Awate.com

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (2ይ ክፋል)

ብቲ “ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡  መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምትንታን ዳህሲስናዮ። ብመሰረት’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ዝቐረበ ትንተና ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኹሉ መለክዕታት ሕጋውነት፡ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጽና። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ፡ ንደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ ብኸፊሉ ክንድስሶ ኢና፡፡ ኣብቲ ዝስዕብ ሳልሳይ ክፋል ድማ ንዝተረፈ መቐጸልታ ናይዚ ካልኣይ ክፋል፡ ብዓቢኡ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ምጕጅጃል መረሕነትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምድሃብ ክንድህስሶ ኢና። ንካልኣይ ክፋል ኣብ ክልተ ንኡስ ክፋላት ምኽፋል ዘድለየ፡ ንኣብባቢ ብምንውሑ ኣረብሪቡ ንምክታትታሉ ብምስንኻል፡ ብሰንኩ እቲ ክመሓለልፍ ዝተኣመተ መልእኽቲ ብግብእ ከይተመሓላለፈ መታን ከይተርፍ ኢዩ።

ልክዕ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል እውን ዝውቱር ዘይኰነ ናይ ትግርኛ ቃል ኣብ ዝተኸሰተሉ ንእዝኒ ኣንባቢ ጋሻ ኰይኑ ከይዕንቅፍ፡ ኣብ ሓጹር ብመማዝንቱ ናይ እንግሊዝኛ ቃል ተሰንዩ ቀሪቡ ኣሎ።

ደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ

“ዝዀነ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ብደሞክራሲያውነቱ ዝተኣማመንን  ቅንዕና  ዘለዎን ፖለቲካዊ  ሰልፊ፡  ንደሞክራሲ ከም ኣበሳ ዘይኰነ ከም ጸጋ ጌሩ ስለ ዝሪኦ ከየማትአ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ፍቓደኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስኡ ዝወዳደራ ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ  ሰልፍታት ምህላወን ስለ  ዘየስግኦ፡  መግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ንምብሓት ክእግደን ኰነ ክዂንነን ኣይህቅንን ኢዩ። ከምኡ’ውን ንመግስታዊ ስልጣን ከም ንዕኡ ጥራይ ዝብጽሖ ብሕታዊ ንብረት ጌሩ ስለ ዘይወስዶ፡ ንዘልኣለም ንሱ ጥራይ ገዛኢ ኰይኑ ክነብር ህርፋን የብሉን። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምስ ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ተወዳዲሩ ከይሰዓር ፈሪሑ ካብ ውድድር ከምልጥ ድሕር-ምሕር ኣይብልን’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብህዝቢ ከይተመርጸ ምስ ዝተርፍ እውን ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ዕዉት ሰልፊ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ መንግስታዊ ስልጣን ንምር`ካብ ሰጋእ-መጋእ ኣይብልን ኢዩ።”

ዚ ብፊተ-ግንባር ኣብ ጥቕሲ ኣቱዩ ከም መምዘኒ ደሞክራሲያውነት ከገልግል ቀሪቡ ዘሎ ክትሃድመሉ ዘይትኽእል ሓቅታት ዝሓዘለ በዳሂ ቃል፡ ንዝዀነ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ደሞክራሲያ’የ ዝብል ሰልፊ ዝምልከት ኢዩ። ብመንጽር’ዚ በዳሂ ቃል’ዚ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተባሒቱ ዝቖመ መንግስቲ ኤርትራ፡  ደሞክራሲያውነቱ ከመይ’ዩ ዝምዘን?

ብቐዳምነት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንደምክራሲ ከም ጸጋ ድዩ ከም ኣበሳ  ዝሪኦ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ንደሞክራሲያውነቱ ምስ እንመዝኖ፡ ሰልፉ ማለት ህ.ግ.ደ.ፍ ንደሞክራሲ ኣብ ክንዲ ከም ጸጋ ከም ኣበሳ ስለ ዝሪኦ ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ብሳዕቤኑ፡ ዝዀነ ንደሞክራሲ  ዘርጋግጽ ይኹን ዘውሕስ  ቅዋምን ሕግን ከምኡ’ውን  ደንብን ቅጥዕን ይትረፍ ብዕሊ ኣጽዲቑ ብእኡ ተቐይዱ ክምራሕ፡ ሳሕቲ ተጠቒሱ ክዝከር እውን ኣይፈቱን ኢዩ፡። ምኽነያቱ፡ ብቐጥታ ንስልጣኑ ዝብድህ ሰለ ዝዀነ ከም ዘይምልከቶ ጕዳይ ቆጺሩ ክሓልፎ’ዩ ዝመርጽ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዋላ’ኳ  ኣብ መጸውዒ ስም ሰልፉ “ደሞክራሲ” ትብል ቃል ለቂቡ ብደሞክራሲ ዝኣምን እንተመሰለ፡ ብመትከል ብደሞክራሲ ዝኣምን ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ መራሕ  ሃገር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ  ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ  ብዕለት 23 ግንቦት 2008 (ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መደብ ሪዝ ካሃን) ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ዝሃቦ ምስ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረ መልሲ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዋሕ ኣቢሉ ዘብርህ’ዩ ኔሩ። ኢሳያስ ነቲ፥ “ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ ክትክተሉ (ንኣብነት፡ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይዱ) መደብ ኣሎኩምዶ? ንዝብል በቲ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ዝቐረበሉ በዳሂ  ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ከም ኣመሉ ብቕጭውንናን ድርቅናን ንናይ ደሞክራሲ ሕቶ ብምቊንጻብ፡ ነቲ ሕቶ ብቐጥታ ክንዲ ዝምልሶ ካብቲ ሕቶ ብምህዳም “ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብሕጂ ንሰላስ ዓመታትን ኪኖኡን’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኣይመስለንን” ብምባል፡ ንኣልጀዚራ ንደሞክራሲ ዝምልከት በዳሂ ሕቶታት ብምሕታታ ብሃሱስነት ሃጸያዊት ኣመሪካ እናኸሰሰ፡ ብብድዐ ኣዳዕዲዑ ንደሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ስርዓቱ ኣብ ዝዀነ እዋን መደብ ከም ዘይብሉ’ዩ ኣረጋጊጽሉ። እዚ ናይ ብድዐ መልሲ’ዚ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቕርቦ ዝተፈላለየ መጠበሪ ምስምሳት ብዘየገድስ፡ ብመትከል ብደሞክራሲ ከም ዘይኣምን ዘረድእ መርትዖ ኢዩ። ኢሳያስ ደሞክራሲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ብኡንብኡ ዘይተተግበረሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ ንዘቕርቦ ትንተና ምስ እንግንዘቦ፡ ትንተናኡ፥ “ደሞክራሲ ሕልፊ ካልኦት ብጾትካ ገስጋሲ መሲልካ ምእንቲ ክትቀርብ ንትግባረነቱ (its applicability) እንተዘይኣጋኒንካዮ፡ ብመሰረቱ ነተን ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት (ኣብአን’ውን እንተዀነ ብኣድማዕነትን ብጽፈትን ስለ ዘይትግበር፡ ከምቲ ዝጋነኖ ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ዘይኰነ፡ ንረብሓ ኣመና ውሕዳት ፍሉይ ሓለፋ ዘሎዎም ጕጅለታት’ዩ ዘገልግል) ዝምልከት ኣብ ክብ ዝበለ ምዕባለ ሕበረተሰብ ምስ በጻሕካ ጥራይ ክትግበር ዘሎዎ ምዕራባዊ ፖለቲካዊ ያታ ኢዩ” ኣብ ዝብል ሓድሽ ባዕሉ ዝመሃዞ ፈሊጥ (notion) ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኢና እነስተውዕል። ኢሳያስ ካብዚ ፈሊጥ’ዚ ዝመንጨወ፡ “ባዕላውን ወድዓውን ቅድመ-ኲነታት ደሞክራሲ ከይተማለአ፡ ማለት ደሞክራሲያዊ ትካላት ከይተመስረታን ደሞክራሲያዊ ንቕሓት ከይተዀስኰሰን፡ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል ሕንፍሽፍሽ ምዕዳም’ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኣቐዲሙ ሃገርዊ ሓድነቱ ከየደልደለ፡ ማለት ካብ ‘ድሑር ሃይማኖታውን ብሄራውን ኣውራጃውን ዝንባለታት’ ሓራ ከይኰነ፡ ደሞክራሲ ምጥላብ በዚ ድሑር ዝንባለታት’ዚ ተጐጃጂሉ ኣደዳ (መፍቶ) ተበልጸቲ ኰይኑ ንኽተርፍ ዲል ምሃል ኢዩ፤ ስለዚ ኸኣ፡ ክሳብ እዚ እተጠቕሰ ቅድመ-ኲነታት ደሞክራሲ ዝማላእ ተወንዘፉ ክጸንሕ ኣሎዎ” ዝብል እምንቶ’ዩ (viewpoint) ዘሎዎ። ኢሳያስ ንኣግዳስነት ናይዚ ኣረኣእያኡ (እምንቶኡ)፡ “ንወገናዊ ምፍላላይ ህዝቢ (vertical polarization of people) ዝውግድ መድሕን’ዩ” ብምባል’ዩ ዝገልጾ። እቲ ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ወግዓዊ መርገጺ ደሞክራሲ፡ ብቐንዱ ካብዚ እምንቶ’ዚ ዝነቐለን ንዕኡ ዘቃልሕን ኢዩ።

ብመሰርት’ዚ እተጠቕሰ እምንቶ፡ ኲሉ ምስ ደሞክራሲ ተዛሚዱ ዝኸይድ ከም ቅዋምን ደንብን፣ ሕግን ስርዓትን፣ ናጻ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ሃገራዊ ምርጫ፣ ከምኡ’ውን ተወዳደርቲ ሰልፍታት ዝኣመስለ ደሞክራሲያዊ ተርእዮታት:  እዋናዊ ኣድላይነት ኰነ ግብራውነት ስለ ዘይብሉ፡ ክሳብ ኣብ ሃገርና ባዕላውን ወድዓውን ቅድመ-ኩነታት ደሞክራሲ በሲሉ ዝናስብ [(ዝምችእ) = (conduicive)] ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝፍጠር ወይ ዝምዕብል ተወንዚፉ ክጸንሕ ኣሎዎ። ኢሳያስ ንነብሱ ባዕሉ ብህዝቢ ከይተመርጸ መራሕ ሃገር ዝቐብአ (ዝሸመ) ውልቀ- መላኺ ክነሱ፡  ንሱ ግን ንነብሱ ከም ሕጋዊ መራሒ ጥራይ ዘይኰነ ንሃገሩ ክመርሕ ከም መዳርግቲ ዘይርከቦ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ዝተዓደለ ብርቂ [(ዘይርከብ ) = (rare)] ፍጡር ጌሩ ስለ ዝቖጽራ፡ ንዝበሎ ቃል ከም ፍጹም ሓቂ ወሲድካ ብዘይ ገለ ምምታእ (ምውልዋል) ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ’ዩ ዝጽበ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ከምዛ ናጻ ኰይኑ ዝሓስብ ናጻ ህላወ ዘሎዎ ኣእምሮ ዘይተዓደልካ፡ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ጥራይ ክትሓስብ’ዩ ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ብኢሳያሳዊ ኣረኣእያ ፍጥር ካብ እትብል እትሒዛ ንዕኡ ዝዳረግ ሊቅ ኣፍሪያ ስለ ዘትፈልጥን ብሕጂ’ውን ከተፍሪ ስለ ዘይትኽእልን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብናቱ ኣተሓሳስባ ተመሪሑን ንዕኡ ተኸቲሉን ጥራይ ክኽይድ እንከሎ’ዩ ኣብ ኲሉ መዳያት ህይወቱ ዝዕወት። እቶም “ንሱ-ንሕና፡ ንሕና-ንሱ !” እናበሉ ዝጭርሑ  ጽኑዓት ደገፍቲ ኢሳያስ፡  ከምቲ  “ዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር” ዝበሃል ምስላ ሓንሳእ ኢሳያስ ምስ በሉ ኢሳይስ ክብሉ ዝነብሩ ዘለዉ፡  በዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣምልኾ  ውልቀ-ሰብ (personality cult)  ዘተባብዕ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ስለ ዝተደፍነን ናይ ምግንዛብ ሕልናኦም ስለ ዝዓረበን ኢዩ። ይኽደኖም ይዋኣት ኣሕዋትና፡  ናይ ምሕሳብን ምግንዛብን ክእለቶም ብምስላቦም ከሕዝኑኻ !!!

ምስዚ ናይ ኢሳያስ ኣቐዲሙ እተገልጸ ሓዲሽ ናይ ደሞክራሲ ፈሊጥ ብምትእስሳር፡ ነቲ ብኣጋጣሚ መወዳእታ ዓመት 2011 ብናይ ዜና ማዕከኑ (ቲቪ-ኤረ) ምስኡ (ብጋዜጠኛ ሱሌማን ዑስማን ዓበ) ዝተኻየ ኣብ ኣርባተ ተኸፈሉ ካብ ነሓሰ 28 ክሳብ 31 (2011)  ዝቐረበ ተኸታታሊ ቃለ-መጠይቕ፡  ማለት ኣብቲ  ብፍላይ ምስ ርሱን ናይ ዞባና  ኣብ ሃገራት ዓረብ  ዝተኸሰተ ኣቓልቦ ዓለምና ዝሰሓበ ናይ ለውጢ ህዝባዊ ማዕበል ኣዛሚዱ ቃሉ ዝሃበሉ ክፋል፡ ነቲ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዘፍሰሶ ርእይቶ ቀሪብና ምስ እነስተውዕለሉ፡ እቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣብ  ምዕቡላት ዘይኰነ ኣብ ማዕበልቲ ሃገራት ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ኢሳያስ ነቲ ናይ  ለውጢ ህዝባዊ ማዕበል ከም ንደሞክራሲ ዝጠልብ ዘሎ ምንቅሳቓስ ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ ከም ንፍትሒ ዝጠልብ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣምሲሉ’ዩ ገሊጽዎ፡፡ ነቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣመልከቱ ክትንትን እንከሎ፡ ደሞክራሲ ትብል ቃል ብቐጥታ ሓንሳእ እውን ይኹን ከይጠቐሰ፡ ንጠንቂ ናይቲ ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ጉድለት ፍትሒ ብምቊራን፡  “እዚ ኣብ ከባቢና ዝተኸሰተ ዓጋቲ ዘይብሉ ህዝባዊ ናዕቢ (ኣቐዲሙ ዝተወደበ ሰውራ ዘይኰነ ዝተማህዘ ሕንፍሽፍሽ’ዩ (creative chaos) እናበለ ከምዛ ዘየነኣኣሶ) ካብ ጉድለት ፍትሒ ዝተላዕለ’ዩ ብምባል ብድብድቡ ሸፈፍ ኢሉ’ዩ ሓሊፍዎ። ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ’ዚ፡ ኢሳያስ  ጠለብ ናይቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ናዕቢ፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ደሞክራሲ  ጠለብ ‘ኳ እንተዀነ፡  “ካብ ጉድለት ፍትሒ ዝተላዕለ’ዩ” ብምባል ክንዲ ”ደምክራሲ” ትብል ቃል ዝጥቀም “ፍትሒ” ትብል ቃል ክጥቀም ዝመረጸ፡ ብገርሂ ዘይኰነ ብፍላጥ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ዝሃቦ ዘሰልቹ ነዊሕ መልሲ ደሞክራሲ እትብል ቃል ንምጥቃሳ’ውን ዝፈርሐ ህዝብና ንዘሎዎ ህሉው ኩነታት (ሓሳረ-መከራ) ምስ ናይ ከባቢና ኩነታት ብምንጽጻር፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ብምልዓል ናብኡን ናብ ስርዓቱን ዝቐንዐ ህዝባዊ ናዕቢ ከየተንስእ ስለ ዝሰግኣ እምበር ካልእ ቊንቊኛ ስለ ዘሎዎ ኣይኰነን። እቲ ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ’ዚ፡ በቲ ጋዜጠኛ (ሱሌማን ዑስማን ዓበ) ዝቐርበሉ ዝነበረ ኣቐዲሙ ተመኺርሉ ዝተዳለወ ሕቶታት፡ ዳርጋ ዂሉ ሓፈሻውን ዕምሉግን (ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን) ይንበር ድኣ’ምበር፡ ፈውሲ ሞት ብፍላጥ ዝተዋደደት ሓንቲ እትብላዕ ምስ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረት ሕቶ ኔራቶ። ንሳ ድማ፥ “ህ.ግ.ደ.ፍ  ኣብ ዝዀነ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ተሳቲፉ ዓሰርተ ሳዕ ተዓዊቱ ከም ዝወጽእ ዘጠራጥር ነገር’ኳ እንተዘይህለወ፡ ንሃገራዊ ምርጫ ተወዚፉ ክጸንሕ’ዩ ወሲኑ፣ ንውሳነኡ ዘይተረድእዎ ወገናት ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፡  ክቡር ፕረዚደንት ምኽነያቱ ከተብርህልናዶ ምኸኣልካ? ” እትብል ሕቶ ኢያ። ኢስያስ ነዛ ፍልይቲ ሕቶ’ዚኣ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ብዝርዝር ዝተዘተየሉ ምስ ናይ ዶብ ግጭት ዝተቛረነ፡ “ኣብዚ ሃገርና ዘላቶ ዘይርጉእ ናይ ኲናት ሃዋህው፡ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ (ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ምልዓል) እዋኑ ኣይኰነን” ዝብል መልሲ (ምስምስ) ኢዩ። ኣብዚ ፍሉይ ሕቶን መልስን’ዚ ተነጺሩ ዝተቐልዐ ተገራጫዊ ስነት (logic) ኣሎ። ንሱ ድማ፥ እንተድኣ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ዓሰርተ ሳዕ ብተኸታተሊ ተወዳዲሩ ከም ዝዕወት ዝተኣማመንን ዘረጋግጽን ኰይኑ፡ ሕራይ እስከ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ዶቦ ግጭት ሓደ መዕሊቢ ክሳብ ዝርከቦ ተወንዚፉ ከም ዝጸንሕ ተጌሩ ኣሎ ተባሂሉ ብዝቐረበሉ ምኽንያት መሰረት፡ ዕላምኡ ብዘየገድስ፡ ከም ሓቂ ወሲድና ንቀበሎ፤ እቲ ቅዋምን ደንብን ሕግን ስርዓትን ሃገር ግን እንታይ ክዋሪ’ዩ ተወንዚፉ ኣብ ከብሕታት መንግስቲ ድሮና ዝስትን ብርስሓት ዝጥቅርን ዘሎ? እተን ተቓወምቲ ውድባትከ እንታይ ስለ ዝኣበሳ እየን ኣብ ውሽጥ ሃገር ንኸይኣተዋ ምኽልካል ከይኣኽለን፡ ህላወኣን ተኻሒዱ ዝተወገዛን ዝተዀነናን ዝተኣገዳን?  ንምዃኑ፡ ምውንዛፍ ቅዋምን ደንብን ሕግን ስርዓትን መንግስቲ ኰነ ምውጋዝን ምኽኲናንን ምእጋድን ናይዘን ተቓወምቲ ውድባት፡ ንባዕሉ ብጕሉሕ ኣፍንን ግብርን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሓደ ተጣሚሩ ከም ዘይከይዶ ኣይኰነን ዋሕ ኣቢሉ ዘረድእ?  ከምኡ’ውን እዚ ዘይደሞክራሲያዊ ተግባራት’ዚ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ጭብጢ ተወሰዱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደሞክራሲያውነቱ ዘይተኣማመንን ቅንዕና ዘይብሉን መንግስቲ ምዃኑዶ ኣይኰነን ኲልዕ  ኣቢሉ ዘርኢ?

ዝዀነ- ዀይኑ፡ ደሞክራሲ ከም ዘለላ ተኽሊ ወይኒ  ክሳብ ዝበስል ግዜ ንሃቦ ተባሂሉ ክበስል እተጽበዮ ነገር ኣይኰነን። ደሞክራሲ ነቲ ዘይገሃስ ህዝባውን ውልቃውን መሰላትን ክብርታትን ናጽነታትን ዝምልከት ስለ ዝዀነ፡ ብህዝቡ ከይተመርጸ ይኹን ብህዝቡ ተመርጹ መንግስታዊ  ስልጣን ዝሓዘ ሰልፊ፡ ቃሕ ኣብ ዝበሎ ኣጋጣሚ ወይ ከኣ ዊን ኣብ ዝበሎ ግዜ ከም ሻሙ ንህዝቡ ዝምጽውቶ ምጽዋት ኣይኰነን። ምሳኻ ዝውለድ፡ ንምርድኡ ፈላስፋ ዘየድልዮ፣ ንኽበስል ግዜ ዘይወስድ፣ ንምትግባሩ ወረጃ ዘይህሓትት፣ ንነፍስወከፍ ዜጋ ብዘይኣድልዎ ዝተዓደለ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ኢዩ። ነቲ ህዝቢ ዝተውህበ ማንም ክምንዝዖ ዘይብሉ ሰማያዊ ህያብ እምበር መንግስቲ ዝውንኖ ንብረት ወይ ከኣ መራሕ ሃገር ዝዕድሎ ብልጫ ኣይኰነን። ስለዚ፡ መንግስቲ ይኹን ኣፈኝኡ (መራሕ ሃገር)፡  ንደሞክራሲ “ክሳብ ደረጃ ናብራኹም ዝመሓየሽን ንቕሓትኩም ክብ ዝብልን ተዓጊስኩም ጽንሑ” ብምባል ግዜኡ ክሳብ ዝመጽእ ብኢደወነኑ ዝውንዝፎ ጕዳይ ኣይኰነን። ይጽናሓለይ ከይበልካ ጽባሕ ዘይኰነ ሕጂ ብዘይሸብዳዕዳን ሕልክስክስን ክትበር ዘሎዎ ኢዩ። ምኽነያቱ፡ ናጽነት ክብረት እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ ፍትሒ’ዩ፣ ናጽነት ዋንነት እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ መሰል’ዩ፣ ናጽነት ግርማ እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ ከራማ (dignity)’ዩ፣  ከምኡ’ውን ናጽነት ጻማ እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ ጸጋ’ዩ። ደሞክራሲ ጸጋ ካብ ኰነ፡ እስከ ነቲ ንደሞክራሲ ዝምልከት ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈለጥ ምልስ ኢልና ፈሊጥነቱ (ትርጕሙ)  እንታይ ምዃኑ ንመልከቶ !

ትሕዝቶ ናይቲ ንደሞራሲ ዝምልከት ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈልጥ መሚኻ ምስ እንትንትኖ፡ እቲ ዘመሓላልፎ  መልእኽቲ፥ “ደሞክራሲ ደረጃ ብደርጃ ዘገም ኢልካ ዝሰላሰል ነዊሕ መስርሕ ስለ ዝዀነ፡ ብትዕግስቲ ክሳብ ደረጃ ናብራ ህዝቢ ዝመሓየሽን ፖለተካዊ ንቕሓቱ ክብ ዝብልን ደሞክራሲያዊ ትካላት (ህዝባዊ ማሕበራትን ውድባትን) ከቕውም ብቕዓት ዝድልብን፡ ምጽባይ ዘድልዮ ዕትብ ጕዳይ ድኣ’ምበር፡ ብግዳማዊ ተጽዕኖ ተንበርኪኽካ  ናይ ምዕራባዊ ዓለም ተቐባልነት ንምርካብን “ደሞክራሲያዊ መንግስቲ” ዝብል ትርጕም ኣልቦ ሕላገት ንምእሳርን፡ ተሃዊኽካን ተሃንዲድካን እትትግብሮ ቀሊል ጕዳይ ኣይኰነን” ዝዓይነቱ መልእኽቲ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰለ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ብመትከል ብደሞክራሲ ዘይኣምን’ኳ እንቲዀነ፡ ንመንግታዊ ስልጣኑ ሕጋውነት ከልብስ ግድን ስለ ዝዀነ፡ ንናይ ደሞክራሲ ኣምር ንዕኡ ብዝጥዕም ኣገባብ ገሊጹ ከቕርቦ ክትሪ ዘገርም ኣይኰነን፡፡ ኲሎም ውልቀ-ምልካውያን ንደሞክራሲ ከከም ዝምእምኦም (ከከም ዝጥዕሞም) ስለ ዝገልጽዎ፡ ብዙሕ ሕብርታት’ዩ ዘሎዎ። ስለዚ፡ ትርጕሙ ብዙሕ ሕብርታት ምሓዙ ኣየገርምን ኢዩ። እቲ ዘገርም እቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይዋሃቦ ግን ኣድማዒ (effective) ኣጠቓቕማ ቋንቋ ውልቀ-መልለኽቲ ኢዩ። ቋንቋ ብግቡእን ብውሕልነትን እንተተጠቒምካሉ፡ ነቲ ከተመሓላፎ እትደልዮ መልእኽቲ ብኣድማዕነት ንምትሕላፍ ዘገልግል ሓያል መሳርሒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሃገራዊ ስምዒታት ብምቕስቃስ ብርክት ዝበሉ ሰዓብትን ተደናገጽትን ንምጥራይ እውን ዝሕግዝ  ሓያል ናይ ፕሮፖጋንዳ ማዕከን ኢዩ። ኲሎም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ውልቀ-መልኽቲ ነዚ ናይ ቋንቋ ተራ ብግቡእ ስለ ዝግንዘብዎ፡ ብጻዕቂ ኣዘውቲሮም’ዮም ዝጥቀምሉ። እዘን ዝስዕባ ክልተ ኣብነታት ናይዚ ሓቂ’ዚ ጕሉሕ መርኣያታት ኢየን።

እቲ ኣብ ውሽጥን  ኣብ ወጻእን ብካድረታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብቐጻሊ ነባራት ሰዓብቲ ንምዕቃብን ሓደሽቲ ሰዓብቲ ንምምልማልን ዝሰላሰል ዘሎ ዘይተኣወጀ (ብሰላሕታ) ንደሞክራሲ ዝምልከት ጐስጓስ፡ ንሃገራዊ ስምዒት ኣረሳሲኑ ምድንጋጾምን ምትሕብባሮምን ምእንቲ ከደንፍዕ ብዝምስጥ ሓያል ቋንቋ’ዩ ተዋዲዱ ዝቐርብ። መልእኽቲ ናይቲ ንደሞክራሲ ዝምልከት ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈልጥ ንኣብነት፡ ብኸምዚ ዝስዕብ መልክዕ ማዕሪጉ’ዩ ዝቐርብ ፦

“ደሞክራሲ ብስምዒት ሓኒንካ ንኽትትግብሮ ዘጓዪ ናይ ሓጺር ኣዋርሕ ፍጻመ ዘይኰነ፡ ልቢ ምዕባይን ኣርሒቕካ ምጥማትን ዘድልዮ ናይ ነዊሕ ዓመታት መስርሕ ኢዩ። ስለዚ፡ ንደምክራሲ ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ማለት  እቲ ናይ ዶብ ግጭት ሓደ መዕለቢ ምስ ተረኽቦን፡ እቲ  ንደሞክራሲ ብኣድማዕነትን ጽፈትን ንምትግባር ዘኽእል ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ምስ በሰለን፡ ኣብ ግበሪ ምውዓልና ስለ ዘይተርፍ፡ ንናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ተጻኦታትን ወቐሳታትን ጸማም እዚኒ ሂብና ንኺድ ጥራይ — ንቕስሚት ንገስግስ ንፈጠራ ዓለምና — ኣብ መወዳእታ ድልድል  ጕዕዞና ድሙቕ ብርሃን ኣሎ፡ ድሙቕ ብርሃን ጽሓይ ራህዋ ዝዓሰሎ !!!”

ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ብተቓወምቲ ውድባት ዝቐርብ ናይ ደምክራሲ ጠለብ ንምቊንጻብ ዘካይድዎ ጐስጓስ እውን ምስ እነስተብህለሉ፡ ሓይሊ መልእኽቱ  ብዝያዳ ኣብ ትሕዝቶኡ ዘይኰነ ኣብ  ቋንቋኡ  ዛዚዩ ኢና እንረኽቦ። እዚ ዝስዕብ  ተወሳኺ መረዳእታ ነዚ ተርእዮ’ዚ ኣነጽር ኣቢሉ ዘረድእ ኢዩ፦

“ሃገር ዝለምዕ፡ ሓድነት ዝጽንዕ፣ ብልጽግና ዝርከብ፡ ህዝቢ ዝዓግብ፣ ንቕድሚት ዝግስገስ፡ ራህዋ ዝነግስ፣ ሰላም ዝሰፍን፡ ፍልጠት ዝስስን፣ ብክትዕን ብምጕትን፡ ብምፍልላይን ምግምማዕን ዘይኰነ፡ ብሓደ ሰልፊ ተመሪሕካን ኣብ ሓደ ተጠርኒፍካን ብዝዕመም ጻዕርን ዕዮን ከምኡ’ውን ተወፋይነትን መስዋእትን ኢዩ። ንሳቶም (ተቓወምቲ ) ግደፍዎም ይለፍልፉ፡ ይንቀፉ፣ ይራግሑ፡ ይንብሑ፣ የዕዘምዝሙ፡ ይጓዝሙ፣ ይባዝሑ፡ ይራብሑ፣ ይተኣዘዩ፡ ይጐዛዘዩ ፤ ንሕና  ግን ከይተሓለልና ሃገርና ክንሃንጽን ቊጠባና ከነደንፍዕን ንዕየ፣ንጽዓር፣ንልፋዕ ውዒልና ሓዲርና ግድን’ዩ ራህዋን  ብልጽግናን  ከነንግስ ፣ ተድላን ጽጋብን ክንርስርስ !!! ”

ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ዘሎዎም ክቱር ንዕቀት ብምንጽብራቕ ከምዚ ይብሉ፦

” … ንዓኣቶም (ነቶም ተቓወምቲ) ግዲ ኣይትግበርሎም ! — ሕልሞም ኣብ ስልጣን ምውጣሕ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ገና ኣብ ስልጣን ከይመጽኡ ዝዓበየ ስልጣን ክረኽቡ ነንሓድሕዶም ክዋጠጡ መሬት’ዩ ዝዓርቦም፡፡ ምኽንያቱ፡ ንረብሓኦም እምበር ንረብሓ ህዝቦም ዘቐድሙ ኣይኰኑን። ንዘይገብርዎ ስለ ዝነግርዎ እዝኒ ኣይትሃዎም ! — ለብለብ እትብል ዘይትዓርፍ መልሓስ እምበር፡ ሸፈድፈድ ዝብላ ኣእዳው የብሎምን። ናይ ህዝብና ሓቀኛ ወከልቲ ንሳቶም  እቶም ኣብ ማዕዶ ዘሎዉ ዘይኰኑ፡ ንሕና እቶም ምስኡ ዘሎና ኢና። ወትሩ ንህዝብና ብሓደ  ልሳንን ልብን እንመስክረሉ ቃል እንተሎ፡ ሕጅ’ውን ከም ትማሊ — ‘ንሕና ኢና ወከልትኻን  ኣድሓንትኻን፣ ንሕና ኢና ተስፋኻን  ሓቦኻን፣ ንሕና ኢና ባህግኻን ራኢኻን– ኣብ ረመጽ ሓዊ ዝተፈተና፣ መሪሕነታዊ ብቕዓት ዘመስከርና፣ ኣብ ጽንኩር ኲነት ዘልሓጥሓጥ ዘይንብል፡ ወትሩ ካብ ምቅላስ ዘይንሕለል፣ ብውልቃዊ ረብሓ ዘይንሰድዕ፡ ኣብ መትከልና ነኸስና ንጸንዕ”

መንግስቲ ኤርትራ ንዘይሕጋዊ መግስታዊ ስልጣኑ ከናውሕ፡ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ከም ዝጸነሐ፡ ንደሞክራሲ ብዝምልከት “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ተተግባርነት ዘይብሉን ኣድማዕነቱ ኣብ ምዕብል ዝበለ ደርጃ ምዕባለ ምስ ተበጽሐ ጥራይ ዝረጋገጽን ምዕራባዊ ፖሊተካዊ ያታ(western political tradition) ስለ ዝዀነ፡ ንጭቡጥን ፍሉይን ኩነታት ሃገርካ ከይመመኻን ከይተርዳእካን ሃንደፍ ኢልካ ማለት ንዓኻ ዘዋጻጽእካን ዘየወጻጽኣካን ምዃኑ ከየመዛዘንካ፡ ተሃንዲድካ ብሃታሃታ እትትግብሮ ጕዳይ ኣይኰነን” ዝብል ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ኣረዳድኣ ደሞክራሲ ኢዩ ዘሎዎ። ብመሰርት’ዚ ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ኣረዳድኣ ደሞክራሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ደሞክራሲ ኣምር ኣብ ክንዲ ብኣድማሳዊ (universal) ትርጕሙ ዝገልጾ፡ ንዕኡ ብዝምእምእ (ብዝጥዕም) ኣገባብ ብዘብለጭልጭ ባዶ ቃላት ቀባቢኡ ብፍልይ ዝበለ ናይ በይኑ ኣገላልጻ’ዩ ዝግልጾ።  ዕላማኡ፡ ኣብ መንጎ ህዝብና “ደሞክራሲ ካብ ሃገር ናብ ሃገር  መልክዑን ኣተጋብርኡን ዝፈላለ ብሓደ ዓይነት መልክዒ ዘይልካዕ ተዓጻጻፊ (flexible) መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ’ዩ ” ዝብል ኣረዳድኣ ብምስራጽ፡ ንዘይሕጋዊ መንግስታዊ ስልጣኑ ሕጋውነት ንምልባስን ናይ ህዝቢ ደገፍን ተቐባልነትን ንምርካብን ኢዩ። እዚ  ኣገላልጻ’ዚ ግን ንማንም ዘየርዲ (ዘየእምን) ናይ ሸሓጥቲ ሽሕጣን እምበር ልቦና ኰነ ሓቅነት ዝሓዘለ ኣገላልጻ ኣይኰነን። ብርግጽ፡ ደሞክራሲ ሓደ ዓይነት መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ ኢዩ። እንተዀነ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ድኣ’ምበር ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ኣይኰነን። ህዝባዊ መንግስቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ክኸውን እንከሎ፡  ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ግን ብጭውያ ውልቀ-መላኺ ብኢደወነኑ ዘቚሞ መንግስቲ ኢዩ። በዚ ዝኣክል፡ እቲ “ደሞክራሲ ዘዕግብ ውጽኢት ክርከቦ እንተተደልዩ፡ ኣብ ኣተጋባብርኡ  ተዓጻጻፍነት (flexibility) ክህሉ ኣሎዎ” ንምባል ዝቐርብ  ዘሎ ናይ ቀጠፍቲ ሽሕጣን (ንበይኑ ዓይነት ኣገላልጻ ደሞክራሲ)፡ ደሞክራሲ ኣብ ሃገርና ከይተተግበረ ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሕ’ሞ፡ ብእኡ ጌሩ ተረሲዑ ክተርፍ ምእንቲ ዝቐርብ ዘሎ መመሳተዊ ብመዓር ዝተሸፈነ ምስምስ እምበር ካልእ ቁምነገር ይኹን መዓላ የብሉን ። ነዚ ምስምስ’ዚ፡ ሓደ ብደሞክራሲውነቱ ዝተኣማመንን ቅንዕና ዘሎዎን ፖለተካዊ ሰልፊ ኣየቕርቦን ኢዩ። እቲ ነዚ ምስምስ’ዚ ዘቕርብ ፖለተካዊ ሰልፊ፡ ብዘይገለ ውልውል እቲ ከም ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰለ ርእሰ-ምትእምማን ዘይብሉ ብጥዑም ልሳን እናሸፈጠ ንዘንተ-እለት ክግዝእ ሕልሚ ዘሎዎ ዓማጺ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ። ብሓቂ ርእሰ-ምትእምማን ዘሎዎን ብመትከል ብደሞክራሲ ዝኣምንን ፖሊተካዊ ሰልፊ፡ ንደሞክራሲ ኣብ ግብሪ መታን ከየውዕል፡ ወግሐ-ጸብሐ ዘይከውን “ዝወደቕኩ ቀምሽ ኣደይ ስለ ዝሓንኰሊኒ’ዩ !” ዝዓይነቱ ዓይንኻ ዘንቁር ምስምስ (ሓሶት) እናቕረበ፡ ዕጥይጥይ ወይ ሕልክስክስ  ኣይብልን ኢዩ። ምኽንያቱ፡  ዘይከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብርኡይ ብኣባላት ናይ ሓደ ብሄርን ሓደ ሃይማኖትን ሓደ ኣውራጃን ዝተዓብለለ ስለ ዘይኰነ፡ ንዂለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ከየጓነየን ከየዳለወን ከይገለለን ብመጠን ብዝሐን ብድልድል ዝውክልን ዘሳትፍን ናይ ብሓቂ ሃገራውን ደሞክራሲያውን መንግስቲ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ተወዳዲሩ ከይሰዓር ፈሪሑ መንግስታዊ ስልጣኑ ዘናውሕ ምስምሳት ክረክብ ዳምዳም ምባል ኣየድልዮን ኢዩ።

ክንድ ዝዀነ፡ ከም ስርዓት ህ.ግ.ደፍ ናይ ነብሱ ርእሰ-ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ራዕዲ ብምሕዳር ወትሩ ንድሕሪኡ ግልጽ እናበለ፡ ንዝተዳህለሉ ዝሓቊፍ፡ ንዘይተዳህለሉ  ዝነጽግ፣ንዝወደሶ ዝድግፍ፡ ንዝተቓወሞ ዝጻባእ፣ ንዘጣቓዓሉ ዝሸይም፡ ንዝነቐፎ ዝዂንን፣ ፍጹም ኣስሓኮ (ሓያ) ዘይብሉ፡  ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብሕም ከይበለ ክምእዘዞ ጥራይ ዝጽበን ዝደልን፡ ስርዓት ኣይኰነን። ሓደ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ገስጋሲ’የ እናበለ፡ ንዘይደሞክራስዊ ስርዓቱ ስለ ዝተቓወምካ፡  ከይሓፈረ ንሃገርካ ካብ ስደት ከይትምለስ ዝኽልክልን ሃገራዊ ዜግነትካ ዝነፍግን ብግዲ ንስደተኛ ቀረጽ ዘኽፍልን ስርዓት ኣብ ዓለም እንተሎ፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ስርዓት ጥራይ ኢዩ። ዘይከም ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሓቀኛ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ፡ ኣብ  መትከል ደሞራሲ ንኸምስል ዘይኰነ ብልቢ ስለ ዝኣምን፡ ምስ ካልኦት ተወዳደርቲ መማዝንቱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወዳዲሩ ዝበዝሐ ናይ ህዝቢ ድምጺ ብምርካብ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ዝመጽአ ስለ ዝዀነ፡ ልባዊ ህዝባዊ ተቐባልነትን ኣፉመሊኡ ዝጣበቐሉ ሕጋውነትን ኣሎዎ። ብተውሳኺ፡ ብኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደሞክራሲያውነቱ ስለ ዝተኣማመን፡ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ብተቐናቕንቲ ተውዳደርቲ ሰልፍታት ከይሰዓር ስግኣት ሓዲርዎ፡ ዝተፈላለዩ ምስ ድሕነት ሃገርን ጸጥታን ዝተኣሳሰሩ ዘይረብሑ ምስምሳት እናቕረበ፡ ነቲ ክትግበር ዝተመዲበ ሃገራዊ ምርጫ ንሕልፈት ተወንዚፉ ከም ክተርፍ ኣይገብሮን ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ እውን፡ ነቲ ኣብ  ጉባኤታቱ  ብወግዒ ኣጽዲቑ ኣብ  ቅዋሙን ፕሮግራሙን ብንጹር ዘስፈሮ፡ ንምቛም ህዝባዊ መንግስቲ ዝምልከት ውድባዊ ዕላማ ጥሒሱ፡ ንሕድሪ ስዉኣት ብጋህድን ብንዕቀትን ብምጥላም፡ ከምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝወዓሎ ብታሪኽ ዘሕትት ናይ ጥልመት ተግባር፡ ማለት  ነቲ ደሞክራሲ  ኣብ ሃገሩ ሱር ሰዲዱ ከይሰርጽን ከይጥጥዕን  ዝዕንቅፍ ተግባር፡ ብምንም ምኽንያት ኣይውዕሎን ኢዩ።  ከምኡ’ውን፡ ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ብብድዐ፡ ነቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ በቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ  ዜጋታቱ መዓልቲ-መጸ ከይተላዕለ ዘይሓልፍ መቓልሕ ዝመልስ ናይ ደሞክራሲ ጠለብ፡ ከምዛ ብሓደ ዜጋ’ውን ይኹን ናይ ተቓዎሞ ድምጺ  ፈጺሙ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፡ ድንብርጽ ከይበሎ ብቐጻሊ ኣይክሕዶን ኢዩ። እዚ ኹሉ ክዝርዘር ዝጽነሐ ባህርያት ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ፡ ብዘይጥርጥር እዚ ሰልፊ’ዚ ብደሞክራሲያውነቱ ዘይተኣማመንን ቅንዕና ዘይብሉን ዓማጺ ሰልፊ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።

ኢሳያሱን ስልፉን ንደሞክራሲ ዝምልከት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝሰሓተዎ ሓደ ዘይከሓድ ታሪኻዊ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ፥ ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራ ምስ ደሞክራሲ ቅድሚ ሕጂ ሌላ ከም ዝነበራ ኢዩ። ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ካብ 1941-1961 ኣብ ዝነበረ ፍሉይ ታሪኻዊ ወቕቲ ተኣታቲዩ ስለ ዝነበረ፡ ንህዝብና ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኰነን። ብምንጽጻር፡ እቲ ኣብቲ ፍሉይ ታሪኻዊ ወቕቲ’ቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝነበረ ዕሙር ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝሰፈነ ምዉት ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝሓሸን ዝበለጸን’ዩ ኔሩ እንተተባህለ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ወቕቲ’ቲ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን (ንኣብነት፡  ጋዜጣ ዘመን) ናጻ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን (ንኣብነት፡ ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን) ናጻ ህዝባዊ ማሕበራትን (ንኣብነት፡ ሃገራዊ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር) ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እቲ ኣብ ግዜ ፈደርሽን ዝቖመ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝተማልአ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ንኣቀዋውማ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ብህዝቢ ዝተመርጸ’ዩ ኔሩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ ናይ ሽዑ ባይቶ ኤርትራ ምስ ናይ ሕጂ ባይቶ ኤርትራ ብምውድዳር ክርአ እንከሎ፡ ብዘይጥርጥር ዝለዓለ ደርጃ ደሞክራሲያውነት ኔርዎ። እዚ ክውንነት’ዚ፡  ንዘስተውዕል ኣእምሮን ንዝወቅስ ሕልናን ዘሎዎ ኤርትራዊ  ዜጋ ኣዝዩ ዘሕዝን  ኢዩ። ምኽነያቱ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ኣዝዩ መሪርን ጽንኩርን  ሰፍ ዘይብል ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራ ዝተኸፍሎ ደማዊ ብረታዊ ሓርነታዊ ገድሊ፡ ናጽነት ድሕሪ ምጕንጻፍና ከም ጻማ ገድልና ክቚጸር ዝከኣል ብውሕዱ ንናይ እዋን ፈደረሽን ዝዳረግ ደሞክርሲ እውን ኣይረኸብናን። እዚ ኸኣ ምስ ክልተ ሞት እምበር፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ምንታይ ይቚጸር !  ብዝዀነ፡ እዚ ዝተረቚሐ ፍሉይ ወቕቲ’ዚ፡ ምስ  እዋናዊ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ተዛሚዱ ብኢሳያስን ሰዓብቱን ከም ኣገዳሲ ተሞክሮ’ኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ነቲ “ንቕሓት ዘይብልኩም ድሑራት ስለ ዝዀንኩም ክሳብ ስልጥን ኢልኩም ንቕሓት ትድልቡ ተጸመሙ፡ ጽንሑ፡ ተዓገሱ” ዝብል ካብ ንዕቀት ህዝቢ ዝተበገሰ “ኢሳያሳዊ ፈሊጥ ደሞክራሲ” ፋሽል (ከንቱ) ፈሊጥ ብሃማት (ዓያሹ) ምዃኑ ዘረጋግጽ ህያው መርትዖ ስለ ዝዀነ፡  ኣብ ታሪኽ ተሞክሮ ደሞክራሲ ህዝብና ከይተጠቕሰን ከይተዘከረን ክሕለፍ ዘብሉ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ወቕቲ ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ እቲ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ንህላወ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ንምኽሓድ ዘቕርቦ  ምጕት፡ ምስ ናይ ዶብ ግጭትን ምስ ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈሊጥን (ኣቐድም ኣቢሉ ክግለጽ ዝጸንሐ ሓዲሽ ኣገላልጻ ናይ ደሞክራሲ ኣምር) ዝተኣሳሰረ ጥራይ ኣይኰነን፡፡ ካልኦት ዘቕርቦም ተወሰኽቲ  መጐተታት እውን ኣሎዉ። ካብዚኣቶም እቶም ኣገደስቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

1)    ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቱ ዕጉብን ቅሱንን ስለ ዝዀነ፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ኣብ  ውሽጢ ኤርትራ ፈጺሙ ተላዒሉ ኣይፈልጥን ኢዩ፣ ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ነቲ ፍጹም ዝዓነወን ንድሕሪት ንዝተረፈን ቊጠባ ሃገርና ኣብ ምህናጽ እምበር፡ ይበሃል ኢልካ ንምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት ንምምሳል ንኤርትራ ዘይምልከት ምዕራባዊ ያታ (ንደሞክራሲ) ኣብ ምቕዳሕ የለን፤

2)   ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ሓፋሽ ህዝቢ ዘልዕሎ ዘሎ ህያው ሕቶ ዘይኰነ፡ እቶም ካብ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ርሒቖማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ  ኣብ  እቶን ቃልሲ ዘይተፈተኑ ” መጽሓፋውያን  ምሁራት”ን፡ እተን  ከም ኣሜባ  ወግሐ-ጸብሐ እናተበዝሓ ዝኸዳን ብኣቃራጭ ከይተጋደላ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኲድጭ ክብላ ዝምህለላን፡  “ተቓወምቲ ውድባት” ዝጽውዓ ድርቅምቃም ሰልፍታትን ዘሳውርዎ ዘሎዉ፡ ዝተማህዘ (ጭቡጥነት ዘይብሉ) ሕቶ’ዩ፤ ከምኡ’ውን

3)   ድሕነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝረጋገጽ፡ ብህ.ግ.ድ.ፍ ብዝቖመ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ጥራይ’ዩ፣  ምኽንያቱ፡ ብቑዕ መሪሕነትን ቅኑዕ መስመርን (ስነ-ሓሳብን) ዘሎዎ ፍቱን ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ናይ ሎሚ ህ.ግ.ድ.ፍ) ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ንኤርትራ ብዘይ ዕዳን-ዕንዲዳን ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ሒዙ ካብ ድሕረትን ድንቊርናን ከገካግላ ዓቕምን ብቕዓትን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ተወፋይነትን ተሞክሮን ዘሎዎ ቅድሚ ሕጂ (ኣብ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ) ኣብ ረመጽ ተፈቲኑ ተዓዊቱ ዝወጸ፡  ሕጂ ኸኣ (ድሕሪ ናጽነት) ኣብ ርእስኻ ምኽኣል ዝብል ፍስፍንኡ ጸኒዑ ሃገር ካብ ባዶ ተበጊሱ ብግብሪ ዝሃንጽ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ማለት ህ.ግ.ደ.ፍ ጥራይ ኢዩ ዝብሉ ይርከብዎም።

ነዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ነጥብታት ሓደብሓደ ብምትንታን ቅድሚ ምምላስና፡ እቲ ዝዋሃብ መልሲ ዘዕግብን ዘርድን ጥራይ ዘይኰነ፡ ወድዓውን ኩለንትናውን መታን ክኸውን፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ፖሊቲካዊ ስነ-ሓሳብን ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ብምምልካት ቅድመ-ባይታ ምንጻፍ ኣድላዪን ጠቓምን ኢዩ። ኣብ ኣፈና ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ከም እተጠቕሰ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ንማለቱ ሰልፊ ኣሎ ንኽበሃል ማለት ንመንነት ናይቲ ዘቖሞ ውድብ  (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ንምኽዋል  ዝተመስረተ ስማዊ ሰልፊ እምበር ሓቀኛ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ህላወ ዘለዎ ሰልፊ ስለ ዘይኰነ፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ጐሲና ጠመተና ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምድሃብ፡ እስከ ቀጺልና  1) እዚ ውድብ’ዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝተመስረተ፣ 2) እንታይ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ይኽተል ከም ዝነበረን ዘሎን፣ 3) እቲ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ረቛሒታት እንታይ ከም ምዃኑን፣ 4) ድሕሪ ናጽነት መሪሕነቱ ንምንታይ ኣብ ክልተ ከም ዝተጐጀለን፣ ከምኡ’ውን፡   5) ኢሳያስ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም እንታይ ዓይነት ኣሉታዊ ውድባዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ቀይድን ዝጐደሎ ቅጥዕን ሃዋህውን  ከም ዝሓገዞን ምስቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕንቃፍ ብሸነኽ ጕጅለ ኢሳያስ (ድሕሪ ምግጅጃል ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዘ ጕጅለ መረሕነት) ዘጋጠመ ተጻብኣታት ብምዝማድ ንዳህስሶ።

ነዞም ክዝርዘሩ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ነጥብታት ምስቶም ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ሰለስተ ንደሞክራሲ ንምጽራር ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ሰዓብቱን ዝቐርቡ ዘሎዉ ተወሰኽቲ መጐተታት ብምውህሃድ፡ ሓደብሓደ ኣብ ዝስዕብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ’ዚ ተንቲና ክንምልከቶም ኢና። ሰናይ ምክትታል።

yassinomer01@gmail.com

 

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares