Awate.com

መልሲ ንቐሺ ማርቆስ ብኮሎነል ጸጉ ፍስሃየ

ቀሺ ማርቆስ ኣብ ዕለት 23 ከምኡ ‘ውን ኣብ ዕለት 30 ነሓሰ 2019 አብ ድሮ መዓልቲ ጽምብል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  ምስ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ስዩም ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ ኣብ ዩ-ትዩብ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ። ነታ ቪድዮ ቃለ መሕትት  ዝሰምዕዋ ሰባት ጥብቆ ልኢኾምለይ፡ ብሙሉኣ ተኸታቲለያ። ኣብ መደምደምታ ናይ ‘ቲ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ድማ ካብ ቃል ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ስዩም ዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዓይ ከይተወከሰ “ኣጋግዮምኒ ኢለ ይቕሬታ ንክሓትት” መጸዋዕታ ድሕሪ ምቕራብ ባዕሉ (ቀሺ ማርቆስ) ኣብ ዲሲ መጺኡ  ምሳይ ተራኺቡ ቃለ መሕትት ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ኣነ ‘ውን ነቲ ቃለ መሕትት ንክገብር ድሉው ኮይነ ብትዕግስቲ ተጸብየ። ይኹን እምበር ቃለ መጠይቕ ንምግባር ብኣካል መጺኡ ይኹን ደዊሉ ኣየዘራረበንን።

ሕጂ ‘ውን ደጊሙ ኣብ ዕለት 9 ሚያዝያ 2020 “ደመኛታት ተዋህዶ” ልኡኻት ህግደፍ ኣብ ተዋህዶ ዝብል ቪድዮ አዳልዩ ኣብ ‘ቲ ቪድዮ ስመይ ጠቒሱ ኣብ ዩ-ትዩብ ዘርጊሑ ስለ ዘሎ ንክምልሰሉ ተገዲደ። ከም ‘ቲንበይኑ ዝጎይስ ዝቕድሞ ነይብሉ ኢሎም ኣቦታትና ዝምስልዎ፡ ቀሺ ማርቆስ ናይ ክልተ ሸነኽ ቃል ከይሰምዐ፡ ዘረባ ሓደ ሰብ ጥራሕ ሰሚዑ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ኣይምተገብኦን። ብመሰረት እቲ ምስ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ዝገበሮ (Investigative Interview) መርመራዊ ቃለ መጠይቕ ‘ውን፡ ኣብ ዲሲ መጺኡ ምሳይ ተራኺቡ ነቲ ጉዳይ ብኹሉ ሸነኻቱ ርእዩ ንከጻርዮ ምተገብአ፡ ኣብ ክንዲ ጉዳያት ኣጻርዩ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝዝርግሕን ጉድለት ከይገብር ዝጥንቀቕን፡ ሕጂ ‘ውን “ደመኛታት ተዋህዶ” ልኡኻት ህግደፍ አብ ተዋህዶ ……. ኢሉ ዝርዝራት ዝጎደሎን መርትዖታት ዘይብሉን ሓፈሻውን  ዝምቡዕን ዝኾነ ሓበሬታ ዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብ ‘ዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ነቲ ምስ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ዝገበሮ ቃለ መሕትት መኣረምታ መልሲ፡ ኣብ ‘ቲ ስዒቡ ዝቕጽል ክፋል ድማ ነዚ “ደመኛታት ተዋህዶ” ኢሉ ኣቕሪብዎ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ – ብውሑዱ ነቲ ንዓይ ጠቒሱ ኣቕሪብዎ ዘሎን ካልእ ኣነ ብቐረባ ዝፈልጦን መኣረምታን መብርህን ክህበሉ የ።

ንኢንጅነር ዑቕባዝጊ ብንእስነተይ ‘የ ኣብ ኣስመራ ዝፈልጦ፡ ስዒቡ ‘ውን ብመውስቦ ተዋሊድና ኢና። መብዛሕትኦም ኣሕዋቱን ደቂ ኣሕዋቱን ሰዓብቲ እምነት ከኒሻ ብምዃኖም ኣብ ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ክመላለሱ ብቐረባ እፈልጦም ። ዑቕባዝጊ ስዩም ግን ኣብ ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ርእየዮ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ፍኖተ ብርሃን፡ ኣብ ቅድስቲ ማርያም፡ ኣብ ፈይዝሚሽን፡ ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ይመላለስን ይሰብኽን ምንባሩ ግን እፈልጥ። ኪኑኡ ሓሊፉ ‘ውን ኣብ ሲነማ ካፒቶል ህዝቢ ኣኪቡ ክሰብኽን ካብ ሕማምኩም ክፍውሰኩም ‘የ እናበለ ጸሎት ይገብረሎም ምንባሩን እፈልጥ። ገለ ዓበይቲ ምእመናን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ዑቕባዝጊ ካብ ሕማምኩም ክፍውሰኩም ኣብ ዘዘሕመኩም ኣካላት ናይ ነብስኹም ሓዙ ኢሉ ጸሎት ጌሩልና፡ ዝሓወየ ግን ኣይረኣናን ኢሎም ከዕልሉና ይዝከረኒ። ተኸታሊ እምነት ጴንጤ (ተሓድሶ) ምንባሩ እዩ ዝንገረሉ። በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣበባ ‘ውን ተኸታሊት እምነት ጴንጠ ኮይና ክሳብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሚኔሶታ ኣብ ናይ ጰንጤ ቤተ ክርስትያን እያ እትመላለስ።

እዚ ሕጂ ዑቕባዝጊ ንጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ንክሕግዝ ከም ምኽንያት ዝደረኸኒ ኢሉ ኣቐሪብዎ ዘሎ ስግኣት እንተ ኾነ‘ውን፡ ማለት ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ውቅያኖስ ናይ ምስልምና ተኸቢባ ትርከብ ምህላዋን ብእስላማውያን ተወሪራ ንከይትጥሕል ሰጊእና ዝበሎ፡ ነቲ ንሱ ንክፍጽሞ ዝደለየ ተልእኾ ንክፍጽም ዘቕረቦ ምኽንያት እንተ ዘይኮይኑ፡ ናይ ብሓቂ ኣብ ሃገርና ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን (ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን) ረጽሚ ዝፈጥር ኩነታት ስለ ዝነበረ ኣይኮነን።

ከም ‘ቲ ንዓይ ዝርድኣኒ ኩለን እተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተኸባቢረን ብሰላም ዝነብራን ኣብ ሕድሕደን ዘይተኣታተዋን ‘የን። ዝኾነ ካብ ጥቕሚ ተበጊስካ ዝግበር ምትእትታው ድማ፡ ነቲ ሓቢርካ ብሰላም ናይ ምንባር ሃዋሁው ዝዘርግ እዩ። ኣነ ነቲ ናይ ኢንጂነር ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ስለ ዝነበርኩ፡ ናተይ ውልቃዊ ገምጋም ኣሎኒ፡ እንተ እቲ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ንምውራድን ንምእሳሮም ዝቐረበ ክስታትን ዝተገብረ ፕሮፖጋንዳን ግን ንኽትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጉምባሕ ‘ሲ ዛግራ ትብላ እዩ ነገሩ። እቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጉምቲ – ንኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝኾነ ይኹን ጉድለት ክረኽቡሎም ስለ ዘይከኣሉ – ምስ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ኣላጊብና እንተ ወቒዕናዮም ሰማዒ እዝኒ ክንረክብ ንኽእል ኢና፡ ጉልባብ ክኾነና ይኽእል ‘ዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ጥራሕ ‘ዩ። ሕጂ ‘ውን ብዛዕባ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ምስክርነተይ ክህብ እንተ ኾይነ፡ ክሳብ ‘ቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝነበርኩሉ እዋን ካብ 1996 – 1999፡ ምስ ኢንጂነር ዝኾነ ይኹን ዝተፈልየ ናይ እምነት ዝምድና ከም ዘይነበሮም ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ከምኡ ስለ ዝነበረ እዩ ድማ ክሳብ ክፋል ኣባላት ሲኖዶስ ኣብ 2006 ክሲ መስሪቶም ካብ መዝነቶም ኣውሪዶም ዝኣስርዎም ከም ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ።

እዚ ነቲ ኩነታት ንምብራህን ነቲ ንዑቕባዝጊ ስዩም ዘሎኒ ኣፍልጦ ንምሕባርን ነቲ ንዓይ ጠቒሱ ኣቕሪብዎ ዘሎ ነጥቢ ከም ድሕረ ባይታ ኮይኑ ከም መብርሂ ንክሕግዘና ኢለ ዘቕርቦ ዘለኹ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ንሂወቱ ናይ ምምራሕ ነጻነት መሰል ከም ዘለዎ ዘንጊዐ ኣይኮንኩን። ካብ ‘ዚ ሓሊፉ ግን ዑቕባዝጊ ኣዝየ ንእሽተይ ከለኹ ናብ ኣሜሪካ ስለ ዝኸደ ብዛዕባ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘሎኒ ሓበሬታ ውሱን ‘ዩ።

ኢንጂ. ዑቕባዝጊ ስዩም ንዓይ ኣመልኪቱ – ናብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ብዝሒ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ልኢኸ፡ ጸጉ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ስለ ዝነበረ ነቲ መጻሓፍቲ ንከይዝርጋሕ ከልኪሉና ኢሎም ኣቡነ ፊሊጶስ ሓቢሮምኒ፡ እናጎየኹ ናብኡ ከይደ ሓሪቐ ስለምንታይ ከልኪልካዮም ኢለ ተቓይቖዮ፡ ንሕና ኣብ ሃይማኖት ኢድና ኣይነእቱን ኢና፡ ንሳቶም ‘ውን ኢዶም ከእትዉልና ኣይንደልን ኢና ኢሉ ተገራጫዊ መልሲ ሂቡኒ ክብል ሰሚዔዮ። እታ ንዓይ ጽሒፍዋ ኢሉ ዝጠቕሳ መልእኽቲ ድማ ትሕዝቶኣ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣርእዮምኒ “ዑቕባዝጊ እንታይ እዩ ሃይማኖቱ፡ ገንዘብ ካበይ የምጽኦ ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝምርመር እቲ ስራሕ ጠጠው ይበል” እትብል ብጸጉ እተጻሕፈት ሓጻር ሕጡበ ጽሑፍ ይብል።

  1. መጀመርታ ኣብ ‘ቲ ክፍሊ ተመዲበ ክሳብ ዝቕየር ኣነ ሓላፊ ናይ ‘ቲ ክፍሊ ኣይነበርኩን፡ ሓላፊ ናይ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ደራጎን ሃይለ መለኮት እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምስ ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናይዝጊ ክፍሉ ተባኢስና ን2 ወርሒ ምእሳረይ (እዚ ነብሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ) ካብ ደረጃ ዝነበርክዎ ሓላፍነት ወሪደ ከም ተሓጋጋዚ ኮይነ ክሰርሕ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተመዲበ። ካብ ስራሕ ከፋንዉኒ ብተደጋጋሚ ሓቲተዮም ‘ውን፡ ክሳብ ድሕሪ ሎሚ እንተ ሓቲትካ ክትእሰር ኢኻ ዝብል መልሲ ተዋሂቡኒ ‘የ ንዝተወሰነ እዋን ኣብኡ ጸኒሐ።
  2. እዚ ብጸጉ ተጻሒፉ ዝበሃል ዘሎ ሰነድ ቅድሚ 24 ዓመት ኮይኑ ግዜ ነዊሑ ከም ዝጸሓፍኩ ኣይዝከረንን፡ ቅዳሕ ናይ ‘ቲ ጽሑፍ እንተ ሃልዩ ግን ክቐርበለይ እሓትት። እቲ ዝነበረ ኩነታት ግን ኣጸቢቐ እዝክሮ ‘የ። ክፍሊ ጸጥታ፡ “ኢንጅነር ዑቕባዝጊ ተኸታሊ እምነት ጴንጠ ቆስጤ (ተሃድሶ) ኮይኑ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ኣስመራ – ኣብ ሲኔማ ካፒቶል – ህዝቢ ኣኪቡ ዝሰብኽን ካብ ሕማምኩም ክፍውሰኩም እየ እናበለ ሰዓብቲ ንኸጥሪ ዝጉስጉስ ዝነበረን ኮይኑ፡ ሕጂ ኣብ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ብምትእትታው – ጽሑፋት ይዝርግሕ፡ ኣኼባታት የካይድ፡ ገንዘብ ይምውል ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ይመጸና ስለ ዘሎ፡ ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ዘይድለ ምጥርጣራትን ምስሕሓባትን ንከይፍጠርን ናይ ጥቕሚ ጎንጺ (Conflict of interest) ንከየኸትልን ንዝምልከቶም ኣካላት ጥንቃቐ ንክገብሩ ንክትሕብርዎም ኢና ንሕብረኩም ዘሎና ኢሎም ገሊጾምልና። ኣብ ‘ቲ እዋን ብዛዕባ ‘ዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ምስ ኣባላት ጸጥታ ተዘራሪብና ኔርና። “እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ እንተ ኾይኑ ስለምንታይ ንዑቕባዝጊ ስዩም ባዕልኻትኩም ብቐጥታ ዘይትሓትዎ?” ኢልናዮም ክሳብ ዝተጨበጠ መረዳእታ ረኺብና እነረጋግጾ ጉድኣት ንከየስዕብ ጥንቃቐ ንክገብሩ ነቶም ዝምልከቶም ክትሕብርዎም ኢና ንሕብረኩም ዘሎና” ኢሎም መሊሶምልና።
  3. ደራጎን ናብ ኣቡነ ፊሊጶስ ደዊሉ ኣብ ስራሕ ስለ ዘይነበሩ፡ ምስኡ ብሓባር ናብ ገዝኦም ኬድና፡ ነቲ ኩልና እንፈልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነ (ንሱ ‘ውን ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ነይሩ ‘ዩ) ንሶም ዘይፈልጥዎ ካልእ ጽሑፋት ምስኡ ተተሓሒዙ ንከይዝርጋሕን ዘይተደላዪ ሳዕቤን ንከየኸትልን ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ክሕዝዎ መታን ትእዛዝ ዘይኮነ ሓበሬታ ሂብናዮም፡ ንሶም ‘ውን ኩሉ ዝዳሎ ጽሑፋት ብክኢላታት ከም ዝምርመር ጌርና ኢና ክንዝርግሖ ኢሎምና ተረዳዲእና ተፈላሊና፡ ነቲ ብዑቕባዝጊ ዝተዋህበ ጽሑፍ ‘ውን ኣርእስታ ብልክዕ ኣይዝክራን፡ ናይ ምዝካር ክእለተይ ጽቡቕ እንተ ሃልዩ ተሃድሶ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብሊቃውንቲ ከም ትርአ ጌሮም ‘ዮም። ካብ ‘ዚ ወጻኢ ‘ውን ብሓደ ኣገልጋሊ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ዝተጻሕፈ – ንካቶሊካውያን ዝወቅስ – መጽሓፍ ኣብ መንጎ ክልተ ሃይማኖታት ምስሕሓብ ከይፈጥር ተባሂሉ፡ ተሳሒቡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ተታሒዙ ዝነበረ ኣልዒልና ‘ውን ተዘራሪብና ኔርና ኢና።

ኣብ ‘ዚ ጉዳይ ‘ዚ፡ እቲ መንግስቲ ደብዳበ ጽሒፍካ ሓብሮም ኢሉ ኣዚዙኒ ነይሩ እንተ ዝኸውን ‘ውን ምጸሓፍኩ ነይረ፡ እቲ ጉዳይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ‘ውን ዓዶም ግደፈሎም ‘ዩ።

ነዘን ሕጂ ዝተዓጽዋ ናይ ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስትያን ክሊኒካትን ኣብያተ ትምህርትን እንተ ኾነ ‘ውን ከም ‘ቲ ኣብ መጽሓፈይ ኣስፊረዮ ዘለኹ፡ ኣብ 1997/1998 ንክንዓጽወን ትእዛዝ ተዋሂቡና ነይሩ ‘ዩ፡ እንተ ኾነ ግን እዘን ትካላት ብጥበብ ከምዘይዕጸዋ ጌርና ሓሊፍናየን። እቲ ንመዕጸዊኤን ዝተዋህበ ምኽንያት፡ ነቲ ሃገራዊ መለክዒ (Standard) ኣየማልኣን እየን ዝብል ኮይኑ፡ ኮሚሽነር ወርቁ ናይ ኮሚሽን ረዲኤትን ስደተኛታትን ሓላፊት ዝነበረት ካብ ኢሳያስ ተላኢኻ ትእዛዝ ሂባትና፡ ምስ ሚኒስትሪ  ጥዕናን ሚኒስትሪ ትምህርትን ተረዳዲእና ንሳቶም ነቲ ኣገልግሎት ክቕጽልዎ ከም ዘይክእሉን እቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ‘ውን ክቋረጽ ከም ዘይብሉን ከም ዝገልጹ ብምግባር ኢና ከም ዘይዕጸዋ ጌርና።

  1. ባህሪ ናይ ኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ ምትንካፍ ‘ውን ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ኣቦና ኣቡነ ፍሊጶስ እቲ ምስ ዕብየት ዝተተሓሓዘ ዝነበሮም ኣካላዊ ድኻም ገዲፍካ፡ ልክዕ ከም ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እዚ ግበሩ እዚ ኣይትግበሩ ኢልካ እትእዝዞም ኣቦ ኣይኮኑን ነይሮም፡ ኣብ ዘይኣምኑሉ ክሳዶም ንሴፍ ዝህቡ ተባዕ ኣቦ ‘ዮም ነይሮም። ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ደርጊ ጠጠው ኢሎም ዝመከቱ ኣቦ እዮም ነይሮም። ክሳብ እታ መጨረሽታ ሰዓት ምስኦም ዝሰራሕኩላ እዋን ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኢና ወዲእናያ ክብል ‘ኳ እንተ ደፈርኩ፡ እቲ ስራሕ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን                                                       ሀ. ቀኘዝማች ሃይለማርያም ደመና ለ. ቀኘዝማች ኣስፍሃ ካሕሳይ ሐ. ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል  (ሳሉሞፊችዮ ቶሪነዘ) ዝርከብዎም ናይ ኣማኸርቲ ጉጅለ ኣቒምና ምስኦም ኢሂን ሚሂን እናተባሃሃልና ኢና ነቲ ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሕሓባት ክንኣልዮ ንፍትን ዝነበርና።

እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝተኸስተ ጎንጺ ካብ ስልጣን ምድላይ ዝተበገሰን ኣብ ጥቕሚ ዝተሞርከሰን ብምንባሩ ኣብ ገለ ገለ መራሕቲ ናይ ‘ቲ ቤተ ክርስትያን ዘይምሕጓስ ኣኸቲሉ ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ ‘ዩ። ነቲ ዝተራእየ ምግምማዕ ኣስዒበ ኣብ ካላኣይ ክፋል ክጠቕሶ ‘የ።

ብወገን መንግስቲ ‘ውን፡ ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ምዕባለታት ኣብ ረብሕኡ ንከውዕሎ ተጠቒሙሉ ‘ዩ፡ ንኣብነት ካብ ‘ቶም ፍሩያት ተባሂሎም ዝፍለጡ ጉዳያት ንምጥቃስ፡ ናይ ገንዘብ ድጎማ እናገበረ ጸቕጥታት ክገብርን፡ ንኣቦና ኣቡነ ማቃርዮስ ክሶጉግን ንዝተፈቕደ ኮለጅ ከም ዘይስራሕ ክገብርን . . . ተራእዩ (ኣብ መጽሓፈይ ብዝርዝር ኣስፊረዮ ኣለኹ)። እቲ ቀጺሉ ኣብ 2006 ዝሰዓበ ናይ ኣቦና ቅዱስ ኣንጦንዮስ ካብ ሓላፍነት ምውራድን ምእሳርን ‘ውን ናቱ መቐጸልታ እዩ። ካብ ‘ዚ ዝተጠቕሰ ወጻኢ ግን ምስ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጶስ ክሳብ መጨረሽታ ብሰላም ኢና ወዲእናዮ።

  1. እዚ ጉዳይ ‘ዚ ምስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ስለምንታይን መዓስን እዩ ዝተኣሳሰር ዘሎ ምግንዛብ ‘ውን ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ይስምዓኒ። መጀመርታ ኣነ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክሳብ 1999 እየ ጸኒሐ። ካብ ‘ቶም ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርካት ብጹእ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጶስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ጥራሕ ‘የ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሰሪሐ።ኣቡነ ያዕቆብ ይኹኑ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ኣብ ባንክ ኤርትራ ተመዲበ ንሓጺር እዋን ኣገልጊለ፡ ኣብ መጨርሽታ ናይ 2001 መጀመርታ ናይ 2002 ክሳብ ኣብ 2006 ንወጻኢ ሃገር ዝተሰደድኩሉ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት መመላእታ ደስኪለ ብዘይ ስራሕ ጠጠው ኢለ ነይረ። ኣነ ምስ ኣቡነ ፊሊጶስ እንተ ዘይኮይኑ፡ 2ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ያዕቆብ ይኹኑ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣይሰራሕኩን። እዚ ሕጂ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምውቃዕ ምስ መናፍቓን ኣተኣሳሲሮም ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ ‘ውን፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2006 ምስ ተኣስሩ ሕጂ ምሳኹም ኣብ ስደት ኮይነ ዝሰምዖ ዘለኹ እዩ። ስለምንታይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ዒላማ ክውቅዑ ተደልዩ ግን፡ ንሕሉፍ ታሪኾም ኣመልኪተ ኣብ መጽሓፈይ ኣስፊረዮ ኣለኹ፡ ምስ ‘ቲ ናይ ‘ቲ ስርዓት ባህሪ ኣተሓሒዘ ክርእዮ ከለኹ ድማ፡ እቲ ስርዓት ረብሕኡ ንኽሕሉ ዘይገብሮ ነገር ስለ ዘየለ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ምእሳሩ ክትጽበዮ እትኽእል ተርእዮ ‘ዩ።

ካብ መጽሓፈይ (እታ ሕብእቲ ሰልፊ) ኣብ ገጽ 215 ካብ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ ጽሑፍ ክጠቅስ። “በጃኻ ኢለካ ናይዝጊ ወደይ ጉዳይና ባዕልና ክንገብር ግደፈና፡” እዚ ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣቶ ናይዝጊ ንኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ማቃርዮስ ካብ ዓዲ ክሶጎም ከሎ፡ ኣባላት ሲኖዶስ ንናይዝጊ ውሳኔኡ ንክሰሕብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ መጺኦም ሓቲቶሞ ኣይከውንን ኢሉ ምስ ኣቕበጾም፡ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተዛረብዎ ቃል ‘ዩ። ኣብ ‘ቲ እዋን እቶም ከሰምዕዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ – ሓሳቡ ከቐይርዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ – ኣቦና ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ምስኦም ሓቢሮም ኣይመጹን፡ አብ ሞንጎ ክልቲኦም (ኣቡነ ፊሊጶስን ኣቡነ ማቃርዮስን) ርኡይ ናይ ስልጣን ውድድርን ምፍሕፋሕን (conflict of interest/church politics) ስለ ዝነበረ ንሶም ባዕሎም ‘ውን ክኸዱሎም ኣይጸልኡን እዮም ነይሮም፡ ክሳብ ወሊዶም እዮም ኢሎም ኣብ ሕድሕዶም ዝተኻሰሱሉ እዋን ‘ውን ነይሩ ‘ዩ። እቲ ንኣቡነ መቃርዮስ መስጎጊ ምኽንያት ክኸውን ዘኽኣለ ምኽንያት ኢለ ዝበጻሕክዎ መደምደምታ ግን፡ ንሶም ሓደ ካብቶም ዉሑዳት ናይ ትምህርቲ ዓቕሚ ዝነበሮምን በቲ ስርዓት ተዘዊሮም ክኸዱ ዘይክእሉን ብምንባሮም ከም ስግኣት ተወሲዶም እንተ ዘይኮይኑ ንዕኦም ከስጉግ ዝኽእል ንሶም ዝፈጸምዎ በደል ወይ ‘ውን ክጭበጥ ዝኽእል ምኽንያት ኣይነበረን። ካብ ‘ዚ ወጻኢ ‘ውን ድሕሪ ናይ ኣቡነ ማቃርዮስ ምስንባት ኣብ መንጎ እቶም ዝተረፉ ክልተ ተወዳደርቲ ብዙሕ ምግምማዕን ምፍሕፋሕን ተራእዩ እዩ። ነዚ ኣመልኪተ ኣብ ‘ቲ ካልኣይ ክፋል ኣሕጽር ኣቢለ ኣስፊረዮ ኣለኹ።

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ቁጠባ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ኣብ ሃይማኖታውን ባህላውን መዳያት፡ ኮታ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ሂወት፡ ነቲ መንግስቲ ተማእዚዙን ሕራይ ኢሉን ዘይከይድ ኣይናቱን ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣቦና ማቃርዮስ ተሰጊጎም ኣቦና ኣንጦንዮስ ድማ ካብ ፓትርያርክ ወሪዶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣትዮም።

ኣብ መደምደምታ ናይ ‘ዛ ቀዳመይቲ ክፋል ንእግረ መንገደይ ንቀሺ ማርቆስ ክላበዎም ዝደሊ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ነዚ ብኢንጂነር ዑቕባዝጊ ብዛዕባይ ዝተዋህበ ሓበሬታ ምስ ሰማዕካ፡ ንዓይ ረኺብካ ከይተወከስካ፡ ካብ ‘ቲ ዑቕባዝጊ ዝሃበካ ሓበሬታ ጥራሕ ተበጊስካ፡ ኣብ ‘ቲ ንዓይ ዝገበርካዮ መጸዋዕታ “ኣጋግዮምኒ ኢለ ይቕሬታ ንክሓትት” መጸዋዕታ ኣቕሪብካለይ። ኣስዒብካ ‘ውን ኣብ ‘ቲ ዑቕባዝጊ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተጸዊዑ ተሓቲተ ዝበሎ ፡ ናይ ሓታቲ ስም ከይገለጸ ክዝርዝር ምስ ጀመረ፡ ኣብ ክንዲ ጸጉ ድዩ ከምኡ ኢሉ ሓቲቱካ ኢልካ ሓባሪ ቀዳሚ ቃል ምሃብ፡ መን እዩ ሓቲቱካ ምባል ምቐለለካ ነይሩ። ከም ‘ቲ ኣቦታትና ዝብልዎ፡ ቅድመ መደምደምታታት ቅድሚ ምግባር ዘረባ ክልተ ሰሚዕካ ክትፈርድ ቅኑዕ ምኾነ። ከም ስራሕ ‘ውን Investigative Journalism (ምርመራዊ ጋዜጠኝነት) ንኹሉ ሸነኻት ርእዩን መርሚሩን ጭብጥታትን መርትዖታትን ኣሰንዩ ዝግበር ዕማም እምበር፡ ካብ ስምዒት ዝብገስን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሰሚዐን ብይመስለንን ዝዕየ ዕማም ዘይምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ኣብ ቀረባ ካልኣይን መወዳእታ ክፋልን ይቅጽል
__________

መወከሲታት

1: ቃለ መጠይቕ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ስዩም ምስ ቀሺ ማርቆስ ” “ደመኛታት ተዋህዶ”-ልኡዃት ህግደፍ ኣብ ተዋህዶ፥ ስሞምን ደሞዞምን ዓዶምን ዕለት/ 9/ሚያዚያ/2020
2:  “እታ ሕብእቲ ሰልፊ” ዘርእስታ መጽሓፈይ: ሐታም ብትግርንያ: ኣብዚ ትርከብ
3: “The Hidden Party” English version

 

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares