ዝወዓለስ ፥ ኹሉ ደኣ ይለለ
ኣስታት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ይኸውን ሓደ ዓርከይ ንክልተ ቤተ-ሰብ ናይ ድራር ዕድመ ገበረልና። ድሕሪ ዝተቀረበ ሽሻይ ምምጋብና ናብ መሕለፊ ጊዜ ዝበልናዮ ወግዒ ኣተና። ከም ኣጋጥሚ እቲ ሳልሳይና ኣዚዩ ተዋዛያይ ብምንባሩ ነቲ ምሸት ዳርጋ ንሱ ተቛጻጺርዎ ኔሩ ክብል ይኽእል።
እዚ ሓው እዚ ብዝሓት ቛንቛታት ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ዝነበሮ ስለዝኮነ ካብ ሓደ ዕላል ናብ ብሓደ እናሳገረ ከዋግዕካ ከሎ ኣይምኖን። ዝኾነ ኾይኑ ሎሚ ሓንቲ ካብቲ ናይ ሽዑ ወግዑ ከካፍለኩም።
“ኣቦይ እገለ (ሓጂ) ዝበሃሉ ሰብኣይ፡ ወዲ ዓድና ኢዮም” ይብል። ንሶም ብሃብቲ እዙይ ጎዲሉኒ ዘይብሉ ሰብኣይ ነበሩ። ጥሪቶም ብሓደ ጓሳን ብሓንቲ ጓሎምን ይናበያ ነበራ። ጓሎም ንዓቅሚ ኣዳም ምስ በጽሔት ከኣ፡ ንቡር ኣማሊኦም ኣመርዓውዋ። ኾይኑ ግን፡ ድሕሪ ገለ ጊዜ ምስ ሓዳራ ስለ ዘይተሰማምዔት ተፋቲሓ ናብ ቤታ ተመልሰት። ኣቦይ ሓጂ ደስ ኣይበሎምን።
ድሕሪ ገለ መዓልታት ንጓሎም እገሊት ጓለይ፡ ንዒ’ሞ ናብዚ ክብሉ ጸውዑ። ንሳ ዝገደፈት ገዲፋ ከተፍ በለት። በሊ እገሊት ጓለይ፡ ደጊም ዕረፍቲ ገዛ ይኣክለኪ፡ ገዛ እንተትደልዪ ገዛ ገድፊኪዮ ኣይምመጻእክን፡ ስለዚ ካብ ጽባሕ ንደሓር ናብቲ ንስኺ ኣዚኺ እትኽእልያ ስራሕ ውፈሪ። እዘን ጥሪት ናባኺ ኢየን፡ ሃየ ኣይትሕመቂ ፡ ዛጓለይ። ንሳ ንኣቦኦ ምላሽ ሂባ ስለ ዘይትፈልጥ ከምቀደማ ይሓይሽ እንተኢልካስ ሕራይ በለት፡ ልባ ብሕሩሩ ከኣ ተላዕለት። ነቲ ካልእ ኣማራጺ ዘይነበሮ ስራሕ ናተይ ኢላ ሓዘቶ።
ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ፡ ይባ ባዕሉ ልቢ ኣዕብዩ ሎሚ ክገብሮ ኢዩ ወይ ጽባሕ ክገብሮ ኢዩ እናበለት ትጽበዮ ነገር ነበራ። እንተኾነ ግን ኣቦይ ሓጂ እንተስ ብጉርሒ እንተስ ብሽርሒ ኢደምን እግሮምን ኣጣሚሮም ሱቕ በሉ። ንሳ ንኣቦኣ ደፊራ ክትሕትት ኣይተፈጠረትን። ኣቦኣ ከም ማይን ቑርን ኢያ ትፈርሖም ። እቲ ክትሓቶ ዝደለየት ግን ግዜ ዘይህብ ብምንባሩ ሓደ መዓልቲ ብጎባ-ጎቦ ክትሓትት ፈተነት። በለት ከኣ ይባ! ያይባ ፡-
እዚ ኹሉ ኒን ከሎኻ ( ኒን = ንህቢ )
እምባሕ ከሎኻ
እምቤ’ዕ ከሎኻ
ሜ’እ ከሎኻ
ሓንቲ ጀላቢያ
ንዓይ ንጓልካ
“ሓራም” ኣሎካ
በለት
ኣቦይ ሓጂ፡ ዛጓለይ ኣብ በረኻ እንዳወዓልክስ ጀላቢያ እንታይ ክዓብሰልኪ እዩ ኢለ እንድኣለይ። ጀላብያስ ንዓዲ ውዕል እምበር ንጓል በረኻ እንታይ ይረብሓ ክብሉ መለሱላ። መቸስ ክሳብታ እዋን እቲእ ሕርቃኖም ዝወጸ ኣይመስልን። ምስ ኣቦይ ሓጂ ዘላ ሓቂ ንዓይ ርሕቅቲ ኢያ። ኣነ ምስ ጓል ኣቦይ ሓጂ ኣሎኹ። ፍርዲ ኣቦይ ሓጂ እትድግፉ ከኣ መሰልኩም ኢዩ።
ሕጂ ግን መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ ከይተባሃልኩ ስለ ዘይተርፍ ናብዛ እዋናዊት መቓልሕ ክኣቱ። ሞት ናይዝጊ ክፍሉ ናይዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ቀንዲ መዛረቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። ኣነ ካብቲ ብየማን ይኹን ብጸጋም ዝተባህለ ዝውስኸሉ የብለይን። ሪኢቶ ግን ኣሎኒ።
ክልተ ሚትሮ እትወስድ መቓብር መሬት ተበቂቓቶ። ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመትን ሹዱሽተ ወርሕን ከም ዘይተጋደለ ማለት ብመሰረት ናብ ቃልሲ ዝተጸንበረሉ ክሳብ ድሮ ናጽነት ዘሎ ጊዜ ፥ “ኢሰያስ እዚ ኩሉ ከሎካ፡ ንክልተ ሚትሮ መቃብር ናይዝጊ ክፍሉ ክትበቅቅ ሓራም ኣሎካ” ተብሂሉ ይውረ ኣሎ። ሓቂ እንተኮይኑ ኣስናኖም ዝድርቅሙ’ውን ኣሎዉ። እታ ርህራሄ ኣርእያ ዘይትፈልጥ ልቦም ኣብ ሎሚ በጺሓ ትርግታ ኣብዚሓ ካብ መስከረም ጀሚራ ክሳብ ኣበይ ። መቸስ ኣደይ ምሕረታውን ከምዚ ምስረኸባ ግዲ ኢየን “ትዓዚብናክን” ዝበላ። እንተ ብዛዕባ ናይዝጊ “ሙውት ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ’ዩ” ። ኣነውን “ሞጎተ ምስ ዝመተ” ቃሕ ኣይብለንን። ግን እዚ ተርእዮ’ዚ ሎሚ ብናይዝጊ ክፍሉ ዝጀመረ ድዩ? እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝመቱ ደቂ ኣበይ ድዮም? ኻብቲ ናጽነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጊዜ ጥራሕ ኣብ ዓድን በረኻን እንተስ ብየማኑ እንተስ ብጸጋሙ ኾፍ ኢሎም ዝረኣዩ ዝነበሩ ብጾቱ ምስ መቱ ንመዘከርታ ክኾኖም ድዮም ምስኡ ወይ ብኾፍ ወይ ብዶው ተሳኢሎም ኔሮም? ዶ’ ዋላስ “ንእመት’ኾ ስድሪ ኣላታ” ዝብል ዘመናዊ መዔቀኒ ሞት መጺኡ። እቲ ፍታሕ ክልተ ሚትሮ ንመቃብር መዋቲ ናይዝጊ ክፍሉ ምርካብ ወይ ምስኣን ኣይመስለንን፡ እንታይደኣ መሰል ኩሉ ዝወዓለስ ይለለ ፥ዝሓለፈ ይኹን ዋላስ ዝተረፈ።
ቕድሚ ጽሑፈይ ምድምዳም ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ክምድር ሰሚዔዮ ኔረ። ሓደ እዋን ሰለስተ ዓዲ ኮይኖም ንሃድን ሓንቲ እንስሳ በረኻ ወፊሮም ወዓሉ። እታ ሓንቲ ዓዲ ቑጽራ ዝወሓደ ነበረ። ነታ ዝወፈሩላ እንስሳ ድሕሪ ምቅታሎም ነተን ዓድታት ጀግንነቶም ንምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ ፈኸራ እናጨደሩ ዓዲ ክኣትዉ ቐረቡ፡- ኤሕዚ ኣረገነ ፥ ኹሎም ኣረመነ እሕም፥ ቐተልዋ ግዲ እናበሉ ምስ ፈከሩ ሓደ ወዲ ፋሕ ምስኦም ኣብኣ ዝወዓለ ኣንታ ክንደይ ትሓስሙ እንተላይ ፋሕ በሉ በሎም ፍብሃል። ምኹናን መሰል ብሓደ ክትጅምር ትክእል ትኸውን ብሓደ ግን ኣይትውድእን ኢያ ፥ ምልላይ መሰል ከኣ ከምኣ። ስለዚ ኣብ ሕሰም ይኹን ኣብ ጽቡቅ’ስ ምሕላው መሰል ሓደ ምሕላው መሰል ኹሉ ኢዩ’ሞ እንተላይ ፋሕ በሉ!
መረጸ
Awate Forum
Hi BNB, I will stick to my initial assertion, "If you write they will show up". Ergo your amendment has been rejected or as Daniel will say these days, "ብጻይ በያን፣ዘቅርብካዮ አማማ ቅቡል...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 hours ago
ሰላም በያን
ማ ፊ ሙሽኪላ
ኣነስ ዛዕባ ዲሞክራሲ እንተልዒልና እሞ ኸኣ ናብ ከባቢና ካብ ጠመትና .. ነገሩ በትረይ አሎኒ ዘሕምቖ 'ለኒ ኣይኹን ክብል ንምፍታን ኢኢዩ
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 4 hours ago
Selam M/Brhan,
Many thanks for your comments. Greetings for now, bear with me as well until I come back later today.
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 6 hours ago
Hey now, "If you write others will show up". Amending it to read, if WE write others will show up. Speaking of writing, you do have a way of expression that can only emanate from someone...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 6 hours ago
Hi All Speaking of justice and democracy and rule of law. There is breaking news today in Shabait declaring th 34th anniversary If you do not know what this anniversary is here is a primer It...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 21 hours ago
Hi BNB
Thanks for the selamta. If you write others will show up
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Selam Dr Beyan, keep in mind, generally historians are good writers and good analysts. Hence haw Ismailo is a sample from that discipline of knowledge in our forum here. Historians know how to...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago
Selam Aman, There is no discord of what you and I are stating. I agree people are humans who exist in, and manipulate, natural habitat to ensure survival. Competition for finite material engender...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 1 day ago