Awate.com

ዘመነ ኣሰለት የብቕዕ

“ኣስተውዕል መንእሰይ ኣለኵ በል
ክስገር ኢዩ እዚ ዘመን ገበል” 

ድምጻዊ ዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትኳቦ)

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሙኳኑ’ዩ ምስ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ “ ይገርመና ኣሎ” ምስ ትብል ግጥመ-ዜሙኡ ቝሙቕ ዝበለ ስነ-ጥበባዊ ዕላል ኣካይድና ነይርና፡፡ ድሕሪኡ ዋላ ኣይተራኸብናን፡፡ ተጣፊኢና፡፡ ኣብ ልዕሊ “ ይገርመና ኣሎ” ስነ-ጥበባዊ ትንታነን ውልቓዊ ርእዩታተይ ከስፍር ከለዅ፡ ካብ ኣንባቢ ብዙሕ ኢ-መይል መጺኡኒ ነይሩ፡፡ ትሕዝቱኡ ድማ ብጽሙቕ ዝበለ ኣብ ሰለስተ ከፊለ ከቕርቦ፡፡  ገለ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግጥመ-ዜማ “ ይገርመና” ኣሎ ዝሃብክዎ ትዕዘብታዊ ትንታነ ቡኡንቡኡ ክቕበልዎ ከለው፡ ገለ እውን ንድሕነት ወዲ ትካቦ ሓልዮም፡ ኣጥፋእካዮ እዚ ወዲ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣይሕድርዎን ኢዮም ኢሎም ታቱላ ፍርሒ ዝነፍሑ ነይሮም፡፡ ገለ ድማ ወዲ ትካቦ ዘይግብኦ ክብሪ ሂብካዮ፡፡ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ዝጠለመ፡ ካቡኡ ናቡኡ ንብጸቱን መባልዕቱን መሳትዩቱን ዝነበሩ ዝረስዔ ብውልቃዊ ረብሓ ኣዕንቱ ግስም ዝበለ ሰብ’ዩ ዝበሉ ኣይተሳእኑን፡፡ ሎሚ ግና ንድሕሪት ክመልሰኵም ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድኣ እዛ ግዜ ኢሉ ዘጠመቓ ሓዳሽ ንጽል ደርፉ ምርኵስ ብምግባር  ስነ-ጥበባዊ ዕላልና ምስ ወዲ ትኳቦ፡፡

ጽምብላሊዕ ከዳኒቶ፡ ስነ-ጠባብዊ ክእለት ወዲ ትካቦ ዘይተጸባርቕ ሚሊሕ ሚሊሕ ትብል ሓዊ ለይቶ ስለ ዝኾነትኒ ትም ኢለ ሓሊፈያ፡፡ ብዓቢኡ ድማ ወዲ ትካቦ ንጽምብላሊዕ መቐመጭኣ ክትከድን እንተዝምህራ ጽቡቕ ነይሩ፡፡ ቃላትን ምስላን ስንቒ ንግጥመ ዜማ ዝኾነኒ ካብ ሕዝቢ’የ ዝምእርሮ…..ይብል ወዲ ትካቦ፡፡ ከመይ ኢላ ድኣ እያ እታ “ጽምብላሊዕሲ መቐመጭኣ ዘይከደነትሲ፡ ምድሪ ከደነት” ትብል ምስላ ሕዝቢ ስቱኽ ኢላቶ? እዛ ሕቶ ናቡኡ ገዲፈ፡ ንሎሚ ብሓደ ኮይና ንግዜ ክንፍትሾ ኢና፡፡ ግዜ….እወ እዚ ግዜና፡፡ ንግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንጎልና ብዝተደኮነ ዝነበርናዮን ዘለናዮን ፍርስ ፍርስ እንዳበልና መኽዝን ዝኽርታት ክንብርር ኢና፡፡ ንዓናይ በል ወዲ ትካቦ ናብ ሸኻ ስምንተ፡፡ ሻሂ ፊት እንዳበልና ስነ-ጥበባዊ ዕላልና ክንቛደስ፡፡ ንሕና ከመይ ዲና? ወይ ከመይ ዲና ነይርና?

ወዲ ትኳቦ  ሓደ ሓደ ግዜስ ናይ ብልበይ እኮ’የ ከም ስነ-ጥበባዊሲ ዝሓዝነልካ፡፡ እዚ ወዲ እንታይ ዝበለ ቍርሱስ ዕድል’ዩ ጎፍ ኢልዎ ይብል፡፡ሕዝንንዝን ይብል በቃ! ብኻ ወዲ ትኳቦስ ኣብ ዛራ ኮይኑ ኣብተን ዝዓነዋ ቦጥ ይዅና በጣሕ ከም መድረኽ ተጠቒሙ፡ ዓንገር እንዳበለ በይኑ እንተዘዝይም ይብል፡፡ ከመይ ኣቡኡሲ ቃና ጎረሩኡ ሰሚዔን ዕስል ዝብላ ኣህባይ ኣይምሰኣነን፡፡ እተን ደቂ በረኻ እውን ግይጽ ምይጽ እንዳበላ እንዳዘለላ ሓጎሰን ብጣቒዒት ምግለጻሉ፡፡ ወዲ ትካቦ ድማ ሕልኑኡ ምስ ዓገበ፡፡ ቖሎ ስነ-ጥበቡ ድማ ዘፍ ምስ በለ፡፡ ኮይኑ ግና ከተማ ኣቲኻ፡ ንኣህባይ ከተማ ዘዕግብ ግጥመ-ዜማ ክትሰርሕ ዘሎ ሃልኪ ዘሎ ድኻም…ክላእ ትደዮ… ብማዕዶ ሲኢለ ይሓዝነልካ፡፡ ከመይ እተን ቃላት ቀይሕ ሕንጻጽ ከይሰግራ ቀይሕ ሕንጻጽ እንዳተሰመረለን፡ ነፍሲ ወከፍ ቃል መንቐሳቐሲ ክትሕተት… እዋእ እንታይ ዝበለ መቐራቕሮ ህይወት’ዩ  እዚ… በል ንእቶ ናብ ግዜ… ዘመነ ገበል፡፡ ግና ቅድሚ ናብ ሕመረት ዕላልና ምእታውና፡፡ ሓደ ሓበሬታ ኣሎኒ፡፡ ምናልባት እኳ እታ ዕላልሲ ሙሉእ ኣስመራ ስለ ዝተሰምዓ፡ ንኣእዛንካ ጸሊያ ትኸውን ኢያ፡፡ መንእሰያት ሓበን እዚ ወለዶናሲ ንህበይ ኣብ ኒው-ዮርክ ዞኽ ዞኽ ከብልዎ ዊዒሎም፡፡ ተኣምር’ዩ ዘበለ ፍጻሜ ነይሩ፡፡ ህበይ ንዓዅም ኣቡኡ ኮይኑ የጓይይ፡ ደቂ ሕዝቢ ድማ ኣብ ኒው-ዮርክ ሸኾርተት የብልዎ፡፡እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ናይ ከተማ ኣህባይ ሙኳኑ’ዩ፡፡ ግና ከመቲ ዝበልካዮ ንግዜ ዶ ንግደፎ ነቲ ፍርዲ? ንኺድ ጥራይ ዲዅም ትብሉና፡ ዋላ እንዳጸደፍና! ከም እምኒ መደረጋሕ ከረውረው እንዳበልና…….ወዲ ትኳቦ ዛራ ድኣ እንታይ ክትዋጢ ኢኻ ከይድካ ነይርካ? ቖርጫጭ እውን ኣቡኡ’ዩ ጎረሩኡ ኣጽርዩ ዝብሃል? እዋእ… እዛ ዛራ እታ ንፈልጣ ዛራ ዶ ኣይኮነን? ዶስ ከም መጫጭሒት ደርፍቲ ኢያ ኮይና?

ወዲ ትካቦ ነብሲ ግዜኡ ግዜ ስብራ እንዲዩ፡፡ እወ ዘመነ ኵዳን ሸኾርተትን ኣብቒዑስ ኣብ ስብራ ኣቲና ስለ ዘሎና፡ ስለዚ በዛ መዛዘሚ ዝተጠቐምካላ ግጥመ-ዜማ ዕላልና እንተፈለምናዮ ሃዊካና ኣይትበለኒ፡፡ ሓደ ብሓደ ክንምለሶ ኢና ነቲ ግጥመ-ዜማ- “ግዜ”፡፡  

                                          ኣስተውዕል መንእሰይ ኣለኵ በ
         
                                           ክስገር ኢዩ እዚ ዘመን ገበል

እምበር ዘመነ ገበል፡፡ ሓቂ ብሓቂ ንግዜ ናቱ ሳጓ ሂብካዮ፡፡ገበል ንገበሉ እውን ኣዳህልል እንዳበለ ዘሊሉ ዝዓብጥ -ኣሰለት ዝኾነ ግዜ፡፡ ኣሰለትሲ ወሪኣ ይህልወካ ኢዩ፡፡ ኣባል ሚኒስትሪ ሕርሻ ኮይነ ነጻ ኣገልግሎት ኣብ ሓልሓል ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ ዝነበርኵ እዋን፡ ኣስለት ትበሃል ግናይ ፍጥረት ኣላ ኢሎም ደቂ ዓዲ ኣዕሊሎምኒ ነይሮም፡፡ ኣጽምው ኣቢላ ምድባይ ኢያ ትፈቱ፡፡ ዝበዝሑ ተቐመጥቲ እቲ ቦታ ጭማራ ወይ በትሪ ስለ ዘይፈልዩ፡ ንኣሰለት ኣይፈርሕዋን ኢዮም፡፡ ኣነ ግና መንነት ኣሰለት እንታይ ሙዃኑ ብዕሊ ይፈልጥ ስለ ዘይነበርኵ ነዛ መሬተይ ብእምነት ኢየ ዝረግጻ ነይረ፡፡ መንነት ኣስለት ንምፍላጥ ግና ሕቶታተይ ካብ ምዝናብ ዓዲ ኣይወዓልኵን፡፡ኣሰለት ኣብ በሪኽ ቦታ ብፍላይ ድማ ኣብ ገረብ ምድባይ’ያ ትፈቱ፡፡ ፍርቂ ነብሳ ናይ ገበል፡ ፍርቂ ነብሳ ናይ ኣፍዑት ዝወሰደት ድቃል ኢያ ይብልዋ፡፡ ብዓይነይ ርኤያ ስለ ዘይፈልጥ ንዓይሲ መሰታ ኣባ-ሓንጅሩ ኮይና’ያ ትስምዓኒ ነይራ ፡፡ ሕልፍ ክትብል ብእግርኻ ምጥቕላል ትጅምር እሞ ንምሉእ ነብስኻ ጠምጢማ፡ ንናውቲ ኣካላትካ እንዳጸሞቐት፡ ደምካ ብኣፍንጫኻ መጺያ፡ ላኻ ምስ ኣትረፈትካ፡ ውጡር ኣካላታ ከተዛኒ፡ ንበድኒ ስጋኻ ኣርሒቓ ብምውርዋር ንኺድ እንዳበለት ጕዕዝኣ ትቕጽል፡፡ ብሓጺሩ ተጠቒማ ኢያ ትድርበካ ማለት’ዩ፡፡ ልዕሊ እዚ እሞ ኣብ ህይወት እንታይ ዘፍርሕ ከይህሉ? በቃ ከምዛ ቃንጫ ሽኮር መቐርትካ ምጽው ምጽው ኣቢላስ ድርብይ! ወይ ተኣምር ዘብል ኢዩ፡፡ ሕማቕ ሞት!… ኣነ  እውን ካብ ኣሰለት ፈሪሔስ፡ ሻፍሻፎ ክዕትዕት ጀሚረ ነይረ ይብለካ፡፡ ተመጽየ ካብ ዝድርበስ እዋእ በዛ ዓቕመይ ክቃለሳ፡፡ ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ ግና ፈቐዱኡ ኮለል ክብል ኣሰለት ጎፍ ኣይበለትንን፡፡ ኣሰለት ካብ በረኻ ናብ ከተማ ኣትያ ኣላ ምስ በሉኒ ግና ግደ ሓቅስ መትዓቢተይ ፈሪሔልኵም፡፡ ኣስለት ገረብ ገረብ ምሕኳር ገዲፋ፡ በዓል ሰቐላ ቪላ ምስ ኮነ መሳፉሩ….ሕጂ ኢና ዝጠፍኣና ኢለ! ወዲ ትኳቦ ገለ ዶ ኣስለት ከተማ ጎፍ ኢላትካ ትፈልጥ? በል ጥንቕቕ በል……ካብ ኢድካ ሻፍሻፎ በትሪ ኣይትፍለ፡፡ ከሙኡ እንተኾይኑስ ካብ ዘመነ ኣስለት ነብስኻ ክትከላኸል ከም ጠባይ ወዲ ነገደ (ወዲ ሻውል) ኣብ ፍልሚ ኣፍሮ ዝተንጸባረቐ  በትርኻ ምዕትዓት’ዩ ዘዋጽእ፡፡ ክንደይ ግዜ ድኣ ብኣሰለት ክንህመል? ዘመነ-ገበል ከብቕዕ፡ ታሪኽ ኣቦታትና ክንደግም ግድነት’ዩ…… ዳግማይ ማሕበር ሸውዓተ ኣብ ድርዅኺትካ ኣለው- ኣጫንዎም፡፡

ወዲ ትካቦ ነብሲ ከፈራርሓካ ኢለ ኣይኮንኵን ነዛ ዕላል ኣምጺኤያ፡፡ ስነ-ጥበባዊ ስለ ዝኾንካ እንታይ ክብል ከም ዝደለዅስ ድሮ ቖብ  ኣቢልካኒ ኣሎኻ ኢለ’የ ዝግምት፡፡ እሞ ንግዜ ንቕድሚት ዶ ንድሕሪት ንምለሶ፡፡ ማርሻ እንዴትሮ ብዙሕ ኢኻ ትፈቱ እሞ ዋላ ዘይንበርካዮን ዘይውዓልካዮን ታሪኽ ኣቲኻ ምቝሳል ደስ’ዩ ዝብለካ (ትእዛዝ ካብ ላዕሊ መጺካ ይኸውን፡ ዘመነ ውሕጥ ኢንድዩ)፡፡ እዛ ትእዛዝ ካብ ላዕሊ መጺኣትንስ ኣብ ኵሉ ኢያ ትሰርሕ ኢሎማ። ኣብዚ ዘለናዎ ዓድስ ጕድ ነገር ፈሊሑ፡ ጕድ ነገር ወሪሑ ይብለካ፡፡ ምስ ዛንታ ኣስለት እውን ስለ ዝጣመር እስከ ወስ ክብለካ፡፡

ጕዳይ ናይእዝጊ ክፍሉ ሰሚዕካ ዶ ትኸውን? ከመይ ኢሉ እሞ ክስወረካ ኣይ ዓለም ብዓለሙ እንዲዮ ደንጽይዎ ዘሎ፡፡ ከም ባህሊ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ነዚ ዕላል ከዘንትወልካ ከለዅ፡ ንስድሩኡ ጽንዓት ንመዋቲ ድማ ኣምላኽ ይቐበሎ ምባል ብምቕዳም ኢየ፡፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ጠልቖምቖም ታሪኽ ባህ ስለ ዝብለካ፡ ናይእዝጊ ክፍሉ ከም ገዲም ተጋዳላይ ኣብ ታሪኽ ሰውራ እንታይ ግደ ነይርዎ ክትፍትሾ ንዓኻ ገዲፈ፡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዝኸደ ጥቡቕ ምሕዝነት ምስ ዓምኻ ከም ዝነበሮ ይዕለል ኢዩ፡፡ እዛ ጡቡቕ ዕርክነት ድማ ሒዝዋ ንመቓብሩ ከም ዝወረደ ይዕለል፡፡ኮይኑ ግና ሬሲኡ ኣብ ዓዲ-ኣቡኡ ክቕበር ስድራ ፍቃድ ካብ ኢምባሲ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ ሓተቱ፡ ትእዛዝ ካብ ላዕሊ መጺኡና ኢሎም ሬሳ ዓዲ ከይኣቱ ከልኪሎሞ። እንታይ ስግንጢር ዘመን’ዩ እዚ? ዘመነ ኣስለት እውን እንተኾነስ ኣስለትሲ መምቝሩ ደምካ መጺያ፡ ባዶ ምስ ኣትረፍትካ፡ ሬሳኻ ገዲፋቶ ትኸይድ እምበር፡ ሬሳኽ ክቕበር የብሉን ኢላ ዶ ትምጕት ኢያ? ምናልባት እዚ ሓድሽ ዝመዓበለ ባህርይ ኣስለት እንተኾይኑ ንባህርይ ኣራዊት ዝምርምሩ ክፍትሽዎ ገዲፈ፡ ናብ ቀንዲ ዕላለይ ክመልሰካ፡፡ ሕዝካኒ ዶ ኣሎኻ፡፡ ሓሙሽተ ዓመት እንዲዩ ሓሊፉ፡ መዓት ዘደንጽዎ ነገራት ከንዕልል ኢና፡፡ ብሓቂ ይገርመና ኣሎ ወዲ ትካቦ ነብሲ፡፡ ንኺድ ዶ ናብ ሓመድና ንስገር፡፡ ናብቲ ዝተሰርቐ እሞ ዝተመልሰ ሓመድና? መሰልና ድኣ እምበር ሓመድና ዓኵቱ ዝኸደ መግዛእቲ ዶ ኣሎ ኢዩ? ምናልባት ዶ ነዚ መሰለናን፡ ሓመድ ቢሻ እንዳጻሕተረ ዝሰርቕ ዘሎ ሽፍታ ስርዓት ይውክል ይኸውን?  ከምቲ ህቡብ ገጣሚ መለስ ንጕሰ (ወዲ ሸኻ ስምንተ ኢዩ መታዕብቲ ኣይትረስዕ ኣብ ሸላ ኣሎ ኣጣይቐሉ) ዝበሎ “ደቒ ሓመድ ስለ ዝኾና” ሓመድና ይዓርቐና፡፡…..ንዘይተሰርቐ ሓመድ ክንመልስ ናብ ሓመድ ዝተመለስና ጽላእ-ወዲ ትኳቦ፡፡ መን ኢዩ ኸ ሓመድና  ዓዅቱ ዝወሰደ? ወያ መሬትሲ ድሮ ናብ ሓመድ ተቐይራ? ሕውስውስ ዶ ኢልካ ዕላላይ ወዲ ትካቦ… በል ቅንጭብ ከብለልካስከ ካብቲ ግጥመ-ዜማኻ… ብዛዕባ ሓመድ….

                   ተሰርቐ ሓመድ ክንመልሰሉ 
                  ግዜ ድኣ ይድግም ከይህሉ

ቀደም ቖልዑ ከሎና ወዲ ትካቦ ነብሲ ገዛ ገዛ ንጻወት ነይርና፡፡ ኣብ እዋን ክራማት ድማ ሓመድና ኣብዒጥና ኣግነት ትመስል ገዛ ንሰርሕ እሞ ሓደ ዝቐንኤ ወዲ/ጓል ገዛውትና መጺኡ/መጺኣ ብንጭር ብንጭር ኣቢላ/ኣቢሉ የፍርሰልና እሞ ኣብ ባእሲ ንኣቱ ነይርና፡፡ መግዛእቲ ጣልያን ጕልበት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተጠቒሙ ከተማታትና ሃንጹ፡፡ እንግሊዝ መጸ ዝሰተየሉ ታኒካ ብኣእጋሩ ዝጭፍልቕ፡ ዝነበራ ትካላት ቦኒቝሩ ወሲድዎን ይዝንተወልና፡፡ ሃይለ-ስላሴ መጸ ነቲ ዕነወት ቐጺልዎ፡፡ ደርጊ መጸ ዝገደደ፡፡ እዞም ኵሎም መግዛእትታት ንክብርን መሰልን ሕዝቢ ረጊጾም ክገዙኡና ስለ ዝፈተኑ፡ ኣብ መመድርኾም ብተባዕ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ተሳዒሮም ከም ዝወጹ ኵልና ንሕበነሉ ታሪኽ ኢዩ፡፡ ፍዳ ህ.ግ.ደ.ፍ እውን ካቡኡ ዝፍለ ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ስግኒጥርነቱ፡ ንመሬትን በለል በለል ዝብል ሓመድ ናብ ዝኸዶ ዘይብሉ፡ መሰል ሰብ ጥሒሮም ቍልቝል እንዳነቖቱ፡ ተዘምተ ሓመድ ክንመልሰሉ እንዳበሉ ኣሽሓት ቀያሕትን ጸለምትን፡ ሓጸርትን ነዋሕትን ኣጥፊኦም እንሆ ባዶ ኣትሪፎምና፡፡ ግዜ ደኣ ይድግም ከይህሉ? ብርግጽ ግዜ ይድገም ኣሎ፡፡ ሎሚ ዝግዕዝ ኵጀት ወይ ጎቦ፡ እግሪ ኣውጺኡ ዝኸይድ ኵርባ ገደል የሎን፡፡ ሕጊ ባይርይ ክቐይር እንተዘይኮይኑ፡፡ ዓምኻ እኳ ኣብዛ “ወቒዖምናስ ቀዲሞም በኽዮም” ብኽያቱ ክስምዓና ኣብ ዝተቐልቐለሉ፡ ቪርችዋል ዲማርኬሽን ተገይሩ እቲ ከይዝ ስለ ዝተዓጽወ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ሽግር የብልናን ኢሉ ከብቕዕ እቲ ኣብ ካርታ ዝሰፈረ፡ ምንቕጥቓጥ ምድሪ መጺኡ ወይ ምጾታት ኮይኑ፡ ባህርይ ስፍሩኡ እንተዘይሓዲጕ ናብ ዝኸይድ የሎን ክብል መዲሩ ነይሩ፡፡ ሕጂ ድኣ ከመይ ኢሉ’ ተሰርቀ ሓመድ ክንመልስ፡ ደምና ክንከፍለሉ ዝበሃል ዘሎ? ሕጂ ኸ ደም መን’ዩ ኸ ክካዓው? ዘይሩ ዘይሩ ዋጋ እቲ ኵቡር መስዋእቲ ውሑዳት ዝብለጹሉ ጕቡጥሽ ከም ዝተፈጥረ መን ክዝንግዖ ይኽእል? ወዲ ትካቦ  ሎሚ ኵሉ ለቢሙ’ዩ፡፡ “ ዝበሃል ዶ ሰሚዕኵም ዶ? ወዲ ሕድሪ ባዕለይ ኣይበለን ዶ?” እንዳበልካ ኣብ ሓዊ ምጥጣቕ፡ ተመሊስካ ቝልሕ ኢልካ ዘይትርእዮም ዘመነ ገበል…..ግዚኡ ኣብቒዑ’ዩ፡፡ ምናልባት ግና ዑሙቕ ኢልና ነታ መስመር ግጥመ-ዜማ ኣስፍሕ እንተብልናያ፡ እዚ ኣብ ቢሻ፡ ብዘይ ፍቃድ ሕዝቢ በሸሽ እንዳበለ ዝስረቕ ዘሎ ወርቒ ዝተሰከመ ሓመድ የስምዕ እንተኾይኑ መን ይፈልጥ? ወዲ ትካቦ……ንኺድ ዶ…..ኣቫንቲ…… ናብ ኵሊታ ዶ ንእቶ? ሻሂኻ ትዝሕል ኣላ ወዲ ትካቦ ነብሲ ፊት በላ…….

ኪድ ኣይንብሎ ጽናሕ ክመጽእ’ዩ ግዜ
እዝንና ክትሰምዕ ናይ ታሪኽ ኑዛዜ
ጽኑዕ ምስ ሰዓረ እዋን ፍለ ፍለ
መን ጸምበለል ኢሉ መን ከም ዝጠሓለ
ቀሲኑ ኣይፈልጥን ቝኑዕ ዝበደለ

ወዲ ትኳቦ ስነ-ጥበባዊ ንነብስኻ ኣጠሚቕካ ከም ላህመት ጸምበለል ምባል ጽላእ፡፡ ከም ሰበባ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ጸምበለል ምባል፡ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ዝነፍስ ስነ-ጥበባዊ፡ ኣነስ ዋጣ ኢየ ዝብሎ፡፡ ግዜ ድኣ መጺኡስ ሓሊፉና ከይዱ ብድቝስና ወዲ ትካቦ፡፡ እዛ ንድቐት ገዛ  ኣዝየ ፈተያ፡፡ ሰብ ሓቂ ይወሓጡ ኣለው ወዲ ትካቦ፡፡ ሓቂ ዝተዛረብ ይስረቝና ኣለው ወዲ ትካቦ፡፡ ንታሪኽ ብመንጽር ሓደ ውልቐ-ምልኪ ክትዕቕኖ እንተፈቲንካ ግና ዓገብ ንታሪኽ ተቛስሎ ኣሎኻ፡፡ ሰብ ታሪኽ ኣለው ብህይወቶም፡፡ ኣብነታት ንምጥቓስ ድኣ እምበር ብኣሰለት ምውሓጥሲ ቅድመ-ናጽነት’ዩ ተጀሚሩ፡፡ እዝንኻ ዅኾ ወዲ ትካቦ፡፡ ቃንዛን እህህታን ጀጋኑ ኣብ ፈቀዶ ሸላታትን፡ ኣንደርን ዒራዒሮን ይቓዝል ኣሎ፡፡ ዘመነ-ጸምበለል ስለ ዝኾነ ግና ኣብ ኤርትራ ግዜ ዘይኮነ ተሰሪቝስ ታሪኽ ክስረቕ’ዩ ዝሕለን ዘሎ፡፡ ብቐስበን ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ሓደ ውልቐ-ሰብ’ዩ ይበሃለና ኣሎ፡፡ ኣካል እቲ ጕዕዞ “ ንሕና ንሱ” ክትከውን እንተደሊኻ ግና ኣብኣ ትደኻ፡፡  ኣብ ኣዕንቲ ሕዝቢ ምእታው ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኵይኑ፡ ብቅርኒብ ኣዕንቲ ሕዝቢ ምንቛር ዘይተርፍ’ዩ፡፡ ንኣብነት ጕዳይ ጅግና ብትወደድ እንተሪኢናስ ኣብ ገድሊ ናጽነት ንእስነቱ ኣብልዩ፡ ነቲ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለሉ ታሪኽ፡ ጩሩኡ ከይረኣየ፡ ካብ ጊሓት ናጽነት ጀሚሩ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣብ ሸላ ኣሎ? ስነ-ጥበባዊ እንተኾይንካ ድማ መናድቕ ሸላታት ሰርሲርካ እቶ ንውሽጢ፡፡ እዋን ጸምበልል ታሪኽ ሓሊፉ’ዩ፡፡ እንተኾነ ዘይሩ ዘይሩ “ ቀሲኑ ኣይፈልጥን ቝኑዕ ዝበደለ” ከም ዝበልካዪ፡ ሓቂ’ዩ እሞ ኣቡኡ ንርዕም፡፡ ጀጋኑ ኣብ ዕራዕራ ንቡር ቀብሪ ከይረኸቡ ይሓቍ ኣለው፡፡ ብርግጽ እዋን ሚሔ ኣትያ ኣላ፡፡ ገፈል መፈል ዝእለየሉ ዘመን፡፡ ረዘንቲ ሰብ ታሪኽ ንቕዲሚት ዝመጸሉ፡ ፈኮስቲ ድማ ኣብ ሓታል ታሪኽ ጸምበለል ዝብሉሉ፡፡ ዝተረፈ ዕላልና ንኻልእ መዓልቲ ይዅነልና፡፡ ኣብ ዳስት ህ.ግ.ደ.ፍ ዓንገር እንዳበልካ ዘዋህለልካየን ባጤራ ይህልዋኻ ይኾና ኢየን  ሕሳብ ባ ከፊልካዮ ኪድ፡፡ ንሕና ከመይ ዲና ነይርና?

ሕዝቢ ኤርትራ ሕጂ እውን ክዕወት’ዩ

ኪሮስ ዮውሃንስ
halhalta@yhaoo.com

 

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares