Awate.com

ካህናት ተዛሪቦም፤ ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?

ኣቱም ኣቦይ ቀሺ’የ፤ ዓገብ እንዶ ኣይትብሉየ ” (ሓደ ዛንታ፡ ገጽ 25)
ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ

መእተዊ

እዚ ሓተታ’ዚ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ብካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ ዝቐረበ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ጽሑፍ ዘንቀሎ ኢዩ። እዚ ብኣርባዕተ ዓበይቲ ካህናት እታ ቤተ-ክርስትያን ዝተዳላወ ኣገዳሲ ጽሑፍ’ዚ ብመገዲ ኢንተርነትን ካልኦት መራኸቢታትን ኣብ ኤርትራን ምሉእ ዓለምን ተዘርጊሑ፡ ኣርእስቲ ክትዕን ዕላልን ኮይኑ ንኣዋርሕ ቀጺሉ። እቲ ጽሑፍ: ናይቲ ብሰንኪ ብህዝቢ ዘይተመርጸ: ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ: ዲክታቶራዊ ስርዓት ናይ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን፡ ፖለቲካውን ሕምስምስን ሕሰምን ኰሊዑ ዘርኢ ስእሊ ይህብ። ዕላማ ናይዚ “ካህናት ተዛሪቦም፤ ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓተታ ብዛዕባ’ቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ጽሑፍ ዘሎኒ ኣረዳድኣን ሕቶታትን ንግዱሳት ኣንበብቲ ንምክፋልን፣ ብዛዕባኡ ቀጻሊ ክትዕን መጽናዕታዊ ዳህሳስን ንምትብባዕን ኢዩ። ቀንዲ ትሕዝቶ ሓተታይ ኣብ ኣገዳስነት ናይ “ኣበይ ኣሎ ሓውኻ?” ከም ሓርነታውን ሞራላውን ሰነድ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣብ ትንተናይ፡ እቲ ሰነድ ብኽልተ ፍሉያት ምኽንያታት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክስተት ነቐፌታዊ ክለሰ-ሓሳብ (critical theory) ሒዙ ከምዘሎ ከብርህ ክፍትን እየ። እቲ ቀዳማይ ፍሉይነት ናይቲ ጽሑፍ፡ ብኣካዳሚያዊ ዓይኒ ክጥመት ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ዝወርድ ዘሎ ‘ግፍዒ: ስቓይን ንብዓትን’[1] ብኣዝዩ ዝርዝራዊ ትንተናን ግሉሕ መነጸርን ዘቕርብ ምዃኑ ኢዩ። ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ይዅን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተዳለወ ጽሑፍ: ከምዚ ገይሩ ተቲዑ፡ ንህሉዊ ኵነታት እታ ሃገር ዘርኢ ትንተና ኣይቀረበን። ካልኣይ፡ እቲ ጽሑፍ: ነቲ ዝወርድ ዘሎ ኣሰቃቕ ብደቂቕ ኣገባብን ርዝነትን ዘቕርብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንዝተገንዘቦ ብቋንቋን ትሕዝቶን ምስቲ ኣብ ታሪኽ ናይ ላቲን ኣመሪካ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብስም “ሓርነታዊ ቲዮሎጂ” (liberation theology) ዝፍለጥ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ኢዩ። እዚ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝተራእየ፡ ካህናትን ምሁራትን ዘበገሱዎ ቲዮሎጂያዊ ምንቅስቓስ: ንኣግእዞ ውጹዕ ህዝቢ ዝዓለመ ገስጋሲ ምንቅስቓስ ኮይኑ: ታሪኽ ከም ዘመልክቶ ብተደጋጋሚ ንድምጺ ዝሰኣኑ ጭቁናት ኣህዛብ ድምጾም ኣብ ምስማዕን ቃልስታቶም ሸቶታቱ ንኽወቅዕ ብሓሳብን ግብርን ብምሕጋዝን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ኢዩ። ኣብ ኤርትራዊ ክውንነት ምስ እንምለስ ከኣ እዚ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ካቶሊካውያን ኣቡናት ጽሑፍ፡ ነቲ ሓይሉን ምስቲ ኣህጉራዊ ናይ “ሓርነት ቲዮሎጂ” ዘለዎ ተመሳሳልነትን ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ፡ እዚ ሕጂ ዝቀላቐል ዘሎ ቅሉዕ ተሳትፎ ቃልሲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ሓንሳብ ተቐልቂሉ ዝጠፍእ’ዶ’ስ? ወይስ ንመጻኢ ቀጻልነት ዘለዎ ምትእትታው ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበስር ፈለማ ተበግሶ’ዩ? ዝብል ስነ-መጐታዊ ሕቶ የለዓዕለልካ።

ጸኒሕና ኣብቲ ትንተናዊ ክፋል ናይዚ ሓተታ’ዚ ብሰፊሑ ክንዛራበሉ እኳ እንተኾንና፡ ኣብዚ “መእተዊ” ብዛዕባ’ታ ኣብ ኣርእስቲ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ እትርከብ “ካህናት ተዛሪቦም” እትብል ገለጻ እውን ቍሩብ መብርሂ ክህብ እደሊ። ምንጪ ናይዛ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ኮይና ዘላ “ካህናት ተዛሪቦም” እትብል ሓረግ እታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ “ኣቱም ኣቦይ ቀሺየ፤ ዓገብ እንዶ ኣይትብሉየ” እትብል ሓያል ጥቕሲ ናይ ደራሲ ዶክተር ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ኢያ። እታ ጥቕሲ፡ እቶም ንስራሕ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ከንብቡ ዕድል ዝረኸቡ ከምዝፈልጡዎ፡ ኣብታ ብ1927 ኣሰናድዮም ኣብ 1950 ዘሕተሙዋ ሓደ ዛንታ ዘርእስታ፡ ኣዝያ ብልጽቲ ልቢ-ወለድ ታሪኽ ትርከብ። ብትግርኛ፡ “ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጒሪ የውጽኦ” ዝብል ምስላ ኣሎ። እቲ ብካቶሊካውያን ኣቡናት ዝወጸ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ጽሑፍ ከንብብ እንከለኹ ከኣ እቲ ጽሑፍ ነታ ናይ 1927 ጥቕሲ ኣባ ገብረየሱስ ኣዘኻኺሩኒ። እንተኾነ፡ ካብ ናይ ቃላት ምውሳብ ሓሊፉ፡ ንጽሑፍ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉን ነዚ ሕጂ እነተኵረሉ ዘሎና ሰነድ ኣቡናትን ዘተኣሳስር ናይ ትሕዝቶ ምምስሳል’ውን ኣሎ። ደራሲ ሓደ ዛንታ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ምሁር ካቶሊካዊ ካህን ኮይኖም: መጽሓፎም ነቲ ኣብ ግዜኦም ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ግዝኣት ጣልያንን፡ መሪር ምኽታብ ዕስክርናን፡ ንግዙኣት ኣፍሪቃውያን ኣህዛብ ንሓድሕዶም ከም ዝዳመዩ ብምግባር መግዛእቲ ናይ ምንዋሕ ሽርሕን ብትሪ እትዅንን ስራሕ ኢያ። እዚ ኣብ ልቢ-ወለድ መጽሓፍ ኣባ-ገብረየሱስ ሃይሉን ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ን ዝርከብ ወቐሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ካብ ካቶሊካዊ መሰረተ-እምነትን ትምህርቲ ማሕበራዊ ፍትሒን ተበጊሱ፡ ንተመሳሳሊ ጸቕጥን መግፋዕትን ኤርትራውያን ኮኒኑ፡ ንመሰሎምን ክብሮምን ዝጣበቕ ሓቅታት ድማ ንኽልቲአን ስራሓት ተመሳሳልነት ሂቡ፡ ጎኒ-ጎኒ ጌርካ ንኽንበባ ይዕድም።

ከም ኣቀራርባ፡ እዚ ሓተታ’ዚ ብቐደም-ተኸተል እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ክፋላት ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ። ፈለማ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ታሪኻውን ቴማውን ኣገዳስነት ልቢ-ወለድ ታሪኽ ሓደ ዛንታን ዝምድናኡ ምስ ህልዊ ኵነታትን ንምድህሳስ “ሓደ ዛንታን ምድግጋም ታሪኽን” ብዝብል ንኡስ ክፋል ክንጅምር ኢና። ቀጺሉ፡ “ካብ ሓደ ዛንታ ናብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”፣ካብኡ ስዒቦም ከኣ “ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ላቲን ኣመሪካ”፣ “ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ?” ዝብሉ ክፋላት ክቐርቡ ኢዮም። ኣምር “ሓርነታዊ ቲዮሎጂ” ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኢዩ። ስለዚ ድማ እቲ ብዛዕባኡ ዝወሃብ ሓተታ ዳህሳሲ ኮይኑ፡ ምስ ክውንነት ኤርትራ ብዘዛምድ ጠመተ ክቐርብ ኢዩ።

ሓደ ዛንታን ምድግጋም ታሪኽን

ኣብ 1927 ዶክተር ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካህን ብዛዕባ ኵነታት ናይታ ሽዑ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን ኣገዳሲት ታሪኻዊት ልቢ-ወለድ ጽሒፎም። ኣባ ገብረየሱስ (1906-1993) ናይ ዶክተረይት መዓርግ ብቲዮሎጂ ዝነበሮም፡ ብኣገላልጻ ተመራማሪት ሎራ ክሪስማን ድማ፡ ‘ብምሁራዊ ብቕዓቶምን ናይ ርሑቕ ራእዮኦምን ምስቶም ዓበይቲ ጸለምቲ ፍላስፋታት ከምኒ ፍራንዝ ፋኖንን አይመ ሰዘርን ዝወዳዳሩ’፡[2] ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሮም ክሳብ ዕለተ-ሞቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝለዓለ መንፈሳውን ማሕበራውን ኣገልግሎት እናሃቡ ዝሓለፉ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡን ነበሩ። ኣብ ዝተወሰነ ግዜ እውን ርእሰ-ኣቡን (vicar general) ናይ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነበሩ። ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ እታ መጽሓፍ፡ ማለትሓደ ዛንታ ፡ ኣብ 1950 እኳ እንተሓትመት፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም፡ ማለት ኣብ 1927፡ ዘዳለዉዋ ኢያ። መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ንዘስዓቦ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእሙራውን ምቅይያራት ከም ድሕረ-ባያታ ወሲዳ ድማ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ዕስራ ክፍለ ዘመን (ኣብ ከባቢ 1890 ዓ.ም.ፈ. ማለት’ዩ) ካብ ያታዊ ወይ ኣፍሪቃዊ መነባብሮ ናብቲ ብዓመጻዊ ድፍኢት ምምሕዳር ጣልያን ዝተኣታተወ ብ“ዘመናውነት” ዝፈለጥ “ኤውሮጳዊ ምህዞ”[3] ክሰጋገር ወይ ክተኣታቶ እንከሎ ብግሉጽ ተርኢ። ፍሉይ ቴማኣ ድማ እቲ ኣብ ሕብረሰብ ኤርትራ “ዘመን ትርቡሊ” እናተባህለ ዝዝከር፡ ዓቢ ስንብራት ዝገደፈ ጕዳይ ዕስክርናን ወፍሪ ኤርትራውያን ኣብ ሊብያን፡ እቶም ዓሳክር ከም ኣገልገልትን መሳርሕን መግዛእቲ ኤውሮጳ ኮይኖም ምስ ወተሃደራት ጣልያን ተሰሊፎም ኣንጻር ደቂ-ሊብያ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ውግእ ወፍሪ ዘጋጠሞም ከቢድ ተመኵሮን ኢዩ። ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮም ኣፍሪቃዊ ትምህርቲ ብኤውርጳዊ ትምህርቲ ዝተመልመሉ ሰብ ብምንባሮም፡ ዋላ’ኳ ምስ መግዛእቲ ጣልያን ዘራኽቦም ምምሕዳራውን ትምህርታውን ዝምድናታት እንተነበረ፡ ንኽፍኣት መግዛእቲ ጣልያን ብዓንተቦኡ ኢዮም ተገንዚቦሞ። ኣብቲ መእተዊ መጽሓፎም ከም ዝእምቱዎ፡ መሰረታዊ ድርኺት ናይ ዕላማ “ትርቡሊ” ብቐረባ ተኸታቲሎምን ንዝርዝራት እቲ ወፍሪ ብደቂቑ ኣጽኒዖምን ንኽጽሕፉ ዘብቅዖም እውን ውጽኢት ናይዚ ብኣጋኡ ዘጥረዩዎ ነቐፌታዊ ንቕሓት ኢዩ። ብቓላቶም፡ ነዚ ከቢድ ተመኵሮ ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ብስነ-ጽሑፋዊ ወይ ልቢ-ወለዳዊ ኣገባብ ንኽስንዱዎ ዝደረኾም ወይ ዝደፋፍኦም መሰረታዊ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፡ ከምዚ ይብሉ፤

እዚ ሓደ ዛንታ ተባሂሉ ዚኅተም ዘሎ መጽሓፍ፤ ቀደም ወዲ 18 ዓመት እንከለኹ ንትምህርቲ ቢለ ዓድ ጣልያን እንክኸይድ፤ ባሕሪ እናተሳገርኩ ዝተስምዓኒ ጦብላሕታን፤ ምስኡ ድማ ናይ ተዓስኪራቶም ዚሳገርዎ ዝነበሩ ኣኅዋተይ ዘለዓዓለይ ዝኽርን ዚገልጽ እዩ። . . . ኣጸሓሓፋኡ ናይ ንኡስ እዩ፤ ናይ’ቱ ሻዑተይ ዕድመይ ዝነበረኒ ናይ ዓሌተይ ሓስባን ሓልዮን እንከስተውዕል ግን ንእግዚኣብሔር ከመስግን የለዓዕለኒ። (ሓደ ዛንታ “መተኣታተዊ”)

ሓደ ዛንታ ብዛዕባ ትካቦ ዝተባህለ ኣብ ግዜ ትሩቡሊ ምስ ጣልያን ተዓስኪሩ ንሊብያ ዝዘመተ መንእሰይ ተዘንቱ። ንጕዕዞ ዓሳክር ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ነቒሎም ሊብያ ክሳብ ዝኣትዉ ትትርኽ። ኣብታ መጽሓፍ ናይቲ መገሻ ድሕረ-ባይታን ግፍዓዊ ዕላማኡን ብንኡድ ቋንቋ ተቐሪጹ ኣሎ። እቶም ዓሳክር ካብ መደበር ባቡር ኣስመራ ክነቕሉ እንከለዉ ዝስመዖም ዝነበረ ግሁድን ሕቡእን ስምዒታት፣ ናይ ኣፋነውቲ ስድራቤታት ጫውጫውታን ብኽያትን፣ ከምኡ’ውን ነቶም ኣፋነውቲ፡ “ኪዱ ካብዚ ርሓቑ” እናበሉ እቶም “ዛብጥያታት ብኹርማጅ (እወ ከም ኣእዱግ) መልጢጦም ለምጢጦም”[4] ከባርሩዎም እንከለዉ ቍልጭ ኣቢላ ተርኢ። ብተወሳኺ፡ ካብ ፎሮቭያ ኣስመራ ነቒሎም፡ ብጎቦታትን ጋለርያታትን ዓርበ-ረቡዕን ነፋሲትን ሓሊፎም፡ ዓይኒ ኣብ ምሓዙ ንባጽዕ ክኣትዉ፣ ካብኡ ብመርከብ ነቒሎም፡ ብፖርት-ሱዳን ኣቢሎም፡ ቀይሕ-ባሕሪ ተሳጊሮም፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ድሕሪ ምዕራፍ ናብ ሊብያ ንኽኣትዉ ብመትረብ-ስወጽ ክሓልፉ እንከለዉ ኣብሪሃ ተርኢ። እቶም ዓሳክር ንሊብያ ክብገሱ እንከለዉ ብዙሕ ናይ ጅግንነትን ናይ ንእስነት ስምዒትን ነይሩዎም’ዩ። እንተኾነ፡ ውግእ ከምቲ ዝሓሰቡዎ ቀሊል ኮይኑ ኣይጸንሖምን። ኣብ ርእሲ’ቲ ዘይለመዱዎ ናይ ቀላይን ምድረበዳን ከቢድ ጕዕዞ፡ ተጻባእቶም ሊብያውያን ብወተሃደራዊ ዓይኒ ብቐሊሉ ዘይምብርከኹ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ከም ህዝቢ ንሰብኣዊ ክብሮምን፡ ናጽነት ሃገሮምን ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ከም ዝኾኑ ይርድኡ።

ኤርትራውያን ዓሳክር ንሊብያ ቅድሚ ምኻዶም ዝቐሰሙዎ ወተሃደራዊ ትምህርቲን ጸረ-ዓረባዊ ፕሮፖጋንዳን ነይሩ’ዩ። እቲ ኢጣልያዊ ፕሮፖጋንዳ ነቶም ሊብያውያን ከም ስልጣነ ዘይብሎም ጓሶት ኣትሒቱ ዝርእን ብኣንጻሩ ከኣ ንሓይሊን ዝናን ጣልያን ኣዝዩ ዘተዓባብን ነበረ። እቶም ሊብያውያን ተቓለስቲ ነቲ ኣብ ሓንጐል ዓሳክር ዝነበረ ስእሊ ብግብሪ ምስ ኣፍረሱዎ ግን፡ እቶም ዓሳክር ነቲ ዘምጽኦም ዕላማ እንደገና ክምርምሩዎ፡ ቀስ-ብቐስ’ውን ኵነታት ነብሶምን ሃገሮምን ንኽመዝኑ ይግደዱ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እንከለዉ’ዩ ድማ ትካቦ (እቲ ቀንዲ ጠባይ ናይታ መጽሓፍ) መርሚሩ ንነብሱ ክፈልጥ ዝጅምር። ነብስኻ ምፍላጥ ንትካቦ እንታይ ነበረ? መልሲ ናይዚ ሕቶ ብውሑዱ ሰለስተ ተምሳላት ኣለዉዎ። ብፖለቲካዊ ዓይኒ፡ ትካቦ፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእ ብሩህ ገምጋም ብምግባርን መግዛእታዊ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይፍትሓውን ገበናውን ምዃኑ ብምርዳእን፡ ጸረ-መግዛእታዊ ንቕሓት የጥሪ። ከምኡ’ውን እቲ ብዛዕባ ህዝቢ ዓረብ ኣመልኪቱ ብገዛእቲ ጣልያን ዝተዋህበ ትምህርቲ ሓንጐል ዝምርዝ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ተገንዚቡ ብዛዕባ ኣዕራብን ሃይማኖት ምስልምናን ዝነበሮ ኣረኣእያ ይእርም። ብሳልሳይን ወሳንን ደረጃ ከኣ፡ ትካቦ፡ ንባዕሉ ግዙእ ክነሱ፡ ንኻልኦት ንምግዛእ ዘገልግል መሳራሒ ኢምቦሮጥርያዊ ጭቆና ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ንተሳትፎ ዓሳክር ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ኣበርቲዑ ይዅንኖ። ትካቦ ንጣዕሳኡን ነፍሰ-ነቐፌታኡን ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፤

[እቶም ሊብያውያን] ጠበናዡ ብዙኀ ኣይርህዎምን ነበረ፤ ጠያይት ዝገደደ፡ ንጉሥ የቢሎም ሹመና የቢሎም እንከለዉስ፤ ብዝከኣሎም ንታ ዓዶም እንካብ ኢድ ጓና ከድኀኑ ይዓጥቁ፤ ሓበሻ ግን ኣብ ዓዱ ንጣልያን ክኣትዉ ሱቕ ቢሉ ርእዩዎምስ፤ ከም ልቢ ዘይቢሉ እንስሳ እናሰገደ ተገዚእዎምስ፤ እዙይ ከይኣኽሎ ከዓ ንቶም ንዓዶም ክከላኸሉላ ዝደልዩ ሰባት ክዋጋእ ይቕረብ ኣሎ። ተገዛኢን ንኻልኦት ክገዝኡ ከዓ መገብርን፤ ንኡ ሓንቲ ኣይክትኣትዎ፤ ዓዱ ሓንቲ ኣይክጥቀመሉ፤ ንቶም ደቂ ምድሩ ሽሕኳ ርኀቃት እንተኾኑ፤ ደቂ ኣፍሪቃ ምዃኖም ዘይተርፎም ጐረባብቱ ከግዝእ እዩ ዝመጸ። (ሓደ ዛንታ 28)

ኣብተን ቀጺለን ዝሰዓባ ክልተ ዝተወሳሰባ ምዕራፋት፡ እቶም ደራሲ ነቲ ዘስካሕክሕ ኲናት በረኻታት ብሰፊሑን ስምዒት ብዝትንክፍ ስነ-ጽሑፋዊ ኣገላልጻን ኣስፊሮሞ ኣለዉ። እቶም ኣብቲ ኲናት ዘተኵሩ ገጻት፡ እቶም ዓሳክር ከመይ ኢሎም ብማይ-ጽምኢ ከም ዝተወድኡ፣ ገሊኦም ኣብቲ ምድረበዳ ፋሕፋሕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ፣ ገሊኦም ብናህሊ መሬትን ቅትለትን ዕጫ ሞት ወሪዱዎም ግደ ኣሞራ ክኾኑ ኣብቲ በረኻ ከም ዝተደርበዩ ይገልጹ። ነዚ ንህይወት ዓሳክር ኤርትራውያን ትሕቲ ህይወት እንስሳ ዝሰርዐ ኣሰቃቒ ትርኢት’ዚ ደራሲ ከምዚ ብምባል ይስንዱዎ፤

እንካብ ምስ ማእዲ ምስ ኲናት ምትሕልላው ዝብል ምስላ ኣሎ። እቶም ዓስከር ይውኣት እዮም ብጽምኢ ኣምዑቶምን ጐረርኦምን ነቒጹ እንከሎ ንቱ ማይ ዘለዎ ድንኳን ምሕላው እሞ፤ እንካብኡ ቕሩብ ክትጥዕም ዘይምክኣል ክንደይ ዝጽንክሮም ከምዝነበረ መን ክርድኦ ይኽእል። ሻዑ ከምቲ እቱ ሃብቶም ኣብ ገሃነም እሳት ኮይኑ ንኣልዓዛር ማይ ጥምዕ ኣቢሉ ኣንዲ ኣጽባዕቱ ልሳኑ ከዝኅለሉ ዝምነ ዝነበረ፤ ከምኡ ቅሩብ ማይ ነጥቢ እኳ ትኹን ክህቡዎም ምደለዩ፤ ግን [እቶም ወተሃደራት ጣልያን] ንኣታቶም ሰብ ከይቐርቡ ከልክሉ በሉዎም እምበር፤ ማይ መን ክህቦም፤ እዙ ሓሳባት እዙይሲ ከመይ ቢሉ ይመጾም። ጨርባሕታ ማይ ስምዕ ብዘበሉላ ልቦም ምስኣ ቁሉብ ትብል ነበረት። ከምዙ ክትበልዕ ከሎኻ፤ ከልቢ ኣብ ጥቃኻ እንተሎ፤ እታ ዓይኑ ምስታ ኢድካ ሓፍ ለጥ እትብል፤ ርኢኻ ርኤ ከማኡ ነበሩ። ብዝተረፈን ከዓ ምስ ጣልያን እንተመዛዘንካዮም ዘይከም ኣኽልባት እዮም፤ ኤረ ኣኽልባት እባ ይሕሱ፤ ዳርንጐት እኳ ዝበልዑ። (ሓደ ዛንታ 35-36)

ጽንሕ ኢሎም ከኣ፡ ደራሲ ነቲ ህልቀት ዓሳክር ወፍሪ ትርቡሊ ኣብ ስድራቤታት ኤርትራ ዝፈጠሮ ሓዘንን ምረትን እንክገልጹ፡ “ኣንታ ነብሶም’ዶ ነጊሩዎም” ብዘስምዕ ኣገባብ፡ ነቲ ኣብ 2013 ኣብ ላምፓዱሳ ዝተረኽበ ዘስካሕክሕ ሓደጋን ካልኦት ናይ በረኻ ቅዝፈትታን ብዘዘኻኽር ቋንቋ፡ ሓዘኖም ይገልጹ። እቲ ንድምር ህዝባዊ ቃንዛ ዝገለጽ ምስቍርቋር ደራሲ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፤

ኃዘኖም እውን መጸናንዒ ዘይብሉ ኾነ፤ ከመይሲ ደቆምን ሰቦምን ስኢኖም፤ ንሱ ጥራይ’ውን ኣይኮነን፤ ሬሳታቶም እኳ ኣይረኸቡን፤ ኣብ ዕመቕ ባሕሪ ዓሣ በሊዑዎ ይኸውን፤ ወይ ኣብ በረኻ ቀለብ ራውያታትን፤ ጊደ ኣዛብእን ኮይኑ ይኸውን፤ ዝብል ሓሳብ እናሓሰቡ እውን ጸላኢና ይርኣዮ ዝበኽዩዎ ዝነበሩ። (ሓደ ዛንታ 47)

ምንም’ኳ ብርክት ዝበሉ ምዕራፋት ሓደ ዛንታ ንስነ-መጐት ውግእ ዝገልጹ እንተኾኑ፡ ኣብ መንጎ-መንጎ ደራሲ ካብዚ ዝተመልከትናዮ ናይ ሕርቃን፡ ጓህን ጣዕሳን ገለጻ ወጺኦም ብሃይማኖታዊ ቋንቋ ይዛረቡ ኢዮም። ማለት ቍሩብ ልቢ ኣፍኵስ ብዘብል ቋንቋ ገይሮም እቲ ጥፍኣት ወይ ውድቀት ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ ምዃኑ ብምእማት፡ ምሕጽንታኦም ከም ጸሎት ንሰማያት የቕርቡ፤

ኤህ ትርኢ ኣሎኻ ኦኹሉ እትርኢ ኣምላኽ። ርኣዮም እዞም ደቂ ዓድና ከመይ ዝበለ ኃሣር ዝረኸቡ ከምዘለዉ። ገሊኣቶም (ሓደ ክልተ ኣይኮኑን) ቅሩብ ተዓጊሥም፤ ንቶም ዓቕሎም ዝጸቦም ዝነበረ እውን ከጽንዑ ምደለዩ፤ ግን ዘረባ ተሳኦኖም፤ ከመይሲ ጐረሮ እንድኅሪ ነቐጸ ልሳን ዘተርክሶ ጥፍጣፍ እንተደኣ ሰኣነ፤ ዘረባ’ዶ ይከኣል እዩ። (ሓደ ዛንታ 36-37)

እንተኾነ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ፡ ከም ካህን መጠን፡ ብዛዕባ ፍታሕ ናይዚ ግዙፍ ናይ ህዝቢ ውድቀት “ካብ ኣምላኽ ደኣ’ምበር ካብ ሰብ’ሲ ኣይርከብን’ዩ” ኢሎም እኳ እንተኣመኑ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ደቂ-ሰባት እውን ንባዕሎም ኣብ ታሪኽ ቦታኦም ኣብ ምውሳንን ሽግራት ህይወቶም ኣብ ምፍታሕን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብብሩህ ይሕብሩ፡፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ህዝቢ ወይ ዜጋታት ፖለቲካውን ማሕበራውን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ወሳኒ ግደ ከም ዘሎዎም፡ ስለዚ ድማ ተራኦም ብንጡፍ ክጻወቱ የማሕጽኑ። ብፍላይ ንካህናት ዓደቦ ከኣ፡ እቲ “ህዝቢ እንተዘይከኣለስ ንሕና’ኸ?“ ብዘስምዕ ኣዘራርባ፡ ብዛዕባ’ቲ ሽዑ ንዕኦም ዘሻቕሎም ዝነበረ ጕዳይ ዕስክራና ትርቡሊ ድምጾም ንህዝቢ ከስምዑ ብምዝኽኻር ወይ ብምዕዳም ለበዋኦም ብሓንቲ ዋዛን-ቍምነገርን ዝሓቘፈት ባህላዊት ደርፊ ገይሮም የተሓላልፉ። ንሳ ከኣ ከምዚ ትብል፤ “ኣቱም ኣቦይ ቀሺየ፤ ዓገብ እንዶ ኣይትብሉየ፤ ሓደ ጐበዝ ሰኣና ከይዶም ትሪቡሊ’የ”።[5]

“ታሪኽ ይድገም’ዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ትርጕም ናይ ታሪኽ ምድጋም (historical iteration of an event) ብጥንቃቐ ክትሓዝ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፡ ሓቅነት ናይዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ኣብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ጐሊሑ ይርአ። ሎሚ’ውን ኣብ ኤርትራ ነቲ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ናይ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ድርሰት ዘዘኻኽር ተመሳሳሊ ኵነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ንኽልቲኡ ክውንነታት፡ ነጻጺልካ ዘይኮነስ፡ ከም ዝተኣሳሰረ ሃገራዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ገይርካ እንተ ርኢኻዮ፡ እቲ ተመሳስልነት ብኽልተ መገዲ ክበርህ ዝኽእል ሓቅነታት ኣለዎ። ብሓደ ወገን፡ ሕጂ’ውን ተኻታታሊ ኲናት: ዕስክርናን ጭቆናን ዝፈጠሩዎም ውሕጅ ሽግራትን ሕሰማትን ነታ ሃገር ኣዕለቕሊቖም ንህዝባ ናብ ባዳ ምድረበዳን ደልሃመት ባሕርን ዝደፍእሉ ክውነንት ተፈጥሩ ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ “ግዜ ትርቡሊ” ካህን ደራሲ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ንዅነታት እቲ ህዝቢን ሃገርን ተገንዚቦም ኣንጻር ምምሕዳር ጣልያን ዝወሰዱዎ ናይ ምስክርነትን ነቐፌታን ስጕምቲ፡ ሎሚ’ውን ኵነታት ሃገርን ህዝቢን ዘሻቐሎምን ዘሕሰቦምን ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ብግልጺ ተዛሪቦም፡ ነቐፌታኦምን ምሕጽንታኦምን ኣቕሪቦም ኣለዉ። ምናልባት ኣብ መንጎ ጽሑፍ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ኣብ ሓደ ዛንታን ናይዞም ኣርባዕተ ኣቡናት ጽሑፍ ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ን ፍልልይ እንተሃልዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሕሉፍ ስቓይ ዓሳክር ኤርትራውያን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝገልጽ ታሪኻዊ ልቢ-ወለድ፡ እዚ ዳሕረዋይ ከኣ ህያው ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝርዝር ዝስንድ ምዃኑ ኢዩ።

ካብ ሓደ ዛንታ ናብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”

ኩሉ በቲ ጒዳይ ዝግደስ ከምዘንበቦ፡ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ፡ ሃገራውን ኣህጉራውን[6] ኣቓልቦታት ዝረኸበ ጽሑፍ፡ ካብ ሃይማኖታዊ እምነትን ሞራላዊ መርገጽን ናይቶም ደረስቱ ካቶሊካውያን ኣቡናት ተበጊሱ ብዛዕባ ወድዓዊ ኵነታት ናይ ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ዝትንትን ጽሑፍ ኢዩ። እቲ ሻቕሎታቶምን ነታ ጽሕፍቲ ንኸዳልዉን ንኽዝርግሑን ዝደረኾም ምኽንያት ከቕርቡ እንከለዉ፡ እቶም ኣቡናት እምነትን ትምህርትን፡ ሓልዮትን ተግሳጽን፡ ሞራላዊ ትብዓትን ራእይን ብዘጠናንግ ቃላት ገይሮም ይገልጹዎ። ንሕመረት ምኽንያት መጽሓፊኦም ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ብቓላቶም ኣስፊሮሞ ኣለዉ፤

“ካብ ምእማን ንዚመጽእ ዓቢይ ታሕጓስ ንምስትምቓርን እምነት ንዚኸፍተልና ሰፊሕ ኣድማስን፣… ነታ እምነት’ቲኣ ድማ ብፍጹም ሓድነታን ምልኣታን ክንገልጻ፣ በቲ ህላዌኡን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን በርቲዕና፣ ኣብ ዝኽሪ ጐይታ እሙናት ኮይንና ንኽንርከብ…” ብዚብል ዕላማ ነዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና። (“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ገጽ 5)

ነቲ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ገኒኑ ዘሎ ሃይማኖታውን ብሄራውን ወጥርታትን ሓሓሊፉ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃይማኖታትን ብሄራትን ኣውራጃታትን ዝርአ ምስሕሓባት ብምግንዛብ: ከሎ ገና ንህዝቢ ኤርትራ ዕላማ ጽሑፎም ብጽሩይን ሃናጽን መንፈስ እተበገሰ ምዃኑን ብጌጋ ከይውሰድን ከኣ የጠንቅቑ። ንዓና “ንኵነታትናን ኵነት ሓውናን ክንግምግም ግቡእ እዩ” ድሕሪ ምባል “ነዚ ንምግባር ‘ዚደፍኣና ዘሎ ምድራዊ ወይ ሓላፊ ነገር ንምዕታር ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና ወይ ድማ ንኻልእ ናብ ወገንና ንምስሓብ ዘይኮነስ ናይ ኣገልግሎት ባህጊ ጥራሕ’ዩ’” ክብሉ ይድምድሙ።[7] ዳኒኤል ልቫይን ዝተባህለ ናይ “ሓርነታዊ ቲዮሎጂ” (liberation theology) ተመራማሪ፡ “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America” ኣብ ዝብል ዓንቀጹ፡ ንዕላማታት ናይቶም ኣብቲ ዞና ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝቃለሱ ካህናት ኣብሪሁ ይገልጾ። ነቲ ናይ ልቫይን ገለጻ ምስቲ ሕጂ ንካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ ዘለዓዓሎም ድርኺት ኣዛሚድካ እንተሪኢኻዮ፡ ንመበገሲኦምን መሰረታዊ ፍልስፍናኦምን ንምብራህ ዝሕግዝ እማመ ኢዩ። እቲ ተመራማሪ ኣብ ጽሑፉ ከምዚ ክብል የመልክት፤

[እቶም ኮሎምቢያዊ ካህን] ዘቕረቡዎ ርእይቶ ሃይማኖት ኪንዮ ርዱእ ስርዒታውን ስነ-ሓሳባውን ትካላት ቤተ-ክርስትያን ዝሓልፍ ግደ ከምዘሎዎ ዘርኢ ኢዩ። ትዕዝብታኦም፡ ሃይማኖት ኣብ ሓርነት ወዲ-ሰብ ዝጻወቶ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ፡ ኣብቲ ንሓርነት ዝግበር ጸዓት ድማ፡ ስብከተ-ወንጌል ካብቲ ኣብ ምድሪ ዝሓሸ መዓልታዊ መነባብሮ ንምፍጣር ዝዕልም ጻዕሪ ክፍለ ከምዘይክእል የመልክት።[8]

ኣስዒቡ ልቫይን ንሕመረት ሓርነታዊ ቲዮሎጂን ከመይ’ሉ ምስ መነባብሮን ቃልስን ውጹዓት ከም ዝተኣሳሰርን ከብርህ እንከሎ፡ “ብዛዕባ ድኽነት ምሽቓልን ብግብሪ ንድኻታት ምሕላይን ንክለሰ-ሓሳብን ስነ-ምግባርን ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣጣሚሩ ይገልጾም” ይብል።[9]ኣብ ህልዊ ኲነታት ኤርትራ፡ እዚ ናይ ልቫይን ኣበሃህላ ሃይማኖት ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ጥራሕ ከይተዓጽወ፡ ካብኡ ወጺኡ ኣብ ጕዳይ ምሕደራ ህዝብን ትካላት መንግስትን ግደ ብምጽዋት፡ ንመንፈሳውን ሞራላውን ሓይሉ ኣብ መዓላ ምሕራር ህዝቢ ካብ ኵለንተናዊ ጭቆናን ምዝመዛን ምልኪ ምውዓል ዝብል ትርጕም ይሕዝ። እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኣቡናት ጽሑፍ በዚ መንጽር’ዚ ምስ ዝርአ ድማ፡ እቲ ዝርዝራቱ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘንጸባርቕ (ወይ’ውን ንበል ነዚ ኣተራጓጕማ’ዚ ዝድግፍ) ኮይኑ ንረኽቦ።

ቀንዲ ዕላማ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ንህሉዋት ሽግራት ኤርትራ ምትንታንን፡ ፍታሓት ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ምእማትን ኢዩ። ማእከላውያን ነጥብታት ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ክጽመቑ ይከኣል። ኣብ መጀመርታኡ እቲ ጽሑፍ ንባህርያዊ ጸጋታት ኤርትራን ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ ምጽውዋር ሃይማኖታትን ብሄራትን ዘኪሩ፡ ነቲ ብሰላምን ምክብባርን ናይ ሓባር ምንባር ድሌቶም የመጕስ። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ኣሓትን ኣሕዋትን ኴንካ ንሓድሕድ ምድግጋፍን ሃለዋት ሓድሕድ ምግባርን ዝጸንሐን ዘሎን ጽቡቕ ባህሊ ምዃኑ የረጋግጽ። እንተኾነ ብዛዕባ ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥሩ ምዕባሌታት ብምግምጋም፡ ዋላ’ኳ ሓደ-ሓደ ንህዝቢ ዝሕግዙ ስራሓት እንተተገብሩ፡ እታ ሃገር ገና ብ“ዘይሓወየ ቍስልታት” (ገጽ 9) ትሳቐ ከም ዘላ ይዝርዝር። ብመሰረት እቲ መልእኽቲ እቶም ዘይሓወዩ ቍስልታት ኣብዞም ዝስዕቡ መዳያት ተጋሂዶም።

  1. ነቲ 365 ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ሓደጋ ባሕሪ መዲተራንያን ብምዝካር እቲ ሰነድ ንምኽንያት መስደዲኦምን ህልቀቶምን ይሕብር። “እዚ ፍጻመ’ዚ ከኣ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባን፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን ብኢድ ጨወይትን ገፋዕትን ክፍጸም ናይ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ህልቀት መቐጸልታ እዩ፡” (ገጽ 10) ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ተደጋጋሚ ምረት ርዒዱ ከይተበታተነን እንታይነቱ ከም ህዝቢ ከየጥፍአን ነቲ ‘ናይ ተስፋን ምምላስን ሓሳብ ፈጺሙ’ ከይርስዖ የተባብዕ (ገጽ 5)።
  2. እቲ ሰነድ ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቕርብ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ እቶም መንእሰያት ግቡእ ስራሕን ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ብምስኣኖምን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ “ኣይሰላም ኣይኲናት” ዘሎ ኵነት ብተበላሓትነት ክፈትሖ ብዘይምብቅዑን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዕስክርና ተሸኺሎም ብምህላዎም ኢዩ። ግና እቶም ነቲ ሰነድ ዝደረሱ ካህናት ኩሉ ምንጪ ጌጋታት መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ካብ ዝብል ጥምዙዝ ትንተና ይቝጠቡ። ንመንእሰያት ኤርትራ’ውን ሓለፍነት የሰክሙ። ኣብ ክንዲ ኣብ ዓዲ መነባብሮኻ ከተመሓይሽ ምጽዓር ናብ ስደት ምህዳም፣ ኣብ ክንዲ ናብራኻ ተመሓይሸሉ ዕድላት ምንዳይ ካብ ደገ ዝመጽእ ገንዘብ ምጽባይ፣ ብናይ ሓሶት መርዓታት ንወጻኢ ምኻድ ካብቶም ጃምላዊ ስደት ንኽፍጠር ዘበርከቱ ረቛሒታት ምዃኖም ይጠቕሱ (ገጽ 11-12)።
  3. ወዲ-ሰብን ኣካላት ሰውነትን ምሻጥ (human and organ trafficking)ሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ዘብርስ ዘሎ እሞ ከኣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይንቡርን ዘይፍለጥን ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ተግባር’ዩ። ስፍሓት ናይዚ ብሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ዝፍጸም ጨካን ውዕለት፡ ሰብ ቀቲልካ ኣካላት ሰብ ጠቢሕካ ምሻጥን፣ ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብስጋ ተጋሲስካ ንኣራዊት ምድርባይን ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ካህናት ነዚ ረሳሕ ተግባር’ዚ ሓዘኖም እናገለጹ ኣትሪሮም ይዅንኑ። ኣቤቱታኦም ናብ መንግስቲ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ብምቕራብ ድማ እቲ ጕዳይ ብጥብቂ ምክትታል ክግበረሉን ብቕልጡፍ ደው ክብልን ኣትሪሮም ይምሕጸኑ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻኡ፡ ብፍላይ ግን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ጕዳይ ንምፍታሑ ዝተራአየ ዝሕቱል ግብረ-መልሲ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ እቶም ካህናት ብምግራም ከምዚ ኢሎም ይሓቱ፤

ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፣ ዘመነ ባርነትን ሕጊ-ኣራዊትን ኣብ’ዚ ስልጡን ዓለም ተመሊሱ ዝኣተወሉ ኵነታት ክትርኢ ከሎኻ፣ ናይ’ቶም ፈጸምቱ ሕሊናን ኣተናን’ኳ እንተደንዘዘ፣ እቲ ነዚ እናረኣየ ዚርከብ ዓለምከ ከመይስ ከመይ ኢሉ ተጻዊሩዎ ኣሎ?? ንምቅዋሙ ንምውጋዱ’ውን ዘይምጒያዩ፣ ኣውራ ከኣ እዚ ነውራምን ኣራዊታውን ተግባር ናይ ዚፍጸመሉ ቦታን፣ ናይ ዚፍጽሙ ሰባትን፣ ናይቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ግዳያትን… መንግሥታትን መራሕትን፣ ምድሪ ዘቢጦም ነዚ ግፍዕ’ዚ ንኸወግዱ እንታ ዘይምግበሩ!! እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር’ዚ ዘይተዓግተስ ድሌት ድዩ ማህሚኑ? ዓቕሚ ድዩ ደኺሙ? ወይ ከኣ ዝተገብረ ጻዕሪ እንተሎ፣ ጻማ ድዩ ተሳኢኑ? ወይስ መን’ዩ ረቢሑሉ? እንታይ ኢና ክንብል? (…) ታሪኽን ግዜን ግን ከግህዶን ኪፈርዶን ዘለዎ እዩ። (“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ገጽ 12-13)

  1. ሓፈሻዊ ምጣኔ-ሃብታዊ: ማሕበራውን ስነ-ልቦናውን ኵነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ እቲ ሕብረተሰብ ብድኽነትን ዝተፈላላዩ ሕማማትን (ኤይድስ: ሽኮርያ፡ ጸቕጢ ደምን ስነ-ኣእምራዊ ጭንቀትን) ዝተጠቕዐ ምዃኑ እቲ ሰነድ ይሕብር። ኣብ ርእሲ’ቲ ክሊማዊ ለውጢ: ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነትን ድኽነት መሬትን ዘበገሶ ቍጠባዊ ሕሰም፡ እታ ሃገር ስእነተ-ስራሕ ብዘበገሶ ቅልውላው ናብራ፡ ስደትን ብርሰት መንእሰያትን ትሳቐ ከም ዘላ ኣጕሊሑ የርኢ። ከምኡ’ውን እቶም ኣቡናት ኣብ ጽሑፎም: ካብቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ካልእ ተደራቢ ሽግር ብምጥቃስ ፡ ህድማ መንእሰያት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣቦታትን ኣደታትን ኤርትራውያን ምስ ደቆምን ደቂ-ደቆምን መታን ክተኣኻኸቡ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም የነጽሩ። እቲ ዋሕዚ ከምዚ ኢሉ እንተቐጺሉ ከኣ እታ ሃገር ህዝቢን መጻኢ ወለዶን ዘይብላ ኮይና ከይትቓድር ስግኣቶም ይገልጹ፤

ስለ’ዚ ሃገር ናይ ሰባት ድኻ ትኸውን ከም ዘላ ብግልጺ ዚርአ ዘሎ ኵሉ፣ ኣብ ዝኾነ ማኅበራዊ ጕዳይ ከም እንዕዘቦ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ማእከላይ ወለዶ ዚበሃል’ውን ዳርጋ የሎን፣ ንኡስ ወለዶን ሓይልን ዘይብላ ሃገር እንታይ እዩ እቲ ዕድላ? ሃገር ብሕዝባ ብሰባ እያ እትደምቕን እትጽብቕን እምበር፣ ብዘይሰብ ዓዲ ዓዲ ኣይከውንን፣ ሃገር ከኣ ሃገር ኣይትኸውንን። ((“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ገጽ 14)

  1. ስደት ክበዝሕ ከሎ ጥምረት ስድራቤታት ከምዝጕዳእ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ጽሑፍ ንምብትታን ስድራቤታት ኤርትራውያን ብዝምልከት ድሕነት ሃገር ካብ ህይወት ስድራቤት: ህይወት ሃገር ከኣ ካብ ድሕነት ስድራቤት ተፈልዩ ክርአ ከም ዘይከኣል ብዝርዝር የረድእ። ነዚ ዓሚቝ ሓቅነት’ዚ ድማ: እቲ ሰነድ: ‘ስድራቤት መሰረት ሕብረተሰብ’ ምዃና ርዱእ ኮይኑ: ሃገር፤ “ምእንቲ ህዝባ ዝቖመት’ምበር: ሰብ ምእንቲ ሃገር ከምዘይኮነ” ኣስሚሩሉ ኣሎ።
  2. እቶም ካህናት: ኣብ ጽሑፎም: “ሞራላዊ ሕንጸት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሞራላዊ ውድቀትን ብልሽውናን ኣብ ኤርትራ ብደቂቑ ይዛረቡ። እቲ ብልሽውና ካብ ህዝባዊ ሞራላዊ ውድቀት ድዩ ተላዒሉስ ወይስ እቲ መንግስቲ ዝፈጠሮ’ዩ ንዝብል ሕቶ’ኳ ቍርጺ መልሲ እንተ ዘይብሉ: ብእምነቶም: ኣብታ ሃገር ምምሕዳራዊ ግሉጽነትን ናጻ-ፕረስን ዘይምህላዉ ናይ ‘ሰበይ-ሰብካ’ን ልሙስነትን ሕሜታን ባህሊ ንክነግስ ባይታ ከፊቱ ኢዩ።
  3. ዝሓየለ ነቕፌታ ናይቲ ሰነድ ኣብ ስእነት ልዕልና ሕጊ’ዩ ዘተኵር። ስእነት ልዕልና ሕጊ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብብዙሓት ምሁራንን ተቓወምቲ ጕጅለታትን ዝተዘርበሉ ጕዳይ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ። ኮይኑ ግና፡ ኣብዚ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ሰነድ ብዝርዝር ምስፋሩ ፍሉይ ኣድማዕነት ዝህቡዎ ሰለስተ ነጥብታት ኣለዉ። ሓደ: ጸሓፍቲ ከም ዘረጋግጽዎ: ብደገ ዝተጻሕፈ ዘይኮነስ በቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ለውጢ ንኸምጽኡ ዝጽዕሩ ብምዃኑ ኢዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ እቶም ካህናት ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም፤ “ንሃገር ድማ እቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዝሓንጻ’ዩ ሕልፊ ዘድምዓላ” (ገጽ 14) ክብሉ ከኣ ኣብቲ ጽሑፎም ገሊጾሞ ኣለዉ። ካልኣይ: እቲ ነዚ ጕዳይ’ዚ ዝገልጽ ቋንቋኦም ግሉጽን ሓያልን ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅነታት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ: ስእነት ሰብኣዊ መሰላትን ተደላይነት ሕገ-መንግስትን ብዘይ ቀለ-ዓለም ብስም ረቚሑ ብህጹጽ ንኽፍታሕ ዝጽውዕ’ዩ። እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ከኣ: ዋላ’ኳ እቲ ጨቋኒ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው: ካልኦት (ብጋህዲ ዘይተዘርግሑ) ተመሳሰልቲ ጽሑፋት ክህልዉ ዝግመት እንተኾነ: እዚ ሰነድ’ዚ እቲ እንኮ ብግልጺ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ፡ ደፋር: ሞራላውን ነቕፌታውን ጽሑፍ ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበራውን ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ’ዩ። ብዛዕባ ስእነት ልዕልና ሕጊ ብዝምልከት እቶም ካህናት ከምዚ ክብሉ ኣስፊሮም ኣለዉ፤

ብሕጊ ዚሕተትን ዝእሰርን ኵሉ: ቅድሚ ኵሉ ብሰብኣውነትን ብናይ ድንጋጸ ኣገባባትን ዚተሓዘሉ፣ ቀጺሉ ድማ በቲ ጥሒስዎ ዝተባህለ ሕጊ መሠረት ብዝቐልጠፈ ኪፍረድን ጕዳዩ ኣብ መዕለቢኡ ኪበጽሕን፣ ብዓቢኡ ከኣ ብቅዋማዊ ሕጊ ክትምራሕ ምድላይ፣ ዝኾነ ይኹን ንርትዕን ፍትሕን፣ ንኡነተይና ሓርነትን ዝቖመ ኣካል ዚጽበዮ ነገር ስለዝኾነ፣ ዕቱብ ኣቓልቦ ኪረክብ ኣለዎ። (“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ገጽ 17)

  1. ንትምህርቲ ከም መሰረት ስራሕን ምዕባሌን ብምርኣይ፡ ትካላት ሃገራዊ ትምህርቲ ብግቡእ “ንኽስርዑን ንኽምዕቡሉን” እውን እቲ ሰነድ ይጽውዕ። ሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘተኰረ ዘይኮነስ፡ ንዘመናዊ ኵሉንተና ፍልጠት ተመሃሮ ኣብ ግምት ዘእተወ መታን ክኸውን ንኣምራት “ማዕርነት: ደሞክራዊያውነት: ፍትሕን ርትዕን: መሰል ሕጋውነትን ተሓታትነትን” (ገጽ 18) ዘማእከለ ክኸውን ከም ዝግባእ ይሕብሩ። ብኣረኣእያኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካዳሚያውን “ማሕበራዊ ንቕሓትን” ዘጨብጥ ትምህርቲ’ዩ ንሃገር ካብ ናይ ደገ ዝመጽእ ናይ ወጻእተኛታትን ደቂ-ሃገርን ምጽወታት ኣውጺኡ: በብቝሩብ ርእሳ ናብ እትኽእለሉ ደረጃ ዘሰጋግራ (ገጽ 18)።

ግደ ሓቂ ንምዝራብ: ብርክት ዝበሉ ካብቶም ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” በዞም ኣቡናት ከም ነቐፌታን ምሕጽንታን ቀሪቦም ዘለዉ ነጥብታት፡ ቅድሚ ሕጂ ብኻልኦት ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን ናጽነት ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ በብእዋኑ ክግለጹ ጸኒሖም ኢዮም። ማለት ብዛዕባ ኣድላይነት ሕገ-መንግስቲ: ናጻ-ፕረስን ዝተፈላለዩ ተምሳላት ማሕበራዊ ፍትሕን ዝቐረቡ ትንተናታትን ለበዋታትን ውሑዳት ኣይነበሩን። ንኣብነት ኣነ ንባዕለይ፡ ኣብ ሕዳር 27፡ 1992፡ ብዛዕባ ጕዳይ ኣድላይነት ድርሰታዊ ናጽነትን ሓደገኛነት ሳንሱርን ኣመልኪተ ኣብ ኣስመራ ንጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ህዝብን ካብ ዘቕረብኩዎ ለበዋ: ሎሚ (ጓሂ እናተሰምዓኒ) ገለ ካብኡ ንመዛኻኽሪ ክጠቀስ እደሊ። ኣርእስቲ ናይቲ መደረ “ናይ ደረስቲ ናጽነት” ኢዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ ሓደገኛነት ሳንሳር ድማ ከምዚ ይብል፤

እዚኣቶም ኩሎም (ዝወጹ ዘለው ስነ-ጽሑፋዊ ዕዮታት) ንትንሳኤ ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ዘበስሩ ምልክታት ጥራሕ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ’ዞም ምልክታት’ዚኦም ተመርኲስካ፡ መንግስታዊ ሳንሱር ስለየልቦ ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ፡ ክምዕብል’ዩ ወይ’ውን መንግስቲ ንስነ-ጽሑፍ ስለ ዘተባብዐ ስነ-ጽሑፍና ደጊም ክዕምብብ’ዩ ዝብል ግጉይን ግሩህን ምስትርሓው (complacency) ዝፈጥሮ ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ከይፍጠር ምጥንቃቕ ከድሊ ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ ደረስቲ፡ ‘መንግስትና ከይነቐይሞ’፡ ወይ’ውን ‘እዚ መንግስትና ኣይፈትዎን ይኸውን’ዩ’፡ ወይ’ውን ‘ከምዚ እንተጸሓፍኩስ ከምዚ ስለ ዝዀነ’ዩ ክብሉኒ ኢዮም’ ዝብል ረማሲ ርእሰ-ሳንሱር (self-censorship) ግዙኣት ከይኰኑ ምጥንቃቕ ከድልዮም ኢዩ።[10]

ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ’ቲ ክምዕብል ዝጸንሐ ዘሰክፍ ናይ ውግእን ጸቕጥን ኵነታት ተሻቒሎም ትንተናታትን ምሕጽንታን ከቕርቡ ዝጸንሑ ተመራመርቲ (ብዙሓት እኳ እንተዀኑ) ኣብዚ ገለ ቊሩብ ንምጥቃስ፤ ዳን ኮነል ኣብ Conversation with Eritrean Political Prisoners(2004)፣ ኪዳነ መንግስትኣብን ዑቕባዝጊ ዮውሃንስን ኣብ Anatomy of An African Tragedy: Political, Economic and Foreign Policy Crisis in Post-Independence Eritrea (2005)፣ ጋይም ክብርኣብ ኣብ Eritrea: A Dream Deffered(2009)፣ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ-ሓበሬታት ኤርትራ ከም ዓዋተ: ኣስማሪኖ : ኣሰናን ካልኦትን ዝጽሕፉ ግዱሳት ዜጋታትን ተጣበቕቲ መሰላት ከም’ኒ ዶክተር ኣልጋነሽ ጋንዲ፣ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ: ኤልሳ ጭሩም: ሜሮን እስቲፋኖስን ሚሪያም ፋን ራይዘንን ክጥቀሱ ይከኣሉ። ብተወሳኺ’ውን ምስ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይምስምማዕ ብጒጅለ 15 ዝፈልጡ ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ምንቅስቓስን፣ ናይ ብጒጅለ 13 ዝፈልጡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ዝቕመጡ ምሁራት ዜጋታት ተቓውሞን ክጥቀሱ ይከኣሉ። ድሒሩ’ውን እቲ ብ“ፎርቶ 2013” ዝፍለጥ፡ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈተነ፡ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ተራእዩ።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ከም ናይ ነቐፌታን ተቓውሞን ኣብነታት ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ፡ ብዝተፈላለዩ ውልቀ-ሰባትን ጒጅለታትን ዝተገብሩ ኣስተዋጽኦታትን ምንቅስቓሳትን ንምዝካር ዘድለየ ምኽንያት፡ እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ጽሑፍ ኣቡናት ምስቲ ክእከብ ዝጸንሐ ውህሉል ጻዕርታት ዝተዛመደን ብኡ ዝተጸልወን ደኣ’ምበር፡ ብሃንደበት ካብ ባዶ ነቒሉ ዝተላዕለ ምንቅስቓስ ከምዘይኮነ ንምግንዛብ ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ጽሑፍ ንባዕሉ ሓደ ኣካል ናይቶም በብግዜኡ ዝተራእዩን (ዝርኣዩ ዘሎዉን) ፈተነታት ተቓዎሞን ነቐፌታን’ዩ እኳ እንተተባህለ፡ ብርእይቶይ፡ ን“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ኣብ ኤርትራ ከም ኣዝዩ ሓድሽ ተርእዮ ወሲድና ብፍሉይነት ክንርድኦን ብኣተኵሮ ከነጽንዖን ኣገዳሲ’ዩ እብል። ነቲ ጽሑፍ ሓድሽ ተርእዮ ዝገብርዎ ረቛሒታት ድማ፡ ብሓጺሩ፤ (1) ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝነብሩ መራሕቲ ሃይማኖት ትካል ዝብገስ ምዃኑ (ቅድሚ ሕጂ ብኸምዚ ብግሁድ ተቓውሞኡ ዝገለጸ ካልእ ሃይማኖታዊ ትካል ኣብ ኤርትራ ኣይተራእየን)፡ (2) ኣብ ኤርትራውያን ንዝወረደ ፖለቲካዊ ምልኪ ብሰላማዊ መንገዲ ንምውጋድ ጸግዒ ህዝቢ ምሓዙ (ብውዱብን ሰላማዊን መንገዲ ርእይቶኻ ንህዝቢ ምግላጽ ንባዕሉ ኣገዳሲ ኢዩ)፡ (3) ቀንዲ ከኣ፡ ብክለሰ-ሓሳባዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ጽሑፍ ንመጀመርታ ግዜ ንኣምር “ሓርነታዊ ቲዮሎጂ” ኣብ ኤርትራ ዘተኣታቱ ብምዃኑ ኢዩ። ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ ከም ዝተኣመተ፡ ብዛዕባ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ምዝራብ ሓድሽ ነገር’ዩ። ስለዚ ድማ ብዛዕባ ተዛማድነቱ ኣብ ኤርትራን ክስተቱ ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ን ቅድሚ ምዝራብና፡ ኣብዚ ዝስዕብ ክፋል ብዛዕባ ታሪኽን ትሕዝቶን ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ብሓጺሩ ክንርኢ ኢና።

ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ላቲን ኣመሪካ

“ሓርነታዊ ቲዮሎጂ” ኣብ 1960-1970ታት: ብድፍኢት ካቶሊካውያን ቤተ-ክርስትያን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝጀመረ: “ኣብ ወሳኒ መድረኽ ዘመናዊ ታሪኽ ሃገራት ኣመሪካ” ዝተጋህደ ፍጻመ ኢዩ።[11] እዚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ (ኣርጀንቲና: ቺለ: ኮሎምቢያ: ፔሩ: ጓቲማላ: ኒኳራጓን ካልኦትን[12]) ዝተራእየ ምንቅስቓስ’ዚ ኣንጻር’ቲ ብሰንኪ ምልካውያን መራሕቲ ዘጓነፈ መጠኑ ዝሓለፈ ብልሽውና: ጭቆናን ኣድልዎን ዝተላዕለ ነበረ። ቅድሚ’ዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ’ዚ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን በቲ ዓቃባዊ ኣጠማምታኣን በቲ ምስ “ጸረ-ለውጢ ዝኾኑ ሸነኻት” ዝነበራ ሓፈሻዊ ሽርክነትን ኢያ ትልለ ነይራ።[13] ድሒሩ ግን ኣብቲ ከባብን ዓለምን ብዝተራእዩ ተደጋገምቲ ክስተታት ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ዝፈለቑ ስነ-ሓሳባት: እንተላይ ማርክስነት[14]፡ እናተጸልዉ ገለ ካህናትን ምሁራትን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ ህዝቢ ወጊኖም ኣንጻር ወጽዓ ደው ክብሉ ተራእዮም። እዚ ኣብ ክቱር ምልክን ርእሰማላዊ ስስዐን ዝገነነለን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፡ ግሁድ ፖለቲካዊ መርገጽ ሒዝካ ምስ ህዝቢ ጠጠው ናይ ምባል ተርእዮ እምበኣር ኣብ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ታሪኻዊ ነጥበ-መቐይሮ’ዩ ነይሩ።[15]

ክልተ ነንበይኖም ግን ከኣ ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ምዕባለታት ንሓርነታዊ ቲዮሎጂ ዝብል ኣምር ቅርጺ ኣትሒዞም፡ ኣብ ዓለም ኣፍሊጠሞ። እቲ ሓደ ምዕባሌ ምሕታም ናይታ ብ 1971 ብፐሩኣዊ ካህን ጉስታቮ ጊተረዝ ተጻሒፋ ዝወጸት A Theology of Liberation: History, Politics, and Salvation[16]እትብል መጽሓፍ’ዩ። ጉስታቮ ጊተረዝ ምስ ድኻታት ወገን ደቂ ሃገሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ነበረ፣ እዚ ተመኵሮ’ዚ ድማ ዳሕራይ ነታ መጽሓፍ ኣብ ምድላው መበገሲ ኮይኑዎ። እቲ ኣብ ዕብየት ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ወሳኒ ግደ ዝተጻወተ ካልኣይ ረቛሒ፡ እቲ ብስም “ካልኣይ ዋዕላ ካቶሊካውያን ኣቡናት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ከተማ መደጂን፡ ኮሎምቢያ፡” ዝፍለጥ ናይ 1968 ኣኼባ ኢዩ።[17] ተመራመርቲ ልቫይንን ፍሩሃርን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ርክብ’ዚ ‘ንተራ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ዞባ ብሓድሽ ራእይ ዝኸለሰ’ዩ ነይሩ።’[18]

ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ንምብጻሕ ብብዙሕ መስርሕ ሓሊፉ’ኳ እንተኾነ (እንተላይ ውሽጣዊ ተቓውሞ ካብ ርእሳነ-ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ[19]) መሰረታውን ቀጻልን መለለይኡ ብግብርን ሓሳብን ንማሕበራዊ ፍትሒ ምቅላስ ኢዩ። ልቫይን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፡ ቀንዲ ብልጫ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ እቲ ምንቅስቓስ “ኣብ ድኻታት ተሰሪቱ: ንድኻታት ተቓሊሱ፡ ዘቃልስ” ምዃኑ’ዩ ክብል ይገልጾ።[20]

ከምእኒ ልቫይንን በሪማንን ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ፡ ታሪኻዊ ክስተትን ትሕዝቶን ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ብዕትበት ክጽናዕ ከምዘለዎን እቲ ዝግበር ክለሰ-ሓሳባዊ ትንተና ነቲ ምንቅስቓስ የግድን ምስ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ጽልዋ ኣዛሚዱ ክምርምሮ ከምዝግባእን ይሕብሩ። ዘይሩ-ዘይሩ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ምስ ውጹዓት ኣህዛብ ካብ ዝህልዎ ዝምድና ነጺልካ ምርኣይ ትርጕም ከምዘይብሉ ወይ’ውን ከም ዘይከኣል እውን ይግምግሙ።

ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ንድኻታት ይሰምዕ: ማዕረኦም ወሪዱ ከኣ ካብ መነባብሮኦምን ዓለም-ርእይቶኦምን ይመሃር። ኣብ ህዝባዊ ቃልስታት ጸግዒ ምውሳድን ምስ ውጹዕ ደው ምባልን መሰረታውያን ኣምራት ናይዚ ክለሰ-ሓሳብ ኮይኖም: ማእከላይ ወይ ኢሻራዊ መርገጽ ምውሳድ ከም ምስሉይነትን ዘይክውነታውን ይሕሰብ።[21]

ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ “ምጽወታን” ምሕጋዝ ውጹዓትን ዘተኣሳስራ ታሪኽ ነዊሕን ፍሉጥን ኢዩ። እሞ፡ እዚ ታሪኽ’ዚ ርዱእ ካብ ኮነ፡ “ንሓርነታዊ ቲዮሎጂ ፍሉይ ዝገበሮ ደኣ እንታይ ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል ኢዩ። ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ከም ዝገልጹዎ፡ ምስ ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ እቲ “ድኻታት ምሕጋዝ” ዝብል ኣምር ናብ “ውጽኢት ወይ ለውጢ ንድኻታት ምምጻእ” ናብ ዝብል መትከላዊ እማመ ምቕያሩ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ኣጠማምታ ድማ ንድኽነት ብኣዝዩ ሓፈሻዊ: ጥቕሉል ኣጠማምታ ምርኣዩ ተሪፉ: ንመሰረታዊ ወይ ትካላዊ ጠንቅታቱን መፍትሒኡን ምምርማር ተጀሚሩ።[22] ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብከለሳ-ሓሳባዊ ዓይኒ፡ ምንቅስቓስ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ንዓበይቲ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጒዳያት ሕብረተሰብ ብግልጺ ብዓይኒ’ቲ ድኻ ህዝቢ ገይሩ ይጥምት፣ ብተግባር ድማ መራሕቲ ሃይማኖትን ዜጋታትን ንረብሓ ህዝቢ ክጣበቑ ይጽውዕን ይሰርሕን።[23]

ገለ ሰባት፡ በቲ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘለዎ ኣተኵሮ ተደናጊሮም፡ እቲ ምንቅስቓስ ካብቲ ቀንዲ ዓንዱ ዝዀነ መንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነት ዝረሓቐ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ጌጋ ኢዩ። እቶም ነቲ ምንቅስቓስ ብደቂቑ ዘጽንዑዎ ተመራመርቲ ከም ዘብርሁዎ፡ ኣብ ተመኵሮ ላቲን ኣመሪካ፡ እቶም ናይ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ተንቀሳቐስቲ ኣብ መንፈሳዊ ሰረት ናይቲ እምነት ተመርኲሶም’ዮም ንዓመጽን ምዝመዛን መኪቶሞ። ብፍላይ’ውን ንናይቲ ቤተ-ክርስትያን ልሉያት ነቢያትን መላእኽትን ተጠቒሞም ከም ኣብነታት ብምውሳድ ነቲ ህዝቢ ንመሰሉ ንኽቃልስ ምሂሮሞ። ጉስታቮ ጊተረዝ ኣብ’ታ ኣብ 2003 ዝተሓትመት፡We Drink from Our Own Wells፡እትብል መጽሓፉ ንማእከላዊ ኣገዳስነት መንፈሳዊ ሰረተ-እምነት ኣብ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ከምዚ ክብል ኣስሚሩሉ ኣሎ፤

እቲ መንፈሳዊ ሰረተ-እመነት፡ ብመሰረቱ ካብታ ናይ ድኻታት ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ዝውለድ ኢዩ። ማለት፡ ካብቶም ምስ ኣበየ ኵርናዕ ዓለም ምስ ዝርከቡ ድኻታት ህዝቢ ሕብረትን ምድግጋፍን ንኽተርር ዝፍትኑ ኣመንቲ ዝምንጩ ኢዩ። እዚ መንፈሳውነት’ዚ ማሕበራዊ ኮይኑ፡ ኣድማሳዊ ኣቕጫጭኡ ከይሰሓተ፡ ምስ ሃይማኖታዊ ዓለመ-ርእይቶ ናይቶም ጭቁናት፡ ኣመንቲ ህዝቢ ዝተዋሃሃደ ኢዩ። ከምዚ ዘለ መንፈሳውነት ኵሉ ግዜ እናተሓደሰ ዝኸደሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ንልኡምነት ነጺግና፡ ብተባላሓትነት ንኽንሰርሕ ዝደፍኣና ፍቕሪ ኣምላኽ ንባዕሉ ወትሩ እናተሓደሰ ዝነብር ብምዃኑ ኢዩ።[24]

ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ?

እዚ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐ ሰነድ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ ሓደ መርኣያ ኣብነት ናይቲ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝተራእየ ምንቅስቓስ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ’ዩ ኢልካ ክውሰድ ይከኣል’ዩ። ዋላ’ኳ እቶም ታሪኻውያን ክስተታት ኣብ በበይኖም እዋንን ቦታን ደኣ ይፈጸሙ’ምበር: ክልቲኦም ኣንጻር ጭቆናን ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢን ብዝወስዱዎ መሰረታዊ ተበግሶ ነጻጺልካ ምርኣዮም ኣጸጋሚ’ዩ። ምናልባት ምንጻር ዘድልዮ ግን፡ እዚ ናይ ኤርትራ ተርእዮ: ብርዱእ ጂኦግራፊያዊ ርሕቀትን ዋሕዲ ምትእስሳርን ብቐጥታ በቲ ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ተደፊኡ ዝቐረበ’ዩ ምባል ይኸብድ’ዩ።

ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ፡ እዚ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ዝብል ሰነድ ብሰሪ ጕድለት መሪሕነት ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ: ቍጠባዊ: ስእነት ሕግን ናህሪ ብልሽውናን ኣትሪሩ ዝነቅፍ ኢዩ። ካብዚ ሰነድ ተበጊስካ ምስ እትፈርድ ከኣ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጸግዒ ውጹዓት ኤርትራውያን ዜጋታት (ድኻታት: ስደተኛታት: ግዳያት ሓደጋታት ባሕሪን ምድረበዳን፡ እሱራት) ደው ኢላ ከም ዘላ ብቕሉዕ ዝሕብር’ዩ። እቲ ምስናይ ደቂቕ መርትዖታቱ: ነቲ ዝወርድ ዘሎ በበይኑ ኣበሳታት: ገሊሁ ዝርኢ ሰነድ ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ክገብር ዝጽውዕ’ዩ። እዚ ተባዕ ተበግሶን መርግጽን ከኣ ን“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ምስቲ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝተራእየ ምንቅስቓስ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ብቐጥታ የተኣሳስሮ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጽሑፍ ንምንቅስቓስ ሓርነት ቲዮሎጂ ዘዘኻኽሩ ጭቡጣት ምልክታት’ውን ኣለዉ። እቲ ሰነድ ንኽልተ ኣህጉራውያን ሰነዳት፡ ማለት “ኣፍደገ እምነት” እትብል ደብዳበ ናይ ርእሰ-ጳጳስ በነዲክት XVI ከምኡ’ውን ንፍሉይ ጸሎት ህሉዊ ርእሰ-ጳጳስ ፍራንሲስ ምጥቃሶም ሓደ ብሩህ መርኣያ ናይቲ ምትእስሳር’ዩ።

ከም ሓንቲ ሰፊሕ ሰረት ዘለዋ ሃይማኖታዊት ትካል መጠን: ካቶሊካዊት ቤተ-ክህነት ኤርትራ: ከምቲ ብተደጋጋሚ እትገብሮ ነቲ ዝርአ ሞራላዊ ውድቀትን ኣንፈት ሃይማኖት ምጥፋእን ኣመልኪታ፡ ኣብ ጽሑፋት ርእሰ-ጳጳሳት ተመርኲሳ ኣስተምህሮ ክትህብ ንቡር’ዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺ ብፍላይ እቶም ኣቡናት ንዝለዓለ ካቶሊካዊ ቤተ-ክህነት ቫቲካን ምጥቃሶም ግን ባርኾት እቲ ቤተ-ክህነት ከም ዘለዎም ንምርኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ ምንቅስቓሶም ኣህጉራዊ ኣንፈት ዘለዎ ምዃኑ ንምእማትን ኣቓልቦ ዓለም ኣብ ኤርትራ ንምስሓብን’ውን ዝዓለመ ይመስል። እቶም ኤርትራውያን ኣቡናት ሰነዶም ከዳልዉ እንከለዉ ከም እምነታዊ መበገሲ ገይሮም ዝወሰዱዎ ናይ ጳጳስ በነዲክት XVI ስምዕታ ወይ ለበዋ እዚ ዝስዕብ’ዩ ነይሩ፤

“ቤተክርስትያን ብምልእታ ኮነ ኵሎም ጓሶት ልክዕ ከም ክርስቶስ ኮይኖም ነቲ ሕዝቢ ካብ ምድረበዳ መሪሖም ከውጽኡዎ፣ ናብ’ቲ ሰፈር ሕይወት ኪመርሕዎ፣… ናብ’ቲ ምልኣት ሕይወት ዚህብ፡ ናብኡ ከብጽሕዎ ኪብገሱ ኣለዎም” ድሕሪ ምባል፣ ቀጺሎም፡ “ክርስትያን በቲ ንማኀበራዊ ናብራ ንሕንጸተሰባዊ ኮነ ፖለቲካዊ መደይ ዚርኢ…ሕልፊ ዚግደሱ ኮይኖም ይረኣዩ፣ ብእምነት ዝመጽእ ግን፣ ብሕይወት ኀብረተሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ትሑዝን ንቡርን ዚግምትዎ ይመስሉ፣ ከም ሓቁ ግን ደጊም እዚ ግምት’ዚ ከም ንቡር ወይ ትሑዝ ኪውሰድ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዚበዝሕ “ጕዳይ እምነት” ግልጺ ብግልጺ ዚነጸግ ዘሎ እዩ፣ “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብትሕዝቶ እምነትን፣ ካብኡ ንዚፍልፍል ሓሳባትን መደብ ሕይወትን” ዓቢይ ግምት ዚወሃበሉ ግዜ ነይሩ “ሎሚ ግን… ንብዙኃት ሰባት ብዝተንከፎም ዓሚቚን ረቂቕን ፈተና እምነት” መላእ ኀብረተ-ሰብ ኪናወጽ ዚርከብሉ እዋን እዩ። (“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ገጽ 4)

ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ: እቲ ካልኣይ እቶም ኣቡናት ዝተወከሱዎ ሰነድ፡ እቲ ብዕለት 2 ሰነ፡ 2003 ዝተዋህበ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ጸሎት ናይ ህሉዊ ጳጳስ ፍራንሲስ ኢዩ።ህሉዊ ርእሳነ-ጳጳስ ቫቲካን ፍራንሲስ ካብ ኣርጀንቲና ምዃኖምን ቅድሚ ጳጳስ ምዃኖም ኣብቲ ዞና ኣብ ዝግበር ዝነበረ ህዝባዊ ቃልሲ ብግብሪ ዝተሳተፉ ብምዃኖምን ከኣ ነዚ ምትእሳሳር ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ምስ ኣህጉራውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዘጕልሕ’ዩ። እቲ ኣቡናት ኤርትራ ዝተጠቕምሉ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ኣርእስቲ ብቐጥታ ካብ ኣስተምህሮ ህሉዊ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝተወስደ ምዃኑ ድማ ኣብ መንጎ’ዚ ኤርትራዊ ሰነድን ኣህጉራዊ ሓርነታዊ ቲዮሎጂን ንዘሎ ወይ ክምዕብል ዝኽእል ዝምድና ብዘየጠራጥር መገዲ የብርሆ። ምናልባት እቲ ሕቶ ግን ‘እዚ ብካቶሊካውያን ካህናት ተጀሚሩ ዘሎ ኣንፈታት ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበስር ድዩ ወይስ ተቐልቂሉ ዝጠፍእ’ዩ?’ ዝብል’ዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ንግዜ ዝግደፍ’ዩ።

መወከሲ

[1] “ሓውኻኣበይኣሎ?”፡ገጽ 5 ርአ።
[2]Laura Chrisman, “Introduction,” in Gebreyeus Hailu, The Conscript, trans. Ghirmai Negash (Athens: Ohio University Press, 2013), xvii-xix.
[3] Terence Rangers, “The Invention of Tradition in Colonial Africa,” in Perspectives on Africa: A Reader in Culture, History, and Representation, eds. Roy Richard Grinker and Christopher B. Steiner (Cambridge: Blackwell, 1997): 597-612.
[4]ገብረየሱስሃይሉ፡ሓደዛንታ (ኣስመራ፡ቤትማሕተምጴጥሮስሲላ፡ 1950)፡ገጽ9።
[5]ሓደዛንታ፡ገጽ 25።
[6]ሰመረሃብተማርያም “ንሓውኻኣበይኣሎ?” ብዝነኣድ ኣገባብ ናብ እንግሊዝኛ ተርጒምዎ ኣሎ። ብሳላ እቲ ትርጕም ድማ ግዱሳት ወጻእተኛታት ነቲ ጽሑፍ ብቐጥታ ከንብብዎ ክኢሎም። ንትርጕም ሰመረ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ርአ፤
[7] “ሓውኻኣበይኣሎ?”፡ገጽ 7።
[8]Daniel H. Levine, “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” The Journal of Politics 50, no. 2 (1988): 241. Quoted passage is as follows: “[The Colombian priest’s] comments point to a role for religion that transcends the institutional and ideological boundaries of formal church structures. They suggest that religion has a primary role to play in human liberation, and that in the search for liberation, transmitting the Gospel message of salvation cannot be separated from the creation of a better life, here and now.”
[9] Levine, “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” 243. Quoted passage is as follows: “Concern with poverty and the poor knits liberation theology in theory and practice.”
[10]ግርማይ ነጋሽ፡ ናይ ደረስቲ ናጽነት፤ ምስ ካልኦት፡ ናይ ዝተመርጹ ስነጽሑፋውን ባህላውን ዓንቀጻት (Trenton, NJ: The Red Sea Press, 2006)፡ገጽ 17።
[11] Levine, “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” 248. For earlier preliminary discussions on liberation theology in Europe, see Henri Gooren, “Catholic and Non-Catholic Theologies of Liberation: Poverty, Self-Improvement, and Ethics Among Small-Scale Entrepreneurs in Guatemala City,” Journal for the Scientific Study of Religion 41, no. 1 (2002): 29.
[12] Michael Dodson, “Liberation Theology and Christian Radicalism in Contemporary Latin America,” Journal of Latin American Studies 11, no 1 (1979): 204; Henri Gooren, “Catholic and Non-Catholic Theologies of Liberation: Poverty, Self-Improvement, and Ethics among Small-Scale Entrepreneurs in Guatemala City,” Journal for the Scientific Study of Religion 41, no 1 (2002): 30-31.
[13]Levine, “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” 241. See also Manzar Foroohar, “Liberation Theology: The Response of Latin American Catholics to Socioeconomic Problems,” Latin American Perspectives 13, no 3 (1986): 38, and Gooren, “Catholic and Non-Catholic Theologies of Liberation: Poverty, Self-Improvement, and Ethics among Small-Scale Entrepreneurs in Guatemala City,” 31.
[14] Dodson, “Liberation Theology and Christian Radicalism in Contemporary Latin America,” (203); Gooren, “Catholic and Non-Catholic Theologies of Liberation: Poverty, Self-Improvement, and Ethics among Small-Scale Entrepreneurs in Guatemala City,” 31.
[15] Quoting Christian Smith, The Emergence of Liberation Theology: Radical Religion and Social Movement Theory (1991), Gooren in “Catholic and Non-Catholic Theologies of Liberation: Poverty, Self-Improvement, and Ethics among Small-Scale Entrepreneurs in Guatemala City” writes: “… a small cadre of young, aggressive, radicalized theologians outraged by Latin American poverty and dependency gained access to positions of influence in the Latin American Catholic Church. They did so at a critical time when, because of a growing organizational crisis and an increased ideological openness, the Church was searching for a new organizational strategy that would strengthen its ability to achieve its mission in society.
The strategy of this cadre was to abandon alliance with Latin America’s political, economic, and military elites, and establish ties instead with Latin America’s poor masses. They wanted to redefine the church as an advocate of social justice, economic equality, human rights, anti-imperialism, and popular political participation. (Gooren 30)
[16] Gustavo Gutierrez, A Theology of Liberation: History, Politics, and Salvation (Orbis Books: Mayknoll, New York, 1973). Originally published as Teología de la iberación, Perspectivas by CEP, Lima, 1971.
[17] Foroohar, “Liberation Theology: The Response of Latin American Catholics to Socioeconomic Problems,” writes: “The Second Conference of Latin American Bishops at Medellin, Columbia, in 1968 was a culmination of this process of radicalization in the Latin American church.” (40)
[18]See Foroohar in ibid., and Levine in “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” 245.
[19] Gooren, in “Catholic and Non-Catholic Theologies of Liberation: Poverty, Self-Improvement, and Ethics among Small-Scale Entrepreneurs in Guatemala City,” observes: “But the Catholic Church had changed significantly as well. In countries where liberation theology was traditionally strong, Pope John Paul II appointed more conservative new bishops and cardinals. The fact that liberation theology had originated and spread through enthusiastic leaders now became a weakness. The leaders were replaced or forbidden from expressing their views, such as the Brazilian Leonardo Boff and Nicaraguan Ernesto Cardenal.”(31)
[20]Levine, in “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” puts the point thus: “The poor have something of special value for theology and for religion generally. Morover, this contribution is best expressed in efforts intitiated and carried out by themselves, not by others acting in their name. In this way, the poor appear in liberation theology less as objects of the church’s actions or programs than as active subjects. Acting for the poor therefore yields in liberation theology to sharing with, learning from, and accompanying them in organizations which poor people themselves have a major hand in running.” (245)
[21] Quoted passage by Levine in ibid. reads as follows: “liberation theology commits itself to listening to the poor and learning about about the world as they see and experience it. Commitment and involvement with struggles for liberation are central, and therefore stances of dispassionate neutrality are dismissed as unrealistic and hypocritical.” (246)
[22] Phillip Berryman in Liberation Theology (Temple Univeristy Press: Philadelphia, 1987) aptly comments: “People do not simply happen to be poor; their poverty is largely a product of the way society is organized. Hence, liberation theology is a critique of economic structures that enable some Latin Americans to jet to Miami or London to shop, while most of their fellow citizens do not have safe drinking water.” (5)
[23] Foroohar in “Liberation Theology: The Response of Latin American Catholics to Socioeconomic Problems” states: “Traditional Catholicism views poverty as an individual failure and stresses charity and job training. In contrast, the bishops at Medellin examined poverty in its social context and called for not only individual charity but a profound change in the socioeconomic failure.” (40)
[24] Original passage is as follows: “The spirituality being born … is the spirituality of the church of the poor … the spirituality of an ecclesial community that is trying to make effective its solidarity with the poorest of the world. It is a collective, ecclesial spirituality that, without losing anything of its universal perspective, is stamped with the religious outlook of an exploited and believing people. … It is a new spirituality because the love of the Lord who urges us to reject inertia and inspires us to creativity is itself always new.” Quoted in Levine, “Assessing the Impacts of Liberation Theology in Latin America,” 247.

ምስጋናን ሓበሬታን

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ንድፊ እንከሎ፡ ኣንቢቦም ክቡር ርእይቶታቶም ንዝሃቡኒ ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም፡ ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽበሃ፡ ዶ/ር ኣፈወርቂ ጳዎሎስን ኣቶ ኣብርሃም ዘርአን ብልቢ አመስግን።

I would like to thank Dr. Nazareth Amlessom, Dr. Angessom Atsbaha, Dr. Afewerki Paulos, and Mr. Abraham Zere for their valulable comments on various earlier drafts of this paper.

About the Author: Ghirmai Negash is a Professor of English & African Literature in Ohio University. He can be contacted at: negashg@ohio.edu

Title for English citation: “The Priests Have Spoken: Beginnings of Liberation Theology in Eritrea?”

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares