Awate.com

ፍረ ናጽነት ምዕባሌ ኢዩ

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ቀንዲ ዓላማኡ እቲ ሕብረተሰብቲ ካብ ጭቆና ተጋላጊሉ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ። ለውጢ ክበሃል እንከሎ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ተለዊጡ ህዝቢ ዝሳተፎ፤ ዝቆጻጸሮ ህዝባዊ ስርዓት ምቛም ማለት ኢዩ። ህዝባዊ ስርዓት ድማ እቲ ህዝቢ መሰሉ ተሓሊዩ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብባህሊ ይኹን ብሃይማኖት ዕብለላ ዘይብሉ ብማዕረ ዝነብረሉ ስርዓት ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሰሉ ስርዓት፡ መሰል ዘጋታት ዝሕለወሉ ስርዓት ማለት ኢዩ። ኣብ መጨረሻ እዚ ህዝባዊ ስርዓት’ዚ ከይዱ ከይዱ ኣብቲ መነባብሮ ሕብረተሰብ ናይ ናብራ ለውጢ የምጽእ። ተዘይኮነ ሓደ ሕብረተሰብ ዝፈትዎም ደቁ ዘሰውእን ንብረቱ ዘወፍን ንጽድቂ ኢሉ ኣይኮነን። ወይ ድማ ንቕያ’ውን ኣይኮነን። ሓደ ሕብረተሰብ ብታሪኽ ጥራይ ኣይነብርን ኢዩ። እወ! ታሪኽ ግደ ኣለዎ። ብጌጋኻ እትእረመሉን ብጽቡቚ ከኣ እትሕበነሉን ኮይኑ ብህልዊ ኩነታት ኢኻ እትነብር። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ምዕባለ ዘይትግበር ነጻነት ንሽሙ ታሪኽ ኰይኑ ኢዩ ዝተርፍ። ህግደፋውያን ናይ ሕጂ ምዕባሌ ገዲፎም ብዝሓለፈ ናሪኽ ኢዮም ክቑዝሙ ዝነብሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ እንከሎ፡ ንታሪኽ ኣይኮነን ወይ ድማ ንጸድቂ’ውን ኣይኮነን። ባዕዳዊ ስርዓት ኣውዲቑ ሓደ ካብኡ ዝሓሸ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ወለዲ ዝፈትውዎም ደቆም ዝኸፈሉ ንባዶ ቅያ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ሓደ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ተተኺሉ ኣብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ምዕባሌ ንምምጻእ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ስደት ከርታት ናብራ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ’ውን ተመሊሱ ሃገሩ ንኸማዕብል ኢዩ ድልየቱ ነይሩ። ናይ ትምህርቲ ዕድል ሲኢኑ ዝነበረ መንእሰይ’ውን ዕድል ረኺቡ ንኽማሃር ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ መንእሰይ ትውልዲ መሰረት ምዕባለን ቀጻልነትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ። ሓረስታይ’ውን ሰላምን ርግኣትን ረኺቡ ዝሓሸ እቶት ንኽረክብ ኢዩ ነይሩ።ነጋዳይ’ውን ናጽነት ረኺቡ ከም ልቡ ክኣቱን ክወጽእን ምስ ዝኽእል ኢዩ ከፍሪ ዝኽእል። ኰታ ብሓጺሩ ዓላማ ናይቲ ቃልሲ ንምዕባሌን ራሕዋን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።

ፍረ እቲ ቃልሲ ግን ዓላማኡ ሲሒቱ ኢዩ። ሓቂ ክንዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክብል ጀሚሩ? ካብ ስርዓት ህግደፍ ስርዓት ደርጊ ይሓይሽ ክብል ጀሚሩ። እዚ ክብል ከሎ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ደርጊ መሪጹ ኣይኮነን። ናጽነት ሃገሩ’ውን ጸሊኡ ኣይ ኰነን። ዝተቓለሰናሉን ዝተመነናዮን እዚ ኣይነበረን ማለቱ ኢዩ። ሓቁ ኢዩ ድማ። ከም ፍትሒ፤ ፍትሒ ኣይረኸበን።ከም ዲሞክራሲ፤ ዲሞክራሲ ኣይነገሰን። ብሓደ ሰልፊ ዝዕብለል እሞ ብሓደ መላኺ ውልቀ-መራሒ ዝጥቃዕ ስርዓት፡ ሓንቲ ሰንቲ ሜተር ንቐድሚት ክጉዓዝ ኣይከኣለን። በንጻሩ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ማእሰርቲ፤ ኣብ ክንዲ ኣብያተ-ትምህረቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብያተ-ሕክምናን ክሊኒክን ማዓስከራት ዝበዝሓ ሃገር ኰነት። መነባብሮ’ውን ኣብ ክንዲ ሕረስ-ሓረስታይ ንገድ-ነጋዳይ ዝኸውን፡ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ሓይልታት ቁጠባ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ፡ ሙሉእ ሕብረተሰብ ኣብ ድኽነት ዓዘቕቲ ወዲቑ ይርከብ። እቲ ብግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፎቖዶ ስደት ፋሕፋሕ ኢሉ ዝነበረ ሕብረተሰብ’ውን ኣብክንዲ ናብ ሃገሩ ገጹ ከምርሕ፡ በንጻሩ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ንስደት ይውሕዝ ኣሎ። ሰብ ከይዛረብ ኣብየት ከይብል ብፍርሒ ተዋሒጡ። ከምቲ ምሳሌ ዝብሎ “ ዳስ ሓውያስ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይብላ” ከም ዝበሃል ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝኣቱ’ምበር ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝወጽእ ኣይረኣናን። ብሓፈሽኡ እዛ ሃገርዚኣ ብዘይ ፍትሒ፡ ብዘይ ቅዋም እትግዛእ ናብ ሓደ ዓቢ ቤት-ማእሰርቲ ካንሸሎ ተለዊጣ ትርከብ። በሉ’ስ ከ! ህግደፋውያን በየናይ ስነመጎት ኢኹም ነዚ ስርዓት’ዚ ክትካላኸልሉ እትፍትኑ?  ካብ ስርዓት ህግደፍ ስርዓት ደርጊ ይሓይሽ ዘየብል እንታይ ኣሎ? ኣቶ ኢሳያስ ወዲ ሃገር ስለ ዝዀነን(ንሱ ከማን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘሎ ጉዳ ኢዩ) ንሽሙ ባንደራ ስለ ዘሎን ድዩ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስርዓት ደርጊ ዝሓይሽ?

ክቡራት ኣንበብቲ! ከስምረሉ ዝደለኹ ቀንዲ ነጥቢ፡ ናጽነት ሓደ ሃገር ምስ ምዕባሌ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ናብ ምዕባሌን ራህዋን ህዝቢ ዘይኸስት ናጽነት እንታይ ዓይነት ናጽነት ክበሃል ይካኣል? ንናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ዋጋ ከቢድ ኢዩ። እዚ ከቢድ ዋጋ’ዚ ናብ ምዕባሌን ጸጋን ሕብረተሰብ እንተዘይተተግቢሩ ናጽነት ንሽሙ እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ናጽነትን ላዕላውነትን ሓደ ሃገር መሰረቱ ልዕላውነት ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ መሰሉ እንተ ዘይ ተሓሊዩ፡ ናብርኡ እንተ-ዘይተመሓይሹ፡ ናጽነት ንሽሙ እንታይ ትርጉም ይህልዎ? ጭቆና፡ ጭቆና ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኢዩ ድማ ናብ ካልኣይ ቃልሲ ተኣትዩ። ንሕና ጥራይ ኣይኮናን ናብ ካልኣይ ቃልሲ ኣቲና ዘሎና። ብዙሓት ሃገራት መጀመርያ ንሽሙ ናጽነት ኣምጺኤን ናብ ህልም ዝበለ ሓርነታዊ ቃልሲ ከም ዝኣተዋ ታሪኽ ይሕበረና ኢዩ።

ካብዚ ቀጺለ፡ መቸስ ነብስኻ ምስ ካልኦት ምንጽጻር ናይ ለባም ኣተሓሳስባ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ድማ ደረጃኻ ትፈልጥ ማለት ኢዩ። ናይ ኢሳያስ ምስ ዘይመዘናኻ በትሪ ምውጥዋጥ፡ ማለት ምስ በዓል ኣሜሪካ ኣብ እግሮም ኮይንካ ምጽራፍ ገዲፍና፡ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተዓዊታ ብ1993 ከም ሃገር ተፈላጥነት ኣብ ዝረኸበትሉ ግዜ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ፡ ንምዕባሌ ተስፋ ኣለወን ዝተባህላ ሃገራት ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ሓንቲ ኤርትራ፤ ቀጺላ ኢትዮጵያ፤ቀጺላ ኡጋንዳ፤ ቀጺለን ሩዋነዳን ድሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎን ነበራ። ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎ ገዲፍና፡ እስከ እዘን ሰለስተ ዓድታት ምስ እዛ ድሕሪት ተሪፋ ዘላ ሃገረ-ኤርትራ ነነጻጽረን።ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንተ ሞሰቨኒ ብቑጠባ ይኹን ብፖለቲካ ካብ ኤርትራ ከም እትሓይሽ ማንም ዝጠራጠር የለን ። ብዙሓት ካብ ኤርትራ ዝተሰዱ መንእሰያትን ከምኡ ድማ ኣብ ሃገሮም ምንቅስቓስ ዝሰኣኑ ነጋዶን እኳ ድኣ አዕቚባ ትርከብ። ሩዋንዳ’ውን ዓለም ዝመስከረላ ዝሓሸ ስርዓት መስሪታ፡ ናይ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝገበት ሃገር ኢያ። ኢትዮጵያ’ውን ባዶ ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ንወሰን ገዲፍና፡ ዓለም ዝምስከረላ ምዕባሌታት ተመዝግብ ምህላዋ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን። ኢትዮጵያ ብህንጻ ድሕረ-ባይታ ጥራይ ኣይ ኰነትን ትስጉም ዘላ። ብሸነኽ ቁጠባ ብሓፈሽኡ ዕዙዝ ዕብየት ተመዝግብ ከም ዘላ ዓለም ዝመስከሮ ኢዩ። ኣነ ከም ዝመስለኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀንዲ ኣተኩሮኡ ኣብቲ ናይቲ ሃገር ዓንዲ ሕቘ ዝኾነ ሕርሻ ኢዩ።እዚ ድማ 85% ቁጠባ እቲ ሃገር ኣብ ሕርሻ ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ ኢዩ።ብሓፈሽኡ ከም ዝተዓዘብኩዎ በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትራንስፎርመሸን መደብ፡ ናይ ሓጽቢ ኣባይ ምህናጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጠቕላላ ድኽነት ንምጥፋእ ህዝቢ ተላዒሉ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።እግኢኣብሄር ድማ ይሓግዞም። ምዕባሌን ዕብየትን ጐረባብቲ ሃገራት ከኣ ጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ! ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘተሳስኣኒ (Addis Ababa and Djibouti: Mannequin and Plastic) እትብል ብሳልሕ ቃዲ ዝቐረበት ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩ ኢዩ። ሓው ሳልሕ ዘወፍዮ ዘሎ ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ እናመስገንኩ፡ መቸስ ከምዚ ዝኣመሰለ  ውድዕነት ዝመልኦ ጽሑፋት ከተንብብ ከሎኻ ሃገራዊ ስምዒት ይሕድረልካ’ሞ ብዙሕ ድማ ትሓዝን። ሓው ሳልሕ ሓቁ ኢዩ፡ ብግዜ ስሳታትን ሰብዓታትን ማዕቢለን ዝነበራ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን፡ ሎሚ ድሕሪ 50 ዓመታት ዓንየንን መኺነንን ክተርፋ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ።ግን ከኣ ስለምንታይ ከምዚ ኪኸውን ኪኢሉ ኢልና ምስ እትሓት መልሱ እንታይ ይኸውን?

ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ኢሳያስ ኣብ ጐደና ምዕባሌ ዘይሎ ፍጠረት ኢዩ።ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሽርሕታትን ውዲታትን ገበናትን ኣብ ምእላም ኢዩ ዝርከብ። ገበን ዘይብሉ ንጹሕ ዘይጋ ምእሳር፡ ህዝቢ ዝበልዖ ሲኢኑ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ሰላም ዝኸልኡ ሸፋቱን ተሮሪሰትን ምቕላብ። እስከ ኣእምሮ ዘሎካ ዘጋ እዚ ኹሉ ኢሳያስ ዝብሮ ዘሎ ጸረ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ ይጠቕም ድዩ? ኢሳያስ ኩሉ ግዜ ንስልጣኑ ዘናውሕሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ኣብ ደገ ሽግር ኢዩ ዝጽሕትር። ምስ ኩሉ ድማ ይጻላእ።”ንሱ ጥራይ ጥዑይ። ዓለም ኩሉ ሸርሒ። ሕቡራት መንግሰታት ብላሽ። ሕቡራት ሃገራት(ኣሜሪካ) መዝመዝቲ። መራሕቲ ኣፈሪቃ ሕበረት ከደምቲ።” እዛ ሓንጎል እዚኣ ብርግጽ ጥዕና የብላን። ካብ እትሓምም ነዊሕ ግዜ ኰይኑ ኣሎ ይብለ ኩም ኣሎኹ። እቶም ዓይኖም እናረኣየ ዝዓወሩ፡ እዝኖም እናሰምዐ ዝጸመሙ፡ ሰብኣይ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ከም ዝተቓወሶ እናፈለጡ ዝስዕብዎ ዘለው፡ናቱ ሕማም ዝሓደሮም ክኾኑ ኣለዎም። ሓደ ግዜ ጌጋ ተሕልፈሉ። ክልተ ግዜ ጌጋ’ውን ትጽመሞ። ን20 ዓመታት በሻሓት ሂወት ዝተጸወተን፡ ሃገር ብኹሉ ነሸነኻቱ ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወን ስቕ ኢለካ ይረኤ?  ሕጂ ሞ ዝገሸላ ዓዲውን የላን። ኩሎም  ዲክታተራት ኣዕሩኹ ተዓልዮም ኢዮም።

ንዑ’ድኣ ሎምስ ኩላሀና ንሕሰበሉ።ይኣክል ንበል።ኣብ ማሀጸን ኣደ ዘሎ ህጻንን፡ ኣብ መቓብር ዝኣተወ ረይሳን እንተዘይኮይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ኩሉ ክትስእ ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ብጀካ ንውሑዳት፡ ጥቕሚ ህዝቦም ሓሪዶም ዝበልዑ፡ ሎሚ ሙሉእ ሕበረተሰብ ብስርዓት ህግደፍ ዘይተጠቕዐ የለን።ዘሕፍር ኢዩ። ኣብ ቱኒዘያ ዝነበረ ስርዓት ትኣልዩ። ስርዓት ሙባረክ እውን ተዓልዩ። ጋዳፊ’ውን ሙባረክ ዘወጸላ ኣፍደገ ንኽወጽእ ተዳለዩ ኣሎ። ናይ የመን ዓሊ ዓበደላ ሳሊሕ’ውን ተኣልዩ። መን ተሪፉ። ኢሳያስ ካብ ኩሎም ዝኸፍኤ ገበነኛ ከንሱ ብለውጢ ተኸቢቡ በይኑ ተሪፉ።

ንእሽቶይ ከሎኹ ኣቦይ ዝነግረኒ ጽውጽዋይ ሎሚ ትዝ ይበለኒ። ኣብ ሐደ  ሃገር ከም ኢሳያስ ዝበለ ሓደ ጨካን ንጉሰ ነበረ። እቶም ዝገዝኦም ዝነበረ ህዝቢ መነባብሮኦም ኣብ ሕረሻ ዝተመረኮሰ ነበረ። ኮይኑ ግን እዚ ንጉስ ሓደ ሓርማዝ ነበሮሞ፡ ኩሉ ግዜ እዚ ሓርማዝ’ዚ ኣብቲ ዘራእቲ ናይዞም ገባር እናኣተወ ብእገሩን ብኣፉን ነቲ ዘራእቶም የባላሽወሎም ነበረ። ክኽልክለዎ እውን ኣይፍቀደሎምን። እንተ ከልከልዎ ድማ ይቕጽዑ። ስለዚ ሓደ ግዜ ኩላቶም መሪርዎም፡ “ናብቲ ንጉስ ንጥራዕ ። እንተ ሓቢርና ንኹላትና ክኣስረና ኣይኽእልን።” ኢሎም ዘተዩ። ሓደ ካብኦም’ውን ንኽመርሖም እሞ ኣብቲ ቅድሚ ንጉስ ምስ በጽሑ ድማ “እዚ ሓርማ እዚ” ክብል እሞ እቶም ዝተረፉ ድማ “ጐይታይ ኣጥፊኡና፡ ናቒሉና” ንኽበሉ ተሰማምዑ። ከም ስምምዖም ድማ ናብቲ ጨካን ንጉሰ ቀረቡ። መራሒ ከም ስምምዖም ኣብ ቅደሚ ንጉስ ቀሪቡ፡”እዚ ሓርማዘ’ዚ” በለ ሰለስተ ጌዜ።ዝተረፉ ፈሪሖም ኣጽቅጥ ኣበሉ’ሞ፡ ንጉሰ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ” ኢሂ’ሞ ሓርማዘይ እንታየደኻ ጌሩካ” በሎ።” ዋእ! ጐይታይ በይኑ ኮይኑ’ሞ ካልኣይ ግበሩሉ ማለተይ ኢየ።” በለ ይበሃል። ኣቦይ እዚ ዛንታ’ዚ ምንጋሩ ሓደ ዓላማ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ሓድንት ስጋዕ ክንደይ ኣድላይ ምዃኑ  ንምምሃር ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ ክብሎ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ዝዕወት ብቓልሲ  ኢዩ። ከምቲ ናይ ብረታዊ ተጋድሎኡ ተቓዋሚ ሓይልታት ክጥርነፍ ኣለዎ።ውድበ-ውድብካ፤ ሰልፈይ-ሰልፍኻ ተሪፉ፡ ንጥቕሚ ውድብ ወይ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ንጠቕሚ ህዝቢ ኢሉ ክቃለስ ኣለዎ።ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ ዝኸእል ብጥሙር ግንባር ኢዩ። እዚ ሕጂ እንኽተሎ ዘሎና መንገዲ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ሓደን እንኮን ከዐውት ዝኽእል ኣገባብ ኢዩ። ስለዚ ሕጂ’ውን ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ንዳሎ።

Comment: fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares