Awate.com

ጉዕዞ ባንዴራታት ኤርትራ

(ኣብ ሕዳር 2001 ‘Eritrean Symbols Of Many Colors’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብሳልሕ ቃዲ ጆሃር ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ: ትርጉም – ዮኣ)

መእተዊ : ኣንበሳ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ደፊኡ ሰንደቕ ዓቲሩ ኣሎ፣ እታ ኣኽሊልን እታ ዓቲርዋ ዘሎ ዘንጊን ድማ ኣብ ልዕሊአን መስቀል ኣለወን። እዚኣ ኣርማ ናይ “ኣንበሳ-ዘነገደ-ይሁዳ-ግርማዊ-ቀዳማዊ-ሃይለ-ስላሰ-ንጉሰ-ነገስት-ዘኢትዮጵያ” ኢያ ዝነበረት። እዛ ኣርማ ኣብ ማእከል እታ ቀጠልያ፣ ብጫን፣ ቀይሕን ዝሕብራ ባንዴራ ኢትዮጵያ’ውን ነይራ።

ንብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምልክት ናይ ዓመጽ፣ ጸቕጢ፣ ፍርሕን ድሕረትን ኮይና ክትርኣዮም እንከላ፣ እቶም ካብ መግዛእቲ ፋሺሽታዊ ሓይልታት ጣልያን ሓራነቶም ጥራሕ ከርእዩ ዝደልዩ ዝነበሩ ወይ ድማ ምስቶም ስግር መረብ ዝነብሩ ብደምን ብባህልን ዝተኣሳሰርዎም ህዝቢ ርክቦም ዝተበትከ ኮይኑ ዝስምዖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ግና ነዛ ኣርማ ከም ኣርማኦም ተቐበልዋ።

ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ገለ ኤርትራውያን ወለዶ መበቆሎም ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ የተኣሳስርዎ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ውርሻ ታሪኽ ጥንታዊት ስልጣነ ኣኽሱም እውን ገለ ክፋል ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝራኸብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ሓይልታት ጣልያን ኣብ ዓድዋ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፋለሙሉ እዋን ይኹን ኣብ ካልእ ሜዳታት ውግእ፣ ገለ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም ተዋጊኦም ኢዮም።

ቅድም’ዚ ግን ንግዜ ምውጻእ ጣልያን ንዳህስስ።

1.መድረኽ ምስግጋር

ፋሺሽታዊት ጥልያን ብሓይልታት ኪዳን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ምስዓራ ኤርትራ ናብታ ንመጀመርታ እዋን ምስ ዴሞክራስያውያን ትካላትን ናጽነት ኣተሓሳስባን ዘላለየታ እንግሊዝ ተሰጋገረት። ነዚ ሓሳባትካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መድረኽ ተጠቒሞም’ዮም እምብኣርከስ ኤርትራውያን ሃገራዊ ሓድነትን፣ ሃገራውነትን ክሃንጹን ነቲ ርእስኻ ምኽኣል ዝብል መትከል ከበጋግስዎን ዝጀመሩ። ይኹን እምበር እቲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝብል ኣምር እናኸረረ ኣብ ምምጽኡን ኤርትራውያን ዕድል መጻኢኦም ባዕሎም ክጭብጡን ኣብ ዝሓነኑሉን እዋን እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሊብያ፣ ሶማልን፣ ኤርትራን ‘ክውግነን’ ዝገበሮ ታህዋኽ መኻልፍ ስለዝኾነ ርእሰ-ምርኮሳ ኤርትራውያን ኣይተጋህደን።

ይኹን እምበር፣ ኣርብዓታት ሓድሽ መድረኽ ፖለቲካዊ ክትዕን ቃልስን ኣብ ርእሲ ምትእትታዉ ህዝቢ ውዱብ ምንቅስቓሳት ክገብርን ምልዕዓላት ክፈጥርን፣ ዝተፈለላዩ ሕብረተሰባት ኤርትራ’ውን ክቀራረቡን ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልያት ንምጽባብ ክንቀሳቐሱን ጀመሩ። ጋዜጣታት ኣጉላዕልዓ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓት ብዕጽፍታት ወሰኸ፣ ዘመናዊ ኤርትራዊ ሃገራውነት ድማ ተወልደ።

ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውዕውዕ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ድሕሪ ምፍጣሩ እምብኣርከስ እቲ ከም ባርዕ ዝቀጻጸል ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራውነት ንዕኡ ዝውክሎ ናቱ ዝኾነ ኣርማ ክደሊ ግድን ኮነ።

2. ምቕልቃል ሰልፍታትን ኣመዓባብላ ባንዴራን

ኣብቲ ጽኑዕ ሃገራዊ መንነት ንምርግጋጽ ዝተገብረ ቃልሲ እተን ናጽነት ዝጠልባ ዝነበራ ማሕበራት ቅልጡፍ ዕብየት ከርእያ ኣብ ርእሲ ምኽኣለን፣ እቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ባይታ’ውን ዓበይትን ክኢላታትን መራሕቲ ኣፍረየ። ኢብራሂም ሱልጣን ማሕበር ‘ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ’ ብምምስራት ንሸቃሎ ትግረ ካብ ኣርዑት ‘ሽማግለ’ ሓራ ንምውጻእ ናይ ደርቢታት ቃልሲ ኣበገሰ፣ ብዙሕ ክፋል ናይቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ዝነበረ ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ጎድኑ ተሰለፈን ከም በዓል ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ናስር ፓሻን ዑመር ቃዲን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መራሕቲ’ውን ምስኡ ኪዳን ገበሩን።

ኣብዚ ግዜ’ዚ፣ ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ራስ ተሰማ፣ ወዱ ኣብራሃ ተሰማ፣ ስዩም መዓሾን ወልደኣብ ወልደማርያምን ተመስረተ። ስለዚ’ምበኣር ብወገን ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ሓደ ዓቢ ኪዳን ክፍጠር እንከሎ ኤርትራ ንኤርትራውያን’ውን ንኣርባዕተ ንኡሳን ሰልፍታት ኣብ ኪዳን ኣሕቢራ ንሰልፊ ናጽነት ብምምስራት ነታ ናይ ኢትዮጵያ ደገፍ ዝነበራ ማሕበር ሕብረት(ብልሙድ ኣጸዋውዓ -ማሕበር ኣንድነት) ክትብድሃ ጀመረት። ብዙሓት ሰባት እታ ሰማያዊት ባንዴራ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ኩነታት ብኣባላት ሰልፊ ናጽነት ከም ዝተበጋገሰት ይኣምኑ።

ድሕር’ዚ ኤርትራ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ምንብልባል ባንዴራታት ኢያ ኣትያ። ሕብረታውያን ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣንበልበሉ፣ ማሕበራት ሻራ-ኢጣልያ ባንዴራ ጥልያን ኣንበልበላ፣ ውሑዳት ምስ እንግሊዝ ምውጋን ዝመረጹ ድማ ናይ እንግሊዝ ባንዴራ ኣንበልበሉ።

ኣብ 1952፣ ኩላቶም ኤርትራውያን ወከልቶም ብምምራጽ ባንዴራ ኤርትራ ኣጽደቑ። እዛ ባንዴራ እዚኣ ብቕድሚ ብሩህ-ሰማያዊ ሕብሪ ዝቖማ ሰለስተ ጨናፍር ኣውሊዕ ዘለዋ ክትከውን እንከላ፣ ካብተን ሰለስተ ጨናፍር እተን ክልተ ዓሰርተው-ሓደ ኣቑጽልቲ ክህልወን ከሎ፣ እታ ማእከለይቲ ድማ ዓሰርተ ክልተ ኣቑጽልቲ ኣለዋኣ። እቲ በዛ ባንዴራ እዚኣ ዝተፈለመ ኤርትራዊ ሃገራውነት እምብኣርከስ ክሳብ ሎሚ ይግስግስ ኣሎ፣ እዛ ባንዴራ እዚኣ ጥራሕ ድማ ኢያ እታ ህዝቢ ብሙሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ ክትውክሎ ዘጽደቓ ሃገራዊት ኣርማ። እዛ ባንዴራ እዚኣ ኢያ ንምፍጣር ናይታ ሎሚ ንፈልጣ ሃገረ ኤርትራ ዘረጋገጸት ማሕተም።

3. ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ

ቅድሚ ሱሳ ዓመታት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት ንኤርትራ ከፋፊሎም ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክሕውስዋ መደብ ኣበጊሶም ነበሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኤርትራውያን ኣብ ፈታኒ ቀራና መንገዲ ነበሩ፣ እቲ ናጻ ናይ ምዃን ጠለቦም ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦ ክልተ ምርጫታት ጥራሕ’ዩ ነይሩዎም፣ ሓደው ክከፋፈሉ ሓደው ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክሓብሩ። ሰልፊ ሕብረት’ውን እቲ ናይ ናጽነት ሕቶ ከይሰምር ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዋ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ግን፣ ሓያላን ሃገራት ዓለምን እቲ ንመዋጥር ኤርትራ ፍታሕ ክረኽበሉ ዝነበሮ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ንኤርትራ ሰለስተ ምርጫታት ኣቕረቡላ።

1. ምክፍፋል (ኣዝዮም ውሑዳት ዝደገፍዎ)
2. ዘይቅድመኹነታዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ(ሓያል ደገፍ ናይ ማሕበር ሕብረትን ኢትዮጵያን ዝነበሮ)
3. ናጽነት(ሰልፊ ናጽነትን ኣልራቢጥያ ኣልእስላምያን ዝቃለሳሉ ዝነበራ)

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምስ ናጽነት ዝብል ሓሳብ ተሰማሚዖም ኣብ ጎድኒ ሰልፊ ናጽነት ብምስላፎም፣ ንሃገሮም ተጎዛዝያ ንሓዋሩ ካብ ምጥፋእ ኣድሒኖማ ክበሃል ይከኣል። እቲ ምክፍፋል ዝብል መደብ ተሳዕረ፣ ኤርትራ ድማ ከይተመቓቐለት ሓንቲ ኣካል ኮይና ክትቅጽል ከኣለት።

እንተ እተን ተጻረርቲ ናይ ናጽነትን ናይ ኣንድነትን ክልተ ደምበታት ግን ካብ መትከለን ፍሕት ምባል ኣበያ። ነዚ ምፍጣጥ እዚ ንምፍታሕ ኢለን ድማ እተን ክልተ ሰልፍታት ናብ ድርድር ኣምርሓ፣ በዚ ኸምዚ ንኽልቲአን ማእከላይ ዝኾነ ብይን ተበየነ – ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሃይለ ስላሰ ብፈደረሽን ክቑረና። እዚ ንብዙሓት ሃገራውያን ጓሂ ዝነበሮ ፍታሕ እኳ እንተነበረ ንኤርትራ ካብ ምክፍፋል ዘድሕን ዝሓሸ ፍታሕ ኢሎም ግና ተቐበልዎ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግዳ እዚ’ውን ኣይሰመረን፣ እቲ ናይ ፈደረሽን ውዕል ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ተቖጽዩ ተረፈ።

ናብ ጉዳይ ሰንደቕ-ዕላማ ምስ እንምለስ፣ ባንዴራ ኤርትራ ብዙሕ ክትዕ ዝሓለፋ፣ ድምጺ-ምርጫዝተኻየደላን እቲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፈላሚ ቅዋም ኤርትራ ክነድፍ ሓላፍነት ዝተዋህቦ 68 መስረትቲ ኣባላት ዘካተተ ቤት-ምኽሪ ኤርትራ ብሙሉእ ድምጺ ዘጽደቓን ኢያ ነይራ። ድሕር’ቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መዝነት፣ እቲ ቤት ምኽሪ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኮይኑ ንኣርባዕተ ዓመታት ከገልግል ሓላፍነት ተረከበ። ካብዚኣቶም 14 ኣባላት ነቲ ዕድመ ክነጽግዎ እንከለዉ፣ ገለ ድማ ኣብ ሚኒስተርነትን ኣብ ህዝባዊ ቤትጽሕፈታትን ተሾሙ። ነቶም ዝጎደሉ 14 ኣባላት ባይቶ ብሓደስቲ ንምትካእ ግን ምርጫ ተኻየደ። ዝርዝር
ኣስማት ናይቶም 14 ሰባት እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦

1.ኣቶ መስፍን ገብርሂወት
2.ሰይድ ያሲን ሓሰን ናይብ
3.ራስ ተሰማ ኣስመሮም
4.ግራዝማች ተኸሃይማኖት በኹሩ
5.ቀኛዝማች ሓድገምበስ ክፍሎም
6.ናስር ፓሻ ኣቡበከር
7.ግራዝማች መሓመድ ስዒድ ኣሊ በኽ
8. ኣቶ ወልደዮሃንስ ገብረዝጊ
9.ኢንስፔክተር እምባየ ገብረኣምላኽ
10.ኣቶ ተድላ ባይሩ
11.ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ
12.ኣዝማች ተስፋይ በራኺ
13.ኣቶ ኣምባየ ሃብተ
14.ኣቶ ተስፋልደት ገረድ

(ምንጪ፦ መሓመድ ስዒድ ናውድ ካብ ኣልሓዲዳ ወልታሪኽ)

4. ምውራድ ሰማያዊት ባንዴራ

እታ ብትግረ ‘ከድራ’፣ ትግርኛ ድማ ‘ኣውሊዐይ’ እናተባህለት እትጽዋዕ ሰማያዊት ባንዴራ እምብኣርከስ መለለዪት ናይታ ውልዶ ሃገር ኤርትራ ኮነት። ጌና ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከይተቖርነት እንከላ ኤርትራ ልኡላውነታ ዝተሓለወ ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ’ውን እትውንን ሃገር ኮይና ነበረት።

ይኹን እምበር እቶም ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ዝጽውዑ ዝነበሩ ክፋል(ማሕበር ሕብረት) ንርእሰ-ውሳነ ኤርትራ ብምቅዋም ብሃይለ ስላሴ ክመሓደሩ ይደልዩ ነበሩ፣ ኣብቲ ፈደረሽን ዝነበረሉ እዋን’ውን እንተኾነ ድማ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምንብልባል ነቲ ናይ ፈደረሽን ስምምዕ ዝብሕጉግ ተግባራት ኣይገደፉን። ሻቡ ኣይደንጎየን ድማ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ንውዕል ፈደረሽን ክግህሶ ጀመረ፣ ንባይቶ ኤርትራ ኣፍሪሱ ድማ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ከም እትትካእ ገበረ። ምውራድ ናይዛ ባንዴራ መፈለምታ ናይቲ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳኔኦም ክመልሱ ዘካየድዎ ነዊሕን መሪርን ገድሊ ኮነ።

ኣብ መወዳእታ ሓምሳታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ፈደረሽን ክግህሰሉ ኣብ ዝጀመረ እዋን ሓራካ ወይ ድማ ማሕበር ሻውዓተ ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ ሰላማዊ ህዝባዊ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ነበረ፣ ኣባላቱ ክህደኑ ምስ ጀመሩ ግን ናብ ሕቡእ ተቓውሞ ተለወጠ። ኣብ መስከረም 1961 ድማ ብረታዊ ቃልሲ ብመሪሕነት እድሪስ ዓዋተ ጀመረ። ኣብዚ ግዜያት ምጅማር ቃልሲ እምበኣርከስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትኹን ሓራካ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ኢየን ኣንበልቢለን ዝወፈራ።

ኣብ ሱሳታት ባንዴራ ኢትዮጵያ ብፍላይ በቶም ኣኽረርቲ ሕብረት ብኽብሪ ኢያ ትርአ ነይራ። ዋላ’ኳ ሕጊ እንተዘይኣዘዞ ድማ ኣብ ቀብሪ ኣብ መርዓ ወይ’ውን ኣብ ካልእ ህዝባዊ በዓላት ባንዴራ ኢትዮጵያ ኢያ ትስቀል ዝነበረት። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃገራውያን ኤርትራውያን ነታ ብሕጊ ዝተኸልከለት ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ካብ ዝተሓብኣቶ ኣቐልቂሎም ንናእሽቱ ደቆም ባንዴራ ሃገሮም ከይርስዑ የዘኻኽርዎምን እታ ሽዑ ዓብላሊት ዝነበረት ባንዴራ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊኦም ዝተስገደደት ምዃና የስተምህርዎምን ነበሩ።

ሕብረታውያን ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ሽቶ ናይ ፕሮፖጋንዳኦም ገይሮም ከጥቅዕዋ ጀመሩ፣ “ባንዴራ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት” እናበሉ ድማ የቆናጽብዋ ነበሩ። እንተ ነታ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ግን፣ ‘ናይ ጃንሆይ ፣ ናይቲ ቅቡእ ኣምላኽ ባንዴራ’ እናበሉ ወደስዋ። ባንዴራ ኢትዮጵያ መለኮታዊ ክብሪ ክትውሃብ እንከላ ብኣንጻሩ እታ ናይ ኤርትራ ባንዴራ “ባንዴራ ናይ ‘ወንበዴታት’”፣ “ባንዴራ ናይ ሸየጥቲ ሃገር” ተባህለት።

ድሒሩ ኣብ ዝመጸ መድረኻት፣ ብፍላይ እቶም ነዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ እናተመገቡ ዝዓበዩ መንእሰያት፣ እታ ባንዴራ ንኹሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታት ዝውክሉ ደቂሃገር ብኣገባብ ተመሪጾም ዝመረጽዋን፣ እንተላይ እቶም ምስ ኢትዮጵያ ዝውግኑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፉ ከይፈተዉ ዝተቐበልዋን ብ ዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመጸት ሓቀኛ ባንዴራኦም ገይሮም ክቕበልዋ ዓቕብ ኮኖም።

5. ምቕልቃል ሓዳስ ባንዴራ

ኣብ መስከረም 1961 ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ነታ ሕብረታውያን ምስ ሃይለ ስላሴ ተሓባቢሮም ቀቢሮም ከትርፍዋ ዝሃቀኑ ሰማያዊት ባንዴራ ዳግማይ ሂወት ሰኹዓላ። ትትከለሉ ናጻ መሬት ከምጽኣላ ምስ ወፈረ ድማ ገጠምቲ ገጠሙላ፣ ደረፍቲ’ውን ዘየሙላ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድና ተሰለፈ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነት ድማ ከም ብሓድሽ ተባርዐ። እታ ባንዴራ ንሕልምታት እቶም ኩሎም ንምስላ ካብ ዝኽሮም ከየህሰሱ ዘጽንሕዎ ሃገራውያን ብምውካል ከም ማግኔት ንኹሎም ኤርትራውያን ከተዕስሎም ከኣለት።

ኣብ ከባቢ 1973፣ እቶም ዝተረፉ ተደናገጽቲ ሕብረት ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሳዕሩ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ነታ ባንዴራ ዝነበሮ ደገፍ ኣረጋገጸ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል እታ ባንዴራ እቲኣ ኮይኖም ኤርትራውያን ብዘይካ ንኣስመራ፣ ባጽዕን፣ ዓሰብን ንመላእ ኤርትራ ሓርነት ኣጎናጸፍዋ።

ዝተፈጥረ ውድባዊ ፖለቲካ እንተዘይዕንቅፎም ነይሩ ኤርትራውያን ነታ ነዊሕ ዝተጎሳቖለት ባንዴራ ካብ ከርተት ከድሕንዋ ዝነበረ ሕልሞም ምተጋህደ። ይኹን እምበር፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሒደት ዓመታት ድሕሪ’ቲ ዘበገስዎ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓድሽ ዕግርግር ተፈጥረ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ(ህ.ግ.ሓ.ኤ) ነቲ ሽዑ ግዜ ብመጉዚትነት ሕብረት ሶቭየትን ኮሙኒስታዊት ቻይናን ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ሰውራዊ ምንቅስቓሳት ብምቕዳሕ ሓዳስ ባንዴራ ሒዙ መጸ። ኣብቲ ናይ 1977 ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድማ ኢያ ሓንቲ ብስሉስ ኩርናዓት ናይ ቀጠልያ፣ ቀይሕን፣ ሰማያዊን ዝቖመት ኣብ ማእከላ ድማ ብጫ ኮኾብ ዘላታ ባንዴራ ዝተቐልቀለት። ይኹን እምበር ናይዚ ሽዑ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣርማ ጥራሕ ኢያ ብምባል ሓዳስ ባንዴራ ይፈጥር ከምዘይነበረ ከሓደ፣ ብዙሓት ተቓለስቲ ግን ኣይኣመንዎን። እታ ‘ኣርማ ጉባኤ’ ተባሂላ ዝነበረት እምብኣርከስ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ክትትክእ ዝተበገሰት ምንባራ ጽንሕ ኢሉ ግዜ ባዕሉ ኢዩ መስኪርዎ።

6. ምስናዕ ባንዴራታት

ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምስታ ምስ ናቱ ኣርማ ምምስሳል ዝነበራ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮይኑ ን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ(ተ.ሓ.ኤ) ብምጥቃዕ ካብ መሬት ኤርትራ ደፊኡ ናብ ሱዳን ኣውጽኣ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ተ.ሓ.ኤ ናብ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ተፈናጨለት፤ እታ ሓንቲ ካብዚኣተን ‘ሳግም’ ኢያ። ኣብ ሰማንያታት ሳግም ብ ኢብራሂም ቶቲል ተመሪሓ ናብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕሪ ምጽንባራ እቲ ውድብ ደስ ከይበሎ እንደገና ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ኣብ ጎድኒ’ታ ናቱ ቀያሕ ባንዴራ ክትስቀል ፈቐደ። ክሳብ መዓልቲ ናጽነት 1991 ድማ እታ ሰማያዊት ባንዴራ ህዝቢን እታ ኣርማ ህ.ግ.ሓ.ኤን ጎኒ-ንጎኒ ይስቀላ ነበራ።

ይኹን’እምበር ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ካብ 1991-1993 ክልቲአን ባንዴራታት ሓደ ወጃብ ምጽንባር ሕብርታት ፈጢረን ሕጂ’ውን ሓዳስ ባንዴራ ተቐልቀለት፤ እዛ ሕውስዋስ ባንዴራ ኣብ ትሕቲ ‘ናጻ ኤርትራ’ ዝብል ጭርሖ ክሳብ ግዜ ረፈረንደም ተሰቒላ ኢያ። ኣብ ግንቦት 24፣ 1993 ልኡላዊት ኤርትራ ድሕሪ ምእዋጃ እዛ ባንዴራ’ውን ተጓሕፈት፣ ከም ሓድሽ ድማ እታ ብቐጠልያ፣ ቀይሕን ሰማያዊን ስሉስ ኩርናዓት ዝቖመት ባንዴራ፣ ንኮኾብ ብብጫ፣ ዝነቐጸ ዝመስል ቆጽሊ ኣውሊዕ ተኪኣ ተመልሰት(እታ ናይ ኮሙኒስታውያን መለለይት ዝነበረት ኮኾብ ድሕሪ ምውዳቕ ኮሙኒዝም ተዋጽእ ኣይነበረትን)።

ብመሰረት እቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘይተተግበረ ቅዋም ዝብሎ እንተኾይኑ እዛ ባንዴራ መሰጋገሪት ኢያ፤ እቲ ወግዓዊ ምጽዳቕ እታ ባንዴራ ዕማም ሃገራዊ ባይቶ ምዃኑ ድማ ብዘየሻሙ መንገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እንተኾነ ግና ኣብ ዓንቀጽ 4 ብዛዕባ ‘ሃገራውያን ኣርማታት’ ዝዛረብ ክፋል ናይቲ ዘይተተግበረ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ቅዋም፣ ኣብ ቁጽሪ 1 ዳርጋ ከይተወሰነ ዝተወሰነ ዝመስል፤ “ናይ ኤርትራ ባንዴራ፣ ቀጠልያ፣ ቀይሕን፣ ብጫን ሰማያዊን ሕብርታት ምስ ወርቃዊ ቆጽሊ ኣውሊዕ ይህልዋ፣ እቲ
ካልእ ደቀቕቲ ዝርዝር ድማ ብሕጊ ክውሰን” ዝብል ጽሑፍ ይርከብ።

7. ምምላስ ሰማያዊት ባንዴራ – ምምላስ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ

ሎሚ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ ርብዒ ዘመን ኣብ ዘቑጸረትሉ ግዜ፣ ጌና ብህዝቢ ዝተመርጸ ሃገራዊ ባይቶ የብላን፤ እቲ ዘሎ ህዝቢ ዘይመረጾ ባይቶ እንተኾነ’ውን ንባንዴራ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ኣይገበረን፣ ኣብ ስራሕ’ውን የለን። ዓንቀጽ 4 ናይቲ ቅዋም “ኤርትራ ንታሪኻን ባህግታት ህዝባን ዘንጸባርቕ ሃገራዊ መዝሙርን ኣርማን ይህልዋ፣ እዚ ድማ ብሕጊ ይውሰን” ይብል። ህ.ግ.ደ.ፍ ንሕብርታት ባንዴራ ከሎ ጌና ወሲኑ ኣብ ቅዋሙ ከስፍሮ እንከሎ፣ ንሃገራዊ መዝሙርን ንኣርማን ዝምልከት ግን መጻኢ ሃገራዊ ባይቶ ክውስኖም ዕድል ምሃቡ ስለምንታይ ምዃኑ ዝፍለጥ የለን።

ብገለ ሸነኻት ከምዝትንተን እንተኾይኑ ግና እዛ ሎሚ ሃገር ወኪላ ዘላ ባንዴራ፣ ኣብ ሰማንያታት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንኩውየት ገይሹሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ነታ ሓያል ኤርትራዊ ሃገራውነት ዘባርዐት ሰማያዊት ባንዴራ ካብ ልቢ ኤርትራውያን ሓኺኹ ክትርሳዕ ንምግባራ ዘምጽኣ ጥንሰ-ሓሳቡ ምዃና ይግለጽ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ነቲ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ባንዴራ ዝምልከት ዝተወስደ በይናዊ ፋሉል ውሳነ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ኤርትራ ከቢድ ጉድኣት ኣኸቲሉን ምትፍናን ኣስዒቡን ኢዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 27፣2001 መስፍን ሓጎስ ኣብ ለንዶን ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኣብ ዝተዓደመሉ ግዜ እታ ካብ 1991-1993 ዝነበረት ባንዴራ ኣብቲ ኣዳራሽ ተሰቒላ ዝረኣዩ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ባንዴራታት ኤርትራ ፍልጠት ዘይብሎም ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ “ኣብ መቐለ ዝተሰፍየት ባንዴራ” እናበሉ ክኹንንዎ ተሰሚዖም ኢዮም፤ እታ ናይቲ ስርዓት ራድዮ እውን ከም ኣመላ “ባንዴታ ጠላማት” ክትብል ድሕር ኣይበለትን። መርበብ ሓበሬታ ሻባይት’ውን “ናይ ኤርትራ ባንዴራ ዘይኮነት ካብ ባንዴራ ህዝባዊ ግንባርን ካብ ባንዴራ እቶም ወያነ ዝምውሎም ጉጅለታት ዝተዳቐለት ዘይትፍለጥ ባንዴራ” ክትብል ጽሒፋ ነይራ።

ሎሚ፣ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ብግቡእ ክፋለጥዋ ዕድል ዘይረኸቡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። ገለ ካልኦት ግና ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ነቲ ኣመዓባብላ ኤርትራዊ ኣርማታት ዝተኸታተልዎ ኢዮም። እምብኣርከስ ህ.ግ.ደ.ፍ ብመሰረቱ ኣርማታት ኤርትራ ክመርጽ ፈጺሙ ዝበቅዕ ኣይኮነን፣ ያኢ ሓላዪ ህዝቢ ተመሲሉ ብዛዕባ ክብርታት ባንዴራ ከስተምህር’ውን ኣይክእልን። ህ.ግ.ደ.ፍ መግለጺ ዲክታቶርነትን ምክፍፋልን ዝኾነት ባንዴራ ኢዩ ተኺሉ፣ ኣርማን ምልክትን ባርነት ድማ ኢያ።

ኩላቶም ኣንጻር ባርነት ዝቃለሱ ዜጋታት ድማ ነዛ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርዑት ጭቆና ቆሪኑ ሒዙ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ዝተስገደደት ባንዴራ ፍጹም ከወግድዋ ይግባእ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን “ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረጻ ባንዴራ” ካብ ዝብል ዘረባታት ክገላገሉ ኣለዎም።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares