Awate.com

ዝወዓለስ ፥ ኹሉ ደኣ ይለለ

     ኣስታት ቅድሚ ዕስራ ዓመት ይኸውን ሓደ ዓርከይ ንክልተ ቤተ-ሰብ ናይ ድራር ዕድመ ገበረልና። ድሕሪ ዝተቀረበ ሽሻይ ምምጋብና ናብ መሕለፊ ጊዜ ዝበልናዮ ወግዒ ኣተና። ከም ኣጋጥሚ እቲ ሳልሳይና ኣዚዩ ተዋዛያይ ብምንባሩ ነቲ ምሸት ዳርጋ ንሱ ተቛጻጺርዎ ኔሩ ክብል ይኽእል።

     እዚ ሓው እዚ ብዝሓት ቛንቛታት ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ዝነበሮ ስለዝኮነ ካብ ሓደ ዕላል ናብ ብሓደ እናሳገረ ከዋግዕካ ከሎ ኣይምኖን። ዝኾነ ኾይኑ ሎሚ ሓንቲ ካብቲ ናይ ሽዑ ወግዑ ከካፍለኩም።

      “ኣቦይ እገለ (ሓጂ) ዝበሃሉ ሰብኣይ፡ ወዲ ዓድና ኢዮም” ይብል። ንሶም ብሃብቲ እዙይ ጎዲሉኒ ዘይብሉ ሰብኣይ ነበሩ። ጥሪቶም ብሓደ ጓሳን ብሓንቲ ጓሎምን ይናበያ ነበራ። ጓሎም ንዓቅሚ ኣዳም ምስ በጽሔት ከኣ፡  ንቡር ኣማሊኦም ኣመርዓውዋ። ኾይኑ ግን፡ ድሕሪ ገለ ጊዜ ምስ ሓዳራ ስለ ዘይተሰማምዔት ተፋቲሓ ናብ ቤታ ተመልሰት። ኣቦይ ሓጂ ደስ ኣይበሎምን።

     ድሕሪ ገለ መዓልታት ንጓሎም እገሊት ጓለይ፡ ንዒ’ሞ ናብዚ ክብሉ ጸውዑ። ንሳ ዝገደፈት ገዲፋ ከተፍ በለት። በሊ እገሊት ጓለይ፡ ደጊም ዕረፍቲ ገዛ ይኣክለኪ፡ ገዛ እንተትደልዪ ገዛ ገድፊኪዮ ኣይምመጻእክን፡ ስለዚ ካብ ጽባሕ ንደሓር ናብቲ ንስኺ ኣዚኺ እትኽእልያ ስራሕ ውፈሪ። እዘን ጥሪት ናባኺ ኢየን፡ ሃየ ኣይትሕመቂ ፡ ዛጓለይ። ንሳ ንኣቦኦ ምላሽ ሂባ ስለ ዘይትፈልጥ ከምቀደማ ይሓይሽ እንተኢልካስ ሕራይ በለት፡ ልባ ብሕሩሩ  ከኣ ተላዕለት።  ነቲ ካልእ ኣማራጺ ዘይነበሮ ስራሕ ናተይ ኢላ ሓዘቶ።

      ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ፡ ይባ ባዕሉ ልቢ ኣዕብዩ ሎሚ ክገብሮ ኢዩ ወይ ጽባሕ ክገብሮ ኢዩ እናበለት ትጽበዮ  ነገር ነበራ። እንተኾነ ግን ኣቦይ ሓጂ እንተስ ብጉርሒ እንተስ ብሽርሒ ኢደምን እግሮምን ኣጣሚሮም ሱቕ በሉ። ንሳ ንኣቦኣ ደፊራ ክትሕትት ኣይተፈጠረትን። ኣቦኣ ከም ማይን ቑርን ኢያ ትፈርሖም ። እቲ ክትሓቶ ዝደለየት ግን ግዜ ዘይህብ ብምንባሩ ሓደ መዓልቲ ብጎባ-ጎቦ ክትሓትት ፈተነት።  በለት ከኣ  ይባ! ያይባ ፡-

                   እዚ ኹሉ ኒን ከሎኻ         ( ኒን = ንህቢ )
                   እምባሕ ከሎኻ
                   እምቤ’ዕ ከሎኻ
                   ሜ’እ ከሎኻ
                   ሓንቲ ጀላቢያ
                   ንዓይ ንጓልካ
                   “ሓራም” ኣሎካ

                         በለት

ኣቦይ ሓጂ፡ ዛጓለይ ኣብ በረኻ እንዳወዓልክስ ጀላቢያ እንታይ ክዓብሰልኪ እዩ ኢለ እንድኣለይ። ጀላብያስ ንዓዲ ውዕል እምበር ንጓል በረኻ እንታይ ይረብሓ ክብሉ መለሱላ።  መቸስ ክሳብታ እዋን እቲእ ሕርቃኖም ዝወጸ ኣይመስልን። ምስ ኣቦይ ሓጂ ዘላ ሓቂ ንዓይ ርሕቅቲ ኢያ። ኣነ ምስ ጓል ኣቦይ ሓጂ ኣሎኹ። ፍርዲ ኣቦይ ሓጂ እትድግፉ ከኣ መሰልኩም ኢዩ።

     ሕጂ ግን መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ ከይተባሃልኩ ስለ ዘይተርፍ ናብዛ እዋናዊት መቓልሕ ክኣቱ። ሞት ናይዝጊ ክፍሉ ናይዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ቀንዲ መዛረቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። ኣነ ካብቲ ብየማን ይኹን ብጸጋም ዝተባህለ ዝውስኸሉ የብለይን። ሪኢቶ ግን ኣሎኒ።

     ክልተ ሚትሮ እትወስድ መቓብር መሬት ተበቂቓቶ። ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመትን ሹዱሽተ ወርሕን ከም ዘይተጋደለ ማለት ብመሰረት ናብ ቃልሲ ዝተጸንበረሉ ክሳብ ድሮ ናጽነት ዘሎ ጊዜ ፥ “ኢሰያስ እዚ ኩሉ ከሎካ፡ ንክልተ ሚትሮ መቃብር ናይዝጊ ክፍሉ ክትበቅቅ  ሓራም ኣሎካ” ተብሂሉ ይውረ ኣሎ። ሓቂ እንተኮይኑ ኣስናኖም ዝድርቅሙ’ውን ኣሎዉ። እታ ርህራሄ ኣርእያ ዘይትፈልጥ ልቦም ኣብ ሎሚ በጺሓ ትርግታ ኣብዚሓ ካብ መስከረም ጀሚራ ክሳብ ኣበይ ።  መቸስ ኣደይ ምሕረታውን ከምዚ ምስረኸባ ግዲ ኢየን “ትዓዚብናክን” ዝበላ። እንተ ብዛዕባ ናይዝጊ  “ሙውት ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ’ዩ” ።  ኣነውን  “ሞጎተ ምስ ዝመተ”  ቃሕ ኣይብለንን።   ግን እዚ ተርእዮ’ዚ  ሎሚ ብናይዝጊ ክፍሉ ዝጀመረ ድዩ? እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝመቱ ደቂ ኣበይ ድዮም? ኻብቲ ናጽነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጊዜ ጥራሕ ኣብ ዓድን በረኻን እንተስ ብየማኑ እንተስ ብጸጋሙ ኾፍ ኢሎም ዝረኣዩ ዝነበሩ ብጾቱ ምስ መቱ ንመዘከርታ ክኾኖም ድዮም ምስኡ ወይ ብኾፍ ወይ ብዶው ተሳኢሎም ኔሮም?  ዶ’ ዋላስ “ንእመት’ኾ ስድሪ  ኣላታ” ዝብል ዘመናዊ መዔቀኒ ሞት መጺኡ።  እቲ ፍታሕ ክልተ ሚትሮ ንመቃብር መዋቲ ናይዝጊ ክፍሉ ምርካብ ወይ ምስኣን ኣይመስለንን፡ እንታይደኣ መሰል ኩሉ ዝወዓለስ ይለለ ፥ዝሓለፈ ይኹን ዋላስ ዝተረፈ።

     ቕድሚ ጽሑፈይ ምድምዳም ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ክምድር ሰሚዔዮ ኔረ። ሓደ እዋን ሰለስተ ዓዲ ኮይኖም ንሃድን ሓንቲ እንስሳ በረኻ ወፊሮም ወዓሉ። እታ ሓንቲ ዓዲ ቑጽራ ዝወሓደ ነበረ። ነታ ዝወፈሩላ እንስሳ ድሕሪ ምቅታሎም ነተን ዓድታት ጀግንነቶም ንምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ ፈኸራ እናጨደሩ ዓዲ ክኣትዉ ቐረቡ፡- ኤሕዚ ኣረገነኹሎም ኣረመነ  እሕም፥  ቐተልዋ ግዲ  እናበሉ ምስ ፈከሩ ሓደ ወዲ ፋሕ ምስኦም ኣብኣ ዝወዓለ  ኣንታ ክንደይ ትሓስሙ እንተላይ ፋሕ በሉ በሎም ፍብሃል።  ምኹናን መሰል ብሓደ ክትጅምር ትክእል ትኸውን ብሓደ ግን ኣይትውድእን ኢያ ፥ ምልላይ መሰል  ከኣ ከምኣ። ስለዚ ኣብ ሕሰም ይኹን ኣብ ጽቡቅ’ስ ምሕላው መሰል ሓደ ምሕላው መሰል ኹሉ ኢዩ’ሞ እንተላይ ፋሕ በሉ!

መረጸ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares