Awate.com

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ SamRedeab

“We will be very much happy if the conference succeeds to solve even a few of our problems” ወልደየሱስ

ሃገራዊ ገለ፡ ሃገራዊ 

1) ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይድልድል

2) ህግደፍ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ቦታ ስልጣን ብኸመይ ይእለ፡ ከምኡ ድማ

3) ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን፡ መሰጋገሪ ስርዓት ብኸመይ ይትከል ዝብሉ ኢዮም። ነዞም ዛዕባታት እዚኣቶም ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ብዝውንኑ ውልቀሰባት ይኹኑ በርገሳውያን ወይ ፖለቲካውያን ውድባት ዝተፈላለዩ ፍታሓት ክቐርብሎም ይኽእሉ። ብወገነይ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ (ዋላ’ውን ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ ኢዩ ንቓልሲ ደሞክራሲ ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ዝብል ኣምር ኣካታዒ እንተኾነ) ፡ መሰል ውልቐሰብ ብምሕላው ጥራሕ እዩ ሓድነት ህዝቢ ክሕሎ ዝኽእል ኢለ ኣትሪረ ምተጣበቕኩ ። ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምእላይ ስርዓት ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዛዕባ ኣይኮነን። ሓድነት ዝህሉ ሃገራውነት’ውን ምስ ዝህሉ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ተሃስዩ ዝርከብ ሃገራውነት ኢዩ። ኣብዚ ዋዕላ እዚ ጉዳይ ሃገራውነት ከም ቀዳማይ ዛዕባ ተሰሪዑ እንተ ዝኸውን ምሓሸ እብል። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእቲን ብሰንኪ’ቶም ኣርሒቖም ዘይጥምቱ መራሕቲ ሓርነታዊ ቃልሲን ሱታፌ ኣብ ሃብቲ ሃገር ይኹን ኣብ መስዋእቲ ምዕሩይ ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ። እዚ፡ ነዚ ንቃልሲ ደሞክራሲ ተታሓሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ክንድቲ ከሰክፎ ኣይግባእን። እዚ ማለተይ ግን ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ኣይንዛረብ ማለት ኣየስምዕን፡ እኳ ዳኣ ብዘይሕብእብእ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ሓሳባትን፡ ካብ ንሕናን ዕላማናን ክሳብ ዘኤርትርያን ኮቨናንት፡ ኣብ ቅርዓት ኣውጺእና ክንካትዓሎም ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ (99.9%) እወ ንናጽነት ኢሉ ኣድሚጹ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ሓድነት ዘርኣየ ህዝቢ ሓድነት የብልካን ኢልና ኣንጻር ሓድነቱ ከይንሰርሕ ድማ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ኣብዚ ክንርድኦ ዝግባኣና ኮይኑ ዝስማዓኒ ግን፡ እዚ ሕጂ ዝጋባእ ዋዕላ ቅዋም ኤርትራ ንምንዳፍ ስለዘይኮነ፡ እኹል ዓቕምን ተሳትፎ መላእ ሃገር’ውን ስለዘይህሉ፡ ካብዚ ዋዕላ ዝፈሪ ዝኾነ ውሳኔ ከም መሰጋገሪን ከም ለበዋን ንመጻኢት ኮሚሽን ቅዋም ኣብ ነጻ ሃገር ጥራሕ ኢዩ ከገልግል ዝኽእል። እዚ ዋዕላ ወዳእ ነገር መሲሉ ከይርኤ ድማ ክጥንቀቕ ይግብኦ። ኣነ ኣብ 

1) እዚ ሕጂ ዝጋባእ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርጾ ኣካል

2) ኣብ ኤርትራ ውሽጢ ዘሎ ኣብዚ ዋዕላ ክጋባእ ዕድል ዘይረኸበ ሓይልታት ፡ውልቐሰባት ይኹኑ ትካላት ከምኡ ድማ

3)ኣብ ደገ ዝርከቡ ውልቐሰባት ይኹኑ ዉዱባት ግን ድማ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ዕድል ዘይረኸቡ ይኹኑ ግቡእ ምድላዋት ዘይገበሩ ሓይልታት ዝሳተፍዎ ኣብ መሰረታዊ ሕጋውን ሰላማውን ደሞክራሲያውን ቀይድታት ናይ ስልጣን ዝኣምን ብሓባር ኮይኑ መሰጋገሪ መንግስቲ ክፈጥር ይኽእል ምበልኩ። ሕጂ ካብዚ ዋዕላ ዝምረጽ ኣካል ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንነብሱ ከም መሰጋገሪ መንግስቲ እንተ ሰይሙ እቲ ዝተረፈ ኣካል ብኸመይ ይጽምበሮ ብንጹር ከቐምጥ ይግብኦ። መንግስቲ እንድሕር መስሪትካ ክትቆጻጸሮ’ውን ስለዝግብኣካ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እቲ ብሽምካ ብዙሕ ነገር ክውድእ ዝኽእል ናይ ስደት መንግስቲ ንምቁጽጻሩ ሓያል ተበላሓትነትውን ስለዝሓትት። ኣድላይነቱ ተራእዩ ምስ ምሉእ መቆጻጸሪ ኣገባብ ክምስረት ይግባእ።

እዚ ከምኡ’ውን ከምቲ ካልኦት እሞ ረዚን ጽሑፈይ  

1) ብመንገዲ መሰልና ደሊና ነዚ ዋዕላ ኮነ ኢልካ ንምዝራግ ዝዓለመ ዝመስል ንባብ ሰሚዕና። መንእሰያት EMDHR ንራዲዮ መሰልና ከምዘካይድዎ ተሓቢረ። ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ኢዩ ኢልካ ዕሽሽ ክበሃል ይከኣል ይኽውን። ካብዚ ታሪኻዊ ጌጋ እዚ ግን ክመሃሩ ይግብኦም። ብወገነይ ብዛዕባ ኣወኻኽላ ህዝቢ ዘሎኒ ሓበሬታ ድማ፡ ካብ እቲ ከባቢ 322 ዝኸውን ተጋባኣይ ዳርጋ 50% ክርስትያን 47%እስላም ከምእውን ካልኦት ምዃኖም’ዩ።

ኣሰናዳኢት እቲ  ካልኣይ እቲ ብግሎባል ሶሊዳሪቲ ዝወጸ ጽሑፍ’ዩ። ስለምንታይ’ዩ ግሎባል ሶሊዳሪቲ ወግሔ ጸብሔ ስክፍታታት ክንዲ ምድርዳር ዓቕሙ ንምፍታሕ ናይቲ ሽግር ዘየውዕሎ? ኣብ መንጎ ተፈላሊዮም ዘለው ኣካላት እንታይ ኢዩ ተረኺቡ? መሰረታት ውድባት እንታይ ይብሉ’ለው? ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ እንተዝጽመድ ዶ ኣይመምሓረሉን!ንጽልዋ ይኹን ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ብዝምልከት እንተኾይኑ ከኣ፡ ብሓደ ደው እንተበልካ ጥራሕ ዶ‘ኣይኮነን ንናይ ደገ ሽግራት ንረብሓኻ ክትቕልሶ ትኽእል? ተራ ናይ ግሎባል ሶሊዳሪቲ ኣብ’ዚ ጉዳያት’ዚ ብዝምልከት ግን የተዓዛዝብ’ዩ ጥራሕ ኢየ ክብል ዝደሊ። ሽማግለ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ክኣቱ ድልየት ከምዘይነበሮውን ተረዲኤ።  ወዲኤ ንምስዳድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበርኩ ሰዓት ክልተ ኣገደስቲ ትዕዝብትታት ተቐልቒሎም።  ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽብሃ ኣብ መስከረም.ነት ዘስፈሮ ብሉጽ ጽሑፍ፡ ነቲ ሕጂ ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፍ ዘይከኣለ ንመጻኢ ብኸመይ ብሓባር ይስራሕ እዚ ዋዕላ ክሓስበሉ እላቦ። ነቶም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ብኻልእ መንገዲ እንተ ዝፍትሑ ምሓሸ ኢሎም ርእይቶታቶም ከፍስሱ ኢዮም። ክሳብ ካብ ግዝኣት ሕጊን ሰላማውን ደሞክራሲያውን ኣምራት ዘይረሓቑ ድማ ማእከላይ መንገዲ ክርከብ ኣየሸግርን ኢዩ።እዚ ማለት ኩሉ ጉዳይና ብሕግን ብሰላማዊ መንገድን ነሰላስሎ ሕዝባዊ ተሳትፎ ድማ ነውሕስ። ቅዋም ኣሜሪካ ንምንዳፍ ኣቦታት ኣሜሪካ ኣብ ፊላደልፊያ ንኽንደይ ጽንኩር መዓልታት ከምዝተኣከቡን ክሳብ ክንደይ ፈታኒ ምንባሩን ዝዝከር’ዩ። እዚ ሕጂ በዚ ዋዕላ ኣቢሉ ዝጸድቅ ቅዋም ይኹን ፕሮግራም ንናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ፕሮግራም ዝድግፍ ኮይኑ ክወጽእ ኣይግብኦን። ብቐንዱ ሃገራዊ ቅዋም’ ውን ስለዘይከውን፡ ብድምጺ ናይ ሕዝቢ ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ጠርናፊ ፕሮግራምውን ስለዘይህልወና ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብዝተሓተ ፕሮግራም ጥራሕ ኢዩ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ስደት ክሰርሕ ዝኽእል።  ነዚ ረዚንን ኣገዳስን ዛዕባታት ብትዕግስቲን ብምጽውዋርን ብተበላሓትነትን ኣብ መዛዘሚኡ ንምብጻሕ ኩሉኹም ተጋባእቲ ሓደራ ናይ ኩሉ ፈታው ሰላምን ምዕባለን መጻኢት ኤርትራ ትቕበሉ ኣለኹም ። ደጊመ ከዘኻኽረኩም ! ፈተውቲ ሃገራዊ ዋዕላ ተመሲሎም ነዚ ረዚን ሕቶታት መዝሚዞም ዋዕላ ክዘርጉ ንዝደልዩ፡ ኣለልዩ፡ ኣይፋል ድማ በሉ። ታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩሞ ፡ ሃየ ሓደራ! ጉዳይ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ብቐዳምነት ኣብ ኤርትራ ንመዋእል ዝጸንሐ ሕጅ’ውን ዝገዝእ ዘሎ ንውልቀ ነጻነት ዝግብት ኣተሓሳስባ ምስዓር ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ፡ ግን ድማ ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ነቲ መስሉ ከኽብር ደው ዝበለ ህዝቢ ከይዕምጾ ኩሉ ምድላዋት ንግበር ምበልኩ። ከምኡ ድማ ኣብ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ንዝህሉ መሰጋገሪ መንግስቲ፡  ዓማር ኣቦ ወንበር ሰዴህኤ ዋዕላ ክዕወት ይግብኦ፡ ንምንታይሲ ዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ማለት፡ ኤርትራውያን ብልዙብን ለባምን መንገዲ ዘሰማምዕዎምን ዝፈላልይዎምን ነጥብታት ኣለልዮም፡ እቲ ንኹሉ ክሓቁፍ ዝኽእል ሓባራዊ ርድኢት መወከሲ ገይሮም ንድሕነት ሃገር ተበጊሶም ማለት ኢዩ። ህግደፋውያንን ደገፍቶምን፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ፍሽለት ይምነይሉ። እዞም ንሃገራዊ ዋዕላ ፍሽለት ዝምነዩ ባእታታት ኣብ ትምኒት ጥራሕ ተሓጺሮም ኣለው ኢልካ ምእማን ዕሸልነት ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ ካብ ሕልሚ ሓሊፎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ዋዕላ ተረኺቦም በታኒ ሓሳባት ብምቕራብ ንዋዕላ ክዘርጉ ክፍትኑ ይኽእሉ ይኾኑ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ለባም ኢዩ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares