ ገበኛታት ኣብ ፍርዲ ኣቕሪብካ ብምቕጻዕ፣ ሃገራዊ ዕርቂ ብምእዋጅ፣ ንብዱላት መምስዝወረዶም በደል ዝመጣጠን ተዛማዲ ካሕሳ ወይ መትከል እግሪ ብምሃብ፣ ወዘተ ክትግበር ይከኣል። ብዛዕባ ትርጉም መሰጋገሪ ፍትሒ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ እዚ ካብ በልና እምበኣር፡ ናብ ኣተገባብርኡን ዝህቦ ኣማራጽታትን ቅድሚ ምስጋርና፡ እዚ ኣምር እዚ ስለምንታይ ኢዩ ንኤርትራ ኣድላዪ ኮይኑ ዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን ኢየ።

2. ኣድላይነት መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ

ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተሓተተ ሕቶ ንምምላስ፡ ኣቐዲምና ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ምግንዛብ የድለየና — ምኽንያቱ ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ሃገራት ኣዝዩ ጥቡቕ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ። ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብፍላይ ካብ ኣርብዓታት ንነጀው፡ ብዙሕ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ኮይኑ፡  ካብ ግጭት ናብ ግጭት እናተሰጋገረ ኣብ 1991 ድማ ምስ ናጽነት ኤርትራ ግዚያዊ መግትኢ ዝተገብረሉ ታሪኽ መግዛእቲ፣ ታሪኽ ጭቆናን ታሪኽ ዓመጽን ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብ 1991 መግትኢ ተጌሩሉ ዝመስል ዝነበረ ታሪኽ መግዛእቲ ሎሚ ብሃገራዊ ዓመጽን ጭቆናን ተተኪኡ ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ኢዩ። እቲ ቅድሚ 1991 ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ በደላት እሞ ክሳብ ሕጂ ድማ ዘይተፈወሰ ሕማማት፡ ኣብ ፍልይ ዝበለ ታሪኻዊ መድረኽ ዝተፈጸመ ስለ ዝኾነ ብፍሉይ ክምርመር ዝግብኦ ብምዃኑ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣብኡ ኣይከተኩርን ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ ቅድሚ ናጽነት ዝተፈጸመ በደላት ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ሕቶ ንህዝባዊ ግንባር ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ንተጋድሎ ሓርነትን ካብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተፈናጨላ ውድባትን ዝምልከት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ንሕጂ ግን ኣተኩሮይ ኣብቲ ድሕሪ 1991፡ ማለት ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ዝቖመትሉ መድረኽ፡ ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝተፈጸመ ገበናት ኢዩ ክኸውን። እንተኾነ ግን እቲ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ምድምማይ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዘይሓወየ በሰላ ገዲፉ ከም ዘሎ ምግንዛብ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ከዘኻኽር እፈቱ። እዚ በሰላ እዚ ከይሓወየ እንከሎ ካልእ ናይ ድሕሪ ናጽነት በሰላታት ስለ ዝተወሰኾ ታሪኽ ኤርትራ ብሙግሊ ዝመሽመሸ በስናዕ ምስሊ ሒዙ ይቕጽል ብምሃላዉ ኢዩ እቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝብል ኣምር ኣብ ኤርትራ ዓቢ ኣገዳስነት ዝህልዎ።

ዕደለኛታት እንተንኸውን ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ኣብ 1991፡ እንተደንጎየ ከኣ ኣብ 1993 (ድሕሪ ሪፈርንደም) ንኹሉ ሃገራዊ ብዝሓቖፈ መገዲ’ዩ ክትገበር ዝነበሮ። እንተኾነ ግን ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ልክዕ ከምቲ ዕዮ ገዛ ከይሰርሐ ላህዘዝ እንዳበለ ዝወፍር ሰነፍ ተመሃራይ፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብኣጋ ስለ ዘየለለየ እነሆ ነዛ ሃገር ካብ ሓደ ዓዘቕቲ ናብ ዝገደደ ጨፈቃ እንዳቆማጥዓ ይቕጽል ኣሎ። ኣቐዲሙ እተፈጸመ በደላት መድሃኒት ከይተረኽበሉ ድማ ዘዝገደደ እንዳተወሰኾ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘሎ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ገበናት ተፈጺሙ ኢዩ። ገለ ካብዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዝባን ሕጊ ዝብል ዓምደይ ብዝርዝር ገሊጸዮ ስለ ዝነበርኩ ኣብዚ ምድጋሙ ኣድላይ ኣይኮነን። ብኻልእ ዝተፈላለየ ኣገባባት ውን ዝግለጽ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። እነተኾነ ግን ብመልክዕታት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ዝለዓሉ መራሕቲ መንግስቲ ብውልቂ ገበናዊ ተሓታትነት ዘስዕበሎም ኣዝዩ ብዙሕ በደላት ፈጺሞም ኢዮም። ሰብ ግዜ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ መጀመርታ ናጽነት ኣትሒዞም፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ንዝቐረበ ናይ ሃገራዊ ዕርቂ ጻውዒታት ብምንጻግ ብዊን ዝበሎም መገዲ ክኸዱ ጸኒሖም፤ ይኸዱ ድማ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ታሪኽ ከም ዝነግረና፡ ኣብ ዓለም ንመዋእል ዝነብር ዓመጽን ዓማጺ ስርዓትን የለን። ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣራጢጡ ዘሎ መላኺ ስርዓት መዓልቱ ምስ ኣኸለ፡ እንተ ክብደቱ ኣዝጢጥዎ እንተ ብኻልእ ምኽንያታት ክሩኽመሽ ምዃኑ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። ሽዑ እንታይ ዓይነት ፍትሒ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ክነግስ ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ክጽናዕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኢዩ። ብርጽግ ሕጂ ‘ውን ዓመጽ እንዳተኻየደ እንከሎ ትም ኢልካ ምርኣይ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ ርእሲቲ ብብዙሓት ወገናት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ብሕጋዊ መዳይከ እንታይ ክግበር ይግባእ ዝብል ሕቶ ኣብ ቀጻሊ ክትዕ ኢዩ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ተኽእሎታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባኣያታት ክሲ ብምምስራት ንገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ምብዳህ ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ ገና ብዙሕ ከስራሕ ዝግብኦ ነገራት ከም ዘሎ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ብገለ ወገናት (ንኣብነት ኤልሳ ጭሩም፣ ሳልሕ ቃዲን ካልኦትን) ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ክበራታዕ ዝግብኦ ምዃኑ ምዝኽካር ኣገዳሲ ኢዩ። 

3. መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢዩ ዝትግበር፧

ንትግባረ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣድላዪ ካብ ዝኾኑ ረቛሕታት ሓደ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኢዩ። እዚ ማለት ቅድም-ቀዳድም እቲ ብዙሕ ደበላት ፈጺሙ ዝበሃል ስርዓት ካብ ስልጣን ተኣልዩ ብዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክትካእ ይግብኦ ማለት ኢዩ። እንተኾነ ግን ናይ ቀረባ እዋን ተሞክሮ ከም ዘረጋግጾ፡ ሓደ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ስልጣን እንከሎ ውን እንተኾነ፡ ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ ብገለ መልክዑ ክትግበር ከም ዝከኣል ምዝካር ኣድላዪ ኢዩ — ሳላ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ኣብ ዓለም ብዙሕ ነገራት ይቀያየር ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-መላኺ ኣልበሽር (መራሒ ሱዳን) ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ከም ሓደ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ ዝትግበረሉ ሓፈሻዊ መድረኽ ግን ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ወይ ካብ ኩናት ናብ ሰላም ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። ስለዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ጥራይ ኢዩ ክትግበር ዝኽእል። እንተኾነ ግን ንዕኡ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ክግበር ይኽእል ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ውዒሉ ሓዲሩ መሬት ክወግሕ ስለ ዝኾነ ዘድሊ መጽናዕታት ካብ ሕጂ ክግበር ኣድላዪ ዝኾነ።  

4. መሰጋገሪ ፍትሒ እንታይ ዓይነት ኣማራጽታት ይኽተል፧

እቲ ኣብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ክፍረድ ዝኽእል ፍትሒ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ናይ ሃገራት ተዛሚዱ ዝርአ ነገር ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ ልዕሊ ኹሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ረቛሒ ድማ ለውጢ ብኸመይ ይመጽእ — ማለት እቲ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ብኸመይ ይትካእ — ዝብል ነጥቢ ኢዩ። ነዚ ንምርዳእ ዝሕግዝ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሞክሮ ኣሎ። እቲ ጨቋኒ ስርዓት፡ ምሉእ ብምሉእ ብወተሃደራዊ ስርሒት ተሳዒሩ እንተደኣ ካብ ስልጣን ተወጊዱ፡ እቲ ኣብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ክህሉ ዝኽእል ዓይነት ፍትሒ ውጹእ ሕነ-ፍዳዊ (retributive) ይኸውን። እቲ ሕነ-ፍዳዊ ዝብል ኣበሃህላ በቲ ቐጥታዊ ትርጉም ሕረድ-ጉመድ ማለት ዘይኮነ፡ ብተዛማዲ ዝቐረበ ኣበሃህላ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ንኣብነት፡ ስርዓት ደርግ ኣብ 1991 ብህዝባዊ ግንባርን ብኢህወደግን ምስ ተሳዕረ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነገሰ ፍትሒ ውጹእ ሕነ-ፍዳዊ ኢዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ካብኡ ናብኡ ኣተገባብራ ናይቲ ፖሊሲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍልልይ ኔርዎ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ደርግ ዝነበሩ ሚንስተራትን ጀነራላትን ዋላ’ኳ ብኡ ንብኡ ኣብ ቀይዲ እንተኣተዉ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትየጵያ (ኢህወደግ) ነቲ ጉዳይ ንዕኡ ዝምልከት ፍሉይ ኣዋጅ ኣዊጁ ብወግዒ ኢዩ ሒዝዎ። እቶም በደለኛታት ኣበይ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ህዝቢ ይፈልጥ ኔሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስድርኦምን ተጣበቕቲ መሰላትን ይበጽሕዎም ኔሮም፤ ጉዳዮም ድማ ኣብ ቅሉዕ መጋባኣያ ኢዩ ዝዳነ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እቶም ገበነኛታት ናይ ማእሰርትን ካልእን ፍርዲ ተዋሂብዎም። ብዙሕ ሕጽረታት ዝነበሮ መስርሕ’ኳ እንተነበረ ምስቲ ናይ ኤርትራ ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ ግን ኣዝዩ ዝሓሸ ኢዩ ኔሩ። ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ገለ-ገለ ናይ ደርግ ጀነራላት፣ ላዕለዎት ሓለፍትን ካድራትን ግን ኣበይ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ኣይፍለጥ፤ እንታይ ዓይነት ፍርዲ ከም ዝተዋህቦም ‘ውን ኣይፍለጥን ኢዩ። ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ግን ገሊኦም ብኡ ንብኡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝተረሸኑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘይፍለጥ መዳጎንታት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይንገር። ገሊኦም ድማ ማእሰርቶም ወዲኦም ዝተለቁ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ኣብዚ ጉዳይዚ ገለ ግሩሃት ዜጋታት ርትዓውነት ዝጎደሎ ስንኩፍ ኣረኣእያ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ደርጊ ሰበ-ስልጣን ነበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረድዎ በደል መዘና ዘይርከቦ ምዃኑ ኣይከሓድን። ስለ ዝዀነ፡ ፍትሒ ዝግብኦም ሰባት ኣይኮኑን፤ ፍትሓዊ ፍርዲ ተዋሂብዎም ኣይተዋሂብዎም ዘገድስ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ሰባት ኣይሰኣኑን ኢዮም። እንተኾነ ግን ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊሱ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከንግስ ዝሕልን መንግስቲ፡ ፍትሒ ኣብ ዝፈርደሉ ግዜ ብርትዒ እንተደኣ ዘይተቐይዱ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጨቋኒ ስርዓት ዝፈጸሞ በደላት ይደግም ከም ዘሎ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ኣብ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘይምሖ ጻህያይ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ — ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ዘለና ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዋላ ስርዓት ህግደፍ ‘ውን እንተኾነ ብዝኾነ ኣገባብ ካብ ስልጣን ምስ ተወገደ፡ እንተደኣ እቶም ቀንዲ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝግብኦም ኮይኑ፡ ፍትሕን ርትዕን ተኸቲልካ ደኣ እምበር ብስምዒትን ብሃውርን ክኸውን ከም ዘይብሉ ምግንዛብ የድሊ።

እቲ ካልኣይ ለውጢ ዝኽሰተሉ ተኽእሎ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር (እንካን-ሃባውን ምስግጋር) ናብ ዲሞክራሲ ኢዩ። እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ከቀላጥፍ እንተደኣ ተሰማሚዑ ንመጻኢ ውሕስነት ክወሃቦ ውን ስለ ዝሓትት ከምቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ደርግ ነበር ዝተገብረ ሕነ-ፍዳዊ ስጉምቲ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት መስርሕ ተሃድሶኣዊ ፍትሒ (restorative justice) ኢዩ ዝጠልብ። ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት “ሓሸውየ” ዝኣቱ ስርዓት ከም ዘይኮነ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ እንተወሓደ ግን ብኽልሰ-ሓሳብ ደረጃ እዚ ተኽእሎ እዚ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ምስግጋር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ ኮይኑ፡ እቲ ተደጋጊሙ ዝግለጽ ተሞክሮ ግን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ናይ ጸዓዱ ዓሌታዊ መንግስቲ (ስርዓት ኣፓርታይድ) ምስቲ ብዓብላልነት ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤኤንሲ) ዝምራሕ ናይ ጸለምቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሑ ኢዩ ኣብቲ ሃገር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ዝተረኸበ። እቲ ንዓመታት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝተሓወሶ ምትፍናን ከም ዘየዛልቖም ምስ ተረድኡ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ናይ እንካን-ሃባን ዝርርብ ጀሚሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ይቕረ-ይቕረ ተበሃሂሎም ብሰላም ናብ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣትዮም። ኣብቲ ዝተገብረ እንካን-ሃባን መንግስቲ ኣፓርታይድ ዘቕረቦ ቅድመ-ኩነት ኔሩ። ስልጣን ከነርክብ እነተዀይና፡ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት መንግስቲ ኣፓርታይድ ብዝሓለፈ ገበናት ክሲ ክምስረት የብሉን ዝብል ተሪር ቅድመ-ኩነት ኔሩ። ተቓለስቲ ኤኤንሲ ካብኡ ዝሓይሽ ኣማራጺ ስለዘይነበሮም ጥራይ ዘይኮነ ንረብሓታ ሃገር ክብሉ ነቲ ቅድመ-ኩነት ተቐቢሎሞ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኹሉ ዝተፈጸመ ገበናት ተዓብዒቡ ከይተርፍ ብምባል ካልእ ኣማራጺ ምሂዞም። እዚ ድማ፡ ሓደ ኮምሽን ሓቅን ዕርቅን ዝበሃል ኣካል ክቐውም እሞ፡ ገበኛታት ኩላቶም ኣብኡ ቀሪቦም በደሎም ክናዘዙ፤ በቲ ኮምሽን ድማ ምሕረት ክወሃቦም። ከምኡ ውን ብዱላት ኣብቲ ኮምሽን ቀሪቦም በደሎም ከካፍሉ፤ ብዝወረዶም በደል ድማ እቲ ኮምሽን ካሕሳ ይግብኦም ኢሉ እንተወሲኑ ካሕሳ ክወሃቦም ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም። በዚ መሰረት ድማ ኩሉ ኣብቲ ሃገር ዝተፈጸመ ዓበይቲ በደላት ተቓሊዑ፣ በደለኛታት ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቶም፣  ብዱላት ድማ በዝን ብኻልእን ተኻሒሶም ነታ ሃገር ብሰላም ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣሰጋጊሮማ። እቲ መስርሕ ጸገማት ዝነበሮ እኳ እንተነበረ ምስ ታሪኽ ናይታ ሃገር ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ ግን ዝነኣድ ተሞክሮ ኔሩ፤ ብዙሓት ሃገራት ድማ ነዚ ከም ሞዴል ወሲደን ተግቢረንኦ ይትግብርኦ ድማ ኣለዋ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብነታት፡ ክልተ ካብቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝትግበረሉ ኣዝዩ ዝውቱር ኣገባባት ኮይኑ፡ ኣብ ገለ-ገለ ተሞክሮታት ግን ሕውስዋስ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብነታት ኣሎ። ሓደ ጨቋኒ ስርዓት ብምሉእ ወተሃደራዊ ዓወት ተሳዒሩ ምስ ተተከአ ውን እንተኾነ፡ እቲ ሕነ-ፍዳዊ ዝበልናዮ ኣማራጺ ብዝተወሰነ ዓቐን ኢዩ ክትግበር ዝከኣል። እዚ ማለት፡ ነዊሕ ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐ ገበናት ተኣኪቡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ስለ ዝኸይድ ብግብሪ ንኹሎም ገበነኛታት ተር ኣቢልካ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብካ ክትከሶምን ክትፍርዶምን ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝተኻእለ ነቶም ቀንዲ ገበኛታት ዝበሃሉ (ብኣጻብዕ ዝቖጸሩ) ምፍራድ ጥራይ ኢዩ። ንሳቶም ‘ውን እንተኾነ ሓደ-ሓደ ግዜ ቁጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ዘሎ ናይ ሃገር ጸጋታት (ገንዘብ፣ ንዋት፣ ዓያዪ ሰብ) እንተዋፈርካ ውን ንኹሎም ከተረኻኽበሎም ዝከኣል ኣይከውንን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ ተሞክሮ ከም ዘረጋግጾ፡ እቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ኣብቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ኢዩ ከተኩርን ክሕጸርን ዝኽእል። እቶም ዝተረፉ ማእከሎትን ታሕተዎትን ሰብ መዚ ድማ ከም ኮምሽን ሓቅን ዕርቅን ዝኣመሰለ ኣካላት መስሪትካ ኣብኡ ቀሪቦም ገበኖም ከም ዝናዘዙን ይቕረታ ድማ ከም ዝሓቱን ይግበር። ብዱላትን ቤተሰቦምን ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መድረኻት ቀሪቦም ተሞክሮኦምን ወጽዖኦምን ከም ዘካፍሉ ይግበር። ልዕሊ ኹሉ ግን ነቲ ዝወረዶም በደል ዘከሓሕስ መጣየሲ ወይ ደበስ ከም ዝወሃቡ ይግበር። ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ነዚ ኹሉ ክገብራ ዓቕሚ ክውሕደን ስለ ዝኽእል ካብ ለገስቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ሓገዝ ክሓታ ይኽእላ። በዚ ድማ ጥጡሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክህሉ ይኽእል። ቅድሚ ዝኣገረ ግን ህግደፍ ብመን ከማይ ዓቢዱ፡ ኣብ ዓጋቲ ዘይብሉ ጎልጎል ይሃልል ስለ ዘሎ፡ ተሓባቢርካ ነዚ መግትኢ ምግባር የድሊ። ሕብረት ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣብዚ መዳይዚ ክዓዝዝ ይግብኦ። ነቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትከል ዝግብኦ ኣገባብ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣቓልቦ ሂብካ ኣማራጽታት ምፍታሽ ድማ መድረኻዊ ዕዮ ኢዩ። 

5. መደምደምታ

እዚ ጽሑፍ እዚ ብሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ ንምግላጽ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣድላይነቱ ኣብ ኤርትራ ከመይ ምዃኑ ውን ከብርህ ሃቂኑ። ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተኾመረ ይኸይድ ኣሎ። እሞ እንታይ ኢዩ ደኣ ዝግበሮ፧ እዚ ሕቶ እዚ ሕጂ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ ረፍዲ እቲ ስርዓት ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ስልጣን ምስ ተወገደ ውን ኣብቲ ዝህሉ መሰጋገሪ መድረኽ ካብቶም ዝዓበዩ ብድሆታት ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ። እዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣብቲ መጻኢ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ብኸመይ ክግጠም ኢዩ፧ ኣብ ኤርትራኸ እንታይ ዓይነት መሰጋገሪ ፍትሒ ኢዩ ከድሊ፧ ሕጂኸ ብወገን ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን እንታይ ይግበር ኣሎ፧ እቲ ሕቶ ብዙሕ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ እንተደኣ ካብ ስልጣን ተወጊዱ፡ ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ዝተራእየ፡ ንብምሉኦም ዕሉላት ማለት ነቶም ቀንዲ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ክህሉ ከም ዝኽእል ብሩህ ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ዕሙት ሕነ-ፍዳዊ ኣካይዳ ወይ ከኣ ዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ዝዓብለሎ መስርሕ ክኸውን ከም ዘይግባእ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣሉታዊ ተራ ከም ዘለዎ ተሞክሮ ገለ-ገለ ሃገራት የመልክት። እቶም ዕሉላት ወይ ቀንዲ ዝበሃሉ ገበኛታት ዋላ ውን ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ካብ 1991 ኣትሒዙ ተፈጺሙ ዘሎ ገበናት ብዝሑን ዓቐኑን ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝኾነ፡ ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ኣቕሪብካ ምፍራድ ብግብሪ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝተፈጸመ በደላት ውን ዋላ እኳ ኣብ ዝተፈለየ ታሪኻዊ ሃዋሁ ዝተፈጸመ እንተነበረ፡ ምስቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ተደማሚሩ ክርአ እንከሎ ነቲ ብድሆ ዝኸበደ ይገብሮ። ምስ ሓፈሻዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝሓሸ ኣማራጺ ብንጹህ ናይ ይቕረ ምብህሃል መንፈስ ሃገራዊ ዕርቂ ኣዊጅካ ብሓባር ምጉዓዝ እኳ እንተኾነ ነዚ ዝዕንቅፍ ብዙሕ ረቛሒታት ከም ዘሎ ግን ርዱእ ኢዩ — እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ህግደፍ ምዃኑ ግን ኣየማትእን። ካብዚ ሓሊፉ ክግበር ዝኽእል ነገር ኣብቶም ቀንዲ ገበኛታት ጥራይ ምትኳር ኮይኑ ኣብ ርእሲዚ ግን ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ዝተራእየ ኮምሽን ሓቅን ዕርቅን ኣቚምካ ሃገራዊ ዕርቂ ከም ዝኹስኰስ ምግባር ከድሊ ኢዩ።

ህግደፍ ናብ ልቡ ዝምለስ ስርዓት ከም ዘይኮነ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ብገለ ተኣምራት ናብ ልቡ ተመሊሱ ሃገራዊ ዕርቅን ቅኑዕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምስ ጠልብ ግን፡ ካብ ስምዒት ወጺኻ ንነገራት ብሚዛናዊ መገዲ፡ ብኹሉ ኩርንዓቱ ምርኣይ ከድሊ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብመንጽር ዝህልዎ ሃገራዊ ረብሓ ድኣ እምበር ብመንጽር ምስ ህግደፍ ዘሎ ህልኽን ጽልእን ኣይኮነን ክዕቀን ዝግብኦ። ከምቲ ኣብ ተሞክሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ፡ ናብ እንካን-ሃባን ምእታው ዝድለየሉ ታሪኻዊ መድረኽ እንተተጋሂዱ፡ ነቲ መድረኽ ስኽን ኢልካ ምግምጋም ከድሊ ኢዩ። ህግደፍ ብባህሪኡ መጻዪ ስርዓት ስለ ዝኾነ ግን ከቕርቦ ዝኽእል ዝኾነ ይዅን ጠለብ ሸሓጢ፣ መዐደጊ ግዜ ወይ መመሳሳሚ ምኽኒት ከም ዘይኮነ ኣዳቒቕካ ምምማይ ይደሊ። ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰ፣ ብወግዓውን ዘይቃልዓለማውን ይቕረታ እተሰነየ፣ ንወጽዓታት ግዳያት ግቡእ ሚዛን ዝሃበ፣ ንኻሕሳን ሃገራዊ ዕርቅን ብምሉእ ልቢ ዝተገበሰ ናይ እንካን-ሃባን መድረኽ ክፍጠር እንተተኻኢሉ ግን ዝጽላእ ነገር ኣይኮነን፤ ብምሉእ ደገፍ ውን ክተተባባዕ ኣለዎ። እዚ ማለት ብኻልእ ኣዘራርባ ንበደልቲ ቅድመ-ኩነታዊ ምሕረት (conditional amnesty) ምፍቃድ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ባህልና (ብውሑዱ ኣብቲ ኣነ ዝፈልጦ ባህሊ ከበሳ ኤርትራ እንተርኢና) ዝበደለ ሰብ ሽሕ ግዜ ይበድል፡ ልቡ ኣንጺሁ መዲድ ተሸኪሙ ኣብ ቅድሚ ብዱል ፍግም ኢሉ ተደፊኡ እቕረ በሉለይ እንተደኣ ኢሉ እቕረ ይኹንካ ኢዩ ዝበሃል። የግዳስ ካብ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ክመጽእ ዳርጋ ሕልሚ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ከም ተኽእሎ ግን ኣብ ዝኾነ እዋን እንተደኣ ተጋሂዱ ሚዛን ክወሃቦ ዝግባእ ምዃኑ ንምዝኽኻር ዝኣክል ኢዩ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር ግን ኣሎ። ዝኾነ ክግበር ዝኽእል ናይ እንካን-ሃባን እማመ፡ ብቐንዱ ንግፉዓትን ግዳያትን ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝጥምት ክኸውን ይግብኦ። ኣብ ርእሲዚ ውን ንመድሓን ነብሲ ጥራይ ተባሂሉ ዝግበር ዘይኮነ ኣብ ዲሞክራስያዊ መትከላት ዝተነድቀ ክኸውን ይግብኦ። ኣተገባብራ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ እማመ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ብዝምልከት ኣከራኻሪ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ምጕት እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣምር መሰጋገሪ ፍትሒ ዝጥርነፉ መሰረታውያን ነጥብታት ስለ ዝዀነ ጎሲኻዮ ክሕለፍ ኣይከኣልን። እንተ ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ታሕተዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ብዝምልከት ግን ቅድመ-ኩነታዊ ምሕረት እቲ ዝሓሸን ግብራውን ምርጫ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እምበኣርከስ ከም መእሰሪ ናይዚ ክጸቕጠሉ ደልየ ዘለዅ መልእኽቲ ሃገራዊ ዕርቂ፡ እዛ ትስዕብ ዓንቀጽ ካብ ስርዓት (ሕጊ) ኣድከመ ምልጋእ ከም ኣብነት ጠቒሰ ጽሑፈይ ክዛዝም፡-

ነፍሲ ዝቐተለ ወጮ ተገዲዑ ገመድ ኣብ ክሳዱ ጌሩ ካራ ኣንጠልጢሉ፡ እኔኹ ሓለፍኩ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ ስድራ እቲ ዝሞተ ደው ይበል። ብድሕሪዚ 7 ሽማግለን ካህናትን ምስ መስቀሎምን ንምሕረት ይለምኑ። ቅድም ብነፍሲ ይመሓር፡ ድሕሪኡ ድማ ዕርቂ የቑሙ ዋሕሳት ዕርቂ ውን ይትከሉ። ዕርቂ ምስ ቆመ ጋር ነፍሲ፡ ፈርግን ቅርሽን ይኽፈል። ጋር ነፍሲ ብቆጸራ መዓልቲ እዩ ዝኽፈል። እቶም ዝኽፈሉ ድማ ከም ቆጸራኦም ይኽፈሉ። ብመሬት እንተኾነ ዝኽፈል እቲ ጋር ነፍሲ እቶም 7 ሽማግለ እዮም ዘወሃህብዎም። እቶም እተቓተሉ ሰባት ጓኖት እንተኾይኖም ኣብ ርእሲ ጋር ነፍሲ ጓልን ወድን እዮም ዝወሃሃቡ። ጓል ክህቡ ዝግብኦም ግን ቀተልቲ እዮም።

እዚ ዝበሃል ዘሎ ናይ ዕርቂ መንፈስ ምስ ህግደፍ ኣብ ዘለና ነገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነንሕድሕድና ዘለና ዘይተዓርቀ ፍልልያት ኣብ ምፍታሕ ውን ክንጥቀመሉ ዝግባእ ልቦና ኢዩ።

ዕርቅን ሰላምን የውርደልና!
እዚ ወደሓንኩም።

የቐንየለይ!

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares