Awate.com

ናብ ኩላቶም ኤርትራውያን፡ ብዝያዳ ድማ ናብ ምእመናን ካቶሊካውያን፡ ዝቐርብ ህጹጽ መጸዋዕታ

ብኣብ ሰሜን ኣሜሪካን፡ ኣብ ኤውሮጳን፡ ዝርከቡ ኣባላት ምእመናን ካቶሊካውያን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ከምኡውን ኩልኻትኩም ኤርትራውያን ሃገራውያን፦

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኩላተን ሃይማኖታት፡ ብፍላይ ከኣ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ዘለዎ መደብ (ፖሊሲ)  ተኻታቲልናዮ፡ ኣድቂቕና’ውን መርሚርናዮ፤ ዘሰምብድ ኮይኑ ድማ ረኺብናዮ። ምኽንያቱ ከኣ መንግሥቲ ኤርትራ፡ ንኹላተን ሃይማኖታት፡ ብፍላይ ከኣ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንሓዋሩ ከድክማ፡ እነተኾይኑሉ ክኣ ከጽንታ ዝመደበ እዩ ዝመስል ዘሎ። 

መንግሥቲ ኤርትራ ንቤተ-ክርስትያንና ዘለዎ መደባት (ፖሊሲ)፡ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፦

  1. ቅድሚ ሎሚ ብዝኾን ይኹን መንግሥትን ኣመሓደርትን ተገይሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፦  ካብ 30 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኦም ካቶሊካውያን ፈለስቲ፡ ካህናትን፡ ደናግልን ናብ ሳዋ ወሪዶም ተዓሊሞም፡ ሃገራዊ አገልግሎት ክገብሩ፦ ማለት ወትሃደራት ክኾኑ፤
  2. 50 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኦም ካህናትን፡ ካብ 40 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመኤን ደናግልን፡ ብትምህርቲ ይኹን ብሥራሕ ምኽንያት፡ ካብ ሃገረ-ኤርትራ ክወጽኡ መንግስቲ ኤርትራ ኣይፈቅድን እዩ፤
  3.  ኣፍ ቤተ-ክርስትያን ኮይነን ንሕዝቢ መንፈሰ-ሕሊናኡ ዜብርሃሉ ዝነበራ መጽሔታት/ጋዜጣታት ከም ሓቅን ሕይወትንከምኡውንብርሃን ዝኣመሰላ፡ ተኸልኪለን፡ ካብ ሥራሕ ደው ኢለን ይርከባ።
  4. ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ንጽጉማት እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ፡ መንግስቲ ኤርትራ ጠጠው አቢሉዎ እዩ፤
  5. ነቲ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊካውያን እትህቦ ማሕበራዊ አገልግሎታት፦ ከም ሕክምናን ቤት ትምህርትን ከይተረፈ፡ ካብ ኢዳ ንምሕዳግ፡ ብዙሕ ሜላታት ተፈቲኑ እዩ። ብሳላ ተሪር ተቓወሞ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ግን ኣይተተግበረን። ካህናትን ደናግልን ንሳዋ እንተ ወሪዶም፤ ሽዑ ዘካይዶ የብሉን ብዝብል ጉልባብ መንግሥቲ ከይወርሶ ድማ የፍርህ፤
  6. አብዚ ቀረባ አዋን፡ ኣብ ባሕሪ ሊብያ፡ ንዓለም ምሉእ ዘሰንበደን ዘሕዘነን ህልቂት መንእሰያት ኤርትራውያን ምስ ተሰምዔ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ዘለዋ ቊምስናታት፡ በቲ ሃይማኖትና ዝሰርዖ መሠረት፡ ነቶም ዝሞቱ ጸሎት-ፍትሓት ክንዲ ዝገበሩሎም፡ ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ፡ ንካቶሊካውያን ካህናት  ብሕማቕ ይጥምቱዎም ኣለዉ። ኣብቲ ጸሎተ-ፍትሓት ናይ ድጕዓ ግጥሚ ዘቕረቡ ገለ ምእመናን ከኣ ናብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ዝብል ወረ ይስማዕ እዩ።  

ንመረዳእታ ዝኸውን አብነት

ቀዳማይ: ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ መንግስቲ ንብዙሓት ካቶሊካውያን ካህናት፦ ቁምስናኹምን ካልእ ኣገልግሎትኩምን ገዲፍኩም፡ ንሳዋ ንቐሉ ዝብል መጸዋዕታ ምስ ሃቦም፦ ምእመናን ቊምስና ሠገነይቲ፡ ነቲ ብመንግሥቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ እንተ ቐየሩሎም ኢሎም ናብ አመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሠገነይቲ ፡ ተኣኪቦም፡ መስቀሎም ኣምሪሖም፡ ክልምኑ ምስ ነቐሉ፦ አብ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ከይበጽሑ ብዘሰንብድ ኣገባብ አጋፊዖም ኣሲሮምዎም።

ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ ደኣ ዝተረድኡዎ ኣይመስሉን እምበር፡ ንዘመናት ዝጸንሔ ባህልን ልምድን አሎ:: ንሱ ክኣ፦ ንኹሉ  ሕዝቢ ዜፍርሕ ጸገም እንተ ተረኺቡ፡ ወይውን ንሕዝቢ ዝልክም ኣዋጅ አንተ መጺኡ፡ ሕዝቢ መስቀሉ ኣምሪሑ ናብ ሰበስልጣን መንግስቲ ከይዱ ይጠርዕ። ጥርዓኑ ክኣ ይስምዓሉ ነበረ። ዓበይቲ ከምዘበሉዎ፡- ሕዝቢ ተኣኪቦም፡ መስቀሎም ኣምሪሖም ለሚኖሞስ ዝኣበየ መንግሥቲ ኣይተራእየን፡ ኣይተሰምዔን።

እዞም ምእመናን ቊምስና ቅዱስ ሚካኤል ሠገነይቲ፡ ከምቲ ልማዶም ክኾንሎም፡ መንግስቲ ሽግሮም ክፈትሓሎም ተጸብዮም ኔሮም፡፡ ኣመሓደርቲ መንግሥቲ ኤርትራ ግን፡ ብፖሊስ እኳ ከይከውን፡ ዕጡቓት ሠራዊት ኣኽቲቶም፡ እንዳ አጋፍዑ ብጅምላ፡ ናብ 200 ዝጽጋዕ ሕዝቢ አብ ቤት ማሕዩር ዳጒኖምዎ። ወላኳ ብዕድመ ዝደፍኣ/ኡ ሽማግለታት፡ ደቂ 80 – 90 ዓመት እንተ ነበሩዎም፡ እቶም ወተሃደራት ከይነሓፉ፡ ደፊሮምዎም፡ እንዳ ኣጓነጹ ኽኣ፡ ኣብ መካይን ጸፍጺፎም ናብ ማሕዩር ክእሰሩ ወሲዶምዎም። ገለ ካብተን አረጋውያን አንስቲ ኣዕይንተን ዘጸግመን እኳ እንተኾና፤ እቶም ወትሃደራት ግን ኣይነሓፉወንን። ሰብ ዘሰንበደ፡ ኣተሓሕዛ ድኹማት ዘይፈልጥ ሜላ እዩ ዝነበረ። ብሓቂ  እግዚኦ ምሓርና ክርስቶስ ዘበለ ፍጻሜ እዩ።

ኣመሓዳሪ ሠገነይቲ፡ ናብቲ ቤት ማሕዩር ከይዶም፡ ነቲ ብትሕትና፡ ክቡር መስቀሉ ኣምሪሑ፡ ክልምኖም ዝዓቀነ ምእመን ሕዝቢ፡ ብዙሕ አጕባዕቢዖምሉ።ከምዚ ኢልኩም ተኣኪብኩም ናብ ቤት ጽሕፈተና ክትመጽኡ ምፍታንኩም ጌጋ እዩ፡፡ መንግስቲ ብፖሊቲካዊ ዓይኒ እዩ ዝጥምቶ፤ እዚ ኣድማ ኢና እንብሎ፤ መንዩ ልኢኹኩም?…” ድሕሪ ምባል፡ልኡኻት ወያኔ ኢኹምዝብል ክሲ ብመልክዕ ምፍርራሕ ኣቕሪቦምሎም።

እቶም ምእመናን ግን ኣብ እምነቶም ጸኒዖም “ድላይኩም ድኣ ግበሩና እምበር፡ ንሕናስ ሓሳብናን እምነትናን ኣይንቕይርን ኢና፤ ካህናትና ናብ ዕስክርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና፤ ከምቲ ሓንቲ ሃገር ብዘይ መንግስትን ብዘይ መራሕትን ክትነብር ዘይትኽእል፦ ከምኡ ድማ ሓደ ሃይማኖት ብዘይ መራሒ ኣይቀውምን እዩ። ካህናትና መራሕትናን አገልገልትናን እዮም፤ ጸዋዕታ ካህናትን ደናግልን ንእግዚአብሔር ምግልጋል ካብ ምዃን ሓሊፉ ምስ ሥራሓት ውትህድና ዚቃዶ ኣይኮነን…” ኢሎም ትምህርቲ ሓዘል ምላሽ ሂቦምዎም።  ከምኡ ስለዝገበሩ ክኣ ኣብ ማሕዩር ተኣሲሮም ቀንዮም።  

እቶም ምእመናን ዝበዝሑኳ እንተ ተፈትሑ፡ ገሊኣቶምስ ጌና አብ ቀይዲ እዮም ዘለዉ። ካብቶም ብጽኑዕ ተቐይዶም ዘለዉ፡ 4-5 ዝኾኑ ካቶሊካውያን መምህራን እዮም። መንግስቲ ነቶም መንእሰያት ዝኾኑ ምእመናን ኣይለቅቕን ምስበለ፡ እቶም ምስኦም ዝነበሩ ዓበይቲ፡- ደቀና ገዲፍና ኣይንኸይድን ኢሎም ማእሰርቲ መሪጾም ቀንዮም። ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ ግን ፈላለዮም ስለዝኣሰሩዎም ኣታሊሎም ነቲ ዝበዝሔ ሕዝቢ ኣፋንዮምዎ።

ምእመናን ተኣሲሮም ምስ ሰምዑ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ተወኪሶም እዮም። ግዳስ ዜዕግብ መልሲ አይረኸቡን። ቅድሚ ሕዢ’ውን፡ ገዳማትኩም መዕቆቢ ካብ ሳዋ ንዝሀድሙ መንእሰያት ኮይኑ አሎዝብል ጉዳም ዝኾነ ክሲ ካብ መንግሥቲ መጺኡዎም ኔሩ እዩ። እዚ ክሲዚ ናብ ውሻጠ ቤተ-ክርስቲያን መተኣታተዊ ንክኸውን ዝተጠጅኤ እንተ ዘይኮይኑ፡ ገዳማትስ መሕብኢ ኣይኮናን። ሽዑ ኣቡናትና አትሪሮም ነጺጎምዎ ከም ዝነበሩ ዚዝከር እዩ፡፡

ካልኣይ አብነት፦ አብ ዝሓለፈ ዓመታትውን፡ ሰበሥልጣን መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ካቶሊካውያን ሓደ ከቢደ ጾር ሰቒሎም ኔሮም። ንሱ ድማ፡ አብ ከባቢ ከረን ዘለዉ ምእመናን፡ ንደቅኹም ካብ ቤተ-ክህነት ኣውጺእኩም ንሳዋ ስደዱዎም ዝብል ትእዛዝ ሂቦም ኔሮም። እቶም ወለዲ፡ ደቅና ንኣምላኽ ኣወፊናዮም ኢና፤ ካብ ኣምላኽ ኣሕዲግና ኣይንህበኩምን ኢናኢሎም ጽኑዕ ምላሽ ሂቦምዎም። ብድሕሪዚ እቶም ሰበስልጣን መንግሥቲ፡ ናብ ካቶሊካዊ ጳጳስ ከረን ከይዶም ነቶም ተምሃሮ ክንወስዶም ኢና ምስበሉዎም ንሶምውን ተቓዊሞም። ብድሕሪኡ እቶም አምሓደርቲ ናብቶም ወለዲ ተመሊሶም ወይ 50 ሽሕ ናቕፋ ንነፈሲወከፍ ቆልዓ ትኸፍሉ ወይ ከኣ ትእሰሩ ኢሎምዎም። ክሳብ ዓመት ዝኣሰሩዎምን ዘጋፍዑዎምን ምእመናን አለዉ። ወዮ ናብ ጸዋዕታ ምንኵስና ዝውፈዩ መንእሰያት ተረኺቦምስ፡ ካብ መንግስቲ ከምዚ ዘበለ ተጻብኦ ኬጋጥም ከሎ ንዓና ይገርመናን የፍርሃናን ኢዩ’ሞ፦ እግዚኦ ምሓረና ክርስቶስ ንበል!!

ገለ ካብቲ መደባት (ፖሊሲ) መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘምጽኦ ሳዕቤን ክንጠቅስ፦

  1. መንእሰያት ኣብ ቤተ-ክህነትን ማሕበር ደናግልን ኣትዮም ከይኵስኰሱ መኸላእታ እንተ ተጌሩሎም፦ ጽባሕ ንግሆ ንካህናትን ደናግልን ዝትክኡዎም ክስእኑ እዮም። እዚ ሕጂ ቤተ-ክርስትያንና እትህቦ ዘላ ኣገልግሎት ክትገብር ኣይክትክእልን እያ። ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፦ ሓደ ፈላሲ/ት → ተመልሚሎም መሠረታዊ መዓርግ ክህነት ንክቕበሉ፡ ካብ 10 ዓመት ንላዕሊ ይወስደሎም። ንደናግልን ናይ ደቅ-ተባዕትዮ ፈለስትን እውን፡ እቲ ንሕይወቶም ምሉእ ክነብሩሉ ቢሎም ናብ አምላኽ ዜቕረቡዎ መብጽዓን ማሕላን ንኽፍጸሙ፡ ተመሳሳሊ ግዜ እዩ ዝወስደሎም።
  2. ካብ 30 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኦም፡ ካህናትን ደናግልን፡ ናብ ዕስክርና እንተ ወፊሮም፡ እቲ ንምእመናን ይኹን ንኹሉ ሕብረተሰብ ዝህቡዎ ኣገልግሎት ብሃንደበት ጠጠው ክብል እዩ። መንግስቲ ንቤተ-ክርስትያን ክሃሰያ ደልዩ እምበር፡ ካህናትን ደናግልን ንሳዋ ክዕስከሩ ወሪዶም ብዝሒ ወተሃደራት ኤርትራ ክውስኽ፡ ወይ ድማ ብዓይነቱ ክጸፍፍ ተባሂሉ ኣይኮነን።
  3. ካህናትን፥ ፈለስትን፥ ደናግልን፡ ናይ ትምህርቲ ዕድመኦም ክሳዕ ዝሓልፍ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ኣይፍቀደሎምን ክብሃል ከሎ፦ ኣብ ወጻኢ ከይዶም መንፈሳዊ ትምህርቶም ክቕጽሉ፡ ሓዋርያዊ ሥራሖም ክገብሩ፡ ወይውን ካልእ ዘመናዊ ፍልጠት ክምሃሩ መሰል የብሎምን ማለት እዩ።  ከም ቀደሞም፡ ፍልጠት ትምህርትን ሕክምናን፡ ሰብኣዊን፡ ሕብረተሰብኣውን ብቕዓቶም ጸብለል አይክብልን እዩ። ካብኣቶም ዝርከብ ዘበለውን ክጎድል እዩ።  እዚውን ንቤተክርስትያን ንምህሳይ እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ዕላማ ይህልዎ ኢልካ ክትግምት ዘጸግም እዩ። ንሕዝቢ ኤርትራ ብሓብራ እውን ዝጎድኦ ኢኣ ኢምበር ዝጠቕሞ የብሉን።
  4. እቶም ንሓደስቲ ካህናትን፥ ፈለስትን፥ ደናግልን ዝምልምሉን ዝዅስኵሱን፡ ደቂ ቤተ-ክርስትያን፦ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም እንተ ዘይሰልጢኖም፡ ብግቡእ ክሰናደዉ አይክእሉን እዮም። ብዓለምለኻዊ ደርጃ ዝምዘን ፍልጠትን ብስለትን ክጎደሎም እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ዓለምለኻዊት ከም ምዃና መጠን ክማላእ ዝግባኦ ነገራት ምፍጻም ክኸብዶም እዩ።
  5. ቤተክርስትያና ካብታ ኣካላ ዝኾነት ካቶሊካዊት፡ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ተፈልያ፡ ትዝኽትም ኣላ ማለት እዩ። እዚ መደብዚ እንተቐጺሉ መንነታ ክትዕቅብ መሰል የብላን ማለት እዩ።
  6. ገሊኣተን ማሕበራት፡ ብባህሪኤን ኣብ ዓለም-ለኻዊ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝነጥፋ እየን። ብዙሓት ኤርትራውያን ደናግልን፡ ፈለስትን፡ ካህናትን፡ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዓለም ተመዲቦም ይሰርሑ እዮም። ከምኡ ክኣ ደቂ ካልእ ሃገራት ኣብ ሃገርና መጺኦም የገልግሉ እዮም።  መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ ኰሊፉዎ ይርከብ። ንሕዝብና ዝጠቅም ብዙሕ ቁምነገር ዝገብሩ ዝነበሩ ደቂ ወጻኢ ሃገራት፡ ምስ ክንደይ ሞያኦም፡ መንግሥቲ ሰጕጉዎም፤ ነቶም ደቂ ዓዲ ክኣ ብዕድመ ክሳብ ዝደፍኡ ካብ ሃገር ከይወጽኡ ከልኪሉዎም ኣሎ። ኣብ ዕድመ ሽምግልና ምስ በጽሑ ካብ ሃገር ወጺኦም ክምሃሩ ይኹን ክሥርሑ ኣይክኽእሉን እዮም።
  7. ሰብ ሠናይ ዝኽሪ ዝኾኑ፡ ቁሩባት ዓበይቲ ደቂ ቤተ-ክርስትያን ክንጠቅስ። ከም ነፍሰሄራን ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ፤ አቡነ አብርሃ ፍራንሷ፤ አቡነ ተስፋማርያም ብድሆ፤ አባ አጎሰጢኖስ ተድላ፤ ኣባ አድሓኖም ሥእሉ፡ ከምኡውን ብዙሓት ዝሓለፉን ብሕይወቶም ዘለዉን ፈለስቲ፡ ካህናትን ደናግልን አብቲ ዝለዓለ ዩኒቨርሲቲታት (ንኣብነት ኣብ ሮማ ዝርከብ) ክመሃሩን ክምህሩን ዝበቕዑ ብንኡሳቶም ከለዉ፡ ኣብ ሃገርና ዝውሃብ ትምህርቲ ፈጺሞምስ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክምሃሩ ዕድል ስለ ዝረኸቡ እዮም። ገሊኣቶም ካብቶም አብ ወጻኢ ዝተማህሩ አባላት ቤተ-ክህነት፡ ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ፡ አብ ወጻኢ ከይተረፈ፡ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ሓላፍነት ኮይኖም ክንርእዮም ከሎና፡- ንካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮነ ንኹላቶም ኤርትራውያን ዜዅርዕ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብንኣሽቱኦም ከለዉ፡ ካብ ሃገር ከይወጽኡ እንተ ዝኽልከሉ፡ ኣብኡ ኣይምበጽሑን ኔሮም። ሎሚ፡ እዚ መደብ መንግሥቲ ኤርትራ እንተ ቐጺሉ፡ ቤተክርስትያን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ሰባት ክተፍሪ ኣይክትክእልን እያ። ዜሕዝን፡ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ እዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ካህናትን ደናግልን ከይመሃሩን ከይነቕሑን፡ ብጽፈት ሞያኦምን እጃሞምን ከየበርክቱ ደልዩ እንተ ዘይኮኑስ፦ ካቶሊካውያን ካህናትን ደናግልን ካብ ኤርትራ ከይወጽኡ ኮፍ እንተበሉ እንታይ ይኸስብ? ወጻኢ ሃገር ከይዶም ተማሂሮም እንተ ተመሊሶም ግዳ ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ እዮም ዝጠቕሙ። እዚ ከኣ ብጸሎቶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብትህርቲ፡ ብሕክምና፡ ብማሕበራዊ ኣበርክቶ ክጥመት ይኽእል እዩ።  ቅንዕና እንተሎስ እዚኣ ብምንታይ ትጽላእ? ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ ነዚ ከተባብዑዎዶ ኣይምተገብኤን?

መንግሥቲ ኤርትራ፡ ነዚ እንርዮ ዘለና ዘሰንብድ መደባቱ (ፖሊሲ) ምእንቲ ክቕይር፤ ቤተ-ክርስትያና ከኣ ከም ቀደማ ናጻ ኰይና ክትነብርን፡ ክትመርሕን፡ ክተገልግልን፡ ልዑል ፍጣሪ ከጣጥሓላ ምህልላና ነዕርግ ኣለና። ንኹላትና፦ መገዲ ሓቅን መገዲ ጽደቅን ክመርሓናን፡ መንፈሳዊ ብርታዔ ክህበናን፡ ንልዑል ፈጣሪ ንልምኖ አሎና።

በዚ መሰረት እምብኣር ነዞም ዝስዕቡ ኣካላት ጻውዒትናን ለበዋናን ነቕረብ አለና፦

) ንመንግሥቲ ኤርትራ፡

1. መደባቱ ክቕይር እሞ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያና ሰቒሉዎ ዘሎ ከቢድ አርዑት ከውርዶ፡ ብስም ልዑል ፈጣሪ ንልምኖ። መንግሥቲ ኤርትራ፡ መደባቱ (ፖሊሲታቱ) ምስቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መንግሥታት እንተ ዘነጻጽሮሞ፡ ካብቶም ቅደሚኡ ዝነበሩ ዝሓሸ እንተ ዝገብሮ መማዕረገሉ።

2. እዞም ካብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሠገነይቲ ጥርዓን ክንዲ ዜቕረቡ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ መንእሰያትን መምህራንን፡ ምእመናን ብቕልጡፍ ኪፍትሑ ንልምን አለና። ንዝለመነካ ሰብ፡ ወይ ትተዅበሉ ወይ ከኣ ይርዳእካ ትብሎ እምበር፡ ተገምጢልካ ኣይትሳላበጦን። እዞም ብማእሰርትን ብምግፋዕን ዝተቐበልኩምዎም ምእመናን ከአ፡ ክቡር መስቀሎም አምሪሖም ድኣሎም ዝለመኑኹም እምበር ካልእ ኣይደለዩን። ወይ ትኾቡሎም ወይ ይርዳእኩም ኢልኩም ኣፋንዉዎም።

3. መንግስቲ ነቶም ብሕሱም ኣገባብ አጋፊዑ ዝኣሰሮም ምእመናን ድማ፡ ናይ ይቕሬታ ካሕሳ እንተ ደበሶም ካብ ሕሰምን ካብ መርገምን መድሓኖ ንብል።

4. ነተን ተኣጊደን ዘለዋ፡ ጽሑፋት ቤተ-ክርሰትያን ዝዝርግሓ ዝነበራ፡ ከም ብዓል ‘ብርሃን’ ‘ሓቅን ሕይወትን ዝኣምሰላ ጋዜጣታት/መጽሔታት ከምብሓድሽ ሥርሔን ክጅምራ መንግሥቲ ክፈቅድ ንጽውዕ። ንመገዲ መንግሥተ-ሰማያት ዝኸውን ስንቂ ድኣለን ዝህባ እምበር፡ ካልእ ዝገብራኦ በደል የብለንን። እዚኣተን ኣብ ዘመን ደርግ ይኹን ቅድሚኡ ተኸልኪለን አይፈልጣን። እንተ ገደደ፡ ብሳንሱር ይሓልፍ እምበር መንፈሳዊ ጽሑፋት ከይዝርጋሕ ምእጋድ ኣይግባእንዩ፤ ተሰሚዑ ድማ ኣይፈልጥን።

5. ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ንጽጉማት እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ክትቅጽሎ፡ ክፍቀደላ ንልምን። እዚ ትካል’ዚ ብዘመን ደርግ ከምድላዩ ዝሰርሕ ዝነበረን፡ ንብዙሓት ጽጉማት ዜጋታት ዝዓንገለን ዘሳለየን እዩ ዝነበረ።

) ንኹላቶም ካቶሊካውያን ምእምናን፡ አሕዋትና

ነዚ አብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያና ወሪዱ ዘሎ ዜፍርህ ኩነታት ብቕልጡፍ ክቕየር፦ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዓቕምታት ተጠቂሞም፡ ብጸሎቶምን፡ ብኹሉ ዓቕሞምን ክጽዕሩ፡ ንቤተ-ክርስትያኖም ከድሕኑን ክሓለዩን፡ ክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ከምዝኾነ፡ ብትሕትና ነዘኻኽሮም። ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ተኣኻኺቦም ክምህለሉን፡ ክማኸሩን፡ ክደጋገፉን፤ ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ምስቶም አብ ካልእ ክባቢታት/ሃገራት ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስተያን ዝራኽቡሉ መገዲ ከጣጥሑ’ሞ ክትሓባበሩ፡ ክዛተዩ ብትሕትና ንመኽሮም። ቅንኣተ ቤትከ በልዓኒ ብዝብሎ መሠረት።

) ንኹላቶም ኣመንቲ ክርስቶስ ዝኾኑ አሕዋትና

ብሕለፊ ድማ ተኸተልቲ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ፡- ብስምታ ኣደ ኵላትና ዝኾነት፡ እመአምላክ፡ ብጸሎቶምን ብኻልእ ምግባሮምን፡ ቤተክርስትያና ብሰንኪ ግጉይ ሜላ መንግስቲ ከይትጸንት፡ ክድግፉናን አብ ሓልዮቶም ኬቐድሙናን፡ ብትሕትና ንምሕጸኖምናፍቅር ቢጸነ ወንትፋቀር በበይናቲነብዝበሎ መሠረት፡ ፍቕሪ ሓድሕድን ሓልዮትን ከይጎድል እሞ፡ ካብ ወንጌል ክርስቶስ ወጻኢ ዝኾነ አተሓሳስባ ከይነግሥ፡ ብትሕትና፡ ኣብ ጸሎትኩምን አብ ሓልዮትኩምን ዘክሩና ንብለኩም።

ነቲ አብ ልዕሊ ኩላቶም አመንቲ ክርሰቶስ ዝወርድ ዘሎ ግድዓት (ንኣብነት ጉዳይ ፓትርያርክ አቡነ ኣንቶንዮስን ካልኦት እሱራትን) ከአ ብመንፈስና ከም እንካፍሎን፡ ምስኣቶም ብጸሎት ምሓረነ መሓሪ እንዳ በልና ከም እንሰምሮምን ነረግጸሎም። ንዅላትና አይጠዓመናን፦ ብስዉር ድኣ ይመስል ይኸውን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ሃይማኖት ስደት እዩ ዝካየድ ዘሎ! ሰኣሊ ለነ ቅድስት ንበል!

) ንኣመንቲ ምስልምና ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትና  

መደባት መንግሥቲ ኤርትራ፡ ንሃይማኖትኩም እውን ከም ዘየናሕስየሉ አይጠፍኣናን። በብዘሎናዮ ከፊኡና እዩ ዘሎ። ሃይማኖት ዘይፈቱ ኣተሓሳስባ ገኒኑ፡ ንብዙሓት ዜጋታት እውን የሳቒ’ሎ። ስቓይ ኣብ ዝገነነሉ ሃገር፡ ቅሳነት አብ ዘይብሉ ሃገር፡ ዕቤትን ምዕብልናን አይርከብን እዩሞ፦ ንኹላትና ክጥዕምና፤ ከምታ ቀደምና ተሓቛቝፍና እንነብረላ ሃገር ክትኮነልና፡ በብመዳይና ንስራሕ።

እንዛረበሉ ዘሎና ቀንዲ ጉዳይ፡ ማለት አብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስተያን ዝወርድ ዘሎ ጸገማት፡ ንሓዋሩ ክሃስያ እዩ’ሞ፦ ከም ዓቕምኹምን ከም ሕልናኹምን ክትድግፉና፡ ዓገብ ክተባህሉና፡ ብትሕትና ንምሕጸነኩም። ንአምላኽ ዝተወፈዩ፡ ንስለ መንግሥተ-ሰማያት ቢሎም፡ ዓለም ዝመነኑ፡ ዘይምርዓዉ ሰባት፡ ናብ ውትህድርና ክጽውዑ ከለዉ፡ ንኹላትና ዝልክም ቊጥዓ አምላኽ ከይፍንወልና ንፈርህ! ንስለ ሕውነት ዓገብ አባህሉና።

) ካልእ እምነት እትኽተሉ፤ ከምኡውን እቶም ሃይማኖት ዘይብልኩም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትና፦

ብትሕትና ሓደ ታሪኽ ክንዝክር ፍቐዱልና። ብዘመን ኮምዩኒስት ሶቬት፦ ሌኒንን ሰታሊንን ዝመርሑዎ ፖሊቲካዊ ውድብ፡ ሃይማኖት ዘይብላ ሓዳስ ሃገር ክንሃንጽ ብዝብለ ዕላማ፡ ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን ምስ በዙሓት ፈለስትን ካህናትን አህሊቑ እዩ፡፡ ንምሸቱ ግን፡ ከምቲ ድላዮም ኣይኮነሎምን። እኳድኣ ብግልባጥ፡ ወዮ ፍልስፍናኦም ብጸሓይ ከም ዝብተን ግመ ፋሕ ኢሉ ተሪፉ።

ሰብ አብ ሃይማኖቱ ጸኒዑ፡ ዓጊቡ እንተ ተናበረ፡ ንሓንቲ ሃገር ጸጋ እምበር፡ ግድዓት ኣይፈጥረላን እዩ። በዚ መሠረት ቤተክርስትያና ንምድኻም ንዝግበር ዘሎ ሜላ፡- ዓቕምኹምን ሕልናኹምን ብዝፈቕዶ ሓግዙና፤ ዓገብ አባህሉና፡ እንዳ በልና ብሕውነት ንምሕጸኖም።

) ንዅልኻትኩም ደገፍትን ኣባላትን መንግስቲ ኤርትራ

 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ  ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ (ከምኡ’ውን አብ ልዕሊ ካልኦት)፡ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንመላእ ሕዘቢ ኤርትራ ዝጎድእ እምበር ዝጠቅም ኣይኮነን። መንግስቲ ብሱል ኣመሓዳድራ ክገብር፤ ብደረጃን ብወረጃን ኬመሓድር፤ ካብ ጉዳይ እምነትን፡ ካብ ጕዳይ ታቦትን ከልግስ፡ እቲ ዘሎኩም ተሰማዕነት ተጠቂምኩም፡ ናብ መገዲ የማን ከትመልሱዎ፡ ንልምነኩም። ቤተ-ክርስትያን ካቶሊካውያን ኤርትራ እንተ ፈረሰትን እንተ ለመሰትን፤ ወይውን ኩላተን ሃይማኖታት እንተ ተቐየዳ፡ ንሃገርና ክሳራ እምበር ዘምጽኣላ መኽሰብ የብሉን።

) ንሰራዊት ኤርትራ

ንድኹም ደግፉ! ነቶም ወለድኹም ዝኾኑ፡ ሽማግለታትን ኣረገውትን፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ እሞ መስቀል ዝጾሩ ምእመናንን፡ ክተከላብቱ ተረኺብኩም። ብዕድመኦም ንወለድኹም ዝወልዱ፡ ዳርጋ ዓይነ-ሥዉራን ዝኾኑ ኣረጋውያን፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣዳፊእኩም፡ ተጻሪፍኩም፡ ኣሲርኩም። እዚ ኩሉ ክትገብሩ ከሎኹም ደቅኹም ዝኾኑ ሕጻናት ይርእዩኹም አለዉ። ነዚኣቶም ድኣ፡ ክትከላኸሉሎም ዶይኮነን ዝግባእ?  

እዚ ተግባራት እዚ ዘኽፍኣልኩም ምዃኑ ይጠፍኣኩም እዩ አይንብለን። ዝተኣዘዝኩምዎ ነገር ትገብሩ ከምዘሎኹም ንፈልጥ ኢና። ክንድዚ ዝሓስም ትእዛዝ ክተኽብሩ ከሎኹም፡ ክንደይ መሪሩኩም ከምዘሎ ክንግምት ንኽእል ኢና። ንሰላማዊ ሕዝቢ ኣጋፍዑ ክብሉኹም ከልዉ፡ ሕራይ ኢልኩም፡ ንወለድኹም ክተጋፍዑ ከለኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሕልናኹምን አብ ቅድሚ ኣምላኽን፡ አብ ቅድሚ ታሪኽን ክትውቀሱ ምዃንኩም ግን ክትፈልጡ ይግባእ።

ልዑል ፈጣሪ፡ ካብ ግብረ-ዓመጻ ይሓሉኹም፡ ነቶም ኣዘዝትኹም ክኣ ጥበብ ልቦናን፡ ርቱዕ ሕልናን ይሃቦም። ንድኹማት ምብዳልን፡ ንዓበይቲ ምውራድን፡ ንታቦት ምድፋርን ጽያፍ ነገር እዩ! ንሓዋሩ ከኣ ኩንኔ እምበር ራህዋ ዘምጽእ ኣይምሰልኩም።

ኣብ መወዳእታ እነቕርቦ ሓሳብ ከኣ፡ኩላቶም ክርስትያንን፡ ኩላቶም ኣስላምን ተሓባቢሮም፡ ንመንግሥቲ ኤርትራ፡ተለመነናቢሎም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክረጋገጽ፡ ብሥምረት ክምሕጸኑዎ፡ ብትሕትና ለበዋና ነመሓላልፍ። ፍቕሪ ዘበለ ናይ አምላኽ እዩሞ ንከተሎ፤ ጽልኢ ዘበለ ከኣ ናይ ሰይጣን እዩሞ ያዕ ንበሎ።

ንቤተ-ክርስትያናን፡ ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራን  ሰላምን ራህዋን ከውርደልና  ጽሎትና ናብ ልዑል ፈጣሪ ነዕርግ።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን፡ ኣብ ኤውሮጳን፡ ዝርከቡ ኣባላት ምእመናን ካቶሊካውያን።

ወርሒ ሰነ 2011 በቆጻጽራ ጎርጎርዮስ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares