መዐቀኒ ሃገራዊነት!
ሃግራዊነት ስፍሕ ዝበለ ትርጉምን ኣገላልጻን ኣለዎ። ብዙሓት ጸሓፍትን ናይ ፖለቲካ ፈላጣትን በቢዝመስሎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጽዎ። ብሓፈሽኡ ግን ሃገራውነት ማለት ሓደ ብርቱዕ ስሚዐት ናይ ኩርዓትን ተኣማንነትን ሓርበኝነትን ናይ ሓደ ሃገር ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ሃገራውነት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?
ብዙሓት ሰባት ሃገራውነት ምስ ልዕላውነት የተሓሕዝዎ። “ቀንዲ ሃገራውነት ልዕላውነት ሃገር ምክልኻል ኢዩ።” ይብሉ። ቀጺሎም ልዕላውነት ምስ መሬት ጥራይ የተሕዝዎ። “ቅድም መሬት(ሃገር) ክትህሉ ኣለዋ። መሬት ተዘየላ ህዝቢ የለን።” ይብሉ። ገሊኦም ድማ መሬት ብዘይ ህዝቢ ሃገር ኣይኮነትን ይብሉ። ላዕላውነት ናይ ሓደ ሃገር ነቲ ጎቦታተን ሽንጭሮታትን ወይድማ ወደባትን ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ልዕላውነት እቲ መሰላትን ክበርን ናይቲ ህዝቢ ኢዩ ይብሉ። በመሰረቱ ህላዌ ናይ ሓደ መሬት(ሃገር) እቲ ኣብ ኣካቢኡ ዝነብር ህዝቢ ንኽጥቀመሉ ኢዩ። እቲ ህዝቢ መሰልን ቅሳነትን ምስ ዝረክብ ከም ዓቕሙ ነቲ መሬት ክካላኸለሉን ከልመዖን ይኽእል ማለት ኢዩ። ቀሳነትን ርግኣትን ራህዋን እንዘይብሉ ግን ነቲ መሬት ብግቡእ ክካላኸልሉ ኣይኽእልን። ስለዚ ልዕላውነት ሓደ ሃገር ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ኢዩ ይብሉ። እቲ ሃቂ ድማ እዚ ይመስል።
ስምዒት ሃገራውነት ምስ ሓርበኝነት ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ሓደ ዘጋ ናይ ሓደ ሃገር መሰሉ ዘይሕለወሉ እንተዀይኑ ወይ ድማ ከም ካልኣይ ወይውን ሳልሳይ ደረጃ ዘጋ ዝቑጸር እንተኰይኑ፡ ስምዒት ሃገራውነት ክሓድሮ ኣይኽእልን። ምእዚ ኣተሓሒዘ፡ ፕሮፈሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ ኣብ ሓደ መደረ ዘስምዖ ጥቕሲ ትዝ ይበለኒ። ፕሮፈሶር ተስፋጽዮን ብዛዕባ ሃገራውነት ብስፍሕ ዝበለ ኣገባብ ክገልጽ እንከሎ፡ ከም ኣብነት ዘቕረቦ ነጥቢ ነይሩ። ንሱ ድማ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብግዜ ኵናት ቬትናም ዝተዛረቦ ኢዩ። እቲ ጸሊም ኣሜሪካዊ “ስለምንታይ ናብ ኵናት ቬትናም ክትከይድ ፈቓደኛ ኣይኮንካን?” ኢሉ ምስ ተሓተ። “ስለምንታይ’ከ እኸይድ? ኣነ ኣብዚ ሃገር መሰል የብለይን። ስለዚ ሃገር የብለይ ዓውዲ የብለይ። እዚ ዘሎ ባንደራውን ንዓይ ትርጉም ኣይህበንን።” በለ። ስለዚ ንመሰል ዘይብሉ ህዝቢ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ኣይንታዩን። በዚ መሰረት’ዚ ልዕላውነት ሓደ ሃገር ህዝቢ ኢዩ። መሰሉ ዘይሕለወሉ ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ድማ ልዕላውነት ኣለዋ ክበሃል ኣይካኣልን።
እሞ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ልዕላውነት በምንታይ ይግለጽ? ምስ ሃገራውነት’ከ ብኸመይ ነዛምዶ? ስርዓት ህግደፍ “ሃገረ-ኤርትራ ልዕላውነታ ዝሕልወላ ኣነ ኢየ።” ይብል። ስርዓት ህገደፍ ብርግጽ ልዕላውነት ክብል ከሎ ነቲ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ጥራይ ኢዩ። ተዘይ ኮነ ህዝቢ ልዕላውነት ኣለዎ ድዩ? መሰሉን ክብሩን ተሓሊዩሉ ድዩ? እቲ ህዝብ’ኸ በዚ ኣገባብ’ዚ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ክስምዖ ይኽእል ድዩ? ስርዓት ህገደፍን ሰዓብቱን’ከ ሃገራውያን ክበሃሉ ይኽእሉ ድዮም? ሃገራውነት ማለት’ከ ንጹሃን ዘጋታት ብምእሳርን ምቕታልን ድዩ? ሃገራውነት ማለት መሰል ህዝቢ በምንፋግን ብራዕዲ ምግዛእን ማለት ዲዩ? ሃገራውነት ማለት ብናይ ዶብ ምስምስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኵናት እናኸፈትካ መንእሳያት ምህላቕ ማለት ድዩ? ሃገራውነት ማለት መንእሰይ-ወለዶ ኣደዳ ሞትን ስደትን ምግባር ማለት ድዩ? በሉስ’ከ ኣረድኡና! ሃራውነት ማለት ዶብ ምሕንጻጽ ማለት ድዩ? በሻሓት ዝቑጸሩ መንእሳያት ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳን ባሕርን እናወደቑ ሃገራውነት ኣይስመዐኩምን’ድዩ? ነዞም ብምረት ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ዝስዱ ምንእሰያት ኣብዚ እዋን’ዚ ዶብ እንታዮም ኢዩ?
ከም በዓል መሰከረም ዝኣመሰሉ ናይ ተቓወምቲ ተቓወምቲ’ኸ ንሃገራውነት በምንታይ ይገልጽዎ? አዚኦም ውን ልክዕ ከም ስርዓት ህግደፍ፡ ልዕላውነትን ሃገራውነትን ኣብ ህዘቢ ዘይኮነስ ኣብ መሬት ዝተመርኮሰ ኢዩ። ህዝቢ ከፊእዎ ክእሰርን ክስደድን እንከሎ ብናይ ሓሶት ልዕላውነት ኢዮም ዝነበሩ። ሃገራውያን ክመስሉ ብዙሕ ኢዮም ዝዛረቡን በለጭለጭ ዘብሉን። ብትሕዝትኦም ግን ኣይኮነን ሃገራውያን ጥቓ ሃገራውነት’ውን የብሎምን። ቀንዲ ፈታዊኦም ህገደፍ፡ ጸላኢ-ኦም ድማ ተቓዋሚ ኣካል ብፍላይ ኪዳን ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ እውን ቀንዲ ጸላኢኡ ኪዳን ኢዩ። እሞ እንታይ ኢዩ ድኣ ካብ ህግደፍ ዝፈልዮም? እቲ ዝፈልዮም ገጽ ጥራይ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ይርከብ ንሶም ኣብ ካልኣይ ገጽ ይርከቡ። እቶም ኩሎም ብፖለቲካ ዝከሰሩ ጉጅለታትን ባእታታትን ኣብዚ ዙርያ’ዚ ይርከቡ። ግሊኦም’ሞ ኣብ ሓደ አዋን ከም ቅጫ ኢዮም ዝገላበጡ። ሓንሳብ ደገፍቲ ኪዳን ይኾኑ፡ ሓንሳብ ኣንጻሩ። ሓንሳብ ደገፍቲ ኢትዮጵያ ይኾኑ። ሓንሳብ ኣነጻር ኢትዮጵያ። መተከል ኣልባ። ናብ ዝኾነ ማግነት ዝሳሓቡ ኢዮም የሕዝኑኻ። ስርዓት ህግደፍ ዝፈተዎ ዝፈተዉ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝጸልኦ ዝጸልኡ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ከም ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጌሮም ይወስድዎ። ስርዓት ህግደፍ ‘ከ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ? ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍኤ ጸላኢ አሎዎ?ቀጺሎም ኣብ ኢትዮጵያ ኰንካ ምቅላስ ከም ሓደ ጌጋ ጌሮም ይገልጽዎ።ኣበይ ኰይና ድኣ ንስርዓት ህግደፍ ክንቃለሶ? ሪሒቕና ኣብ ኤውረጳ? ወይስ ኣብታ ዘይተታኣማምን ሱዳን? ወይ ከኣ ጨሪሽና ኣይንቃለሶ? እታ ሓቂ እዛ ዳሕረወይቲ ትመስል። ኣብ ፈቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ዝወድቕ ዘሎ መንእሰያት ኣይስምዖምን? ኣብ ኢትዮጵያ ኮነካ ንስርዓት ህግደፍ ምቀላስ ቆጨ-ቆጭ የብሎም። መርገጺኦም ትርጉም ሲኢናሉ። ሃገራውነት ወይስ በለጽነት? ሕሉፈ-ሓሊፎም “ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወራ ኢያ።” ይብሉ። ቀጺሎም እውን ምስ ስርዓት ህግደፍ ተሰሊፍና “ ሃገርና ክንካለኸል ኢና።” ይብሉ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣይ ግረመናን ኢዩ። እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ብኣካል ኢዮም ምሳና ዘለው’ምበር ብመንፈስ ኩሉ ግዜ ምስ ስርዓት ህግደፍ ኢዮም ነይሮም ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ንሃገርካን ህዝብኻን ዘይኮነስ ንስርዓት ህግደፍ ከይወድቕ ምክልኻል ኢዩ። ንሕና’ኳ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክተወራ ኢያ ዝብል እምነት የብለናን። ኢትዮጵያ ንህዝብና ሃሰያ ዘይብሉ ንስርዓት ህግደፍ ፈልዩ እንተ እትሃረመልና ግን ኣይምጸላእናን። ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሓሳብ’ዚ ዘለው ኣይመስለንን። እቲ ጉዳይ ከኣ ጉዳየና’ምበር ጉዳዮም ኣይኰነን። ስለዚ መዓልቲ ኣላ ህዝቢ ዝተስኣላ ከምታ ናይ ልብያ። ንኢሳያስ እውን መሕብኢ ዘይብላ።
ከምቲ ነብሰሄር-ይምሓር ኣቦና ወልዳኣብ ወልደማርያም ዝበልዎ፡ ሃገራውነት ማለት ቅድሚ ኹሉ ፍቐሪ ህዝብኻን ጥቕሚ ህዝባኻን ምቕዳም ማለት ኢዩ። ሃገራውነት ማለት ጥቕምኻን ጥቐሚ ሰልፍኻን ሓዲካ ጥቕሚ ህዝባኻ ምቕዳም ማለት ኢዩ። ሃገራውነት ማለት ብገለ ጥቕሚታት ከይተታለልካ ኣንጻር ዲክታተርነት ጠጠው ምባል ማለት ኢዩ። ሃገራውነት ማለት ካብ ኣብ ኣካባቢኻ ዝካየድ ህዝባዊ ናዕብታት ተማሂርካ ኣንጻር ጸላኢ ህዝብኻ(ህግደፍ) ምስላፍ ማለት ኢዩ። ሃገራውነት ማለት ብሓጺሩ ነቲ ጎቦታትን ሩባታትን ዘይኮነ ንመሰል ህዝባኻ ምቅላስ ማለት ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ክህሉ ኣይኽእልን።
ዲክታተርነት ብዝኾነ መንገዲ ሃገራውነት ከዕቅብ ኣይኽእልን። በንጻሩ እኳ ድኣ ሃገራውነት ኣብ ምዕናው ይርከብ። ብዲክታተርነት እትግዛእ ሃገር ቁጠባዊ ይኹን ሕበርተሰብኣዊ ምዕባሌ የብላን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃገርና ምስ እንዕዘብ፡ ህዝቢ ብጅምላ ዝእሰረላን ዝቕተለላን ኮይና መንእሰያታ ኣብ ክንዲ ንትምህረቲን ስራሕን ናብ ስደት ዘምሩሑላ ሃገር ኮይና ኣላ። ስርዓት ህግደፍ ብስም ዶባት ምስምስ መስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዕቡድ ከልቢ ተናኺሱ ኢዩ። ቅድም መስ የመን፡ ቀጺሉ ምስ ሱዳን፡ ደሓር ምስ ኢትዮጵያ ድሒሩ ምስ ጅቡቲ ኵናተ ብኽፋት በርከት ዝበሉ ሃገራውያን ብኾንቱ ኣጥፊኡ ኢዩ። እዚ ኹሉ ዓቢ ጌጋታት ዝተፈጸመ ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ኣይኮነን። መሬት ኤርትራ ጸቢቡ ንኸስፍሕ ኢሉ እውን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኢዩ። ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ኣብ ሽግር ምፍጣር ዝተመርኮሰ ኢዩ። ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ኣብ ፖለቲካ ከየተኩር፡ ኵናት ክፍጠር ኣለዎ። እዚ ስልቲ’ዚ ኢሳያስ ካብ ሳሕል ሒዝዎ ዝመጸ ኢዩ። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ገለ ፖለቲካዊ ሕቶታት(ጠለባት) ምስ ዘልዕል ቀልጢፉ “ጸላኢ ይንቀሳቐስ ኣሎ ተበገስ” ዝብል ተእዛዝ የሕልፈ። ሓደ ካበቲ ዘገርመኒ ኣብ ሓንጎል ኢሳያስ፡ሽግር፤ ተንኮል፡ ህልኽ እንተዘይ ኮይኑ፡ ሰላም፡ራህዋ፡ ዘተ ወይ ልዝብ ዘይብላ ፍጥርቲ ኢያ።
ኣብ መጨረሻ፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብምንም ተኣምራታዊ መንገዲ ሃገራውያን ክተኮኑ ኣይትኽሉን። ሃገራውያን ከብለኩም ዝኽእል፡ ህዝብኹም እናተኣሰረን እናተሰደን ኣብ ጐድኑ ጠጠው ምስ እትብሉ ኢዩ። ሃገራውያን ከብለኩም ዝኸእል ፍቕሪ ህዝብኹም ምስ ዝህልወኩም ጥራይ ኢዩ። መንእሰያት ፈቖዶ ምድረበዳን ባሕርን ክወድቁ ከለው ብሕልና “ይኣክል” ብምባል ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ጠጠው ምስ እትብሉ ኢዩ። ሃገራውነት ካበዚ ሓሊፉ ካሊእ መዐቀኒ የብሉን።
Comment: Fitiwi@planet.nl
Awate Forum
Haile S.,
Don't you think he sniffed enough with that thing? But I think it's the wrong nose; if not, do you think he left it with contempt or feasted on it?
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 2 days ago
ሰላም ሳልሕ
Pragmatic ምኽሪ ሂብካ
ንዓ ኢሱ ኩነታት ሃገር ጭኖ ቢልካ
ኮይኑ'ምበር ኣፍንጫ እንዳ-ዳዕመስካ
-- ግና ካብ ሃለዎ 5x2 ኣብ መንጎ ሰለፉ
-- መሽተቲ'ውን ይህልዎ ኣብ ትሕቲ ኣፉ
Neg 320, A Letter to Brezidenti Isaias: A Cry for Justice and National Healing · 2 days ago
Hi BNB, I will stick to my initial assertion, "If you write they will show up". Ergo your amendment has been rejected or as Daniel will say these days, "ብጻይ በያን፣ዘቅርብካዮ አማማ ቅቡል...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
ሰላም በያን
ማ ፊ ሙሽኪላ
ኣነስ ዛዕባ ዲሞክራሲ እንተልዒልና እሞ ኸኣ ናብ ከባቢና ካብ ጠመትና .. ነገሩ በትረይ አሎኒ ዘሕምቖ 'ለኒ ኣይኹን ክብል ንምፍታን ኢዩ
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
Selam M/Brhan,
Many thanks for your comments. Greetings for now, bear with me as well until I come back later today.
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
Hey now, "If you write others will show up". Amending it to read, if WE write others will show up. Speaking of writing, you do have a way of expression that can only emanate from someone...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
Hi All Speaking of justice and democracy and rule of law. There is breaking news today in Shabait declaring th 34th anniversary If you do not know what this anniversary is here is a primer It...
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 3 days ago
Hi BNB
Thanks for the selamta. If you write others will show up
Between Approbation and Anathema Justice Suffers · 4 days ago