Awate.com

ጸላኢኻ ይሙት ኣቦና ኣባይካ

ጸላኢኻ ይሙት ኩቡር ኣቦና ኣባይካ
መልእኽትኻ ኣብጺሕካ በጃና ዄንካ
ኬድካ እምባኣር ሕጅስ ካን ሓሊፍካ
ላላእ ኣይሞትካን ኣቦና ላላእ ኣባይካ
ላላእ ኣይሞትካን ኣቦና ላላእ ኣባይካ

ዝሞትናስ ንሕናዳኣ ንስኻስ ኣለኻ ቀኒዕካ
ድንን ከይበልካ ምስ ክብረትካ ነቢርካ
ምስ ሃይባኻ ምስ ሸረፍካ ከም ኣመልካ
ባዓል ግርማወ ኤህ ዳአ ወይሉኡ ዝደፈረካ
ኣሊኻ ኣሪምካ ኣናቢኻ ሓብሒብካ ኮብኪብካ
ድንን ከይበልካ ምስ ክብረትካ ነቢርካ መሪሕካ

ሓሲሮም ዝደነኑስ ካብኦም የድሕነና የድሕንካ
ንሶም’ዮም ቶም ነውራማት ማዓት ዘውረዱልካ
ቶም ሰብ ዉርደት ቀተልትኻወ ስምዓኒ ክነግረካ
ዝደነኑስ ንሶም ዳኣ ምድናንሲ ኣይትፈልጣ ኣይትብጻሓካ

ኣብ ዓራት ኴንካዉን ይሙወትዩ ታሓቢእካ ፈሪሕካ
ዓራት ግን ናትካ ኣይኮነን ማእሲ ግን ኣይኮነን ናትካ
ጅግና እንዲኻ ኣይ ንምእንቲ ሓቅንዲኻግዲ ሓቒቕካ
ብኽብረት ብኹርዓት ንመሰል ህዝብና ተቓሊስካ
ኣነ እንኮሎኹ ዓው ኢልካ ኣስሚዕካ ኣጠንቂቕካ
ኣነ እንኮሎኹ ኣነ ሙሳ
ዕደ ህዝበይ ተደፍረ ዕደ ተረመሰ
ዕደ ንብረተይ ተዘመተ ዕደ ተወርሰ
ዕደ ክብረት ደቀይ ዝትንከፍ ዝጋህሰ
ዕደ እምነተይ ዝልወጥ ዝራኸሰ ኢልካ
ብትብዓት ብጥራይ ኢድካ ንቐተልትኻ ገጢምካ

ኣብነት ኴንካ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ሩሕካ ከፊልካ
ሓሊፍካ ጽንሓና ኣብ ጀና ረቢ ባዕሉ ይቀበልካ
ሽምካ ይኽበር ኣብዛ’ዱንያ ይልዓል መቓምካ
ናብ ኣኺራ ምስ ኣምቢያ ምስ ሹሃዳ የስፍርካ
ናዓናን ሠብሪ ይሃበና ናዓኻ ረቢ ይርሓመልካ

ባዓል ቅያ እንዲኻ ኮይኑካ ጸብለል ኢልካ
ካን ንበይንኻ ፉሉይ እንዲኻ ከምኣ ኢልካ
መን ክመጣጠር መን ክቐርበካ መን ከርክበካ
ሓያትካ ብኹላ መድረሳ እንዲያ ኩላ ታሂወትካ
ትምህርቲወ ክፈልጥ ንዝደለየ ተኸቲሉ ኣሰርካ
ሕልፈትካዉን ቅያ ኮይኑ ሓርቢቱና ምፍላይካ
ኣይፈለጥናን’ወ ከመይ ጌርና ከም ነፋንወካ
መርዓ ድዩ ሓዘን ጠፊኡና እንታዩ ወሪዱካ
ሓዘን ድዩ መርዓ እንታዩ ዓይነቱ ዝዉራይካ

ዕልል እንዳበልና ዲና ብሓበን ሓመድ ንደብየካ
ወላ እንዳ ነባዕና እንዳልቀስና ኢና ንቐብረካ
ኣይ ከማኻስ ኣይቅበርን ሳማሓኒ ዳኣ በዲለካ
ዓጽምኻዩ ዝቕበር ንስኻስ ንሓዋሩ ትነብር ተዘኪርካ
ሓቅን ጅግንነትን እንተልዒለና ይጥመራ ምስ ሽምካ
ሙሳ ‘ተበልና ‘ተጸዋዕና ጅግንነት በለ ኣነየ ‘ነሀለኹካ
መሊስና  ‘ተደገምና ሓቂ በለት አነባ ኣነ እነሀለኹልካ
ኣይ ከማኻስ ኣይቅበርን ይቕረ በለለይ ኣነ በዲለካ
ዓጽምኻዩ ዝቕበር ንስኻስ ንሓዋሩ ትነብር ተዘኪርካ

ወሪዱካ ኣቦና በትሪ ዲኻ ወላ ዘንጊ ዘልዓልካ
እንትርፊ በቲ ጡዑም ሙቁር መልሓስካ ጌርካ
ኣይፋልካን!   ምዝማት ሙውራስ ይጽናሓልካ
ኢድካ ኣልዕል እዚስ ናትናዩ ኣይኮነን ናትካ
ስማዕንዶ ህድእ በል እንታይ ኢኻ ኾንካ
እንታዩ ጸገምካ ሓወይ እንታዩ ሽግርካ
ዘይንላዘብ ደይንዛተ እንታይ ኣምጾኦ በለካ ለኸዓካ
እንታይ ተረኽበ ዘይእለ የለን ኢሂን ሚሂን ‘ናበልካ
ከም ቀደምና ብሕጊ ደቅና ከነምህር ሕደገና በጃኻ ኢልናካ
ኢኻኮ ኢልካ እዚ ኹሉ ኣበሳ ምእንቲ ሓቂ ተሰኪምካ
መወዳእቱኡ እነሀድማ ኣይርኢ ኣይሰምዕ ኢሉ ቀቲሉካ

ንቐታሊኻሞ እንታይ ክብሎ ብጀካ ኢድካ ትርከብካ
ሕብኣዩ ሸፍኖ ዕበጦ ዓባብጦ ኢልካ ከም ኣመልካ
ቀቲልካ ሓራሪድካ ብዳሓን ትሓድር ድዩ መሲሉካ
ሎምስ ተቐሊዕካ ኢኻ ካን ካን ጥራሕካ ወጺእካ
ዓለም ፈሊጡዎ እዩ ኮኒኑ ንኹሉ እከይ መጋብርካ
ንማዓልቲ ኣላታኮ ማዓልታ ዘይብላ ኣይምሰልካ
ማዓልትኻ ተጸበ ከመይከ ሞት ክናና ትኹን ሞትካ

እቲ ኾይኑ እዚ ሕድሪ እንዲና ማዓስ ኴና ጸናሕቲ
በብብሓደ ክንከይድ እንዲና ምስ ኣኸለት ማዓልቲ
ኣብ መገዲ የጽናሓና ኣብ መገዲ ሓቂ እታ ቅንዕቲ
መልሓስና ሓልዩ የርሕቐና ካብ ዓመጽ ካብ ዓመጽቲ
ብኽብረት ኣንቢሩ ይግበረና ብሰላም መናብርቲ
ብስኒት ሓዊሱ የስምረልና ሓሳብና ናይ ኩሉና ድልየቲ
ሰላም ‘ዩ ትምኒትና ፍትሒ’ዩ ጠለብና ወጸዓ ኣይንደልን ኣይኮናን ወጻዕቲ
ሠብሪ ይሃበና ንሃዝብና ሓልዩ ሰላም የውርደልና ብቕጽበቲ
ብዳሓን የውጻኣዮ ኩሉ ኡሱር ተዳጚኖ ዘሎ ኣብ ማእሰርቲ
ናዓና ኢማንን ሠብርን ይሃበና መቕፊራን ራሕማን ንመዋቲ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares