Awate.com

ኣወል ወረ ለቲሸ ምስ መሓዙቻ

መሓዙቻ ድሕሪ ንግደት ኒው-ዮርክ ዋላ ዋላ ጥዕና ዝበሃል ኣይረኸበትን፡፡ ወዲ-ኣፎም ይመጽእ ኣሎ ምስ በልዎ፡ ልባ ኣብ እንግድዓ ተሓዚላ ከም ሕንጢት እሩሩ ክትብላ’ያ ቐንያ፡፡ ኣብተን ስሕዋት ጸጕሪ ርእሳ ዝስቖራ፡ ጭሕሚ ዑፉን ዝመስላ ዊግ ከተናዲ ዘይኣትወቶ እንዳድኳን ኣይነበረን፡፡ ንቝኖ ዘመላክዕ ወርቃዊ መስተር(ሚዶ)፡ ካብ ቅርቅርቲ ንርእሲ ኣብ ክልተ ከፊሉ፡ ብግንባር ተጠዊ፡ ንኣዛን ኣልሒሱ ብምሕላፍ፡ ከም ሓረግ ዝጠማጠም ሰንሰለት ወርቒ፡ ሓደ ቡሩኽ ነጋዳይ ካብ ዱባይ ተምኒዩ ዝተማልኣላ ኢዩ፡፡ ኣእዛን ልዕሊ ዓቕመን ወርቂ ተሰኪመን፡ ተሰሊዔን ክኸዳ ዝተረፈን የብለንን፡፡ ጎባጕብ ዝተሰከመ ኣብ ክሳዳ ዝተንጠልጠለ ሰንሰለት ንቡር የብሉን፡ መእሰሪ ከልቢ ኢዩ ዝመስል፡፡ ኮታ ጽዕነት ኣድጊ ኢዩ፡፡ ጠይቂ ዘይብላ ኮይና እምበር፡፡ ጥልፊ ዲኻ ክትብሎ ዙሪያ፡ ሹፉን ዲኻ ክትብሎ ኵታ፡ መቸም ብማዕዶ ዝጥምታ ሰብ፡ ባንዲራ ኤርትራ ዝተሰቐላ  ዓንዲ ኢያ መሲላ፡፡ እዚ ኵሉ ንወዲ ኣፌ ንምቕባል ኢዩ፡፡

ሰንበት ክትመጸላ ልክዕ ከም ኣውድ-ኣመት ብህጥንዮት ተረቢጻ’ያ ቀንያ፡፡ ንማሕበር ኮም ዲሲ ደውላ “ኢሂ ‘ታ ክንደይ ትሓስሙ፡፡ ዓምና ብድሕሪ 10 እንዳመጸናስ፡ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ትነግሩና፡፡ ካልእሲ ይትረፍ ክልተ ቅጫ ሕምስ ሕምስ ኣቢላ ከምቲ ንቡሩ ስዋ ምጸመቝኵሉ፡፡ ካቡኡ ዝዓቢ ጋሻ መን ክመጸና ኢሉ፡፡ ክላልየ ኣዋሪድኵምና፡፡” ኢላ ብዘለፋ ዝሓደገትሎም የብላን፡፡ ሕምባሻ ምሕባሽ ግና ኣብ ኢዳ’ዩ፡፡ ምስሉ እኳ ኣብታ ሕምባሻ ክትርክም ሕርበት እንተበላ፡ ተማዊታ ግና “ ወዲ ኣፌ ኣንበሳ ናቅፋ” ሓናጢጣትላ ኢያ፡፡ ኣብ ኣእጋራን ኣእዳዋን ዝነበረ ሕኛ ሕብሩ ስለ ዝደብዘዘ ባህ ኣይበላን፡፡ እንዳሰይጣን ከይዳ ግና ከተሕድሶ ኣለዋ፡፡ መሓዙቻ ውራይ ኣትይዋ’ዩ፡፡

ብውሽጢ ልባ “ ንናቱ ወደይ ዶ ሓበርኒ ክብሎ? እዚ ታቱ ዝብልዎ ነገር ከመይ ዝሰርሕ? ካብቲ ናይ ዓድና ውቓጦ ብኸመይ ከይፍለ?” ነተን ብጎርዝኣ ከላ ኣብ ግንባራን፡ ዝባን ኢዳን ዝተቐተትን መስቐል ጠሚታ ፍሽኽ ኢላ፡፡ ዎዎዎ….ኣውሪዱለይ መሓዙቻ ንዅሉ ኣበይ ከርክበሉ፡፡ እምበር ኣብዛ ምናተይ ስእሊ ወዲ ኣፌ ኮፍ እንተዘብልሲ ከመይ ባህ ምስ በለኒ።

ናብ ሰንበት ዘውግሕ ናብ ኣዕንታ ድቃስ ዝበሃል ነገር ኣይቀረበን፡፡ ወዲ ኣፌ ጥራይ ኢዩ ዝረኣያ፡፡ ሓንሳብሲ ከምዚ ሓውሲ ሕልሚ፡፡ ኣብ ሬጋ በይና ተሰሪዓ ከላ፡ ወዲ ኣፌ ካብ መኪና ወሪዱ፡ መጺኡ ሰላም ክብላ ከሎ ይሰኣላ፡፡ ኢዱ ውጥጥ ኣቢላ ስዕዕዕምምምምም ተብሎ እሞ ንሱ ኸኣ ፍሽኽ ዝብላ ኮይኑ ይስምዓ፡፡ “ ኣሰይ ተዓዊቱለይ” እንዳበለት ግና በዚ መጻ ዘይበለተን ኣንስቲ ዑጕግ ኢለን፡ ንወዲ ኣፌ ይምንጥልኣ፡፡ ክትበኣሰን ትፍትን፡፡ ግና ኣእዳዋ ይጠልማ፡፡ ፈንጥርጠር እንዳበለት ብድድ ትብል እሞ፡ ብስራሕ ዝተሰነፈ በዓል ቤት ኣብ ጎና ደቂሱ ከምዘሎ ዘኪራ ሰኸኽ ትብል፡፡ ወይ ምጾታት ዘብል ኢዩ፡፡

መሓዙቻ ኣብ ሰዓታ ምቅርራባ ወዲኣ ኣብተን ኣውቶብስ ዝነቕላሉ ቦታ እኳ እንተበጽሔት፡ ኣብቲ ማሕበር ኮም ዲሲ ዓቢ ኣበርክቶ ስለ ዘለዋ፡ ሰባት ከተወሃህድ ዕማም ስለ ዝተዋህባ፡ ዳርጋ ምስታ ናይ መወዳእታ ኣውቶብስ ኢያ ተቢጊሳ፡፡ ውራይ ወዲ ኣፎም ከተጸባብቕ ዝገበረቶ ስራሕ ድማ ከም ሃገራዊ ጕባኣ ምፍጻም ገይራ’ያ ትወስዶ፡፡ ኒው-ዮርክ በጺሓ ንወዲ ኣፌ ከይረኣየት ክትምለስ ፈጺማ ክትሓስቦ ኣይትኽእልን ኢያ፡፡ እንተኾነ ከም ሰባ መስርዕ ሒዛ፡ ሃነን ክትብል ውዒላ ኣብ ኣፋፊት ከይበጽሔት፡ ማዕጾ ተረጊጡ፡፡ ብጓሂ ክምቱር ኢላ፡፡ ዋላ ዋላ ሓንጎላ ክትቕበሎ ኣይከኣለን፡፡ ከም ሰበይ ኢላ እኳ ንነብሳ ከተጸናንዕ እንተፈተነት ሕርቓና ክበረላ ኣይከኣለን፡፡ ስሽዓ ዝኣተወታ ንፋስ ብድሕሪኡ ዋላ ጥዕና ኣይረኸበትን፡፡ ሓንሳብ ጎነይ ትብል፡፡ ሓንሳብ ሕቖይ ትብል፡፡ ጽንሕ ኢላ ሽኮረይ ልዕላ ትብል፡፡….ድኻም ልቢ ገይረ…….መቸም ንበዓል ቤታ ዓስርተ ግዜ እንዳጸውዔት “ ከድኵ ሰተዅ መትኵ” እንዳበለት እንዳ ሕክምና ከብጽሓ መከራ በሊዑ’ዩ ቀንዩ፡፡ ብጀካ ኵምራ ከኒና ወሓጢ፡ ሓካይም ሕማማ ክርድእዎ ኣይከኣሉን፡፡ በዓል ቤታ ጭንቕ ምስ በሉ ንመሓዙታ እንተኣማኸረን፡፡ “ ስቕ ኢላ ገንዘብካ ንሕክምና ኣይተጥፍእ፡ መሓዙቻ ሰብ ኢያ ገይራ፡፡” ምስ በልኦ “ እንታይ ሰብ ኣንትን? እንታይ ሰቡ’ዩ እዚ ኸ? ኣብ ልዕለይ ካልእ ሰብ ለሚዳ ማለትክን ዲዩ?” ብሕቶ ኣዋጠረን፡፡

ኪርኪርኪር….. “ ኣላ ንስኻ? ከሙኡ ዘይኮነ፡፡ ንሕናሲ ንምኽራ ነይርና፡፡ መሓዙቻ ብልጭልጭ ግደፍዮ፡፡ ኣብ ዓይኒ ምንቐኛ ከይትኣትዊ፡፡ ክንደይ ክፉእ ሰብ ኣሎ፡፡ ግና ኣይሰምዓትናን፡፡ እነሆ ሕጂ ኸ ረኺባታ፡፡ ብጀካ ንዓዲ ወሲድካ ክልተ ሸውዓተ ጋብር ደርዓንቶ ሕክምና ዝፍውሳ ኣይመስለናን” ምስ በልኦ “ ክላእ ንስኽን ጸማማት ኢኽን፡፡ ማይ ጨሎት ከሕጽባስ ንዓዲ ክኸይድ? ዱሑራት?” ኢሉ ጸርፊ ኣዝኒቡለን፡፡

     መሓዙት መሓዙቻ ግና ኣይተጋገያን፡፡ መሓዙቻ ሰብ’ያ ገይራ፡፡ ግና ናብ ዓራት እንዳደየበት እንዳወረት ስርሓ ኣይገደፈትን፡፡ ቴሌፎን ጭር እንዳበልካ ወረ መዋዕልታ ኢዩ፡፡ ከየዕለለት ዝወዓለትሉ መዓልቲ’ዩ ቆልኣ ናህሪ ወሲዅ ኣብ ቅርቅርታ ዝድይብ!

 

መሓዙቻ : ጭርርርርርርርርር…………………ጭርርርርርርርርርርርር  “ ሃሎ…..ሃሎ….ኣቲ ለትሸ ኣለኺ ዶ? ሎምስ ኣእዛንኪ እውን ጠሊሙኪ’ዩ መስለኒ? ካዕካዕካ…

ለቲሸ፡ ኣላ መሓዙቻ፡፡ ሎምስ ኢልኪ ኢልኪ በዛ እዝነይ ዶ መጺኽኒ?

መሓዙቻ፡ እንታይ ድኣ እሞ ክንብል….ዙረት ተብዝሒ ኣሎኺ ኣሞረ….

ለቲሸ፡ ኣይይይ…ዙረትሲ ቀደም ተሪፉ፡፡ ሎሚ ድኣ ካብ ሓደ ኣኼባ፡ ናብ ሓደ መሓበር፡ ዑቝብ ክንብል ሩሕና ወጺና፡፡

መሓዙቻ፡  ኣኼባስ ኣይትጽልኢ፡፡ ጸላእትና ከም ፍልሖ ሰሲኖም እንዳሓደሩ እንታይ ክንገብር፡፡ ኣይቕሰኑ ድኣ እዚኣቶምሲ ቅሳነት ከሊኦምና፡፡

ለቲሸ፡ እዎዎ…..ሎምስ ከኣ ዘይንፈልጦ ጕድ’ዩ መጺኡና፡፡ ጠልዓት ኣጓብዝ ደድሕሪና እንዳኸዱስ ኣኼባ ምብታን? እረ መን ኢዩ ዝልእኾም ዘሎ? ኣነስ..ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር ኤርትራዊያን ኣይመስለንን፡፡ ወያነ ኢዮም ዝጻወቱና ዘለው፡፡

መሓዙቻ፡….ኣላ ኣሞረ……ኤርትራዊያን ይመስለኪ ነይሩ? እዘን ሃ.ማ.ድ.ኤ ኣየንቕሓክን ዲየን? እንታይ ድየን ዝሰርሓ ዘለዋ?

ለቲሸ፡ ሓቅስ ልፍልፍ ይውዕላ ኣለዋ። እንታይ እሞ ኢልናየን እቲ ቛንቝኤን፡፡ ብሓደ እዝንና ኣትዩ፡ በቲ ሓደ ኢዩ ዝወጽእ፡፡ ኣበይ ክንሕዞ? መሓዙቻ ኣነ ብጀካ “ ዓወት ንሓፋሽ” ካልእ ኣይዝክርን ኢየ፡፡

መሓዙቻ፡ ኣላ ለቲሸ….ስኮላ ኪዲ ተብልናኪ፡ ኣብ እርጋና ትብልና፡፡ ስኮላ ከመይ ጽቡቕ መሲሉኪ፡፡ ኣነ እኳ እቲ ቀደም ኣብ ዓዲ ጣልያን ከለዅ ዝሓዝክዎን ቃላት ይጠቕማኒ ኣለዋ፡፡ ሕጂ እውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን፡ ስኮላ ክትጅምሪ ኣሎኪ፡፡

ለቲሸ፡ እዛ መሓዙቻስ….መቸም ዋላ ተጸሊኡኪ ከሎ ላግጺ ኣይትገድፍን ኢኺ፡፡ ስኵዛ መሓዙቻ መዓረይ ብዛዕባ ጥዕናኺ ከይሓተትኵኺ፡፡ እዞም ከደምቲ ወያነ ሃለዋትና እንዲዮም ኣጥፊኦምልና፡፡ ድሁላት፡፡ እተን ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝሃብኵኺ ጸበል ከ ጠቒመናኺ ዶ?

መሓዙቻ፡ እንድዕለይ’ዩ ሎምዘመንሲ ክወስደኒ ደልዩ’ዩ መስለኒ፡፡ ጸበል እሞ ኣበይ ገዲፈ ይቝሑሞ ኣለዅ፡፡ ዋላ ኣይጠቐመንን፡፡ ሕማመይ እንተዝፈልጥ ዶ ጸሊእኪ፡፡ ስቕ ኢሉ ዝቖናጥወኒ፡፡ መዓናጦይ ሓዊ ይዝርኦ፡፡ ክገርመኪ፡ ነዛ ትቪ ኤረ ክፍት ኣቢለ፡ ቡና ከሽከሽ እንተቢለ ጽዕንዕን ዝበለኒ ሕማም ቅንጥጥ ይብል፡፡ ናይት ክኸውን ከሎ ግና ጽልምት፡፡

ለቲሸ፡ ኤሬ ትቪ ድኣ መድሃኒት እኮ ኢያ፡፡ ዓድና ለምሊማ ክትርኢ፡ እዞም ጸላእትና ከመይ መዓንጥኦም ቕርጽ ይብሉ መሲልኪ፡፡ እቲ ዘመደይ ወዲ ኣያ ክስቶ….ትፈልጢዮ እንዲኺ ሽሙ ጋኔን ይጸውዓዩ፡፡ መዓልካ ሓደርካ ዘይንበሃሃል፡፡ ኣይስልችዎ ወግሔ ጸብሕ ንግንባርና ክጸርፍ፡ ጀብሃ ዓባይ እንዳበለ ላሕ ምስ ኣበለኒ “ ወያነ ዓጋመ ኢኻ ንስኻ?” ኢለ ኣብ እእዛኑ ዓጸዮ፡፡ እቲ ወዱ ግና እታ ናይ ስጋ ስለ ዘይትተርፍ ስሕት ኢሉ ገዛና ስለ ዝመጽእ ጽቡቕ ገይረ ዝቕበሎ ነይረ፡፡

መሓዙቻ፡ ጽቡቕ ገበርኪዮ ማለዴቲ፡፡ ብሮፕዮ በዚኦም ንሕና ክንዋርድ፡፡ ነቲ ወዱ እውን ብያ በልዩ፡፡ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ….እንታይ መለሳ ኣለዎም፡፡

ለቲሸ፡ ጽንሒ እንዶ መሓዙቻ ክምልኣልኪ፡፡ ብኣምሆ…ኣብዛ ገዛ መጺኡ “ ኣሞይ” ኢዩ ዝብልኒ….ከመይ ሞኽ ይበል፡፡ ሻሂ ኣፍሊሔሉ፡ ቲቪ ኤረ እንዳረኣና፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ልምዓት፡ ዝስራሕ ዘሎ ጽርግያ፡ ድጊታት፡ ምስ ረኣየ፡፡ ከዛርቦ ደልያ፡፡ “ ሃገርና ከይዳ ተወኒጪፋ፡፡ ሕርድ ደኣ ይብሎ ወያነ እምበር፡ ድሕሪ ዓመት ንዱባይ ክትመስል ኢያ፡”

               ጽብቕ ኢሉ- ዝን ይብለልኪ፡፡ ኣሞይ ዱባይ ትፈልጦዩ ዲኺ?” ይበልኒ

              “ እወ….ክሸቓቕጥ ፈቲነ ነይረ፡፡ ኣይኮነለይን ገዲፈዮ”

              “ ግና ኣሞይ ሓደ ነገር ዶ ክነግረኪ፡፡ ከም ድፍረት ደኣ ኣይትውሰድዮ እምበር፡፡ ነዚ ዲጋ፡ ጽርግያ፡ ንሕና እኮ ኢና ሰሪሕናዮ፡፡ ንሕና ንዑዑ ክንሰርሖ ከሎና ግና፡ ክንመሃረሉ ዝግብኣና ዕድመ፡ ሓዳር ክንገብረሉ ዝግብኣና ዕድመ ብዘይ ዓስቢ ስቅ ኢሉ ክሓልፍ ባህ ይብለኪ ማለት ዲዩ?

             “ እዋእ ንሃገርኵም፡፡ ኣይ ክንደይ ኣሸሓት ቀያሕቲ ዲያ ኣሕሊፋ እዛ ሃገር፡፡ እንታይ ማለትካ ኢኻ፡፡ ናይ ኣቦኻ ከይኣኽለኒሲ ንስኻ ከምዚ ክትብል ጀሚርካ፡፡ ትማሊ ገንዘበይ ጫሕ ኣቢለ፡ ናብዚ ኣምጺኤካ፡፡ ኣነስ እታ ስጋ ኮይናትኒ እምበር መዓስ ባህ ኢሉኒ፡ ሃገርካን መንግስትኻን ራሕሪሕካ ምምጻእካ፡፡”

           “ ኣሞይ ህድእ እሞ በሊ፡፡” ይብለኒ….

           “ ከመይ ኢለ’የ ዝሃድእ፡ መንግስተይን ሃገረይን እንዳጸረፍካ! ዝባን ስውኣት ኢየ ዝብለካ፡፡ ከምዚ ዓይነት ዕላላት ሒዝካ ናብዛ ገዛ ከይትመጽኣኒ፡፡ ኣውሪዱለይ ለቲሽ፡፡ ናይቶም ኣብ ግዳም ኮይኖም ዝብጽብጹና ዘለው ከይኣክልሲ፡፡ ደም ስኒ ካብ ትፍ ትብሎ ትውሕጦ ኮይኑና እምበር፡፡”….

         መቸም ኣስምዔዮ ኢየ፡፡ ቅልጥ ቅልጥ ኣቢለዮ፡፡

መሓዙቻ፡ ብራቮ ለቲሸ፡፡ ኣኸይፍ ኢንዲኺ ኣቢልክኒ፡፡ ጅግና፡፡ ጅግና ኢኺ መቸም፡፡ ንዓኺ ከምዚ ከማኺ ሓለፍቲ ሃ.ማ.ድ.ኤ ከይገብሩ፡ እልፊ እራይ ምራይ….ትምህርቲ ኣሎና እንዳበላ ዙሩጋት ሓሞት ላሕ የብላና ኣለዋ፡፡ ነዚኦም በርበረ ኢያ ፈውሶም፡፡

ለቲሸ፡ ድሑሩ ገደደ መሓዙቻ፡፡ ጽንሒ እንዶ ዝበለኒ ክነግረኪ፡፡ ሕራይ ጽቡቕ ይብለኒ፡፡ መቸም ለመጭ ኢንድዩ፡፡ መልሓሱ ሕማቕ ኣይትወጾን ኢያ፡፡ ኣሞይ….ግና እታ ሃገር እኮ ንዅሉና ማዕረ ኢያ ትብጽሓና፡፡ ይቅሬታ ግበረለይ እምበር…በዓል ኒምሮድ፡ ዙዛና፡ ኣብጌል…ኣሕዋተይ እንድየን፡ ተማሂረን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ክበጽሓ ደስ ይብለኒ፡፡ ግና ደቕኺ ንሳዋ ስደድዮም፡ ከም ሰቦም የግልግሉ፡፡ ጽርግያ ይስርሑ፡፡ ዲጋ ይስርሑ? እንተዝብሉኺሲ እንታይ ምበልኪ?

  መሓዙቻ፡ እዎዎ….ጠንቓም’ዩ እዚ ወዲ፡፡ ማሌዴቲ፡፡ በዞም ዕመባባ ዝመስሉ ደቕና ድማ ክቐንኣልና፡፡ ኣብዚ ኮይኖም ሃገሮም የገልግሉ ኣለው እንዶ? ተማሂሮም፡ ስርሕ ሒዞም ጽባሕ ንግሆ ክምለሱ እንዲዩ ዓዶም፡፡

ለቲሸ፡ እዚ ቀናእ…..ብደቐይ ምስ መጸኒ፡፡ ኣብዛ ገዛይ ድሕሪ ሕጂ ቅልቅል ከይትበልኒ፡፡ ኢለ ኣባሪረ ሰዲደዮ፡፡

መሓዙቻ፡ ነዚ ስዲ ክትገድፍዮ የብልክን፡፡ ገንዘብኪ ከፊልኪ ዘምጻኽዮ ኪሑዱ ብደቕኺ ክመጸኪ፡፡ከም ሺብ ብኣእዛኑ ወጥጢኪ፡ ናብ ማሕበረኮም ብምምጻእ…ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኡ፡ ዓዱ ክመልስ ኣለዎ። ስዲ!

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares