Awate.com

ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ

Eritrean American Public Forum: Dallas-Fortworth

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ ብማዕበል ሓርነትን ነጻነትን ተናዊጹሉ ዘሎ ግዜ፡ አብ መላእ ዞባና ዝርከቡ ጭቁናት ኣህዛብ፡ ካብ ኣርዑት ዓመጽቲ ስርዓታት ንምግልጋል፡ ሓደ ብሓደ ካብ ሱሮም በርቂቖም ክውድቅዎምን ክብድህዎምን እንከለው፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ማዕበል ለውጢ፡ ተዓዛባይ ጥራይ ኮይኑ ክጥምቶ አይግባእን።

ኣቃልቦ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዞባና ኣተኲሩ ይርከብ። ነዞም ንነዊሕ ዓመታት ዝገዝኡ ውልቀመለኽቲ ዞባና በብሓደ ክመሓው እንከለው ህዝቢ ዓለም ብአድናቆት ይዕዘብ አሎ። ነዚ ታሪካዊ ፍጻሜታት ከባቢና ከይተጠቐምናሉ ከይሓልፍ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ  ኤርትራዊ ስክፍትኡ ይገልጽ ኣሎ።

ከም ህዝቢ፡ ኤርትራውያን ንመዋእል ኣንጻር ዓመጽቲ ተዋጊእና፡ ንጸቐጥቲ ስርዓታት መኪትና፡ ምእንቲ ናጽነት ህዝብናን ሃገርናን ደሚና። ሎሚ ንሃገርና ንነዊሕ ግዜ ክጭፍጭፍ ንዝጸንሐ ግናይ ውልቀ መላኺን ጭፍርኡን፡ ኢድና አሕሊፍና ኣይንህብን።

ኣብዚ ወሳኒ ሁመት፡ ተዓዘብቲ ኴንና ክንተርፍ ኣየዋጻኣናን’ዩ። ሓደ ኣካል ኴንና፡ ንሓይሊ ዓመጽቲ ብሓይሊ ህዝቢ እንገጥመሉ ግዚኡ ድማ ኣኺሉዩ። ውሑዳት ሃገራውያን ብዘይ ዝኾነ ናይ መራኸቢ ማዕከናትን —መጎሳጎሲ መሳሪሕታት— ብትብዓት ተላዒሎም ንጎብለል ሓይሊ ስርዓት ጎበጣ መኪቶም ሰዒሮሞ እዮም። ኣብዚ ዘመነ ተክኖሎጂን ምዕቡል መራኸቢ ብዙሓንን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህልዊ ዘቤታዊ ዓማጺ ስርዓት ተመሳሳሊ ትብዓትን ቆራጽነትን ዘየመስክረሉ ምኽኒያት ፍጹም ክህሉ ኣይግባእን። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣጋጣሚ ብዘይ ተግባር ከሕልፎ ኣየዋጽኦን ኢዩ። ይኣክል በቃ ዝበሃለሉ ግዜ ሕጂ እዩ። 

በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ —ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን— ናይዚ ስርዓት ኣረሜናዊ ጭፍጨፋ ዲል ከይሃበ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራን፡ ኩለን ከተማታት ዓለምን፡ ብሓደ ድማጺ ተላዒሉ፡ ለውጢ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊታት ከካይድ ንጽውዕ።

ክቡራት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ኣብ ዝባንኩም ናይ ተባዓት ተዋጋእቲ ሓይልታት ሓደራ ተሰኪምኩም ኣለኹም። ትካልኩም ካብ ንኤርትራ ዘወደቁ ዘርኢ ተቃለስቲ ሓርነት ዝበቖለ ተኽሊ እዩ። እዚ ሰራዊት እቲ እንኮ ዕላምኡ ንስለ ናጽነት ኤርትራውያን ክደሚ፡ ክዋጋእን ክከላኸልን ኢዩ ኔሩ። ብግብሪ ድማ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ቀዳማይ ዕማሙ ክብሪን ነጻነትን ሃገሩ ንምክልኻል ኢዩ። ኤርትራውያን ግና ነጻነቶም ካብ ዝንፈጉ ዘመናት ሓሊፉ። 

ኣብዛ ህሞት’ዚኣ —ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ጉዕዞና— ኣገዳሲ መድረክ በጺሕና ኣሎና፦ ወይ ኢሰያስን ጭፍርኡን ዕንወት ሃገርና ክቅጽልዎ ክንፈቅድ ወይ ድማ ካብ ስልጣኖም ኣሊና፡ ፍረ መሪር ጻዕርና ክንመልስ እዩ። ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ስጉምቲ ንክወስድ ጻውዒት እነቕርበሉ ዘለና ግዜ፡ ንዓኹም’ውን ኣብቲ ቅኑዕ ጎድኒ ናይ ታሪኽ ክትስለፉን፡ ንህዝብኹም ካብቲ ብኣርሜንነቱ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘመስከረ ስርዓት ክትከላኸሉሉን ክትሕግዝዎን ንጽውዕ። 

እዚ ስርዓት’ዚ፡ ድሮ ብውሽጡ ቦኽቢኹ፤ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝጥቀሞ ስልትን ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ዝፍጽሞ ግፍዕን፡ ናታትኩም ኢድ ክጽንበሮ ኣይግባእን ኢዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ግዜ እዚ፡ ኣብ ጎድኒ ህዝብኩም ደው ክትብሉን፡ የእዳውኩም ብደም ንጹህ ህዝብኩም ካብ ምብካል ክትድሕኑ ንጽውዕ። 

eapfdallas@gmail.com

Arhe Hamednaca             Omer Jabir
Dr. Bereket H. Selassie Bashir Ishaq
Elsa Chyrum                       Dr. Daniel R. Mekonnen
Amha Domenico Saleh AA Younis
Dr Yebio Woldemariam Dr. Anghesom Atsbaha
Saleh (Gadi) Johar Samira Saleh Hassen
Abdulrazq Karar Semere Kesete
Seyoum Tesfaye Semere Habtemarim
Dr.  Habemariam Tesfaghiorghis Sheih M. Juma’a Abu Rasheed
Bothina Nasser Dr.Brhane Ahmed
Meron Estefanos Dr. Yonas Mahri
Dr Jalaledin M. Saleh Dr. Mohamed kheir Omer
Daniel Tewelde Amanuel Eyasu
Ismail Gabayta Redi Aybu
Dr. Negassi  Hadgu Petros Tesfagherghis
Dr Omer zeray Tewelde Redda
Zaki Robat Hussien Mohamed Ali
Khalid Abdu                      Dawit Efrem                                    
Mohamed T. Tawakel Ali Hindi
Meriem Omer Ashia Gaas
Fowzia Hassen                                Mohamed Osan Idrisay
Fissah Nair        Saleh Sabah
Munir Karrar Amauel Tsegai
Amanuel Hidrat Tabot Araya
Bashir Saleh Tzeggai Y Deres
Derei M. Debas Salwa Osman
Mohammed Ahmed Adhanom Fitiwi.
Kidanemariam Kiflezgi Mohammad Ali Lebab
Dawit G.Measho Bereket kahsay
Mohamed Salih Majawray Teklai Abraha
Kiros Yohannes Mehari Abraham
Hamdi Omer Ezaz Tedros Menghistu
Ahmed Abdelrehim Saber Rubat                      
Asefaw Ghebrekidan Bereket Stephanos                      
Yacob Gebre      Asfeha Tesfamichael   
Mohamed Ali Sheya Mohammed Ishaq
Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares