Awate.com

ክንዲ ሽሕ ሞይቱና ብሽሕ ከኣ ጎዲልና

 

አቶ ፍቓዱ ልጃም: 1958-2011

አቶ ፍቓዱ ልጃም
1958 – 2011 

ክንዲ ሽሕ ሞይና ብሽሕ ከኣ ጎዲልና 

ፍቃዱ ሓወይ ኣንታ ለጋስ ወዲ ህዝቢ 
ተንኮል ዘይብልካ ጻዕዳ ልቢ
ብዘይካ ሕራይ ዘይትፈልጥ እምቢ
ንኹሉ ትቕበሎ ብዓብይ ቀልቢ
ብኣምላኽ ተፈደዮ ናትካ ዓስቢ።
 
ሽግር ኣሕዋትካ ኣብ ምፍታሕ ግዜኻ ተጥፍእ
ምእንቲ ኣሕዋትካ ሂወትካ ትስውእ
ዝሸገሮ ናባኻ ይመጽእ
ምኽሪ ዝደለየ ናባኻ ይመጽእ
ሓገዝ ዝደለየ ናባኻ ይመጽእ
ንዝተጋገየ መኺርካ ተረድእ
ንዝሓረቐ ብትዕግስቲ ተህድእ።
 
ይዝከረኒ ካብ ስራሕካ ወጺእካ
ኣብ ክንዲ ተዕርፍ ንገዛኻ ከድካ
ቆጸራ ኣሎኒ እልካ ናብ ኩሉ እንዳጎየኻ
ንዝተባኣሱ እንዳዓረቕካ
ንዝተቐያየሙ ይቕረ ይፍታሕ እንዳበልካ
ንኹሉ ተሳልጦ ከከም ገጹ ገርካ
ጉዳይ ኣሕዋት ተሳልጥ ጉዳይካ ገዲፍካ
መን እዩ ሕጂ ዝትከኦ ነዚ ጽቡቕ ግብርኻ።
 
መን እዩ ንስኻ ዘይጎየኻሉ
መን እሎ ንስኻ ዘየሳለጥካሉ
ፈርዲ ቤት ከድካ ዘይተርጎምካሉ
ኣብ እሚግርረሽን ከድካ ዘይተዓወትካሉ
ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዘይውጻእካሉ
ናይ እንሹራንስ ሽግር ዘይፈታሕካሉ
ኣሎ ድዩ ግዜ በሕዋትካ ዝተገበዝካሉ።
 
ኣብ ፈቐዶ ሆስፒታል ክልኒክ ዘየመላለስካዮ
መን ኣሎ ካብ እስሪ ቤት ዘይውጻእካዮ
ንብረትካ አንዳትሓዝካ ዘይተወሓስካዮ
ኣሎ ድዩ ግዜ በሕዋት ዘይተገደስካዮ
ንዓይ ይጥዓመኒ ከይበልካ ክንዲ ህዝብኻ ዝደኸምካዮ
ካባናስ ተሪፍካ ኢኻ ብኣምላኽ ደኣ ተፈደዮ።
 
ፍቓዱ ! ኩሉ ሓውካ ኩሉ ፈታዊኻ
ብወገን ብዓለት ንሕዝቢ ከይፈለኻ
ብዘይ ቃል ዓለም ንኹሉ ሓጊዝካ
ብዘይ ወዓል ሕደር ጉዳይ ህዝቢ ኣሳሊጥካ
ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ዘይገበርካ።
 
ሽሕ ይሙት ክንድሽሕ ኣይሙት ከምዝበሃል ምሳሌ ኣቦታትና
ሓቂ ምዃኑ ሕጂ በኣኻ ፈሊጥና
ሽሕ ዘይገበርዎ ሓደ ንስኻ ገርካልና
ብሓደ ከይኮነ ብሽሕ ኢና ጎዲልና
ሓደ ኣይኮንካን ፍቓዱ ሽሕ ኢኻ ንዓና
ሓበን ኢኻ ሓበን ኹልና
እምባ ኢኻ እምባ ሕዝብና
ኣይንርስዓካን ኢና ህያው ኢኻ ኣብ ልብና።
 
ክላተ ዓመት ኣይመልኤን ሞት ኣፈወርቂ ሓውና
ኣብ ዝተራኸብናዮ ብዛዕብኡ እንዳዕለልና
ገና ሓዘን ናይ ኣፈወርቂ ከይወዳእና
ናትካ ምድጋሙ ኣዝዮ ከፊኡና
ናትካ ሞት ምድጋሙ ኣዝዩ ሃስዩና ፤ ኣዝዮ ጎዲኡና።
 
ለካ ኣፈወርቅስ ሓጽዩካ እዩ ከይዱ
ብዘይካኻ ከምዘይኮነሉ ኩሉ ኣዋዲዱ
ንበይኑ ኮይኑ ጸምዩዎ ግዲ ኮይኑ
ነዓ ኢሉ ጸዊዑካ ክትከውን ኣብ ጎድኑ
በል ኪድ ኣዛርቦ ኣዕልሎ ንበይኑ።
 
ፍቓዱን ኣፈወርቅን ከድኩምና እንዳደለናኩም
ብርዃት ነርኩም ኩሉ ዝፈትወኩም
የዋሃት ነርኩም ኩሉ ዘኽብረኩም
ኩሉ ይብህገኩም ብሰናይ ግብርኹም
ኩሉ ይፈትወኩም ብጽቡቕ ጠባይኩም
እንታይ እሞ ይገበር ካባና እን’ዶ ተፈሊኹም።
 
ነቲ እትፈትውዎ ዓርኩኹም ነራፋይነ ወሲኹም
መላእኽትን ጻድቃናትን ኢዶም የንብሩልኩም
ኣእዳዋ ዘርጊሓ ማርያም ትቀበልኩም
ኣብ ዘለኣለማዊ መንግስተ ሰማያት ቦታ ትሕዘኤልኩም
ኣብ መንግስተ ሰማያት ይኹን መንበሪ ቤትኩም። 

ንዝመቱ ኣሕዋትና መንግስተ ሰማያት የዋርሶም
ንዝተረፉ ቤተ ሰብ ጽንዓት የውርደሎም
 
ካብ ብልቡ ዝፈትወካ ብጻይካ
ጠዓመ ስዩም

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares