Awate.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ – “ዘተን ደሞክራሲን ይዓንብብ”

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ካብ 29 ክሳብ 31ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ናይ ምጽንባር ዋዕላ ዝተመስረተ ሰልፊ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ።

ምጽንባራዊ ዋዕላ ብኩሉ መዳያቱ ሃገራዊን ደሞክራሲያዊን ዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር ብምጽዳቕ ፣ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዕ፣ ማዕርነትን መሰልን ናይ ኩሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘኽብር፣ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተኣልዩ ብቅዋማዊ ዘይምእኩል ምምሕዳራዊ መትከል ዝምራሕ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ዘሳትፍ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ከምዝቃለስ ኣረጋጊጹ ተዛዘመ።

ኣብ ውድባዊ ጉዳይ ድማ ተሞክሮን ዓቕምን ናይተን ንሰ.ደ.ህ.ኤ ዘቖማ ዝተፈላለያ ሓይልታት(ውድባት) ብምውህሃድን ብምብርባርን ብህንካን ሃባን ዝኹስኮስ ናይ ዘተ ባይታ ብምኽፋት ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ንምህናጽ፣መተክላት ግሉጽነትን ተጻዋርነትን ተሓታትነትን ከም መሰረት እምነቱ ኣንጺፉ ወጸ።

እዘን ብዝተፈላለየ ተሞክሮን ድሕረ-ባይታን ዝሓለፋ ሰለስተ ሰልፍታት እዚአን ክጽንበራ ከለዋ ዘበገሰን ዕላማ ፣ተሞክሮአንን ዓቕመንን ኣዋሃሂደን ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንዝካየድ ቃልሲ ኣበርክቶአን ከዕዝዛን ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ኤርትራ ኣድማዕን ኣዎንታውን ተራ ክጻወታን ኢዩ ዝነበረ። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሰ.ደ.ህ.ኤ ኮይና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ድማ ነዚ ፖለቲካዊን ውድባውን ራኢ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ኢዩ።እዚ መትከላትን ዕላማታትን’ዚ ሕጂ’ውን መትከልናን ዕላማናን ስለዝኾነ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ ቃልስና ቀጻሊ ኢዩ።

ብወገን ፈ.ሽ ሰ.ደ.ህ.ኤ ነዚ ዕላማታት’ዚ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም፣ ምስ ንኪዳን ዘቖማ ሓይልታት ንምዝታይን ብዛዕባ ዋዕላን ኣወዳድብኡን ንምርድዳእን ናይ ምትእምማን ሃዋሁ ንምፍጣርን ተበግሶ ተወሲዱ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ።ይኹን’ምበር ኣብ ምብጋስ ዘጓነፈ ንኡስ ዕንቅፋት ዕላማ ዝሰሓተ ውሳኔ ክውሰድን፣ ዘየድሊ መገዲ ምኽታልን ተመርጸ። ኣብ ዋዕላ ተኻፊልካ ሃገራዊን ደምክራሲያዊን ራኢኻ እንዳገለጽካ እጃምካ ኣብ ክንዲ ምብርካትን፣ ቀጻሊ ናይ ህንካን ሃባን መኣዲ ዘተ ኣብ ክንዲ ምኽፋትን ኣብ ዘየድሊ ናይ ቆይቂ ዕንክሊል ተኣትዩ ፍልልያት ምግፋሕን ዝምድናታት ምሕሽካርን ምርሕሓቕን ተመሪጹ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ስትራተጂ’ዚ ነቲ ኣንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ ዝከየድ ዘሎ ቃልሲን በጺሕዎ ዘሎ መድርኽን ንድሕሪት ዝመልስን ዕድሜኡ ዘናውሕን ጥራይ ዘይኮነ ፣ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ተቓውሞ ዘሎ ፍልልያት ዘጋፍሕን ኢዩ ኢልና ንኣምን። ጽቡቕ ድልየትን ጻዕርን ናይ ተሳተፍቲ ዋዕላ መዚንካ፣ ኣዎንታውን ኣሉታውን ውጽኢቱ ብኽፉት መንፈስ ድሕሪ ምግምጋም ሃናጺ ተራ ኣብ ክንዲ ምጽዋት፣ ጉድለታት ምጽብጻብን ትሕዝቶ ውሳኔታት ምንእኣስን ዘይትርጉሙ ምሃብን ከም ቀጻሊ ዕማም ምትሓዙ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓድነት መስርሕ ዘባራትዕ ኣይኮነን። ግዳይ ውዲታትን ተጻይነትን ናይ ካልኦት ከምዝኾንካ ንምእማን ህሉዋትን ዘይህልዋትን፣ “ግዳማውያንን” “ውሽጣውያንን” ጸላእቲ ብምፍጣር፣ንዝለዓል እዋናዊ ሕቶታት ብትብዓት ክትገጥሞ ዘይምድላይ ከም ልምዲ ተወሲዱ ክቕጽል ጸኒሑ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝርአ ፍልልያት ብኸፊል ካብቲ ዝተፈላለየ መግዛእታዊ ስርዓታት ዝፈጠሮ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝምንጭው ናይ ታሪኽ ውጽኢት ኢዩ።ብኣምሳሉ ድማ ህላዌ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ብመነጽር ብዙሕነት ሕብረትሰብና ተራእዩ ብተጸዋርነት ክትሓዝን ክውሰድን ይግበኦ።ብዙሕነታዊ ሓድነት ሕብረተሰብና ዘረጋግጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ነቲ ህሉው ፍልልያት ንምጽባብ ብትብዓትን ብቀጻሊ ዘተን ከይተሓለልካ ምቅላስ ይሓትት።እቲ ሓደ ክፋል ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ክንዲ ቀጻሊ ዘተ ቀጻሊ ቆይቂ፣ኣብ ክንዲ ምጽባብ ፍልልያት ምግፍሑን ምግናኑን፣ኣብ ክንዲ ምቅርራብ ምርሕሓቕ መሪጹ ጉዕዞኡ ክቕጽል ወሲኑ። ኣብ ውሽጢ ሰልፊ’ውን ዲሞክራስያዊ ባይታ እንዳጸበበን ተጻዋርነት እንዳጎደለን መጸ፣ከም ውጽኢት ድማ ናይ ሓለፍትን ኣባላትን ናይ ቃልሲ መንፈስ ምድኻም ኣስዓበ፣ሰልፊ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ስትራተጂካዊ ፍልልይ ዘንጸባርቕ ኣረኣእያ ክግማዕ ናይ ግድን ኮነ።ናይ ገለ ኣባላት መሪሕነት ካብ ሓላፍነት ምርሓቕ’ውን ኣኸቲሉ። ነዚ ብምርዳእ 6 ኣባላት ፈ.ሽ ነቲ ኩነታት ንምእራም “ገምጋም ጉዕዞ ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣብ 9 ወርሒ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ናብ ግ.ፈ.ሽ ኣቕረቡ ። ይኹን’ምበር ከም ግብረ መልሲ ኣብ ክንዲ ብደሞክራሲያዊ ልዝብ ነቲ ፍልልይ ምፍታሕ ዝጸዓር ምውንጃል ተመሪጹ፣ ነቲ ዝነበረ ነቓዕ ዘግፍሕ እቲ ኩሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ተወሲዱ።ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣካሉ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ብጉልባብ ዘይህልው ውድብ (ኤ.ህ.ም) ብምስንባትን ሕጋውነት ዘይሓለወ ስጉምቲ ብምውሳድን ቃልስና ክንቅጸለሉ ዘይከኣል ኩነታት ተፈጢሩ።በዚ ምኽንያት’ዚ እቶም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ኮይና ተቓውሞና ከነስምዕ ዝጸናሕና ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን መብጽዓና ንምሕላው፣እቲ ኣብ ምጽንባራዊ ዋዕላ ናይዘን ሰለስተ ሰልፍታት ዝጸደቐ ሃገራውን ደሞክራሲያውን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣሚንና ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ኣብ ህዝብና ንምስራጹን ዓቕምና ዝፈቕዶ ቃልሲ ከነካይድ ሰ.ደ.ህ.ኤ ብዝብል መጸዋዕታ ተፈሊና ከምዘሎና ነፍልጥ።መለልይና “ዘተን ደሞክራሲን ይዓንብብ” ዝብል ጭርሖ ክኸውን ኢዩ።በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኩሎም እቶም ነዚ ዕላማ’ዚ ዝድግፉ ኣባላትን ባእታታት ማእከላይ ባይቶ ሰ.ደ.ህ.ኤን ኣብ ዘለውዎ ቦታታት ቃልሶም ከበራትዑን ውዳቤኦም ከደልድሉን ንጽውዕ።ነዚ ብፈጻሚት ሽማግለ ዝካየድ ዘሎ ዘይቅኑዕ ኣተሓሕዛን መርገጽን ንምእራም ክቃለሱ ለበዋና ነመሓላልፍ።

ኣብ ኤርትራ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣሊኻ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትክኡ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ቀንዲ ተዋሳኢ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዝበዝሐ ህዝብን ሰራዊትን ከምዝኾነ ንኣምን። ነዚ ቃልሲ’ዚ ንምብርታዕን ንምንህሃርን ናይ ስደት ተቓውሞ ሓይልታት ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ኣይንጠራጠርን፣ ከምኡ ንክኸውን ግን ሓይልታት ተቓውሞ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሓባር ዝተወሃሃደ ቃልሲ ከካይድ ክኽእል ኣለዎ።ዋዕላን ውጽኢቱን ከም ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ናይዚ ጉዕዞ’ዚ ጌርና ስለንወስዶ ድማ ናይ ሓድነት መስርሕ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያቡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ምስ ኮሚሽን ዋዕላን ኩሎም ደገፍቲ ሓይልታትን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተሓባቢርና ከም ንሰርሕ ቅሩብነትና ንገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ኩሎም ደሞክራሲያውያን ውድባትን ውልቀሰባትን ህዝቢን ደገፉ ከይፍለየና ንላቦ።

መዘከርታ- እቶም ነዚ ዕላማ’ዚ ዝድግፉ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ተኣኪቦም ዘሕለፍዎ ውሳኔታትን ዘጽደቕዎ ኣተሃላልዋን ኣብ ሓጺር እዋን ክንገልጽ ኢና።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡

“ዘተን ደሞክራሲን ይዓንብብ”

EPDP.fdu@gmail.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares