Awate.com

ኤርትራ: ሃገራዊ ኣፈርክቡ

ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ኩነታት ዳርጋ ንነብሰወከፍ ኤርትራዊ ተረዲኡዎ ዘሎ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብኡ ኣትየ ብዙሕ ኣይክዛረብን እየ።እቲ ኣታሓሳሳቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ’ዩ። እቶም ኣብ ሰደት ዘለና ኽ እንታይ ክንገብር ይግባኣና፣ እንታይ ከ ክንገብር ንኽእል ዝብል እዋናዊ ሕቶ’ዩ። ናይ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ስደት ሓደ መለለዪ ባህሪ ኮይኑ ዘሎ፣ለውጢ ብውሽጢ ክመጽእ ከምዝእል ኣሚንና ምጽባይን ምምናይን እምበር ኣካል ናይ ውሽጢ ለውጢ ክንከውን ኩነታት ኣይፈቐደልናን ንሕና’ውን ከም ሓቂ ኣይፈተናን. እቶም ኣብ ኤረትራ ዘልዉ ወታሃደራውን ሲቪላውን ሰበሰልጣን ካባና ወላዕሊ ይጉህዩን ይሕመሱን ከምዘለዉ ንፈልጥ። ሓደ ብዓል ስረ ከም ወዲ ዓሊ ቦሎኽ ክብል ከምዝኽእል ውን ንፈልጥ። እቲ ዘሰክፍ ግን ብውሽጥን ብደገን ክንወድቕ ተኽእሎታት ምህላዉ’ዩ። ከምኡ ክኸውን ዘኽእሎ ድማ ሓደ ክንጥንቀቐሉን ክንሰርሓሉን ዝግባኣና ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቶም ምሁራት ናይ ማሕበራዊ ኣታሓሳስባ (Social Psychologist) ባይስታንደር ኢፈክት (Bystander effect) ኢሎም ዝጽውዕዎ እዩ። እዚ ምስ እዚ ኩነታትና ኣታሓሒዝካ ክግለጽ ከሎ፣ ካልኦት ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም ብምባል ኣብ ክንዲ ኩልኻ ናይ ምድሓን ግቡካ ትገብር፣ካልኦት ክገብርዎ ምጽባይ ማለት’ዩ። እቶም ኣብ ስደት ዘለና ” ጀጋኑ ተጋደልትን ኣገልግሎትን ክፍንቅልዎ እዮም፣ ሎሚ ጽባሕ ክቐትልዎ እዮም” እናበልና ንጽበ ኣለና። እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሓያላት ኮረነላት ድማ “ኮረነል ገብራይ ክገብራ ዩ፣ ኮረነል ምሓመድ ክገብራ’ዩ” እናበሉ ኣይ ካብ ገብራይ ኣይ ካብ ምሓመድ ሓዲግ ከትርፉና ዓቢ ተኽእሎልታት ኣሎ።

ስለዚ እንታይ ድኣ ይገበር፧ እቶም ምስ ወታሃደራት እኹል ርክብ ዘይብልና እቲ እንኮ ኣማራጺ ኩሉ ጓል መንገድን እቲ ዓዲ ዘይእቱ ዘይረብሕ ቅርሕንትን ገዲፍና ናይ ዓርቢ ሓርነት ሞደል ተኸቲልካ ኣብ ከተማታትን፣ ገጠራትን፣ ወታሃደራዊ ማዕስከራትን፣ ቤት ትምህርትታትን ወረቐት ምዝርጋሕ፣ ሮቦኮል ምግባር፣ ሳተላይት ረድዮ ብቐጻሊ ምንጉድጓዱ ወዘተረፈ ከይተሓለልና ብዑቱብ ብዑቱብ ክስርሓሎም ኣለዎ። እታ ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ምንጪ ክትከውን ትኽእል ዝነበረት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንሎሚ ከይትጠቅመና ኣቐዲሙ ስለዝዓጸዋ ህዝቢ ናዕቢ ናይ ምግባር ተኽእሎ ዉሑድ እኮ እንተኾነ፣እኩባት ኣህዛብ ዝርከብሉ ቦታ ኣላሊኻ ወረቐት ዝዝረጋሓሉን ዝልጠፈሉን መንገዲ ክድለ ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ኣገልግሎት ማዓስከራት፣ ት/ቤት፣ ቤተክርስትያን፣ መስግድን (ሓሙስ ምሸት) ዕዳጋን ምጥቃስ ይካኣል’ዩ። እቶም ወታሃደራውን ሲቪላውን ሰብሰልጣን ዝነበርኩም ሕጂ ኣብ ስደት ትርከቡ ዜጋታትት፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ርክብ እንተልይኩም ሕጂ እዩ እቲ ግዜ ተጠቀምሉ።
______
ህጹጽ ናይ ኣፈርክቡ ጉያ (urgency)

በቲ ንዕዘቦን ንሰምዖን ዘለና እንተኾይኑ ምፍራስ ናይ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ምድርን ኤርትራ ኣብ መስርሕ’ዩ ዘሎ። ናይ ኤርትራ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣፍሪስካ ብኢትዮያውያን ዝዕብለል ሓንፈጽ (hybrid forces) ወታሃደራዊ ሓይሊ ምቛም ዘሎ ተኽእሎታት ዓቢ’ዩ። ምቕልቓል ወዲ ኢሰያስ እምባኣር ምስ እዚ ፍጻመ ብቐጥታ ዝተታሓሓዘ እዩ። ቕድሚ ሕጂ ምናልባት ወዱ ናብ ስልጣን ናይ ምምጻእ ሕልሚ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ይኸውን’ዩ።እንተኾነ ግን ን52 ዓመታት ዝሰርሓሉ ናይ ወታህደራዊን ሰለያውን ምሓውር ንኢሰያስ ጥራሕ ከምዝስርሕ፣ እቶም ተግበርቲ ድማ ንኢሰያስ ጥራሕ ከምዝሰምዑ ስለዝተሰርሑ ኣይሽንኳይ ዶ ንናይ ፖለቲካዊ ዕሸል፣ ምስኦም ዝመጸ ካልእ ተጋዳላይ ካብ ምብሉዑ ድሕር ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ ወንዚፍዎ ጸኒሑ። እንተ ሕጂ ግን ወታሃደራት ኢትዮጵያ ከሳልይዎን ክሕልውዎን ተኽእሎ ስለዘሎ ንወዱ ኣፍልቦ ነፊሑ ናብ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻት ከላልዮ ጀሚሩ ኣሎ።

ስለዚ ኣቡኡ ሰለስተ ወለዶታት ዘጥፎኦ ከይኣክል ወዱውን ካልእ ሰለስተ ወለዶታት ከጥፍእ ይምልመልን ይዳሎን ኣሎ። ስለዚ ክገብር ዝኽእል ወታሃደራዊ ባዓል ስልጣን እንተልዩ ኣሃድኡ ከይፈረሰ ከሎ ዝግበር ክገብር ዝግብኦን ዘለዎን ስዓት ሕጂ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢሰያስ ዓማጺ ምዃኑ ካብ ኩልና ንላዕሊ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ሰለማዊ ሰልፊን ክልእን ኣገዳሲ እኮ እንተኾነ ግዜ ስለዘየለ ሁጹጽነት ናይ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ተረዲእና እቲ ገንዘብን ጉልበትን ናብ ጎስጓስ ውሽጢ ዓዲ ክጠፍእ ኣለዎ።

ህዝቢ ክነቕሓሎም ዘለዎም ናይ ኢሰያስ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ጸወታታት

ሀ) ሰባ ዝራሕራሓ ሃገር ንዓመጽን ጎበጣን ምችእቲ’ያ

ዶብ ተኸፊቱ ኣብ ክልተ ሰሙን ዘይመልእ ዳርጋ 17,000 ኤርትራውያን ክስደዱ ዝተደልየሉ ምኽንያት እምብኣር ኤርትራ ህዝባ ምስገደፋ ከም ምብራቅ ጀርመን ክትፈርስ ስለ ተደልየ’ዩ።ከምቲ ናይ ምብራቅ ጀርመን ድሕሪ ከንደይ ዓመታት ዶብ ስለዝተኸፍተ እቲ ተጮቊኑን ተዓጽዩን ዝጸንሐ ህዝቢ ሆጭ ኢሉ ምህዳም ባህሪያዊዩ። ከምቲ ምዕራብ ጀርመን ዝገበረቶ ኢትዮጵያ እውን ንኤትራውያን ዜግነት ክትዕድሎም ክምትፍትን ክንጽበዮ ዘለና ዘይተርፍ ፍጻመ እዩ ።እንተኾነ ግን ዜግነት ኣብ ጁባ፣መንነት ድማ ኣብ ርእሲ ስለዝኾነ በዚ ጉዳይ ክንሻቐል የብልናን። ጹቡቕ ጎድኒ እውን ስለ ዘለዎ እቲ ታሓሲቡ ዘሎ ናይ ዕንወት ጥጅእ ናብ ጥቕምና ከነውዕሎ ይግባኣና ። ኤርትራ ምብራቕ ጀርመን ኣይኮነትን ። ኢትዮጵያ ድማ ምዕራብ ጀርመን ኣይኮነትን ። ኤርትራውያን ካብ ኢሰያስ እምበር ካብ ሃገሮም ይሃድሙ የለዉን። ምብራቅ ጀርመን ናብ ምዕራብ ክስደዱ ከለው ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባዊን ጭቆና ምብራቕ ጀርመን ጥራሕ ዘይኮኑ ዝሃድሙ ነይሮም ፣ ናብ እታ ብታንኪ ዘይጨፍለቐቶም፣ዓመታት ዘየድመየቶም፣ኣጥባት ኣደታቶም ብሳንጃ ዝይቆረጸትሎም፣ብናፓል ህጻናትን ኣደታትን ዘይኣቃጸለትሎም፣ካብ ሙዉቅ መነባብርኦም ዘየከላበተቶም፣ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለኒን ኢላ ዘይሰጎጎቶም ምዕራብ ጀርመን እዮም ዝስደዱ ነይሮም ። ሓደ ቛንቛን፣ሓደ ሃይማኖት፣ሓደ ዓለት ምዃኖም ድማ ከይተጋየሹ ክዋሃሃዱ ሓጊዝዎም’ዩ ። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ረቋሒ ድማ፣ ምዕራብን ምብራቕን ን41 ዓመታት ወላ ተፈላልየን ይጽናሓ እምበር፣ምብራቕ ጀርመን ንምዕራብ ጀርመን ክስደዱ ከለዉ መንነቶም ከይተሓኸኸ ኣብ ቦቱኡ እዩ ጸኒሕዎም።ስለዚ እቲ ዝትዓደሎም ወረቐት ዜግነት ዘይኮነ መንነት’ዩ ነይሩ።እዚ ኢትዮጵያ ክትዕድሎ ትፍትን ግን ዜግነት ስለዝኾነ ለውጢ ምስተረኽበ ንኽትሓኮን ክትቐዶን ወርሒ ኣይወስድን’ዩ ። ስለዚ ኢትዮዽያ ንኤርትራውያ ዜግነት ምዕዳል ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ።

ካብቲ ብዙሕ ጥቕምታት ንግዚኡ ኣብ ሓንቲ ጥራሕ ከተኩር።ዜጋታትና ካብ ኢትዮጵያ ከይራሓቑ ክጽበዩና ክሕግዘና’ዩ ። ኢትዮጵያ ዜግነት ምዕዳል ማለት፣ወላ እቲ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስዳድ ዝግበር መስርሕ’ውን ደው ክብል’ዩ ማለት’ዩ።ማሕበር ስደተኛታት (UNHCR) እቲ ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምስዳድ ትገብሮ መስርሕ እታ ኣአንገዲት ሃገር(host) ኣብ ሃገረይ ክነብሩ ጸገም የብሎምን፣ዜግነት’ውን ክዕድሎም ስለ ዝኾንኩ ከም ማንም ዜጋ ሰሪሖም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም እንተይላ እቲ መስርሕ ድው ናይ ምባል ተኽእሎ ዓቢ እዩ።ዉሑዳት ፍሉጥ ናይ ጸጥታ ሽግር ዘለዎም ዘጋታት ገዲፍካ ማለት’ዩ ። ከምቲ ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ናጽነት ምስ መጸት ዜግነት ዝነበሮምን ዘይነበሮምን ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ናብ ዓዶም ክዉሕዙ ሓገዝ ናይ መንግስትን ናይ ውዱብ ሑቡራት ሃገራትን ከማን ዘይተጸበዩ፣ኤርትራውያን ካብ ኢትጵያ ምምላስ ብፉጹም ኣይእግሞምን እዩ ። እቲ ሽግር ግን ኢሰያስ ነዚ ጉዳይ ኣጸቢቁ ስለ ዝፈልጥ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ኣርሒቖም ሃጽ ዝብሉሉ መንገዲ ካብ ምንዳይ ድሕር ኣይክብለን’ዩ ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ሓደ ንስደተኛታት ዘርዕድ ናይ ሓሶት ዜና ተዘርጊሑ ነይሩ።ንሱ ድማ ናይ ኤርትራ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝብል እዩ ነይሩ።እቲ ዕላማ ብሓጺሩ፣ነቲ ዑቕባ ክደሊ ዝሃድም ዘሎ ዜጋ “ኣርከብናካ! ኣርከብናካ! ንምባል እዩ እምበር ኣብዚ ስዓት እዚ ናይ ህግደፍ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ሰብ ክጨውዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉሉ ምኽንያት ብዙሕ ኣይክህሉን’ዩ. ምኽንያቱ ሎሚ ኢትዮዽያ ንኢሰያስ ወኪላ ኣብ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ እናመደረት ንኢሰያስ ዘድልይዎ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓኒቓ ዘይተረክበሉ ምኽንያት የለን።

ለ) ናይ ኣእምሮ ኲናት ንወታሃደራውን ሲቪላውን ሰበስልጣን ንምልማስ

ኣብቲ ሓጺር ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኼባ ዝተገብረ ናይ ኢሰያስ መደረ “ክሳብ ሎሚ ካልእ ጉዳይና በዚሑና ነይሩ እንተ ሎሚ ግን እቶም ብብልሽውና ዝተቆማጣዕኩም ክንእስረኩም ኢና “ዘስምዕ መደረ ንኹሎም ሰበሰልጣ ህግደፍ ዓዲ ገዲፍኩም ህደሙ ኢሉ ኣተንቢህሎም። “ድሕሪ ሕጂ ዝሃደሙ ሰበስልጣን እንተሰሚዕኩም ክገርመኩም የብሉን” ይብል ኢሰያስ።ኣብዚ ጉዳይ እቶም ንጹሃት ብጣዕሚ ውሑዳት ስለዝኾኑ በዚ ጉዳይ ዘይተባህደለ ኣይክህሉን’ዩ።መናልባት እቲ ናይ ህደሙ መልእኽቲ ተቐቢሎም ከፍ ከይብሉ መታን፣ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኢሰያስ ተወሳኺ መፈራሪሒ ወሲዅዎም ኣሎ።ብዘይፍላጥ ኢሰያስ ሊሑኹ ዝተባህለ ዘዋሪ ወረቐት፣ 75 ሰበስልጣን ካብ መገሻ ታኣጊዶም (Travel ban) ዝብል’ዩ።ዶብ ኤርትራን ኢትዮዽያን ጋህ ኣቢልካ ከፊትካ ክተብቅዕ ከይትገሹ ከልኪለኩም ኣለኹ ምባል እንታይ ማለት ምዃኑ ምምርማር ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን።

ሐ) ቁጠባዊ ዕንወት ንዕብለላ ባይታ ምንጻፍ

እቲ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ኣብ ህዝብና ዝወረደ ናይ ሰብኣውን፣ማሕበራውን፣ቁጠባውን፣ ሞራላውን ስነ ኣእምራውን ኣደራዕ ነዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ባይታ ንምጥጣሕ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፣ ነቲ ኩሉ ኣደራዕ ናይ ህግደፍ ስርቅን ዓምጽ ን18 ዓመታት ተጻዊሮም ካብ ጉቡኦም ንላዕሊ ግብርን ቀረጽን እናኸፈሉ ንህዝቢ ኤርትራ ቀረብ ኣብ ምምጻእ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገበሩ ነጋዶ ኤርትራ ክሳብ እዛ ስዓት እዚኣ ስኖም ነኺሶም እዮም ተቓሊሶም። ሕጂ ግን ግዳይ ዕንደራ ኢሰያስን አቢን ኮይኖም እቶም ናይ መጨረሻ ናይ ቁጠባ ስውኣት ኮይኖም ኣለዉ። ዘይታኣደነ ቀረጽን ግቦን ከፊሎም ዘእተዉ ነጋዶ ምስ እቶም ብዘይቀረጽ ካብ ኢትዮጵያ ዘእትዉ ዘሎው ነጋዶ ብፍጹም ታኣምር ክዋዳደርሉ ኣብዘይክእሉሉ ኩናት ተጠቢሶም ኣለዉ።እቶም ኣብ ካልእ ኣፍሪቃታት ሃገራት ዘለዉ ኤርትራውያን ነጋዶ’ውን እንተኾነ ክኣትዉ ሓቲቶም እኮ እንተበሩ 2% ዝኸፈልሉ ቅብሊትን ዝርዝር ንብረቶምን ዘሪኢ ዶኩመንትን ከቕርቡ ታሓቲቶም ካብ ንዝመውት ዘሎ ስርዓት ምኽፋል ኮፍ ኢልካ ምጽባይ ይሓይሽ ኢሎም ይጽበዩ ኣለዉ። ካልእ እቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ኣብ መንጎ ትግሪኛ ከበሳን ተጋሩን ዝጸንሐ ውድድርን ቅርሕንትን ምስ ግዜ ክጠፍእ እዩ ዝብል እምነት እኮ እንተነበረ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ናብ ዝኸፍኤ ኰወርድ ተኽእሎታት ኣሎ። ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ስቃይ ንገሊኦም ተጋሩ ነጋዶ ከም ዕድል ኮይኑ ስለዘተራእዮም ኤርትራውያን ጹቡቅ እዮም ዘለዉ፣ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሰላም ኣብ ካልእ ሃገር የለን ብምባል ብብደዔ ክዛረቡን ንንግዲ ክጓየዩን ክትሰምዕን ክትርእን ከለኻ “ዘይወግሕ መሰኢልዋ ሲ ኣብ ቦኽራ ታሓርእ” ትብል። ተጋሩ የሕዋትና፣ መታን ጽባሕ ሰላምን፣ ፍቕርን፣ ምክብባርን፣ ሰናይ ጉርብትና ክህልወና ልዕሊ ዝኾነ ናይ ታሪኽ ግዜ ሎሚ ምስትውዓል ክሓተኩም እዩ።

መ) ስደት ናቕፋን ዶላርን ናብ ትግራይ

ምስ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋት ፣ ናይ ኤርትራ ሓይሊ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን ናብ ትግራይ ዝሃድም ዘሎ፣ ናቕፋን ዶላርን እውን ይስደድ ኣሎ። ኤርትራውያን ናብ ትግራይ እናኸዱ ብናቅፋን ዶላርን እዮም ንብረት ዝሽምቱ ዘለዉ። ወላ እኳ ትሕዝቶ ናይ ናቕፋ ትሕቲ ብር ይኹን እምበር ተጋሩ ናብ ኣስማራ ዘሞጽእዎ ንብረት ግን ወይ ብዶላር ወይ ብናቅፋ ጥራሕ ኢና ንሸይጥ እናበሉ ብር ምቕባል ይኣብዩ ኣለዉ። እንታይ ማለት እዩ እዚ፧ ስለምንታይ ከ እዚ ኩሉ ሃጸፍጸፍ ናቕፋን ዶላርን ምእካብ፧ እቲ ቀንዲ ዕላማ ክኸውን ዝኽእል ናቕፋ ምሉእ ብምሉ ካብ ኤርትራ ክጉሕጋሕ እሞ መንግስቲ ሰራሕተኛታቱ ክኸፍል ኣብዘይ ክእለሉ ደርጃ ወዲቑ ኩሉ ህዝባዊ ኣገልጉሎታትን መንቕስቓሳታትን ደው ክብል፣ ሃገራዊ ምክልኻል ድማ ክሕመስ። ካልኣይ፣ ኩሉ ናቕፋ ምግሓጥ ማለት ናይ ዶላር ጸሊም ዕዳጋ ምቁጽጻር ማለት እዩ። ከምኡ እንተቐጺሉ ኩሉ ኣብ ስደት ዘርከብ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ኣብ ኤርትራ ዶላር ዘሽርፍ ኣብ ትግራይ ከይዱ ከሽርፍ እዩ ማለት እዩ ።

ረ) ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዘንቢል ውልቐሰባት

ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ገለን ዓመታት ብስርቂ ድዩ ብሕጋዊ ዝታኣከበ ናይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ ቢልዮናት ዶላራት ገንዘብ ኣበይ ከምዘሎ ክልተ ሰባት ጥራሕ እዮም ዝፈልጥዎ። ንሶም ድማ ኢሰያስን ሓጎስ ክሻን እዮም። ሕጂ ሓጎስ ተሰዊሩ ይባሃል ኣሎ። ካብ ኢሰያስ ድዩ ተሰዊሩ ወላስ ብኢሰያስ እዩ ተሰዊሩ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ጉዳይ እኮ እንተዘየሎ፣ እዚ ሰብ እዚ ገዛ ደፊኑና ከይዱ ስለዘሎ ናቱ ምስዋር ከም ተራ ዝሃደመ ባዓል ስልጣን ጌርካ ብፉጹም ታኣምር ክውሰድ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ዜጋ ብዑቱብ ክከታተሎ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። እቲ ገንዘብ ብስም ሃገር ዘይኮነ ብስም ውልቀሰባት ተዘርጊሑ ስለዘሎ ክሳብ ጉዳይ ኤርትራ ተረጋጊኡ ንኪኢላታት (either with the help of Stolen Asset Recovery (StAR) Initiative or through paid financial forensics, fraud and money laundering experts etc) ገንዘብ ከፊልና ገንዘብ ሃገር ንደሊ፣ እንተተኻኢሉ ኩሉ ሰብ በብዘለዎ ማሓውራት (network including family members, relatives, friends, acquaintances etc) ናይ ሓጎስ ክጸናጸን ይግባእ።

ሰ) ሓድሽ ሕጊ ንቐጻልነት ውልቀ-ምልክን ንጎረቤት ጥቕምን

ሕጂ ካብ ኢሰያስ እንታይ ክንጽበ ንኽእል፧ ኢሰያስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣዋጅ ክእውጅ ክንጽበዮ ይግባእ። እቲ ኣዋጅ ከም ወግዓዊ ናይ ንግድን፣ ምሕደራን፣ ፖለቲካን፣ ጸጥታንውን፣ ወታሃደራውን መቆጻጸሪ መሳርሒ ክጥቀመሉ እዩ። እዚ ናይ ሸፈጥ ኣዋጅ፣ ሕጊ ንግዲ፣ ሃገራዊ ምሕድራ፣ምፍራስ ሃገራዊ ሰራዊት፣ ምፍጣር ሓንፈጽ ሰራዊት ብስም ኤርትራን ኢትዮዽያን ናይ ቁጠባውን ጸጥታውን ምውህሃድን ካልእን ዝብል ሸፈጥ ከጠቓልል ይኽእል’ዩ ። ኣብ ኤርትራ ስርዕተሕጊ ወይውን ንህዝቢ ዝውክል መራሒ ዘይምህላውና ንኣቢ ዘይኮነ ንባዕልና ኢና ንሓሚ። እንተኾነ ግን ካብ ኣቢ ንጽበዮ ነገር ድማ ኣሎ። መባእታዊ መሰል ደቂሰባት (fundamental human rights) ንሓደ ህዝቢ ሂብካ ንኻልእ ህዝቢ ዝንፈግ ሃላኺ ንብረት ስለዝይኮነ፣ ብልቢ ንዲሞክራሲን ህዝባዊ መስለን ሓርነትን ትኣምን እተኾይንካ፣ ነቲ ንህዝብኻ ክህልዎ ትመነዮ ንካልኦት ኣህዛብ ክትምነየሎም ባህርያዊ’ዩ። ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ክትካረዮም ቁቡል እኳ እንተኾነ፣ ምክራይ ንብረት ወይ ካብ ዋና ወይ ድማ ካብ ወኪል ጥራሕ ኢኻ ክትካረ ትኽእል። ኢሰያስ ዋና ኣይኮነ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ እውን ስለዘይኮነ ዝኾነ ምስኡ ዝግበር ስምምዕ ስርቅን ዘይሕጋውን እዩ። ንስኻ ናይ ሰላምን ፍቕርን መዝሙር ምዝማርካ ዘይታሓጎሰ ኤርትራዊ የለን ክባሃል ይክኣል።

ካብ ታሪኽዊ ተመኩሮናን ካብ ተመክሮ ካሎኦት ሃገራት እንማሃሮ ሓደ ሓቂ እንተሎ ግን ንዓመጽን ዓማጻይን ደጊፍካ ዝመጸ ነባሪ ፍቅርን ሰላምን ክሳብ ሕጂ የለን። ካብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ፓርላማ መደረኻ ዝተማሃርናዮ ነገር እንተሎ፣ ንነባሪ ሰላምን ጹቡቕ ጉርብትናን ኣሚንካ ነቲ ንኽልቲኡ ህዝብታት ጅሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ጉዳይ ብቕንዕና ክትፈትሖ ድሌትን መደብን ከምዝነበረካ’ዩ። ምስ ኢሰያስ ምስ ተራኸብካ ግን “ዶብ ኣገዳሲ ኣይኮነን፣ ዶብ ካልኣዊ ጉዳይ እዩ፣ ንሕና ህዝብታት ክድመሩ ኢና ንደሊ” ዝብሉ መዝሙራት ክትዝምር ጀሚርካ። ምስ ኢሰያስ እንታይ ዘቲኻ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይንገሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ነገር የብሉን ። ህዝቢ ኤርትራ ዓዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂ እንተሎ ግን፣ንናይ ኢትዮጵያ ዓመጽን ጎበጣን ንምእላይ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ንልዕሊ 100,000 ህይወት ዜጋታቱ ምስዎኦምን ምስንካልምን’ዩ። ምስ ጎረቤት ተፋቂርካ ምንባር ሕልሚ ኩሉ ኤርትራዊ እኮ እንተኾነ፣ ብልእላውነት ኤርትራ ምፍትታን ግን መቐጸልታ ናይ ሃይለስላሰን ደርግን ኵናት ስለዝኾነ ነዚ ሓላል ህዝቢ ናብ ኵናት ክኣቱ ኣይተገድድዎ። ምስ ውልቐመላኺ ምስምማዕ ዝደለኻዮ ነገር ብኣቆራጭ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን፣ነባሪ ፍቕርን ፣ ሰላምን፣ ምትእምማን፣ ሰናይ ጉርብትናን ብኣቆራጭ ስለዘይርከብ ንግዝያዊ ረብሓ ክትብል ነባሪ ጽልኢ ከይትተክል ሓደራ። ምስ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ጉርብትናን ቁጠባዊ ውህደትን ጽቡቕ እዩ፣እንተኾነ ግን ካብ ህዝቢ ታሓቢእካ ዝግበር ውሳነታት ግን መጨረሽኡ ኲናት’ዩ።በቲ ካልእ ወገን ድማ ፣ ኢትዮጵያ ዝተዓደላ ሕጋዊ መሬታ ሒዛ ነቲ ትማል ኣሽሓት ዜጋታት ዝኸፈልናሉ መሬት ኤርትራ ግን ጎቢጣ ሒዛቶ ከተብቅዕ ብፍቓድ ውልቀሰብ ወደባት ኤርትራ ክትሕዝ ምጉያይ ንህዝቢ ኤርትራ ድርብ ጸርፊ’ዩ። ምናልባት እቲ ዶብ ኣየገድስን’ዩ ዝብል ሓሳብ ካብ ኢሰያስ ዝመንጨወ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ እንተኾነ ግን እቶም ልዕሊ 19,000 ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዶብ ዝወደቁን ዝሰንከሉን ደቂ ህዝቢ እምበር ደቁ ኢሰያስ ከምዘይኮኑ ምዝኽኻር ዘድሊየካ ኣይመስለንን።

ሸ) ኤርትራውነት በዘይ መለለዪ ወረቐት ታሴራ

ሓዲሽ ሃገራዊ ታሴራ ክዕደል እዩ ብዝብል ምስምስ ኩሉ ኤርትራዊ ታሴራ ካብ ህዝቢ ካብ ዝምንዝዖ ሰለስተ ዓርባዕተ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ስለምንታይ ከምኡ ክግበር ተደልዩ ኣዛራራብን ኣስጋእን ዛዕባ እኮ እንተኾነ፣ ንኤርትራዊ መለለዪ ወረቐት ዳግማይ ምዕዳል ካብ ኩሉ ዘመናት ንላዕሊ ዝቐለለ ሕጂ’ዩ። ንኤርትራዊ ሓዲሽ መለለዪ ወረቐት ክትዕድሎ እኮ ከቢድ እንተዘይኮነ ኣብዚ ስዓት እዚ ግን ብዙሕ ስግኣትን ሕንፍሽፍሽን ከምጽእ ስለዝኽእል ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ካልእ መለለዪ ወረቐቱ ክዕቅብዎ ይግባእ።

ዘይተሓሰበ ጸጋ (Blessing in Disguise)

ሀ) መርገም ዝበልካዮ ምርቓ ኮይኑ ክጸንሕ ከሎ

ቅድሚ ሕጂ ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ዘሰክፈና ዘነበራ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ብኢትዮጵያ ዝወረደና ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል መዳርግቲ ዘይብሉ ኣደራዕን፣ ስቓይን ፣ጭቆናን፣ጎበጣን መንነት ኤርትራውነት ክህነጽ ከሎ ብፍቕሪ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ብጽልኢ ኢትዮጵያ እዩ ትሃኒጹ።ስለዚ ከም ኢትዮጵያ ገይሩ ንኤርትራውያን ክሕብር ዝኽእል ባእታ ብፍጹም የለን።እቶም ብፍቅሪ ኤርትራ ዝሓሩ ዜጋታት ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ሃገርን ህዝብን ይበርስ ኣሎ ኢሎም ነቢዖም እዮም። ህዝቢ ግን ሓቢሩ ክስዕቦም ኣይካኣለን። ንኣብነት፣ 366 ኤርትራውያን ኣብ መዲተራንያን ምስ ሞቱ፣ ኤርትራውያን ሓቢርና ንየሕዋትናን ደቅናን ክንቀብርን ክንሓዝንን ኣይካኣልናን። ወታሃደራት ኢትዮጵያ ባጽዕ ኣትዮም ዘብል ዜና ግን ን6 ሚልዮን ኤርትራውያን ክሕብር ዝኽእል ዜና እዩ። ስለዚ ናይ ኢትዮጵያ ረግጺ ነቲ ተዳሂኹ ፈርከሽከሽ ኢሉ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሃገርዊ ወንን ጥምረትን ዳግም ከበራብር ዝኽእል ሂያብ ስለዝኾነ ንጠቐመሉ።

ለ) ብኸብዱ ጥራሕ ክሓስብ ጽጸንሐ ዜጋ ብርእሱ ክሓስብ ክጅምር’ዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ብሕሰምን ጥሜትን ጮቆቖ ክብል ዝገበሮ ብኸብዱ እምበር ብፖለቲካ መታን ከይሓስብ ተባሂሉ ዝተገብረ ውጥን እዩ። ሕጂ ግን፣ ምስ እዚ ብነጻ ቀረጽ ዝግበር ዘሎ ናይ ቀረብ ውሕጅ እቲ ውጥን ክፈርስ እዩ።

ሐ) ብኢትዮጵያውያን ዝሕሎ “መራሒ” ኤርትራ

ድሕሪ ሕጂ ንኢሰያስን ወዱን ዝሕልዉዎ ወታሃደራት ኤርትራ ዘይኮኑ ወታሃደራት ኢትዮጵያ እዮም ክኾኑ። እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለኹም ተቓወምቲ ስግኣትኩም ካብ ኢሰያስ ዘይኮነ ካብ ኢትዮዽያ እዩ ክኸውን። ስለዚ እቲ ዝበለጸ ምዕቆቢ ቦታኹም ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን እዩ። እቶም ዑጡቓት ወታሃደራት ኣለዉና ትብሉ ተቓወምቲ ውድባት፣ዝፈርስ ግንባር ስለዘየለ ነዞም ካብ ህዝብን ወተሃደራትን ተነጺሎም ዘለዉ ኩፋኣት ስድራቤት ምስ ህዝቡኹም ኮንኩም ንኽትኣልዩ ዶብ ተኸፊትልኩም ኣሎ።

መ) ምምላስ ካብ ሩሑቕ ስደት ናብ ሃገር ወይ ናብ ጎረበት

ኢሮጳውያንን እስራኤላውያንን ንኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክሰጉኦም ማዓልትን ዕድልን ጥራሕ እየን ዝጽበያ ዘለዋ። ናቶም ምምላስ ንኢሰያስ ብጣዕሚ ኣስጋኢ ስለዝኾነ ሕራይ ክብል ኣይክእልን እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣነ እየ ኣዲኦም ክትብል ስለትኽእል ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምስጏግ ተኽእሎታት ኣሎ።እዚ እንተ ኣጋጢሙ በቲ ፍጻመ ምጉሃይ ዘይኮነ ብኸመይ ኤትርዊ ዓቕሚሰብና ኣብ ገበላ ዓዶም ክጸንሑ ንዕቅቦን፣ ንሕብሕቦን፣ንጥቀመሉን ምድላውን ምውጣንን ከድሊ እዩ። ኩነታትና ከምዚ እንተቐጺሉ ከምቲ ናይ ቐደም ካብ ኤሮጳን ኣመሪካን ናብ ሜዳ ዝወርድሉ ዘነበሩ ኩላትና ምምላስ ዘይተርፈና እዩ። ኲናት ዝፈቱ ህዝቢ የለን፣ናይ ዉሑዳት ውልቀሰባት ጌጋን ኣሽካዓላልን ግን ኣህዛብ ግዳይ ኲናትን ሞትን ስደትን ይኾኑ። ኢሰያስ ባዓላዊ ናይ ኲናት ኣዋጅ ክእውጅ ንሕና ከነተግብር ን24 ዓመታት ህይወት ብዙሓት ከፊልና ። ኢሰያስ ዘይተጸንዐ ባዕላዊ ፖሊስታት ክሕልፍ ንሕና ድማ መዳርግቲ ዘይብሉ ዋጋ ከፊልና። እቲ ዝርዝር ንታሪኽ ገድፍና፣ተጸበይቲ ዕንወት ጥራሕ ምዃን ኣብ እዚ ዘለናዮ ደረጃ ስለዘውደቐና ወሰንቲ ንሃገራዊ ዓወት ክንከውን ሓጻር ዕድል ዘላትና ሕጂ’ያ። ደቅናን ደቂ ደቅናን ኲናት መታን ከይነውርሶም ነዚ ዘርኢ ኲናት ዝተክል ዘሎ ውልቀሰብ ኣብ ምምሓው ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት እዩ። ዝሓለፈ ዓመታት ዝበዝሕ ሓይልናን ገንዘብናን ደድሕሪ ዝተፈጸመ ዕንወት ክንሓዝንን ከነስተንትንን እምበር ኣብ ጠንቂ ዕንወትና ኣትኲርና ነቲ ዝዕኑ ዘሎ ባእታ ቀዲምናዮ ክነዕንዎ ስለዘይካኣልና ኣብ ገዛእ ውራይና እንትርፎ ክንሓዝን እምበር ኣብ ዕድል መጻኢ ሃገርና ክንውስን ዘይንኽእል ጏኖት ክንከውን በቒዕና ኣለና። ድሕሪ ደጊም ዘመን ኣሽካዓላል ኣብዚ የብቅዕ!

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares