Awate.com

ማዕቀብ ኤርትራ፡ ተኸሳሲ ባዕሉ ዘምጸኦ ሰበብ A T

ነቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዘሕለፎ  -ፈልዩ ዝቐጽዕ ማዕቀብ- ብዝምልከት ዝስማዕ፡ ክልተ ውዱን ኣገላልጻታት ንግንዘብ። እቲ ሓደ ብወገን እቶም ደገፍትን ተጣበቕትን ናይቲ ስርዓት ዝቐርብ ኰይኑ፡ ብኣበሃህላኦም፡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ “ጽቡቕ ኣርኣያ”፡ ማለት፡ እቲ ዝኽተሎ ኣገባብ፡ ንናይ ርእሰ-ሓያላን ኣገባብ ምውጋድ ቅልውላው ዝነጽግ ብምዃኑ፡ (ብቐደሙ ‘ውን፡ እቲ ቅልውላው ንርእሱ፡ ባዕላቶም ዝፈጠሩዎ ብምዃኑ) ብመንጽሩ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ኣገባብ ከኣ ንኵሎም ሰብ-ጕዳይ ዘዋስእ፡ ቀጥታዊን ብደረጃ ዞባን ዝውሰድ ሜላ ምፍታሕ ግርጭት ብምኽታሉ፡ ነቲ ንሳቶም ዝሰርዑዎ ኣካይዳ ዓለም ስለ ዘናውጽ ኢዩ ክብሉ ይስምዑ። እቲ ካልኣይ ውዱን ኣገላልጻ ድማ፡ በቲ ዝተረፈ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስንዘር ኰይኑ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ነቲ ኣብ ተግባራቱ ነብሰ-ግትኣት ከዘውትር ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ለመና ጸማም እዝኒ ሂቡ፣ ኣብ ሶማልያ፡ ንጥሩፋት ጕጅለታት ንምዕንታር ፈንጣሒ ግደ ይጻወት ብምህላዉን፣ ነቲ ምስ ጅቡቲ ዘዋጥጦ ቦታታት ቅድም ለቒቑ ክወጽእ ንዝቐረበ ብይን ብምጕሳዩን፣ ንኤርትራ ናብ ፍጮ ንግስነት ቀዪሩዋ ይርከብ ይብል።

ስርዓት ኤርትራ፡ ብዓለም-ለኻዊ ማዕቀብ ዝተደረዐ፡ ብሰበብ እቲ ኣብ ሶማልያን ጅቡቲን ዝተጻወቶ ግደ ኢዩ። ነቲ ንሶማልያ ዝጠቅስ ሸነኽ ናይቲ ጕዳይ ብዝምልከት፡ ጕዳይ ሶማልያ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ፡ ኣብ ከውሊ “ኣበይ ኣሎ ‘ቲ መርትዖ?” ዝብል፡ ኣብ ምስምስን ሓውሲ-ምስምስን ተላሒጉ፡ ገና ንኣዕናዊ ግደኡ እንዳኸሓዶ ክነብር’ዩ። ዝተገብረ ይገበር፡ ዋላ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ናብ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ኣጽዋራት ይጓርት ከምዝነበረ ዘመስክር፡ ብቪድዮታትን ናይ ሳተላይት ስእልታትን ዝተሰነየ መርትዖ እንተቕረበ’ውን፡ ደገፍቱ፡ ኰነ ኢልካ ዝተማህዘን ዝተፋሕሰን መርትዖ ክብሉዎ ክነብሩ ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ነቲ ተግባራት ምዝርዛር፡ ውጽኢቱ፡ ሸንኰለል ኰይኑ፣ እዚ ተደጋጋሚ ባህርያት’ዚ ግን ነቲ ዝውቱር ኣመል ናይቲ ስርዓት ኣድሚቑ ይስእሎ፦ ማለት፡ “ኣብ ባይታ ዘሎ ርኡይ ሓቂ” ብናቱ ምህዞ ተኪኡ፡ (ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክገብሮ ዝጸንሔ፡ ገና’ውን ዝቕጽሎ ዘሎ) ተመሊሱ ንነብሱ ካባ ሸምጋሊን ኣተዓራቒን ይኸድን። ጕዳይ ጅቡቲ ግን፡ ዘይከም ናይ ሶማልያ፡ በንጻሩ፡ ትኽ ዝበለን ሓድሽን ኰይኑ፡ ጭብጥታት ንምርካብ ዕቱብ ተገዳስነት ዘለዎ ዝዀነ ሰብ፡ ብዝቐለለ ክርድኦ ዝኽእል ኢዩ።

ጕዳይ ጅቡቲ

ግንቦት 5 2008፡ ልኡኽ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት፡ ሮብለ ኣልሃየ፣ ስርዓት ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገር ጅቡቲ ግሂሱ ክብል፡ ክሱ ናብ ሕቡራት ሃገራት የቕርብ። እቲ ናይ ክሲ ደብዳቤ፡ “እዋን ተረኽቦ ፍጻሜታት” ዝዝርዝር ‘ውን ኰይኑ፡ ካብ 5 የካቲት 2008 ይጅምር። ኣብዚ እዋን’ዚ ሰበ-ስልጣን ጅቡቲ ኣብ ኤርትራዊ ሸነኽ ናይቲ ዶብ ናይ ህንጻ ስራሓት ይግንዘቡ፣ መብርሂ ብዝሓተቱ ድማ፦ “ንዓሰብ ብራሐይታ ኣቢሉ ናብ ኦቦክ ዝበሃል ዘራኽብ መንገዲ” ይስራሕ ምህላዉ ይንገሩ። ራሐይታ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኦቦክ ድማ ኣብ ጅቡቲ ይርከባ።

እቲ ጅቡቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ብ 10 የካቲት “መሳርሕታት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ” ኣብ ራስ ዱሜራ ይበጽሕ። ቀጺሉ፡ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ዞባታትን ወተሃደራውያን መራሕትን ከምኡ ‘ውን ብሚኒስተራት ደረጃን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንታትን ንጥፈታትን ተራእዩ፣ እንተዀነ ግን፡ ጅቡቲ ከም እትብሎ፡ እዚ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዝቐጸለ ርክብ፡ ዝዀነ-ይኹን ፍረ ከርኢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ጅቡቲ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ክትሕብር ወሲና።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ዕለት 10፡ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ራስ ዱሜራ ከባቢ እምባ ጋብላ ብዝተገብረ ብረታዊ ምትህርራም፡ ናይ ባእሲ መልክዕ ይለብስ። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ዕለት 12፡ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ነቲ ኤርትራ ኣብ ራስ ዱሜራን ደሴት ዱሜራን ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣብ ርእሲ ምዅናኑ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ “ኣውራ ግን ኤርትራ” ኣብ ተግባራቶም ፍጹም ነብሰ-ግትኣት ከዘውትሩ፣ ሓይልታት ድማ ናብቲ ቅድሚ ምሕርፋፍ ዝምድና ዝነበረ ኵነተ-ሃለዋት ክስሕቡ” ይጽውዕ። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ዕለት 24፡ 2008፣ ጅቡቲን ኤርትራን ብዝሓተታኦ መሰረት፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ከምዝኣቱ ይግበር። ኣብዚ ክፍለጥ ዝግብኦ ሓበሬታ፦ ኣብ መንጎ  ጅቡቲ፡ እቲ ጕዳይ ብደረጃ ዓለም ክጥመት ዝወሰነትሉ ዕለትን፡ ማለት 5 ግንቦትን፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ኣጀንዳ ሕቡራት ሃገራት ዝኣተወሉ ዕለት፡ 24 ሰነን ዘሎ ጊዜ፣ ስርዓት ኤርትራ ብወገኑ፡ ነቲ ተረኽቦ ከረድእ እኹል ጊዜን ዕድልን ከምዝነበሮ ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ ኣካይዳ ጕዳያት ወጻኢ ናይ’ዚ ስርዓት፡  ኣብቲ ሓደ እንግልዝኛ፡ ኣብቲ ካልኣይ ድማ ትግርኛ ብምዃኑ እቲ መዋስኢ ቋንቋኡ ደኣ ይፈላለ ‘ምበር፡ ኣካይዳኡ ብትሕዝቶ ቅምጥ ዝበለ ቅዳሕ’ቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ውሽጢ ሃገር ከም ምዃኑ መጠን፡ ጸገም ከምዘለዎ ምእማን ዓቐብ ኰይኑዎ ፍጹም ኣቕበጸ። ብኡ መጠን ከኣ ንዝዀነ ይኹን ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ ተሓሰመ። በንጻሩ ነቶም መሃዝቲ ሽግር ኢሉ ዘጠመቖም ነኺሱ ክኸስስ መረጸ። ብፍላይ ድማ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንቀሊት ሽግር ኢሉ ይጥቅና። ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ጅቡቲ ብጠቕላሊ ሚኒስተራን ናይ ወጻኢ ጕዳይ ሚኒስተራን ተወኪላ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ክተረድእን ክትጸሉን ብዕቱብ ክትንቀሳቐስ እንከላ፣ ኤርትራ ግን በቲ ቀዋሚ ኣምባሳደራ ጥራሕ ተወኪላ፡ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ጕዳያት ሕ.ሃ ጨንፈር ኣፍሪቃ፡ ጀዋ ሆንዋና ጥራሕ ብምርኻብ፣ ነቲ ተረኽቦ ድማ፡ ካልእ ዘይኰነስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመሃዘቶ ኢላ ክትሓልፎ መሪጻ። 

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ባይቶ ጸጥታ መደረአን ኣብ ዘስምዓሉ ጊዜ፡ ጅቡቲ ተደናገጽቲ ሃገራት ንምርካብ ብመዓልታት ንዝቝጸር ጊዜ ብጻዕቂ ክትወሳወስ ቀንያ። ኤርትራ ግን፡ ከምቲ “ጸማምስ’ያ ሓደ ደርፉ” ዝበሃል፡ ን12 ዓመታት መመላእታ እትደርፎ ዝነበረት መረረ ሒዛ ቀሪባ። ንሱ ድማ እቲ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ዝብል’ዩ፦ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝራኸባሉ እምባ ሙሳ ዓሊ ዝበሃል ቦታ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ኣርሒቑ ዝውንጨፍ ከበድቲ ኣጽዋራት ኣግዒዛ ክትብል ገሊጻ። እዚ ክሲ እዚ ሓቅነት እንተዝህልዎ ‘ውን፡ ምስቲ ዘዛርብ ዝነበረ ጕዳይ፡ ማለት፡ ምስቲ 52 ማይላት ርሒቑ ዝርከብ ራስ ዱሜራ ዝበሃል ግርጭት ዝተራእየሉ ቦታ ዘራኽብ ኣይነበሮን።

ብድርኺት እዚ ዝተገልጸ ምዕባሌታት፡ ኣብ ሓጺር ተኸታታሊ ጊዜ: ፈረንሳ፡ ኢንዶነዥያ፡ ቡርኪና ፋሶ፡ ሩስያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቬትናም፡ ሊብያ፡ ፓናማ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኢጣልያ፡ ኮስታ ሪካ፡ በልጁም ከምኡ ‘ውን ክሮወሽያ፡ ብውሑዱ ንሓደ፡ ብዝተረፈ ግን ንምሉእ ናይዚ ዝስዕብ መግለጺ ደጊፈን፦

ነቲ ብ12 ሰነ ዝወጸ፡ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ብ”ዝፈጸመቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ” ንኤርትራ ዝዅንን ቃል ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት።

ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሓድነት ኣፍሪቃ ብግደኡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ክልቲአን ሃገራት ነብሰ-ምግታእ ከዘውትራ ዝጽውዕ፡ ድሕር’ቲ ግርጭት ድማ፡ ስዒቡ፡ ኣብ ሻርም ኣል-ሸኽ ድማ ዝጠቐሶ ነቲ: “ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣትሪሩ ይዅንን፣ ቀጺሉ ድማ ኤርትራ ካብቲ ዝጐበጠቶ መሬት ጅቡቲ ክትወጽእ ይሓትት።” ዝብል።

-ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ብወገኑ፡ ነቲ: ብ6 ግንቦት፡ 2006 ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ከጽንዕ ናብ ጅቡቲን ኤርትራን ሓደ ልኡኽ ክሰድድ ዝወሰኖ፡

ፈለማ፡ ስርዓት ኤርትራ ነቲ ጅቡቲ ዝፈተነቶ ጻዕሪ ስለ ዝዀለፎ፡ ነቲ ግርጭት ካብ ክልተኣዊ ዝርርብ ብናህሪ ናብ ዞባዊ ዝርርብ ከምዝድይብ ገይሩዎ። ኣብቲ ዞባዊ ዝርርብ ‘ውን ከምኡ፡ ነቲ ብሓድነት ኣፍሪቃ ይኹን ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ከምኡ’ውን ብከም በዓል የመን ዝመሰሉ ደለይቲ ስኒት ዝተፈተነ ምስዳድ ሓቂ ዘጻርያ ልኡኻት ብስርዓት ኤርትራ ምስ ተዓንቀጻ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናህሪ ንድሕሪት ክመልሶ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት በጺሑ፡ ምእላዩ ተሳእኖ።

ብዙሓት መስደመም ኰይኑ ዝረኽቡዎ ነገር፡ እዚ ኣብ ሓደ መስመር ተነቚቱ ዝቕጽልን ካብኡ መዋፍሮ’ኡ ክቕይር ዝሕርብቶን፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ፍጹም ክመሃር ዘይኽእል ምዃኑን ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ናይ ሓባር ዶብ፡ ምስ ጅቡቲ ምግርጫው፡ እዚ ናይ ሕጂ ተረኽቦ፡ በዅሪ ተርእዮ ኣይኰነን።

ስርዓት ኤርትራ ጸጸኒሑ ዝደግሶ ሕማቕ ባህርያት ኣለዎ፦ ኣብ ግርጭት ክጽመድ እንከሎ፡ ኣብቲ ብዝቐለለ ክፍተሓሉ ዝኽእል ኣፈናዊ መድረኽ፡ ነቲ ግርጭት ምንእኣስ፡ ነቲ ዝግበር ፈተነ ምንዳይ ፍታሕ ድማ ምዕንቃጽ ዝሕመረቱ ብሂል ይኽተል፣ እቲ ጕዳይ ናብ ኣህጉራዊን ዓለም-ለኻዊን መድረኻት ምስ ተሰጋገረ ግን ይግዕር። ነቲ ምስ ጅቡቲ ዘጋጠመ ናይ 1994 በዅሪ ግርጭት ብዝምልከት ይኹን፡ ብ1995 ምስ የመን፡ ከምኡ ‘ውን፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ገና ዝቕጽል ዘሎ ባእሲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራእየ ባህርታቱ ምስ እንምልከት፡ ነቲ ባእሲ ክቀላቐል ከሎ ኰነ ኢሉ ንጐኒ ይገድፎ’ሞ፡ ግድን ኰይኑ ቈላሕታ ኣህጉራውያንን ዓለም-ለኻውያንን ኣካላት ረኺቡ ምስ ተዋዓወዐ፡ ናብቲ ኣቐዲሙ ብክልተኣዊን ብከባቢያዊን ርክብ ከመዝግቦ ዝኽእል ዝነበረ ደምዳሚ ፍታሕ ይምለስ። ዓለም ነዚ ገታር ባህርያት’ዚ ክትፈልጦ ዝኸኣለት፡ ተግባራቱ ንልዑላውነት ካልኦት ሃገራት ‘ውን ደጋጊሙ ብምፍትታኑ ክኸውን እንከሎ፡ ኤርትራውያን ከኣ ጠባያቱ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ስለ ዘእቱን ካብቲ ስልጣን ዝጨበጠሉ፡ 1991፡ ጀሚሩ መነባብሮኦም ብቐጻሊ ኣብ ምንቍልቋል ብምጽንሑን ክስወጦም ግድን ኰይኑ ኣሎ።  

awateteam@awate.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares