ኣወል ወረ ለቲሸ ምስ መሓዙቻ
6
መሓዙቻ ድሕሪ ንግደት ኒው-ዮርክ ዋላ ዋላ ጥዕና ዝበሃል ኣይረኸበትን፡፡ ወዲ-ኣፎም ይመጽእ ኣሎ ምስ በልዎ፡ ልባ ኣብ እንግድዓ ተሓዚላ ከም ሕንጢት እሩሩ ክትብላ’ያ ቐንያ፡፡ ኣብተን ስሕዋት ጸጕሪ ርእሳ ዝስቖራ፡ ጭሕሚ ዑፉን ዝመስላ ዊግ ከተናዲ ዘይኣትወቶ እንዳድኳን ኣይነበረን፡፡ ንቝኖ ዘመላክዕ ወርቃዊ መስተር(ሚዶ)፡ ካብ ቅርቅርቲ ንርእሲ ኣብ ክልተ ከፊሉ፡ ብግንባር ተጠዊ፡ ንኣዛን ኣልሒሱ … more