Awate.com

ደንበ ተቓወምቲ ክሓልፎ ዘለዎ መድረኽ

እቲ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ቃልሲ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። በዓይነቱ ከኣ ካብዚ ሕጂ እነካይዶ ዘሎና ናይ ሓርነት ቃልሲ ይፍለ። ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ባዕዳዊት ገዛኢት ሃገር ትልለ ነይራ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ከለሊ ኪኢሉ። ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ድማ ብዘየማትእ ክድግፎ ኪኢሉ።

ናይ ሕጂ ግን እቲ ናጽነት ዝበሃል ንሽሙ “ኤርትራ ነጻ” ተባሂላ። እቲ ባንደራ ኢትዮጵያ ብሽም ባንደራ ኤርትራ ተተኪኡ። እቶም ባዕዳውያን መራሕቲ ሃጸይ ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ድማ ብኣቶ ኢሳያስ ተተኪኦም። ካሊእ ከምቲ ውጥንን ዓላማን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይተረኽበን። በንጻሩ እኳድኣ እቲ ጭቆና መሪሩ። እሞ ኣብዚ ግዜ’ዚ መን’ዩ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ? በዘልማድ፡ ወዲ ሃገር ከም ፈታዊ፡ ባዕዳዊ ከኣ ከም ጸላኢ ጌርካ ይውሰድ ይኸውን። እዚ ካብ ፖለቲካዊ ብስለት ዝረሓቐ ለዋህ ኣበሃህላ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ጸላኢ ህዝብ’ምበር ንብሎ። ጸላኢ ህዝቢ ማለት እኮ ህዝቢ ዝቐትል፡ ዝኣስር፡ ዘጥሚ፡ ዘሰድድ ማለት ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ አዋን’ዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዘየማትእ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ካሊእ ካብዚ ስርዓት’ዚ ዝኸፍእ ጸላኢ ኣይነበረን ብሕጂውን ኣይክነብርን። ርግጽ ስርዓት ሃይለ ስላሴን ደርግን እውን ጸላእቲ ህዝቢ ኤኢርትራ ኢዮም ነይሮም። ግን ከኣ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እወን ካብኦም ተዘይ ገዲዱ ዝሓይሽ ኣይኮነን።

እምበኣረይ ነዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣዳናጋሪ ቃልሲ ንምዕዋት ፍልይ ዝበለ ሜላን ክእለትን የድሊ። ቅድም ቅድም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ከለሊ ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍን ቀንዲ ተሓባበርቱን ብንጹር ጸላእቲ ህዝቢ መዃኖም ክበርሃሉ አለዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ፍትሓውን ዲሞክራሰያውን ቃልሲ፡ ከም ሪእይቶይ ክልተ መድረኽ ዝሓቖፈ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒኻ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ። እቲ ካልኣይ መድረኽ ድማ ኣብ ብዙሓዊ ሰልፍታት ዝተመስረተ ህዝባዊ መንግስቲ ምቛም ኢዩ።

እታ ጽንክርትን መራርን መድረኽ እታ ቀዳመይቲ ኢያ። ብቐዳምነት ነዚ መድረኽ’ዚ ክተገጥሞ ጥርኑፉን ዝተወሃሃደን ቃልሲ ይሓትት። ኪዳን ከም ኪዳን ምቛም ኣዎንታዊ ኢዩ። እዚ ግን እኹል ኣይኮነን። ኪዳን ክሰርሕ ኣለዎ። ኣነ ብወገነይ፡ ኪዳን እቲ ኣገዳስን ጽንኩርን ዝኾን ቀዳማይ መድረኽ ንምዕዋት እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክኽተል ወይ ክፍጽም አለዎ እብል፤

ሀ) ሕድሕድ ምትእምማን

ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት ኪዳን ኣብ ነንሕድሕዶም ዘሎ ዘይምትእምማን ከወግዱ አለዎም። መፍቲሒኡ ድማ ምእንቲ ህዝቢ ክትብል ኣብ ቕንዕናን ግሉጹነትን ዝተመርኮሰ ምይይጥ (ዘተ) ምክያድ ኢዩ።

ለ) ናይ ሓባር ኣገባብ ቃልሲ

ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ (ቀዳማይ መድረኽ) ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ስነሓሳብን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ክህልዎም ሽግር (ዕንቅፋት) ኣይኮነን። እቲ ፍልልያት ተራሒዙ ክመጽእ ዝኽዕል ኣብቲ ካልኣይ መድርኽ ኢዩ። ሽዑ ድማ ኣብ ህዝቢ ወሪዶም ዐዕዳጋኦም የዋጽኦም። ናይ ኣገባብ ቃልሲ ፍልልይ ግን ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ብሓባር ከስርሖም ኣይኽእልን ኢዩ፡ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ስለምንታይሲ፡ ኣገባብ ቃልሲ ነቲ ስርዓት እተውድቐሉ ቀንዲ መላ ወይ ስተራተጂ ስለ ዝኾነ። ከም ርእይቶይ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ኩሎም ውድባትን ሰልፍታትን ብሓባር ክቃለሱ እንተ ኰይኖም፡ ኩሎም ዝሳማምዕሉ ኣገባብ ቃልሲ ክህልዎም ኣለዎ። እዚ ከኣ እቲ ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ ዝብል ንኹሎም ዘሳማምዕ (ዝሓቁፍ) ይመስለኒ። ነቶም ብሰላማዊ መንገዲ ዝብሉ ዝምችእ ነቶም ብጎንጺ ዝብሉውን ከቃልሶም ይኽእል። እንተ ኾነ ግን እቲ ዘሎ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ናይ ኩሎም ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ፡ ብሓደ ማእከላዊ ተእዛዝ ክሰርሓ ኣለዎ። እቲ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስራሓት አውን ብንጹር ኩሎም ዝሳማምዕሉ ክኾውን አለዎ። እቲ ሰራዊት ድማ ናይ ውድባት ዘይኮነስ  ናይ ሃገር ኰይኑ ብትሕዝቶኡ ህዝባዊ ሰራዊት ይኸውን። ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝሃደሙ ንጹሃት ወተሃደራት ተቐቢሉ፡ ሚሂሩ ልክዕ ምስቲ ዘሎ ሰራዊት የሰልፎም።

ሐ) ሃገራዊ ዋዕላ

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነጥብታት ምስ ተማልኣ፡ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ክጀመር ይከኣል ኢዩ። ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ተቃዋሚ ሓይልታት ብምሉኡ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ይኣቱ። ብሓባር ካብ ኪዳንን በርገሳዊ ማሕበራትን ግዱሳት ምሁራት ኤርትራውያንን ዝተዋጽአት ሽማገለ ቈይማ ሃገራዊ ዋዕላ ተካይድ። ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝቖመ ሕግታትን መምርሕታትን ተኸቲሉ ኪዳን ምስ በርገሳዊ ማሕበራትን ካልኦት ተቓወምቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ቀዳማይ መድረኽ ንምዕዋት ይቃለስ።

ካሊእ ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ኣዝዩ ጽንኩር ምዃኑ ኢዩ። ንጠቕምኻ ምስ ጸላኢ ጠጠው ኢልካ ኣንጻር ህዝቢ ምስላፍ ቀሊል ኢዩ። ንብረትካን ሂወትካን ወፊኻ ምእንቲ ህዝቢ ምቅላስ ግን ከቢድ ኢዩ። ሳላ ሃበታም ተሞኩሮና ኣብ ድሮ ነጻነት ከይተረፈ ካብ ተቓውሞ ደንበ ሰዲዖም መስ ጸላኢ ጠጠው ዝበሉ ባእታታትን ጉጅለታትን እውን ሪኢና ኢና።

ኩላትና ከም እንፈልጦ መስከረም ዳት ነት ብሽም ተቓዋሚ ውብ ሳይት ንስርዓት ህገደፍ ከጸብቕን ክካላኸልን፡ በቲ ሓደ ሸንኽ ድማ ንተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ከዳኽምን ከኽፍእን ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ብፍላይ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እናሓደረ ዝዓርብ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ሂወት ክመልስ፡ “ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ስርዓት ህግደፍ ንኣል-ሸባብ ኣጽዋር የዕጥቕ ስለ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉመቲ ክትወስድ ኢያ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፡ ከይደቀስ ብምሕዳር፡ ስጋብ ናብቲ ናይ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብምኻድ ይልምን ከም ዘሎ ኣንቢብኩምዎ ትኾኑ። ቀጺሉ’ውን “It is time for Eritrean-Americans to call for ‘rebooting’of US-Eritrean Relations” ዝብል ለጢፉ ኣብ ክንዲ ህገደፋውያን ኮይኑ ይንቀሳቐስ አሎ።ዋእ! ከም መሰል መሰሉ ኢዩ ንስረዓት ህገደፍ ክደግፍ። እቲ ሕቶ ናይ ሕልና ጉዳይ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ብኤርትረውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉ ሸነካቱ ዝተፈንፈነን ዝተነጸለን ስርዓት ብምዃኑ፡ እሞ ሎሚ ደቂ ሰማንያታትን ዓይነ ስውራትን ኣቦታትን ኣደታትን ሓዲጎምዋ ዝስደዱ ሃገር ብምዃና ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ኣነ ኳ ኣይፈልጦን ናይ ተ.ሓ.ኤ. ተጋዳላይ ነይሩ ምስ በሉኒ፡ ዘለውን ስዋኣትን ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ስጋብ ሕጂ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ጠጠው ዝብሉ ንቑሓት ሃገራውያን ኢዮም።

ኣብ መጨረሻ ነማሓዳሪ መስከረም ዳት ነትን ተሓባበርቱን ሓንቲ ሓጻር ታሪኽ ከወፍየሎም እደሊ፤

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ዞባ፡ ከም ባሀሊ ሰብ ምስ ሞተ፡ ቅድሚ ምቕባሩ፡ ብኺኢላ ወየ ይበሃለሉ። ደሓር ሓመድ ይድበ። ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ሞተ’ሞ ከምቲ ልሙድ፡ እቲ ወየ ባሃሊ ኪኢላ፡ ነጸልኡ ተዓጢቑ፡ ቀባራይ ጠጠው ኢሉ እናተጸበየ፡ “ወየ፡ወየ፡ወየ” ጥራይ ይብል፡ ፍረ ግን ኣየውጽእን።

ኣዝዩ ሃሩር ስለ ዘነበረ እቶም ቀባሮ “ሃሩር እኮ መትና ደንጕኻና” ምስ በልዎ።

“ዋእ! ኣነውን ኮ ተሽጊረ ኢየ። እቲ ረይሳ ክሕግዘኒ ኣይካለን። ብሂወቱ ዝገበሮ ቁመነገር ስለ ዘየሎ ዝናኣድ ፈረ ነገር ሲኢነሉ” በለ፡ ይበሃል።

ሕጂ ድማ ስርዓት ህግደፍ ዝገበርኩም እንተ ገብርኩም፡ መይቱ ኢዩ ኣይትስእን። ድሕሪ ሕጂ ተንቀሳቒሱ ዲፕሎማስያዊ ሂወት ክዘርእ ኣይክእልን። ኣብቂዑ ኢዩ። ታሪኽኩም ኣይተባላሽው።

ርኢይቶ፡ fitiwi@planet.nl

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares