Awate.com

ዘና ገዳብ: ዳይረክተር EEPA ነቲ “ታስክ ፎርስ” ከፍልጦ ዘይደለየ ሓቂ ናይ

ዓዋተ ዶት ኮም ምስ ዶክቶር ሚርያም ቫን ራይሰን (Dr. Mirijam Van Reisen) ኣብ ዘካይዶ ቃለ-መሓትት፡ እታ ሓንቲ ጽልግልግ ኢላ በቶም ተኻፈልቲ ዋዕላ ብራስልስ መልሲ ዘይረኸበት ዝነበረት ሕቶ መልሲ ሂባትላ። ድርጅታ EEPA እቲ ነዞም ኤርትራውያን “ናይ ውከሳ ጉጅለ” “reference group” ንክቖሙ ዝተጠቕመሉ መምዘኒ ከመይ ኢዩ ነይሩ? ብኣበሃህላ ዶክቶር ሚርያም ቫን ራይሰን ሓደ ካብቲ ዝተጠቀሙሉ ናይ ኣመራርጻ መምዘኒ፡ ማለት EEPA ብዝርኣይዎ፡ ትብል ዶክቶር ሚርያም ቫን ራይሰን፡ ዝኾና ውድባት ናብዚ ዝካፈላ ንለውጢ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝኣምናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ መንግስታት ዘይሕገዛ ክኾና ኣለወን ዝብል ኮይኑ፡ ብጎነጽ ዝኣምንን ወይ ወተሃደራዊ መፍትሒ ዝኣምን ክኸውን የብሉን።

ክሳዕ ሕጂ ሰለሰተ ካብቶም ነብሶም ብ“ታስክ ፎርስ” ዝሰምዩ ኣብ ዘቕረብዎም ሰለስተ ሰፋሕቲ ናይ ኣሰታትፋ መግለጺታት፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ብዛዕባ ‘ዛ ዶክቶር ሚርያም ቫን ራይሰን ዝጠቐሰታ መምዘኒ ዝጸሓፈ የለን። ዋላ እቲ ኣፈኛ ናይ “ታስክ ፎርስ” ኣቶ ዓብደልራሕማን ኣልሰይድ ብኣቶ ኣማኒኤል ኢያሱ ወናኒ ኣሰና ዶት ኮም (assenna.com) ኣብ ዝተገብረሉ ቃለ-መሓትት ብተደጋጋሚ እዛ ናይ መምዘኒ ሕቶ ቀሪባትሉ ክነሳ ዋላ ሓንቲ ጊዜ’ውን ትኹን ነዛ ብዶክቶር ሚርያም ቫን ራይሰን ዝተገልጸት መምዘኒ ኣይጠቐሳን። ነቲ ናይ ኣሰና ዶት ኮም ከም ሓበሬታ መወከሲ ኣብዚ ጥብቆ ንምርኣይ ይከኣል [refer to translated excerpt of interview here.

ዓወተ. ዶት. ኮም ብዛዕባ ‘ዚ ተቐያያሪ መግለጺታቱ ንኣቶ ዓብደልራሕማን ኣልሰይድ ተሓቲቱ ክሳዕ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እትወጽእ ብዛዕብኡ ምንም መልሲ ኣይሃበን። ምስ ሃበና ድማ ኣብዚ ከነውጽኦ ኢና።

ዓወተ. ዶት. ብዛዕባ ዋዕላ ብራስለስ ዘለዎ ሓበሬታታት ካብቶም ብ “ታክስ ፎርስ” ምዃኑ  ዝገልጹ፡ ዓወተ ነዚ ክካየድ ዝምደብ ዘሎ ኣኼባ  ዘይተገደስሉ ኣብዚ ኣኼባ ስለዘይተዓደሙ ኢዩ ዘብል’ወነ ተጻሒፎም ነይሮም፡። እዞም ክልተ ኣበሃላታት ጭብጥታት የብሎምን። ዓወተ. ዶት. ኮም ብልክዕ ነቲ ዝብገስ ዝነበረ (ዘዋስን ባህርይ ዝነበሮ) ኣኼባ ቅድሚ’ቲ “ታስክ ፎርስ” ምቛሙ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓበሬታ ብዛዕባ ርክብ ናይ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ኣዳላዊ ናይ ረድሲ ፕረስ (Red Sea press) ምስ ዶክቶር ቫን ራይሰን ይፈልጥ ነይሩ። ዓዋተ ግን ኣብ ዝኾነ ብሕቡእ ዝግበር ናይ ፍርቂ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኾነ ናይቲ ካልኣይ ፍርቂ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይድግፍነ ኣይሳተፎን’ውን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ዶክቶር ቫን ራይሰን ትብል፡  እቲ ነዚ ዋዕላ’ዚ ዝወጸ ወጻኢታት ካብ ናታ ኦርጋኒዜሽን (ውድብ) ከምዝተሸፈነ፡ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳ ኮሙሽን ይኹን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (EU, EC or USA) ከምዘይተቐበለ’ወን ገሊጻ። እቲ ብጋዜጣ Indian Ocean Newsletter, (ION) ዝወጻ ሓበሬታ ጌጋ  ከምዝኾነ ‘ወን ገሊጻ። ብተወሳኺ እቲ ዋዕላ ብEEPA ከምዝተሓስበን ከምዝተፈጸመን ኣብሪሃ።

ነይዚ መግለጺ ሓቅነት ንምርግጋጽ ዓወተ. ኮም ንፍራንስ ሶለር ካብ IOC  ተወኪሶም። መልሲ ምስ ምንጭታተይ አረጋጊጸ ከምልሰልኩም’ አሉ ’ሎ።

ገለ ኤርትራውያን ነዚ ናይ ብራስለስ ዋዕላ ንምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ተነጻጊ ምዃኑ ንምርዳእ ኣሸጊርዎም፡ እቶም “ታስክ ፎርስ” ከመይ ኢሎም ከምዝቖሙ ንምንታይ የገድስ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ናይዚ ጉባኤ ነቲ ናይ ምቅዋም ጠንቂ ዘቐደመ ክሳዕ ዝኾነ፡ ይብሉ።

ንኣቶ ኣምሃ ደመኒኮ፡ ገዲም ኣባል ናይ Network of the Eritrean Civil Society (NECS), እዚ ሕቶ ቀሪቡሉ ክምልስ እንከሎ፡  NECS ካብ 2003 ዓ.ም ጀሚሩ በብቕሩብ ከማዕብሎ ዝጸንሐ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንዘይውገኑ ኤርትራውያን፡ ከዘራርቦም ቅሩብነት ንክህልዎ ገይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ካኣ ኢገልጾ፡ 

ቅድሚ’ቲ ናይ መጀመርታ ሓድነታዊ ዋዕላ ናይ ጕንቦት 2008፡ NECS ሓደ ስትራተጂ ሓንጺጻ። እዚ ከኣ ተቓውሞ ኣብ ውሽጣዊ ዝርርብ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ከም መሻርኽቲ ኣብ ግምት ክኣቱ። ኣብ መስከረም 2008 ሓደ ሰነዳዊ ቅዋም ብጽሑፍ ናይ ምሕጽንታ ኣቤቱታ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቕሪባ ነይራ። ኣብዚ ንሕብረት ኤውሮጳ ማዕረ ማዕሪኡ ዘተ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኢርትራዊ ተቓውሞ ክትገብር ዝሓትት ኢዩ። እዚ ሰነዳዊ ጽሑፍ እዚ ኣብ ዕላዊ ኣኼባ ናይ ብርክት ዝበሉ ተወከልቲ ናይ NECSን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ላዕለዎት ጽፍሒን ኣብ ዘለዉሉ ኢዩ ቀሪቡ። ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ውልቃዊ ተወካሊ ናይ ባሮሶ (Barroso)፡ ውልቃዊ ተወካሊ ናይ ሚሸል (Michel) ምስ ክልተ ኣባላት ናይ DG Dev (Development Directorate general) ተረኺቦም ነይሮም። 

ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ’ቲ ኣኼባ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ናይ ማዕረ ማዕሪኡ ዘተ ሓሳባት ከምዝተቐበለቶ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እቲ ርኽክባት ምስ ናይ ፖለቲካ ተቓውሞ ክጅምር ድሌቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ። (በቲ እዋን’ቲ ርክብ ምስ ሲቪካውያን ማሕበር ተጀሚሩ ኢዩ ጸኒሑ)። በዚ ብምትእስሳር በሺር ኢሳቕን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓለፍቲ ናብ ብራስለስ ተዓዲሞም ናይ ፈለማ ሕጋዊ ዝኾነ ርክብ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ብደረጃ ናይ DG Dev (Development Directorate general) ኣብ መስከረም 2008 ኣካይዶም። ኤዲኪ ሽዕኡ ሓደ ጥልቕ ዝበለ መዘክር ብጽሑፍ ኣቕሪቦም። ኣብቲ እዋን’ቲ ተረድኦ ናይ ኵሎም ኣካላት ማለት ሕብረት ኤውሮጳን፡ ኤዲኪን፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ሓደ ስሙር ግንባር ንምቛም ኮይኑ ብእኡ ኣቢልካ ከኣ ኣብ ነንሕድሕድ ምልላይን ምውሳእን ኣድማዒ ዝምድናታትን ዘተን ንምክያድን ንምዕማቝን ኢዩ ነይሩ። ካብዚ መሰረት’ዚ ዝብገስ ኢዩ ብስም ኤዲኪ ርኽክብ ምስ ካልኦት መንግስታት ከምኒ በልጂዩምን፡ ሆላንድን ፍረንሳይን ዝተመስረተ። 

ውጽኢት ናይ ዝገበርናዮ ስራሓት፡ ይብል ኣምሃ (Amha) ሕብረት ኤውሮጳ “ናይ ምዝርራብ ቅዋም ምስ ኵሎም ኣካላት ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ብቀጻሊን ብሰፊሑን ክራኸብን ክዛተን ቅዉም ምኻኑ ኢዩ ዝፍለጥ”። ስለዚ ክልቲኦም “EEPAን “ናይ ውከሳ ጉጅለን” “reference group” ክዓግትዎ ዝፈተኑ ጉዳይ እንተሃለወ፡ ንዕኦምን ንመሰልቶምን ከምኡውን ንዝፈትውዎም ፖለቲካውያንን ተግባራቶም ኣብ ሸንኮለል ሸሚምካ ተዋሳኣይ ብምዃን ነቲ ዓለምለኻዊ ኣካላት ናብ ጠቅምኻ ንምውዓልን ክኸውን እንከሎ ቆላሕታኻ ነቲ ጭቡጥ ኣተሃላልዋን ናይ መወዳእታ ውጽኢትን ተቓውሞ ነቓዕ ንምግፋሕ፡ ነቲ ህልዊ ዘይምትእምማን ብምምርኳስ ንህዝቢ ኤርትራ ምምቕቓልን ምድኻምን ብኡ ንብኡ ድማ ነቲ ተነካኢ ጉዳይ ሓድነት ናይ ተመቓቒሉ ዘሎ ኤርትራዊ ተቓውሞ ዘጋድድ ኢዩ” ይብል ኣማሃ።

ብሓጺሩ ኣማሃ ደሞኒኮ (Amha Domenico) ይብል፡ ሕብረት ኤውሮጳ ን Network of the Eritrean Civil Society (NECS) እንዳኣመስገነ፡ ንዑ ንመኽሰባት ናይ ዘተ ምስ ኩሎም ናይ ኤርትራውያን ውድባት ክትርእዩ፡ ኢሉ እንዳጸዓረ እንከሎ፡ “EEPAን “ናይ ውከሳ ጉጅለን” “reference group” ግና ዕላምኦም ንሕብረት ኤውሮጳ ጸሊኻ ኣብ ጠቕሞምን መሰልቶምን ፈተውቶም ፖለቲካውያን ፓርቲታትን ጥራሕ ንምድራት ኢዩ።

A translated excerpt of Amanuel Eyasu’s interview with Mr. Abdulrahman AlSayed

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares