Awate.com

ርክብ ኤርትራን እትዮጵያን

Seyoum Mesfin went to say that it is not uncommon to hear Eritreans ask the question: “what does Ethiopia want” and it is a timely question to also ask, “what do Eritreans want from Ethiopia?” Awate,com’s Gedab news

“ኤርትራዊያን ( ኤርትራ ) ካብ እትዮጵያ ዝደልይዎ እንታይ ኢዩ።”

ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ንሓመድ ዱግሪ የውጽኦ ከምዝብሃል፡ ናይ ኤርትራ ደምበ ተቛወምቲ ምስ ኢትዮጵያውያን ሰብ መዚ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ትቋመታ ዘላስ ገለ እትደልዮ ነገር ዶኾን ይህሉ፧ ንዝብል ሕብእ ሕቶ፡  አቶ ሥዩም መስፉን ብወገኑ አብ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ  ኣብ ሑሉፋት ኤርትራውያን ዘሎ ውሽጣዊ ስክፍታ ንኸለስልስ ኤርትራዊያን’ባደአ  ካብ እትዮጵያ ዝደልይዎ እንታይ ኢዩ፧ ክብል ሕቶ ብሕቶ ዝመለሶ። ብርግጽ ካብ ኣዝማደይ ጀሚርካ ክሳብ ብፖለቲካ ዝዋሰኦም ውሱናት ሰባት ንኢትዮጵያ ብጥርጣረ ዓይኒ ከምዝምልከትዋ እዕዘብ። ካብቶም  ኢትዮጵያ ክትወስዶም እትኽእል ስጉምትታት ሓደ ክልተ፡ ይብሉ ተጠራጠርቲ፡ ባንቡላ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ምትካል፣ ወደብ ዓሰብ ምግባት፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ትእዛዛት ውሽጣዊ ምሕደራን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ብዝምልከት መምርሒ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምፍናው/ምዝርጋሕ ይኸውን። ዝኾነ ኮይኑ፡ ነዚ ዝእለምን ዛጊት ተአሊሙ ዘሎ ሽርሒ ኢትዮጵያ መንቀሊኡ ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ምኻኑ ካብ መንግስታዊ ማዕከናት ክንርዳእ ንኽእል። ብዘይምውልዋል መንግስቲ ህግደፍ ድግድጊት ተዓጢቑ ከም ዝመደረሉ ኣነ ባዕለይ ህያው ምስክር ኢየ። ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ ብዙሓት ለዋሃት ደቂ ሃገር ብዘይ ምፍላጥ ኣብቲ መጻወድያ እዚ ነዳይ መንግስቲ ምእታዎም ጥራይ ኢዩ። ምናልባት’ውን ሓቂ ክኸውንይኽእል፡ያልጠረጠረ ተመነጠረ ይብሉ ኣምሓራ ክምስሉ። ግን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትዕምጻ ውጥን  እንተሃልይዋ  ብአንጻሩ ድኽመት ናይ ኤርትራውያን ብምንጽብራቑ ድአ’ምበር፡ ኢትዮጵያውያን ወይ ተጋሩ ዝፈሓስዎ ውዲት ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግብእ።

ብወዲኒ ኢሳይያስ ዝምራሕ ስርዓት ኣልቦ መንግስቲ ኣብ ምፍርኽኻስ ደረጃ ዝበጽሕሉ ግዜ፡ ደምበ ተቛወምቲ ስሙር ግንባር ፈጢሮም ብንኡስ ፕሮግራም ተሰማሚዖም ክንቀሳቀሱ ዘይምኻአሎም ካብዚ ዝበርሄ መረዳእታ ከቕርብ ኣይክእልን ኢዩ። ንምዃኑ ወግዓዊ ኣባል ደምበ ተቛወምቲ ቑጽሮም ክሳብ ክንደይ ይኸውን፧ አብ ህዝቢ ዘለዎም ተሰማዕነት’ከ ክሳብ ክንደይ ኢዩ፧ ምናልባት’ዶ ክንዲ ኣባላት በርጌሳውያን ኣብ አውሮጳን፡ አመሪካን ከማኡ’ውን ኣውስትራልያ ዝርከቡ’ዶ ይኸውን፧ ኣነ ዝፈልጦ የብለይን። ግዳስ ገሊኦም ቅያዊ ስም ኣለዎም  – ስም ዓደበ ትብል ኣደይ-  ከም ጀብሃ ዓባይ፣ ገሊኦም’ከ ባህሊ ዝልግሶ ካብ ጸቢብ ኣረአእያ ዝነቐለ ወጋኒ ደገፍ ክህልዎም ይኽእል ኢለ ይአምን፡ ንአብነት  በዓል መረባይ፣ ወዲ ዓድና፣ ወዲ ሃይማኖተይ ወዘተ ወዘተ ዝአመሰሉ። እዚ ድጉል (LATENT) ዝኾነ ስምዒት እዋኑ ሓልዩ ተባራዓይ ሓይሊ ንኽኸውን ኣይጽግሞን ኢዩ። ውጻኢቱ ድማ ጣልያን ዝወዓልካያ መዓልቲ ኣየውዕለኒ ይኸውን። የድሕነና።

ዝኾነኮይኑ ነዛ ሓጻር ቴማ ክጽሕፍ ዝደፋፈኣኒ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ናይ ሥዩም መስፉን  ብጭቕታ ተደሪኸ ዕሙቕ ዝበለ ትንተና ንምግባር ድአ’ምበር መን’ዩ ወራሪ መን’ዩ ተወራሪ ወይ ድማ መን’ዩ ባንቡላ መንከ’ዩ ሃናጽ ባንቡላ(ወናኒ ባንቡላ) ንዝብል ሕንቅልሕንቅሊትዪ ንምፍታሕ ኣይኮነን። ድቃስ’ውን ስኢነሉ ኣይፈልጥን። ንዓይ ዘየደቅስ ኩነታት እንተሃለወ ፡ሰላም ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘይምህላዉ፣ ወርቃዊ ግዜ ብኸንቱ ምብኻኑ፣ ንብረት ምዕናዉ፣ ጥምየት  ከም አሞራ ኣብቲ ዞባና ብሕልፊ ድማ ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ምዝንባዩ፣ ህዝቢ ብዑጡቓት ምርዓዱ፣ መንእሰይ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ምምንካሉ ኢዩ። ወረ እቲ ጸበባ ብዙሕ ኢዩ፡ መን ቆጺሩ ክውድኦ፣ አዲኡ ትቑጸሮ። ኣነ ኣብቲ ቀንዲ አርእስተይ ክመለስ።

ኤርትራዊያን’ባደአ  ካብ እትዮጵያ ዝደልይዎ እንታይ ኢዩ፧ ክብል  ኣቶ መስፉን ዝሓተቶ ብኽልተ መንገዲ ክርእዮ ይመርጽ። እቲ ሕቶ ክልተ ገጽ ምህላዉ ንብዙሓትና’ኳ ግሉጽ እንተኾነ ዘርዚርካ ምግላጹ ጠቓሚ’ምበር ጎዳኢ ኣይመስለንን። እቲ ሓደ ማለት እቲ ሽፋን ኮይኑ እቲ ካልአይ ድማ እቲ ቐንዲ ፍረ ነገር  ኮይኑ ይረኽቦ። ልክዕ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ሑቕፋ ጠርኒፋ ‘ኣብ ቅድሜኹም እትርእይዋ ዘሎኾም ፍጥርቲ እንኮ ደርሆ ኢያ’ ብምባል ንይምሰል ዋና ርእሰማላ ዝኾኑ ጨቓዊታ ካብ ሑሱም ዓይኒ ከም እትከላኸል ሕምረት ናይ ስዩም ዘረባ ድማ ክይኮዓትካ ብቐሊሉ ኣይርከብን ኢዩ። መጀመርያ እምብአር ኢትዮጵያስ ካን ካባና እትጽብዮ ነገር የለን ኮይኑ ድዩ ክሳብ ክንድዚ ምሕብሓብ ዘብዝሓትልና ንዝብል ኢትዮጵያ ከአ ብወገና ዋእ ንስኻትኩም’ባድአ ካባና እንታይ  ትደልዩ ዝብል መልሲ ናብ ጭርጭር ዓበደ ጸወታ ዘእቱ ይመስል። ግን ኣይፋሉን ክልቲኡ ሕቶታት ዳሕራዊ ባይታ ዘለዎ ኢዩ።(ንምዃኑ ካብቶም ኢትዮጵያ እትገብሮም ተባሂሉ ዝዝረበሎም ሕብሓባታት ብሓጺሩ፡ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ስደትኛታት ብምዕቛባ፣ ናይ መጻኢት ኤርትራ መራሕቲ ዝኾኑ ባእታታትን ውልቀሰባትን ከይደኸመት ምእንጋዳ፣ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ/ዋ ክጥቀመሉ ፈነወ ራድዮ ይኹን ተለቪዚን ምፍቃዳ፣ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኢትዮጵያ አትዩ ንኽወጽእ ዕሽሽ ምባላ፣ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ወጺአ ንመንግስቲ ኢሳይያስ ምቅላዓ)

ሽፋን

እንታይ አሎ ክንሕግዞ ንኽእል (ሥዩም)። ገንዘብ መንቀሳቀሲ ክንህበኩም፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከነላልየኩም፣ ፍሉይ ምሕዝነት ምስ ሱዳን ንምምስራት ካባኡ ሓሊፉ ድማ ንምፍታው ዘኽእል መንገዲ ክንጸርገልኩም፣ አንስትኹምን ደቅኹምን ካብ ኤርትራ ወጺኦም ወይ ንኽወጹ ደገፍ ከንበርክተልኩም፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ክመሃሩ ክመራውዑ ከነፍቅደልኩም፣ አኼባታት አብ አዲስ አበባ ወይ መቐለ ዋላውን ኣብ ሽመልባ ከተካይዱ ዘድሊ ኣቅርቦት ክንገብረልኩም፣ ዋእ! ምሳና ተሰሊፍኩም ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ኣካይዱ ድአ አይትበሉና እምበር ብምባማኖ ይኹን ካላሽ ሰግእ መጋእ ከይበልና ከነወፍየልኩም፣ ተስፎም ምስ በራኺ ወይ ድማ ዓብዱላሂ ምስ ተስፋእንድርያስ ምእንቲ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ኢዶም ክንጠውየልኩም፣ ዝጠለብክምዎ ነገር ንምግባር ብወገና ድልዋት ኢና።  (ኤርትራ)ኤርትራዊያን’ባደአ  ካብ እትዮጵያ እትደልይዎ እንታይ ኢዩ፧

ፍረ ነገር (ሕምረት)

“What does Ethiopia want” (ረቂቅ ሕቶ ኩልና) ኢትዮጵያ ካባና እትጽበዮ ነገር ንምፍላጥ ምስጢር ኮይኑና ኣሎ ንዝብል ዒምዒምታ፡ ኢትዮጵያውያን ድማ ኣሽካዕላል ብዘይተነፍጎ መልሲ ፡ ዋእ ትም ግዳ ዘይትብል/ሊ እትደልዮ/ይዮ ነገር እንተሎ ንስኻ/ንስኺ ሕተት/ቲ እምበር ኢትዮጵያ ድአ ወደብ ብምስአን ሰደዳ ይኹን ሃልካ ምኣስ ብአሉታዊ መንገዲ ተጸልዩ።  እቲ ጨው እንተኾነ ካብ ብዙሓት ሃገራት ክመጽእ ክኢሉ ኣሎ። ሱዳን ይኹን የመን ድማ ባዕልና አህፊፍና ጨው እነምርተሉ ካብ ገምግም ባሕሮም ብኽራይ መሬት ክሰማምዑ ናትና ድልየት ጥራይ ኢዩ ዝሓትት (ኣብ ዓለም ዝሓሰረ እሞ ድማ ብቐሊሉ ዝዕደን ማዕድን እንተሃለወ ጨው ኢዩ።) ኣብዚ እንርከበሉ ናይ ዓለምለኻዊ ኢኮኖምያዊ ዘመተ ገንዘብ ዘይገዛኦ ንዋት የለን። ፖርት ሱዳን ይኹን ሃርጌሳ፡ ሞምባሳ ይኹን……….. ወደባዊ ኣግልግሎቶም ኣዳዕዲዕካ ብገንዘብ ክትገዛኦ ከም ትኽእል ንምንጻር ኢዩ ኣቶ ሥዩም ‘ንዓንዶ ብዛዕባ ጉዳይካ ተዛረብ፣ ዘበርክቶ ሓገዝ እንተሎ ድማ ከይሓብእካ ንገረኒ’ ዝበለ።  ይትረፍ ወደብ ምንፋግ ወይ ድማ ጨው ብተመጣጠኒ ዋጋ ምስአን እቲ ንዘይ ማዕበላ ሃገራት ዋና ሞቶር  ክኸውን እትጽበዮ ኪኢላን በዓል ሙያን’ውን  ካብ ኢትዮጵያ ምስጓግ (ብዘይሕጋዊ ናተይ ርእይቶ) ናብታ ሃገር ዘስዓቦ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከም ዘይብሉ ኢያ እተስምር።

ናይ ኣቶ ሥዩም መስፉን ሕንቕልሕንቕሊተይ በዚ ዛዚምና፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ከም እንግሊዝን ኣመሪካን፡ ሉክስምበርግን ማልታን፡ ሩማኒይን ቸኮስላቫክያን፡ ጀርመንን ፈረንሳን፡ ጣልያንን በላሩስያን፡ ካናዳን ኣመሪካን ወዘተ ክኸውን ንምነ። ወሸለ ኢትዮጵያ እትሰዶን እተእትዎን ንዋይ ዘይተአደነ ኮይንዋስ ንዓሰብን ባፅዕን ዝወዳደራ ካልእ ወደባት ከምኒ መረሳ ተኽላይን መርሳ ፋጥማ ምህናጽ የብቅዓና። ንዋይ ይኹን ደቂ ሰባት ከይተሾቕረሩ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ሸናዕ ዝብልሉ ክነታት ይፈጠረልና። ኣይመርገም ኣይምረቓ ድአ ከይትኾነና’ምበር፡ ኣነስ እቲ ሓዲሽ ትውልዲ ንፋስና ኣይልከዮ እንዳበልኩ ሓተታይ ክድምድም ምሓረኹ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares