Awate.com

ሕሩይ ተ. ባይሩ: ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ሰራዊት

ዲክታቶር ኢሳያስ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ኲናት ናብ ኲናት ካብ ዝድጒሎ እንሆ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፎም፣ ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፉ ምስ ሕቡራት መንግስትታትይፋጠጥ ኣሎ፣ ንውግኣት ክዌትን ዒራቕን ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ርኢና። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት “ግደፍ ! ወይ ተመለስ !” ዝብል ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ንምውሳድ ቅሩብ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፣ ካልእ ግንዛበ ዘድልዮ ነጥቢ ድማ ንጉዳይ ዶብ ኣልዒሎም ክሳዕ ውሳነ ዘብጽሑ  ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ምፍላጥ እዩ፣ እቶም ንጉዳይ ዶብ ኣልዒሎም ብመልክዕ ውሳነ ክጸድቕ ዝደፍኡ ፈረንሳን ኣመሪካን ምዃኖም ክግመት ይከኣል፣

ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብቐዳማይ ደረጃ ነቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ጅቡቲ ጻሕቲርዎ ዘሎ ሓዊ ንምጥፋእ  ጥራይ ዝዓለመ ኣይኰነን፤ እቲ ውሳነ ንሓለዋ ገዘፍቲ ጥቕምታት ሃያላን ሃገራት ዝዓለመ እዩ፣ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ቊጥባዊ ቊልቁሎት ተንሽታትሕ ዘላ ኩዕሶ ዓለም። መተሓላለፊ ፔትሮልን ዓለመለኻዊ ንግድን ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ብነኣሽቱ ከም ኢሳያስ ሸፋቱ ክኽተሩ ኣይፈቕዱን እዮም፣ ርእይቶ ሀገራት ምዕራብ። ቀይሕ ባሕሪ ካብ ህልዊ መለኽቲ ኤርትራን ሱዳንን ክላቐቕ ኣለዎ ዝብል ይመስል፣

መለኽቲ ሰዳምን ኢሳያስን ብመልክዕ ጥራይ ኣይኰኑን ዝመሳሰሉ፤ ብእከይነቶም ከይተረፋ ማናቱ እዮም፣ ከምቲ ሰዳም ክልተ ሳዕ ንሕቡራት መንግስትታት ክሳዕ መወዳእታ ደቒቕ ብምትህልላኽ ንሃገሩ ኣብ ውግእ ዘእተወ፤ ከምኡ እውን ዲክታቶር ኢሳያስ ንሃገርና ኣብ ጸድፊ ኲናት ክደፍእ ይቀራረብ ከም ዘሎ ምስትውዓል የድሊ፣    

እንተኣይ ደኣ ይገበር? ህልዊ ኩነት ሕጋውነትን ሓይልን ይጠልብ፣ ሓይሊ ክንብል ከሎና ግደ ሰራዊት ማለትና እዩ፤ ሕጋውነት ክንብል ከሎና ድማ ብምኒስተር ምክልኻል ዝተማእከለ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ማለትና እዩ፣ ንሕና ከምተቓወምትን ሃገራውያንን ዕልዋ ይገበር ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ስጒምትታት ይወሰዱ ኣይንብልን፣ እዚ ስራሕ ተቓወምቲ ኣይኰነን፤ ስራሕና ንዲክታቶርነት ብደሞክራሲ ምእንቲ ክትካእ ምቅላስ እዩ፣ ኣብ ሓይሊ ዝተመስረተ ሕጋዊ ስጒምቲ ይወሰድ ግን ንብል፣ ዲክታቶር ኢሳያስ ንውሳነ ሕቡራት መንግስትታት ምስ ዝነጽግ ወይ ድማ ጸማም እዝኒ ምስ ዝህብ እንታይ ይገበር? ነዚ ዝስዕብ ስጒምቲ ኣብ ግምት ከተእትዉ ንጥይቕ፦

ምኒስተር ምክልኻል ንላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ሕጋዊ መሰል ኣለዎ፣ በዚ መሰሉ ተጠቒሙ ንላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ብዛዕባ ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት መርገጽ ክወስዱ ክጥይቕ ስልጣኑ ይፈቕደሉ እዩ፣ እቲ መርገጽ ምኽባር ውሳነ ሕቡራት መንግስትታት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፣ ካብኡ መርገጽ ሰራዊት ኤርትራ ብመልክዕ መዘክር ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስትታት ይውሃብ፤ ንዓለመለኻዊ ማሕበረሰብ ድማ ብመልክዕ ኣዋጅ ይግለጽ፣ ካብኡ ንንየው ብዲክታቶር ኤርትራ ዝግበር ምጒብዕባዕ ኣብ እዝኒ ሕቡራት መንግስትታት ኣይስቈርን እዩ፣ ብተወሳኺ ድማ ዲክታቶር ምስ መላእ ሰራዊት ኤርትራ ብግልጺ ምፍታሑ ኣይተርፎን እዩ፣ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ ፈሪሕካ ንሃገር ምርሕራሕ ክሕደተሃገር ከይከውን ምሕሳብ የድሊ፣

ተቛወምቲ ሓይልታ ጸላእቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣይኰኑን፣ ኣብዚ ሃገርና ትርከበሉ ዘላ መድረኽ ሰራዊት ኤርትራ ከይተሰከፈ ካብ ተቓወምቲ ምትሕብባር ክጥይቕ ከም ዝኽእል ምርዳእ የድሊ፣

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !
ደሞክራስያዊ ምርጻ ሕጂ !
ሰላም ምስ ጐረባብትና ሕጂ !

ሕሩይ ተ. ባይሩ

ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

www.strategyadi.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares