Awate.com

ዝርርብ ምስ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ samredeab

ዝኸበርካ ሓው ቀለታ ኪዳነ

ነቲ ብ10 ሚያዝያ 2010 ናብ ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝጸሓፍካዮ ግሉጽ መልእኽቲ ድሕሪ ምንባበይ፡ ንዓኻ ይኹን ንኻልኦት ኣብ’ቲ ኣልዒልካዮ ዘሎኻ ጉዳያት ዝግደሱ ኩሎም ዝምልከት ኣገዳሲ ሕቶታት ክተናኽፍ ተገዲደ።

ኣብ መልእኽትኻ ገሊጽካዮ ከምዘሎኻ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢኻ። ኣነ’ውን ኣባል ናይ’ዚ ሰልፊ’ዚ ስለዝኾንኩ፡ ነቶም ሕቶታት ኣብ ሰልፋዊ ቅርጻታትና ክንመያየጠሎም’ውን ይከኣል’ዩ። ይኹን’ምበር ወጻኢ ካብ’ዚ ሰልፊ’ዚ ዝርከቡ ብድሕነት ሃገር ዝግደሱ ኩሎም ኣብ’ቲ ጉዳይ ርእይቶታቶም ክህቡ ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊስካ ኢኻ ብግሉጽ ጽሒፍካዮ ኢለ ስለዝኣመንኩን ግሉጽ ክትዕ ክካየደሉ ዘለዎ ኣገዳስነት’ውን ስለዝተቐበልኩን እንሆ ኣነ’ውን ሕቶታተይ ብግሉጽ አቕርብ ኣለኹ።

ኣብ መልእኽትኻ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ን10 ዓመታት ቁምነገር ሰሪሑ ከምዘይፈልጥን ዋኒኑ ንክሰርሑ ዝደልዩ ምዕንቃፍ ምዃኑን ገሊጽካ።

ሓው ቀለታ! ቅድም ቀዳድም እቲ ሽግራትን ጠንቂ ናይ’ቲ ሽግራትን ብግሉጽ ከነቐምጥ ክንክእል ኣሎና። ኣበየናይ ዓውድታት’ዩ ኪዳን ቁም ነገር ዘይሰርሐ? እንታይ ቁምነገር ከ ሰሪሑ? መን’ዮም እቶም ንዝሰርሑ ዝዕንቅፉ? ስለምንታይ ከ? ምኽንያቱ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን እቶም ንዕኡ ዘቖሙ ሰልፍታትን’ውን ኣባላት ኤዲኪ ምዃኖም ክንዝንግዕ ስለዘይግባእ።

እዚ ኪዳን’ዚ ብስምምዕ ናይ’ቶም ኩሎም ዘቖምዎ ሰልፍታትን ውድባትን ዝጸደቐ ቻርተርን መመሓደሪ ቅዋምን ኣለዎ። ሰዲህኤ’ውን ዓቢ ግናዕ ናይ ኤዲኪ’ዩ። ስለ’ዚ ከኣ ዝኾነ ኣባል ናይ’ዚ ኪዳን’ዚ ነቲ ኣሚኑ ተቐቢሉ ዝተሰማማዓሉ ቻርተር ይኹን መመሓደሪ ቅዋም ክጻረር ወይ’ውን ንዕኡ ዘፍርስ ተግባር ክፍጽም ምስዝርከብ ብመሰረታት ሕግታት እቲ ውድብ ክሕተት ኣለዎ። እዚ ንዝኾነ ብሕጊ ተገዚኡ ዝሰርሕ ትካል ዝቕይድ ንቡር ኣሰራርሓ’ዩ። እዚ ስለዝኾነ’ምበኣር እቶም ንዝሰርሑ ዝዕንቅፉ ዝብሃሉ ዘለው በዚ መዕቀኒ’ዚ ክምዘኑንን ብሕግታት ኤዲኪ ድማ ክትሓዙን ዶ ኣይግብኦምን?

ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ካብቶም ኤዲኪ ከሳልጦም ዝግብኦ ኣገደስቲ ጉዳያት’ዩ። ንኣካይዳ ናይ’ዚ ዋዕላ’ዚ ብዝምልከት ዝግበር ክትዓትን ምልልስን ከኣ ማዕረ’ቲ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ዋዕላ ቁምነገር ክህልዎ ግድን’ዩ። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝግበር ርሱን ክትዕ ከምዘይኣድላይ ምቑጻሩ ግቡእ ኣይመስለንን። ሕጂ’ውን እንተኾነ ሃናጺ ተራና እንጻወት ኣብ መትከላትን ህንጻ ሕግን ኤዲኪ ተመርኲስና፡ እንታይ’ዩ ኣብ ምድላው እዚ ዋዕላ’ዚ ካብ ሕጊን ስምምዕን ወጻኢ ዝኸይድ ዘሎ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ዶ ኣይኮነን?

ሓው ቀለታ ኣብ መልእኽትኻ ክሳብ ምስ’ዚኣቶም ተሓላሊኻ ምንባር ጊዜኻ ምጥፋእ’ዩ ናብ ምባል’ውን በጺሕካ ኣሎኻ። እዚ ኸ እንታይ ማለት’ዩ? ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኣባላቱን ቁምነገር ስለዘይብሎምስ ክሳብ ቁም ነገር ዘለዎም ውድባት ወይ ሰልፍታት ዝፍጠሩ ንሕና ንበይናን (ሰዲህኤ) ንኺድ ማለት ዶ ኾን ይኸውን?
ኣብ ዝሓለፈ እዋን በሺር ኢሳቕ ንኤዲኪ ወኪሉ ኣብ ዋሽንግቶን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ቅድሚ’ቲ ጊዜ’ቲ ርኢናዮም ዘይንፈልጥ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ሕብረተ-ሰብና ንናይ ኣኼባ ኣዳራሽ ግጥም ኣቢሎም መሊኦሞ ውዒሎም። ነዚኣቶም ዲና ሕጂ ገዲፍናዮም ንኺድ ንብል ዘሎና?

ኪዳን እኮ ሰልፊ ኣይኮነን። ብዝተሓተ ዘሰማማዓና ነጥብታት ሓቢርና እንሰርሓሉ ባይታ’ዩ። እቲ ብዝተሓተ ከስርሓና ይኽእል ኢልና ዝተሰማማዕናሉ ቻርተር ከስርሓና እንተዘይኪእሉ ድማ ሕጂ’ውን ነቲ ብሓባር ከስርሓና ዝኽእል ነገራት ደጊምና ሃሰው ክንብሎ ይግባእ’ምበር ነጻጊ ዝኾነ ኣካይዳ ኣብ ዘብጽሓና የብሉን። ንጌጋታትን ድኽመታትን ግሉጽን ሃናጽን ብዝኾነ መንገዲ ጥራሕ ኢና ክንኣልዮን ክንቃለሶን ዝግብኣና።

ኣብ’ዚ መልእኽተይ’ዚ ብንጹር ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ነገር ኣተሓሕዛ ናይ ጉዳያትና ብዝምልከት ዝርአ ዘሎ ጸገማት’ዩ። መኣስ ኢና ንሕና ንነገራት ካብ ኩርናዕ መትከላትን ሕግታትን ተበጊስና እንመዝኖምን ብኡ መሰረት ድማ ቃልሲ እነካይድን?

ኣብ ኪዳን ዘለዉ ዓንቀፍቲ ራእስታት! ቁም ነገር ክገብር ዘይክእል መሪሕነት! ቆዮቛን ህልኽን!….ወዘተ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ብምጥቃም ሃናጺ መንገዲ ክንክተል ኣይንኽእልን ኢና። ጌጋታት ብዘይነሓፍነት ክንቀፉን ኣራሚ ስጉምትታት ክውሰደሎምን ግቡእ’ዩ። ግን ኣብ ናይዛ እዋን ዝምልከት ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ጉዳያትና መትከላትን ሕግታትን መሰረት ጌርና ንጹር ቃልሲ ከነካይድ ኣሎና። ነቲ ዓንቂፉ ንብሎ ሕጊ ጥሒሱ ማለትና እንተኾይኑ ሕግታትና መሰረት ጌርና እቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተገብረ ነገር ከነቕርብ ኣሎና። ነቲ ዓንቂፉ ንብሎ ጸረ መትከላት ሰሪሑ ማለትና እንተኾይኑ መትከላትን ስምምዓትና መሰረት ጌርና እቲ ኣንጻር መትከላዊ ስምምዓት ዝተገብረ በደላት ከነቕርብ ኣሎና። ኣብ’ዚ እቲ ፈራዲ እቲ ኩሉ ብግልጺ ንመትከላትናን ሕግታትና ዝፈልጥ ዘበለ ህዝቢ’ዩ።

ስለ’ዚ’ምበኣር እዚ ዝጠቐስክዎ ኣገባብ ተጠቒምና ሕጽረታትና እናኣረምና፡ ሕጂ’ውን ኣብ ከሰማማዓና ዝኽእል ዝተሓተ ነጥብታት ዝተሰረተ ብመትከላትን ሕግታትን ተቐይዱ ዝሰርሕ ትርጉም ዘለዎ ኪዳን ክህልወና ክንቃለስ መተካእታ ዘይብሉ እዋናዊ ጠለብ’ዩ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares