Awate.com

ኤልሳ ጭሩም :ተራ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ

መደረ ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ብዕለት 25/03/11 ኣብ ለንደን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ
ተራ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ኩልና ከምንፈልጦ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትዓትር ዝኸኣለት ሳላ እቲ ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ደቃ እዩ። ይኹን እንበር ተቃለስቲ መሲሎም ብናይ ካልኦት ደምን ዓጽምን ተመኹልዮም ኣብ ስልጣን ዕድል ዝረኸቡ ገለ ጠላማት፣ እቲ ሕልምን ራእን ኤርትራውያን መንዚዖም፣ ብኢደ ዋኒኖም ነቲ ለውጢ ከምጽእን ሃገር ክቕይርን ዝኽእል መንእሰይ ወለዶ ኣደዳ ዘይእውጅ ባርነት ስደትን ሞትን ክኸውን ፈሪዶሞ። እዚ ናይ ሎሚ ምዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ እንበኣርከስ እቲ ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ሰፍ ዘይብል ኣርዑት ጭቆና ተጻዒኑ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን እኳ እንተኾነ፣ ብዓቢኡ ግን ነቲ ብብሱልን እዋናዊ ኣተሓሳስብኡን ሃገር ክቕይርን መጻኢ ወለዶ ከውሕስን እምነት ዝንበረሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ኣብ ንግድን ኣብ ኩሎም እቶም ወዲ ሰብ ክረኽቦም ዝግብኦም መሰረታዊ መሰላትን ተጠቃሚ ዝኾነሉን ሃገር ከም ሃገር ክትህቦ ዝግብኣ ናይ ዜግነት ክብሪ ክረኽበሉ ዝኽእል ዕድል ንምፍጣር እዩ።

እዚ ክንድዝኾነ ድማ እዩ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ኣብዚ ሎሚ እዋን ተራ መንእሰይ ኤርትራ ክዓዝዝን ከም ቆፍኡ ዝተተንከፎ ንህቢ ምእንቲ ድሕነት ሃገሩ ክጓዝምን ሃገራዊ መጸዋዕታ ዝቐርበሉ ዘሎ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ብጉጅለ ተፈላሊኻ ክርከብ ዝኽእል ዓወት ከምዘየሎ ድሮ እዚ ኣብ ከባቢና ከም ውሕጅ ኣዕለቕሊቑ በዚ ዕለት እዚ ይኸዱ እዮም ዘይበሃሉ ዕሉላት መለኽቲ  ሓሸምሸም ኣቢሉ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎድፍ ዝጉሕፎም ዘሎ። መንእሰያት ኤርትራ ነዚ ከም ኣብነት ዘይወስዱሉን  ኣርኣያ  መንእሰያት ናይ ካልኦት ሃገራት ኣጽኒዖም ኣብ ሃገሮም ንክጥቐሙሉ ሃንቀው ዘይብሉሉን ምኽንያት ዋላ ሓንቲ የለን።

ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣንኳይ’ ዶ ክትነብረሉ ክትዛረበሉ እኳ ኣዝዩ ዝኸብደካ ዓይነት ናብራ ኣወዳዲርና ምስ ንጥምቶ’ ሞ፣ መንእሰያት ካልኦት ሃገራት ዘይኮኑስ፣ ንሕና ንኻልኦት ኣብነት ክንከውን ምተገብእ። ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት መሪር ቃልሲ ዝተረኽበ ዓወት፣ መንእሰያት ኤርትራ ትሕቲ እንስሳ ብዝቁጸር ኣተሓሕዛ ኣብ ሃገሮም ክሳቐዩ፣ ከም ሃገር ዘይብሎም ፋሕ ብትን ኣቲዎም ኣዛብእ ሳህራ ክመናጠሉሎም፣ ሬስኦም ኣብ ዘይርከበሉ ዓሙቕ ባሕሪ ቀለብ ዓሳታት ክኾኑ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ከምዚ ኢልካ ምንባርን ብዝወረደካ ሽግር ምስቁርቋርን ጥራሕ’ ከ መፍትሒ ሽግርና ክኸውን’ ዶ ይኽእል?

ሓደ ካብቲ ጽቡቕ ባህልታትና ኣብ መንገዲ ንትበኪ ጓለንስተይቲ ኩሉ እዩ ኣቡኣ ዝብል እዩ ዝነበረ። እዚ ምዃኑ ተሪፍ ኣዋልድና ኣብ ኤርትራ ኣቦታተን ብዝኣኽሉ ሰብ ሓዳር ሓለፍቲ ሰራዊት እንዳተደፍራ ከምዘይርኣናን ከምዘይሰማዕናን ስለ ዝሓለፍናዮን ስለ ዘይተጣበቕናለንን ኣብዚ ሎሚ እዋን ካብ ሃገር ሓሊፍ ኣብ በረኻ ሲናይ ጠሪዕካ ፍትሒ ኣብዘይትረኽበሉ ኣእዊኻ ኣብ ዘይትስምዓሉ ጸምጸም በረኻ ከም ከብቲ ብሓደ ዘይኮነስ ብብዙሓት ሕጋዊ ክብረን እንዳተደፍረን መዕገቢ ድሌት ሸፋቱ ኮይነን ጥራይ ዘይኮነስ ወዲ መንዩ ዘይበሃለሉ ቆልዑ ይወልዳን ጥንሲ ይሽከማን ኣለዋ። ኣጓብዝ ኣወዳት መንእሰያትና’ ውን ካብ ሃገሩ ዝወጸ ዘኽብሮ ስለዘየለ፡ ናይ ተመሳሳሊ ዓመጽ ግዳያት ይኾኑ ኣለው።

እቲ ክትሰምዖ ዘሰምብደካን ብወዲ ሰብ ይፍጸም እዩ ኢልካ ዘይትጽበዮን ዘግናኒ ተግባር ግን፣ ነቶም ንዝተሃተትዎ ገንዘብ ብእዋኑ ክከፍሉ ዓቅሚ ዘይረኸቡ መንእሰያት ኤርትራውያን ህይወቶም እንዳሰምዑ ኣብ ቅድሚ’ ቶም የሕዋቶም ከም ከብቲ ኣጋዲሞም ዓዕ እንዳበሉ ብኻራ ክሓርዱዎምን ከም መቀያየሪ ኣቁሑት ከም እኒ ኩሊት፣ ልብን ካልእ ኣካላቶምን እንዳመዝሓቁ ኣውጺኦም ኣብ መሸጣ ዕዳጋ ከውዕሉዎ ምጅማሮም እዩ።

እዚ ገበን እዚ ህይወት ብዙሓት መንእሰያት ይቐዝፍ ኣብ ልዕሊ ምህላው፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ብህይወት ዝተርፍ’ ውን ዘሕድሮ ዘሎ በሰላ ኣብ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ኩላህና ንጽበያ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ካብ ሕጂ ጀሚርካ ዘሻቕል እዩ። እሞ ክንድዚ ዝኣክል ጸበባ ነሕልፍ ዘለና ኤርትራውያን ካብ ጸበባ እንወጸሉ ወሰንቲ ዕድልና ባዕላትና ንኾነሉ እዋን ኣብ ምቅልጣፍ ዝዓግተና ዘሎ እንታይ እዩ?

ንሕና ብብዙሕ መስገደልን መከራን ዝሓለፍና ሽግራትና’ ውን ሳላ መንፍዓትና ዝፈታሕና ህዝቢ’ ዶ ኣይኮናን? ሎሚ ካባና ኣዝየን ዘይርሕቃ ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ሰውራ ኣቕኒእና ንሕና’ ውን ደቂ ሃገር ከም ምዃንና መጠን ዕዮ ገዛና ብኻልኦት ክስራሓልና ከይተጸበና ነዚ ንውርደት፣ ንስደትን መከራን ኣቃሊዕና ዝርከብ ጠላም ስርዓት መንኪልና ኣብ ክንድኡ ዘገልግለናን ዝሰምዓናን ስርዓት ንምትካል ኩላህና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት ጾታን ዕድመን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንሓርነት ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ’ ውን እንተሎ ከፊልና እዚ ሃገራዊ ሽግር ብሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዮ።

ኩሉኹም መንእሰያት ኣብ ሃገርኩም ዘይምህላውኩም ንገሌኹም ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ክስምዓኩም እኳ እንተኽኣለ፣ ነዚ ብድሆ እዚ ብምስትውዓልን ብረቂቕ ኣተሓሳስባን ሰጊርኩም፣ ኣብ ዘዘለኹሞ ኮይንኩም ምስቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ዘለው ሰሚርኩም ትቃለሰሉ ኣገባብ ምፍጣር ንጽባሕ ዝግደፍ ዘይኮነስ ሕጂ ክጅመር ዘለዎ እዩ። በዚ መሰረት ነብስወከፍኩም ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጻእኩም ምስ ኣብ ኤርትራ ዝገደፍኩሞም የዕሩኽትኹም ብቴሌፎንን ብኻልኦት ናይ’ዚ ዘመን’ዚ መራኸቢታትን እንዳተጠቐምኩም ንክቃለሱ ኣበራብሩዎም።

እቶም ነዚ ስርዓት’ዚ ዘውግዙ፣ ወጽዓ እዚ ህዝቢ’ ዚ ከም ወጽዖም ዝርእዩን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዘለው ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብኹሉ ኣገባብ እንዳተራኸብና ሓቦን ተስፋን ንሃቦም። ንዕላምኦም ዘሳልጥ ኩለንታዊ ደገፍ ድማ ንግበረሎም።

ነቶም ዕላማ የሕዋቶም ረሲዖም፣ ካብ ድሌት ህዝቢ ርሒቆም፣ ነዚ ጊዜያዊ ስልጣን ተጎልቢቦም፣ ኣብ ህዝቢ ግፍዒ ዝፍጽሙ ንዘለው፣ ንዓኻትኩም መንእሰያት’ ውን እንተኾነ ሃገርኩም ራሕሪሕኩም ሃጽ ኢልኩም ፎቆድኡ ክትስደዱ ዘገደዱኹም ሱሱዓት ሓለፍቲ ኣብ ልቦም ንክምለሱን ወጽዓን ሕሰምን ህዝቦም ክሰምዑን ንምከሮም። ንምኽርና ኣይንሰምዕን ኢሎም ንዝቅጽሉ ድማ እዚ መሪር እዋን’ ዚ ሓሊፉ ዘመነ ፍትሕን ሰላምን ምስ ነገሰ ስለ እቲ ሕሉፍ ገበኖም ህዝቢ ክጸባጸቦም ምዃኑ ነዘኻኽሮም።

ካብቲ ትሕቲ ሲኦል ዝግመት ግፍዒ ዝፍጸመሉ ኤርትራ ወጺእኩም ኣብ’ ቲ መሰልኩም ዝኽበረሉ ዲሞክራሲያውያን ሃገራት ምዕቛብኩም ቅሳነት ክህበኩም ዘይኮነስ ከማኹም ሰላም ዝምነዩን ነጻ ህይወት ንክህልዎም ሃረር ዝብሉን ኣሕዋት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብ ድሕሬኹም ገዲፍኩሞም ምምጻእኩም ዘክሩ።

እቲ ኣባኹም ዝወረደ መስተርሆት ኣብኣቶም’ ውን ንክህልው እኣብዘለኹሞ ከባቢ ንዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ናይ ሕጊ ሰብ ሞያን ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ስለ ኤርትራን ጸበባኣን ካብ ምቅላሕ ኣይትቆጠቡ። ብዓቕሞም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ሓገዛት እንተሎ’ ውን ጥለቡ። እዞም ዝጠቀስኩዎምን ካልኦት ብመሃዝነትኩም ዝፈርዩ ጥበባት እንዳተኽተልኩም ብስምረት እንተመሪሽኩም እዚ ቦኽቢኹ ዘሎ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ሃደሽደሽ ኣቢልኩም ወነንቲ መሰልኩምን ዓድኹምን እትኾኑሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ኣሕዋት ክሰምሩ ጸላኢ የባርሩ፣ ንርስቲ ይዋግኣላ ኣንስቲ ዝብል ዓሙቕ ልቦና ዝነበሮም ኣቦታትና፣ እዚ ሳላ ዝገበሩ እዩም ወለዶ ካብ ወለዶ እንዳዓቀቡ ኣብዚ ደለናሉ መድረኽ ኣሰጋጊሮምና’ሞ፣ ኣባና ክበጽሕ ወለዶና ከይበርስ ኣብ ምዕቃቡ ከምቶም ዝሓለፍ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ሰሚርና ንዕየይ።

ውድቀት ንመለኽቲ!

ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!
ኤልሳ ጭሩም, 25 መጋቢት 2011, ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares