Awate.com

ጸጸርና ንደርቢ

ህይወት ብህርመት ዝተቓነየት ኢያ፡፡ ነፍሲ ወከፍ እተድምጾ ድምጺ ውጽኢት ህርመት ኢዩ፡፡ ህርመት ከበሮ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ክራር ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ዋጣ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ሻንብቖ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት መለኸት ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ንፋስ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ማዕበል ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ዝናም ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት ልቢ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ህርመት እስትንፋስ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ኮታ ህይወት ብህርመት ዝተዓስለት ኢያ፡፡ ምናልባት ህይወት እውን ህርመት ተስተንፍስ ትኸውን፡፡ መን ይፈልጥ? ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ብዘይ ህርመት ዝንቐሳቐስ ፍጡር የልቦን ምባል ከ ዝተጋነነ ዶ ይመስል ይኸውን፡፡

ንቕሎ ጽሑፈይ ብዛዕባ ህርመት ንምትንታን ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድኣ ኣብዛ ህርመታት ጸንቒቓ ካብ 2010 ናብ 2011 ክትሰጋገር መዓልታታ ትፈቐድ ዘላ ዓመት፡ ህርመት ትብል ዓምዲ ሒዘ ኣብ ደምበ ዓዋተ ጽምብር ይብል ምህላወይ ንኵቡራት ኣንብቢት ከበስር ደልየ ኢየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኣካያዲ ዓዋተ ዳት ኮም ሓው ሳልሕ ጋዲ ነቲ ዝገበረለይ ዕድመ ከመስግኖ ይፈቱ፡፡ እምበኣር ህርመት በበይኑ ናይ ህይወት ቅኒታት ሒዛ ደበኽ ክትብሎኵም ኢያ፡፡ ሰረታ ስነ-ጽሑፉን ጽባቐን ዝድህስስ ይዅን እምበር ህርመት ዘይትትንክፎ ዓውዲ ህይወት ኣይክህሉን ኢዩ፡፡ እቲ ኸመይ ህይወት ኣብ ህርመታት ተደዋዊሳ ስለ ትርከብ፡፡

ከማይ ዶ ትኾኑ? ሓዳስ ዓመት መጸት ብዝኽሪ ኢየ ንድሕሪት ምርቕፍ ዝብል፡፡ ዝኽሪ ኣብ ልዕሊ ዝኽሪ ተወጢሖም ድማ ነየናይ ዝኽሪ ከም ዝመርጽ ክርጥ ይብለኒ፡፡ ዝሓለፍካዮ ህይወት ክትግምግም ንመጻኢ ህይወትካ ስእሊ ዝህብ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ ድማ ነብሰይ ትብህጎ፡፡ በዚ ኢየ መስለኒ ንሓዳስ ዓመት ፉሉይ ክብሪ’ዩ ዘሎኒ፡፡

ንሎሚ እምበኣር ቅንጥብጣብ ዝኽሪ ህይወተይ ኢየ ሒዘልኵም ቀሪበ ዘሎዅ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንዅሉኵም ሩሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይምነየልኵም፡፡

ኣስመራ 19…..ላሉሽ ከልቢ ገዛውትና

ሽሾ ሰራዊት ደርጊ ዝጸፈዩሉ እዋን ኢዩ ነይሩ፡፡ ነዛ ከተማ ኣስመራ ከም ዕስለ ኣንበጣ ምልእ ኢሎማ፡፡ ወቕቱ ውጡር ወቕቲ ኢዩ፡፡ ኣቖልዑት ስለ ዝነበረና ልቢ ሰቝርና ንምንታይ ኣሰመራ ዝያዳ ኵሉ እዋን ብሽሾ ሰራዊት ደርጊ ተዓሲላ እኳ ፈሊና ክንፈልጦ እንተዘይከኣልና፡ ደበና ኤርትራ ግና መዓት ጠኒሱ ክብድብድ ዝበለሉ እዋን ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ውጡር ወቕቲ ግና ናብራና ናብራ ቖልዑ ኣይሓደግናን፡፡ ቡቻ…ባሊና….ፊስካ ኣንጎሎ….ጭርጭር….ኵዕሶ….ያህለለ….ማይ ዶ ጸባ….ማእለያ ዘይብሎም በብወቕቱ ዝቐላቐሉ ጸወታት እንዳመሃዝና ነብስና ነዛኒ፡፡ ቃንዛና ነደዓዕስ፡፡

ሓደ ኣጋ ምሸት ኢዩ፡፡ ጸሓይ ንምዕራብ ገጻ ክትሰትዅ ጓህሪ መሲላ ጠርሲ ኣኽራናት ዝነኸሰትሉ፡ ሓያል ቀዝሒ ዝሑል ኣየር ተሰኪሙ ፊሽፊሽ ይብል ነይሩ፡፡ ላሉሽ ከልቢ ገዛውትና ኣብቲ እዋን እቲ ፍሉይ ባህሪያት ኣቐልቒላ ነይራ፡፡ ንምንታይ ሙዃኑ ጠንቝ መርሚርና ዘይበጻሕናዮ ነቪ( ባሕረኛታት ወታደራት ደርጊ) ብጣዕሚ ኢያ ትጸልእ፡፡ ውቓቢኦም ባህ ኣይብላን፡፡ ራዲዮ መሪናዮ መእከቢኦም ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣጋ ምሸት ድማ በብሓደ ዓቐበት ገዛ ማንዳ ደይቦም ንማጭሆት ገዞም ይዕዘሩ፡፡ ክሓልፉ ከለው ውሕ እንዳበለት መከራ ስለ ዘብላዕትና፡ ኣጋምሸት ካብቲ ዝመላለስሉ መንገዲ ክንሓብኣ ዓቢ ስራሕ ኢዩ ኮይኑና ነይሩ፡፡ ውሕ ኢላ ኣብዘይመዓትና ከይትእትዋና ፍርሒ ነይሩና፡፡

ሓደ ኣጋምሸት ግና ዕላል ገዛውቲ ስለ ዝመቐረና ኵሉ ግብ ኣቢልና ረሲዕናዮ፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ላሉሽ ኣብ ሕቝፈይ ኢያ ነይራ፡፡ ንሕና ዘይረኣናዮ ንሳ ግና ኣእዛና ገቲራ ካብ ማዕዶ ዘስተባህለትሉ ባሕረኛ ወታደር ደርጊ ኣቋሚታ ሻብ ካብ ሕቝፈይ ሞሊቓ ከይዳ ዋላ ኣይተረድኣንን፡፡ ሲዒበ ዝሰማዕኵዎ ድምጺ እንተነበረ ውሕትኣ ኢዩ ነይሩ፡፡ ሓጻርን ደቓቕን ክንሳ ካብ ነብሳ ዝወጽእ ነባሕታ ነጎዳ ኢዩ ዝጥዕም፡፡ እንሓንሳብሲ ድምጺ ባዕላ ንባዕላ የሰንብዳ ኢዩ፡፡ ወዮ ወታደር ኣስተናዕቕዋ፡ ጕዕዙኡ እኳ ክቕጽል እንተሓሰበ ብድሕሪኡ መጺኣ ክዳኑ ምስ ወጠጠትሉ ግና ኣእጋሩ ወርዊሩ ንስላ ሲሒትዋ እምበር፡ ላሉሽ መቓብራ ልዕሊ ዚንጎና ምስ ኮነ፡፡ ላሉሽ ግና ስቱኽ ኢላ ኣሚሊጣ፡ ብፍርሒ ዝኣክል ቍልቍል ገዛማናዳ ተነቝታ፡፡ ንሕና ሰሓቕ እኳ እንተመሎቖና ኣፍና ብመደስ ኢድና ከዲና ትሕም ኣይበልናን፡፡ ወዮ ብሕርቓን ትኪ ዝመሰለ ወታደር ትኽ ኢሉ ናባይ ገጹ ኢዩ ጠኒኑ መጺኡ፡፡ ኣይዛረበንን ኣእዳው ሊኢዅ ኣብ ገጸይ ማሕ ምስ ኣበለኒ፡ ኣዕንተይ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣሕባር ክስእላን፡ ኣዕንተይ ብዘይ ድሌተን ንብዓት ከንጠብጥባን ሓደ ኮነ፡፡ ኣብ ኣእዛነይ ተለዅዅ ዝተረፈ እቲ ወታደር ዘውስኦ ገናሒ ቃል እንተነበረ “ የሻብያ ቡቹላ” ዝብል ኢዩ ዝነብረ፡፡ ካቡኡ ንድሓር ክዳን ባሕረኛ ዝለበሰ ወታድር እንተርኤ ከም ስርዓት ኢያ ልበይ ብፍርሒ ትርዕድ፡፡ ህርመት ክብሎኵምሲ ነዚ ኢዩ፡፡

ኣስመራ 19…. “እኔ ኣይደለሁም ጠጠር የወረወርኵ”

ሕዝቢ ኤርትራ ኵሉ ኢዩ ንመሰሉን ንክብረቱን ተቃልሲ ናጽነት ኣውሒሱ ክበሃል ከሎ ንስለ ምባል ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድኣ ኣብ ኤርትራ ሰብሲ ይትረፍ ሰብ እዚ ዘስትንፍካ ኵርባን ገድልን ኵጀትን ሜዳን እጃሙ ኣበርኪቱ ኢዩ፡፡ ላሉሽ ከልቢ ገዛውትና እኳ ብኸመይ መንገዲ ኣብቲ ቃልሲ ትሳተፍ ከም ዝነበረት ተሪኾልኵም ኣለዅ፡፡ ምስ ሓላፈት ንሳ እውን ማዕረ ሰባ ተረሲዓ እምበር፡፡ ዘሎ ኢዩ ዘሎ እቲ ዝኸደ ከይዱ ኢዩ፡፡ ህርመት ህይወት ከሙኡ ኢዩ፡፡ በሉ ንስገር ዶ ናብ ዝኽሪ “ኣነ ኣይኮነኵን ጸጸር ዝወርወርኵ፡፡”

ኣብ ከተማ ኣሰመራ ኣብ ከከባቢኡ ደቂ ገዛውቲ ብሓደ ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ወይ ክጻወቱ ምርኣይ ዳርጋ ንቡር ተርእዮ ኢዩ ነይሩ፡፡ ቍልዕነት ድማ ቍልዕነት ኢዩ ካልእ መስመያ የብሉን፡፡ ነታ ሽዓ ደስ ትብልካ ምግባር እምበር መዘዙ ፈጺሙ ኣይርድኣካን ኢዩ፡፡ ንመዘዝ ብመጽር ጥቅሙን ጕድኣቱን ከመዛዝን ዝኽእል ሓንጎል ገና ኣይጠጥዔን፡፡ ኣብ ገዛውትኻ ክስቶ እኮ ክደፍር መዓት ኢዩ ክትበሃል ንባዕሉ ከም ጅግንነት ኢዩ ዝቝጸር ዝነበረ፡፡

ሓደ ኣጋ ምሸት ሓደ ካብ ደቒ ገዛውትና ዝወሰዶ ደፋር ስጕምቲ ግና ዘስደምም ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ኮፍ ኢልና ብሓደ እንዳዕለልና ከሎና፡ ሓደ ፍርዝን ኢሉ ጸሎሎ ዝመስል ወታደር ደርጊ ደፋእ ደፋእ እንዳበለ ብጥቓና ይሓልፍ፡፡ እቲ ወዲ ገዛውትና እንታይ ከም ዘርኣዮ፡ ጸጸር ካብ ባይታ ኣልዕሉ ኣብ ርእሱ ኮራዕ የብሎ፡፡ ወዮ ወታደር ብነድሪ ተሰርኒቝ፡  “ ቖረቖንዳ ራስ !! ወንበዴ…ማን ነው ድንጋዪ የወረወረው!” ኣስቕጥ!…በጨቕ ዝብል ሰብ ተሳእኑ፡ ወዑይ እስትንፋስ ጥራይ ካብ ኣፍንጫና ፈለል ፈለል ይብል ነይሩ፡፡ እቲ ነታ ጸጸር ዝደርበያ ወዲ ገዛውትና ባዕለይ ቀዲመ ተለፋሊፈ ክገላገል ኢሉ ኢዩ መስለኒ “ እኔ ኣይድለሁም ጠጠር የወረወርኵ፡፡” ምስ በሎ ብኣዝኑ ከም ጤሌ ወጢጡ ብምልዓል…..ነብሲ ኣይገደፈሉን…ጢሒርዎ…..ንሕና ድማ ህድማ ተታሒሒናዮ…ካቡኡ ንድሓር እቲ ወዲ ገዛውትና ወታደር ክርኢ ከሎ ከም ስርዓት ኢዩ ዘንቐጥቕጥ…..መን ይፈለጥ ቡኡሰንኪ ፎፒያ እውን ኣጥሪዩ ይኸውን…..ኣየ….ህይወት ህርመታ ንንበይኑ ቅኒታ ግና ሓደ፡፡

ኣስመራ ቅድሚ ምሕራር ከተማ ደቐምሓረ…..” ህርመት ክራር”…….ይቕጽል

halhalta@yahoo.com

 ዓመተ ሰላምን ራሕስን ራህዋን ይግበረልና
ናብራ ስደት ይኣክል ይበለና

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares