Awate.com

እንድዒ

እንድዒ

እቲ ተመን ኣብ ትሕቴና
በትሪ ኣብ ኢድና
ነታ ወስ እኳ ስኢንና
አረ እንታይ’ዩ ዓዚሙና?
እንድዒ …
እንታይ’ዩ ዓዚሙና
ቋንቋና  ተዘባሪቑ ባቤል ዝኾነና?
ኣብ ሰዋስው፡ ኣሳዅዓ ቃላት
መግለጺታት፡ ትርጕማት
ሽንኮለል ዝበልና?
እንታይ’ዩ ሕድሕድና ዘቋስል?
እቲ ሓደ ተወደቐ እቲ ሓደ ዘዕልል
እቲ ሓደ ተለዘበ እቲ ሓደ በትሩ ዘልዕል
እንታይ’ዩ
ነቲ ሓደ ንየማን ነቲ ሓደ ንጸጋም 
ነቲ ሓደ ንድሕሪት ነቲ ሓደ ንቕድሚት
 ዘህልል?
 እቲ ሓደ ተሰዓበ እቲ ሓደ ዘግልል?
እንድዒ’ኮ’ይለ ኣምላኽ’ዶ ጌርካኒ!
ነታ ነፍሲ ኤርትራ ንሱ’ውን ዝርድኣ’ይመስለኒ
እቲ ተመን’ዶ ሽሒሩና
በተን ዓረር ኣዕይንቱ ሰርዩና?
ተመን ድኣ’ሞ ንባዕሉ ዓይነ ስውር
ብመልሓሱ ዳህሲሱ ዝነብር
ከመይ  ክስሪ ከመይ ክሽሕር
እንድዒ … !
እሞ ነቲ ዘለለናዮ  ቈርበቱ
በብሳልስቱ እንዳቐየረ በብሰንበቱ
ዶ ኣደናጊሩና ከቶ ምልላዩ ስኢንና?
እ … ንድዒ!!
ወይስ በእጋሩ ነጊሑና ኣፍ ልብና ሸንዲሑና
ርእስና ኣናዊጹ መልሓስና ኣውሒጡና?
ኣኽ …  ተመን ድኣ ኣእጋር እኳ ዘይብሉ
ተንፏሒዅ ዝኸይድ በጠበጥ  ኢሉ
እንታይ ድኣ’ሉ  ኣፍዚዙና?
ናብ ቅዳሓት፡ ዞምቢታት ተቐይርና?
እ … ንድዒ!!!
ግዲ የብልካን  ግዲ የብልካን
በታ ዓንደል መልሓሱ እዩ  መሪዙና?
ፈለማ ገነት ንዅሉ እዩ ተመባጺዑ
ሰብ ድማ ኣመኖ ገሃነም ሰንጠቐ ምስኡ
ድሓር ግን  ብዓወታት ዓዊሩ ንብድዐ ኣፍቂሩ
መን ከማይ! ነፍሱ ኣደነቐ ብመልክዑ ሰኺሩ
ንኣኻዓየታቱ
ንዝሃጠረ ኣልፊዑ ኣልፊዑ
ንዝነውሐ ርእሱ ሰሊዑ
መዋድርቱ ሓኒቑ  በሲዑ
ንሓፋሽ ኣስርዒዱ  ገፊዑ
ንሓጸርቲ መጢጡ ንሃሳሳት ኮሊዑ
ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ
ኣነ  ንበይነይ ኣወጀ ንዅሉ ረሲዑ?
እ … ንድዒ!!!!
እሞ’ኸ ንምንታይ  ጸረ መርዚ ዘይደለና?
 ሓሶት ድዩ ጥዒሙና መቂሩና?
ብደመና ተስፋታት ዓዊርና?
እሞ
እኳ ዘይዘነመ
እኳ ዘይረወና
እኳ ዘይሓረስና
እኳ ዘይጸገና
እኳ ዘይፈተልና
እኳ ዘይለበስና
ስለምንታይ ንሓሶት ንኣምን
ሓሶት ምዃኑ ‘እናፈለጥና?
ሕልሚ ሓሶት ከይብተን?
ስለምንታይ ከይንበራበር ንፈርሕ?
እቲ ገነት ሓሶት ከይፍንጣሕ?
ይፈንጣሕ! ይፈንጣሕ! ይፈንጣሕ!
እንሻላህ ይፈንጣሕ!
እንድዒ !!!!

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares