Awate.com

“ቲፎዞ ናይ ሃያክ’ዶ ወይስ ናይ ከይነዝ?”

[ብጳውሎስ ዝተዳለወ ተኸታታሊ ምቅሉል ትምህርቲ–awatestaff]

ሰላም ብሩኻት ህዝበይ,

ረሳሓት ክዳውንቲ ተኣኪቡ ስለዝነበረ፣ ብርጭቆ ክዳውንቲ ክትሓጽብ ክትዳሎ ጀመረት፣ ክልተ ጥስቲ ከተምጽእ ናብቲ ውሽጢ ገዛ ምስ ኣተወት፣ ሓወቦይ ምራጭ ኣብቲ ኣፍደገ ገዛ ጻሓይ ይጽሎ ስለዝነበረ ናበይ ኢልክዮ ኢኺ እዚ ጥስቲ ኢሉ ሓተታ፣ ዋእ ናትኩም ነገር’ካኣ ዘውዳእ፣ ሓንሳእ ክዳውንትና ጨንዩ መቓይርቲ ስኢንና ኢልኩም ተጉረምረሙ፣ ጸኒሕኩም’ካኣ፣ ኣበይ ኢልክዮ ‘ዝጥስቲ ኢልኩም ትሓቱ፣ ናበይ ኢለዮ’ዳኣ ክዳውንቲ ክሓጽብ እምበር ካልእ’ዳኣ እንታይ ክገብረሉ ኢላ ገጻ ዓጺፋ መለሰትሉ።

ሓወቦይ ብተፈጥርኡ ሓራቕ ስለዝነበረ፣ ኣቲ ቖልዓ፣ ሎምስ’ካኣ ካን ንዒቕክኒ ድምጽኺ ኣልዒልኪ ትምልስለይ ኣለኺ በላ፣ ዓሕ ኣነ ምራጭ’ኣነ ምሳኻትክን ጉማማታት ተሪፈ በላ፣ ንሳኻ’ኣ ኣነባ ምሳኹም ተሪፈ፣ ብግዜይስ’ባ ብርጭቆ በዚኣ ሓለፈት በቲኣ ኸደት’የ ዘብል’ኔረ፣ ኣየርኤልኪ ንስኺ’ዳኣ እንታይ ዝረአ’ለኪ፣ ብርጭቆ መጸት ክባሃል’ከሎ ኳርታ ዘቢጦም ይሃድሙ ይነብሩ’ምበር በላ እንዳሳሓቐ፣ ንሱስ’ዳሓን ፈላጥየይ ይፈልጠኒ፣ በለቶ። ምስኡ ቅጽል ኣቢሉ፣ ዝሓተትኩኺ ምኽንያት ማይ ከምዘየላ ክሕብረኪ ደልየ’እየ በላ፣ እዋይ ካብ ቀደሙ ከምኡ’ዳኣ ዘይትብሉ በለቶ። እሞ ሕጂ’ዳኣ እንታይ ክገብር’የ፣ በሉ መሕለፊ ግዜ ክኾነና እታ በቐዳማይ ዝሓተትኩኹም ብዛዕባ መንግስቲ ኣብቲ ኣካይዳ ናይቲ ዕዳጋ ኢዱ ከእቱ ይኽእልዶ ኢለ ዝሓተትክኹም ቀጽልዋ በለቶ።

ሓወቦይ በሊ ካብበልክስ ኢሉ ዘረብኡ ከምዚ ክብል ጀመረ። ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባ መንግስቲ ኣብቲ ዕዳግ ተራ ዝጻወት ተኾይኑ ምርኣይና፣ ሓደ መሰረታዊ ዝኾነ ጽንሰ ሓሳብ ታሪኻዊ ኣማጻጽእኡ ምርኣይ የድልየና፣ እዚ ጽንሰ ሓሳብ’ዚ ሊበራሊዝም [Liberalism] ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መጀመርታ ብፍላይ አብ መወዳእታ ናይ 18 ክፍለዘመን፣ እቲ ቀንዲ ኣምር ናቱ ኣብ ናይ ፖለቲካውን ፍልስፍናን ዛዕባ ዝተመርኮሰ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ቀነዲ ትርጉሙ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ ወዲሰብ ነጻነት እዩ ዝብል ሓሳብ ሒዙ እዩ መጺኡ፣ ካልኣይ’ካኣ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ እቲ ልኡላዊ ዝባሃል እቲ ውለቀ-ሰብ እዩ ይብል፣ ስለዚ እቲ ነጻነት ዝብል፣ ብዙሕ ነገራት ዝሓዘ እዩ፣ ማለት ወዲሰብ ዝኾነ ዓይነት ውሳኔ ክውስን ምንም ነገር ዋላ መንግስቲ’ተኾነ ክግድዶን ክውስነሉን ኣይክእልን እዩ ይብል። እዚ ኣታሓሳስባ ጥንታዊ ሊበራሊዝም [Classical Liberalism] ተባሂሉ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ናይ 19 ክፍለዘመንን ኣብቲ ናይ መጀመርያ ናይ 20 ክፍለዘመን ግን እቲ ሊበራሊዝም ዝባሃል ኣምር ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኤሜሪካ ናይ ስነ-ቁጠባ ኣታራጓጉማ እንዳ’ሓዘ መጺኡ፣ እዚ ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ ኣብ ክንዲ ነጻነት እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ ወዲሰብ ኮይኑ ዝፍለጥ፣ ማዕርነትን [Equality] ድሕንነትን [Welfare] ከም ቀንዲ ዕላማታት ኮይኖም ቀሪቦም፣ ነጻነት ከም ማእከላዊ ደረጃን ከም መሳጋገሪ ናብ ማዕርነትን ድሕንነትን ኮይኑ ቀሪቡ። ኣብዚ ክልተ ተጋራጨውቲ ሓሳባት ክንዕዘብ ንኽእል፣ ንሱ’ኻኣ እንታይ’ዩ፣ ሓደ ሰብ ናጻ እንድሕር ኮይኑ ከመይ ኢሉ ምስ’ካልኦት ማዕረ ክኸውን ይኽእል? ምኽንያቱ ካብ ካልኦት ጸብለል ኢሉ ኽረአ ነጻነት ስለዘለዎ፣ እዚ ተጋራጨዊ ዛዕባ ርእሱ ዝኻኣለ ኣፋታትሓ ኣለዎ፣ ምናልባት ዳሕራይ ማዓልቲ ብዛዕብኡ ከነዕልል ኢና በላ።

ሓወቦይ ዘረብኡ ብምቕጻል ከምዚበለ፣ ስለዚ ወዲሰብ ድላዩ ክገብር ነጻ እንድሕር ኮይኑ፣ እቲ ዕዳጋ’ኻኣ ብናይ ደቂ ሰባት ዝግበር ንናይ ብሕቲ ጥቕሚ ንምዕባይ ዝግበር ጸወታን ውድድርን ስለዝኾነ፣ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ፣ ስለዚ እቲ ናይ መንግስቲ ታራ ኣብቲ ውሽጢ ዕዳጋ ኢዱ ከእቱ ዘይኮነ፣ እንታይ’ዳኣ ተርኡ ኣብ ብሕታዊ ሃብቲ ምሕላውን ኣብ ሞንጎ ተዋሳእቲ ዝግበር ምስሕሓብን፣ ስርቅን፣ ምሽፋጥን ናይ ምፍታሕ ግደ ጥራሕ እዩ ክጻወት ዘለዎ። ነገር ግን ናይ ነብሲወከፍና ክእለትን ናይ ኣታሓሳስባ ክእለትናን ዝተፋላለየ ስለዝኾነ፣ እቶም ኣብቲ ናይ ዕዲጋ ዝግበር ጸዋታ ዝተሳዕሩን ዝጠፈሹን፣ ወይካኣ ስራሕ አልቦ ዝኾኑ መን ይሓግዞም ዝብል ሕቶ ክላዓል ይኽእል። ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ንምምላስ፣ ክልተ ውልቀሰባት ሓደ ፍረድሪክ ሃያክ [Fredrich Hayek] ዝባሃል ወዲ ኦስትርያ፣ እቲ ሓደ’ኻአ ጆን መንየርድ ከይነዝ [John Maynard Keynes] ዝባሃል እንግሊዝያዊ እዮም።

ክልቲኦም ዳርጋ ከም ናይ መራሕቲ ሃይማኖት ነናቶም ጽኑዓት ኣመንትን ተኸተልትን እዮም ኣፍርዮም፣ ክሳብ ዕለተሞቶም ካኣ ተጻባእቲ ኮይኖም ነቢሮም። ናይ ክልቲኦም መሰረታዊ ሓሳባት ተጻራሪ ጥራሕ ዘይኮነ፣ በቢግዚኡ፣ ኣብ ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ኣብ ናይ ዘቤታዊ ዝተገብረ ናይ ስነ-ቁጠባ ስልትን ቅድን፣ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ንምሳሌ ካብ 1945 ክሳብ 1975 እቲ መብዛሕቱ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተሎኦ ዝነበራ ናይ ስነ ቁጠባ ቅዲ ኣብ ናይ ከይነዝ ዝተመርኮሰ ጽንሰ ሓሳብ እዩ ኔሩ፣ ድሕሪኡ’ኻኣ ማለት ካብ መጀመርታ 80ታት ክሳብ ዳርጋ ኣብዚ’ቐረባ እዋን ማለት ክሳብ 2008 እቲ ዝዓብለለ ሓሳብ ናይ ስነቁጠባ ኣብ ናይ ሃያክ ዝተመረኮሰ ኔሩ። ስለዚ እቲ ቀነዲ ኣፋላልዮኦም ክንርኢ እንተዳኣዀንና እተን ዝጻሓፍወን መጻሓፍትን እቲ ታሪኻዊ ኣማጻጽኦምን ክንርኢ ኣለና።

ብከይነዝ ንጀመር: ከይነዝ ካብቶም ናይ እንግለዝ ልሂቃን ደርቢ ዝባሃሉ ሓደ ካብኣቶም እዩ ኔሩ፣ ኣቡኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፍልስፍናን ሎጅክን [Logic] መምህር ስለዝነበረ፣ ንከይነዝ ኣብ ኣታሓሳስቡኡን ኣብ ሕሳብ [Mathematics] ዘለዎ ተገዳስነት ከምዝዓቢ ሓጊዝዎ እዮ፣ ግን ብተፈጥርኡ በሊሕን ደፋርን ስለዝነበረ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ዝተዋሳሰቡ ጸገማት ምፍታሕ የድህብ ነበረ፣ ብኸምኡ’ኻኣ እዮ እቲ ውሩይ ናይ ሕሳብ ክኢላ በርትራንድ ራሰል [Bertrand Russell] ብዙሕ ናእዳ ዘይህብ ሰብ ክነሱ፣ ብዛዕባ ከይነዝ ግን እቲ ዝበልሐን ዝነጸረ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሂወተይ ዘጋጠመኒ ኢሉ ዝተዛረበ።

ኣብዚ ክንርእዮ ዘለና ነገር እንታይ እዩ፣ ከይነዝ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ስራሕ ዓለም ዝኣተወሉ ግዜ፣ እቲ ናይ ቁጠባ መስርሕ ወይካኣ ዋጋ ናይ ገንዘብ ኣብ ወርቂ-ሃብቲ ናይ ሓንቲ ሃገር [Gold Standard] ዝተመረኮሰሉን፣ እቲ ቀንዲ ስራሕ ናይ ማእከላይ ባንኪ [Central Banks] ብብሕታውያን ሰብሃብቲ ዝተወነነሉን መሊሱ’ኻኣ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጅመረሉ ዝነበረ ግዜ እዮ ኔሩ፣ እዘን ረቛሒታት እዚኣተን ንናይ ከየነዝ ኣታሓሳስባን ነታ ውርይቲ መጽሓፉ ማለት “The General Theory of Employment, Interest and Money” ንኽጽሕፍ ዓቢ ግደ ተጻዊተን’የን፣ በብሓደ ንርኣየን።

ብሕጽር ዝበለ ኣዛራርባ ጎልድ ስታንዳርድ እንታይ ማለት እዩ፣ ናይ ሓንቲ ዓዲ ዝዘውር ዘሎ ገንዘብ ዋግኡ ዝግመት በቲ ኣብ ካዝና ዓቘራቶ ዘላ ናይ ወርቂ ሃብቲ እዩ፣ እቲ ወርቂ ከም ቡልዮን [Bullion] ማለት ጋና ዘይመኸኸ ወርቂ ክንብሎ ንኽእል ኢና ንመረዳእታ ምእንታን ክጥዕመና። ንምሳሌ ሓንቲ ናቕፋ ዋግኣ 8 ግራም ወርቂ ተኾይኑ፣ ናይ ሓንቲ ብር ዋጋ’ኻኣ 4 ግራም ተኾይኑ፣ ሓንቲ ናቕፋ 2 ብር እዩ ዋግኣ ማለት እዩ። እቲ ቀንዲ ጥቕሚ ናይ ጎልድ ስታንዳርድ እንታይ እዩ፣ ዝቕባበ [Inflation] ንኽህሉ ሳዕቤን ኣይክህሉን እዩ፣ ምኽንያቱ፣ እቲ ዝሕተም ገንዘብ ብዕቅን ናይ ወረቂ-ሃብቲ ናይታ ዓዲ ክኸውን ስለዘለዎ።

ጸኒሕና ከምንርእዮ ግን፣ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፣ ጀርመን ምስተሳዕረት እሞኻኣ እቲ ዝተገብረላ ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ምስቲ ልቓሕ ዝጸንሓ ተደሚሩ፣ ብሰንኪ እቲ ዝጸንሐ ናይ ጎልድ ስታንዳርድ ቅዲ፣ ነቲ ናይ ኣካፋፍላ ጸገማት መሊሱ ስለዘግደዶ፣ ንዕዑ መፍትሒ ዝኸውን ኢሉ ቅድሚታ ኣብታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘለ መጽሓፉ [Peace And Its Consequences] ትብል መጽሓፍ ጸሓፈ፣ ኣብኣ ከይነዝ ጀርመን ዕዳኣ ክትከፍል ክትክል እንተዳኣ ኾይና፣ ናብ ኩለን ሃገራት ኣቑሕታ ክትሸይጥ ክፍቀደላ ኣለዎ፣ እዚ እንታይ ማለት እዩ፣ ኢምፖርት ከይገበረት፣ ኤክስፖርት ጥራሕ ብምግባር ማለት እዩ፣ መሊሱ’ኻኣ እቲ ዕዳ ካብ ዳርጋ 34 ቢልዮን ናብ 6 ቢልዮን ክወርድ ኣለዎ ኢሉ ጸሓፈ። እታ መጽሓፍ ብቕጽበት ብዙሕ ተሸጠት፣ ኣብ ምሉእ ምዕራብ ዓለም’ካኣ ከይነዝ ሽሙ ግኑን’ኮነ። ነቶም ሽዕዑ ዝነበሩ ናይ ዓለም መራሕቲ ግን እታ መጽሓፍ ብዙሕ ኣቖጣዓቶም፣ ምኽንያቱ ብፍላይ ብፍላይ ካብ ናይ ናፖልዮን ግዜ ኣትሒዙ፣ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ጀርመንን ዓቢ ቅርሕንቲ ስለዝጸንሐ። ብኸምኡ እዩ’ኻኣ ከይነዝ ኣዝዩ በሊሕ ጥራሕ ዘይኮነ ደፋር ከምዝነበረ ዝፍለጥ።

ሓወቦይ ከምዚ ክብል ዘረብኡ ቐጸለ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝራኣናዮ፣ እተን ማእከላይ ባንኪ ዝባሃላ [Central Banks] ብብሕታውያን ዝውነና፣ እቶም ዘካይድወን ንመንግስቲ ዘይኮነ ነቶም ዳይረክተራት ተሓታትነቶም ጥራሕ ዘይኮነ፣ እቲ ቐንዲ ሓላፍነተን ከም ሎሚ ስራሕ ኣልቦነት ንምጉዳል፣ ናይ ኣቑሑት ዋጋታት ንምርግጋእ ዘይኮነ፣ እንታይ’ዳኣ፣ ሓላፍነተን ነቲ ናይ ገንዘብ ዋጋ ንምዕቃብ ጠራይ እዩ ኔሩ። እዚ ዓቢ ጸገም ምዃኑ ዘስተውዓለ ከይነዝ፣ ካልእ ነገር ካኣ ከሻቕሎ ጀመረ፣ ንሱ’ንታይ እዩ፣ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፣ ኣብ ኤሮጳ ብፍላይ ስራሕ ኣልቦነት ገኒኑ ኔሩ፣ እዚ ስራሕ ኣልቦነት እዚ ናይቲ ኣዝዩ ሃሳይ ዝኾነ ውግእ ሳዕቤን ክኸውን ይኽእል፣ ንምሳሌ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 3 ሚልዮን ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኔሮም፣ እቲ ንከይነዝ ክርድኦ ዘይካኣለ ግን ኤሜሪካ በቲ ውግእ ዘይተጎድአት ክነሳ፣ 15 ሚልዮን ዜጋታታ ስራሕ ኣልቦ ኾይኖም ኔሮም፣ ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ንምምላስ እዩ’ኻኣ እታ ክሳዕ ሎሚ ውርይቲ ዝኾነት መጽሓፉ “The General Theory Of Employment, Interest And Money” ዝጻሓፈ።

እቲ ክሳዕ ሽዑ ግዜ ብናይ ጥንታዊ ስነቁጠባ [Classical Economics] ኣታሓሳስባ ዝፍለጥ ዝነበረ፣ ጠንቂ ናይ ስራሕ-ኣልቦነት፣ ወይ ሰባት ብድልየቶም ስራሕ ይገድፉ፣ ወየካኣ ሰባት ደሞዝ ስለዝዋሓደ ክሰርሑ ኣይደልዩን፣ ከየነዝ ግን ሓድሽ ምኽንያት ናይ ስራሕ ኣልቦነት–እቲ ድማንድ [Demand] ናይ ስራሕ ስለ ዝጎደለ እዩ ዝብል ኣምር ሒዙ ቀረበ፣ ስለዚ ይብል ከየነዝ፣ መንግስቲ ኣብቲ ዕዳጋ ኢዱ የእትዩ ስራሕ ክፈጥር ኣለዎ ኢሉ። ሓደ ካብቶም ስራሕ ዝፈጥረሎም ሜላታት፣ ሓደሽቲ ጽርግያታት፣ ድልድለት፣ መገዲ ባቢር ዝኣመሰሉ ፕሮጀክትታት ምውጻእ፣ ዳሓር ሰባት ኣብቲ ስራሓት ምስተዋፈሩ፣ እቲ ዝረኽብዎ ደሞዝ ኣብ ዕዳጋ ስለዘውዕልዎ፣ እቲ ዝሒሉ ዝነበረ ቁጠባ ክንቃሳቀስ ይኽእል፣ መሊሱ”ኻኣ፣ እቲ ሰራሕተኛታት ዝኸፍልዎ ግብሪ፣ ነቲ እቲ መንግስቲ ሓድሽ ስራሕ ክፈጥር ኢሉ ዘሕተሞ ሓድሽ ገንዘብ ይኹን ካብ ሰብ ሃብቲ ዝተለቆሖ ገንዘብ መሸፈኒ ይኾኖ። ብፍላይ ብፍላይ እዚ ናይ ከይነዝ ሓድሽ ኣምር፣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብናይ ኒው ዲል [New Deal] ዝፍለጥ ብናይ ኤሜሪካ ብረዚደንት ሩዝቨልት ዝወጸ ሓድሽ ናይ ማሕበራውን ቁጠባውን ሕጊ ማእከላይ ተራ ተጻወተ።

ከይነዝ ድሕሪኡ፣ ነቲ ናይ ማእከላዊ ባንኪታት ንምፍታሕ ሓድሽ ቅዲ ከውጽእ ጀመረ፣ ንሱ’ኻኣ እንታይ’ዩ ቀዳማይ ነገር ሓደ ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ባንኪ ክፍጠር፣ እቲ ዝፍጠር ባንኪ፣ ሀገራት ኣብ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ክኣትዋ ከለዋ ከድሕን ዝኽእል መታን፣ እቲ ዓቢ ጸገማት ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተፈጥረ ከይድገምን። ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል’ካኣ ምስ ሓደ ደክስተር ዋይት [Dexter White] ዝተባህለ ምክትል ናይ ቁጠባ ሚንስተር ዝነበረ ኤሜሪካዊ ኮይኑ ናይ ዓለም ባንኪ ክምስርት በቕዐ። እቲ ደክስተር ዋይት ዝተባህለ ኤሜሪካዊ ግን ንቡዙሕ ዓመታት ናይ ሩስያ ሰላሊ ኾይኑ ይሰርሕ ስለዝነበረ፣ ምስ ተታሕዘ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ጋና ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ብናይ ልቢ ውቅዒት ምኽንያት ሞተ። ከይነዝ ግን ብህጻንነቱ ኣትሒዙ ብርኽሰት ናይ ልቢ [Rheumatoid Fever] ይሳቐን ብኣንቲባዮቲክስ ሙሉእ ዕድሚኡ ይካየድ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ መጨረሽታ ኣብ 62 ዕድሚኡ ብልቢ ድኻም ሞተ።

ብኣንጻሩ ናይ ፍረድሪክ ቮን ሃያክ ኣምር ክንርኢ ከለና ካልእ ኣታሓሳስባ ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ ብጠባይ’ውን ካብ ከይንዝ ብዙሕ ፍሉይ ከምዝነበረ ኢና ንርኢ። ከይንዝ ከምዝራኣናዮ ናይ ተግባር [Practical] ሰብ እዩ ኔሩ። ሃያክ ግን ካብ ናይ ቁጠባ ክኢላ ምዃን ንላዕሊ ፈላስፋ እዩ ኔሩ። ንምሳሌ እታ ኣዝያ ኣብ ዓለም ዘፍለጠቶ መጽሓፍ “The Road To Serfdom” ትብል ብኣቃማምጣ ናይ ቃላት ይኹን ብትሕዝቶ’ውን ተኾነ ናይ ኣካዳምያዊ ትሕዝቶ የብላን።

ትዝክሪ ተኾንኪ ይብላ ሓወቦይ ንብርጭቆ፣ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ሾፐንሆውር ዝተባህለ ፈላስፋ ከነዕልል፣ ክንደይ’ለ ክዝክሮም ሽሞም እንድዩ በዚሑኒ በለቶ፣ ሾፐንሆውር ነታ መጽሓፉ “The World As Will And As An Idea” ዝጻሓፋ ድሕሪ ስዕረትን ምእሳርን ናይ ናፖልዮን፣ ድሕሪኡ ኣብ ምሉእ ኤሮጳ እነዳዞረ ተራኣየ፣ ብዙሓት ሰብት ጠምዮም፣ ካብ ቦቶኦም ተጓሳቚሎም ምስ ራኣየ፣ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ተላዒሉ እዩ ነታ መጽሓፍ ጽሒፍዋ።

ብተማሳሳሊ መልክዕ ካኣ፣ ካልኣይ ውግእ ዓለም እነዳተኻየደ እዚ’ኹሉ ሞትን ዕንወትን ናይ ዜጋታትን ናይ ከተማታትን ምስ ራኣየ እዩ ሃያክ ነታ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት መጽሓፉ ዝጻሓፋ፣ ነገር ግን ንሃያክ ካብ ሾፐንሆወር ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ ትንታኒኡ ተስፋምቑራጽ ዘንጻባርቕ ኣይነበረን።

ሃያክ እንታይ ኢሉ እዩ ኣሚኑ፣ እዚ ኩሉ ዕንወት ዝመጸ፣ እቲ ንሕብረተሰብ ንናይ ማሕበራዊ መዳይ ይኹን ወይካኣ ንናይ ቁጠባውን ፖለቲካውን መዳይ ዝቋጻጸር ካብ ሓደ ማእከላዊ ስልጣን [Central Authority] ስለ ዝመጸ እዩ ይብል። ኣብቲ ኣብ መጀመረያ ዝራኣናዮ፣ እቲ ናይ ጥንታዊ ሊበራሊዝም [Classical Liberalism] ቀንዲ ኣምር ስለዝነጸግናዮ ማለት ወዲሰብ ነጻ ንኸይከውን መሰሉ ብመንግስቲ ስለተገፈፈ እዩ ይብል።

ንምሳሌ ይብል ንሱ፣ ነብስወከፍና ነናትና ቤተሰብ አለውና ስለዚ የዐሪና ንፈልጦም ነቶም ቤተሰብና ኢና። ነገር ግን ነቶም ዘይፈልጡና ሰባት፣ ሓደ ማእከላዊ ስልጣን ከይኣዘዘና ብሰላም ንራዳዳእን ምስቶም ጓኖት እታ ዘራኸበትና ስራሕ ትኹን ወየካኣ ንግዲ ጌርና ንኸይድ፣ ብኻልእ ኣዛራርባ፣ ሓንቲ ክዳን ኣላ ንበላ ሕጂ እዛ ኽዳን ኣብ ተፋላለዩ ዓለም ዝነብሩ ሰባት እዮም ተሳቲፎምላ፣ ማለት ካብ እቶም ነቲ ጡጥ ዝዘርኡን ዝለቐሙን ጀሚርካ፣ እቶም ነቲ ክዳን መታን ክስፈ ምእንቲ መርፍእ ዝሰርሑ ሰባት ኣትሒዝካ፣ ስለዚ ነዛ ክዳን ዝፈጠሩ ሰባት ፍጹም ኣይፋለጡን እዮም ግን ሓደ ብማእከላዊ ስልጣን ዘይቅየድ [Spontaneous] ዝኾነ ናይ ሓባር ሕጊ ኣራኺብዎም። ስለዚ ይብል ሃያክ እቲ ጸገም ዝመጽእ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ኸሎ ጥራሕ እዩ ይብል።

እቲ ቀንዲ ነገር ምስ ከይንዝ ዝፈልዮም ግን ብዛዕባ ስራሕ ኣልቦነትን ሓረጣን [Interest Rate] ዝነበሮም ኣራኣእያ እዩ፣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝራኣናዮ፣ ከይነዝ ድማንድ [Demand] ናይ ስራሕ ምፍጣር ክጎድል ከሎ እዩ ዝብል፣ ሃያክ ግን እቶም ስራሕ ፈጠርትን ሰብ ሃብትን ብዛዕባ እቲ ቁጠባ ጌጋ ሓበሬታ ክረኽቡ ከለው እዮም ይብል። እንታይ ዓይነት ጌጋ ሓበሬታ ኢላ ብርጭቆ ንሓወቦይ ትሓቶ፣ እቲ ሓበሬታ ሓረጣ [Interest Rate] እዩ ይብላ።

ሓረጣ መዐቀኒ ብዛዕባ ናይ ግዜ ዘለና ምርጫን ውሳኔን እዪ፣ [Time Preference] ተባሂሉ ይፍለጥ፣ እዚ እንታይ ማለት እዩ፣ ሕጂ ንበሎ ሓደ ሰብ ማኪና ክዕድግ ይደሊ ነገር ግን ካብ ሕጂ ማኪና ደስ ኢላቶ’ኸላ ዝዕድግ፣ ተጸሚመ ጸኒሐ ዳሕራይ ማዓልቲ ንወደይ ትምህርቲ መምሃሪ ይኹነኒ ኢሉ እቲ ገንዘቡ ኣብ ባንኪ የቐምጦ ንበል፣ ሕጂ ኩሉ ሰብ እንድሕር ከምኡ ጌሩ፣ ኩሉ እቲ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ኣሎ ማለት እዩ፣ ስለዚ ዝዘውር ገንዘብ ስለዘየለ ገንዘብ ክኸብር ይጅምር፣ እቶም ባንክ እቲ ገንዘብ ብውሑድ ሓረጣ ንነጋዶ እቲ ገንዘብ ከለቅሕዎም ይጅምሩ፣ እቶም ነጋዶ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት በቲ ገንዘብ ጌሮም ይጅምሩ ብኡቢሎም ስራሕ ይፈጥሩ።

ብኣንጻሩ እቲ ህዝቢ ክንዲ ገንዘብ ዝዓቁር ደስ ዝበሎ ይዓድግ ንበል፣ ስለዚ ብዙሕ ገንዘብ ይዘውር ስለዘሎ ገንዘብ ሓሲሩ’ሎ ማለት እዩ፣ ስለዚ እቶም ሰብ ሃብቲ ብዛዕባ እቲ ቁጠባ ሓበሬታ ስለዝረኸቡ፣ ገንዘብ ኣይልቁሑን ምኽንያቱ እቶም ባንኪ ብዝላዓለ ሓረጠ ስለዘለቅሑ።

ናብታ ናይ መጀመርታ ተመሊስና ተሪኢና፣ እቶም ህዝቢ ካብ ገንዘብ ዘጥፍኡ፣ ኣብ ባንካ ምእካብ መሪጾም ንበል፣ ግን እቲ መንግስቲ ሐድሽ ገንዘብ የሕቲሙ ናብ’ቲ ዕዳጋ ፈኒይዎ ንበል፣ ብእኡ ምኽንያት ክንዲ ገንዘብ ዝኸብር እቶም ሰባት ገንዘቦም ስለዘቐመጡ፣ ብሰንኪ መንግስቲ እቲ ገንዘብ ይሓስር፣ ሽዑዑ እቶም ሰብ ሃብቲ ጌጋ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ቑጠባ ስለዝረኸቡ፣ ገንዘብ ከይተለቅሑ ይተርፉ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ’ኻኡ ሃያክ እቲ ቐንዲ ወሳኒ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓረጣ እዩ ዝበለ።

ሃያክ ክሳዕ ዕለተ [ዕድመ ጸጊቡ ኣብ 93 ዕድሚኡ ሞይቱ] ሞቱ ናይ መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ምእታው ተቓዊሙ፣ እቶም ድሕሪኡ ዝመጹ ብፍላይ ሚልተን ፍሬድማን [Milton Friedman] እቲ ቀንዲ መጽናዕቱን ምርምሩን ገንዘብ ብጹንኩር ክሕሎ [Regulate] ከምዘለዎ ብሞኒተሪ ፖልሲ [Monetary Policy] ከምዝፍለጥ፣ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ተማጎተ። ኣብ ሞንጎ ናይ ክልቲኦም ቲፎዞ ዘሎ ሞገት ይቕጽል።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares