Skip to content
Awate.com
  • Home
  • Awate Team
    • Pencil
  • Gedab News
  • Articles
  • Columns
    • Perspective
    • Tebeges
    • Al-Nahda
    • Negarit
    • Pointblank
    • AlMaseer
    • U-Turn
    • Flipside
    • Belly Of The Beast
    • Branna
    • Horn Echoes
    • Insight
    • Eritrea Digest
    • Spotlight
    • Verbatim
  • Videos
  • عربي
  • ትግርኛ
  • Links
  • About Us
  • Posting Guidelines
ትግርኛ

ኣብ ም’ንቲ ም’ንታይ?

June 4, 2026
awatestaff
f X

ቅድሚ ናብ ካልእ ስርሐይ ምኻደይ ክረኽቦ ዝደለኹ፡ በዲኡ ኤርትራዊ በብኡ ክኣ ሱዳናዊ ሓዱሽ ዓርከይ (ዕድሚኡ እኳ ካብ ኣቦይ ዝዓቢ እዩ) “ሎሚ ቁርሲ ካባይ እዩ። ኣብ ሓን’ቲ ናይ ሱዳናውያን ቤት መግቢ ንራኸብ” በልክዎ። ብውሽጠይ እተን ዝፈልጠን ኣብ’ዚ ከተማ ዘለዋ ናይ ሱዳን ካብ’ተን ክልተ ክንሰን ኣበይ ክብለኒ እዩ እንዳ ሓሰብኩ።

“ያ ሰላም፡ ነዊሕ ገይሩ ኣሎ ሰብ ንምሳሕ ካብ ዝዕድመኒ” ኢሉ ብሓጎስ ተቀበሎ። “በል ሓንቲ ሓዳስ ኣላ እሞ ናብኣ እንተ ከድናኸ” ሕቶን ምርጫን ብሓደ ደርበየለይ።

Advertisement

“ግርም በል እቲ ቦታ ስደደለይ እሞ ድሕሪ ዕስራ ደቃይቅ ክብገስ እየ።”

ናብ ሓደ ገፊሕ መንበሪ ናይ ሃብታም ሰብ ዝመስል ቀጽሪ በጻሕኩ፡ ግሩም ገረብን ውሕሉል ምህንድስናን ቀልጢፍካ ክትፈትዎ ይገብረካ። ነቲ ቀጽርን ነተን ኣብ ደገ ከም ገበላ ገይሮምለን ዝነበራ ኮፍ መባህሎን ብዓይነይ ዘይረ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ሓንቲ ብርኽ ዝበለት መሪጸ “ወድ ሓደራ” ናይ ኣለም ሰገድ ተስፋይ እንዳ ኣንበብኩ ነቲ ሓዱሽ ዓርከይ ክጽበዮ ጀመርኩ። ወዲ ሓደራ ነቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ከም ገበል ተጠቃሊሉ ክወርድ ዝርኣዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ደንጺይዎ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ምስ ሓተቶ ኻትራመ ከም ዝብልዎ፡ ብቱቦ ዝመስል ነስኒሶም ከምዝገብርዎ ድንቂ ዝኾነ ፍልጠቱ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ከረን ኣስመራ ነገሮ፡ ከም ፈገግ ኢለ ከለኹ እቲ ዓርከይ ስለዝመጸ ፍሽኽታይ ኣብኡ ከለኹ ገጸልክዎ።

ሰላም ተብሃሂልና፡ ነቶም ኣብ’ታ ገበላ ብድሕረይ ዝነበሩ ሰላም ኢሉ፡ ንዓይ ውን “እዚ ከኣ ኤርትራዊ ሓውና እዩ።” ኢሉ ኣላለየኒ። ገጸይ ጸዋዊገ፡ እስትንፋሰይ ክዓብስ ምስ ኣስተብሃለለይ፡ ዘትኽኽዎ ዝነበሩ ሽጋራ ከም ዝረበሸኒ ኣስተብሂሉ ናብ ካልእ ቦታ ክንቅይር ሓቲቱ፡ በንጻር ንፋስ ክኸውን ናብ’ታ ዝሓሸት ዝበላ ኮፍ መበሊ መሪጹ፡ “በዚኣ ትሕሸካ” ኢሉ ኢዱ ከም ናይ ኣኽብሮ ዘርግሓለይ።

ብባምያ ዝስራሕ ልስሉስ ጸብሒ ምስ ኣዝዩ ረቂቅ ጣይታ መሸላን፡ ቅልዋ ስጋን በላዕና። ኣዝዩ ጽሩይን ጥዑምን መግቢ። ዋና ናይ’ታ ሓዳስ ቤት መግቢ ናባና ገጹ ምስ መጸ፡ “ንዓ እዚ ኤርትራዊ ሓውና እዩ ተላለዮ።” ኢሉ ጸውዖ። ከምገለ ንኣል በሽር ዝመስል ኮይኑ ረኸብክዎ። ስሓቅን ህዱእ፡ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቅ ወይ መወዳእታ ሓምሳታት ገመትክዎ። ኮፍ ምስ በለ ኣብ ካርቱም ኣብ ኤምቲዳድ ዝብሃል ገዛውቲ ከምዝነበርኩ ምስ ነገርክዎ፡ ብሓጎስ ኣዒንቱ ተሰራሰራ። “በየን ሸነኽ?” ከም ህውኽ ኢሉ ሓተተኒ። በታ ናይ ክዕሾ ዝጻወቱላ ሜዳ ናብ ስሓፋ ዘለጥ ገጽካ ኪትከይድ ኮለኻ ምስ በለክዋ። ከም ሓጎስን ሓዘንን ዝትሓዋወሶ ዝመስል ፍሽኽ ኢሉ። “ገዛይ ከኣ በታ መስጊድ እያ።” ምስ በለኒ፡ እተን ጽቡቃት ገዛውቲ ዓበይቲ ዓታሩ ማይዝሑል ንሰትየለን ዝነበርና፡ ያቆብ ዝብሃል ከም ዓቢ ሓወይ ዝነበረ ወዲ ከረን፡ ነደይ ክሐጉሳ ኢሉ ምዎጽ ቀንጢቡ ክወስደላ ትዝ በለኒ። ሕያውነቱ ርእየ ውን እተን ብጽፈተንን ኣከዳድንአንን ንፈትወን ዝነበርና ዓታሩ ማይ ምስኡ ኣተሓሃዝክወን።

Keep awate.com and Negarit Alive

$2,465 raised of $12,000 goal · 22 donations
Donate now GoFundMe

“ሱዳናውያን ዘይግብኣኩም ኢኹም ረኺብኩም?” ብዛዕባ እቲ ኲናት ኣስቆርቆርኩ። “እንታይ እዩ እቲ ጠንቂ?” ሓተትክዎ ምናልባት ጸግዒ ናይ ሓደ ካብ’ቶም ጀነራላት ክኸውን ከምዝኽእል እንዳ ገመትኩ፡ ኣንፈት ናይ ዝንባሌ ከየርኣኹ ሓተትኩዎ። “ምምም እታ ወንበር!” ኢሉ ኪርኪር ኢሉ ሰሓቀ። “እታ ወንበር፡ ካልእ ወላ ሓደ የለን።” ወሰኸለይ። ብዛዕባ ኣል በሺር ምስ ሓተትክዎ። “ሓደ ግዜ ፍሉይ መደር ንማዕከናት ዜና ክህብ እዩ ምስተባህለ፡ ‘ክወርድ እየ እዩ ክብል’ ኢልና ወላ ሓደ ጥርጥር ኣይነበረናን።” እዞም ሰይጣውንቲ ግን ኣፈራርሔሞ ግዲ ኮይኖም ካብ’ቲ ዝነበራ ቆጸራ ክልተ ስዓት ደንግዩ መጺኡ ትርጉም ዘይብሉ መደረ ሂቡ። “በቃ ሰለማዊ ዝብሃል ነገር ኣይክህሉን እዩ” ኢልና ቀቢጽና ኢና። “ድሓር ሓደ ካብ’ቶም ጀነራላት ወይ ኣነ ወይ ከኣ ሱዳን ኣይክትህሉን እያ ኢሉ ፈኪሩ። እነሀልካ ሱዳን ዘየላ ገይሮማ!” መሊሱ ነታ ስሓቁ ደገማ።

ወዲ ሓዎቦይ ኣሎ ጆሜትራ፡ ንዓ ውጻእ ምስ በልክዎ፡ “ሞት ሞት እዩ። ኣብ’ዚ ኮይነ ክመውት እየ ኣብ ስውዘርላንድ ወላ ኩሉ ቦታ ናይ ዓለም ከይደ፡ ምሟተይ ኣይተርፈንን እዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚኣ እየ ዝመውት ኢሉና። ደዊልና ድሃዩ ንገብር ኢና። ሓደ ግዜ ኢሉና፡ ሓንቲ ንኡሽተይ ጎርዞ፡ ኩሎም ወትሃደራት ተባራርዮም ምስ ተጋሰስዋ ካልእ ዓርኮም ጸዊዖም ምስኡ ክኣ ክትድቅስ ምስ ነገርዋ፡ ኣብያቶም ክትሃድም ‘ኮላ ልክዕ ኣብታ ጽርግያ ናይ ስሓፋ ዘለጥ ቀቲሎማ። ስድርኣ እንዳ ረኣይዋ ክቀብርዋ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ወድሓዎቦይ፡ ኣካላት ወዲሰብ ማዕረ ክንደይ ዘይቲ ከም ዘለዎ ሽዑ ርእየ። ኣካላታ ተነፊሑ ነቲ ጽርግያ ዛዕዛዕታ መልእዎ፡ ኪሳብ ዓጽሚ ጥራይ ትተርፍ ሓደ ከየልዕላ ኢሎሙና።  እቲ ኩዑሾ ዝጻወትሉ ዝነበሩ ናይ ኤምቲዳድ፡ መቃብር ኮይኑ እዩ። ምኽንያቱ ናብ ሰሓፋ ሸሪግ ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም።”

ቀጺሉ  “ኣብ ዓማራ. . .” ኢሉ ክነግረኒ እንከሉ ምስ ያቆብ ብዙሕ ግዜ ኪንከይድ ኮለና ተዘከረኒ። ኣብ’ታ ኣብኡ ዝነበረት ሻራቶን ሆተል ይሰርሕ ስለ ዝነበረ፡ ነፍስወከብ ህንጻ ናይመን ምዃና እንዳ ነገረኒ እዩ ዝኸይድ ነይሩ። ናይ ቀደም ዝኽሪ ዓማራ ዝብሃል ገዛውቲ ናይ ካርቱም ከም ፊልም ብርእሰይ እንዳ ሓለፈ።

Advertisement

“ገሊኦም መውጽኢ ስኢኖም ኣብ መደቀሲኦም ሞይቶም ይጸንሑ። ንዝሞቱ መቅበሪ ስለ ዝስእንሎም ከኣ ኣብ ገዝኦም ገቢሮሞም።” ኢሉ በቲ ናይ ምዝንታው ዝነበሮ ክእለት እታ ዝዓነውትን ሃገርን ኩሉ ክብሩ ዝተጋህሰን ህዝብን ሱዳን ኣበየናይ ኩነታት ከምዘለዉ ብዘቀንዙ መልክዑ ነገረኒ። መን ነጊሱ መን ኣይነገሰን ዘገድሶ ከም ዘይኮነ ካብ’ቲ ናይ ቅባጸት ኣዘራርባኡ ክትግንዘብ ትኽእል።

ኣዕሚቀ ድሕሪ ምስትንፋስ ነቲ ተኣኒኑ ዝሰርሖ ጽቡቅ ቤት መግቢ ከዙረኒ ሓተትክዎ። ናብ’ቲ ክሽነ ገጽና እንዳ ከድና እንኮለና “ጣዕምያ ትዝክሮ ዲኻ?” በለኒ ፍሽኽ እንዳ በለ። ነቲ ከሻናይ ጸዊዑ ክህበኒ ሓበሮ። ሓንቲ ኣልዒለ ምስ በላዕኩ። ፍሽኽ በልኩ። እታ ኣነን ዳኒኤልን ካብ ትምህርቲ ኣዋጺእና ንበልዐን ዝነበርና ካብ ጽርግያ ዝገዛእናየን ኣብ ጻዕዳ ናይ ሽኮር ፌስታል ቆጺሮም ዝሁቡና ዝነበሩ ጣዕምያ ተዘከረኒ። ባዕሉ ዝሃነጾ ሽቃቅ፡ ኣልክሆል ዘይብሉ ባር፡ ጀራዲን ኣዛዊሩ፡ ካብ’ተን ዝያዳ ዝሕጉስኦ ዝያዳ እንዳ ኣተኮረ ኣርእዩ፡ መሊሱ “ተዘኩሮታት ከተሕድስ ምሳና ክትበልዕ ኢኻ።” ኢሉ ናብ ሓንቲ ደስ እተብል ገበላ ወሰደኒ። ኦኦ ጽቡቅ ስራሕ ጌርካ ኣብ’ዚ ውን ኢለ ኣድነቅክሉ። ሓደ መንእሰይን ክልተ ዕብይ ዝበሉ ሰብኡትን መጹ። እቲ መንእሰይ ብባኒ ዝተፈትፈተ ፉል ዝመልአት ሽሓኒ ሒዙ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ጸለምቲ ኮፍ መበሊ መሪጾም ኮፍ ክንብል ነገሩና። ጸጊበ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስኦም ኮፍ ኢለ ኽልተ ኩላሶ በላዕክሎም።

በሊዕና ምስ ወዳእና ነቲ ቤት ጽሕፈትን መንበሪ ክፍልታትን ኣርኣየኒ። ናብ ደገ ምስ ከደ ምሳይ ምዕላሉ ደስ ከምዝበሎ ነጊሩ፡ ከም ገዛይ ርእየ ክመጽእ ተማሕጸነኒ። ብድሕሪ እቲ ተደጋጋሚ ስሓቁን ፍሕሽው ገጹን ዘሎ ወይውን ክህሉ ኣለዎ ኢለ ዝስኣልክዎ ቃንዛ ኣስተብሂለ፡ ድንጋጸ ዝመስል ስምዒት ኣብ ጎሮርይ ውን ሕርቃን ክትልክትል በለኒ። ክመጽእ ምዃነይ ነጊረ፡ ስለ ፍሕሽው ኣቀባብላኡ ኣመስጊነ፡ ከድኩ። ክሳብ ኣብ’ቲ ጽርግያ ዝበጽሕ ኣማዕድዩ ይርእየኒ ምንባሩ በታ ናይድሕሪት መስትያተይ ኣስተብሃልክሉ። ኢንጅኒየር ዝያድ ኩቡር ሰብ ምንባሩ ኣብ ዓዱ ርግጽ ወሲደ፡ እዚ ኩሉ ጉስቁልናስ ኣብ “ም’ንት ም’ንታይ!” ኢለ ኢደይ ኣብ ማነብሮ ሃሪመ ዕዝር በልኩ!

Advertisement
The Dead Now Require Airplane Tickets

Comments

Latest News

  • ኣብ ም’ንቲ ም’ንታይ?June 4, 2026
  • The Dead Now Require Airplane TicketsJune 4, 2026
  • From the White House to the StonehouseJune 3, 2026
  • Eritrea Celebrates — but Its President Is Somewhere ElseMay 31, 2026
  • How the Pledged Public WorksMay 27, 2026
  • Egypt, Eritrea, and the New Geometry of the Red SeaMay 24, 2026

Categories

  • Al-Nahda (89)
  • All (102)
  • AlMaseer (23)
  • Articles (756)
  • Awate poll (3)
  • Awate Team (165)
  • Belly Of The Beast (2)
  • Branna (28)
  • Columns (1)
  • Documents (40)
  • Editorial (25)
  • Eritrea Digest (5)
  • Flipside (22)
  • Gedab News (425)
  • Horn Echoes (19)
  • IGAD (1)
  • Insight (7)
  • Interviews (12)
  • myawate (2)
  • Negarit (324)
  • Pencil (112)
  • Perspective (106)
  • Pointblank (23)
  • Reflections (25)
  • Rss feed (2)
  • Spotlight (15)
  • Tebeges (54)
  • U-Turn (56)
  • Verbatim (1)
  • Videos (307)
  • عربي (235)
  • ትግርኛ (312)

Tags

  • eritrea
  • Isaias Afwerki
  • Ethiopia
  • PFDJ
  • Horn of Africa
  • Abiy Ahmed
  • Red Sea
  • TPLF
  • Eritrean Opposition
  • Tigray
  • Sudan
  • EPLF
  • authoritarianism
  • ethiopian civil war
  • Asmara
  • UAE
  • Eritrean Diaspora
  • Eritrean Politics
  • Eritrean history
  • Djibouti
  • Somalia
  • ELF
  • Human Rights
  • Yemen
  • Saudi Arabia

Authors

  • Gedab News (416)
  • Awate Team (314)
  • Saleh “Gadi” Johar (297)
  • awatestaff (210)
  • Awate Team (188)
  • Semere T Habtemariam (108)
  • Salyounis (92)
  • Saleh “Gadi” Johar (84)
  • Beyan Negash (78)
  • Amanuel Hidrat (48)
  • Younis Omer (Ali Salim) (41)
  • Semere Andom (iSem) (36)
  • Amanuel Sahle (36)
  • Aklilu Zere (28)
  • Dr. Mohammed Kheir (28)
  • Ismail Omer-Ali (26)
  • Yohannes Zerai (25)
  • Ghezae Hagos Berhe (23)
  • Mohammed Ahmed (23)
  • Daniel G. Mikael (21)
© Copyright 2000-2022 All rights reserved.
About Us Merhaba: Awate Open Thread Posting Guidelines Login
Powered & Maintained by: Apache Web Services