Awate.com

ብሃብቶም ዮሃንስ: ነጻነት ኤርትራን ታሚል-ኢላምን

እዛ ሰሙን ኣብ ታሪኽ ሕዝቢ ኤርትራን ታሪኽ ሕዝቢ ታሚልን (“ክፍሊ” ስሪላንካ) ፍሉይ ትርጉም ዘለዋ እያ። ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ድሕሪ 30 ዓመት፡ ዝተጓናጸፎ ነጻነት ኸብዕል ክሸባሸብ ከሎ፣ ሕዝቢ ታሚል ግን ነቲ ልዕሊ 25 ዓመት ዝተቓለሰሉ ገድሊ ብዓወት ዘይኮነስ ብኽስረት : ስለዝዛዘሞ፡ ኣብ ክቱር ጓሂ ይርከብ። እዚ ኣብዛ ሰሙን ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ደማዊ ድምዳመ ቃልሲ ታሚል-ኢላም፡ ንጽምብል መበል 18 በዓል ነጻነት ኤርትራ ፍሉይ ትርጉም እዩ ዝህቦ። እቶም ጽኑዓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ብደገፍ እቲ ጽኑዕ ሕዝብና፡ ስጋብ መጨረሽታ ሕይወቶም እንተዘይስውኡ፡ ገድሊ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ታሚል-ኢላም ወይ ከኣ ከም ናይ ብያፍራ (ናይጀርያ) ኮይኑ ምቐሃመ ነሩ። ስለዝኾነ፡ ነቶም ኹሎም ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ኤርትራ ኢሎም ዝተቓለሱን፡ ንእስነቶም ኣብ በረኻን ስንጭሮን ዘሕለፉን፡ ኣካሎም ዝጎደሉን ዝተሰውኡን (ጀብሃ ኮነ ሻዕብያ)፡ መሊሰ ብልቢ ከመስግኖም እፈቱ፣ ባርኔጣይ ኣውጽእ ኣቢለ ከኣ፡ ድንን ኢለ፡ ቃልስኹም ኸንቱ ኮይኑ ኣይተረፈን እሞ፡ ነቲ ኣብዚ ዘብጽሓኩም ፈጣሪ ኹሉ ኣመስግኑን፡ ሕድሪ ስውኣትኩም ዘክሩን እብል።   

እወ እዚ ኣብዛ ሰሙን ንሕዝቢ ታሚል-ኢላም ዘጋጠሞም ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ነቲ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝፈጸምዎ ቅያ መሊሰ ከስተንትኖን፡ ከድንቖን ጌሩኒ። እዚ ኣድናቖት ከኣ ብዘይ ኣድልዎ ንኹሎም ተጋደልቲ ጀብሃን፡ ሻዕብያን እዩ ዝምልከት። እወ እንተላይ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለው፡ ንሕዝቢ ኤርትራ፡ ነታ ማንታ ነጻነት ዝኾነት ሓርነት ከይውንዘፋ ዝዓግትዎ ዘለው፥ ናይ ተጋደልቲ ካብ ደርብዮም ናይ መለኽቲ ባርኖስ ተኸዲኖም ዘለው በዓል ፕርዚደንት ኢሰያስን ብጾቱን እውን ይምለከቶም እዩ። እዚምንታይ፡ ተጋደልቲ ከለው ዝሰርሕዎ ቅያ ታሪኻዊ ምስክር ስለዝኾነ። 

እቲ ዘሕዝን ነውራም ምልካዊ ጠባይ ግን ኣብ ስልጣን ምብሓት ተደሪቱ ኣይኮነን ተሪፉ ዘሎ። መላኺ ስርዓት ንታሪኽ እውን ከይተረፈ ክብሕቶ እዩ ህርድግ ዝብል። ነቲ መላኺ ስለዝበድህዎ፡ ብዙሓት ፍሉጣትን ዘይፍሉጣትን ጀጋኑ ኤርትራ ካብ ታሪኽ ክእለዩን፡ ምስ ተሰውኡ ከኣ ኣብ መቓብር-ሓርበኛታት ከየዕርፉን ተጌሩን ይግበር ኣሎን። እዚ ከኣ ነቲ ክቡርን ሃብታምን ዝኾነ ታሪኽ ኤርትራውያንን ምልክቶምን ኣርኹስዎ ይርከብ።    

ሓንቲ ሃገር ነቲ ክቡር መዓልቲ ነጻነት ከተብዕል ከላ፡ ነቶም ቅያ ዝገበሩ ጀጋኑ ደቓ ክትዝክርን ከተኽብርን ንቡር እዩ። ኤርትራ ከኣ እዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ከምኡ እያ ክትገብር ቀኒያ። ደስ ከኣ ኢሉኒ። ዘጉሃየኒን ዘስደመኒን ነገር ከኣ ኣሎ።   

ብዙሓት ጀጋኑን ደቖምን ስድራቤቶምን፡ ነዚ መዓልቲ ነጻነት ኣስተማቒሮም ከይብዕልዎ፡ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣፍወርቒ ከልኪልዎም ይርከብ። ገሊኦም ካብቶም ዝፈትውዎም ስድራቤት ተፈሊዮም ኣብ ምድሪ ስደት ይርከቡ። ገሊኦም ኣብ ስውር እስርቤት ኢሰያስ ኣፍወርቒ ይበልዩ ኣለው። እዞም ትማል ትማል ሕዝቢ ጀጋኑ ኣናበለ ኣእዳው ስጋብ ዝደሚ ዘጠቓዓሎም ዝነበሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ኣብ ተሌቪዥን፡ ሬድዮ ኮነ ጋዜጣ ዝወጽእ ታሪኻዊ ጸብጻብ ኣይትርእዮም፡ ኣይትሰምዖም፡ ኣይተንብቦም። መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣፍወርቒ፡ ነዞም ከምኡ ጀጋኑ ታግደልቲን ሰራሕቲ ቅያን፡ ካብ ገጽ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ኣጥፊእዎም ዘሎስ፡ ካብ ታሪኻዊ ጸብጻባት እውን ሓኺኽዎም ይርከብ። ነቲ ቅድሚ መስከረም 2001 ዘርእዩናን ዘስምዑናን ዝነበሩ ታሪኻዊ ጸብጻባት፡ ሓኺኾም ሓኻኺኾም፣ ነቶም ብዘይ ሕጊ ዝኣሰርዎምን ዝፈረድዎምን ከምኦም ጀጋኑ ታቓለስቲ ኣልጊሰሞም ይርከቡ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ እትርእዮ፡ ናይ ተለቪዥን፡ ናይ ሬድዮ ኮነ ናይ ጋዜጣ ጸብጻባት፡ ንበዓል ጀጋኑ ተጋደልቲ መስፍን ሓጎስ ኣየርእን እዩ። በደሎም ከኣ ንኢሰያስ ባህ ስለዘየበሉ እዩ። ዝገበርዎ በደል ስጋብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ፍርዲ ዝወረደ የለን። ናይ ዓለም ሕግን ናይ ኤርትራ ሕግን ከም ዝነግረና ከኣ፡ በደሉ ዘይተረጋገጸ ክሱስ ኩሉ ግዜ ንጹህ እዩ። 

መበል 18 በዓል ነጻነት ኤርትራ ስለምንታይ እያ ንበዓል መስፍን ሓጎስን ብጾቱን ከይትዝክር ተኸልኪላ? በዓል መስፍን ሓጎስን ቡዙሓት ዝተሰውኡን፡ ዝሰንከሉን ብጾቱ፡ ብመጋቢት 17፡ 1988 ብቖራጽነት ናይ 10 ዓመት “ማሕነቕቲ” ገድሊ ኤርትራ ፈንጢሶም ነቲ ደርግ ዝሕበነሉ ዝነበረ፡ ስጋብ ኣስናኑ ዝተዓጥቐ ናደው ሰራዊቱ እንተዘይድምስስዎ፡ ናይ ኤርትራ ነጻነት ኣብ ግንቦት 24፡ 1991 ኣይምተረጋገጸን ነሩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምቲ ምልማስ ቃልሲ ሕዝቢ ታሊም-ኢላም ኣብ “ኺሎኖቺ” ዝትፈጸመ፡ ከምኡ ከኣ ነጻነት ኤርትራ ብዕለት መጋቢት 17፡ 1988 ኣብ ዓዲ-ጭሩም፡ ኣብ ናቕፋ፡ ኣብ ኣፍዓበት እዩ ተወሲኑ። ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ብሶቭየት-ሕብረት ዝሰብሕ ሰራዊት ደርግ ግንባሮም ገቲሮም እንተዝይገጥምዎ ነሮም፣ ታሪኽና ታሪኽ “ኺሎኖቺ” ኮይኑ ምተረፈ ነሩ። ኣብ ዓዲ-ጭሩም ዝተገብረ ተኣምራት፡ ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ፡ ንብረት (መሳርያ) ምምላኽን፡ ብዝይ ኣፍልጦ ምዕንዳርን ኣይኮነን ነሩ። ውጽኢት ናይ ዓሰርተታት ዓመታት (ጀብሃን ሻዕብያን) ተሞክሮን፡ ፍልጠትን ጥበብን እዩ ነሩ። እወ ጉድለት ኔርዎ። ፈርማጆ እናበላዕኻ፡ ዊስኪ እናሰተኻ፡ ካዲላክ እናዘወርካ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኣይኮነን ነሩ። ጥሜት ምግብኻ፡ ሕማም ብጻይካ፡ ባሩድ ጠያይት ዝናብካ፤ ሞት ከኣ ኣብ ፊሊም ናይ ሆሊይውድ ጥራሕ ዘይኮነ እትርእያስ ምሳኻ ትውዕል እትሓድር ዝነበረትሉ እዋን እዩ። ምስቲ ኹሉ ዝነበረ ጉድለት ግን እዞም ጀጋኑ ኤርትራውያን ተኣምር ጌሮም። ኣገናዕ ከኣ እብሎም። ብዘይ ፍልልይ ንኹሎም። ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለው፡ ንሕዝቦም ነታ ማንታ ነጻነት ዝኾነት ሓርነት፡ ነፊገሞ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን እውን ከይተረፈ፡ ክቡር ኣበርክቶኹም ኣብ ነጻነት ኤርትራ ኣይርሳዕን እይሕከኽን እዩ።   

ሕዝቢ ኤርትራ ግን ንነጻነት ጥራሕ ኣይኮነን ተቓሊሱ። ንሓርነት እውን እዩ። ሓርነት ኣብ ኢዱ ንምርካብ ቃልሱ ክቕጽል እዩ። ነቲ ዝተረኽበ ነጻነት ኤርትራ ግን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣእትዩ ከምቲ ንስኻትኩም ንሓርነት ኣህሲስኩማ ዘለኹም፡ ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ክጥንቐቕ ኣለዎ። ነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራን ክቡር እዩ። ሓርነት ስለዝጎደሎ ሓሲሩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ንነጻነት ዘምጽአ ጅግና ተጋዳላይን ገባርን፡ ሕጂ እውን ብዕቱብነትን ብምስትውዓልን፡ ንሓርነቱ ከረጋግጽ ከምዝኽእል እምንቶ ኣለኒ። ገድሊ ናይ ሕስራን ሽም ዘይኮነስ ናይ ክብረት ሽም እዩ። ገድሊ ንሓደ-ኽልተ ብስልጣን ዝሰኸሩ መለኽቲ ጥራሕ ኣይኮነን ወሊዱ። በቲ ክቡር ቃልስን መስዋእትን ኤርትራውያን ንነጻነት ወሊዱ እዩ። ንገድሊ ዘናእስ ምረት መግዛእቲ ኣይተረድኦን። ንገድሊ ዘናእስ ትርጉም ነጻነት ኣየስተውዓሎን። ሓርነት ስለዝጎደሎ ንነጻነት ዝንዕቕ፣ ጸብሒ የብሉን ኢሉ ንእንጀራ ከምዝጉሕፍ ዓሻ እዩ ዝመስል። እቲ ለባም ነቲ እንጀራ (ነጻነት) ብጥንቓቐ ሒዙን ኣቐሚጡን ዓንጊሉን፣ ንዕኡ ተጠቒሙ ሽሮን ካልእ ጸብሒን ከምጽእ ይፍትን። ገድሊ ንሓደ ክልተ ጉጉያት ጥራሕ ኣይኮነትን ወሊዳ። ንበዓል መስፍን ሓጎስን ከምኡ ዝኣመሰሉን ጽኑዓትን ለባማትን ተቓለስቲ ወሊዳ እያ፡ ሓደ ክልተ ንምጥቓስ፡ 

– እሱር ጴጥሮስ ሰለሞን፡
– እሱር ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡
– እስርቲ ኣስቴር ፍስሓጽዮን፡
– እስርቲ ኣስቴር ዮሃንስ፡
– እሱር ሓሚድ ሕሚድ
– እሱር ሳሊሕ ኢድሪስ ከኪያ፡
– እሱር እስቲፋኖስ ስዩም፡
– እሱር መሓመድ ብርሃን ብላታ፡
– እሱር ጀርማኖ ናቲ፡
– እሱር በራኺ ገብረስላሴ
– እሱር ዑቕበ ኣብርሃ፡
– እሱር ብርሃነ ገብረዝግሔር
– እስርቲ ሰናይት ደበሳይ
– እሱር ኤርምያስ (ባባዮ) ደበሳይ
– እሱር ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)
– ስውእ ዶር. ጥሀ መሓመድ ኑር
– ስደተኛ ኣድሓኖም ወልደማርያም
– ስደተኛ ሃይለ መንቐርዮስ
– ስደተኛ ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ
– ስደተኛ መስፍን ሓጎስ    

… ካልኦት ኣብዚ ዘይተጠቕሱ ንኢሰያስ ባህ ዘየበሉ ጀጋኑን…እንቛዕ ሓጎሰኩም። ብምስትውዓልን ብሩጥብነትን እንተተቓሊስና፡ ከምቲ ነጻነትና ዘረጋገጽና ሓርነትና እውን ከምኡ ከነረጋግጽ ኢና። ኣቱም እሱራት ኩሉኹም፡ ማእሰርትኹምን ስቅያትኩምን ንኸንቱ ኣይኮነን። ከምቲ ገድልኹም ፍረ ዘምጼ፡ እዚ ሕጂ ተሕልፍዎ ዘለኹም ስቕያት እውን ብዝበለጽ ንሕዝብኹም ሓርነት ከልብስ እዩ።ኣቲ ስድራ ቤት ጀጋኑ ተጋደልቲ ተቃለስቲን። ሕጂ እውን ስቅያትኪ ንኸንቱ ኣይኮነን። እወ እርድኣኒ እዩ፣ ኣቦታትካን፡ ኣዴታትካን፡ ኣያታትካን ተኣሲሮም ከለው በዓል ነጻነት ከተብዕል ቀሊል ኣይኮነን። ይኹን እምበር እዚ ዝበዓለሉ  ዘሎ ነጻነት ሳላ እቶም ንሓርነት ኢሎም ተኣሲሮም ዘለው ስድራቤትኩም ስለዝመጸ፡ ብዘይገፋሕፋሕ፡ ኣብዕልዎ። ፍሪኦም ስለዝኾነ። ስድራኹም ወሲዱስ ነጻነትኩም ከኣ ክወስድ ኣይተፍቕዱሉ።ንዓመታ ብሓንስእ ኣብ ትሕቲ ሕግን ፍትሕን ነብዕሎ ይግበረና።ዮሃና!ርእይቶ፤ fithi7@gmail.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares