Home / Merhaba: Awate Open Thread

Merhaba: Awate Open Thread

Welcome to Merhaba (jebena),  awate.com’s open thread.

A gift for Papillon:

[youtube]http://youtu.be/x5m1A7zoIcc[/youtube]

lampedusa

Eritreans react to the tragedy in Lampedusa

 

Rage in Boston: Eritreans grieving about Lampedusa confront those who want to spend the night partying and raising funds for those responsible for exiling Eritreans to their death:

[youtube]http://youtu.be/bUc_n1t0EWk[/youtube]

Eritreans For Justice: Silence kills.  A well-produced video that chronicles the tragedy at Lampedusa: news reports, reactions of the Eritrean regime and reactions of the Eritrean people.  Once again, the regime is at odds with the people:

[youtube]http://youtu.be/X5Viyti1tPQ[/youtube]

 

A sister (Lwam) grieves for her brother (Aman): “Amaney kindi shiH”

[youtube]http://youtu.be/xTNv1SCahPg[/youtube]

A priest (Deacon John Ghebrehiwet) cites Ezekiel 37:3 (“And he said unto me, Son of man, can these bones live?”) and calls on the ambassadors and those who call themselves “citizen ambassadors” and the self-declared “representatives” to speak on our behalf in our hour of grief and because they haven’t, they are now on the black list. And those in Atlanta who chose to have a PFDJ concert while Eritreans were rocked by one of the biggest tragedies Eritrea has endured: (15 minutes of straight talk)

[youtube]http://youtu.be/SZhQUR-Bsas[/youtube]

An Eritrean in Israel (Habtom Mehari), an asylum-seeker, explains exactly what the root causes are for Eritrea’s exodus: (begin at the 1hour:13 minutes: 23 seconds mark)

[youtube]http://youtu.be/kElDKvRvzgY?t=1h13m23s[/youtube]

The Eritrean ambassador to Italy, Zemede Tekle, finally shows up (well, its only been 11 days) and blames human traffickers and Ethiopia for the root causes of Eritrea’s exodus.  (audio interview with Focus on Africa/BBC: ).  Warning: have your computer or smart phone at a safe distance or you will throw it against the wall.

Dedication to Lampedusa Victims:

To the survivors: Abraham Afwerki, Semai (“The sky”) lyrics in English:

[youtube]http://youtu.be/gTZoPkA0KRE[/youtube]

To those who perished: Tesfai Mehari (Fihira): Bahri (“the sea”) with lyrics in English:

[youtube]http://youtu.be/UjrE3UH_VFY[/youtube]

The world is in mourning and in a state of shock at the gruesome death of hundreds of refugees including Eritreans and Somalians.  The Italians declare Friday a day of mourning.

[youtube]http://youtu.be/sJygwa_vIyg[/youtube]

Meanwhile, Eri-TV talks about the death of “illegal immigrants who are citizens of the Horn of Africa”

[youtube]http://youtu.be/b4nL27OWQmg[/youtube]

13 people drown off the coast of a Sicilian island in Italy.  Now, it is confirmed that they are all Eritreans:

[youtube]http://youtu.be/ysNllTLUI78[/youtube]

++++++
Eri-TV calls for fundamental change everywhere in the world… except in Eritrea.

[youtube]http://youtu.be/RQ1tcXWy_BM[/youtube]

+++

 

One man.  Four Interviewers.  2 Days.  6 hours. Short version: “things are bad and getting worse but it is not my fault.”

[youtube]http://youtu.be/xS6lXkbjqzI[/youtube] [youtube]http://youtu.be/E0207Faw3To[/youtube] [youtube]http://youtu.be/eBw31B2oxRc[/youtube] [youtube]http://youtu.be/8707p45y8r4[/youtube]

++++++
One of the greatest modernizers of Tigre music, Idris Mohammed Ali here sings “Abayki Gesa Yimidru”, a cover of Idris Wed Amir, who was the greatest (some say the originator of the beat) of Tigre musicians.  Idris Mohammed Ali, a veteran of our revolution, has been imprisoned by the Isaias Afwerki regime since 2005.

[youtube]http://youtu.be/Vo3IcmY1HVg[/youtube]

++++++
Time:

Time (Gizie) –  Orion Saleh

[youtube]http://youtu.be/zpUEde7U1sY[/youtube]

Era (Zemen) –  Yohannes Tikabo

[youtube]http://youtu.be/P0rcRzA1hpE?t=32s[/youtube]

++++++

Canada bids farewell to Tax Man Semere unceremoniously expelled by the Canadian government.  Bring your tissue paper:

http://www.ustream.tv/recorded/33738559
++++++
Stand up comedy, Eritrean style

[youtube]http://youtu.be/iP44ETp5d0I[/youtube]

++++++

A present to EYSC and all Eritrean organizations who hear the whispers of “lets go our separate ways”:

[youtube]http://youtu.be/NrDVsprWRCQ[/youtube]

+++++++

Orion Saleh dedicates a song to Sophia Tesfamariam:

[youtube]http://youtu.be/NItdieymtX4[/youtube]

++++++

  • Kokhob Selam

    …….እህም ባየ!!!!!…

    …እዛ ጓለና ንመን ሒዛ:-
    …….ትብል ዘላ “እሂም ባዛ”:-
    ………..ብሓልዮትና እንዲያ ጎቢዛ;-
    ………….ትፈጥረልና ዓቢ ቃንዛ:-
    …………….ብስሚ ዶ ኾን ተበሪዛ:
    ……………….ረኺባ ዶ ስዲ መሓዛ::

    እምበር:-
    …ሃገርነት ኣብ ቃሬዛ:-
    …….ንሳ ትፈቱ ጠርዼዛ:-
    ……….እናሰጎመት ጻባ ሃንዛ:-
    ………….ብነፍሰ ፍትወት ተታሒዛ::

    … “ተኹሽተተይ” ኢላ ድርቕ :-
    …………..ከም’ዛ በይና ጽሓይ ተብርቕ:-
    ………………………..ጉድለታታ ኣጽብብቕ:-
    ……………………………ዘመረጸቶ ድርብይ ኣርሕቕ:-

    …ወዮ ንሕና ንኢስናያ:-
    …….ዘይነስትብህል መሲልናያ:-
    ………..ክትቅድመና ተጓያ:-
    …………..”ተዓርየ” ትብል ኣቦኣ ደርብያ::

    ኣቤት ኣቤት!!

    …ከም ጽላለ ከም ዕብድብድ:-
    ……ከም ስኽራን ርእሲ ክብድ:-
    ………ከም ፍርሕርሕ ስምብድብድ:-
    ………….ነብሰ ምትላል ምእብባድ:-
    ……………..ኣብ’ታ ጉባኤ ከይትዋረድ:-
    ………………..ተቀዳዲምካ ሓደ ውግድ::

    …ኣብ ክንደይ ንሳ ዘይደልደለት:-
    …..ኣደን ኣቦን ዘይሐጎሰት:-
    …….ህጻን መንእሰይ ዘይሓቖፈት:-
    ……….”ኣህምባየ” ኢላ ዘለለት::

    እህምባየ ‘ቲ ወግዕና:-
    ‘ዛ ጓለይ ይጽነሓልና:-
    ኣብ ግዚኡ ክኾነልና:-
    ገዓት ጠስሚ ምስ በላዕና :-
    ግርም ምስ ደልድለ ‘ቲ ብርክና
    ሺዑ ንሪኤኪ:- እንተኽኢልካና::

    ብኮብ ሰላም–

  • Kokhob Selam

    ………….ወይልኡ ልኋኺ………….

    እቲ ብዓል ሓቂ መዓስ ጠፊኢዎ:-
    ድኽመታት ሕዝቡ ግርም ጸጽይዎ:-
    ባዕሎም ይምስክሩ ‘ቶም ዝኸስዎ:-
    ዕግርግር ክብሉ ኣህዲኡ ኣልይዎ::

    ሕሩመይ;-

    ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ድኽመታት ወገኑ:-
    ልቢ ኣዕብዩ ንቅድሚት ሓሊኑ:-
    ……………………………………ተስፋ ተኸዲኑ:-
    ጠቃሚ መዚኑ– ናይ ሓባር ባይታና መአንቲ ከይዓኑ
    እንተ ድሑራት ክጸናጸኑ:
    ………………… ስራሕ በዚሕዎም ዝባዞኑ:-
    ኣብ ክንዲ ሞት ህግደፍ ዘፋጥኑ ::

    ነጊርናዮም እንዲና እምነት ከምዘድሊ:-
    ጽቢብ ስምዒታቶም ንኽበሊ:
    ባይታ ኣዳሊናሎም ናይ ሓባር መጽለሊ:-
    ኣጆኹም እልናዮም ደው ኢልና ብዕሊ::

    እሞ ድኣ :-
    ሓንሳብ ይእርነቡ ሓንሳብ ይብተኑ:-
    ምእላይ ኣብይዎም ርእሶም ቀይኒኑ:-
    ምኽንያት የብዝሑ ጉድለት ክሽፍኑ:-
    ብድቃስ ተበሊዖም ካልእ ይኹኑኑ::

    ወይ ደቀይ!!!

    ጉድለታት ኣለና ኢሎም ከይሓሰቡ:-
    ስራሕ ከይሰርሑ ፍርያት ዝጠልቡ:-
    ኣየናይ ዘርኢ በቂሉ ዓንቢቡ:-
    ሓረስታይ ከይሓረሰ ንፍረ ቀሪቡ::

    በሉ:-
    ሓቂ ናይ ብሕታ ሰራዊት ኣለዋ:-
    ኣሺንቧይ ዶ ሎሚ ሓፋሽ ፈሊጥዋ:-
    ቀደም ‘ኳ ውጹዕ ምርዳእ ኣብይዋ:-
    ንህግደፍ ገበን ነይቀደዋ:- ደም ዒቅ ኢሉዋ:-
    ………………………ማስጣ ሓቂ ወሪድዋ :-
    ባዕላ እያ ተሰይራ ባይቶ ነይነውነዋ::

    ግደ ናይ ውሑዳት ኣብቲ ዓውደ ቃልሲ:-
    ክምስገን ይግባእ ወኒኻ ቀስቃሲ:-
    ንውጽዕ እዩ ነይሩ ኣይኮነን ንኹርሲ;-
    ባይቶ ዘይርኣዮ ኣለና እዩ ቅርሲ:

    ዝግርም እዩ:-
    ከይኣኽሉና ልኣኡኻት ህግደፍ:-
    ክብረት ኣልቦ ዝበሉ ጸደፍደፍ :-
    ገደደና ‘ቲ ናይ ድሑራት ሓነፍነፍ:
    ኣብ ጥራይ ጎልጎል ስልጣን ምህራፍ::

    እመኑ ተጋዳልይ ሓቂ እዩ ህይወቱ:-
    ልዕሊ ባይቶ ልዕሊ ውድባቱ:-
    እንተዘይኮይነን ፈጸምቲ ድልየቱ:-
    ሕማም ተሽኪሙ ናብ ሃገር ነይኣቱ::

    ኪዱ ደቅሱ ከም ቀደምኩም :-
    ቀይዲ በትኽ ካብ ኮነ ጉዕዞኹም::

    እቲ ግድል ከም ቀደሙ:-
    ናይ ሓቂ እዩ ካብ ገጽና ህደሙ:-
    ኣብ ኣድላይ መድረኽ ካብ ትጠልሙ:
    ወይ ውን ተቀላጢፍኩም ተኣረሙ::

    ኤረትራና ኣለና ኣጆኺ:-
    ኣይደኸምናን ንጋደል በጃ ክብርኺ:-
    ለሊይዮም ጸበብቲ ፈሊኺ:-
    ንገሪ– በልዮም ወይልኻ ልኋኺ:

    ብኮኾብ ሰላም:-

  • Kokhob Selam

    …………ነይረ ድየ ባሶ!!!!!!!………..

    ኢለያ ነይረ ኣይፋልክን ይትረፍኪ:-
    ፍቅርን ዘልሓጥሓጥን ዝብኢ ነይጥቅመኪ::

    ደም ውጹዓት መዓር ጥዒምዋ:
    …….መዓስ ክትበራበር ካን ኮይንዋ:-
    ………….ግዝያዊ ብልጭልጭ ኣስኪሩዋ:-
    ……………. ነጻነት ሓፋሽ መዓስ ተራእይዋ::

    እቲ ሽዑ፥

    ሽዑ ‘ኳ ዘመን- ጓይላ –
    …….ሽዑ ሽዑ ዘመነ-ዝላ-
    ………….ኣደይ ልውሃት ክጽለላ-
    ……………. መሲልወን ኣብ ሰላም ዘጽለላ::

    ንሳ ‘ውን ብፍቅሪ ጻሕ ኢላ-
    …….ነቲ ጾግራ ዘው ኣቢላ –
    ……………..ክት ስዕስዕ ክትረአ ኢላ-
    ……………. ….. ክብልዋ ኣቤት ከምሕረላ-
    ……………………….ባህ ኢልዋ ትኽል ኢላ::

    …….ክትንቀጥቅጥ ደርብ ኮይኑ-
    ……………… መንኮብ ጡባ ቶሓቒኑ-
    ……………………….ፍዝዝ ኢሉ ሰብ ክሪኣ ፍጡጥ ዓይኑ:

    እንተ ኣነ:-

    ዓጽመ ስጋ ‘ቲ ፍራሲ-
    ይፍለ እዩ ካብ ‘ዛ ነቢሲ
    እንተ ንስኺ ተቅለስልሲ:-
    መሲሉኪ እት ነግሲ:-

    እናበልኩ እንተነገርኩ:-
    …….መን ክሰምዕ ተነዓቅኩ:-
    ……………..ጸረ ባህሊ ተበሃልኩ:-
    ……………………….ብዓጀብታ ተጸለምኩ

    እንታይ ‘ሞ እንታይ ‘ሞ:-
    ኣርኪብዋ እንዶ ኢሎሞ:-
    ንሳን ከንፈሩ ት ስዕሞ-
    ኮይናትሎ ዘርሞዘርሞ-
    እንተንሱ ይምሰሓ-
    ኮይናትሉ ኢራብ ስሰሓ::

    ሕጂ ያኢ!!!!!

    ባዕላ ትልሕሶ ተለሓሕሶ:-
    ነቲ ሚስጥር ተእትዎ ተምልሶ:-
    ሓግያ ነይራ ክትሞጋግሶ:-
    ባዕላ እነሀልኩም ትኸሶ ትኸሳስሶ-
    ‘ታይ ፈለጠ ነይረ ድየ ባሶ::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ……ብጻይካ ኣይትክድዕ:……

    ቀደም እዩ ቀደም ዘመን ኢሎሞ:-
    ዋና ፈረስን ኣድግን መገሻ ነቐለ’ሞ:-
    ነቲ ፈረስ ስለ ዝፈትዎ ግርም ሸላለሞ :-
    እንተ ነቲ ኣድጊ ከቢድ ኣሸከሞ::

    ኣድጊ እንዳተንፈሰ ይጓዓዝ ከም ኣመሉ:-
    ፈረስ ግን ብፍሰሃ መገዶም ቀጸሉ::

    “ዓርከይ ፈረስ ከቢዱ ‘ ዚ ጽዕነት ፍርቂ ሓግዘኒ:-
    ትንፋሰይ ከይትወጽእ ሞት ከይወስደኒ”
    ይብሎ ይልሙኖ “ዓርክኒ ዓርክኒ”

    “ክላ ነዚ ዲኻ ከቢዱ ዝበልካ ቁሩብ ከይሓፈርካ:-
    ቀጽል ድኣ ኪድ ጎይታና ከምዝፈረደካ:-“

    ይኸዱ ይኸዱ ይድይቡ ይወርዱ:-
    ዘልሓጥሓጥ ምስበብለ ኣድጊ ‘ውን ሓንጊዱ:-
    ሰብኣይ ይዝልጦ በትሩ ኣዋዲዱ:-
    ኣድጊ ፈርፈር በለ ነብሱ ተጨምዲዱ:-
    ወድቑ ዓረፈ ከብዱ ተቐዲዱ::

    ሰብኣይ ሓዚኑ እንታይ ‘ ሞ ይገበር:-
    ይሓስብ ይትክዝ ምስ ነብሱ ይናገር:-
    ጉዕዞ ንምቅጻል ይጣበብ ይመክር:-
    ጽዕነት ኣድጊ ኣልዒሉ ናብ ፈረስ ይኹምር:

    ኺድ በል ሕጂ ይብሎ ሰብ ኣይ ቻህ ! ቻህ!
    ብጻይካ ካብ ሞተ ነየኩርዕ ነየብራህ

    ሻቡ ፈረስ:-

    “ንዓይ ሲ ቻህ ! ቻህ????”

    “እስከ እንታይ ነይርዎ ቁሩብ እንተዝሕግዞ:-
    ካብ ሕጂ ዝበኪ ብጽዕነት ዝቅንዞ:-“
    በለ እንታይ ይዓብስ ዝደንጎየ ምህዞ:
    “ድሕሪ ማይ ናብ” ብዓቲ ምኽሪ እነሆ ሕዞ-

    ስለ’ዚ
    ብጻይካ ኣይትበድል ሰኸም ከይብዝሓካ :-
    ንሱ ሎሚ ይቅተል ተራኻ ይብጽሓካ::

    ካልእ ክሓልፈልና ኣንጻር ኣድሓርሓርቲ:-
    ንሕናን ክጥዕመና ካለኦት ተጸበይቲ:-
    ፍልልይ የብልናን ምስ ‘ቶም ቀተልቲ ሓረድቲ:-
    እዝጊ ኣይፈትዎን እዩ ንኹን ተኻፈልቲ ::

    ብጻይካ ኣይትግደፍ ኣብ ጸግም መከራ:-
    ንሱ እንተሞይቱ ከይበጽሓካ ተራ:
    ቅልጽሙን ቅልጽምካን ሓደራ ኣሕብራ:-
    ምኽሪ እያ ወገነይ ኣብ ልብኻ ኣሕድራ
    ኣይትክድዕ:!!!!!!

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ………መለለይ ጀግና……..

    ብምንታይ ትፈልጦ ፍሊኻ ካብ ሰቡ ?
    ብዕጥቂ ቁመና ተሪሩ ምቕራቡ :-
    ኢልካ ከይትምልስ ምንፍሑ ኣፍ ልቡ:-
    ኣለው ብዙሓት ዳንጋ ዝደረቡ:-
    ሞይቶም ዘይዝከሩ ሓቂ ዘይመዝገቡ:-
    ጉጉይ መትከል ሒዞም ሓመድ ተደብደቡ::

    እንተ ጀግና:-

    ዕጥቁ ይኹን ሓይሉ መትከል ተመጊቡ :-
    ዝገብሮ ዝፈልጥ ኣቀዲሙ መዲቡ:-
    ጉዕዞኡ ዝቕጽል ንነዊሕ ኣቕሪቡ:-
    ርቀት ናይ ሜልኡ ዘደንቕ ጥበቡ:-
    እዩ ‘ቲ ጀግና ዝጋደል ንህዝቡ:-

    እወ:-
    ተስፋ ዘይቆርጽ ብዝኾነ ምዕባለ:-
    ኣብ ጸገም መከራ ዘይደክም ዘይጽለ:-
    ብ ኣንጻሩ ንጥቅሚ ቃልሱ ዘውዓለ;-
    ከም ተሞክሮን ምህሮን ዝወሰዶ ዝተቐበለ:-
    ማእዘኑ ዘይስሕት ድንግርግር ከይበለ:-
    እዚ እዩ ጀግና ካብ ህዝቡ ዘይፍለ;:

    እወ፥
    ‘ዚ ኩሊ ፈንጠዛ ዝላ ናይ ድኹማት;-
    ኣይነበሮን ንሱ ግዝያዊ ፈኸራታት:-
    ወላ እንተረኣዮም ንኹሎም ድሑራት:-
    ወላ እንተገጠምዎ ብዝተፈላለየ ሜላታት:-
    ወላ እ ንተተሰውአ ብጥይት ጉሒላታት:-
    ይፈልጥ ነይሩ እዩ ከምዘለው ተካእትታት::

    እወ:-
    ሓንቲ ኣይኮነትን ህይውቱ የግዳስ ብዝሕቲ:-
    እንተቐተልካያ ትፈሪ ለምለም እያ ጥጥዕቲ:-
    ሕተት ሰብ ህግደፍ ባዕሎም እዮም መስከርቲ:-
    “ከመይ ኢሉ ተመልሰ ኢሎሞ” ተገረምቲ::

    ብግዝያዊ ዓወት ዘይሰክር ዘይጭድር:-
    ክረአ ኢሉ ዘይውጭጭ ዘይምድር:-
    ወረ ሓሓንሳብስ ምፍላጡ ዘሽግር:-
    ሓያል እዩ ልቡ ብቀሊል ዘይብገር::

    ጀግና ‘ዛ ሃገር ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ:-
    ዝኾነ ሰብ ዝሓትት እንተሎ:-
    ዓይኑ ንዘጽረየ ግርም ዝዄሓሎ:-

    ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሪሩ ኣድብዩ ‘ሎ:-
    ንሩኹሳት ሃሱሳት ኣእቲይሎም ሰለሎ::

    ከይመስለካ ጀግና ኩሉ ተቃወመ:-
    ብኣእዳው ህግደፍ እዝኑ ተቆርመመ:-
    ኤስያስ ዝደርበዮ እኹል ምስተጠቅመ:-
    ኣጉል ዝተረፈ ቀደም ዝጸመመ:-
    ይቅሬታ ከይሓትት ዛንታ ዝቐመመ:-
    ምስ ጀግና ኣይትቕጾሮ ኣሚኑ ከይሰለመ::

    ጀግና ድኣ እንታይ ግዱ ሓንቲ ዝመትከሉ:-
    ሃለውልው ነይፈልጥ ሕማም እኳ ‘ብሉ:-
    መርገጹ ነይቅይር ዓሻሹ ክፈትውሉ;-
    እንተለብሙ ግረም ክብረቶም ይሕሉ;-
    ኣይፋል እንተበሉ ሸለውለው ይበሉ:-
    ገለን ባህ ከብል ነይቅይር መትከሉ::

    የግዳስ:-
    ይመክር ይመክር :-
    ይነግር ይነግር:-
    ዘይነቅቐሐ ይምህር:-
    ብልውሃት ይጽዕር:-
    ግቡኡ ይገብር::

    ጀግና..

  • sumaa

    Dear Awate Staff,

    I thought I would share this song which comes to mind as just another reason why parents name their kids – self- effimination.

    “A Boy Named Sue”

    My daddy left home when I was three
    And he didn’t leave much to ma and me
    Just this old guitar and an empty bottle of booze.
    Now, I don’t blame him cause he run and hid
    But the meanest thing that he ever did
    Was before he left, he went and named me “Sue.”

    Well, he must o’ thought that is quite a joke
    And it got a lot of laughs from a’ lots of folk,
    It seems I had to fight my whole life through.
    Some gal would giggle and I’d get red
    And some guy’d laugh and I’d bust his head,
    I tell ya, life ain’t easy for a boy named “Sue.”

    Well, I grew up quick and I grew up mean,
    My fist got hard and my wits got keen,
    I’d roam from town to town to hide my shame.
    But I made a vow to the moon and stars
    That I’d search the honky-tonks and bars
    And kill that man who gave me that awful name.

    Well, it was Gatlinburg in mid-July
    And I just hit town and my throat was dry,
    I thought I’d stop and have myself a brew.
    At an old saloon on a street of mud,
    There at a table, dealing stud,
    Sat the dirty, mangy dog that named me “Sue.”

    Well, I knew that snake was my own sweet dad
    From a worn-out picture that my mother’d had,
    And I knew that scar on his cheek and his evil eye.
    He was big and bent and gray and old,
    And I looked at him and my blood ran cold
    And I said: “My name is ‘Sue!’ How do you do!
    Now your gonna die!!”

    Well, I hit him hard right between the eyes
    And he went down, but to my surprise,
    He come up with a knife and cut off a piece of my ear.
    But I busted a chair right across his teeth
    And we crashed through the wall and into the street
    Kicking and a’ gouging in the mud and the blood and the beer.

    I tell ya, I’ve fought tougher men
    But I really can’t remember when,
    He kicked like a mule and he bit like a crocodile.
    I heard him laugh and then I heard him cuss,
    He went for his gun and I pulled mine first,
    He stood there lookin’ at me and I saw him smile.

    And he said: “Son, this world is rough
    And if a man’s gonna make it, he’s gotta be tough
    And I knew I wouldn’t be there to help ya along.
    So I give ya that name and I said goodbye
    I knew you’d have to get tough or die
    And it’s the name that helped to make you strong.”

    He said: “Now you just fought one hell of a fight
    And I know you hate me, and you got the right
    To kill me now, and I wouldn’t blame you if you do.
    But ya ought to thank me, before I die,
    For the gravel in ya guts and the spit in ya eye
    Cause I’m the son-of-a-bitch that named you “Sue.'”

    I got all choked up and I threw down my gun
    And I called him my pa, and he called me his son,
    And I came away with a different point of view.
    And I think about him, now and then,
    Every time I try and every time I win,
    And if I ever have a son, I think I’m gonna name him
    Bill or George! Anything but Sue! I still hate that name!

  • Kokhob Selam

    …..ብጻይ ኣማኑኤል thank you

    አ ማን ብኣማን ሓቂ መስመር ሒዝና ፥
    ማ ዕረ ‘ቲ ስቓይና ዓሪጉ ሓጎስና ፥
    ኑ ሕ ቀዲዱ በሪሁ ጉዳይና ፥
    ኤ ረትራዊ ሕቶ ‘ቲ ነዊሕ ጉዕዞና፥
    ል ዕሊ ኩሉ ነይሩ ሓያል መስዋአትና ፥፥
    ሕድ ሕድ ምትሕግጋዝ ሕያልኻ ምድልዳል፥
    ዳ ዕሮ መሪፅካ ድአ ብሓባር ምጽላል፥
    ራ ህዋ ፅባሕ ሓቢርካ ምስልሳል፥
    ት ርጉም ናጽነት ንኽሉ ምዕንጋል፥፥

    ከኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ሓው ሃይለ;
    ጎቦታት ሰጊሩ፣ ርሕቀት ከይጸገሞ፣
    ንልበይ ፊሒሩ ፣ዑምቆት ከይኣጎሞ፣
    ስውእ ኣዘኪሩ ፣ ኢደይ ዝጠመሞ፣
    ሕልናይ ኣስሚሩ ፣ንኣዳም ክገርሞ::

    ብዝይ ምጻእ መጺእካኒ፣ እታ ልበይ ፈሊጥካያ፣
    ሕጂስ ዒርካኒ ፣ሕውነትና ሓሊኻያ፣
    ‘ምበር ዘይምኸኣልካኒ ፣ብረስኒ ብጉያ፣
    ሰላም ‘ውን ሂብካኒ፣ ቆቢዕይ ኣውሪደያ::
    ዓርኩ፦
    አዛ ጽጌረዳ ፣ እሾኽ ዝኸበባ፤
    ከፊልናላ ዕዳ፣ ጀጋኑ ጠሊባ፣
    ብዙሕ እያ ወሲዳ፣ መንእሰይ ዕንባባ፣
    መን እዩ ዘገድዳ ፣መን እዩ ኸ ዝቐርባ?
    እቲ ሕቶ፦
    ንሳ እታ ጽጌረዳ ፣ ተሃራፊት ሽታ፣
    እንሀልካ ዕዳ ፣ተታሒዛ ብሽፍታ፣
    ደንዚዛ ከርዲዳ ፣ኣዝያ ትሒታ፣
    ሓፋሽ ኣሰምቢዳ፣ ድሕሪት ተጎቲታ::
    እወ፡
    ብዘይ ሕጊ ዝኸዱ፣ ፍጹም ዝሓንገዱ፣
    ዕግርግር ዝወልዱ ፣ፍጹም ዘይ እበዱ፣
    ደም ዝለመዱ፣ጸገም ዝእንግዱ፣
    ህድኣት ኣልቦ ተሃንድዱ፣ ክንደይ ዘይሓረዱ::

    ነዚ ተገንዘቡ ፣ብዙሓት ተበልጽቲ:
    ናይ ልቦም ረኸቡ፣ ኣዝነቡ መጥቃዕቲ:
    ደፈሮም ቀረቡ ፣ሞገት ጸረ ተጋደልቲ:
    እንሀልካ ተደሪቡ፣ ሓይሊ ተጻባእቲ:

    እምበር፡
    ስለ ዝነበርኩ: ‘ቲ ጀግና ክወድቕ:
    ስለ ዝወዓልኩ፣ ኣብ ጸላም ኣብ ብራቕ፣
    ስለ ትቐብልኩ፣ ሕድሪ ናይቲ ሰንድቕ፣
    ቅድም እየ ዝመሓልኩ፣ ኣብ መትከል ክደርቕ::

    ሓደራ ትብለኒ፣ “ንወርቂ ንጭርቂ”፣
    ገንዘብ ዶ ይዓቢየኒ፣ ኮይኑ ካብቲ ስውእ በርቂ፣
    ህይወት ዝሃበኒ፣ ከይወሰዲ ሲንቂ፣
    ተተርኢሱ እምኒ፣ ራህዋና መራቂ::

    ኣብዚኣ ተጠንጥቀቅ፣ ሰብ እዩ ቀዳምነት፣
    ውሑዳት ክንንጠቅ፣ ዝነበረ እምነት፣
    ብዙሓት ከነስንቅ፣ ኣብ ልዕሊ ‘ዛ መሬት ፣
    ኣይኮነን ከነሕልቅ፣ ህዝብታት ከነጽንት::

    ንሓና ‘ምስ ንሓበር ንተሓባበር፣
    ነቶም ተጋገዩ ‘ምስንንገር ንመከር፣
    ኣብትኸዶ የብላን ‘ዛ ሃገር፣
    ተበቲኑ ዘሎ ምስ ዝሰምር::

  • Kokhob Selam

    …..ድቃስ እኳ ኣመሳሚሱ…

    ድቃስ እኳ ኮርዩ :-
    ……..እምብዛ ኣንጸርጺሩ:
    ክብረተይ ኢሉ ብኽዩ:-
    ……..ምስ ደቀስቲ ሓቢሩ::
    ኮይንልና ከሳሳይ:-
    ……..ይምክት ተሪሩ::

    ደቃሲ እነተደቀሰ:-
    ……ኣፍራሲ እንተፍረሰ :-
    ………..ዝነፍስ እንተነፈሰ:-
    ………………ዘፍርስ እንተፍረሰ:-
    ወረ–
    …….ዝነፍር እንተነፈረ:-
    …………ዝጥርር እንተጠረረ:
    ………………….ዝዓተር እንተዓተረ:-

    ድ ቃስ እንታይ ገዲስካ:-
    ዘይትገበር ስራሕካ ?

    ኣለና ባዕልና :-
    ድግዲጊት ዓጥቅና:-
    ምኽኒት ኣይትብዝሕ:- ሜዳ ግደፈልና:
    ………………………………….ኣይትዓናቕፈና:-
    እንተበልናዩ ምኽንያት ረኺቡ:-
    ድቃስ ‘ውን ደቂሱ ተጎናኒቡ::

    ድቃስን ደቀስቱን ኣደቀስቱን ምስ ዓጀብቱ:-
    ጽባሕ ደፊሮም ክረኣዩ እዮም ሃገር ምስ ንኣቱ:-
    ሽዑ እዩ ሕጊ ንሓገግቱ ዘርኢ ብቕ ዓቱ:-
    ዘይሰርሐ ይጥመ ዘይሃበ ክእለቱ::

    ከኮብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ……….ሓቂ እያ ክትስዕር ………
    ይ ረ አ እነሆ — ‘ቲ ባና:-
    ን በርህ ከም ንግሆ– ወቂብና:-
    ዋ ናታት ታሪኽ ህዝቢ– ብምዃና :-
    ሕ ብረት እዩ መርሆ ‘ቲ ጉዕዞና::

    ይ ብከዩ ሰብ ገበን — ተቀንዝዮም:-
    ሕ ጊ ባህርይ ኣይኮነን– ክንጾሮም:-
    ጸ ብጻብና ኣይምሕርን — ይፈርዶም:-
    ር ጉማት ኣይሰረሩን — ወይለኦም::

    ሓ ርነት እዩ ‘ቲ ሸቶ –ብቐንዱ:-
    ቂ ምታን ህልኽን ነይፈቱ — መገዱ:-

    እ ንተኾነ ይለብም ዘይለበመ — ይበራበር:-
    ያ ታና እዩ ምሕረት ጌጋ ዘይደገመ — ይጸንበር:-

    ክ ፍልፍል እናረ ኣኻ ማይ ሓቂ— ክዘንብ:-
    ት ምህርቲ ዘይወሰድካ ጨፍላቂ—- ተኣርነብ:-
    ስ ምረት እዩ ጸሓይ ኣብራቒ —-ትዓደም ትኣከብ:-
    ዕ ድመ ሓላፊ እዩ ሓቓቒ — ቀልጢፍካ ተወደብ :-
    ር ዓም ምስ ሓፋሽካ ኣደልድሎ ዕጥቂ —ተቐራረብ

    NOTE:- ናይ መጀመር ያ ፊደላት ንታሕቲ “ይንዋሕ ይሕጸር ሓቂ እያ ክትስዕር” ይንበብ :
    Limit time given was 15 mints
    by Kokhob Selam

  • Kokhob Selam

    ……ዝለዓለ ተጋዳላይ……..

    ንምትኳስ ድኣ ከንደይ ዘይተኮሱ:-
    ተምልከተለይ ኢሎም ክሳድ ዘይበጠሱ:-
    ንስለ ምግዳል ክንደይ ዘይተቃልሱ:-
    ማዕረ ግን ኣይኮኑን ምስ ሓቂ ዘንገሱ::

    እምበር ንስለ ህልኽ ዝኣተው ቆጺርካ:-
    ብቂምታ ዝተሰርዑ ብሓደ ጠርኒፍካ:-
    መቋጽርቲ ‘ምበር ፋይዳ ነይህበካ:-
    ኣብ’ዚ ዝነበረ ኣብ’ቲ ይጸንሓካ::

    ‘ቲ ዝለዓለ ተጋዳላይ ግዳ ኣዝዩ ይፍለ:-
    ብጸቢብ ስምዒታት እንከይትኻፈለ:-
    ጨካናት ከሐጉስ ውጹዕ ዘይበደለ:-
    ባህሪያቱ ጽፉፍ ኣዝዩ ዝለዓለ::

    እቲ ሓቀኛ፡፡

    ንብሰ ማእከልነት ጢሒሱ:-
    ቀዳምነት ዘይህብ ንነብሱ:-
    መትከሉ ዘይቅየር ጨሪሱ:-
    ሓደ ዝኾነ እዩ ተግባሩ መልሓሱ::

    ንሱ:-

    ቁጠባዊ ረብሓ ነጺጉ:-
    ግዝያዊ ባህታ ሓዲጉ:-
    ብመትከል ዝፍለጥ ማዕሪጉ:-
    ንሓፋሽ ርግቢት ንጨካን ሕንጉጉ:-

    ንሱ:-
    ጸጊዕነት ጉጅለ ዘይብሉ:-
    መርገጹ ዘይቅየር ዝበሉ እንተበሉ :-
    ንሓፍነት ኣልቦ ዝምክት ተኺሉ:-
    ፍርሓት ዝሰበረ ንትብዓት ዓሲሉ:-

    ንሱ:-
    ግዳ ኸኣ ሩህሩህ ሰላሚ ርግቢት:-
    ጻዕዳ ዝልቡ ዝድነቕ ብልውሃት:-
    ጭራስ ዘይካፈል ኣብ ሓሶት ኣብ ክድዓት
    ድሕር ዘይብል ንይቕረ ንምሕረት:-

    ንሱ:-
    ኩነታት ናይ ምምዛን ክእለቱ:-
    ብምህሮን ተሞክሮን ተቐኒቱ;-
    ዝቅበል ምኽሪ ኣያታቱ;-
    ኣኽባሪ ርኢቶ ናይ ኩሎም ስዓብቱ::
    ንሱ
    ኣብ መንጎ መትከልን ሜላን:-
    ዘሎ ፍልልይ ዕላማን መንገድን:-
    ከይሓዋወሰ ዝቃለስን ዝሰርሕን;-
    እዩ ቑም ነገረኛ ግዜ ዘይባኽን::

    ብክልተ ሰራሕ ዝኣምን ኣነጺሩ:-
    እቲ ሓደ መርሖ ኣብ ሓሳብ ኣስፊሩ:-
    እቲ ካልኣይ ግዳ ስራሕ ምትግባሩ;-
    ነዊሕ ሕልምታቱ እውን ምቕያሩ

    ዝለዓለ ተጋዳላይ
    ።።።።።ይቅጽል፡፡፡፡

  • Kokhob Selam

    ………. መን እዩ ተጋዳላይ? (P1)……..

    ተጋድሎ እንታይ እዩ ‘ቲ ገደል ገድልታት:-
    ስንጭሮ ጎላጉል ዓቐበት ቁልቁለት:-
    ሓይል ንፋስ ቁሪ ኣስሓይታ ውርጭታት:-
    ፈጽ ዘብል ኣውሎ ንፋስ ዝዓብለሎ ሙቀት:-
    ዓሶ ጣንጡ ውይቦ ዝኸበቦ ሕማማት:-
    ምትሕንናቅ እዩ ምስተፈጥሮ ኩናት::

    ኣቤት እወ ገድሊ፥
    ዝተፍለልዩ ሕብረ ባህልታት እምነታት:-
    ዝተፍለልዩ ኣተዓባብያ ሓልዮታት:-
    ገለን ሰራሕተኛ ተመሃሮ ሓረሶቶት :-
    ወዲ በጃኽኒ ገሊኦም ለዋሃት ቦቅቧቓት :-
    ገሊ ኦም ጨካናት ጀጋኑ ቀባጻት:-
    ኣብ ሞንጎ ‘ዚ ኩሉ ዘሎ ፍልልያት:-
    ምናባር እዩ በጃ ምዃን መስዋትነት::

    ክኸውን ክኸውን ናይ ገድልና ግድሊ:-
    ዘመረረ ዝገብሮ ጽዕነት ድሑር ባህሊ:-
    ወገናውያን ተጋደቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ላዕሊ:-
    ሓይልኻ የዳኹሙ እናንተዑ ቁስሊ:-
    ክንዳአይ እያ ሓሪራ ኣትያ ኣብ ከርሽሊ:-
    ገሊኣ ሃዲማ ህይወታ ክትኣሊ:-
    ግሊኣ ጸይራቶ ብትዕግስቲ ዓቕሊ

    ገድሊ፥

    ነቲ ቀዳማይ ሽቶ ቀዳምነት ሂብካ:-
    ድሕር ሕር ከይብለካ ሓላፍነት ወሲድካ:-
    ጉዕዞ እዩ መሪር ሕድሪ ተሸኪምካ:-
    ሓያል ብጻይነት ሕልፈት ንብጻይካ:-

    ኮኾብ ሰላም
    Next poem – መን እዩ ተጋዳላይ? P-2

    • Kokhob Selam

      ……. መን እዩ ተጋዳላይ? P-2….
      ክብደትን ምረትን ዝሓለፈ ተጋድሎ:-
      ንዝነበሩ ይሕተት ዘይፈልጦ እንተሎ:-
      ኣጸቢቑ ይስማዕ ግርም ይከታተሎ:-
      ቅኑዕ ፍርዲ ክህብ መእንቲ ክኽእሎ:-

      እቲ ገድሊ ‘ምበኣር በነብስኻ ይጅምር:-
      ሓዲሽ ባህሪይ ተጥሪ ትብልሓት ክትመሃር:-
      ኣእምሮ ይህነጽ ኣብ ቃልሲ ንምንባር:-
      ከርተት ክብል ኣካል መከራ ክጸውር::

      ኣየ እወ እዛ ንብሲ ቀብጥበጥ ዝለመደት:-
      ኣዝያ ተሽፍቐካ ስቓይ ምስ ጠዓመት:-
      ግዳ ከምዝገበርካያ እያ ትለምዶ ከይፈተውት:-
      ኣማራጺ መገዲ የለን ንናጽነት ክብረት:-

      ከም ጡብ ኣዲኻ ትቐብጾ ጥዑም ምቹእ ናብራ:-
      ኣደ :– ኣቦ :- ሓብቲ :- ደቅኻ:- ኩሎም የለውን ስድራ:-
      ክንደኦምን ልዕሊኦምን ትረክብ ተጋደልቲ ሰውራ:-
      ኣሜን ኢልካ ስለ ትቅበሎ መኣንቲ ኤረትራ:-

      መሰጋገሪ መድረኽ ዝበርተዐ እዋን:-
      ጋሻ ገድሊ ኮይንካ ከይትብል ዓወንወን:-
      ቅድሚኻ ዝጸንሑ ሰብ ምህሮን ተሞክሮን;-
      የተባብዑኻ ገሊኡ ብተግሳጥ- ገሊኡ ብልውሃን:
      ከከም ኩነታቱ ከም ኣድላይነቱ ብሰሓቅ ብጭርካን
      ይከታተሉኻ ይመርምሩ– ድኻምካን ሓይልኻን

      ………..ወተሃድራዊ ታዕሊም፥…………

      ንክልተ ሰብ ሓንቲ መላጸ ምስ በሉ
      ገሪሙኒ ልበይ ጠጠው ኢሉ
      “እወ ነታ ሓንቲ ኣብ ክልተ ምቀሉ”
      ይብል ‘ቲ ጽቡቅ ዓላሚ የርእየና ባዕሉ:

      “ርኣዩ” ኢሉ ማዕረ ይመትራ:-
      ከም’ዛ ኣቀዲሙ ዝሓበራ- ዝነገራ:-
      ብዘይ ሓላፍ ዘላፍ ተተርቲራ:-
      ……………….. ኣብ ክልተ ተሰይራ::

      ኢዚ ኩሉ ንምታይ ኣድለየ? ኢለ ክመራመር:-
      ክሓስብ ዝን በልኩ ኣትዩኒ ድንግርግር:-
      ላማ ምምቃል ከ እንትይ ኢዩ ሚስጢሩ:-
      ለካስ መብእታዊ ሓበሬታ እዩ ተሓንጊሩ:-
      ብዛዕባ ቁጠባዊ ሓልዮት ምሕባሩ;-
      ተማቂልካ ምንባር ድኽነት ምጻሩ:-
      በቲ ካልእ ወገን ንማዕርነት ፍቅሩ

      ወይ ተኣምር ኣብ’ዚ እነሀልኩም ምህሮ:-
      ፍቅርን ምትሕብባርን ገድልና ከተስምሮ:-
      መእንቲ ክሰምጥ ግርም ኣብ ኣእምሮ:-
      ቁጠባዊ ሕብረተሰብኣዊ ፖሎቲካዊ ተሞክሮ::

      ሀ- ኢልካ ክትጀምር ገና ክትብገስ:-
      የምህሩኻ ኣያታት ከመይ ክምትቃለስ:-
      ከም ቆርበት ትለፍዕ ቆርቢዕካ ትልስልስ:-
      ብቁሪ ትቆሪ ብጸሓይ ትሕመስ:-
      ወተሃደራዊ ታዕሊም ፍጹም የለን ትኽስ::

      ካብ’ቲ ተጋድላይ ኮይንካ ትጋድሎ ዓመታት:-
      አተን ኣብ ወተሃድራዊ ተሕልፈን ወቅትታት:-
      ይብርትዓ—– መእንቲ ክኾና መሰረት:-
      ተጋዳልይ ክትብሃል ብምሉእ ብብቅዓት:

      ኮኾብ ሰላም
      Next poem – መን እዩ ተጋዳላይ? P-3

  • Kokhob Selam

    ……….“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ”?????………….

    ምስላ ምስትቀርብ ቦታኣ ወኪላ:-
    ክብሪ ኣቦታትና ምህሮታት ሓዚላ:-
    ምስ ተረኽቦ ክስተት ግርም ተማእኪላ:-
    ሽዑ እያ ትምዕርግ ባህሊ ዘምሕረላ::

    ‘ምበር ምሕበኢ ኮይና ናይ ሓሶት ካባ:-
    እንተ ኣትያ ኣብ ሞንጎ ገበናት ጎልቢባ:-
    ንግዚ ‘ኳ እንተመሰለት ዘረባ- ምስላ እንዳባ:-
    ውዒላ ሓዲራ ኣይተርፋን ምጥፈኣ- ምሽራባ:-

    “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” በለ “
    ሓንሳብን ደጋፊ ሓንሳብ እንዳበደለ:-
    መኻሪ ክመስል ኣታዓራቒ ጨለ:-
    ሚስጥር ሰውራ ከይቅላዕ እንዳተኸላኸለ::

    ኣይፋል ወገን:-

    ኣጽረይ እየ ዝበልዖ ሳግላ ቀላሊዐ:-
    ‘ምበር ነየቁስል ምዐንጣ ምስ ኣምዐ:-
    ሓሰኻ ነይመልኦ ጨጓራ ምስ ከስዐ:-
    ጥምየት ነይቀትል ይትረፍ ከይተበልዐ::

    ሳግላ ከይቀላዕካ ብላዕ ዝበለ ኣገዳዲ:-
    ኣብ ዕግር ግር ኣትዩ ክመስል ኣባዲ:-
    ሕሰብ በልው ከይንጸግ ከይነዲ:-
    መሰረታዊ ለውጢ እዩ ዘድሊያ ‘ ዛ ዓዲ::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ………….ዓባስ ወዲ ኣቦይ ፈርናስ………….

    ከም ኣዕዋፍ ክንሳፈፍ ወሲኑ:-
    ካብ ላዕሊ ነፊሩ ክቅጽል ፈቲኑ:-
    ናብ ታሕቲ ወሪዱ ኣካሉ ተበቲኑ:-
    ዓባስ ዓረበታይ ህይወቱ ስኢኑ::

    ወይ ሓወይ :-
    ኣንታ ካብ ታሕቲ ዘይፍትኖ ነበረ:-
    እንተ ቀዶ ቀዶ እንተዘይቀዶ ምስ ሰረረ:-
    ‘ምበር ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዘየንጠረ:-
    ከመይ ገይሩ ካብ ላዕሊ ምስንፈረ:-
    ብውሑዱ ድማ ሚዛኑ ዝሕልወሉ ሜላ ምስ ፈጠረ::

    ‘ቲ ዝገርም;-

    ነገር ዓረብ ስሉስ ዓለም ክመራመሩልኩም:-
    ኣገዳሲ እዩ እሎም ሕቶ ሓተቱልኩም:-
    “ኣበይ እዩ ሰፈሩ ገነት ድዩ ግሃነም”?
    ሕቶ ተረኺቡለይ ከም’ዚ ኢሎም ሓቲቶም:-
    በዚ ክካተዑ ዘመናት ኣሕሊፎም:-
    ካብ ቀብሪ ተመሊሱ ስእኖም ዝነግሮም::

    ተተዊሊዶም ይሞቱ ድሃይ ዝመልስ የለን:-
    ሕቶ ኣም ይቅጽል ዘምን ድሕሪ ዘመን ::

    እንተ ‘ቶም ናይ ዓባስ ተበግሶ ዝተመራመርሉ:-
    ሕተኦም ካልእ እዩ ንኽጥቀምሉ:-
    “ምንስፋፍ ይከኣል ድዩ ?” ዝብ ል ሕቶ ኣልዓሉ:-
    ዘዝበለጸ ንምስራሕ እንከይ ተሓለሉ:-
    ዘመን ድሕሪ ዘመን ምምዕባል ቀጸሉ::
    http://www.euronews.com/2013/06/14/europe-s-latest-plane-takes-to-the-skies/

    ኣቦይ ፈርናስ ምውላድ’ ሲ ወሊድኩም:-
    ምዓንጣ ትበተኽ ዝነፍር ወድኹም
    ካብ ላዕሊ ተውርዊሩ ኣልዒልዋ ሽምኩም:-
    እንታይ እሞ ደኺሞም ደቂ ደቅኹም:-
    ሓንቲ ነይገበሩ ካብ ጌግኡ ተማሂሮም::

    ዓባስ ኣይትመለስ ክይትጉሂ ኣምሪርካ:-
    ድቃስ እዩ መግቦም ‘ቶም ደቂ መሬትካ:-
    ኣብ ክንዳኻ እንሀኹ ኣነ ይበኽየልካ:-
    መዓስ ርሕቅካኒ ሓው ኣቦይ እንድ ኣልካ::

    ኢለ ነጊረ ነዛ ዘይሰምዓኒ- ንብዓተ ይ ክዛሪ
    ለካስ ኣነ ‘ውን ኣለኒ እዩ ነውሪ :-
    ወዲ ሃገር ካብ ሃለወ ዘይስከም ሕድሪ:-
    ታርኽ ገድለይ ዘናሹ ድኹም ተጠባሪ:-
    ቀልባዕባዕ ብሃሊ ተጠራጣሪ:-
    ሕሙም ተጸለለ ሐሕማቅ ዘውሪ:-
    ተዓጢቀ ክፍውሱ ብሰላም ወይ በትሪ::

    ኮኾብ ሰላም sept 2011

  • Kokhob Selam

    ………… ኣይገርምን??? …….

    ባሕሪ ዘይብሎም መርከባት ይገዝኡ:-
    ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ብህግደፍ ይጠፍኡ::

    http://www.ertagov.com/amharic/index.php/component/k2/item/1191-

  • Kokhob Selam

    ……….ክብረት ስማእታትና………

    እቲ ስውእ ኣብ ውሽጥና ኣሎ:-
    እቲ ደግለል ጀግና ግርማ ዝዓሰሎ:-
    እታ ኣንበሲት ጽብቅቲ ክሕሎ:-
    ዓበይቲን ኣሽቱ ስውኣት ተጋድሎ
    ኣካሎም ድኣ ‘ምበር መንፈሶም ምሳና ኣሎ
    ሰውራና ዘናሹ እንተፈተነ ክንጽሎ:-
    ፍቅርና ሓያል እዩ ማንም ነይኽ እሎ::

    ልብና ነይት ሰርሕ ደም ‘ውን ነይተዝውር:-
    ሳንብእና ‘ውን ነይት ስሕብ ነይትፍኑ ኣየር:-
    እግሪ ‘ውን ነይከይድ ኣብይ ኣሎ መሓውር:-
    እዝኒ ነይት ሰምዕ ከበሮኣ ይስበር:-
    ዓይኒ ‘ ውን ነይ ትርኢ ኣብ ቀረባ ስግር:-
    ኩለንተናኹም ኣብ ውሽጥና እዩ ዝነብር:-
    ቅዱስ ዕላማኹም ምሉእ ሓይሊ ሞተር

    እወ ቅዱስ;-
    ብሄር ኣይፈለኹም ትግረ ዓሳውርታይ:-
    ሃይማኖት ኣይፈለኹም እስላማይ ክስታናይ:-
    ውድብ ኣይፈለኹም ሻዕብያ ጀብሃዋይ:-
    ደርቢ ኣይፈለኹም ሓረስታይ ሸቃላይ:-
    ጾታ ኣይፈለኹም ተባዕታን ኣንስታይ:-
    ዕደመ ኣይፈለኹም ሽማግለ መንእሰይ;-
    ፍልጠት ኣይፈለኹም ምሁር ተማሃራይ:-
    መስዋእትኹም ክብረት ብዘይ ኣፈላላይ

    ስለዚ ኸኣ እዩ–

    ሰብ ገንዘብ ተለቂሑ ይመልሶ እዩ ድርብ:-
    ጽቡቅ ን ዝገበረ ይከኣል እዩ ምዕጋብ:-
    ንዝተሰዱ ኣሕዋት ይከኣል እዩ መእካብ:-
    ሰሪሕካ ምብልጻግ ይከኣል እዩ ምድላብ:-

    ዘይከኣል እንተልዩ ዝኸበደ ነገር
    ህይወት ናይ’ቲ ጀግና መስዋእቲ ‘ ዛ ሃገር:-
    ሓንቲ ኣማራጺት ዕላምኡ ምትግባር:-
    ሰላማዊት መሬት ተጋዲልካ ምፍጣር::

    ኣይነፍቅድን ምዝመዛ ብሽም ‘ቲ ስውእና:-
    መእንቲ ራህዋ ብዙሓት ዝወደቀ ክንዳና:-
    መእንቲ ‘ቶም ህልዋት መእንቲ ደቅና:-
    ክኒኡ ሓሊፉ መእንቲ መጻኢ ወሎዶና::

    መዓስ ጠፊእዎ ንብስኻ ምድሓን ምህዳም:-
    መዓስ ጠፊእዎ ኣብ ስልጣን ምኹዳም:-
    ከም ስራሕ ህግደፍ ካለኦት ብምቅዳም:-
    መዓስ ከቢድ ነይሩ ዲግሪ ምሽልላም:-
    ተሓቢእካ ኣብ ወጻኢ ምስ ብርዒ ምስ ቀለም:-

    መዓስ ምስ ጠፊእዎ ገንዘብ ምጥርቃም :-
    ንሱስ ክኒኡ ሓሲቡ ንመጻኢ ሰላም:-
    ብርሃን ኣብሪሁ እዩ ብቲ ድቅድቅ ጸላም:-
    ከም ሽምዓ መኺኹ ቀቢጽዋ ዓልም:-
    ኣሚኑ ሕድሪ ኢሉ ከይዱ ንዘንተኣለም::

    • Kokhob Selam

      ………….ተሓተት ህግደፍ……………..
      20 ሰነ ድኣ ሓንቲ መዓልቲ እንድ ኣላ:-
      ከም ምልክት ተመርጸት ጀግና ዝዝከረላ:-
      ንትርጉም ቃልስና ኣድሚቅና ነብዕላ:-
      ክብረ ሰማእታትና እነንጸባርቀላ ::

      ሓንቲ ‘ኳ እያ ሓንቲ ካብ ዕለታት ዓመት:-
      ፍጹም ዘይትፍለ ብቁጽሪ ሰዓታት:-
      ሶኒ ትውዓል ሓሙስ ብዘየገድስ ዕለት:-
      ተምሳል ጥራይ እያ ንተዘክሮታት::

      ‘ምበር ጀግና ድኣ በጃ ዝሓለፈ:-
      ምእንቲ ነጻነት ሓርነት ዝተቀዝፈ:-
      ንምህሮ ንሃብቲ ሓዳር ከይሃረፈ:-
      ዕለት ኣይመረጸ መደብ ኣይነደፈ:-

      ሶኒ ትኹን ዓርቢ ሰንበት ወይ ቀዳም:-
      ጥሪ ትኹን ሰነ ግንቦት ወይ መስከረም:-
      ንግሆ ይኹን ቀትሪ ኣብ ለይቲ ኣብ ጸላም:-
      መእንቲ ሓፋሹ ወትሩ እዩ ዝ ቅዳደም:-

      ሰለዚ

      ክልኢት ደቅይቅ ሰዓታት :-
      ………..ሳምንታት ኣዋርሕ ዓመታት:-
      ………..………..ክኒኡ ‘ውን ንቀጻሊ ዘመናት መዋእላት:-
      ………..………..………..ብተግባር እዩ ኣይኮነን ብከንቱ ምውህታት:-
      ………..………..………..………..ኣብ ባይታ ምፍጻም ዝተዋህበና ሕድረታት::

      ‘ሞ ድኣ ህግደፍ ንመን እዮም ከታልሉ:-
      ስውእ እናወሰኹ ስውእ ስውእ ዝብሉ:-
      ዘይፍጸም መብጽኣ 20 ስነ ዝመህለሉ:-
      ብሽም ጀግና ከምስሉ ዝምሕሉ
      ምሽክዕላል እንተዘይኮይኑ ትርጉም ነይብሉ::

      ንኣብነት:-

      እቲ ጀግና ወዲ ዓሊ ‘ ኳ ዝወደቐ ኣብ’ዛ ዓመት:-
      ዓሚ ምሳና ነይሩ የኽብር መዓልቲ ሰማእታት;-
      ድሮ ስውእ ኮይኑ ተመዝጊበ ብኽብረት:-
      ንመሃሮ ካብ’ዚ ናይ ህግደፍ ሕስረት::

      ተሓተት ህግደፍ፥

      • Kokhob Selam

        ………….ተሓተት ህግደፍ፥………….

        ስውእ እምነት እዩ ንስኹም ተኸድዑ:-
        ስውእ ሰላም እዩ — – ኩናት ተባርዑ:-
        ስውእ ሓፋሽ እዩ — ሓፋሽና ትቐጽዑ:-
        ስውእ ስልጣን እዩ– – ካብ ህዝቢ ትመንዑ
        ስውእ ጀግና እዩ — – ንሃደምቲ ተጣቅዑ
        ስውእ ስራሕ እዩ– – ከይሰራሕኩም ትበልዑ
        ስውእ ስምረት እዩ– – ምፍልላይ ተላብዑ
        ካብ ኣየ ናይ ዘንተሞጎት ብስውእ ት ኾርዑ????????

        ወዲ ስውእ ኣብ ሰደት ኣብ ሲናይ ክቅበር
        ጓል ስውእ ክት ስደት ክትሕረድ ክትድፈር
        ከመይ ኢሉ ይኸውን ብኣኹም ይዝከር
        ስውእ ስውእ ትብሉ ኣጉል ምቅብጣር
        ኣርእዩኒ ምኽኒት ወይሎጂክ ብተግባር:-
        ምሽክዕላል እዩ ንዕቀት ህዝቢ ምድንጋር

        ሰማእታትና ክበሩ ኣሉታውያን ይሕረሩ:

  • Kokhob Selam

    ………ንፍቕረ ኣፍቂረ…………

    “ፍቅሪ ሕሱም ኣሚነ” በለ ደርራፋይ:-
    ኣመና ምስ ተገርፋ በቲ ተሪር ስቓይ:-
    ኣየ እወ! እዚ ፍቅሪ ንመን መሓራይ:-
    ሃብታም ኣይገደፈ ንድኻ መስኪናይ::

    ሄዋን ‘ሲ እንታይ ገዲፋ “ተዘዝ ተዘዘዝ”:-
    እናበለት ደሪፋ ዓይና ክብል ቅብዝብዝ:-
    እምብዛ ሃሪፋ ነቲ ጽቡቕ ጎበዝ:-
    ተዓኒዳ ተሪፋ እናበለት ፍዝዝ::

    ፍቅሪ ሃገር ‘ሲ መዓስ ቀሊል ኮይኑ:-
    ሓዊ ዘጥብሰካ ጉልበትካ ኣሕኒኑ:-
    ዋዛ ኣይኮነን ክንደይ እንድዩ ደፊኑ:-
    ነዊሕ እዩ ቀርኑ በሊሕ እዩ ኣስናኑ::

    ኩሉ ዓይነት ፍቕሪታት ተሓዚ የድሊዮ:-
    ድኹም ጎድንታቱ ግርም ዘለልዮ:-
    ጠቓሚ ሸነኹ መእንቲ ክሓርዮ:-
    መእንቲ ሰላም ዓልም ግርም ዝጸጽዮ::

    ግን፥፡
    ስለምንታይ ነፍቅር ንሃይማኖት ብሄር:-
    ንሕብሪ ባህልታት ንኣህጉር ንሃገር:-
    ኣዚና ነምክት ንወጽእ ካብ መስመር?:-
    ነብሰ ምስፍሕፋሕ እዩ እቲ ሚስጥር::

    ዋንነት እወ ግን መጠኑ ኣይሕለፍ:-
    ዝውንና የለን ነዛ ዓልም ጥፍጣፍ:-
    ሓንቲ ነይጠቅመና ምጽራፍ ምግራፍ:-
    ልቦና እዩ ጥዑም ጽቡቕ ጌርካ ምሕላፍ::

    ብሓቂ

    ቅዲሚ ንቋንቋ ዝገልጽ ንብሄር:-
    ቅድሚ ሰብ ሰርሖ ዶብ ዝበሃል ሃገር:-
    ቅድሚ ‘ቲ ሰፊሕ ዞባ ኣህጉር :-
    ደቂ ኣዳም ኢና ወለዶ እንተዝዝርዘር:-
    ሓደ መሰርትና ፈጣሪና እግዚሄር:-

    ኢለ ኣስተንቲነ ርሑቅ ምስ ከድኩ:-
    ምስ ዘይፈልጦ ዓልም ተጸንበርኩ:-
    ኣልፋን ኦሜጋን ብሓንሳብ ተሞከርኩ:-
    እመኑኒ ኣሕዋት ንፍቕሪ ኣፍቀርኩ::

    Kokhob Selam

  • Kokhob Selam

    …………….ኣይፋል…………..

    ኣይፋል ንተንበርካኽነት: ኣይባህልናን ነውሪ:
    ኤርትራዊ ሃገራውነት: ዋጋ ኣለዎ ክብሪ::
    ኣይፍል ንምልካውነት : ቀታሊ ኸታሪ:
    ኤርትራዊ መስዋእትነት: ሕድሪ እዩ ሕድሪ::
    ኣይፋል ንወገንነት: ከፋፋሊ ሰባባሪ:
    ኤርትራዊ ዛንታታት : ሓቛፊ ጠማሪ::

    እምቢ ኢልና ኣለና : ንኹሉ ዓማጺ:
    እምቢ ኢልና ኣለና: ንኽሉ ፍላጺ:
    ብውሑዳት ነይውሰን: ህዝቢ እዩ መራጺ:
    ህዝቢ እዩ ሰራሒ ህዝቢ እዩ ሃናጺ::

    ዓንዲ መትካል ኮይኑ ታሪኽና ይቕጽል:
    መጻአኢት ኤርትራ ንኹሉ ትውክል:
    ቅዋማ ዘርጊሓ ባንዲራ ተንበልብል:
    ብኩለን ብሄራት ኮሪዓ ትምእከል::

    Kokhob Selam

  • Kokhob Selam

    …….የሕፍራ…….

    እዛ ህግደፍ ሲ:-
    ተፍቅር ዘይማሲ:-
    ንግብጺ ትኸይድ:-
    ሙማት ድዩ ምዕባድ????

    ነገር ስጋ ኮይኑኒ :-
    ተቀንጥየ ኣሕሚሙኒ:-
    “መንግስትኻ” ሃውቲቱ ክብሉኒ:-
    ባህ ነይብለኒ::

    ነቲ ናትካስ ባዕልኻ ጽረፎ:-
    ቆርበቱ ግፈፎ – ባዕልኻ ግፍግፎ:-
    ኣብ ሓዊ ኣንጽፎ- ባዕልኻ ግለፎ:-
    መታቲርካ ጉሓፎ – ናብ ገደል ኣጽድፎ:-
    …………………………………..እምበር ካልእ ኣይተንክፎ::

    እስከ በሉ:—
    ጉዳይ ኣባይ ድኣ’ሞ :-
    ………………….. ዓቢ እንድዩ:-
    ንዘመናት ግብጺ ዘለምለሞ:-
    ………………….. ብፖለቲካ ተሰንዩ :-
    ሓመድ ኢትዮዽያ ዝቀርመሞ:-
    ………………….. ማዕድናት ኣፋንዩ:
    ቃልሲ ፈለስጢን ዘዳኸሞ:-
    ………………….. ዝተታሕዘ ተፈልዩ:
    ዋና ኣባይ ከይጠዓሞ:-
    ………………….. ዝነበረሉ ጠምዩ::

    ክላ፡!!!!!!!!!!!
    እዞም ህግደፍ’ሲ ጎራሓት ነበሩ:-
    ኮኾቦም ወዲቁ ካን ሓሪሩ:-
    ነገር ደቂ ዓደይ ክሕመኒ ጀሚሩ:-
    ኣበይ ከይኸርሙ ውዱእ እዩ ነገሩ::

    የሕፍራ ‘ዛ ጭፍራ ዘይትሕሉ ክብራ:
    ዘይግበር ገይራ ብሽምና ተዘኪራ::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    …………ወይ ከ ነቅ!!!!………
    ኩለን ኣይሓምቀኦን ኣለወን እዩ ኣበር:-
    ግን ጅሆ ተታሒዝና ደጊም ነይንሹቅረር:-
    ነብሰ ምትእምማን እዩ ኣብ ውሕጅ ዘሳገር:-
    ኣብ ሞንጎ ነይንተርፍ ብክለተ ክንስበር:-
    ከይደቀስካ ነይሕደር ፈሪሕካ ምብህራር:-
    ኣማራጺ የለን ንስምረት ንምጥማር::

    ኣብ’ቲ ኣይሰ ኣኑ ብኢትዮጵያ ተማረኹ:-
    ኣብ’ዚ ኣይሰኣኑ ብህግደፍ ተላእኹ:-
    ክሎም ግን ብቅልጽምና ይድኽደኹ:-
    ጽንዓትና እዩ ወሳኒ ንበል እነሀኹ::

    ንበሎም ኣለና ‘ቶም ጸሓይ ነብርቕ:
    ዕድል ኣይንሃቦ ቃልስና ዝሰርቕ:
    ሓይልና ንቃለስ ኣደልዲልና ንዕጠቕ:
    ድሕር የለን ወይ ከ ነቕ!!!!!!!!!

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    …….1+1=11………..

    ሓደ ምስ ሓደ ምስተደመረ:-
    ክልተ እዩ መልሱ ዝነበረ:-
    ኣብ ስምረት ዓለም መልሱ ተቀየረ:-
    ሓደን ሓደን ሲ ክኒኡ ሰገረ::

    ዓሰርተው ሓደ እዩ ኢሎሞ:-
    ሕበረት ሓይሉ ብዙሕ ምዃኑ ፈሊጦሞ:-
    ሓይሊ ሕብረት ግርም መዚኖሞ:-
    Synergy ብዝብል ሽም ጠሚቆሞ::

    ብይንኻ ትሰርሖ ናይ ሓደ ዋጋ:-
    ምስ ሓውካ ትሰርሖ ተራበሐ ጸጋ:-
    ኢደይ ኢድካ ንበል ህግደፍ ንጽረጋ:-
    ወገን ንተኣሳሰር ደጊም ኣይንሕደጋ::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ……………ቶኽሳኺታ አድጊ…………….
    ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቀል ሲ :-
    ……………………….’ምብ ኣር ኣዲጊ ኢላቶ:-
    ቶክሳኺታ ኣድጊ ነቲ ቃል’ሲ :-
    ………………………..እምበ ኣር ክኢላቶ

    ንለባም ኣምተሉ :-
    ……………………….ክንደይ ከይስሕቶ:-
    እንድ ኣሉ እቲ ነገር:-
    ……………………….ካብ ምባል እገለ ወይ ኩስቶ:
    ምበር ‘ ኳ ክንደየናይ ሚስጥር:-
    ……………………….. ኮይኑ ንበዓል ከንቶ:
    መዓስ ጠፊእዎም :-
    ……………………….እዛ ሃገር ብሰንኮም ዝኸፍለቶ:-
    ጉጅለ ጸረ ሰላም-
    ……………………….ህግደፍ ድሓን ትእቶ:-
    ንመን ኣድሒናቶ:-
    ………………………. ነመን ኣስፊናቶ ንመን ተሚናቶ:-
    ንገሊኣኡ እኳ እንተቀነይቶ:-
    ………………………. ኣላጊባ ችረቶ;-
    ብጸቢብ ሕማማቱ ሓቂፋቶ:-
    ……………………….ግርም መዝሚዛቶ:-
    ነቲ ከምዝትማና ዝገጠመቶ:-
    ………………………ዝፈለጣ ኣጓያቶ ኣህዲማቶ:-
    ነቲ ዘባረረ ‘ ውን ነይምሓረቶ:-
    ………………………ፍንጭራዕ ምስበለ ረፊዳቶ:-
    ምስላ ኣድጊስ ቀንዲ’ ኳ
    ………………………ኣድሒነ ኢሉ ዝቀትል ትምልክቶ::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ………. ኣ ይ ተ ዕ ገ ር ግ ር ………….

    ጌጋ ምስ ፈጸመ ወዲ ኣዳም:-
    ክንዲ ይቅረ ዝሓትት ኣልዩ ነቲ ጸገም:-
    ጌግ ኡ ክሽፍን ክብለልኩም ሃተምተም:-
    ንነብሱ ኣይረብሕ ኣይህበካ ሰላም:-
    መንገዲ ይዓጹ ይጻርፍ የጸልም;-
    ሓንቲ ኣይግድሶን ወላ ትጥፋእ ዓለም::

    ሓሶት ከደጋገም ሓቂ ንኽመስል:-
    ብኹቱር ድምቀቱ ብልጭልጭ እዩ ዝብል:-
    ኣይኮነን ሰማዒ ከስተንትን ዝውዕል:-
    ነቲ ዋንኡ ‘ኳ የእመን የታልል:-

    “እቲ ካልእ ኩናት” ንዝብል ዘመተ :-
    ክሓልፎ ኣይከ ኣልኩን ኣዒንተይ ዓሚተ:-
    ኣትክሮይ ቀጸልኩ ብረቂቅ ጠሚተ:-
    መፍትሒ ሃሰው ክብል– ነገር ከይጎተተ::

    ድሕሪ ኣስተብህሎ ዓቅመይ ብዘፍቅዶ:-
    ሕንፍሽፍሽ ከይንብል ግዳ ክንቃዶ:-
    ቛይቂ ንኽተርፍ ካብ ማዕዶ ናብ ማዕዶ:-
    መልእኽተይ ፈተንኩ ጀመርኩ ክሰዶ:-
    ዓይፍለጥን ገለ እንተሕለፈ ምዕዶ:-
    ነቲ ዝርደ ኦ ቆብ ዘብል ዘይሰዶ::

    ግን በቲ ዝረደኦም ኣፎም ንኽሕዙ:-
    ክነግር ነይሩኒ ክብረቶም ክዕዝዙ:-
    ስለ ዘየዋጽኦም ሴፋቶም ክመዙ:-
    ዳሕራይ ከይገዶም ሓያል እዩ መዘዙ::

    እቲ ምንታይ ሲ:-

    ዕጉስ ‘ኳ እንተኾነ ሰላማዊ ሓፍሽ :-
    ልቢ ኣዕብዩ እንተበሎም ዕሽሽ:-
    ኣርሒቁ ጠሚቱ ጸሊ ኡ ሕንፍሽፍሽ:-
    ይፈልጦም እዩ ግርም መርገጻቶም ርካሽ::

    ዳሓር ከኣ ወዮ ስራሕ ድዩ ዊሒድዎ:-
    ኣብ ሃገር ዘለው ብዘይ ሕጊ ክገዝእዎ:-
    ኣብ ደገ ውን ገለ ሃገርነቱ እናኸሓድዎ:-
    ብቆሎ ጥጥቆ ልቡ ዘምልቁዎ ?

    ሕቶ እባ:

    እዞም ሰባት ዛንተኦም ድዩ ኣገዳሲ ኮይኑ:-
    ጸላእትና ብደገ ነዊሕ ተጋድሎና እናበርዓኑ:-
    ጸላእትና ብውሽጢ ህዝቢ እናረሽኑ:-
    ኣብ’ዚ ነይረ ኣብ’ቲ ነይረ ኢልካ ምትንታኑ:-

    ጥቅሙ እንታይ እዩ ምጽጻይ ምሕሳዩ:-
    ዘረባ ዘብዝሑ እንዳተበራረዩ:-
    ወረ እንታይ ይጠቂም ኣንፈትና ምጭዋዩ:-
    ዕንቅፋት ጉዕዞ ፋይዳ ንህግደፍ እዩ::

    ሓደው ህግደፍ ኩን ተመለስ ካምፕኻ:-
    ሓደው ምስ ሓፍሽ ኩን ሰብሰቦ እጂገኻ:-
    ወይ ‘ውን ትም በል መሕብኢ ደሊኻ :-
    ኣጉል ኣይተዕገርግር ክትሽፍን ጌጋኻ::

  • Kokhob Selam

    …..ወሸለ ክኢለዮ!!!…..
    ዓረበኛ ዶ ትግርኛ እናበልካ ክትዕ:-
    ቀንየልኩም ለምቅነ ደጋጊም ክሰምዕ:-
    ከስተብህል ጀመርኩ ምዃኑ ዘይቁኑዕ:-
    ግዜኻ ምቅታል እዩ ምሕሻሽ ምጥላዕ::

    እስከ በሉ:-

    ቋንቋ መራኸቢ መዘዘራረቢ ዶ ኣይኮነ:-
    ብነዊሕ ዛንታ ሰባት ዝዓበይ ዝሰሰነ?

    ካብ ሔዋንን ኣዳምን ጀሚሩ:- እንዳውራረደ:-
    ኣእላፍ ዘመናት ሰጊሩ እንዳተዋለደ:-
    እንዳ ሰፈሐ እንዳ ተዘርገሐ እንዳጎድጎደ:-
    ዝኣረገ እንዳሞተ እንዳተሰደ:-
    መዓስ ፈላላይ ኮይኑ ንሓደ ምስ ሓደ::

    ኣነ ከይተሓሰብኩ ክመጽእ ናብ ዓለም:-
    ትግርኛን ዓረብኛን ብግእዝ ተዋሊዶም:-
    ነቕ ነይብል ታሪኻዊ ዝምድነኦም:-
    ኣነ ምስ ሞትኩ ‘ውን የለን ዝፈላልዮም::

    እሞ ድኣ መን ኮይነ እየ ኣነ ዝፈላሊ:-
    ኣብ ‘ዛ ሓጻር ዕድመይ ዝኸውን መቓሊ?
    ንመኖም ነጺገ ንመኖም ክኣሊ:-
    ነዚ እንተፈቲነ ነይብለይ መጽለሊ::

    ድሓር ከኣ :-

    ኣይኮነን ዶ ዓረበኛ ብሄራት ዝምእክል:-
    ኣይኮነን ዶ ትግርኛ ብህዝቢ ዝውከል:-
    ፈረንሳይኛ ‘ኳ ዘይቀርብ ብክልል:
    እንተተዛርብናሉ ሓንቲ ነየጉድል::

    ኩለን ቋንቋታትና ኣድለይቲ እየን ይኽበራ:-
    ናይ ሓባር መራኸቢ ይምረጻ ይስመራ:-
    ከም ምርጨ አን እብነመሰረት የንባራ:-
    ክሉ ይከኣል እዩ ህዝበይ እንተሓቢራ:-

    እንተ ኣነ:-

    ኣራኽቦ ድኣ ስኢነ ‘ምበር:-
    ኣይምጸላኹን ወላ እርዱ ክመሃር;-
    “ነሂ ነሂ “ እናበልኩ ክደርፍ ክዝመር:-
    ፊልም ህንዲ ክሰርሕ ከፍቅር ክፋቀር::

    ዓሕ!!!!!!
    እዛ ዓለም እንዲያ ‘ሞ እናሓጸረት:-
    ሰብ ስርሑ ከይወደ አ እናሰረቐት::
    ኢለ ከስተንትን ጸኒሐልኩም:-
    ዝፈልጠን ቋንቋታት ቆጸርኩልኩም::

    ዳሕራይ:=
    ግራመራ ልባ ዝጠፈኣ ማይ ተስቲ እንግሊዘኛ:-
    ብቅኔ ተጥቅለለት ዘይትሕፍር ትግሪኛ:-
    ካብ ሱዳንን ስዑድያን ሻምን ድብልቅ ዓርበኛ:-
    ነመጻረፊን መፈሰሒ “ባፋንኩሎ” ኢጣሊኛ:-
    ደፊረ ዝዛረቡሉ ሮማኒቲክ ኣምሓርኛ:-
    ሜዳና ዘምሃረኒ ትግረ ብሌኒኛ :-
    ካለኦትን ክጽብጽብ ኮንኩልኩም ቋንቋኛ::

    ካብ ኩሉ ግን ዝገረምኒ ንዓይ:-
    ብሓንቲ እኳ ዲግሪ ዘይምጽዓነይ:-
    መጽሓፍ ከይጽሓፍኩ ምኻደይ:-
    ኣይትሕመቑ ኣክብውን ግጥምታተይ::

    ዓሻ ድየ መዓስ ገዲፈዮ:-
    ዓረበኛ ‘ውን እነሆ ጺሒፈዮ:-
    ከም ቋንቋይ ተቐቢለዮ:-
    …..ወሸለ ክኢለዮ!!!

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    …….ሰኣን ነብሰ ወቀሳ………

    እዞም ብዙሁሓት ሃገራውያን ጀጋኑ:-
    ተግባራት ህግደፍ ዝነጸጉ ዝኾኖኑ:-
    ድሕሪ ባይቶኦም ብዙሕ ኮይኑ:-
    ኣይከኣሉን ክትኣማመኑ:-

    እዚ ስለዝኾነ ፈሪሖም ንለውጢ:-
    እነሆ ይነብሩ ኣብ ዕግረገር ቀውጢ:-
    ካብ ቁምነገረኛ ንላዕሊ በዚሁ ዘዕጠጢ:-
    እነሆ ዕድመ ህግደፍ ኮይኑ ተመጣጢ:-

    ንሳ ድማ ኣይኮነን ዶ ‘ዚ ረኺባ:-
    ብዘይ ’ ዚ ‘ኳ ጸገም ደራሪባ:-
    ዕሱባት ልኡኻታ ኣኻኺባ:-
    ትፈናጭሎም ኣረርኪባ::

    ወይ ‘ቲ ዕሽነቶም ‘ቲ ገርህነቶም
    ኣብ ጓል ዘረባ ምጥላቆም ምንባሮም
    ኣብ ክንዲ ሎሚ፡ ትማሊ ዓጢጥዎም

    ኣንታ ሓወይ፥፡

    ተጋዳላይ ንበር ገባር
    ተሓኤ ንበር ህ- ግንባር
    ሓረስታይ ኩን ዶክቶር
    እንታይ ጸገም ኣሎ ንኽትሓብር:
    ሕቆ ድሑር ስርዓት ንኽት ሰብር:-
    ንኽትውንን ዲሞክራሲያዊት ሃገር:-

    ወረ ክነግረካ:-

    ወላ ‘ውን ኣብ እቲ ገበን ዝተኻፈለ:-
    ብድሑራት ተሰቢኹ ዝተታለለ:-
    ጌግኡ ክእርም መን ከልከለ;-
    እቲ ዕድል ክፉት እነሆለ

    ብሓቂ:-
    እዛ ጸገም ቀሊል እዩ ፈውሳ:-
    ነዓ ወገን ታሪኽና ነሐድሳ:-
    ጀግና ኮይንካ ነብስኻ ውቀሳ:-
    ለውጢ ንእመን ንፍርሓት ነፍርሳ::

    • Kokhob Selam

      ……….ቅንፍዝ ……………..
      ቅንፍዝ ‘ኳ ‘ዛ ኣሿኽ :- ጸሊምን ጻዕዳን እሾኻ:-
      ህይወታ ትመልኽ :- ኣብ ጸምጸም በረኻ:-
      ትነብር ኣብ ህልኽ:- ጸላእታ ኣትኪኻ:-
      መዓንጣ ዝብኢ ትበትኽ :-ዘትፍልጥ ተምበርኪኻ::

      እወ፥
      ምስ ተጻባእታ ‘ኳ ጨካን እንተኾነት:-
      ቀጻልነት ህይወታ:- ንዘመናት እንተረጋገጸት:-
      ሰላማዊት እያ ምስ ኣሕዋታ: ዘይትፈቱ ዓውዓውታ:
      ምስ ደቃ ምስ መሓዙታ: ዱልዱል እዩ ሓድነታ::
      እቲ ዝገርምን ዘሐጉስን ግዳ:-
      ንደቃ ምሕቇፋ ከይተቐደ ከብዳ:-
      ነዚ እዩም ኣቦታት ምሳል ክምስሉ:-
      “ቅንፍዝ ደቃ ሓቖፈት ከከም ገጾም” ዝብሉ::

      ሰብ ድኣ ‘ ሞ ዓቢ ዝኽእለቱ :-
      እንታይ ኮይኑ ዘይከባብር ምስ ኣሕዋቱ;-
      ኣብ ዘየድሊ ህልኽ ተጸሚዱ ተናቒቱ:-
      ኣብ ክንዲ ኣውንታ ኣሉታ ሃውቲቱ?

  • Kokhob Selam

    ………….ሱር ዶ ጉንዲ?…..
    ሱር ዶ ጉንዲ:-
    …….መኖም ንመን ፈጥረ:-
    ኣጓዱ ዶ ዓዲ:-
    …….መኖም ንመን ዓመረ:-
    መኖም እዩ ቀያዲ:-
    …….መኖም እዩ ዘስመረ::

    ሰራውር ዓትዒቶም :-
    …….መሬት ይሕዙሞ;-
    ማዕድናት ስሒቦም:-
    …….ማይ እንተኣስትዮሞ:-
    ነነብሶም ማዕቢሎም:-
    …….ንሪኢ ኣዕብዮሞ::

    እምበር መዓስ ኮይኑ ብኣንጻሩ
    ጉንዲ ንሰራውር ተሰኪሙ ተሓንጊሩ:-
    ወላ ‘ኳ ግደ እንተለዎ ብርሃን ኣብ ምዕዳል:
    ከድልዮ እዩ ምልዛብ ምስ ኣቑጻል::

    ስለዚ እዚ ጉንዲ ሓድነቱ:-
    …….ካብ ታሕቲ ይፍጠር ካብ ብዙሓት :-
    ካብ እቶም ቀንዲ መገብቱ:
    …….ሰራውር ርእሲ ብርእሶም መርበባት::

    ምናልባት ‘ኳ:—
    ዝወደቐ ኦም እንተተኺልካዮ:-
    …….ሱር ከውጽእ እዩ ዝቀዳደም :-
    ድሕሪ ግዜ ጸግዩ እንተሪ ኢኻዮ:-
    …….ፍለጦ ምኽንያት ምልላም:-
    ካብ ሱር እዩ ‘ቲ መግቢ ዝመጸዮ::

    ሓደ ልቢ ኢና እንተኢሎምኻ:-
    …….ብጥዓዑም ቃላት መሰልካ ክሰርቁ:-
    ኣብ ብዙሑነት ዘሎ ቦታኻ:-
    …….…….ኣይትፍቀድ ክፍሕቁ::

  • Kokhob Selam

    ……ዕላል ምስ ጎብየ ክሳብ ፍልሖ——–

    መንገፍገፍ እኳ ዘይብልካ መንፈሪ:-
    ዘህድም ዘጥፍእ ጎቦ መሳገሪ:-
    እኳ ከይትንሳፈፍ ኣብ ‘ቲ ባሕሪ:-
    ዓይነትካ ህግደፍ ኣብ ጎላጉል ነባሪ:-
    ሓሸሸሽ ሰሚዕካ ርእስኻ ቀባሪ:-
    ድለ ተረኸብካ ዓሻ ተሓንጋሪ:-
    ‘ምበር ኣየፍለጥካን ኣይኮንካን ሰራሪ::

    “ኮኾባይ ምኽርኻ ጽቡቅ ነይሩ:-
    እኒ ሊላ ሽላ ካብ ሰመሩ:-
    ካብ ቀላለዕዎ ነገረ- ሚስጥሩ:-
    ይሕሸኒ ንመስር ምንጋሩ:-
    ዓዲ ፈርዑን ንኣባይ ዘፍቅሩ:-
    ብጉዳይ ኒል እንተተሳበሩ:-
    እዚ ዕድመይ ምነውሐ ነይሩ::”

    ኣይዓቅንምኻን እኳ ኣይትፈትን:-
    ጉዳይ ኣባይ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን:-
    የድልዮ እዩ ሓይልን ክእለትን:-
    ንእስራኤልን ፈለስጢንን ‘ኳ ኣየቅሰነን::

    “እንታይ ድኣ’ሎ ዝግበሮ :-
    ምስ መን እየ ዝማኸሮ:-
    መጺኦምኒ እኒ ኣንበሳ ዋዕሮ:-
    ኣይከኣልኩን ለንዘበን ክሰግሮ::”

    እኒ ዝብኢ ሓዲኡ ግበሩ:-
    ኣይጥ ዓመን ‘ዚ ነገር ተሪሩ:-
    እኒ ሰላሕ መላሕ እነሆ ይዝርዝሩ;-
    ጎብየኹም እንድዒ ምስራሩ::

    “ቶኽሳኺትና ኣዛብእ ውኻርያ:-
    ተሓታቲት ‘ታ ናግራም ወዓግ እያ:-
    ሰብ እየ እናበለት ንዛንታ ንቅያ:-
    ርኣይዋ ሓፊራ ተናሽያ::”

    “ኣውሪድለይ ወዓግ ኣነ ‘ታይ ገባሪት :-
    ተመሳሲለ ምስ ጎብየ ሓዳሪት:-
    ቁንጅናይ ጽባቐይ ናይ ጾግረይ ምልማሽ:-
    ዘቅነኦም ይብሉኒ ስሪላንካ ዶ ባንግላዲሽ:-
    እንታይ ገዲሱኒ ይእተዎም ሕንፍሽፍሽ:-
    ዝፈጦ ነይብለይ ኪድ ሕተት ነስመላሽ::”

    ኣስመላሸይ ከ እንታይ ኣሎ ትብሎ:-
    እርጋን ኣርኪብካ ትነብር ኣብ መቕሎ:-
    ሰልክዩና ኣናብባ ‘ቲ ኣብ ቲቪ ትብሎ:-
    ዓቢ ዝግደኻ ዘእተኻልና ሰለሎ::

    “ኣነ ኣንባቢ እንድኣለይ ዝተጻሕፈ:-
    ክብረት ኣልቦ ኣጉል ዝለፍለፍ:-
    ኣብ ዘይዕድመይ ሓይለይ ዝሰነፈ:-
    ገጸይ ይምስክር ጭሕጋር ተለጠፍ:-
    ርእሰይ ምስክር እቲ ተቀራረፈ:-
    ሕጊ ኣልቦ ከምሰበይ ከኒፈ::”

    እሂ ‘ቲ ፎዝያ ሕግታት ዘይብልኪ:-
    ሓቂ ክትፈርዲ ዘይትዓደለኪ:
    መላኺት ኣይኮንኪ ኣብ ስልጣን ደይብኪ:-
    ክንሰምዓኪ ገለ እንተሊኪ::

    “እዚ ብሕጊ ምዝራብ ኣነ ኣይድግፎን:-
    ሕጊ ዘይብልካ ምክሳስ ኣይፍቀድን:-
    ቅጫ ከይበላዕካ ቅዋም የልን:-
    ንብርሃነ ሕተት ንዓይ ኣይመልከትንን::

    እሂ ‘ታ ብርሃነ ሕጊ ዶ ይቅድም ቁጠባ :-
    ፍትሒ የለን ድዩ ኣብ ጸበባ :-
    ስርዓት ኣየድልን ድዩ ንሰላም መርሓባ:-

    “ኮኾባይ የለኹን ኣይትሓትተኒ:-
    ቀደም ዝደስከልኩ ዝደርብኹምኒ:-
    እንተደሊኻ ሕተት ሓልፍቲ ዞባታት:-
    እኒ ሙስቶፋ እኒ ገብረህይወት:-
    ኣይፍለጥን ከይርከቦም ሞት::”

    ሙስጦፋ ጀበር ሰራየ እንታይ በለት:-
    ኣብዘይ መንጠቢትካ ኣቲኻ ክትህውትት:-
    ኣይ በልጽ ኣይመርገጽ ዓይንኻ ክትዕመት::

    “ረስዓኒ ንዓይ ከምቶም ተረሰዑ:-
    ውሕጅ ዝወስዶም እናሳዕስዑ:-
    ትርጉም ኣሎቦ ቁማር ዝተበለዑ:-
    ክብረት ኣልቦ ርእሶም ከይቅነዑ::”
    “‘ቲ ዝበለዐ ነቲ በጊዕ ዓፋ:-
    ኣይመሓረን ንብዕራይ ሙስጦፋ::
    ሞይቶልኩም እየ ነብሰይ ‘ውን ዓሪፋ
    ምስ ነብሲ ሸሪፎ ተሰሊፋ:-“
    “ሕተት እንተደሊኻ ጽግሬዳ:-
    መተካእታ ቦታይ ተፈሪዳ:-
    ዝገደፈት ዘረባ ናይ ባዳ:-
    ንሳ ኣላትካ ብዓልቲ ዕዳ::”

    ጸጉ ሽኮር ገለ እባ በልና:-
    ካብ ኣብዑር ተስፋ ካብስኣና:-
    ሰገን ኮይንኪ እንተሐጎስክና:-
    እንሱሊን ዘየድልያ ሽኮሪና::

    “እንታይ ኮይነ ዘይድሊ እንሱሊን;-
    ጎብየ ይመስክር ነዚ ኣይኽሕዶን:-
    የግዳስ ድሓን እየ ኣይተጻገምኩን:-
    በጅካ ካብ ዓርከይ ካልእ ኣይለመንኩን::”

    “ግን ኪድ ናብ ኣል ኣሚን ገለ እንተብለካ:-
    ሕድገታት ዘይፍቅድ መሰል እንተተንተለልካ::”

    እሂ ‘ታ ኣልሚን ወገነይ ወዲ ሰምሃር:-
    ኩናት ከይርኣኻ ኣብ ቃልሲ ትነበር:-
    ጨካን ኣረመኔ ብጾቱ ዝቐበር:-
    ምሳኻ ‘ ኣሎ ኢሎሞ ዝዓበየ ሚስጥር::

    “ብጀኻ ገደፍኒ ኣንታ ሰማይ ኮኾብ;-
    ደልየ ስኢነካ ኣበይ ከ ትርከብ:-
    ዘይትመጽእ ግዳ ክንላዘብ:-
    ብዓል ግጥሚ ጥዓዑም ብዓል ዓደብ::”

    ናይ ውኻርያን ሊሎን ‘ካ ተዘከረኒ
    ጥራሕ ኣይትሕረደኒ ‘ ምበር ገደል ደርብየኒ::
    ህ! ህ! ህ !ካብ ኩሎም ዝፈርሖ:-
    ‘ቲ ንስኻ ፍልሖ:-
    ብዓይነይ ርኤካ ካራ ከተብልሖ :-
    ሰብ ዘወደአ ንጎብየ ዝመርሖ:-
    ሓፋሽ ተላዒሉ ደምካ ከይቀደሖ :-
    ነይብለይ መስትርሖ::

  • Kokhob Selam

    ………….መክት…………
    ኩናት ርኢናሞ ኣስካሕካሒ:-
    ተጋዲልና ኣብ ሃሩር ኣብ ቀዝሒ:-
    ናትና ኢልና ሒዝናዮ ብብልሒ:-
    ስለ ዝነበረ ዕላማ መምርሒ:-
    ተሪር ነይሩ መርገጽ ጽረ ፍርሒ:-
    እዚ ህዝቢ ነይሩ ታሪኽ ሰራሒ::
    ግን=
    መጥባሕቲ ኩሊት መንሰይ ሰሚዐ:-
    ብዚሑ ሓዘነይ እምብዛ ነቢዐ:-
    ተባኢሰ ምስ ነብሰይ ተላጊዐ:-
    እንታይ እሞ ግበር ተቆጢዐ:-
    ኣይከኣልኩን ክድቅስ በሊዐ::

    ኣብ ዓለም ዝኸበደ ነገር:-
    ክትረድእ ደሊኻ ምስ ዘይግበር:-
    ዘሕዝን እዩ መዓንጣ ዘሕርር:-
    ግን ‘ታ ክእለተይ እነሆ ይሕብር::

    ሕጂ ግን ከዲፍዮ ምብካይ እነሆ ጨኪነ:-
    እቲ እንኮ ምርጫ ምምካት ካብ ኮነ:-
    መንእሰይ ከበራትዕ እነሆ ወሲነ:-
    ቀበጥበጥ ነይጠቅም መፍትሒ ነይኮነ::

    ስማዕ፥
    ኢድካ ምስ ትቆስል ጽኪ ዝወጸካ:-
    እቲ ጸገም ግዳ ኣይኮነን ቱሽቱሽካ:-
    ማይክሮባት ዘሎ ኣብ’ታ ትጎድኣካ:-
    ብጸረ ባክተሪያ ተጥፍኣ ጨሪስካ::

    ስለ’ዚ:-
    ጸገምካ ኣይኮነን ኣብ በርኻ ሲናይ:-
    ኣብ ኣስመራ እዩ ዘሎ ቀንዲ ተጻባኣይ:-
    ሓምሽሾ ስበሮ ኣይትሕመቅ ወገነይ::

    ካብ ሎሚ:-

    ትኸልኪሉ እዩ ሕሱር ሞት:- ኣብ ባሕሪ በረኻ:-
    መንእሰይና መክት :- ንመሰል ክብርኻ:-
    ኣይፋልካን ወዲ ሓየት ኣልዕሎ ርእስኻ:-
    ነውሪ እዩ ጥፍ ኣት ከም ድኹም ሓሰኻ::

    እወ:–
    ኣብ ሲናይ ሞት – ነውሪ እዩ ውጉዝ:-
    ኣይጥባሕን ኩሊት – ናይ’ቲ ጀግና ጎበዝ:-
    ናይ ምንታይ ስደት- ፈዘዝ መዘዝ:-
    ደልዲልካ መክት ህግደፍ ትሰረዝ::

    እምቢ በል ኣይስደትን- ኣብ ዶብ ኣይቅንጸልን:
    ንበደውያን ኣይሽየጥን ደጊም ኣይንብርከኽን:-
    ሓዲኣ ኣላ ለንዘብን ፈሪሕካ ኣይምወትን :-
    ብህግደፍ ተሳቂና ደጊም ኣይንጠፍእን ::

    መክት —ሓንሳብ ተላዓል :-
    መክት —ጸረ ኣሽካዕላል:-
    መክት— ወጽዓ ኣይትቀበል:-
    መክት ባንዴራኻ ኣንበልብል::

  • Kokhob Selam

    ………ካርማ………….
    ንሳ እታ ጭሩ :-
    ኣበባ እንከለዋ ምስ መዓሩ:-
    ገረብ እንከለዋ ምስ ሱሩ:
    ጥረምረ ፈሲሱ ብሃገሩ:-
    ጻጸ ምብልዓ ‘ታይ ሚስጥሩ
    ‘ታይ ነገሩ::

    ዓሻ ኮይና ምበር ዘይፈለጠት:-
    ሞት ኣርኪብዎ ምስ ወደቐት:-
    ጻጸ እዩ ዝምሰሓ ነይተማሕረት::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ………ትዝክርዮ ዶ?……….

    ካልኣዊ ግርጭት ብዘተ ክፍታሕ:-
    ተሃንጥየ ንሰላም ንስምረት ክቃልሕ:-
    ንስኺ ግን ተዓጥኪ ክንፈናጣሕ:-
    ጓህሪ ከተጓህሪ እናበልኪ ሰላሕ::

    ት ዝክሪዮ ዶ?
    ሕሉፍ ሓሊፊኪ ምስ ጓና ተመሓዚኺ:-
    ሰራዊት ርእሱ ብርእሱ ብደም ክትኣላልኺ
    ክልተ ኣሕዋት ጡብ ኣደ ፈሊኺ:-
    ከመይ ኣታሊኪዮም ‘ቶም ዝሰዓቡኺ?

    ት ዝክሪዮ ዶ?
    ኣቤት ‘ቲ ክእለትኪ ክዝክሮ ይገርመኒ:-
    ዓርከይ መተዓብይተይ ክሃድነኒ;-
    ኣይፋልካን እንተብልኩ መዓስ ሰሚዑኒ:-
    ኣመንዝራ ኔርኪ ጥዑይ ሰብ ተዕነኒ::

    ኣየ ‘ወ ክፉእ ዘመን ሓሊፉ:-
    ብዋህዮታትኪ ክንደይ ተቐዚፉ:-
    ካብ ሱዳን ካብ ከንያ ክንደይ ተጠሊፉ:-
    ክንደይ ጀግና በሕዋቱ ሓሊፉ::

    ት ዝክርዮ ዶ ? ጎኒፉና ጓዶ :-
    ክንወጽእ ናብ ማዕዶ :- ከላእ ትሰደዶ!!!!!!

    ቁሩብ ትዝ ዶ ይብለኪ:- ዓሻ ክለኣኸልኪ:-
    ሚስጥር ክእክበልኪ :- ዝቅተል ክቀትለልኪ:-
    ኣንጻር ጥቅሙ ክሰርሓልኪ:- ክፍጽም ትእዛኪ:-
    እንታይ ተሰሚዑኪ:- ሕጂ ምስ ፈለጠኪ:-
    ……………………እምቢ ምስ በለኪ?

    ትዝክርዮ ዶ ክትልእኺ መንዝራ:-
    ባህሊ ኣልቦ ነበሰን ዘየኽባራ:-
    ንሱዳንውያን ዝዕጥራ :- ምሳኺ ዝተሓባበራ:-
    ኣበይ ኣበላ ሕጂ ‘ተን ሓረድቲ ብኻራ::

    ጉድ ረኺብና ጓዶ:- ክንወጽእ ናብ ማዕዶ
    ከላእ ትሰደዶ ትዝክርዮ ዶ?????

    ብገዝእ ደቅና ኣያታት ዝወድቅሉ:-
    ያኢ ምራሒት ኮይንኪ ክትወራዘይሉ:-
    ሪፈርንደም ኢልኪ ክትጭድሪ:-
    መሲሉኪ ሚስጥራት ክትቀቢሪ:—
    ስምምዕኪ እንታይ ነበረ ነዊሕ ሸቶ
    ንኮንፈደሬሸን መን ተሰማማዓቶ?????

    ከም ሎሚ ከይኮነ ዓሻ ከይተዳጎነ:-
    ሽምና እናጠቀነ መሲልዎ ዝሰልጠነ:-
    ኣዝዩ እናፈርዓነ ክብል “ኣነ ኣነ”
    ኣርኪብዎ ዘመነ ተፍድዮ ሕነ::

    ትዝ ዶ ይብለኪ ገለ:- ዘክርዮ:-
    ሃፍሽ እንዳ ደበለ:- ምስ ኣታለልክዮ:-
    ካብ ሓቂ ክእለ :- ኣዲኡ መሲልክዮ:-
    ጀግና እንታይ በለ:- ንበይኑ ክጉህዮ:-
    ብዙሕ ተጸለለ መዓስ ስሒትክዮ::

    ከንደይ ኢልካ ይዝከር ናትኪ ነገር:-
    ብምንታይ ክ ውዳእ ብምነታይ ክጅመር?
    ግዜ ምቅታል እዩ ኣብ መዝገባት ይስፈር:
    ክሉ ፈሊጥዎ እዩ ሕጅ ኣይኮነን ሚስጥር::

    ግን ኣና “ወራኪ ወዘምን ጠዊል” ይብሉ ዓረብ:-
    እንኳዕ እኳ ፈለጠኪ ዝበለ ቀንጠብጠብ:-
    ብነዊሕ ትዕግስቲ እነሆ ይቃረብ:-
    መጨረሻ እነሆ ንገብረልኪ ገደብ::

    ኣስናንኪ ኣግዲምናዮ :- ኣጽፍርኪ ሰቢርናዮ
    ብተግባር ርኢኺዮ:- ዝደለናዮ በጺሕናዮ::

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ……..ኣርሙኒ………
    ኣንባቢ እንተልዩ ግጥሚ ኪነታተይ:-
    ጌጋ ኣለኻ ዝብል ሃናጺ ኣራማይ:-
    ሃንጎፋ ኢለ ይቅበል ኣይክእሎን እየ ደስታይ;-
    ተሻቂለ ኣለኹ ከይበዝሕ ዘረባይ::

    እቲ ምንታይ ሲ:—
    ኣባ ጅጎ እንተዝደሊ ብዙሕ ከነህተፍትፍ:
    ምሃበና ነይሩ ዝተደራረበ ኣፍ::
    ግዳ ኣብ ክንድ ኡ ክልተ እዝኒ ሂቡ:
    ሓደ ኣፍ ሂቡና ምዝራብ ገዲቡ::

    ኣነ ድማ ዓሰርተ ኣንቢበ ሓንቲ እንተጸሓፍኩ:-
    እንታይ ይፍለጥ ሰብ እየ ክእረም ምመርጽኩ::

    ብኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ………ጽበትን ስፍሓትን……..
    ጽብብ ሓዲሩ ጽብብ እንተወዓለ:-
    ብድሑር ዝንባሌታቱ እንተተብከለ;-
    ይከ ኣል እዩ ክምከር ክእለ:-
    ከፊ ኡና ዘሎ ናይ’ቲ ተጸለለ:-
    ናይ’ቲ ጸረ ሰላም ዓጢቁ ተላዕለ:-
    ናይ’ቲ ምዕባሌን ራህዋን ዝኸልከለ::

    እምበር:-
    ጸቢብ ድኣ ኣካል ገፊሕ እንድ ኣሉ:-
    ጸቢቡ ጸቢቡ ናበይ ከብል ኢሉ:-
    ዕድል ምስተዋህቦ ክሳብ ዝበርሃሉ:-
    ኣብ’ ቲ ገፊሕ ባይታ ኣይተርፎን ምጽላሉ::

    ‘ቲ ስፍሓት ዓቐን ብጸቢብ ነይውነን:-
    ‘ቲ ጸቢብ ‘ውን ግዳ ብሰፊሕ ነይኩነን:-
    ሰፍሕ ‘ውን እኮ ብዘይጸቢብ የለን:-
    ልቦና የድሊ ንመሰልን ክብርን:-

    ኩሉ ብበቦትኡ ኣድላይ ብምኾኑ:-
    ክተሓዝ ይግባእ ግርም ተመዚኑ:-
    ግርም ተኣልዩ ከይሓልፍ ዓቐኑ:-
    ከይጋጮ ምእንታን ምውናን ሓሊኑ::

    ምግፍሕ ‘ውን እኮ ሓድጋ ‘ዩ መጠን እንተሓሊፉ:-
    ውሕጅ እኳ ዝደክም መንገዲ እንተግዚፉ:-
    መጠን ሓሊኻ እዩ ዘድሊ ምሕቋፉ:-
    ግዳ ተጠንቂቅካ ገሊኦም ከይተርፉ:-
    ምስ ጸረ ሓድነት ከይዶም ከይስለፉ:-
    ስሚ መዓር ኢሎም ሰትዮም ከይቅዘፉ::

    ሕዝ:-
    ዓቐንን መጠንን ብግቡእ ንምምዛን :-
    ዓይነት ከድሊ እዩ ተምክሮን ምህሮን:-
    ሓዲሽ መድረኽ ንፍጠር ነዚ ንምትንታን:-
    ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክንፈጥር መእንታን::

    ብኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ተነቢሩ ውዮ:- ንሞት ፈሪሕናዮ!!!!!!!

    እዛ ጓል በርኻ :- ፈጣሪ ዘይባረኻ:-
    ንኽንደይ ኣህሊኻ:- በሊዓ ሓይኻ:-
    ነገር ሓላሊኻ:- ንድኻ ደኽ ዲኻ:-
    እቶም ዘምልኽ ዋ:-ምስ ተገምጠልዋ:-
    ምርዳእ ኣበይዋ:-ግርም ኢልዋ:-
    …………ሓዘን ከቢቡዋ::

    ነጋዳይ ምስ ከሰረ:-ይቀልዕ መዝገባቱ:-
    እና ኣንጸርጸረ:-ይነጽግዕ ንብዓቱ:-
    ምሕሰብ ቀደም ነበረ:-ዘይእረም ጌጋታቱ:-
    ፍጹም ነይሰረረ:-ነይተርፎ ምጽናቱ::

    ተስፋ ምስ ቆረጸት:-ክትለኻኽም ወሰነት:-
    ኣብ ልዕሊ ወሽላኻት:-ወሽላኻት ገዘ አት:-
    መሲልዋ ዝኸሰበት: ቦጅቧጃት ኣከበት:

    ሻቡ፥
    ክትብል ዕግር ግር :-ከምልሙድ ክትፍክር
    ኣጉል ምምስጣር:-እናረ ኣየት ትቅበር::

    እምበር እቶም ንሕና: ውዮ ዓጂብና:-
    ዲንብርጽ ኢሉና:-ንሞት ከኣ ፈሪሕና:-
    ካብ ጀጋኑ ዶ በሊጽና:- ዝወደቁ ንመሰልና:-

    ናትና ኢልና ሒዝናዮ:- ቀደም ተቀበልናዮ:-
    ተነቢሩ ውዮ:- ንሞት ፈሪሕናዮ:-

    ኮኾብ ሰላም

  • Kokhob Selam

    ………..ሕንቅል ሕንቅሊተይ….
    ዓው ኢሉ ዝዛረብ ሓያል ወዲ ሳይበር:-
    ሊሎ ዝነበረ ርግቢት ዝቕየር:-
    ሳምሶን ን’ይዚ ዘመን ንኽሉ ዝዳፈር:-
    ልቢ ፈናጢሑ ክሰርሓ ዝመጣጠር:-
    ምዘኑ ‘ሞ ፍለጡ ዝተሓብአ ነገር::

    መልሲ ናይ ‘ዛ ሕንቅልሕንቂሊተይ ጽባሕ::

    • Kokhob Selam

      ተደረር በሉኒ ክድረር ደልዲለ

      • Kokhob Selam

        ዝምልሶ የለ ተደረር ዝብለኒ:-
        ኣነስ ናተይ ይገብር እንታይ ገደሰኒ:-
        ተጻሒፉ ይንበር ንኽትዝኩርኒ::

        ናይ መጀመሪያ ፍደላት ንታሕቲ ኣንብቡ:-
        ዓሊ ሳልም ዝብል መልሲ ንኽትረኽቡ::

  • MEHRETU HABTE aka Yugoslavo – Eritrean

    ናብ ዝኸበርኪ ሓትነይ ጀዊዓ፣

    እቲ ናብዚ ናብ ካሊፎርንያ ዝሰደድክለይ ደብዳቤ ዕሸላውን ዘሕንኽን ኮይኑ ረኺበዮስ ብሕርቃን ከይመለስኩልኪ ክልተ ወርሒ ጸኒሔ። ኣብ ርእሲ ዘሕንኽ ምዃኑ ብሓቂ ´ውን ስ ሱዕ ዝኾነ ደብዳቤ እዩ።ኣነን ቤተሰበይን ካብ ዘይንበልዕ ሰሙንና ቀሪቡ ኢልኪ ክትሰድለይሲ እቲ ናተይ ሽግር ኣይፈለጥክን ከይብል፣ ቅድሚ ሕጂ ኣስፊሔ ጽሒፈልኪ ኔረ።ኣነ ብስቶማኮይ ብጣዕሚ ከም ዝሳቐ፣ዝከም ብዓል ብስቴካን ላዛኛን ክበልዕ ከለኹ ብኽንደይ እዝግዮ እዩ ዝጥሓን ___ኣልካ ሴልሰር (ከምቲ ናይ ዓድና ኣንድሩስ እዩ)___ፔፕቶ ቢዝማል ዝብሃል ኣሎ ከም ማይ እየ ዝሰትዩ።ብኣምሆይ እንዳ ጥምቀት ኣብ ሳንድያጎ ተዓዲመልክስ
    ፣ጤልን ገንሸልን ተሓሪዱ ፣ምስ በላዕኩዎስ ምሕቃቕ ኣብዩኒ ሳልስቲ ደቂሰ፣ስለዚ ሓትይነይ ጀዊዓ፣ምግቢ ዋጋ የብሉን ፣ኮለስተራል የምጽእ፣ሽኮርያ ይፈጥር፣ከምዚ ናትኪን ንስድራኽን ዝሃቦ ጸጋ የለን ካንሰር ኣይትንክፈኩም ፣ሽኮርያ ኣየጥቅዓኩም__ኣይትረጕዱ።ነዚ ናተይ ናይ ኢመርጀንሲ ሕማም ኣስተናዒቕክዮ ዲኺ ናትኪ ዘይረብሕ ሽግር__ሰሙን ኣይበላዕኩን፣ብጥሜት ንመውት ኣለና ትብልኒ ፧ እዝጊ ከይፈርደልኪ__ሽግር ሰብ ኣይተቃልሊ።ናይ ነብስኺ ጥራይ ኣይትሕሰቢ።ፎእ ጨኒኺ።
    ከይረሳዕኩዎ ከለኹ እባ ጥሕኒ ስደድለይ ንሱ እንተወረደለይ፣ድሕሪ ሕጂ ዘይረብሕ ጸገማት ሰዲድኪ ኣይትሃውኽኒ ።

    ኣይ ላቭ ዩ ሓትነይ

    (ኣሕዋት፣ እዚ ወዲ ልቢ የብሉን ድዩ ኢልኩም ከይትፈርዱለይ__ተኪላ ሰትየ ከለኹ ዝጽሓፍኩዋ እያ።ተስፋ እንተኾና ኢለ ድማ ናይ ማክ ዶናልድ ስእሊ ሰዲደላ እየ። )

    ሓውኩም

  • MEHRETU HABTE aka Yugoslavo – Eritrean

    ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ኣብ ሲናይ ሓደ እስራኤላዊን ሓንቲ ጓል ኖርወይን ብበደዊን ተጨውዮም ድሓር ግን ከም ዝተለቁ___ሓሳዊት ኤርትራ ይቕሬታ___ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ኣፍ´ዩ___ጋዜጣ ኣብ ርእሰ ዓንቀጹ ኣቕሪብዎ ኔሩ።እቲ ዘንበብኩሞ ኣይደግመልኩምን እታ ዘይተወቀጠት ክፍሊ ግን ከስዕበልኩም____
    እታ ጋዜጣ ህግደፍ ብምልእታ ኣየንበብኩማን እምበር እቲ እስራኤላውን እታ ጓል ኖርወይን ብሲናይ ጌሮም ኣብ ኤርትራ ዑቕባ ክሓቱ እዩ ኔሩ መደቦም።እቲ ጋዜጣ ቀጺሉ ከም ዝገለጾ በቲ ኣብ ኖርዌይን እስራኤልን ዘሎ ናይ ደቂ ሰባት ምህሳይ መሰል ሃዲሞም ናብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኢዶም ክህቡ እዩ ኔሩ መደቦም____ብድንገት ግን ሲ ኣይ ኤን ወያነን ብዝልኣኽዎም በደዊን ከም ዝተጨውዩ እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣ ኣብ ሓተትኡ ኣቕሪብዎ ኣሎ።____ምንጪ ሓትነይ ጀዊዓ ካብ ኣባሻውል

  • Kokhob Selam

    ………ህግደፍይ ዋሎ……..
    ባዕሉ ተጻሪፉ :
    … መሰል ሰብ ገፊፉ:-
    ዓረብ ዶ ገዲፉ:-
    … ኣፍሪቃ ዶ ንሒፉ:-
    ብዙህ እዩ ለፍሊፉ:-
    … መሰል ሰብ ገፊፉ:-
    ተናዒቁ ተሪፉ:-
    … በይኑ ተሰሊፉ:
    ስኢኑ ዝደግፉ::

    እቲ ኩሉ ፍንጭራዕ:-
    … ከም እንጣጢዕ ጠራዕራዕ:-
    ዘይዓቅምኻ ትኒዕ:-
    …ተጊትርካ ቦራዕራዕ:-
    ቦታ ምስ ሰኣንካ ጽግዕግዕ:-
    … ቀልባዕባዕ::

    እንታይ ኣምጸ ኦ እዚ ኩሉ?
    …መሲሉካ ዶ ኾን ትሕብኣሉ:-
    ስራሕ ደቂ ጽርግያ ተግባራት ዓዋሉ:-
    …ናይ ውሽጢ ከይኣክል ደገ ትጥቀመሉ::

    ሓንሳብ ርግእ ክትብል ዕረፍቲ ስእንካ :-
    …ነቲ እንተሸፈንካ እቲ እንዳተፈተሓካ:-
    ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ እንዳደራረብካ :-
    …ቡንቧ ገበናት ኮይኒ መዝገብ ናይ ፋይልካ::

    ዓጽረ ሞት ምልክት እነሆ ይረኣሎ:
    ..ኣንፈትካ ጠፊኡካ እነሆ ትቕሎ:
    ሃለውለው እናበልካ ርኢና ክትልሎ:-
    …ኣብዘይጓይላኻ ትስዕስዕ ህግደፍይ ዋሎ::

    • MEHRETU HABTE aka Yugoslavo – Eritrean

      Fantastic poems brother Kokhob.

  • Kokhob Selam

    ……!!!!!!!!!ኣገንዕ!!!!!!!!!………….

    እዞም ዓሻሹ ፤
    ……ኣብ ክለተ ክመቅሉ፤
    ንሓደ ክሕምሽሹ፤
    …… ክስታን እስላም ክብሉ፤
    ሓፋሽ ክርብሹ፤
    …… በብሓደ ክቀትሉ፤
    እሞ መዓስ ተቀሽሹ፤
    ……እምብለይ እንድዩ ኢሉ::

    21 ጥሪ ድኣ ንመን ርሒቃቶ፤
    ……ንክሉ እንድኣላ ኣበራቢራቶ፤
    ብደም ጀግና ዓንቢባ ደሓን ትእቶ፤
    ……ነዚ ሓቂ’ ዚ መን ይስሕቶ::

    ንሶማሊ ጥሩፍነት፤
    …… ከምዘይሓገዘ፤
    ሃገራዊ ሃይማኖት፤
    ……ደልዩ ክጎዛዘ፤
    ዕደ እሎም ምዑታት ፤
    ……ብዘይተሓዝ ተታሕዘ::

    ኣገንዕ!! ወገነይ ክብረት ይሃበለይ፤
    እንዃዕ ተወልድኩ ካብ ክስታን እስላማይ፤
    ምስ መን ምወገንኩ እንተዘትምክተለይ::

    ሰላም ይኹን ’ቲ ደንበኻ
    ……እዝጊ ይምለስ ተሰዱ ደቅኻ፤
    ፈጣሪ የድሕኖም ካብ ሲናይ በርኻ፤
    ……ረቢ ይኣኻኽብካ ሰብኣይ ሰበይትኻ፤

    ኣገንዕ! እንጀራ ብላዕ፤
    ……ኣገንዕ! ብራህ ትኾላዕ፤
    ኣገንዕ! ጸላእኻ ቅጻዕ፤
    ……ኣገንዕ! ርገጽ ጽኑዕ::
    ኣገንዕ!
    http://www.youtube.com/watch?v=Ct7ZwggRE-0

  • Kokhob Selam

    …..ከመይ ….. ዘይናፈቕ?….

    ሰብ=ሰብ ዘብሎ ኣካሉ ዶ ኾይኑ:-
    እቲ ዓጽመ ስጋ ዝጠፍእ በኒኑ:-
    ደሙ ተጨንጊዑ ነቂጹ ዝጨኑ:-
    ወረ ከይሞተ ‘ኳ ዝረአ ቆንቂኑ:-
    ምልክት ድኻሙ ዝረግፍ ኣስናኑ:-
    ክሓብኦ ዘይክእል ዝቃላዕ እርጋኑ::

    ሰብ=ሰብ ዘብሎ ፍልጠቱ ዶ ኾይኑ:-
    ምህሮን ትሞክሮን ብምግላጽ ተንቲኑ:-
    ደው እንድ ኣሉ ዝብል ምስ መርበባት መትኑ:-
    ኩሉ ገዲፍዎ ፈራሪሱ ዝዓኑ::

    የግዳስ:—-
    ነቲ ዝተዋህበካ ኣካል ምስ ኣእምሮ:-
    ብኣገባብ ተጠቂምካ ምስ እተማሓድሮ:-
    ንሰልም ን ራህዋ ኣሳኒኻ ምስ ተሕድሮ:-
    ንጠለባት ሓፋሽ ህዝብኻ ምስ ዘይተዕብሮ:-
    እዚ እዩ ሰብኣዊነትካ ዘልዕሎ ዘኽብሮ

    እዚ እዩ ‘ቲ ሰብ ሰብ ዘብሎ እምበር:-
    እንስሳ እንድ ኣሉ በሊዑ ዝነብር:-
    ልቡ ደው እንተይላ ዝመውት ዝቅበር:-
    ምሉእ የብሉን ናይ ‘ዛ ዓለም ነገር::

    ኢሂ ቀይሕ ባሕሪ ኩነልና መስካሪ:-
    ካብኻ ዶ ይሓይሽ እቲ ኣባይ ነሃሪ:-
    ሓይሊ ጸዓት ንሃገር ከፍሪ:-
    እስያስ ብህይወቱ መለስ ግን ኣብ ቀብሪ:-
    መኖም እዩ ሓሳሪ መኖም ከ ኸባሪ ?

    “ጸላኢና ድኽነት እዩ” ኢሉ ዘዕጥቕ:-
    ምስ ዓበይቲ ሃገራት ብሰልም ዝተሓናነቕ:-
    ዝተሰርቀ ንብረት ኣፍሪቃ ዘምልስ ዝነድቕ:
    ግድን እዩ ክዝከር ስርሑ ክናፈቕ::
    http://www.addiszefen.com/videos/twsta-part-2-memorable-video-clips-of-the-late-ethiopian-pm-meles-zenawi/
    http://www.addiszefen.com/videos/twsta-part-3-memorable-video-clips-of-the-late-ethiopian-pm-meles-zenawi/
    http://www.youtube.com/watch?v=5QG91-1u09A

  • Kokhob Selam

    …….ሕልሚ ደርሆ……2
    01.ይበሃል ዶ ባሃል እወ ብሃል?
    …ሃገር ክትምዕብል መጻኢ ወለዶ ክሓልፈሉ፦
    …እዞም ሕጂ ዘለና ደኺምና ንቐርበሉ፡
    …ግን ከ፧
    … ሃገር ክትመዕብል መጻኢ ወለዶ ክሓልፈሉ፦
    …እዞም ሕጂ ዘለና ፍጹም ንጽነተሉ፡
    …ይብሃል ዶ ይ በሃል፡ እወ ይበሃል?
    …እንዳ ህግደፍ እንታይ ዘይብሃል፡
    …ዝሰዓቦም ድንዙዝ ሰንፈላል፡
    …ንሕና ምስ ጠፋእና ድኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ዕሸል?

    02. ይበሃል ዶ ባሃል እወ ይብሃል፡
    …ባዕዳዊ ገዛኢ ካብ ሃገር ነባርር፡
    …መስዋእቲ ከፊልና ብሰላም ንሓድር፡
    …ግን ከ፧
    …ባዕዳዊ ጸላኢ ካብ ሃገር ካብ ወጸ፡
    …ወዲ ሃገር ድሓን እንተዓመጸ፡
    …ይብሃል ዶ ይበሃል፡ እወ ይበሃል፡
    …እንዳ ህግደፍ እንታይ ዘይብሃል፡
    …ዝሰዓቦም ደንቆሮ እዩ ኣንጃል፣
    …ትርጉም ኣልቦ መሬት ምምቃል፡

    03.ይበሃል ዶ ባሃል፧ እወ ብሃል፡
    …ጀግና ንሃገሩ በጃ ኮይኑ ይወድቕ፡
    …ህይወቱ ከፊሉ ጽሓይና የብርቕ።
    …ግን ከ፦
    …ጀግና ንሃገሩ በጃ ኮይኑ ይወድቕ፡
    …ድሓር ተኣሲሩ ኣብ ኮንታይነር ይደርቕ፡
    …ይብሃል ዶ ይበሃል፡ እወ ይበሃል፣
    …እንዳ ህግደፍ እንታይ ዘይብሃል፡
    …ዝሰዓቦም ወያል ድሁል።
    …ክድምሰስ እዩ ድልየታት ህግደፍ፡
    …ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ እዩ ክተርፍ።

  • Kokhob Selam

    ……………ዓይኒ ጠርሙዝ……………

    ብልምዲ ድኣ ኮይኑ እምበር ‘ቲ ንሕና ከንጫረቕ:-
    “ሓበሻ ዓይኒ ጠርሙዝ” ምባልና የደንቕ:-
    እቲ ምስላታትና ጥራይ መሲሉኒ እምበር:-
    ጭርቃና ‘ ውን ኣለዎ እባ እዩ ቁምነገር::

    ሕሰብዎ እሞ–

    እቲ ስባር ጠርሙዝ ጌርና ክንጻወት:-
    ነቲ ወረቐት ከነንድዶ ብናይ ጸሓይ ጸዓት:-
    ብርሃን ተጠርኒፉ ፈጢሩ ማእከልነት:-
    የምህረና ሓይሊ ከምዝምእከል ከምዝግበት::

    ኣይገርምን፧
    እቲ ጠርሙዝ ነቲ ሓይሊ ፍሕ ዝበለ:-
    ካብዝን ካብትን ኣብ ሓደ ምስጠቅለለ:-
    እቲ ጸዓት ኣብ ሓደ ቦታ ስለ ዝሓየለ:-
    እሞ ነቲ ወረቐት ኣንዲዱ ኣንኮለ::

    እዋእ!!!
    እሞ ፍሕ ዝበለ ኤርትራዊ ቀላጽም:-
    ዝጥርንፎ እንተረኺቡ መካኒዝም:-
    ነዛ ነውራም ህግደፍ ምስ ኣበላ ህልም:-
    ዳግማይ ከምዘይትምለስ ንዘልኣለም:-
    እሊ እየ ክዛዝም::
    http://epb.apogee.net/res/refsune.asp

  • Kokhob Selam

    ………ተስፋ…………….
    ተስፋ ዶ ትቅድም ጽንዓት :-
    ክብል ሓቲተ መልሲ ክረኽበሉ:-
    ክልትኤን ይቀዳደማ ብኡነት:-
    ነገር ዶርሆ ዶ እንቛቆሖ እንድኣሉ::

    ዝቐደመ ይቐድም እንታይ ገደሰ:-
    ርእሲ ብርእሱ ክሳብ ተሓዳደሰ:-
    ንቀጻልነት ዕላማ ክሳብ ዘየፍረሰ:-
    ኣይሰኣን ይባረኽ ይኹን ተቀደሰ::
    እዚ ማለት:-
    ‘ቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ እምነት:-
    እቲ ተስፋ እቲ ንያት ትብ ዓት:-
    ካብ ፈጣሪ ዝተዋህበ ህያብ:-
    ኣብ ኣእምሮ ዘሎ ፍሉይ ጥበብ:
    ምዃኑ እዩ ቀጻሊ ብዘይ ገደብ:
    ሓያል ናውቲ ዓወታት ዘቕርብ::
    ግን;-
    ኣብ ጉዳይ ሃገር ‘ቲ ዝስንቕ ተስፋ:-
    ነዊሕ ነይነብር-
    ተስፋ ኣቐቢሉ ህይወቱ የሕልፋ:-
    እዚ እዩ ተርታ ዝውሃብ ወረፋ:;

    ኣነስ ዝብል:-
    ኣይኮነን ዶ ሎም ኣጋ ወጋሕታ:
    ትማሊ ኳ ከይዳ ‘ታ ጸልማት ከውታ:-
    ለዋህ ምስ ሓራዲኣ ኣሕዲራ እምነታ:-
    ሓፋሽ ከተሞግስ ንጨካናት በላዕታ::

    ስለ’ዚ
    http://www.youtube.com/watch?v=_A4IXmcW7ZM
    ስለ’ዚ
    http://www.ethiosoul.com/samuel-kassa-sara-t-tesfa-ethiopian-ethiopia-habesha-amharic-music-dvd-quality-zefen-video_6fe612a24.html

  • Kokhob Selam

    ………ምህሮታት ፎርቶ……….

    ታንክታት ሲ ክንድ’ዚ ይጓዓዛ:-
    ፎርቶ በጺሐን ሚስጥራት ከይሕዛ?
    እሞ ወዲ ዓሊ ዶ ዋዛ :-
    ዝታለል ብሃንዛ::

    ግመል ሰሪቅካስ ጉንቡሕ ጉንቡሕ:-
    ታንኪ መርፍእ ኮይናስ ፎርቶ ትበጽሕ:-
    ነዚ ዘስተብሃለ ወዲ ዓሊ በሊሕ:-
    ኣብ’ቲ ዘይሮ ሰዓት መሪጹ ከቃልሕ::

    ወገን ተማሂርና ብጀግንነት ፎርቶ:-
    ይኣክል ወጽዓና ናብ ቁም ነገር ንእቶ:-
    ለኻዕኻዕ ገዲፍና ደጊም ንመክቶ:-
    ኺድ ካብ መሰመርና ንበሎ ንኸንቶ::

    ዓመታት ተማህረ ብዙሕ ዘስቆርቆረ:-
    ገና እናመደረ ዘይርከቦ ፍረ:-
    ካብ ‘ዚ ግን ዝሕረ እምኒ ዝወርወረ:-
    ዓለም ዝነገረ ክቢሩ ተቀብረ:-
    ሓዲሽ መድረኽ ፈጠረ መቁሕ ፍርሓት ሰበረ::

    ግን ‘ኮ!!

    ኣይት ሳእኑን ብዙሓት ካብቶም ምሁራት:-
    ዝቃለሱ ንሓድነት ንጥርናፈ ስምረት:-

    ተስፋ ከይቆረጹ ሰላምና ዝ ሃንጹ:-
    ኣነ ዝኾረኹ በናጹ ኣእምሮና ዘናውጹ:-
    ርእሲ ብርእሶም ከናኸሱ ቃልስና ዘራኸሱ:-
    መኺርካ ዘይምለሱ ተጠርነፈ ዘፍርሱ::

    ስለ’ዚ

    ተበላጺ ምሁር ክኣምን ብተግባር:-
    ፎርቶና ትነግር ኣብ ቅድሚት ክጋተር:-
    ብውሕዱ ድማ ንህዝብኻ ምምሃር:-
    ተዓጢካ ምስራሕ ምስ ህዝብኻ ምስማር::

    እቲ ኣነ ዝፈተኽ ዎ ምህሮ:-
    ፎርቶ ዝዓደለትኒ ዓቢ ተምክሮ:-
    ቃልሲ ከተዕውት ከተትርሮ:-
    ሓፍሽካ ኣሳትፍ ከተግብሮ::

    ህግደፍ ‘ውን ዘክሪ- ተቐበሊ ምኽሪ:-
    ግፍዕታትኪ ኣይኮነን ነባሪ- መዓልታት ቁጽሪ:-
    ደም ጀግና ክዛሪ – ሂቡና እዩ ሕድሪ:-
    ፍረ ኣለዎ ክብሪ – ዓወት ኣበሳሪ::

    ጥርናፌና እንተኾነ እነሆ ይብገስ :-
    ፍቅሪ ነይመንመነ ድሕሪት ነይምለስ:-
    ኣሎ ነይተበተነ ብቀሊል ነይፈርስ:-
    ትዕግስቲ ገነነ ጽንዓትና ንምንጋስ::

    ነበረ ያ ነበረ ክትኾኒ ዛንታ:-
    ይዕረ ተሰብረ ይተርፍ ጫውጫውታ:-
    ተረፈ ዘንጸርጸረ ይወሃብ መጸዋዕታ:-
    ር ኢቶ ዘንበረ ይጽናዕ ብደስታ:-
    ፍቅርና ዘስመረ ሃገር ይምስርታ::

    • Kokhob Selam

      …….ሰኑየ ሰኑኒ……………
      ንኺድ ዶ:–
      ሓቂ እዩ ፍርሓት ሰባቢራ : ስራዊት ኣትሪራ:-
      ህግደፋውያን ኣሾቅሪራ: መዓንጠኦም ኮምቲራ:-
      ድልየታት ህዝቢ ሓቢራ: ከምዝሳኻዕ በሲራ:-
      ዝኽበር ኣኽቢራ : ኣብ መዝገብ ስውእ ኣስፊራ::

      ግን ንተቃወምቲ:-
      እንታይ ገዲፋትሎም: ብጽኑዕ መርሚራ:
      ሓሳውቲ ካብ ኣቶም: ብዙሕ ኣጨዲራ:-
      ኣዝዩ ዝገርም ገለ ክምዛ ዝነበራ: ቱታ ክፍክራ:
      ኣውጺኣቶም ጉዶም ንመኖም ምሒራ::

      ኣቤት እወ:–
      ክንደይ እሎም ሆ ሆ : ንሕና ኢና ጀመርቲ:
      ወጊሕሎም ንግሆ: ከም ጸሓይ ኣብረቕቲ:
      ነቆዩ ከም ደርሆ: ሓሳኹ በላዕቲ:
      መርገጽ ኣልቦ መርሆ: እዞም ተገላብጥቲ::

      እንተ ገሊኦም : ካብ ብዝ ሒ ጫውጫውታ:-
      ጠቒሞማ ንህግደፍ ኮይኖም: ኣገልገልታ:-
      ክብሉ ሃታ ሃታ: እገለ ተቅቲሉ እገሊት ሞይታ:
      ክንደይ እወ ዓዑብታ: ፈኸራ ቱታ ቱታ::

      ኣንቱም ሰባት

      ሓሳዊ እኴ ዘይንፍቱ : ዝተርፍ ሃውቲቱ:-
      ዝጃሃር ብንዳማቱ: ዝኾርዕ ብዘይናቱ:-
      ሕፍረት ዝቅናቱ : ኣበይ ከ ይኣቱ:-
      ጠፊኦም ይጽነቱ : ክሎም ‘ቶም ሳዓብቱ::

      ዓዲ ገሊ ኦም ክኣ:–
      ድሮ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቢሶም ዓሳ ተደሪሮም:
      ሰና እናእ ኢሎም ፍቅሪ በርቲዕዎም :
      ሃንቀው ኢሎም ተሪፎም ተበቲኑ ሕላሞም::

      እንተ ‘ቶም ጀጋኑ: መርገጻቶም ጽኑዕ:-
      ኣዝዮም ዘሐብኑ: ዘይበሉ በራዕራዕ:-
      ኣብነት ዝኾኑ: ተጋድሎኦም ስሩዕ:-
      ናቶም እዩ ዘመኑ : ብርሃኖም ክኾላዕ::

      ሶኒኒ ሶኒና ዳግማይ ዓድምና:-
      ክንፈልጥ ዓቅማና ሕማቕና ጽቡቕና:-
      ናይ ሕጅስ ድሓን እዩ ንጽባሕ ከይጎድ ኡና:
      ጉዳቶም ቀሊዕና ክን ኣቱ ሃገርና::

  • Kokhob Selam

    ……….ልቢ ነዕቢ……..
    ልቢ ትሰፍሕ ካብ ሃገር:-
    ሰላም ይምረጽ ካብ ዕግርግር:-
    ትዕግስቲ የድልዮ እዩ ምንባር:-
    ኣሽንኴይ ዶ ካልእ ፍጡር:-
    እቲ ንስኻ እኳ ዝንጉርጉር:
    ብሓሳባት ትመልእ ትቕርቀር:
    የድልየካ ንነብስኻ ምጻር::

    ግን:–
    ነውሪ ኣይኮነን ምውድ ዳር:-
    ዝበለጸ ሓሳብ ምምርማር;-
    ብቅኑዕ መንፈስ ብሓባር:-
    ኣብ ክንዲ “ኣነ “ አኢልካ ምትራር:-
    ምእማን ይሓይሽ ቅኑዕ ምኽባር::

    ሃየ ወገን:-
    ልቢ ነዕቢ ኣብ’ዛ ተሃዋሲት መድረኽ:-
    በቶም ጨካናት ከይንድኽደኽ :-
    ብሓዲሽ ሓሳባት ንበል ደበኽ:-
    መእንቲ ሰላም ክትዓቢ ክትብርኽ::

  • Kokhob Selam

    ………ኣይፋልክን ሃገረይ……….

    ከም ‘ዛ ዘይወለድኪ ጀግና ጓል ሄዋን:-
    ከም’ዛ ዘይበላዕኪ ኣብ ከበሳን ቆላን:-
    መእንቲ ክብረትኪ መውጋእትን መስዋእትን:-
    እንታይ ድኣ ኮይንኪ ኣቢኽና ምቕሳን::

    እዘን ኣዋልድና ሜዳ ዝበለዐን:-
    ብኸቢድ መህረምቲ ዝኸዳ ተሳቕየን:-
    ክኽደና ክረግጻ መዓስ ጠፊእወን:-
    ኣብ ዓለም ክረኣያ ጸቢቐን ወቂበን:-
    የግዳስ ልዕሊ ኹሉ መጻ ኢ ሰላምኪ መሪጸን:-
    በጃ ኸይደን ዕንባባ ኣካለን ኣርጊፈን::

    እንታይ ድ ኣ ጸጊበ ዘይትብሊ ዘይኣኽለኪ:-
    ንምንታይ እዩ ሽግር ዘይበልየልኪ :-
    ክንዲ ትምርሺ ድሑራት ኣልጊስኪ:-
    ኣብዚሕክዮ ኣይፋልክን ሓዝልና መስመርኪ:-

    ጽን እሞ በሊ ስምዕዮ መረረይ ኣውያተይ:-
    እንተዘይርኢ ክትሓልፍ ጽብቕትይ ኣብ ቅድመይ:-
    እንተዘይ ሰምዕ ለበወ አ ብኣ እ ዛነይ :-
    ኣይምጠልብኩኽን ንመሰላ ንመሰለይ::

    ኣንቲ ሃገር:-
    ቆናጁ እና እለን ውድ ድር ክቐርባ:-
    ኣብ ጽቡቕ ቤት ጽሕፈት ዶላራት ክእክባ:-
    እታ ናትና ዋዕሮ መ ዓስ ነዚ ኣርኪባ:-
    መዓስ ከም’ቲ ግቡእ ተኣልያ ተሓብሒባ:-
    መዓስ ንቡር ር እያ ዓለማ ጸጊባ:-
    ወረ መዓስ ጠለባት ጓል ሄዋን ጠሊባ:-
    ብትኽትኽ እንድያ ኢላ ምስ’ቲ ኣስናና ጻባ:-
    መወዳድርቲ ኣልቦ ጀግንነት ኣመዝጊባ:-
    መእነታኺ ዶ ኣይኮነን ሓመድ ተደብዲባ::

    ኣይፋልክን ሃገርይ:-

    ሕጅስ በቲ ግብእ ምስ ማዕረኪ እምበር:-
    ኣብ ዓለም ተፈሊጥኪ ከም ነጻ ሃገር:-
    ንምንታይ ትብሊ ደምበርበር ዓገርገር:-
    ኣይፋልክን ሕፈሪ ነውሪ እዩ ጠምበርበር:-
    ኣሽንኳይ ንስኺ ካል እ ‘ ኳ ኸብር:-
    አደ ኣንበሲት ዋዕሮ ንኽብረት ትቕበር::

    ኣይፋልክን ሃገርይ:-

    እዛ ሎሚ ‘ኴ እዛ ዕለት ሾመንተ ምጋቢት :-
    ትመጽእ ትሓልፍ ከይሰልከየት ዓመት ዓመት:-
    ንመሰል ኣደይ ሓብተይ ጓለይ ነታ ኣፍቃሪት:-
    ንምንታይ እምቢ ትብሊ ዘይትኾኒ ኣኽባሪት::

    ኣይፋልክን ሃገርይ:-

    ዝተኣስራ ክፍተሓ ዝተሰዳ ክምለሳ ክነብራ:-
    መሰለን እዩ ክትፈልጢ ሃገረይ ክኸብራ:-
    ኣብ ጎነን ኣለና ክሳብ ዝወጻ ሓራ:-
    ፍርቂ ነጻነት የለን መሬት ተጠሪራ:-
    ኣይፋልክን ሕጅስ ሕሰብሉ ኤርትራ::
    ግን:-
    ስምዕታይ እንተስማዕኩ ፍቅሪኺ እንድ ኣሉ:-
    ሰብ ኣይ ሰበይትና ሩሕና ንመልቆሉ:-
    ንሕና ንዓኺ ን ስኺ ንኹሉ ፈላላይ ዘይብሉ:-
    መሰልኪ መሰልና መእንቲ ክንሕበነሉ::

    ኮኾብ ሰላም

    • Kokhob Selam

      …………ወሪዱኒ ሃገር………..
      ኮኾባይ ክስኻ ነመን እዩ ዝምልከት:-
      እዚ ክሉ ሲ ንዓይ ነዛ ሓላል መሬት:-
      ሃገር እንድ ኣለይ ባሕሪ ሽንትሮታት:-
      ጎላጉል ኣግራባት እምባታት ጎቦታት::

      እንታይ ዘይገበርኩ ኣነ ቶኽሳኺተይ:-
      ቀሪበልኩም እንድየ ባህርያዊ ትሕዝቶይ:-
      ካልእ እንታይ ኣሎ ካብ ሃገር ዝድለይ:-
      ስልጣን ኣረኪብካ ንዝብ ኢ ንህበይ:-
      ሕጅ ተስተማስል ትኾውን ከሳሳይ:-
      ፈራዶ ይቅረቡ ኣርእየኒ ጌጋይ::

      እምበር፥
      ወግሐ ጸብሐ ስው ኣት እናዘከርካ:-
      እኩብ ጌጋታትኩም ናባይ ኣጸጊዕካ:-
      ዝፍታሕ ጸገም የለን ሓቑ ክነግረካ:-
      ዝተረፈ ቃልሲ ብግቡእ ስሪዕካ:-
      ርኸብ ኣይስ ትኣን ኣነስ እነሁልካ::

      ወሪዱኒ ሃገር:-

      ኣንታ ወደይ– ዋዕሮ እናዘክርካ ተስተማስል:-
      የለዋን ድየን ወዛላት ብኹለን ትምሕል:-
      ኣለዋ እንድየን ገና ዝፈጠራ ሲዖል:
      ኣብ ስልጣን ተውጠሓ ዘይብልን መትከል::

      ወሪዱኒ ኣነ ድኣ ሓላል መሬት:-
      ከርሰይ ዝወነነ ክቡር ማዕድናት :-
      ኣዝዩ ሃብታም ዘይቲ ምስ ጋዛት:-
      ምቹእ ኣቀማምጣ ጥዑም ካላይሜት::

      ድሓር ክ ኣ:-
      ጓሎም ወዶም ንዓይ ዝወደቑ:-
      ኣብ ከርሰይ ኣትዮም ዝሓቐቑ:-
      በጃ ዝሓለፉ ጸሓይኩም ከብርቑ:-
      የረጋግጸልካ ክሎም ከም ዝጸድቁ::

      የግዳስ :-
      ኣጥቢቁ ሓታቲ ሞት ኣዲኡ ይርዳእ:-
      ሕጅ ክነግረካ ጽባሕ ከይትጉዳእ:-
      ሃገርነተይ ኮይኑ’ሎ ዘይፍለጥ ሕቡእ:-
      ዝተረፈካ ኣሎ ስራሓት ዝማላእ::
      እወ:-
      ኣለውኹም ብዙሓት ዝደልዩ ክብለጹ:-
      ብዘይ ሕንከት መትከል ስውኣት ዝረገጹ:-
      ንግዝያዊ ረብሓ ድኻታት ዝዓመጹ:-
      ሰሚርኩም ሓቢርኩም ኣእጋሮም ቁረጹ::

  • Yodita

    Dear Mr. Saleh Gadi,

    I cannot thank you enough for giving me this opportunity to post here this link because I feel all of us Eritreans will be mighty proud of ourselves when we had reached the end of the video.

    It speaks volumes about our society and its uprightness, its uniqueness, its honesty.

    If you deem it fit, you may wish to have it posted in the home page so it can be exposed to a wider audience.

    Freedom fighters of 1969: Impeccable!

    Encounter at Quhaito v1.2
    http://www.youtube.com/watch?v=lHJv0Xm5Y9A

  • Senifalu

    What is people’s opinion on the EPLF history reported by Tesfay Temnewo. I admire the guy for his memory recollection of 40 years and his story telling skill and thank him telling the story as he see it.

    One issue I have with him is though, it seems that his story telling is focused or directed to Eritrean highlanders audience. The way he talks about “WE”, “UNITY”, “US” in his statements I feel, his message is primarily to Eritrean Highlanders on the people from SEMHAR, especially on how he see the SEMHAR people in EPLF not being good fighters but still getting rewarded with power and authority with minimum casualty.

    What is your opinion ?

    In addition to that, I sense he has some strong dislike

  • Kokhob Selam

    …….ገሪሙኒ…..
    ክትውጋእ ሪኤያ:-
    ……..ባዕለይ ኣልዒለያ
    ሓኪመ ከሕውያ:-
    ……..እምብዛ ደምያ:-
    ዝኸደት ተላብያ:-
    ……..ሓዚነ ሰንየያ:-
    ምስ ቀባሮ ቀቢረያ:-
    ……..ምቅባጽ ስኢነያ::
    ሰውእ ዶ ይመልስ እዩ ህያው ኮይኑ:-
    ካልእ ስም ተዋሂቡ ዳግማይ ተኸዲኑ:-
    እንደገና ተፈጢሩ በቒሉ ሰሲኑ:-
    ገለ ‘ኳ ሚስጥር ኣሎ ኣሕዋተይ እመኑ:-
    እምበር:-
    ምጭውተይ ሕርይቲ :-
    ……..ናይ ልበይ ንግስቲ:-
    ዝኾነት መስዋእቲ:-
    ……..ንህዝቢ ንርስቲ:
    ማማየ ወላዲት :-
    …….. ‘ታ በጃ ሓላፊት:-
    ተመሊሳ እነህት:-
    ……..ቀንዴል እያ በረሀት::
    ሓንሳብ ሜሮን ኮይና:-
    ……..በዱው ሲናይ ኮኒና :-
    ትበኪ ሓዚና :-
    ……..ግዳ ኸኣ ጀግና:-
    ብሓዊ ተ ፈቲና:-
    …….. በደልቲ ኣድኒና:-
    ሓንሳብ ውን ኤልሳ:-
    …….. ትቕየር መሊሳ:-
    ሽም እያ ቀይራ:-
    ……..እምበር ስጋታት ለቢሳ :-
    እመኑኒ ኣሕዋት ንሳ እያ ንሳ:-
    ……..እታ ተሰወ አት ናይ ‘ቲ ሜዳ ኣንበሳ:
    ዝሓዘነ ለዋህ ልበይ ደቢሳ
    ……..ናይ ቃልሲ ንያተይ ሓዲሳ
    ገሪሙኒ መጸት ዳግማይ ተመሊሳ::
    መዘከርታ ንጽጌዳን ኩለን ክቡራት ተኻፈልቲ ‘ዚ መርበብ::
    ኮኾብ ሰላም

    • Kokhob Selam

      ………..ጓል ሃገርይ………….

      ምጭውቲ ፍዮሪ ናይ ወይኒ ዘለላ:
      ባህሪያዊ ተፈጥሮኣ እንከይሰናኸላ:
      ድሕሪት ከይተረፈት ንሓዋ መሲላ:
      ኣብ ሃገር ኣብ ሜዳ ዕጥቃ ኣደልዲላ:
      ዓወትና ዘቅረበት መስዋእቲ ከፊላ:
      ትረባረብ ጀግና ኣብ ድፋዕ ተኺላ::

      ጓል ሃገርይ:—
      ኣብ ሰደት ውን ኣይሓመቐተን:
      ንግዝያዊ ርብሓ ኣይተታለለትን:
      ንጸገማት ሰደት ኢዳ ኣይሃበትን:
      ንጉዳይ ሃገርና ሸለል ኣይበለትን::

      ጓል ሃገርይ:—
      መከራታት ህዝባ ንዓለም ነገረት:
      ወጽዓ ናይ ዚ ህዝቢ ተንቲና ገለጸት:
      ምስ ተበልጽቲ ዲያስፖራ እናተጋተረት:
      ዋዛ ኣይኮነትን ንቅድሚት መረሸት::

      ጓል ሃገርይ:—
      ምስጋና ይግበኣ እታ ኣደይ ወላዲተይ:
      እታ ሓብተይ ፍንጫሕ መሰንገለይ:
      እታ ክብርቲ ብዓልቲ በይተይ ኣፍቃሪተይ:
      ክብርኺ ላዕሊ እዩ ጀግና ጓል ሃገርይ::

      Kokhob Selam

  • Kokhob Selam

    Thank you awate. all my poems were connected with the article in hand by the way but still i fell more comfortable to post in Jebena. thank you once again.

  • Ziggy

    Dear Awate Staff:

    Please keep out poems from your website. At times, nearly 1/3 of the posts on Awate are poems. Sometimes nearly half of the posts are poems. No exaggeration!!!

    Not that there is anything wrong with poems, but it’s better if people stick to the topic on hand.

    I understand there are creative people like Kokhob Selam and Mehretu Habte Paulos who constantly want to turn out poems, but a poem about farms and chickens or what have you doesn’t really jive with the topic if for instance the thread is about a recent event or a democracy…etc

    Again, nothing wrong with poems about farms or chickens, but I am glad you have finally found a place for them in Jebena. I would advise that you enforce your new policy strictly.

    Cheers!
    Z