Awate.com

ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ ግን መከራ ይምከሮ

ዝሓለፈ ወርሒ ነሐሰ፣ ኣብቲ ብአዝዩ ዘሓጉስን ዘኹርዕን ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ ክሳተፍ ከይደ ነይረ። ኣብዚ ሓደ ኣዝዩ ዘሐጎሰንን ዝሐበነንን ምስ ብዙሓት ኢርትራውያን ምእካበይን ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ኢዩ። ኣብ ሂወተይ ንመጀመሪያ ጊዜ ምስ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ምርኻበይ ጥራይ ዘይኮነስ ምስአቶም ብሓባር ኮፍ ኢለ ብዛዕባ ናይ ሃገርና ጉዳይ ብጽሞና ምዝታየይ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፣ ብዙሓት ብሃገሮምን ህዝቢ ኤርትራን ድሕነት ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝደኽሙ ሰባት፣ ከም በዓል ኣቶ ሃብተማያም ኣብራሃ፣ መምህር ተስፉ ዘውደ፣ መሓሪ ኣብራሃም ኣካያዲ ቲቪ ዘተ፣ ናይ ድምጽ ኣሰና ኣማኒኤል ኢያሱ፤ ንጥፍቲ ኤርትራዊት ኣራራት ኢዮብን ካለኦትን ገጽ ንገጽ ተራኺበ ምፍላጠይን ምዝራበይ ኢዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣኼባ 330 ንላዕሊ ኣቢሎም ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ክኸውን ከሎ ተወከልቲ ናይ 11 ዝተፋላለያ ውድባት፣ ናይ ዝተፋላለያ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ካብ ዝተፋላለየ መዕቆብ ስደተኛታትን ዝተወከሉን፣ ናይ ማሕበር መንእሰያት ተወከልትን ወዘተ፤ ዝተሳተፍዎ ክኸውን ከሎ፣ ነዚ ክንድ’ዚ ዝአክል ክፋላት ሕብረተሰብና ዝነበሮ ኣኼቤኛታት ብዲሞክራሲያዊን፣ ብግቡእን ስነ ስርዓትን ብዝመልኦ ኣገባብ ነቲ ኣኼባ ዝአልይዎን ዘካይድዎን ዝነበሩ ሰባት ዓቢ ምስጋና ይግበኦም ኢዩ ኢለ ይአምን። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣኼባ ብዓወት ምዝዛሙ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ ዕንክሊል ምባል መድረኽ ሓሊፉ፣ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ምምላስን ምፍልጫል ዝበሃል ነገር ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝኸውን ምግባሩ ኢዩ።

ከምቶም ካለኦት ተሳተፍቲ ዘይኮንኩስ፣ ባዕለይ ናይ ኣሮፕላን ከፊለ ስለዝኸድኩን፣ ኣብ ከተማ ሓደ ሓደ ጉዳያት ዝስራሕ ስለ ዝነበረኒ ኣብ ሆቴል ተኻርየ ኢየ ቀንየ። ከምኡ ብምዃኑ፣ ንጉሆ ንጉሆ  ናብቲ ኣኼባ ዝተገብረሉ ቦታ ይኸይድ፣ ምሸት ድማ ይምለስ ነይረ። ሓደ ንጉሆ ናብቲ ኣኼባ እናከድና ከለና “እቲ ኣለም በቃኝ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ፈሪሱስ ካልእ ሓድሽ ተሰሪሑ ኣሎ ሰሚዐ እሞ እቲ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ’ስ ኣበይ ኢዩ?” ኢለ ሓተትኩ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ድማ “እቲ ሕጂ ዝሓለፍናዮ ብጸጋም ዝነበረ ህንጻታት ኢዩ’ኮ” ምስ በሉኒ፣ ትቕብል ኣቢለ “እሞ እቶም ናይ ደርጊ ኣባላትን ናይ መንግስቱ ጀነራላትን’ከ ኣብኡ ድዮም ዘለው?” ኢለ ሓተትኩዎም። ንሳቶም ድማ “ሁሉም ሞት የተፈረደባቸዉ ሳይቀሩ እዛው ናቸው ያሉ” በሉኒ። ኣነ ‘ብወገነይ ወይ ጉድ “ምከረው ምከረው ኣልመከርም ካለ ደግሞ መከራ ይምከረው የሚባል ለካስ እንዲህ ሲሆን ነው” ምስ በልኩም “ምን ማለትህ ነው?” በሉኒ። ኣነ ድማ እንታይ ማለተይ ምዃኑ ገለጽኩሎም። ካብኡ ዝተላዕለ ኢየ እምበአር ነዚ ጽሑፈይ ኣርእስቲ ዝሃብኩዎ።

እዚ “ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ ድማ መከራ ይምከሮ” ዝብል ኣዘራርባ ኣብ ብዙሕ ናይ ደቂ ሰባት ርክብ ዝዝረበሉ ኢዩ። ንሓደ ሰብ ነቲ ዝገብሮን ዝፍጽሞን ጌጋታት “ይትረፍካ”፣ “ከምዚ ኣይትግበር ጌጋ ኢዩ”፣ “ካብ ከምዚ ምግባር ተቖጠብ ኣይቁጥብን እንተአበልካን ግን ደሓር እቲ ውጺኢቱ ሕማቕ ኢዩ፣ ከሕዝነካ ኢዩ ወዘተ፤” እናተባህለ ይዝረብ ኢዩ።

ኣብዚ ከቕርቦ ደልየ ዘሎኹ ብዛዕባ ብኢደወነኖም ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ደይቦም፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይተአደነ ግፍዕን በደልን ንዝፍጽሙ ነጊርካዮም እምብለይ ኣይሰምዕን አየ፣ ኣብ ልዕለይ ዝበጽሓኒ ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን፣ ከም ዊን ዝበለኒ ክገብር ኢየ ኢሎም ብብደዐ ተላዕጢጦም መሬት ኣይትጽርና ዝብሉ ግዚውያን ሰበ-ስልጣናት ዝምልከት ኢዩ። እዞም ትምክሕተኛታት አዚእቶም ዋላ ክሳብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ስልጣኖም ዝሕደጉላ ተመኺሮም ክሰምዑ ማለት ዘበት ኢዩ።

ነዚ ከምዚ ኩነታት ብዓይነይ ዝረእኹዎን ዝተሞኮርኩዎን ከም ኣብነት ገይረ ክገልጾ ኢየ። እዞም ዘቕርቦም 3 ኣብነታት ብብተራ  ንህዝቢ ኤርትራ ዝገዝእዎ ኢዮም። እቲ ቀዳማይ ኣብነት ናይ ንጉስ ሃይለ ስላሴን ሰብስልጣናቱን፣ እቲ ካልእይ ድማ ናይ  መንግስቱ ሃይለማርያምን ናይ ደርጊ ኣባልቱን ክኸውን ከሎ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ኢሳያስ ኣፈርወቅን፣ እቶም ብደዐን ትምክሕትን ኣስኪሩዎም ንግዜኡ ኣብ ስልጣን ኮረሻ ሓኺሮም ዘለዉ ናይ ሕብረተ ሰብና ርኳናት ዝኾኑ፣ ንኤርትራን ህዝባን ንምዕናው ተዓጥቆም ዘለው ኢሳያስን ሰበስልጣናቱ ኢዩ።

እስኪ ብሃይለሰላሴ ክጅምር። እዚ ሰብ’ዚ ናይ ብሓቂ ስሙ ተፈሪ መኮነን ኢዩ ነይሩ። ዝገበረ ገይሩ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ግን ስሙ ቀይሩ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ናይ ሽመቱ መጸውዒኡ ባዕሉ ብዝፈጥሮ ግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ፣ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጽያ፣ ሞኣ ኣንበሰ ዝእምነገደ ይሁዳ፣ ስዩመ እግዚአቢሄር።

His Majesty, King of Kings, Elect of God, The Conquering Lion of Judah, Emperor Haile Selassie 1st

ዝብል መጸውዒ ንነብሱ ኣጠሚቑ ብእግዚአቢሄር ዝተመርጸን፣ ካብኡ ቁሩብ ትሕት ከም ዝበለ እምበር ካብ ሰብ’ሲ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ኢዩ ዝኣምንን ከእምን ዝፍትንን ነይሩ። ህዝቢ ኢትዮጽያ በቲ ሽመቱ ንኽጽዉዕዎ ኣዝዩ ስለ ዝነወሖም “ግርማዊ ጃኖሆይ” ኢሎም ኢዮም ዝጽዉዕዎ ነይሮም። እዚ ንእግዚአቢሄር ምንአሱ ኢየ በሃላይ ተፈሪ መኮነን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ናይ ተዋህዶ ጾም ኣርበዓ ዝነበረ 15 መዓልቲ ናይ ንጉስ ጾም ተባሂሉ ከምዝውሰኸሉ ማለት እቲ 40 ጾም ናብ 55 መዓልቲ ጾም ሓፍ ከምዝብል ዝገበረ ሰብ ኢዩ። ብተወሳኺ፣ ኢትዮጵያውያን ብስሙ “ጃኖሆይ ይሙቱ” ኢሎም ከምዝምሕሉ ገይሩ። ክምርቕዎ ከለዉ ተጋግዮም “ግርማዊነታቸው ሽሕ ዓመት ይኑሩ” እንተ ኢሉም እሞ ፖሊስያ እንተ ሰሚዕዎም ይህረሙ ነይሮም። ምኽንያቱ እቶም ዝሰምዑ ፖሊስያታት “ኣንተ ባሌጌ ማን ሆነህ እና ነው የግርማዊነታቸው ዕድሜ አንድ ሽሕ ዓመት ብቻ የምትወስን። ለወደፊቱ “ግርማዊነታቸው ለዘለአለም ይኑሩ ማለት ነው ያለብህ” ይብሉ ነይሮም።

ከምዚ ዝገለጽኩዎ ዓይነት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ውሽጢ ሓፋሽ ብሰፊሑ የሳራጨዉዎ እንተነበሩ፣ እዚ ኩሉ ሕሶትን ቅጥፈትን ምንባሩ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝነበርና ተመሃሮ ነቃልዖ ኔርና። ብፍላይ’ኳ ከም በዓል ኣነ፣ መራሕቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ማሕበር ዝነበርና፣ እቲ ስርዓት ቆንቒኑን ብዉሽጡ መሽሚሹ ምንባሩ ኣብ ርእሲ ምርዳእና፣ ቁሩብ ድፍእ ዘብሎ ሓይሊ እንተረኺቡ ቀልጢፉ ዓጠምጠም ኢሉ ከምዝወድቕ ስለዝተረዳእና ብዝከአል መጠን ህዝባዊ ምልዓዕልን ጎስጓስን ነካይድ ኔርና። ብወገንና እዚ ስርዓት ቀልጢፉ ዋላ በብቁሩብ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከም ዝመሓላለፍ እንተዘይገይሩ ዕድሜኡ ሓጻር ምዃና ክንነግሮም እንተፈተና፣ ንሳቶም ግን ነቲ ዘረባና ከም ሃጠው ቀጠው ቆጺሮም ኣብ ግምት’ውን ኣየእተዉዎን ነይሮም። ምኽንያቱ ሓንሳብ ብስልጣን ስለ ዝሰኸሩን ዝዓወሩን እቲ ስልጣኖም ፈጺሙ ዘይትንከፍን ንዘለአለም ዝነብርን ኮይኑ ይስመዖም ነይሩ።

ሓንቲ ዘጋጠመትኒ ነገር ክነግረኩም። 1969 ዓ.ም.  ነቲ ናይ ተመሃሮ ማሕበር ፕረሲደንት ኢልና ዝመረጽናዮ፣ ጥላሁን ግዛው ዝተበሃለ ሓዋ ንሳራ ግዛው ሰበይቲ ልዑል መኮነን ዝነበረት፣ ኢዩ ነይሩ። ንሱ፣ ሓብተይ ምስ እዞም ዝተረግሙ ቤተሰብ እንዳ ሃይለ ስላሴ ምምርዓዋ ኣዝየ እየ ዝሓዝን ኣብ ርእሲ ምባሉ፣ እቲ ስርዓት ክቕየር ከም ዘለዎ ኣትሪሩ ኣብቲ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ይዛረብ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሓደ ምሸት ሰዓት 8 ኣብ መንገዲ ጠጠው ኢሉ ከሎ ብመኪና መጺኦም ጥይት ተኲሶም ቀተልዎ።

ብድሕሪኡ ኣነ ምስ ካልኦት ኮይና ምንቅስቓስና ቀጺልና። ድሕሪ 3 ወርሒ ኣነ ምስ ራባዓይ ርእሰይ ተኣሲርና ናብ ቤት ፍርዲ ቀረብና።  ኣብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ክርክር ዝካየደሉ እዋን እቲ ቤት ፍርዲ ዕጹው ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ናይ ፍርዲ ዝወሃበላ መዓልቲ ግን ክፉት ኮይኑ እቶም ሽዑ መዓልቲ ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ኮፍ ኢሎም ረአናዮም። ማእከላይ ዳኛ ክስናን ገበናን እናንበበ “እነዚህ የጭቃ ኣመኬላዎች (እሾኽ ጭቃ) ግርማዊነታችቸው በነጻ እያበሉና እያስተማሩአቸው እነሱ ግን ተማሪዎች እና ህዝቡን በውሸት እያወናበዱ ትምህርት እንዲቋረጥ፣ ሰላም እንዲታጣ የሚያደርጉ ኣታላዮች ወዘተ፤ ስለሆኑ ለ 3 ዓመት ከ3 ወር እንዲታሰሩ ፈርደንባቸዋል” ይብል። እቲ ፍርዲ ምስ ተነበበ ክንወጽእ ምስጀመርና፣ ሓደ ካባና መለስ ተኽለ ዝተበሃለ ወዲ ዓድዋ (ደሓር ግን ብደርጊ ምስ ተቀተለ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንዕኡ መዘከርታ ኢሉ ስሙ ካብ ለገሰ ዜናዊ ናብ መለስ ዜናዊ ዝብል ዝቀየሮ)፣ “እናንተ ሶስት ጉልቻዎች በኛ ላይ 3 ዓመት ከ 3 ወር ስትፈርዱብን እኛ ደግሞ በናንተ ላይ ዕድሜ ልክ እንድትታሰሩ ፈርደንባቸዋል” በሎም። ሽዑ እቶም ደያኑ “መልሳቸው መልሳቸው” ምስ በሉ እቶም ዋርድያታት ድማ ኣብ ኢድና ካቴና ኣእትዮም ደምና ከምዘይተሓላለፍ ገይሮም ኣሲሮም መለሱና። ማእከላይ ዳኛ “እናንተ ጥጋበኞች ፍርዳችሁ ወደ 5 ዓመት ከፍ ኣድርገነዋል” ምስ በለ ኣነ ድማ ካብኡ ኣይሕለፍ ኢለ ትቕብል ኣቢለ “ለምን ወደ 50 ዓመት ከፍ ኣታደርገውም፣ ይህ መንግስት እንኳን 5 ዓመት 3 ዓመትም ኣይቆይም” ምስ በልኩ፤ መለስ ተኽለ እንደገና ተቐቢሉ “እኛ እንኳን 5 ዓመት ቀርቶ ኣንድ ዓመትም ኣንታሰርም” ምስ በለ፣ ደያኑ ብወገኖም “ግድ የለም እዛው ዓለም በቃኝ ትንሽ ጊዜ ከቆያችሁ በኃላ ማልቀስ ትጀምራላችሁ። ዘበኛ ኣውጣቸው” ኢሎም ምስ ኣዘዙ ከም ከብቲ እናኮብኮቡ ንዓለም በቃይኝ ቤት ማእሰርትና ኣውረዱና።

ንሕና ብጻዕሪ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ድሕሪ 8 ወርሒ ምሕረት ተገይሉና ተፈቲሕና። ካብኡ ድሕሪ 2 ዓመትን ፈረቓን ድማ እቲ ካብ ሓጺን ዝተርር ንዘለአለም ዝነብር ዝመስል ዝነበረ መንግስቲ ሃይለ ስላሴ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ከምታ ንብላ ዝነበርና ከም ብቓንጫ ዝተሰርሐ ገዛ ዓጠምጠም ኢሉ ደአ ዓነወ። ሃይለ ስላሴ፣ እዚ ምንኣሱ ንእግዚአቢሀር ኢየ ዝብል ዝነበረ ሰብ፣ ወተሃደራት ደርግ ጋሕግሕ ምድሪ ንቤተመንግስቱ ከይዶም፣ ካብታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣተሲኦም፣ ክዳንካ ተኸደን ኢሎም፣ ብድሕሪኡ ዓምጺጾም ኣብ ሓንቲ ንእሽቱለይ ቮልክስቫገን ሰኹዖም ደአ ናብ ማእሰርቲ ወሲዶም ዳጎኑዎ። ድሕሪ 10 ወርሒ ማእሰርቲ ድማ ብመተርአስ ዓፊኖም ቀተልዎ።

ደርጊ ኣብ ስልጣን ምስ ደየቡ ንዑ ስልጣን ንህዝቢ ኣረክቡ ስለዝበልና፣ ንዓይ’ውን ምስ 12 ብጾተይ ንዓለም በቃኝ ኣውረዱና። ድሕሪ 2 ወርሕን ፈረቓን ድማ 61 ናይ ሃይለ ስላሴ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ናብታ ዝነበርኩላ ዓለም በቃኝ ኣምጺኦም ካባና 75 ሜትሮ ርሕቀት ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክርሽንዎም ደአ ኣምሰዩ። ሽዑ ኣነ ብልበይ “ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተ በለ ድማ መከራ ይምከሮ” ኢየ ዝበልኩ። ንዑ ትጋገዩ ኣለኹም ብኽብረትኩም ስልጣን ንሓፋሽ ህዝቢ ሃብዎ ኢልና ክንነግሮም ከሎና ከላእ በዓል እዚ ከአ ቁሩብትለይ ተማሂርና ኢሎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ናይ መንግስቲ ጉዳይ ኣትዮም የጋማድሑ ይብሉና ነይሮም። ኣብ ርእሲ’ውን ይአስሩና ነይሮም። ካብታ ዝበልናያ ግን ኣይሓለፈትን። ኣብአ ደአ ኢዶም ረኸበቶም። እዚ ኩሉ ምባለይ ናይ ሃይል ስላሴ መንግስቲ ምዝራብ ናፊቑኒ ዘይኮነስ ግፍዐኛታትን ዑቡያትን ንሓፋሽ ህዝቢ መከርኡ ዘርእዩ በታ ዝሰፈሩላ መስፈር ብአአ ናይ ግድን ምስፋሮም ዘይተርፎም ምኻኑ ንምግላጽ ኢየ።

መንግስቱ ሃይለማርያምን ሰበ ስልጣናቱን እንተኾነ’ውን ካብቲ ውድቀትን ውርደትን ናይ ሃይለ ስላሴ ኣይተማሃሩን። ብሓይልን ጎነጽን ኣብ ስልጣን ምስ ደየቡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሎናልካ፣ ሒነኻ ክንፈድየልካ ኢና፣ ንብዓትካ ክንጸርገልካ ኢና፣ ንጊዜኡ ግን ኣብ ጎድንና ጥራይ ደው በል እምበር ኢሎም ኣታሊሎምን ኣደናጊሮምን ቦታኦም ምስ ኣጣጥሑ ግን፣ ተመሊሶም ኣብ ርእሲ እቲ ከነድሕነካ ኢና ዝብልዎ ዝነበሩ ለዋህ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደይቦም ድአ ኣብከይዎን ደም ኣንብዕዎን።

ብዛዕባ ደርግን ግፍዕታቱን ትፈልጥዎ ስለ ዝኾንኩም ብዙሕ ምትንታን ኣይድልን ኢዩ። ግን ክልተ ጽቡቕ ገይረ ዝፈጠን ኣብነታት ክነግረኩም። ብደርጊ ተአሲርና ድሕሪ 7 ወርሒ ሳላ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ናይ ዓለም መንግስትታትን ተቓውሞን ምኹናን ስለ ዝበዘሖም ናብ ጦር ፍርዲ ቤት ኣቕሪቦም ፈቲሖም ናብ ስራሕና ከምንምለስ ወሰኑ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣነ ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ሰራሕተኛታት ምስልጣን ሓላፊ ኮይነ ተመደብኩ። ሓደ መዓልቲ ሓለቓይ ንባሌ ጎባ ዝበሃል ከተማ ኬድካ ኣብኡ ስልጠና ዘድልዮም ሰራሕተኛታት ስለ ዘለው ኬድካ ኣስተምህሮ ሃብ በለኒ። ኣነ ተገሪመ እንታዎት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኢዮም እንተ በልኩዎ “ከተለያዩ መስሪያ ቤቶች ናቸው” በለኒ። ኣነ ድማ ብልበይ እንታይ ገደሰኒ ኢለ ኣብ ኣውሮፕላን ተሳፊረ ከድኩ። ኣብኡ በጺሓ ኣበይ ኣለው እዞም ትምህርቲ የድልዮም ዝበሃሉ ሰባት ኢለ ነቲ ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ሓላፊ ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ “እነዚ ትምህርት ያስፈጋቸዋል ያለ ሻምበል ኣሊ ሙሳ የተባለ የደርግ ኣባልና የደቡብ ክፍለ ሃገሮች የደርግ ተንቀሳቃሽ ቡድን መሪ ነው። ኣብዛኛዎቹ ሻምበል ኣሊ ሙሳ ረሽኖዋቸዋል፣ እነዚህ ሳይረሸኑ የቀሩ ናቸው” ይብለኒ። እዚ ሰብ እዚ ብወሪኡ ከመይ ዝበለ ኣረመኔ ምዃኑ ሰሚዕ ነይረ ኢየ።

በል እምበአር መጺእካ ከምዘሎኻን እቲ ዝወሃብ ኣስተምህሮ ድማ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ምዃኑ ከፍልጦም ኢየ ይብልኒ። ሻምበል ኣሊ ሙሳ ኣብታ ኣነ ዘለኹዋ ሆቴል ይሓድር ስለ ዝነበረ፣ ምሸት ኣብቲ ባር ኮፍ ኢለ ከለኹ መጸ። ብወረ እምበር ብገጽ ርእየዮ ስለ ዘይፈልጥ ነቲ ዋናቲ ሆቴል “እዚ ድዩ ሻምበል ኣሊ ሙሳ” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ “እወ ንሱ ኢዩ” በለኒ። ኣነ ናብኡ ከይደ ሰላም ኢለ ኣስተምህሮ ክህብ መጺኤ ከምዘለኹ ገለጽኩሉ። ኮፍ በል ኢሉኒ ኮፍ ምስበልኩ ቢራ ኣዘዘለይ። ቀጺሉ ኣብ ባሌ ጎባ፣ ብዙሓት ኣድሓርሓትን ናይ ኢፒአፒ ኣባላትን ስለ ዘለው፣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እናአረየ ከምዝርሽኖም ብትምኽሕቲ ገለጸለይ። ኣነ ተገሪመ መልሲ’ውን ኣይሃብኩን። ንጽቢሒቱ ንጎሆ ናብቲ ዝተባህለ ቦታ ከድኩ። ኣብኡ 18 ሰባት ጽንሑኒ። እትው ምስ በልኩ ኩሎም ተሲኦም ኢድ ነስኡ። “እንድምን ኣደራችሁ፣ ቁጭ በሉ” በልኩዎም። ናይ ኣስማቶም ዝርዝር ተዋሂቡኒ ስለዝነበረ ስሞም ኣንበብኩሎም። እዞም ሰባት እንተረአኹዎም ብፍርህን ራዕድን ዝተዋሕጡ ኢዮም ነይሮም። ብፍርሒ ዝተላዕለ ነታ ኮፍ ዝብሉላ ሰድያ’ውን ኣብታ ጫፋ ኢዮም ኮፍ ኢሎም። ኣነ ብዙሕ ሓዘንኩሎም። እምበአር ነዚ 3-4 መዓልቲ ዘድሊ ኣስተምህሮ ክህበኩም ኢየ በልኩዎም።

ንጽባሒቱ ግን ነቲ ሰድያ ኣጣጢሖም ኮፍ ክብልዎ ጀመሩ። ምኽንያቱ ኣነ ከም በዓል ሻምበል ኣሊ ሙሳ ከምዘይኮንኩ ክርድኡ ስለዝጀመሩ ኢዩ። ካብቲ ዝነበሮም ራዕድን ሽበራን እንተሓሾም ኢለ፣ ኣብ እዋን ዕርፍቲ ክልተ ካብአቶም ጸዊዕ “እዚህ ከተማ ደህና ምግብ ቤት ኣለ ወይ? ኢለ ምስ ሓተትኩዎም “ኣዎ ጌታየ ኣለ ይዘኖት እንሂድ እንዴ” ምስ በሉኒ ሕራይ በልኩዎም። ሰዓት 7 ኣቢሉ ምስ ኮነ ናብቲ ዘለኹዎ ሆቴል መጺኦም ሕዞምኒ ከዱ። ኣብኡ ኩሎም እቶም ዘስተምህሮም ሰባት ኮፍ ኢሎም ጸንሑኒ። ንኹሎም ሰላም ኢለ ኮፍ በልኩ።  ኣብኡ ምሉእ ምሸት ከነዕልል ኣምሰና።

ቀስ እንዳ በሉ በጃኻ ናብዚ ሰይጣን ዝኾነ ናይ ደርጊ ኣባል ኣሕሊፍካ ከይትህበና ኢዮም ዝብሉ ነይሮም። ኣነ ከምዛ የዕሩኽተይ ገይረ ምስ ረአኹዎም ብታሕጓስ ክፍንጩሑ ምስ ተዓዘብኩ ኣዝየ ተሓጎስኩ። ኣብ ራባዓይ መዓልቲ ናይ ምስክር ወረቐት ኣዳልየ “ኣቶ (እከሌ)…… በኢትዮጵያ ትቅደም የሚያምኑና ጊዜአዊ ወተሃደራዊ ኣስተዳደር ደርግን የሚደግፉና ከልብ ለማገልገል የተዘጋጁ መሆናቸውን ኣረጋግጣለሁ። የተሰጣቸውን ትምህርትም በሚገባ ስለተከታተሉ ይህ የምስከር ወረቀት ተሰጥቶዋቸዋል” ዝብል ወረቐት ምስ ሃብኩዎም፣ ሻምበል ኣሊ ሙሳ ከምዘይርሽኖም ኣረጋጊጾም ሓጎስ ብሓጎስ ኮኑ። እዚ ሻምበል ኣሊ ሙሳ ዝተባህለ ሰብ፣ ኣብ ዝተፋላለያ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ከተማታት እናኸደ፣  ቑጽሮም ብአሸሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሓንሳብ ኢፒአርፒ ሓንሳብ ኣድሓርሓሪ እናበለ ይቕንጽሎም ኢዩ ነይሩ። ክቐትል ከሎ ድማ ብጃምላ እምበር በብሓደ ምቕታልሲ ብዙሕ ኣየሐጉሶን ኢዩ ነይሩ።

ብ1989 ዓ.ም. ሓደ ኢትዮጵያዊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣዝማድ ክበጽሕ መጺኡ ኣብዚ ጥቓ ዝቕመጠሉ  ከተማ ረኸብኩዎ። ድሕሪ ቁሩብ ዕላል “ስማዕ እስኪ እቲ ሻምበል ኣሊ ሙሳ ዝበሃል ሰብ ቀቲሉ ዘይጸግብሲ ኣለዶ ብሂወቱ” በልኩዎ። “እንዴ እሱማ የመንግስቱ ሃይለማርያም ቀኝ እጅ ኣይደለም እንዴ? ኣለ እንጂ” በለኒ። “መቸም ይንዋሕ ይሕጸር ደአ እምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፋረዶ ኢዩ” በልኩዎ። “እሱ’ኮ ደሴ ከተማ እንዴት ያለ ቤት በማርብል እያሰራ ነው” ምስ በለኒ ከት ኢለ ሰሓቕኩ። “ምን ነው ትስቃለህ?” ምስ በለኒ፣ “መን ክቕመጠሉ ደአሉ ብማርብለ ጌሩ ዘስርሖ?” በልኩዎ። “እንዴ እሱና ቤተሰቦቹ” በለኒ። “እዚ ሓደ ዓዋን ክኸውን ኣለዎ። ደቂ ሰባት ስለምንታይ ኢዮም  ካብ ናይ ካልኦት ጌጋ ዘይመሃሩ። ሰብ እናቀተልካ እናአጋፋዕካ ኔርካዶ ብሰላም ትነብር ኢኻ?” ኢለ መለስኩሉ። “በዓል ሻምበል ኣሊ ሙሳን መሰላቶምን መሳርያ ስለዝሓዙ መሬት ኣይትጽርና ዝብሉዋ ዘለዉ ድሓር ግን መሬት ክትጸቦም ኢያ” በልኩዎ። ከምታ ዝበልኩዋ ድሕሪ 2 ዓመት ማለት ብ1991 ዓ.ም. ኢህአደግ ብደብረዘይትን፣ ብደብረብርሃን፣ ብወገን ኣምቦን፡ ብወገን ፍቸ ብአርባዕተ መአዝን ንኣዲስ ኣበባ ገጾም ቅልቅል ምስ በሉ ብሽጉጡ ገይሩ ነብሱ ቀተለ።

ካልአይ ኣብነት ድማ ሓደ ሻምበል መላኩ ተፈራ ዝተባህለ ኢዩ። እዚ ሰብዚ ምሳይ ካብ 9ይ ክፍሊ ክሳብ 11ይ ክፍሊ ኣብ ጎንደር ተማሂሩ ድሓር ንሐረር ሚሊታሪ ኣካዳሚ ኣትዩ። ደሓር ኣባል ናይ ደርጊ ኮይኑ ተመሪጹ። ብዙሕ ከይጸነሐ መንግስቱ ናይ ቤጌምድርና ሰሜን ክፍለ ሃገር ኣመሓዳሪ ገይሩ ሸሞ። ንጎንደር መጺኡ ነቲ ህዝቢ ኣበሳበሶ። ዓይኒብለይ ስኒብለይ ኢሉ ሰብ ምእሳርን ምቕታልን ስረሓይ ኢሉ ሓዞ። ህዝቢ ቤገምድርና ስሜን መእተውን መውጽእን ክሳብ ዝስእን ገበሮ። እቶም ህዝቢ ምስ መረሮም ከምዚ ኢሎም ደረፍሉ።

“መላኩ ተፈራ የእግዚአቢሄር ታናሽ ወንድም የዛሬ ማርልኝ ከንግዲህ ኣልወልድም”

ብሓጺሩ ነዚ ናይ ሎሚ ውላደይ መሓረለይ እምበር ካብ ሕጂስ ኣይወልድን ኢየ እዮም ኢሎሞ። ሻምበል መላኩ መሳሪያ ስለዓጠቐን ስልጣን ብሓይሊ ስለ ዝሓዘን መሬት ኣይትጽርኒ በለ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዝረአያ ጽብቕቲ ሰበይቲ ኣምጽኡለይ እናበለ ነቶም ሰቡኡተን ድማ ይአስር ነይሩ። ኣነኳ ዝፈልጣ ሓንቲ ኤርትራዊት ሙሉ በይን ዝተባህለት ኣዝያ ጽብቕቲ ዝነበረት ኤርትራዊት ሰብኣያ ድማ ኤርትራዊ ኣቶ ልኡል ጸጋይ ዝተባህለ ንዓአ ምሕዳግ ከይአኽሎ ንዑኡ ድማ 2 ዓመት ኣሲርዎ። መንግስቲ ደርጊ ምስ ወደቐ ዝገበረ ገይሩ ሃዲሙ ጅቡቲ ኣተወ። ወያኔ ተኻታቲሎም ረኺቦም ዓፊኖም ንኣዲሳ አበባ ኣምጽእዎ።

ናይ ደርጊ ኣባላት ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ እቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተዋሃቦ ሻምበል መላኩ ተፈራ ኢዩ ነይሩ። እነሀልኩም ስልጣን ሒዙ ከሎ ን17 ዓመት ድላዩ ገይሩ፣ ብድሕሪኡ ድማ 20 ዓመት ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞት ተፈሪድዎ ኮፍ ኢሉ ሞቱ ይጽበ ኣሎ።

ሕጅ’ውን ብዛዕባ ናይ ደርጊ ዝፈጸሞ ግፍዒ ምግላጽ ኣድልይኒ ኣይኮነን። እንታይ ደአ፣ ኩሎም ብሓይሊ ናብ ስልጣን ደይቦም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ግፍዒ ዝፍጽሙ ኩሎም ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ስልጣኖም ከምዝወድቁን ካብ ተሓታትነት ድማ ከምዘየምሉጡን ንምግላጽ ኢዩ። በዓል ሻምበል ኣሊ ሙሳን ሻምበል መላኩ ተፈራን ከምአቶም ዝአመሰሉን ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ግፍዒ ዝፈጸሙ ኩሎም ክሳብ’ታ ናይ ውድቀቶምን ውርደቶምን መዓልቲ ትአክል ፈጺሞም ተመኺሮም ኣይሰምዑን ኢዮም ነይሮም። ምስ ተተሓዙ ግን ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ ድማ መከራ መኺርዎ ኣሎ ኢልካ ጥራይ ሱቕ ምባል ኢዩ።

ሓንቲ ነገር ኣብዚአ ከካፍለኩም ዝደሊ ነገር ኣላትኒ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐነኹሉ ግዜ ሓንቲ ኣብ ጎንደር መማህርተይ ዝነበረት ነርስ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፖሊስ ሆስፒታል ኢያ ትሰርሕ። ሓደ መዓልቲ እናዕለልና ከለና ብዛዕባ ተአሲሮም ዘሎዉ ናይ ደርጊ ኣባላት ናይ ሆስፒታል ሕክምና “ዘድልዮም እንተኮይኑ ንፖሊስ ሆስፒታል ከይዶም ኢዮም ዝሕከሙ” በለትኒ። እቶም ሞት ዝተፈርዶም ናይ ደርጊ ኣባላት ዝነበሩ ናብቲ ሆስፒታል ምስ መጹ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ኢዮም ዝነብሩ። ምስ ሰብ ኣይራኸቡን ኢዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ስለ ዝጽምዎም ኢላትኒ “እባካችሁ ተሎ ብላችሁ ወደ ወህኒ ቤት መልሱኝ። ይህ ሆስፒታል የእውነት እስር ቤት ነው። እዛ እስር ቤት ግን ጋዜጣ እናንባለን፣ ሬድዮ እናዳምጣለን፣ ክሌሎች እስረኞች ጋር ስናወራ እንውላለን። ከዘመድ ጋር እሁድ እሁድ እንገናኛለን ኢዮም ዝብሉና ምስ በለትኒ፤ ወይ ጉድ ኣብ ኤርትራ ሓንሳብ ሒዞሙኻ ምስ ከዱ ኣበይ ከምዝአተኻ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ብተወሳኺ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝበሃል የለን። ቤት ፍርዲ ኣይትቐርብን ኢኻ፣ ሙማትካን ምህላውካን ዝፈልጥ ሰብ የለን ኢለ ብጣዕሚ ኢየ ሓዚነ።

ሃይለ ስላሴን ሰበ-ስልጣናቱን ከምኡ’ውን መንግስቱ ሃይለማርያምን ናይ ደርጊ ኣባላቱን ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ምፍጻምን ዘይናቶም ሃብቲ ምኽዕባትን ኣብ መወዳእታ ግን ሓሳርን ውርደትን ተሸኪሞም ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ናብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ድማ ተደርብዮም። እቲ ዝኻዕበትዎ ሃብቲ ድማ ኩሉ ተሓዲጎምሲ ቤተሰቦም ናብ ለመንቲ ተቐይሮም።

እስኪ ናይ ኢሳያስን ጀነራላቱን ሚንስተራቱን ከአ ንርአ። እዞም ሰባት እዚአቶም ብሓይሎም ናብ ስልጣን ደይቦም ንሕዝቢ ኤርትራ ሪኢዎን ተሞኩሪዎን ዘይፈልጥ ዘይተአደነ ግፍዒ ይፍጽሙሉ ኣለዉ። ብዛዕባ ዝፍጽምዎ ዘለው በደል ይትረፍ ህዝቢ ኤርትራስ ዓለም ብዓለሙ ፈሊጥዎ ኣሎ። ስለዝኾነ ኣብዚ ክዝርዝሮ ኣየድልየንን ኢዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ጥዑይ ሓንጎል ዘለዎ፣ እዝኑ ዝሰምዕ፣ የዒንቱ ዝርኢ እንተኾይኑ፣ እቲ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ መዓልቲ መዓልቲ ዘውርዶ ዘሎ በደልን ግፍዕን ኣጸቢቑ ክፈልጦ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ግን ሰበስልጣናት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን እቲ ናይ ማፍያ ካቦኦምን ፈጺሞም ካብ ታሪኽ ክመሃሩ ዘይምኽአሎም ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ሃይለ ስላሴ ምንአስ እግዚአቢሄር ይብል ከምዘይነበረ፣ ብመተርአስ ተዓፊኑ ተቐቲሉ ጀነራላቱን ሚኒስተራቱን ድማ ብጥይት ተረሽኖም፣ ዘሪፎም ዘጥረይዎ ሃብቲ ተወሪሶም። ናይ መንግስቱ ድማ ተመሳሳሊ ዕድል ገጢምዎም። ናይ ኢሳያስን ሰዓብቱን ድማ ካብቲ ናቶም ዝኸፈኣ ዕድል ከምዘጋጥሞም ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣይጠራጠርን ኢየ። ሕጂ ንዑ ግደፉ እንተበልኩዎም እንታይ ኢሎም ኢዮም ክምልሱ። ልክዕ ከምታ ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ዝብልዋ ዝነበሩ እንታይ ኣፍለጠካ ንገብሮን ንሰርሖን ኣጸቢቕና ስለንፈልጥ ከማኻን ወዲ ከማኻን ትብልዎ ሃጠው ቀጠው ኢዩ ኢዮም ክብሉ ድሓር ግን እታ ምስላ ክትመጽእ ኢያ። ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ መከራ ይምከሮ ጥራይ ምባል ኢዩ።

ኣብቲ ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ስደተኛ ኤርትራዊት ከም ዝነገረትኒ “ሓደ መዓልቲ ምስ ኮረኔል ዝኾነ ሓወቦይ ኮይንና ናይ ኤርትራ ተለቭዥን ንሪኢ ኔርና። እቲ ፕሮግራም ብዛዕባ ስግረ ዶብ ኣቓሪጾም ዝኸዱ መንእሰያት ኢዩ ነይሩ። ገሊኦም ክተሓዙ ከለው የርኢ ነይሩ። ሽዑ እቲ ሓወቦይ እንቋዕ ደአ ሓዝዎም በለ። ኣነ ድማ ዓቕሎም ጸቢብዎም ደአ እንታይ ዘይገበሩ በልኩ። እንታይ ዘይገበሩ ከአ ትብሊ እዞም ከሓድቲ ጠላማት ሓላፍነት ዘይስከሙ ድርባያት በለ። ኣነ ድማ እዚኦምስ ናይ ሃገር ንብረት ድዮም ሰሪቖም ከይዶም?፣ ናይ ሃገር ሚስጢር ድዮም ንጸላኢ ኣሕሊፎም ሂቦም? ጽቡቕ ትምህርቲ ክንህበኩም ተባሂሎም ድዮም ኣብዮም? ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፤ ነታ ሽጉጡ ኣውጽእ ኣቢሉ ኣብዛ ግምባረይ ተኺሉ ትሕለቕሎም ከአ ኣሎኺ? ሕጂ በዛ ሽጉጥ ተኸኽ ከብለኪ ነይሩኒ ግን ኣብ ቤተሰብና ደም ክገድፍ ኣይደልን ኢየ ኢሉ ነታ ሽጉጡ መሊሱ ኣብ ቦታአ ኣእተዋ። ሰበይቱ ከም ዝነገረትኒ ትብል ኣብዚ ሰገነይቲ ገዛ ኣስሪሕና ኣብ ደቀምሓረ ድማ ዓቢ ገዛ ኣስሪሕና ኣሎና ሕጂ ድማ እዞም ሰገን ዝበሃሉ ኣብ ኣስመራ ገዛ ይህቡና ኣለዉ። እዚ ኩሉ ገዛውትስ እንታይ ክኾነና ኢዩ እንተበልኩዎስ ደቅና ይቕመጡሉ ብድሕሬና ድማ ናታቶም ይኸውን ኢሉኒ ኢላ ነጊራትኒ” እናበለት ኣጻወተትኒ በለትኒ።

ካብዛ ኣብነት እዚአ እንታይ ኢና ክንዕዘብ ንኽእል። እዞም ሓንሳብ ብስልጣን ዝሰኸሩ ፈጺሞም ካብ ታሪኽ ኣይመሃሩን ኢዮም። ኣቐዲመ ከም ዝገልጽኩዎ ሃይለ ስላሴ ዓቢ ቤተ መንግስቲ ነይሩዎ። ቑጽሪ ዘይብሉ ርሻናትን ገዛውትን ነይሩዎ። እቶም ሰበስልጣናቱ ከም በዓል ኣስራተ ካሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ እዚ ዘይበሃል ርሻናትን ገዛውትን ኣጥርዮም ነይሮም። ግን ንኽንደይ ዓመታት ኢዩ ንብረቶም ዝኾነ? ክሳብ በዓል መንግስቱ ኣብ ስልጣን ደይቦም ንዓአቶም ብጠያይት ዝዓጽድዎምን ኩሉቲ ንብረቶም ዝህግርዎን ኢዩ ነይሩ። ንደቆም ግን ኣየውረስዎምን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ከም በዓል ሻምበል ኣሊ ሙሳ ድማ ካብ ናይ ሃይለ ስላሴ ከይተማህሩ ኣብ ስልጣን ስለ ዝደየቡ፣ ብማርብል ገይሮም ገዛውቲ ከስርሑ ጀሚሮም ነይሮም፣ ግን ናይ ኩሎም ቪላታትን ርሻናትን ድማ ተወሪሱ፣ ንሳቶም ድማ ነብሱ ዝቐትል ቀቲሉ፣ ዝተታሕዘ ድማ ሞት ተፍፈሪድዎ ናይ ሞቱ መዓልቲ ሎሚ ድያ ጽባሕ እናበለ ይጽበ ኣሎ።

ኢሳያስን ጀነራላቱን ድማ፤ ንጊዜኡ ኣብ ዊን ዝበለኩም ገዛ ብሓይልኹም ይኹን ካብ ህዝቢ ብዝመንዛዕኩምዎ ገንዘብ ጌርኩም ዘስራሕኩምዎ ገዛውቲ ከምኡ’ውን ንመንእሰያት ኤርትራ ናብ ባራይኹም ቀይርኩም ዘስራሕኩምዎ ገዛውቲ፣ ኣሽምባይ ንደቅኹም ከተውርስዎ ይትረፍሲ፣ ንስኻትኩም እውን ከምቲ ናይ በዓል ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ብሂወትኩም ከለኹም ተወሪሱ፣ ነቲ ናይ ብሓቂ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክወሃብ ከሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይንኩም ክትሰምዕዎ ኢኹም። ቁሩብ ምናልባት እንተለቢምኩም ግን ምእንቲ ደቅኹም ክትብሉ ቀልጢፍኩም እታ ስልጣን ናብ ዋናአ ዝኾነ ሓፋሽ ህዝቢ ኣረክቡ፣ ኣይነረክብን እንተኢልኩም ግን “ምኸሮ ምኸሮ ኣይምከርን እንተበለ ግን መከራ ይምከሮ” ኢለ ኢየ ሱቕ ዝብል።

ሓጻር መልእኽቲ ኣብ ወጻኢ ትቕመጡ ዘለኹም ኤርትራውያን።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ብኽያትን ወጽዕን ህዝብኹም ተረዲእኩም ካብዚ እናተሳሕገ ኣይሎሚ ኣይጽባሕ ዝብል ዘሎ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ተፋላሊኹም ምስ ህዝብኹምን ምእንቲ ህዝብኹምን ደው በሉ። በቲ ዉጹዕ ህዝብኹም ክትምስገኑ ኢኹም፣ ታሪኽ ድማ ብጽቡቕ ከልዕለኩም ኢዩ። ብተወሳኺ ደቅኹም ብናይ ወለዶም ፍትሓዊ ኣረእእያን መትከልን ክኾርዕልኩም ኢዮም። እቶም ተሪፍኩም ዘለኹም ዉሑዳት ሰባት ግን “ንሕና ኣብ ክንዲ ምስ ሕዝብና ምስ መንግስትና ኢና” “ህዝቢ ኤርትራ ስቓይካ ክነውሕ ምስ መንግስትና ደው ኢልና ኣሎና። መንእሰያት ኤርትራ ድማ ባራዩ ኮይንኩም ከተገልግሉን ገዛውትና ክትሃንጹን ዝከአለና ሓገዝ ንመንግስትና ከነበርክት ኢና” እትብሉ ግን እዋአኹም። ኤርትራ ኣዝያ ንእሽቶይ ሃገር ስለ ዝኾነት፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነንሕድሕዱ ጽቡቕ ገይሩ ስለዝፋለጥ፣ ንህ.ግ.ደ.ፍ. መንግስትኹም ደጊፍኩም ንገዛእ ርእስኹም ኣብ ፍትሒ ዘለዎ ሃገር እናተቐመጥኩም፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢሳያስ ዘሎና ህዝቢ ግን መሬት ከም ዕንቚ ጸቢባትና ከላ፣ ናቱ መሳርሒ ኮይንኩም ግፍዕና ክቕጽል ስለ ዝገበርኩም ክንፋረደኩም ኢና ኢዩ ዝብለኩም ዘሎ።

ከምትፈልጥዎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸም ዘሎ ግፍዒ እንኳይ ኤርትራውያንስ ዓለም ብዓለማ ትፈልጥ ኢያ። ስለዚ እዞም ሕጂ ናይ ኢሳያስ ሓዊ ተሳውሩ ዘለኹም፣ ድሕሪ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ምውዳቕ፣ እታ ተሳዉሩላ ዘለኹም ሓዊ ተመሊሳ ንዓኻትኩም ከተሕርረኩም ኢያ። ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ከም ኣጋጣሚ ንኤርትራ ገጽኩም ቅልቅል እንተ ኢልኩም ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝጽበየኩም ሕቶ፤ “ንስኻ/ንስኺ ካብቶም ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኖም ንጥፍአትና ዝሰርሑ ዝነበሩ/ዝነበርራ ዲኻ/ዲኺ ወይስ ምስቶም ንዓና ንምድሓን ዝተቓለሱ ኢኻ/ኢኺ?” ተባሂልኩም ክትሕተቱ ከሎኹም፣ ንስኻትኩም ግን ዘዋጻአኩም መሲሉኩም፡ ኣነ’ሞ መን ምስነገረኒ መዓስ ፈሊጠ ነይረ፣ ኣነ’ሞ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ይፍጸም ከምዝነበረ መዓስ በሪሁለይ፣ ኣነ’ሞ ተገዲደ እንደአለ 2% ዝኸፍል ነይረ፣ ኣነ’ሞ እቲ ዝጀመርኩዎ ገዛይ ስለዘይተወደአ እንደአለይ እምበር መዓስ ይፈትዎም ነይረ፣ ኣነ’ሞ እቲ ናይ ቦንድ ገንዘበይ ክሳብ ዝመልሱለይ እንደአለ እምበር ግፍዐኛታት ምዃኖም መዓስ ጠፊኡኒ፣ ኣነ’ሞ ደይ ሓደ ሓደ ሰባት እንደአሎም ኣጋግዮሙኒ እምበር ቀጠፍቲ ምዃኖምሲ ፈሊጠ ነይረ፤ ኣነ’ሞ ደይ ቲቪ ኤረ እንዳአላ ኣጋግያ ህዝቢ ጽቡቕ ይነብር ኣሎ  ኤርትራ ድማ ኣዚያ ሰልጢና ኢያ እንዳበለት ኣታሊላትኒ፣ ኣነ’ሞ፤…ኣነ’ሞ፣…ኣነ’ሞ” ክትብሉ ይረአየኒ ኣሎ። ገሌኹም እሞ ምሕሳው ስለ ዘይሽግረኩም “ኣነ’ሞ እዞም ርጉማት ኣመሪካውያን ንወርሒ ወሲዶም ኣብኡ ደርብዮሙኒ ስለዝኸዱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢዮም ንመሬት መሊሶሙኒ፣ ኣነ ፈጺመ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸ ግፍዒ ኣፍልጦ የብለይን” ክትብሉ ክትፍትኑ ኢኹም። ብተወልደ ሃብተምክኤል :ብሓጺሩ እቲ ከተቕርብዎ ትፍትኑ ምኽንያታት በቲ ብህ.ግ.ደ.ፍ.ን ደገፍቱን ደም ዝነብዕ ዘሎ  ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ካብ ሕጂ ጀሚርና ንነግረኩም ኣሎና። እቶም ልቢ ዘለኩም መዓልቲ ፍርዲ ከይበጸሓት ከላ ኣብ ጎኒ ዉጹዕ ህዝብኹም ደው በሉ። ዓድኹም’ዩ ዓዲ ዝኾነኩም፣ ህዝብኹም’ዩ ህዝቢ ዝኾነኩም፣ ኢሳያስ ግን ጽባሕ ገዲፍኩም ከምዝኸይድ ኣይትጠራጠሩ። ይትረፍ ንዓኻትኩምሲ ነቶም ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ምስኡ ዝተጋደሉን ዝሰርሑን እዃ ዝጠለአሞምን ብዘይንሕስያ በብሓደ የጥፈኦም ከም ዘሎ ጽቡቕ ጌርኩም ትጠልጡ ኢኹም።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares