Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ምርቃ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ

October 24, 2025
awatestaff
f X

ኣስመራ ንግሆ ክትንገድ ዘለዋ ከተማ ተባሂላ ክትፍለጥ ኣለዋ እንዳ በልኩ፡ ኢደይ ኣብ ጁባይ ኣእትየ ከይሰልቸወኒ ኣብ ዕድል ዝረኸብክለን ንግሆ ሸናዕ ምባል ደስታ እዩ ከሕድረለይ ቐንዩ። ሎሚ ንግሆ ምስ ነዚ ህዱእ፡ ዝሕል ዝበለ፡ ኣብ ናይ 50ታትን ቅድሚኡን ዝተሰርሓ መካይን ድሮ ከም ንቡር ነገር ገይረዮስ ቅሊሕ ከይበልኩ ጽባቕኤን ምስ‘ቲ ናይ ቀደም ህንጻታትን ጽሩይ ጎደናታትን መቀረትን ቀመምን እትውስኸሉ ብጸይቲ ኣላ ኣብ ጎነይ። እግርና ናብ ዝመርሓና ከድና።

ናብ ጎደና ሓርነት ገጽና እንዳ ከድና እንከለና፡ እታ ሒዝናያ ዝነበርና ጎደና ትኽ ኣቢላ ንጨርሒ ከም እትከይድ ምስርኣኽዋ ናብኣ ክንከይድ ወሰንና። እታ ጓል ገዛ ብጸይተይ—ናይ ፍቅሪ ብጸይተይ—ኣብ ኣባሻውል ምስበጻሕና ጽልኣታ ካብ ገጻ ክትክውሎ ኣይከኣለትን። ክትክውሎ ውን ኣይፈተነትን። ሓደ ብዓል ብሽግለታ ኮተቴ ንሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት፡ “ትፎእ!. . .”

Advertisement

ኢሎኣዝዩዘጸይፍጸርፊጸረፎ።ቀልዓለሚድዎግዲኮይኑኣይዓጀቦን።ነታዓቀብክንድይብምስጀመርናደስበለኒ።ዓቀብምድያብክፈቱጉዳምእየ።ጨርሒደየብና።

ብጸጋምና ዘሎ ብርኽ ዝበለ ጉሓፍ መልእዩ ጨናኡ ሃንገፍ በለና፡ ብጸጋምና ዘሎ ኣዝዩ ጽቡቕ ቦታ ውን ወላሓደ ዝተሰርሖ የልቦን። ጽቡቅ ጌርካ ኣጽሪኻ፡ ገሪብካን ናይ ደገ መናፈሲን እንዳ ቡንን ክትገብሮ የወናውነካ። ሓደ ጸሊም ኳዕናን ሰብኣይ፡ “ባንጀርኖ…” ኢሉ ካብ‘ቲ ኮፍ ኢሉሉ ዝነበረ ደንደስ ብድድ በለ። ዝተከደኖ ሱፍ፡ ጽሩይ ጫማን ግርማኡን ርእየ፡ ‘ገለ ሓላፍነት ክህልዎ ኣለዎ‘ ኢለ ገመትኩ። ምስ ተንስአ ምርኩሱ ነተን ከም ሰልፈፍ ሰልፈፍ ዝብላ ዝነበራ ኣእጋሩ ክትሕግዘን ነቲ ኳዕናን መልክዑ ድማ ግርማ ክትውስኸሉ ትርእያ። “እንቛ ድሓን መጻኹም. . .” ኢሉ ፍሽኽ ምስ በለ ጽሩያትን ሱርዓትን ኣስናኑ ክትፈትዎ ይገብረካ። ከም ሓውሲ ትርር ዝበለት ኣፍንጫኡ ጸሊም ገጹን ኩሕላይ ዓይኑን፡ እርጋን ንመልክዑ ከይድውን ለይትን ምዓልትን ዋርድያ ዝወጻ ክመስላ፡ ዝርኣዮ ክፈትዎ ይገብራ። ‘እዛ ሰብኣይሲ ክንደይ ጎራዙ ኣጸሊላ ትኸውን?’ ጸይቂሓሳብመጻኒ።

ኣነ ኣብ‘ዚ ዋርድያ እየ። ብረብዮ ሸውዓተ ዓመት ሰርሂሐ ኣብ‘ዚ፡ ብዘበነ ደርጊ እዩ ተሰሪሑ። ሕጂ ግን ትዓጽዩ፡ ባጀት ይወጻሉ ኣሎ። ዝተሰርሓሉ ዕለት ዝተጻሕፎ ኣብ‘ቲ ጥቃ መደያይቦ ንሸነኽ የማን ኣሎ። ንላዕሊ ምስ ደየብና ብኣርባዕተ ኣስመራ ጀሚሩ፡ ግመ ከዊልዋ ዝነበረ ቤተ–ክርስትያን፡ ከምኡ ኢሉ ንጸጋብ ገጹ (Anticlockwise) እንዳ ዞረ ገለጸልና። ከም ሓውሲ ጣዕሳ ዝመስል ቃና ትረኽበሉ። “ኣብ‘ዚኣ እየ ዘዕርፍ. . .” ኢሉ ሓንቲ ከረጺት ተደርብያትሉ ዝነበረት ኣርኣየና። “እዚ ናይ ማይከ ይሰርሕ ድዩ?” ሓተትክዎ ነቲ ኣብ ጎኒ እቲ ህንጻ ዝነበረ ታንከራት እንዳ ኣመልከትኩ። “እወ እወ. . . እዚ ክችነ እዩ ነይሩ፡ ላባንዲኑ፡ ኩሉ ዓይነት መግቢ እዩ ዝስራሕ ነይሩ እብ‘ዚ። ሕጂ ግን ክዕረ እዩ። ባጀት ወጺእዎ ኣሎ። ጽቡቅ ክኸውን እዩ።” ተስፋ ከስንቀና ድዩስ ንነብሱ ከረጋግእ ዘረባ ደጋገመ።  እንዳ ወረድና እንከለና። “እዚኣ ዋና ጽሓፊ እዩ ኣንቢርዋ፡ ቅድሚ ፕረሲደንት ምዃኑ።” ኢሉ ዘይንጹር ስምዒት ኣንበብኩሉ። ንፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ብውልቂ ዝፈልጦ ኮይኑ ይስምዓካ። ኣይሕጉስ ኣይ ሕዙን ዝሕል ዝበለ ቃና ነበሮ።

ኣብ ትሕቴና ዝነበረ ገዛውትን መዋእለ ህጻናትን እንዳ ኣርኣየ፡ ትምህርቲ ከምዝፈቱ ነገረና። “ተመርዒኹም ዲኹም?” ሃንደበት ሓተተና። “እወ ቕድሚ ዓመት ኢና ተመርዒና።” ምስ መለስናሉ። ኣዒንቱ ብሓጎስ ሳዕሳዓ። ኣዝዩ ብሩህ ፍሽኽታ ንገጹ መሊሱ ኮልዖ። “ፕራቮ! ቤላሲማ ዶና!” ዓይኑ ጸቀጠለይ።ኢዱ ዘርኪሑ ኣገናዕ በለኒ። ፍሽኽታኡ ንደቓይቕ ከደ። “ሕጂ ኣበይ ትነብሩ?” ኢሉ ሓተተና። “ንሳ መምህር እያ ኣብ‘ዚ ኣስመራ. . .” ምስበልክዎ።መሊሱሓጉሱብገጹበሲዑወጸ።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

ክንፋነዎ ምስበልና፡ “በሉ ናይ ሻሂ ገለ ወስ በሉና።” ኢሉ ከም ሓውሲ ስክፍታ ዘለዎ ቓና። ድሮ ሓሲበዮ ስለዝነበርኩ። “እወ እወ፡ ሓሲብናዮ ጸኒሕና ኢና. . . ።” ኢዱ ከም ንሰላምታ ጨበጥክዎ። ” ኢዱ ዘርጊሑ፡ “ሓሳብ ልብኹም የስምረልኩም፡ ዝረገጽኩሞ ለምለም ዝተዛረብኩሞ ድማ ቀለም ይግበረለኩም፡ ኣብ ቃል ኪዳንኩም ብለዩ፡ ፍሬኹም ዓዲ ይምልኡ. . . ።” ናይ ልቢ ንጹህ ምርቃ። “ኣሜን. . . ኣሜን. . .” ኢድነሳእና።ክንከይድከሎናከምንውሉዱዘፋኑወላዲቀውኢሉጠመተና።ኢድናኣዋዛወዝናሉ።

በታ ዝመጻናላ ትኽ ኢልና ወሪድና፡ ናብ ዕዳጋ ከድና። ፍረታትን ኣሕምልትን ክንዕድግ ተኣለና። ኩሎም ንዓይ ንዓይ እዮም ዝብሉኻ። ሓደ ማዕጓር፡ ሕጽር ዝበለ፡ ኣዝዮ ምዕሩግ ሰብኣይ ኣብ ጎንና ኣሕምልቲ ይዕድግ ኣሎ። እቲ ሰብኣይ፡ ሃብትን ትምህርትን ዝጸገበ እዩ ዝመስል። ከይተዛርብካዮ እንድዒ እቲ ቅሞንኡ ከምኡ እዩ ዝነግረካ። ትሑት ኮይኑ ውን ይስምዓካ። ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ኮሚደረ መሊኣ ዝነበረት መትሓዚ ክትምዘን ናብ‘ቲ ሸቃጣይ ተመጣጠረ። ብዙሕ ዘቅልበሉ ግን ኣይረኸበን። ፍቅረይ ውን ውራይ ምዕዳግን ናይ ዋጋ ዕዳጋ ምቅጥቃጥን ትገብር ስለዝነበረት፡ ዘዘው እየ ዝብል ነይረ። ነቲ ሰብኣይ ተቀቢለ። “ነዚኣ ምዘነሎም. . .” በልክዎ ነቲ ሸቃጣይ። “ብሩኽ ኩን ዝወደይ፡ ሓሳብ ልብኻ የስምረልካ፡ ፍልጠትካ ገፊሕ፡ ልቦናኻ ሰፊሕ ይግበርካ. . . ።” ኢሉ ዘይ ሓሰብክዎ ምርቓ ከምጠስሚ ኣብ ርእሰይ ክዓወለይ። “ኣሜን ባባ!. . . ” መለስክሉ።ወዲኡክኸይድእንከሎዝተረፎሰናይምንዮትንምርቓንኣራጊፍላናከደ።

‘ነዚ ስደት ዝብልዎስ ነዚ ምርቓ ክትብል ከማን ምተቛረጸ። እንታይ ዝዓብስ ዓበይቲ ዘይብሉ ዓለም።‘ ኢለ እንዳ ኣስተንተንኩ። “ሎሚ ድኣ ናይ ምርቓ ምዓልቲ እያ!” ኢለ ንፍቕረይ ደኣልኩላ። ኣብ ፊት ሳንታ ኣና (ሕጂ ሰማእታት) ምስ በጻሕና። በለስ ክንበልዕ ተኣለና። ሓደ ርእስን ዝበለ ትኩር ቆልዓ በለስ ይሸይጥ ኣሎ። ሓንቲ ዕብይ ዝበለት ሰበይቲ ሃንደበት፡ ኣብ ጎንና ኣብ‘ቲ ደንደስ ማንቻፔደ ረፈጥ በለት። “ኣየይይ እርጋን ኣርኪባ። ኣንታ እዚ ቀደምሲ ጎይና ኣይንደክም፡ ሰርሒና ኣይንደክም. . . ኣየወ ዘሊልናዮ! ዓለም ጎደሎ. . . ” እንዳ በለት ከተቕሮምርም እንከላ። ነቲ ቆልዓ በለስ ክህባ ኣመልከትናሉ። “እዋይ ደቀይ ኣንታ እንታይ ገደሰኩም። ደይ ኣብዚኣ ብርከይ ዕጽፍ ከብል ኢለ እየ። በሉ ዘውጻኹሞ ይምልኣልኩም። እንጀራኹም የዕብየልኩ። ኣየ እወ እዚ ኢልትርያዊ። ኣብዝኸዶ ለዋህ! ኣበይ እሞ ጸላእቲ በዚሖምና። ዕረፍቲ ዘይብሉ ኮይኑ፡ ወይለ ኣዴኹም። ዓይኒ ኣባይኩም ይደፈን።” ካብ ክትበልዕን ክትሰምዕን ክትዛረብ እዩ ዝብርሃ። “እዚስ እቶም ጥልያን ድዮም ሰሪሖሞ?” ሓተተት። ስለ ዘይፈለጥክዎ። “ንሶም እዮም ዝኾኑ። እቲ ግን ኤምባሲ ናይ ኣመሪካ እዩ።” በልክዋ። “መን ዝሃባ ኣማሪካ። እዛ ግናይ! እቶም ኢቶፓ ክኣ ናቶም እንድዮም።” ናብ ፖሎቲካዎ ተንታኔኣ ኣተወት። “እወ እዚ ኩሉ ጥልያን እዮም ሰሪሖሞ።” በለ እቲ ትኩር በለስ ዝሸይጥ ዝነበረ ቆልዓ። “እወ ንሶም እዮም።” ኢላ ንጥልያን ትፈትዎም ድያ ትጸልኦም ከየተንብሀት። መሊሳ ናብ ዘለፋ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣተወት። ‘እዛ ሰበይትስ ኤረቲቪ እያ ግዲ ውሒጣ።‘ ሓሰብኩ።ናይኤርትራውያንዓቅሚ፡ቅንዕና፡መንፍዓት፡ለውሃትንካልእንኣጋኒናእንዳነገረትግንኣየሰልቸወትንን።

Advertisement

በለስብክንደይሓይሊሰለስተበጽሐት።ሕሳብከፊልናምስወዳእናሰናይተመኒናክንፋነዋእንከለን።ብምርቓንሰናይምንዮትንክሳብሰማእታትሓሊፍናናብናይኣውልያይመንደሪበጻሕና።እዚምርቓታትንጥበብንዓበይቲኮንቱዝጠፍእካብዘሎቀርሲታትናይኤርትራእዩኢለደምዲመኣለኹ።

Advertisement
Power, Image, and Machiavellian Survival: Emperor Haile Selassie and President Isaias Afwerki
Conditions Required for Trust-Building Efforts

Comments

Latest News

  • Reengaging Eritrea: A Path Beyond the StalemateMay 17, 2026
  • The Pledged Public: Toward an answer to “The Grammar of Promise”May 16, 2026
  • Renewing Awate Without Losing Its SoulMay 11, 2026
  • Eritrean Refugees and the Burden of VisibilityMay 10, 2026
  • The Grammar of Promise: How Eritrean Political Thought Became Trapped Inside Its Own LogicMay 8, 2026
  • Why U.S.–Eritrea Normalization Keeps FailingMay 3, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (101)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (754)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (323)
  • Pencil (112)
  • Perspective (104)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (311)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Eritrean Diaspora
  • Djibouti
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Somalia
  • ELF
  • Human Rights
  • Yemen
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (295)
  • awatestaff (209)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (106)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services