Awate.com

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (ቀዳማይ ክፋል)

ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ’ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም።  ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡ እቲ ብቐዳምነት ክትግንዘቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ጕዳይ ሕጋውነቱ ስለ ዝዀነ፡ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ኣብ ትሕቲ “ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሕጋዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝድህስስ ክኸውን ኢዩ። ንባህሪ ህ.ግ.ሓ.ኤ ከይመርመርካ፡ ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክቐውም ከም ዘይከኣለ ብግቡእ ንምግንዛብ እውን ስለ ዘይከኣል፡ እቲ ዝስዕብ “ደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ” ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ብፍላይ ኣብ ባህሪ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምድሃብ፡ ነቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ኣሉታዊ ጽልዋኡን  ከምኡ’ውን  ነቲ ድሕሪ ናጽነት  ኣብ መንጎ ላዕላዎት መራሕቱ  ዝተጋህደ ምክፍፋልን  ዘኸተሎ  ሳዕቤናትን ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝድህስስ ክኸውን ኢዩ።

መልእኽቲ ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ከምቲ ዝተኣመቶ ናብ ኣንባቢ ብደንቢ ምእንቲ ክመሓላለፍ፡ ዝውቱር ዘይኰነ ናይ ትግርኛ ቃል ኣብ ዝተኸሰተሉ፡ ንእዝኒ ኣንባቢ ጋሻ ኰይኑ ከይዕንቅፍ ብመማዝንቱ ናይ እንግሊዝኛ ቃል ተሰንዩ ቀሪቡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መደምደታ ኣብ ክልቲኡ ክፋላት ዝተዘተየሉ  ቀንዲ ነጥብታት ኣገዳስነቱ ንምጕላሕ ተጸሚቑ ቀሪቡ ኣሎ።

ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ

ርትራ ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ዕስራ ዓመታት ይሕለፍ ድኣ’ምበር፡ እቲ ክሳብ ሕጂ መንግስትዊ ስልጣን ንዕኡ ጥራይ ከም ዝብጽሖ ብሕታዊ ንብረት ንበይኑ ገቢቱን ካልኦት ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ከይሻረኻኦ ብሕጊ ኣጊዱን፡ ብህዝቢ ከይተመርጸ ዓሚጹ ክገዝእ ዝጸንሐን ገና’ውን ብሕጂ ከም ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንመዋእል ንሱ ጥራይ ንኽገዝእ ዝሕንሕን ዘሎን ሰልፊ፡ እቲ ከም መተካእታን መቐጸልታን ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኰይኑ ንኸገልግል ተሓሊኑ ብ1994 ብህ.ግ.ሓ.ኤ  ዝቖመ ሰልፊ ማለት እቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝብል ስም ዝተጠመቐ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነቲ ኣብ ውሽጡ ብምስጢር እናተዋሰአ  ወሳኒ ተራ ዝጻወት ዝነበረ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ኣብ መውዳእታ ሰማንያታት ማሕበርነታዊ ደንበ ፈሺሉ ብዘኽስፍ ኣገባብ ረሞቕ ኢሉ ምስ ፈረሰን እቲ ዝምራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ከኣ ብሳዕቤኑ ተኻዒቡ ምስ ተነጽገን፡ “ተልእኾኡ ኣብ እዋኑ ብግቡእ ፈጸሙ’ዩ” ብዝብል ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝቐረበ ምስምስ፡ ብዘይ ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን፡ ዝህውጽ ሕቶታት ከየልዕል ብተርባጽ ማንም ኣብ ዘይተጸበየሉ ተነቃፊ ወቕቲ (ድሮ ናጽነት) ብሃንደበት’ዩ ኣቕሂምዎ፡፡ ብሰሪ’ዚ፡ ድሕሪ ናጽነት ንመጻኢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብዝምልከት፡  ካብ ግርህና ዝነቐለ  “እዚ ውድብ’ዚ ኣብ ውሽጢ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ብዘይ ገለ ጥርጥር ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራት ድሕር ኰነ ክምህ ከይበለ፡ ካብ ዝሓለፈ ጉድለታቱ ተማሂሩን ልቢ ኣዕቢዩን ብሓድሽ መንፈስን ብሓድሽ መልክዕን ተወዱቡ ምስ ካልኦት መማዝንቱ ተወዳደርቲ ሃገራውያን ሰልፍታት ዝዳረግ ብጋህድን ብቕንዕናን ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከቕውም’ዩ” ዝብል ሓፈሻዊ ሰፊሕ እምንቶን ዓቢ ትጽቢትን’ዩ ኔሩ። ድሕሪ ናጽነት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዎንታዊ ተስፋ ኣብ መንጎ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ዓሲሉ ዝነበረ፡  ህ.ግ.ሓ.ኤ ንሓርነታዊ ቃልስና መርሑ ናብ ዓወት ብምብጽሑ፡ ካብ ልባዊ ሓጐስን ሰናይ ትምኒትን ዝፈልፈለ ክከሓድ ዘይከኣል ክብ ዝበለ ኣኽብሮት ጥራይ ዘይኰነ፡ ምውቕ ዝበለ ተቐባልነት እውን ኣጥሪዩ ብምንባሩ ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕቲ ናጽነት ከምቲ ሰፊሕ እምንቶን ዓቢ ትጽቢትን ዝተነብረሉ፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ክንዲ ብመሰረት ውድባዊ ቅዋሙ (ኣብ ሰልሳይ ጉባኤኡ ብ1994 ንመበል ሳልሳይ ግዜኡ ዘጽደቖ)፡  ኵለን ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ  ሰልፍታት ዝሳተፈኦ ናጻን ፍትሓውን ሃገርዊ ምርጫ ንምክያድ ሃገራዊ ጻውዒት ዝገብር፡ ናይ ስልጣን ህርፋን ኣሕደሩ ስልጣኑ ከይተበደሀ ምእንቲ ኸናውሕ ብሕጊ ካልኦት ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ከይቆማ ብምእጋድ፡  ድብንርጽ ከይበሎ ንዕኡ ዝትክእ ሰልፊ  ጥራይ — ንህ.ግ.ደ.ፍ — ተጓይ’ዩ  ኣቖመ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነዚ ሰልፊ’ዚ ንማለቱ (ሰልፊ ኣሎ ንኽበሃል) ተቐላጢፉ ዝመስረቶ: ከም ሓርነታዊ ግንባር መጠን ምስ ምጕንጻፍ ናጽነት ተልእኽኡ ስለ ዝፈጸመ፡ ህላወኡ ከም ፖላቲካዊ ሰልፊ ኰይኑ ንምቕጻልን ንመንግስታዊ ስልጣኑ ሕጋውነት ንምልባስን ኢዩ። እንተዀነ፡ ብሓድሽ ስም ምሉእ ብምሉእ እትውንኖን እትቆጻጸሮን ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምምስራትካን፡ ብዕሊ ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ሃገርዊ ዜጋ ኣብ ትሓቲ ጽላል ሰልፍኻ ጥራይ ክጥርነፍ ብምፍቃድካን፡ ንዘይሕጋዊ መንግስታዊ ስልጣንካ ፈጺሙ ሕጋውነት ኣየልብሶን ኢዩ። ብኢደወነንካ ባዕልኻ ገባርን ሓዳግን ኰንካ፡ ንህዝብኻ ብጀካ ኣብቲ ንስኻ ዝመረቕካዮ ንረብሓኻ ዘገልግል ሰልፊ ጥራይ እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ሰልፊ ከይጥርነፍ ምእጋድ ብርኡይ ብድዐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንህዝብኻ ንዓኻ ንኸገልግል ከም ዝተፈርደ ምእዙዝ ጊልያ ጌርካ ምቝጻር እውን ኢዩ።ንህዝቡ ተማእዚዙ ከገልግል ዝግብኦ መንግስቲ፡ ብኣንጻሩ ብህዝቡ ተመሪጹ ከይተወከለ ብሓድሽ መለሳ ዘይብሉ መልክዕ ቀሪቡ ባዕሉ ንነብሱ “ህዝባዊ መንግስቲ” ብምስያም ብስም ህዝቡ ብጋህዲ ዝሽፍጥን ዝዕምጽን፡ ምስሉይ መንግስቲ እምበር ሓቀኛ ሃገራዊ ይኹን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣይኰነን። በዚ መሰረት’ዚ፡ ናይ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ደሞክራሲያውነት ኰነ ሃገራውነት ብልክዕ ክፍርድ ዝከኣል፡ ብሕጋውነቱን ወኪልነቱን ከምኡ’ውን ብተግባራቱን ሜላታቱን እምበር በቲ እንታይነቱ ንምሽፋን ንሰልፉ ዝሰመዮ ዘንጸባርቕ ስም ኣይኰነን። ንስም ህ.ግ.ደ.ፍ ቀሪብና ምስ እንግንዘቦ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኰነ ኢሉ ኣብ መጸውዒ ስሙ “ህዝባዊ ግንባር” ዝብላ ክልተ ህቡባት (popular) ቃላት ዝለቀበሉ፡ ነቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘጥረዮ ተሰማዕነትን ዘሕደሮ ጽልዋን ግዜኡ ሓሊፉ ከይበረሰ እንከሎ፡ ከም ማግነት ሰሒቡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ ንምምልማል ምእንቲ ክሕግዞ ኢዩ። እተን ዝተረፋ “ደሞክራስን ፍትሕን” ዝብላ ክልተ ተፈተውቲ ቃላት፡ ነተን “ህዝባዊ ግንባር” ዝብላ ቀዳሞት ክልተ ህቡባት ቃላት ዝተወሰኸአን እውን ህ.ግ.ደ.ፍ ብሓቂ ብደሞክራስን ብፍትሕን ዝኣምን ሰልፊ ስለ ዝዀነ ንእንታይነቱ ብልክዕ ንምንጽብራቕ ንኸገልግላ ኣይኰናን። እንተይ ድኣ፡ ኣጉል ዝዀነ ተስፋ ብምሃብ ሓቀኛ መልክዑ ንምኽዋል ንኸገልግላ ዝተለጠፋ ትርጕም ኣልቦ መቀናጀውቲ ቃላት እየን።

ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም፡ ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም መንግስታዊ ስልጣን ይሓዝ ድኣ’ምበር፡ ንዘልኣለም ገዛኢ ደሪቢ ኰይኑ ንኽገዝእ ዝዀነ  ሕጋውዊ መሰል ኣይተዋህቦን። ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር መጠን ድሕሪ ናጽነት ምጕንጻፋ፡ ክሳብ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ብህዝቢ ዝተመርጸ ብሓቂ ነቲ ህዝቢ ዝውክል ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝቐውም፡ ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከተቕውም ብርግጽ ወድዓዊ  ኩነታት ዝጠልቦ ዝነበረ ኣድላዪ ስጕምቲ ኢዩ። ስሊዚ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕሪ ናጽነት ንሓጺር ካብ  ሰለስተ ዓመታት ዘይነውሕ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ: መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ክጸንሕ ተደላዪ’ዩ ኔሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ድሕሪ ምውጋድን ምፍራስን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ)፡ እቲ ንሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ ኣብ ዓወት ዘብጸሐ እንኮ  ጥርኑፍን ዕጡቕን ሃገራዊ ውድብ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብእኡ ጥራይ ክቐውም ካልእ ኣማራጺ ዘይነብሮ ኩነት’ዩ እውን ኔሩ። ይዅን’ምበር፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኪኖ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ኣብ  መንግስታዊ ስልጣን  ብዊንታኡ ንዘይተውሰነ ዓመታት ክጸንሕ፡ ዘቕርቦ  ምስምስ ብዘየገድስ፡ ፈጺሙ ሕጋዊ ኣይኰነን። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ካብተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰልጣን ዝጸንሓለን ዕስራ ዓመታት፡ ብጀካ እተን ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓባ ሰለስተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መድረኽ (ካብ 1993-1997)፡ እተን ዝተረፋ ዓመታት ብዓመጽ ንናይ ህዝቢ ድልየት ዓምጺጹ ዝግዝኣለን ዘይሕጋውያን ዓመታት እየን።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ እዋን ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ዘደሊ ምሽብሻብ ከሳልጥ ሃገራዊ ሓልፍነት ተሰኪሙ’ኳ እንተነበረ፡ ንዝተሰከሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ብግብእ ኣየማለኣን። ኣብ መጀመርታ ተስፋ ዝህቡ ከም ምቛም ኣስናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ምርጫ፣ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም፣ ከምኡ’ውን ምዕንባብ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ደሞክራስያዊ መስርሕ ንኽቕልቀሉ የፍቅድ ድኣ’ምበር፡ እዞም ኣዎንታዊ ተርእዮታት እዚኣቶም ካብ ቊጽጽሩ ወጻኢ ከይኖም ነቲ ከም ንጉሳዊ ስርዓት ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ንዘንተ-እለት ንክጸንሕ ዝነበሮ ሕልሚ ከይብርዝሉ ኣዝዩ ስለ ዝሰግአ፡ ውልዕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ’ዩ ጌሩ። እቲ ነዞም ኣዎንታዊ ተርእዮታት እዚኣቶም ውልዕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ ንምግባር ተበላሒቱ ብተጕላባ  ዝመሃዞ እከይ ተግባር፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብናይ ዶብ ግጭት ኣሳቢቡ ዘየቕስን ኲናት ብምብራዕ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ዕንዛይነት መንፈስ (mentality of victimization) ምሕዳር ኢዩ። ናይ ዕንዛይነት መንፈስ ዘሕደረ ዜጋ፡ ንህዝቡ ዝወርዶ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ምንጩ ግዳማዊ ተጻብኦታት’ዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ መረርኡ ኰነ ተቓውሞኡ ኣንጻር’ቲ ዝብድሎ ዘሎ ሓቀኛ በዳሊ ማለት ኣንጻር’ቲ ብዓመጽ ብህዝቢ ከይተመርጸ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት ኣየቕነዖን ኢዩ። ካብዚ ሓለፉ’ውን ሓንሳእ ናይ ኲናት ሃዋህው ምስ ሰፈነ፡ ነቶም መንግስቲ ኤርትራ ብጉልባብ ድሕነት ሃገር “ኣብ ህጹጽን ዘይርጉእን ኩነታት ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን” ብዝብል ምኽኒት ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምዂላፍ ዝወሰዶም ዓንቀፍቲ ስጕምታት፡ ዕላምኦም ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ንኽመምዮ ኰነ ንኸስተውዕሎ ይእግሞ ኢዩ። ገለ ካብቶም መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምዂላፍ ዝወሰዶም ዓንቀፍቲ ስጕምታት፡ ንኣብነት፥  ከም ንሃገራዊ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ምምሕልላፍ፣ ቅዋምን ደንብን መንግስቲ ከይጸደቐ ተወንዚፉ ከም ዝጸንሕ ምግባር፣ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝህባ ናጻ ናይ ብሕቲ ትካላት ክሳብ ፍቓድ ዝወሃበን ምእጋድ፣ ከምኡ’ውን ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዘይመንግስታዊ ህዝባዊ ትካላትን ብዕሊ ከይቆማ ዕድል ምኽላእ ዝኣመሰሉ ኢዮም። እዞም ዓንቀፍቲ ስጕምታት እዚኣቶም፡ ብርኡይ ደሞክራሲ ንኸይጥጥዕ ዝዕንቅጹ ብፍላጥ ዝተውስዱ መንግስታዊ ምትንዃላት’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር-ለኸ ሻቕላን ስግኣትን ዝሰፈኖ ናይ ኲናት ሃዋህው ስለ ዝተተግበሩ፡ ምስቲ ልዑል ኣገዳስነቶምን ኣሉታዊ ሳዕቤናቶምን ዝዳረግ እቓልቦ ኣይተዋህቦምን።

ኣቓልቦ ኣይተዋህቦምን ጥራይ ዘይኰነ፡ መንግስቲ ኰነ ኢሉ ተረሲዕም ከም ዝተርፉ ንምግባር “ዶብና ብኣህጉራዊ ናይ ዶብ ሽማግለ ይግባይ ዘይብሉ ፍርዲ ተዋሂብዎ ክንሱ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ  ሕልሚ ስለ ዘለዋ ከም መንቀል ነገር ንኽትጥቀመሉ ኣብ ግብሪ ንኸይተውዕሎ ተዕጠጢ ኣላ”  ብምባል፡ ናይ ኲናት ነጋሪት መዓልቲ- መጸ እናሃረመ ንኣዋጅ ሃገራዊ ኣግልግሎት መጢጡ ደረት ግዜ  ዘይብሉ  ቀዋሚ ኣገልግሎት ከም ዝዀውን ጌርዎ ኣሎ። ብሓቂ ግን እቲ ንኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀዋሚ ኣገልግሎት ከም ዝዀውን ዝደልየሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ከይትጐብጣ ርኡይ ዝዀነ ስግኣት ስለ ዘሎ ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ ብሓንቲ  እምኒ ብሓንሳእ ክልተ ኣዕዋፍ ንምቕታል ሰለ ዝደለየ ኢዩ። ንሱ ድማ፥ በቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ካብ መንእሰያት ኣንጻር ስርዓቱ ክለዓል ዝኽእል ንደሞክራሲ ዝጠልብ ተቓውሞታት ከይተበገሰ እንከሎ በሊልካ ብኣግኡ ንምምካን፣ በቲ ኻልእ ሸንኽ ከኣ ነቲ  ብኣባላት ሰልፉን ሰበ-ስልጣን መንግስቱ ዝውነናን ዝእለያን ትካላት ዝከናወን ዘሎ ንረብሓኡ ዘገልግል ቊጠባዊ ውጥናት ብዘይተኸፍለ ጉልበት ንምስላጥ ኢዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ዝተገልጸ ይኹን ድኣ’ምበር፡  እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና “ሃገርና ብጻዕርና ከይንሃንጽ፡ ኣንጻርና ብጐረቤት ሃገርና ንኸይንቐስን ኣብ ርእሲ ኲናት ምእዋጁ፡  ብዓብለቲ  ዓበይቲ ሃገራት ዓለም (ኣመሪካን ሰዓብታን) ካብ ሓሰድ ዝተበግሰ  ከም ቊጠባዊ እገዳ ዝኣመሰለ ቀጻሊ ባዕዳዊ ተጻብኦታት የጓንፈና ኣሎ” ብዝብል ፕሮፖጋንዳ ይታለል ስለ ዘሎ፡ ንሕቶ ደሞክራሲ ካብ ኣእምሮኡ ፈጸሙ’ኳ እንተዘይሰወሮ፡ ንግዜኡ ከም ዝድጕሎ ጌርዎ ኣሎ። ነዚ ክውንነት’ዚ ንምብራህ  ንኣብነት፡ ንሓንቲ ኣብ ኣስመራ ዝቕመጣ ሓበሬታአን ካብ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ጥራይ ዝረኽበኦ ኣደ፡ ኤርትራ ንምንታይ ብሕቡራት ሃገራት ቍጠባዊ እገዳ ተበይንዋ? ዝብል ተራ ሕቶ ምስ እተቕርበለን፡ እቲ ካብአን እትረኽቦ መልሲ ብዘይጥርጥር፡ “መንግስትና ኣብ መትከል ናጻ ፖለቲካዊ መስመሩ ተመርኲሱ፡ ጽፉፍ መንግስታዊ ቊጠባዊ ውጥን ብምውጻእ ሃገርና ብዘይ ናይ ወጻኢ ዕዳ ብጽፍራ ፋሕተር እናበለት ቍጠባኣ ብዘደንቕ ፍጥነት (ካብ ዓለም ምሉእ ቀዳመይቲ ኰይና) ከም ዝምዕብል  ይገብር ስለ ዘሎ፡ ሃጸያዊት ኣመሪካ ዓይና ምግባር ኣብይዋ ዘይተዓብለለትላ ተቐይማ ብምሕሳድ ብዝኣለመቶ ውዲት ኢዩ” ዝዓይነቱ መልሲ ኢዩ። እዚ መልሲ’ዚ፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጥማ  ዘሎ ከሉ ዓይነት ጸገማት ንግዳማዊ ተጻባኦ ዘሳብብ፡  ሓደ መርኣያ  ናይቲ ኣብ መንጎ ህዝብና ሰፊኑ ዝርከብ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ዘስረጾ ናይ ዕንዛይነት መንፈስ ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ ፍትውቲ ሃገርና  ኤርትራ ዝሓልፈ ናይ መግዛእቲ ቊስላ ከየሕወየትን ከም ዕሸል ሃገር መጠን  እግሪ ተኺላ ከይደልደለትን፡ ፈለማ ምስ የመን ብሰበብ ናይ ሓኒሽ ደሴታት፣ ጸኒሓ ኸኣ ምስ ኢትዮጵያ ብሰበብ ናይ ባድመ ዋንነት፣ ኣብ ዘየድሊ ብሰላምን ብልዝብን ክፍታሕ ዝግበኦን ዝኽእልን ናይ ኲናት ሓሽውየ ዝኣተወት ተገዲዳ  ዘይኰነት፡ ብሰንኪ ዓንዳሪ ወተሃደራዊ ዝንባለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢያ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ የመንን ኢትይጵያን ኣብ ልዕሊ ምንቛቱ፡ ምስ ጅቡቲ ብሰበብ ደረት ዶብ  ከምኡ’ውን ምስ ሱዳን ብሰበብ ምልመላ ተቓወምቲ ስለ ዝተጐናፈጠ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንመባእታዊ ሰብሃዊ መሰላት ዜጋታቱ  ከይተረፈ ብምግሃሱ ብዓለሙ ተኻዒቡ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ስም ምጥራዩ፡ ንናይ ቀርኒ ኣፍረቃ ሰላምን ርግኣትን ዝህውኽ “ነግራም ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝብል ቅጽል ስም’ዩ ወሲኹ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን፡ ብዘይ ሕማሙ ብምርሳን ተሓላቒ ናይ ሶማል ሕሰም ያኢ ኰይኑ፡ “ጸላኢ ጸላኢኻ ፈታዊኻ” ካብ ዝብል ማክያቨላዊ (ናይ ክፍኣት) ሜላ ተበጊሱ ንመግስቲ ኢትዮጵያ ንምጽራር ንኣልሸባብ ብምድጋፉ፡ ንፍተውቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትዓኰሉ ተኣፋፊ ዕድመኣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ (ድሕሪ ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ) ብሕቡራት ሃርራት ዓለም ቊጠባዊ እገዳ ዝተበየና ሃገር ከም ትኸውን ብምግባር የሳቕያ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ  ንሃገርና ኤርትራ ናብ እገዳ ዘብጽሓ ጠንቂ፡ ግዳማዊ ረቛሒ (ንኣብነት፡ ናይ ኣመረካ ሃጸይነት ተጻብኦ) ዘይኰነ፡ ውሽጣዊ ረቛሒ ማለት ናይ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ  ካብ ወተሃደራዊ ዕንደራን ሕልሚ ኣምባገነንነት መራሕቱን ዝመንጨወ ግጉይ ናይ ወጻኢ ሜላ ኢዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ኣብ  ወጋሓታ ናጽነት ዝተኸሰተ ተስፋ ዝነበሮ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ስጕም ከየበለ ዝቖጸዮ፡ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ከም ዝጸንሐ በቲ ኰነ ኢሉ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ዕንዛይንት መንፈስ ኣመኻንዩ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ነዚ ጕዳይ’ዚ ብዝምልከት ነቲ ደገፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምንታይ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ተጕናደቡ ሓደ ሰልፋዊ (ውልቀ-ምልካዊ) ስርዓት ክቐውም ከም ዝተደልየ ዘቕርብዎ ምጕት ምስ እንግንዘብ፥ “ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት፡ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን፣ ሕቶ ደሞክራሲ ብግቡእ ዝምለስን ብኣድማዕነት ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ፍርያም ውጽኢት ዝርከቦን ኣብ ህጹጽ ናይ ኲናት ኲነታት ዘይኰነ፡ ኣብ ርጉእ ናይ ሰላም ኲነታት’ዩ፣ ስለዚ፡ ሕቶ ደሞክራሲ ክሳብ ባዕላውን ወድዓውን ኲነታቱ በሲሉ ዝናስብ (conducive) ሃዋህው ዝነግስ ተውንዚፉ ክጸንሕ ኣሎዎ።” ዝብሉ መጐተታት ኣቕሪቦም ክምጕቱ ንዕዘብ። ምስዚ ምጕቲ’ዚ ብምትእስሳር፡ ንዘይሕጋዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጋውንነት ንምልባስ፡ ነቶም ብትርን ብኒሕን ዝጣበቑሎም ክልተ ኣከራኸርቲ ጕዳያት– ሃገራዊ ኣገልግሎትን ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእትን — ምስ እንግንዘብ ድማ፡ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ “ድሕነት ሃገር ካብ ሕቶ ደሞክራሲ ስለ ዝዓዝዝ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብናይ ዶብ ግጭት ኣመኻኒኻ ወደብ ዓሰብ ንምጕባጥ ብስርዓት ወያነ ዝተበገሰ ወራር ብትብዓት መኪቱ ንምፍሻል፡ ድሕነት ሃገርናን ናጽነትናን ክዕቅብ ብዝነኣድ ውሕልነትን ፍጥነትን “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን “ክልተ ካብ ሚእቲ ቀረጽ”ን ኣዊጁ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ንልዑል ብልሃቱን ረዚን ሓልዮቱን ዘረጋግጽ ህያው ምስክር’ዩ” ብምባል ይጣበቕሉ። ንጥብቅነኦም ብግቡእ ንምርዳእ፡ ንስነታዊ መጐቶም (logical argument) ቅርብ ኢልና ምስ እንስተውዕለሉ፡ ስነቱ (its logic) “ብዘይ ሃገር ናጽነት፣ብዘይ ናጽነት ከኣ ደሞክራሲ የለን።” ኣብ ዝብል  ልባወ (rationale) ዝተምርኰሰ ምዃኑ ኢና እነስተውዕል። እዚ ልባወ’ዚ ግን፡ ብሓቂ መወዳእታ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣግልግሎት”ን ዘይሕጋዊ “ቀረጽ ክልተ  ካብ ሚእቲን” ንምእዋጅ ዝድርኽ ብቑዕ መመኽነታ (justification) ድዩ? እቲ ብናይ ዶብ ግጭት ተመኻንዩ ብስርዓት ወያነ ዝተበገሰ ወራር ዝተባህለኸ ብሓቂ ናይ ዶብ ግጭትን ብስርዓት ወያነ ዝበተገሰን ድዩ? ንምዃኑኸ፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ምስ ዝኽሰተ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት እናተቛረነ፡ ብዊንታ ገዛኢ ሓይሊ (ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንህዝቢ ከይተወከስካ ንዘይተወሰነ እዋን ክውንዘፍ ዘሎዎ ጐሲኻ እትሓልፎ ዘየገድስ ጕዳይ ድዩ?

ብርግጽ፡ እቲ “ብዘይ ሃገር ናጽነት፣ ብዘይ ናጽነት ከኣ ደሞክራሲ የለን።” ዝብል ልባወ፡ ኣድማሳዊ (universal) ሓቅነት ዘሎዎ ልባወ ኢዩ። እንተዀነ፡ “ሓባል መጠመቲኣ ትኰሓል” ከም ዝበሃል፡ ደገፍቲ ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ረዚን ልባወ’ዚ ኣብ ዘይበትኡ ከጸባብቑ ዘዘውትርዎ ዘሎዉ፡  ነታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ እትሒዙ ብዝተኸተሎ ግጉይን ፋሽልን ኣመሓዳድራ፡ ንጥዑይ ዝነበረ ኣዒንታ ብሓበላ ዝሸፈና ሃገርና፡ ዂሕሊ ኲሒሎም ብምቊንጃው  ካብ ዓይኒ ጠማቲኣ ዝኽውልዎ ስለ ዝመሰሎም ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ዝጭበጥ ጭብጢ የብሉን። ሃገርና ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ብትኳቦ ዘይኰነ፡ ሰላሳ ዓመታት ብዝወሰደ ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት መስዋእትን ናይ ንዋት ብርሰትን ምምህማን ባህልን ምብትታን ስድራቤትን ምምዝባልን ምስዳድን ኣሽሓት ዜጋታትን ዝተኸሰሮ፡ መሪርን ጽንክርን ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ገድሊ ምዃኑ ንኹሉ ሃገራዊ ዜጋ ብሩህ’ኳ እንተዀነ፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ግን እዚ ከበድ ክሳራ’ዚ ስለ ዘይተሰቀሮም፡ ሃገርና ብግስ ከይበለት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ጋሮ ፈጥራ እንደገና ናብ ደማዊ ኣዕናዊ ኲናት ምምላሳ ቅጭጭ ኣይበሎምን ዘሎ። በዚ ዝኣክል፡ ድሕሪ ናጽነት  ሃገርና ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ፡ ብኣረኣእያኦም ብስርዓት ወያነ ሃንደበት ብዘይ ገለ ሰበብ ስለ ዝተወረረት እምበር ካልእ ጣጣን እንታን የብሉን። እዚ ግን ሓቅን ጣቋን ዘሎዎ ኣይኰነን። እቲ ብምስሕሓብ ዋንነት ባድመ ተሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ብናይ ዶብ ግጭት ዝፍለጥ ኲናት፡ ውሽጠውሻጠኡ ንዝይፈልጥ ከምኡ’ኳ እንተመሰለ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ብምጕንዳብ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ተበላሒቱ ብውሳይ (ኰነ ኢሉ) ባዕሉ ዘባርዖ ኲናት ኢዩ። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ኣብ መጀመርታ ማለት ኣብቲ ናይ ዶብ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ዝበዝሕ ሃገራዊ ዜጋ ነገራቱ ጋን ኰይንዎ ብምድንጋጽ ካብ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝተላዕለ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እኳ እንተደገፈ፡ ግዜ ብዝኸደ ነቲ ናይ ዶብ ግጭት መንን ንምንታይን ከም ዘሳወሮን ዘበገሶን ኲልዕ ኢሉ በሪህሉ’ዩ።  በሪህሉ’ዩ ጥራይ ዘይኰነ እውን፡  መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ( ብፍላይ ከኣ ጃንዳ ኢሳያስ) ብልዝብ ምፍትሑ ንዘይተርፎ፡ ነቲ ናይ ዶብ ግጭት ኣጋኒንኖምን ኣታሊሎን ብጐነጽ ክፈትሖዎ ብምምጥጣር፡ ንዘይተጸብጸበ ቊጽሪ ውጉኣትን ስንኩላንን ገዲፍካ፡ ካብ 60 ሽሕ ንላዕሊ ስውኣትን ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ካብ መነባርሮኦም ዝተማዛበሉ ሰለማውያንን ዘኸተለ ( ምስቲ ንናጽነት ኣብ ውሽጢ ሰላሳ  ዓመታት ዝተኸፍለ ክሳራ ዝማዓራረ) ክውገድ ዝከኣል ዝነበረ ኣዕናዊ ኲናት ብምስዋሮም፡ ብመዓልቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊን ህዝብን ቀሪቦም ብሓልፍነት ሓደብሓደ ክሕተትሉ ምዃኖም ዘማትእ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ተግባሮም ብሃገራዊ ክሕደትን ብርሰትን ህልቀትን ዘኽስስ ዓቢ ታሪኻዊ ገበን ኢዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ፈለማ ናይቲ ኲናት(ኢትዮጵያ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ቅድሚ ምክያዳ)፡ ካብቲ ብወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝሓዞ ስፍራታት (ብሕልፊ ኸኣ ካብ ባድመን ከባቢኡን) ክስሕብ ብኣግኡ’ኳ ናይ ሰላም ጻውዒት ብኣመሪካን ሩዋንዳን እንተቐረበሉ፡ “ካብ ዝሓዝናዮ ስፍራታት ንለቅቕ ማለት ጽሓይ ብምብራቕ ክትዓርብ’ያ ማለት’ዩ ” ኣብ ዝብል ናይ መራሕ ሃገር (ፕረስደንት ኢሳያድ ኣፍወርቂ) ጸኒሑ መስሓቕ ሸራፋት ዝዀነ ትምክሕታዊ መርገጺ ተመርኲሱ ከኒቡ ከብቅዕ፡ ድሓር ኢትዮጵያ በቲ ዘካያደቶ ዘየድሊ ኣሽሓት ካብ ሰራዊታ ዝሃለቕሉ ዕውት ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ንኹሉ ዘከራኽር ዝነበረ ናይ ዶብ መሬት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽራ ኣእትያ ንቕድሚት ክትምርሽ ምስ ጀመረት፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተጓይዩ ን “ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ” ብምቕባል፡ ብኽብረት ገዲፉ ብሕስረት ካብ ዶብ ን25 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ንኽዓርድ ንዝጠልብ ስምምዕ ከይፈተወ ፈሪሙ፡ ንናይ ዶብ ግጭት ብኣማላድነት (ብዳኝነት) ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ  ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ብሰላም ክፈትሖ ወሲኑ። ስለዚ፡ እቲ “ብዘይ ሃገር ናጽነት የለን” ዝብል ብደገፍቲ ህ.ግ.ድ.ፍ ዝቐረበ ልባወ፡ ነቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ባዕሉ ዘባርዖ ኲናት ከም ገልባብ ተጠቒምካ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ “ድሕነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እንከሎ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን” ብዝብል ምጕት ንገርሂ ልቦም ብምህማል፡ ንዕድመ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” እናመጠጥካ ንምንዋሕ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንሕቶ ደሞክራሲ ሓንሳእ ኣመኻኒኻ ምስ ተወንዘፈ፡ ካብ ንውሓት ግዜ ዝተላዕለ ብእኡ ኣቢሉ ንሓውሩ ቅሂሙ ብምትራፍ፡ ንዘልኣለማዊ ምልካዊ ስርዓት ጥጡሕ መንገዲ ንምጽራግ፣ ዝቐርብ ዘሎ ዘይረብሕ ምኽኒት ምስሉያትን ተበለጽትን ኢዩ።

ናይ ናጽነት ኣምር ንሃገር ማለት ነቲ ብባንዴራን ዶብን ዝልለ ህይወት ዘይብሉ መሬታውን ባሕራውን ሰማያውን ልኡላዊ ግዝኣት ጥራይ ፈልዩ ዝምልከት ጸቢብ ኣምር ኣይኰነን። ናይ ናጽነት ኣምር ኣብ ሃገር ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ብቐንዱ ንጐይታን ዋናን ናይታ ሃገር ማለት ነቲ ዝተፈላለያ ብሄራት ዝሓቖፈ ትንፋስ ዘሎዎ ህያው ፍጡር ማለት ነቲ  መሰሉን ክብሩን ማንም ክግህሶ ዘይግባእ ህዝቢ እውን ዘጣምር ሰፊሕ ኣምር ኢዩ።ሃገርና ኤርትራ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ተገላገላ ናጽነታ ብምጕንጻፍ ልኡላውነታ ተረጋግጽ ድኣ’ምበር፡ ህዝባ ጌና ናጻ ስለ ዘይወጽአ ናጽነታ ብኹለንትናኡ ዘይተማልአ ፍርቂ ናጽነት’ዩ እንተተባህለ ርኡይ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ኣብዚ ኣብ ካልእ ከይሰገርካ ዋሕ ኢሉ ክበርህ ዘሎዎ ጀውሃራዊ (ሕመረታዊ) ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ድማ፥ ናጽነት ብቐንዱ ነቲ ህዝቢ ዝምልከት ሰፊሕ ኣምር’ዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብልክዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ከም ዘሎዎ ኢዩ። ህዝቢ ናይ ሓንቲ  ሃገር  ናጻ’ዩ  ዝበሃል፡ መንግስቲ ናይታ ሃገር  ብሃገራውያን  ዜጋታት  ዝቖመ  ብምዃኑ  ጥራይ  ዘይኰነ፡ እቲ መንግስቲ ናይታ ሃገር  በቲ  ህዝቢ ካብቲ ህዝቢ ዝተመርጸን፡ ንረብሓ  ናይቲ  ህዝቢ  ዝከላኸልን፡ ነቲ  ህዝቢ ዘገልግልን ምስ ዝኸውን ኢዩ።  ብህዝቢ ዝተመርጸን ንህዝቢ ዝውክልን ህዝባዊ መንግስቲ ዘሎዋ ሃገር፡ ንኲለን ኣብቲ ሃገር ዘሎዋ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ንዝዀነ ወገን ከየጓነየትን ከየዳለወትን ከይገለለትን እተሳትፍ ሓቛፊት ሃገር’ያ ።ብተውሳኺ፡ ንረብሓ ህዝባ ዝከላኸል ቅዋምን ሕግን፡ ከምኡ’ውን ንህዝባ ዘገልግል ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣብ ርእሲ ምህላዋ፡ ሰለስቲኡ ጨናፍራት መንግስታ — ፈጻሚ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ፈራዲ ኣካልን — ነንሕድሕዱ ዝቀያየድን ዝተሓላሎን ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ገዛእ-ርእሱ መንግስታዊ ስልጣን ኣሎዎ። ኲሉ ስልጣን መንግስቲ ከም ስልጣን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-ሰብ (መራሕ ሃገር) ጥራይ ዝተጠቕለለ ስለ ዘይኰነ፡ እታ ሃገር ብዊንታን ወስታን ሓደ ውልቀ-ሰብ (መራሕ ሃገር) ክብ ወይ ግብ ኣይትብልን ኢያ። ከምኡ’ውን፡ ተዋጋኢ ኰነ ናይ ጸጥታ ሰራዊታ ካብ እደያ (ጣልቃ) መራሕ ሃገር ናጻ ሰለ ዝዀነ፡ መራሕ ሃገር ንተጻባእቱ ንምጽናት ዝጥቀመሉ መሳርሒ ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ እቲ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ካብ ቊጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ንሓቂ ንምድባቕ (ንምድባይ) ዲል ኣይህብን ኢዩ — ማለት ከም ማዕከናት ዜና ህ.ግ.ደ.ፍ ንሓቂ ነገልግል ብዝብል ግብራውነት ዘይብሉ ባዶ ጭርሖ ንሓቂ ንምሽፋን ኣየገልግልን’ዩ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ እቲ ንረብሓ ህዝቢ ንምክልኻል ዝጸደቐ ቅዋምን ሕግን፡ ንዘይገሃስ ሰብሃዊ መሰላትን ክብርታትን ናጽነታትን ዜጋታታ ኣብ ርእሲ ምርግጋጹ፡ኣብታ ሃገር ስርዓትን ቅጥዕን ኣብ ምስፋን ከይተወሰነ ሰላምን ቅሳነትን እውን ሰለ ዝፈጥር፡ ህዝቢ ናይቲ ሃገር ኣብቲ ካብ ኢድ መንግስቲ ናጻ ዝዀነ ቊጠባ ናይታ ሃገር ብትግሃት ብምንጣፍ፡ ራህዋን ብልጽግናን ዝነገሳ ስልጥንቲ ሃገር ንምህናጽ ገፊሕ በሪ’ዩ ዘርሑ።

ኣቐዲሙ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ፡ ናጽነት ህዝቢ ዝረጋገጽ እታ ናጽነታ ዝተጓናጸፈት ሃገር ህዝባዊ መንግስቲ ምስ እተቕውም ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ህዝባዊ መንግስቲ  ንክቐውም ብቐዳምነት እቲ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብመትከል ብደሞክራሲ ዝኣምንን ብግብሪ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኲሉ  ዘድሊ ዘበለ ረቛሒታት ዘማልእን (ንኣብነት፡ ምምስራት ናጻ ተወዳደርቲ ሰልፍታት፣ናጻ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ምጽዳቕ ቅዋምን ሕግን ወዘተ.) ክኸውን ኣሎዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡  ውልቃዊ ኰነ ህዝባዊ ናጽነት ደሞክራሲ ከይነገሰ ናብ ክውንነት ክልወጥ ኣይክእልን ኢዩ። በዚ ዝኣክል፡  ናጽነትን ደምክራስን ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ተምሳል ኢዮም። ስለዚ፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ከምቲ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ንዕምሪ ስርዓት መንግስቶም ንምንዋሕ ዝጣበቕሉ፡ ንዘይተውሰነ እዋን ዝውንዘፍ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ “ዘየላቡ ጽንኩር ኩነታት” እናተባህለ ንዕስራ ዓመታት መመላእታ ዝተመጠጠ ወቕቲ፡ ክትግበር ዝነበሮን ሕጂ’ውን እንተዀነ ዘሎዎን ይጽናሓለይ ዘይበሃል ንህይወት ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብቐጥታ ዝትንክፍ ውዕዉዕ ሃገር-ለኸ ጕዳይ ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ በቲ ንሕቶ ደሞክራሲ ንምርስሳዕን ንምድባይን ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ዝቐርብ ምስምሳት ከይተሃመለን ከይተደናገረን፡ ደሞክራሲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንኽሰፍን በብዓቕሙን በብዘለዎን ክቃለሰሉ ይግባእ።

እቲ “ብዘይ ሃገር ናጽነት፣ብዘይ ናጽነት ከኣ ደሞክራሲ የለን” ዝብል ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ብደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝቐረበ ልባወ ዝጭበጥ መርትዖ ስለ ዘይብሉ፡ ንብይናት መወዳእታ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣግልግሎት”ን  ዘይሕጋዊ “ቀርጽ ክልተ ካብ ሚእቲን” ንምእዋጅ ዝድርኽ ብቑዕ መመኽነታ ኣይኰነን።ምኽንያቱ፡ ከምቲ ደገፍቱ ዝብልዎ፡  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን “ቀረጽ ክልቲ ካብ ሚእት”ን ዝበየነ፡ ብሓቂ ናጽነት ሃገር ንምዕቃብን ቊጠባ ሃገር ንምህናጽን ዘይኰነ፡ ነቲ ካልእ ብደገ ዘይርአ ዝተኸወለ ሸቶኡ ንምውቃዕ ኢዩ። ብርግጽ፡ ሓንቲ ሃገር ብባዕዳዊ ወራር ናጽነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ናይ ሞት ወይ ሕየት ህሞት፡ ናጽነታ ንኽትዕቅብ ህጹጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትእውጅ ግብእ’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነግፈረግ ዘይትብለሉ ኣድላዪ ሃገራዊ ናይ ድሕነት ስጕምቲ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ብሓዊ ምጽዋት ዋዛ መሲልዎ፡ ብሰንኪ ዓንዳሪ ወተሃደርዊ ዝንባለኡን ኣምባገነናዊ ሕማም መራሕቱን ንልኡላውነት ሃገሩ ባዕሉ ዘድፍር ከም ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ስርዓት፡ ነቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብሸለትነቱን ብትዕቢቱን ኣብ ዘይምልከቶ ውሽጣዊ ግዳያት እናተኣደየ “ጣኦት ጎደቦ” ተሸይሙ ብጎደብኡ ንኽምለኽ ኣሳዊሩ ዘባርዖ ኲናት፡ ዘገልግሎ ዘይነጽፍ ምንጪ ወተሃደራት ንኽምልምልን፡ ነቲ ኲናት ዝምውለሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኽድልብን፡ ዝእወጅ ብይን መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ “ሃገደራዊ ኣገልግሎት”ን  ዘይሕጋዊ “ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእት”ን ግን ግቡእን ኣድላዪን ኣይኰነን። ብሕልፊ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፡ ብጉልባብ “ምህናጽ ሃገር” ብዘይተኸፍለ ጉልበት ንመንግስታዊ ቊጠባዊ ውጥናት ንምስላጥ፡ ንመንእሰያት ብዘይድልየቶም በስገዳድ ገፊፍካ ይካልየድ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ዘብቃዓሉ ደረት ግዜ ዘይብሉን  ንዘይምለስ ሸዊት ዕድመኦም ዝሰርቕን ስለ ዝዀነ፡ ብሰንኩ ኣብ ወርሒ ብውሕዱ ክሳብ ክልተ ሽሕ ዝዀኑ መንእሰያት ካብ ኣደራዕ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ኣምሊጦም ይስደዱን ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ተገሪሆም ኣብ መጻወድያ ኣካላት ሰብ ዝነግዳ ናይ ማፍያ ውድባት ይወድቁን ምህላዎም ዘይከሓድ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። እቲ ኣዋጅ ክልተ ካብ ሚእቲ እውን እንተዀነ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ከይተወከስካ ብኢደወነንካ ዝተኣወጀ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንኸይምለሱ ንዝተደልዩ ንኣመሓዳድራኻ ዝቃወሙ ኣብ ወጻኢ ተሰዲዶም ዝነብሩ ዘሎዉ ንቑሓትን ንጡፋትን ባእታታት፡ ከም ዘይምለሱ ንምግባር ከምኡ’ውን ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዑቕበኛ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምምእራር ተሓሊኑ ዝተኣወጀ ኢዩ። በዚ መሰርት’ዚ፡ እቲ ተጣበቕቲ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ሓላፍነት ሓራ ንምውጻእ፡  ክልቲኡ ብይናት  “ድሕነት ሃገርናን ናጽነትናን ንምዕቃብ ዝተተግበረ፡ ንልዑል ብልሃትን ረዚን ሓልዮትን መንግስቲ ኤርትራ ዘረጋግጽ ህያው ምስክር’ዩ” ብምባል ውግሐ-ጸብሐ ዝጣበቕሉ ዘሎዉ ምጕት፡ ሓቅነት ዘይብሉ ዝተጋነነ ናይ ወደስቲ ጃህራ ኢዩ።

ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ “ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ክቐርብ ዝጸንሐ ትንተና፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘየማትእ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ዋሕ ኢሉ በሪሁ ኣሎ። ካብዚ ቀጸልና፡ ኣብ ዝስዕብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡  ስርዓት ህ.ግደፍ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሕቶ ደሞክራሲ ብምትኳር ንባህርዩን ስነ-ሓሳቡን ሜላታቱን ኣገንዚብና ብምትንታን ክንድህስሶ ኢና።

yassinomer01@gmail.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares