Awate.com

ብይን ባይቶ ጸጥታ፥ ኣበረኛ ዘለለየ፡ ርትዓዊ ፍዳ! AT

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍጹምነት ዘይብሉ፡ ኣድማዕነት ስጉምቲታቱ ከኣ ጐደሎ ዝዀነ ውድብ ኢዩ። ብሓደ ሸነኽ ክብረት ወድ-ሰብን ኣድማሳውነት መሰላትን ኣልዒሉ ክጣበቕ እንከሎ፣ በንጻሩ፡ ብኻልእ ሸነኽ ክጥመት እንከሎ ከኣ፡ ነተን ሓሙሽተ ርእሰ-ሓያላን፡ ማለት፥ ኣመሪካን ሩስያን ዓባይ ብሪጣኒያን ፈረንሳን ቻይናን ሓለፋ መሰል ዝሃበ ውድብ’ዩ። ምስ ርእሰ-ሓያል ዝትከል ፍቕሪ ወይ ጽልኢ ልዕሊ ቅራቦ ቻርተር ዝምዘነሉ ምትእኽኻብ እውን’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ መሻርኽቲ ኣመሪካ ብምዃኖም፡ ብዙሓት ስርዓታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ቃሕታኦም ክፍጽሙ ይረኣዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ኢዩ፡ እስራኤል፡ ከምቲ ኣብ 1973 ዝተራእየ፡ ነታ ንነብሳ ክትከላኸል ዓቕሚ ዘይነበራ ሃገር ሊባኖን ዘጥቀዐታ፡ ንቱኒዝያ ድማ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ቦምባታት ዘዝነበትላ፡ ከምኡ ‘ውን ንዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጥኤማውያን ካብ ገዛእ ሃገሮም ዝሰጐጐቶም። እስራኤል እዚ ኵሉ ክትፍጽም እንከላ ብዘይካ’ቲ ንስም ዝጥቀስ፡ ተፈጻምነት ዘይብሉ ብይን፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወሰደ ኣድማዒ ስጕምቲ ኣይነበረን። ብትሕዝቶኡ ተማሳሳሊ ተግባራት፡ ከከም ገባሪኡ እንዳተራእየ፡ እቲ ንባህርይ ናይቲ ተረኽቦ ዝገልጽ ቋንቋ ክፈላለ ንግንዘብ። ስለ’ዚ ድማ ምቅጻል ናይ ሲቪላዊት ነፋሪት( ነፋሪት ኢራን በረራ ቍ. 655) ከም ዘይተደልየ ዘሕዝን ሓደጋ ክንገረሉ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ፓን ኣም በረራ ቍ. 103 ዝተፈጸመ ተግባር ግን ነውራም ናይ ራዕዲ ተግባር ዝብል መግለጺ ተዋሂቡዎ። እምበኣርከስ ኣብቲ መጋባእያ ዘሎ ግጥም መልክዑ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣብነት’ዩ ዝመስል። እቲ ንኤርትራ ብሕሱም ሒዙዋ ዘሎ መላኺ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ነቲ ዝኣተዎ ግጥም ሕግታቱን ኣገባቡን ኣይፈልጦን። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሕማቕ ኣሰዓዕራ ተሳዒሩ፤ ዋጋ ስዕረቱ ድማ ንነዊሕ ጊዜ እንዳተኸፈለ ዝጸንሕ መዘዝ ክኸውን’ዩ።

እቲ ቀጺሉ ዝቐርብ ሕቶ፡ ነቲ ዋጋ ዝኸፍል ንሱ ድዩ? ወይስ ንጹሃት ዜጋታት ኤርትራ? እቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕ.ሃ ዝተኣዘዘ ማዕቀብከ ንህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ክጐድኦ ድዩ? ወይስ ነቶም ብኢደ-ወነኖም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኵድጭ ዝበሉ ገዛእቲ ፈልዩ ከረኻኽበሎም? ንኽልቲኡ ወገን በልማማ ዝልክም ‘ዶ ክኸውን ይኽእል? ካብዚ ወጻኢ፡ ንህዝቢ ይኹን ነቲ ስርዓት ዘይክትንክፍ‘ከ ክኸውን ይኽእል ‘ዶ?

እንታይ ኢዩ መበገሲኡ ናይዚ ብይን?

ነዚ ብይን’ዚ ዘለዓዓለ ምኽንያት፡ እቲ ሓደ፡ ኣብ ጕዳይ እቲ “ዋዕላ ጅቡቲን መስርሕ ሰላምን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ጐስጓስ፡ ስርዓት ኤርትራ ዝተጻወቶ ግደ ኣሉታዊ ክኸውን እከሎ፡ (ባይቶ ሕቡራት ሃገራት “ፈንጣሒ” ኢሉ ዘመልከቶ ግደ) እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ዝተማህዘ” ጸገም ኢሉ ዝጽውዖ፡ ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ናይ ዶብ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ውስእ ክትቀርብ ዘይምድላያ ይጥቀስ።

እቲ “ዋዕላ ጅቡቲን መስርሕ ሰላምን” ዝተባህለ ጐስጓስ፡ እቲ ሸኽ ሸሪፍ ፕረዚደንት ሃገረ-ሶማል ተባሂሉ ዝተመረጸሉ ክኸውን እንከሎ፣ ንውጽኢት መስርሕ እቲ ዋዕላ ብግዳም ዝተጻዕነን ዘይሕጋውን ኢሎም ብትሪ ዝነጸጉዎ፡ ክሳብ ሕጂ ዝፍለጡ ኣርባዕተ እስላማውያን ውድባት ኣለው። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ድማ ባዕሉ ንነብሱ ከም ኣፈኛ ናይ ‘ተን ውድባት ቈጺሩ ብቐጻሊ ተሓሊቑለን፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝጠቕሶ ድማ፡ ኣጽዋርን ቀረብን ከምኡ ‘ውን ንዕጡቓተን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ክህብ ጸኒሑ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምላሽ ክህብ እንከሎ፥ ከም መራሒ ልኡላዊት ሃገር መሰለይ ስለዝዀነ ፖለቲካዊ ደገፍ ኣወፍየ፡ ኣጽዋርን ታዕሊምን ምውሃብ ዝበሃል ግን ፍጹም ኣይወዓልኩዎን ዝብል፡ ንምእማኑ ዘጸግም ምጕት የቕርብ።

ንምእማኑ ዘጸግም ዘብለና፡ እቲ ብወገንና እንፈልጦ ድማ በንጻሩ፡ ካልእ ሓቂ ስለ ዝእምት’ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ኵሎም ‘ቶም ኣብ ኤርትራ ምድሙድ መዕቈቢ ተዋሂቦም ዘለው፡ ካብ ግዳም ዝመጹ ኣካላት፣ ካብ ምብራቓዊ ግንባርን(ሱዳን) ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳንን (ማለት፡ ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም) ሓይልታት ምልዕዓል ዳርፉርን ጀሚርካ ክሳብ ናይ ኢትዮጵያ እኽብካብ ውድባት ተቓውሞ፡ ነብሲ ወከፎም ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣጽዋርን ታዕሊምን ከምኡ ‘ውን ቀረባዊ ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዝጸንሔ ኣዐሪና ስለ እንፈልጥ፡ ኣብ ሶማላዊ ተቓውሞ በጺሑ ኢዱ ኣኪቡ ክርከብ ይመስል ዶ ኢልና ስለ እንሓትት’ዩ።

ነቲ ምስ ጅቡቲ ዘርኣዮ ናይ ዶብ ምትሕንፋጥ ብዝምልከት፡ ግርጭት ኣይነበረን፣ ስለዚ ምሩኻት ኲናት ዝበሃል ‘ውን ክህሉ ኣይኽእልን፣ በዚ ጕዳይ’ዚ ሽምግልና ወይ ሽግራት ምፍታሕ ዝበሃል ትርጕም የብሉን ዝብል ኣሉታ፡ ንኤርትራውያን ብዝምልከት ‘ውን ክጥቀመሉ ዝጸንሔ ልሙድ ሸፈጥ’ዩ፥ ኤርትራውያን ዜጋታት ይኣስር’ሞ ብዛዕባ ሃለዋቶም ክሕተት እንከሎ ኣነ ብዛዕብኦም ዝፈልጦ የብለይን ክብል ጸኒሑ፤ ኤርትራዊ ተቓውሞ ዝበሃል ስለ ዘየሎ፡ ምስ ተቓወምቲ ምቅርራብዝበሃል ‘ውን የለን ክብል ጸኒሑ። ሕጂ ግን፡ ዘይ ከምቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝለመዶ፡ ንጅቡቲ፡ ከም ሓንቲ ካብ ዞባታቱ፡ ከም ድላዩ ከንጠቕጥቓ ኣይከኣለን። ፈረንሳ ብዓባያ ዘራዪት ጸኒሓትላ፤ እቲ ጠገለ ዝሰኣነ ኣሽካዕላሉን ምጕብዕባዑን ኣኸለ ተባሂሉ።

ንኢሳያስ ከም ንሓድሽ-መግዛእቲ ክምክት ዝተላዕለ ሕቡን ኣፍሪቃዊ ዝቘጽሩዎ፡ ብዙሓት ኣፍልጦ ዝሓጽሮም ተደናገጽቲ ኣፍሪቃውነት ኣለዉ። ኣፍልጦ ዝሓጽሮም ዘብለና፡ ንኣብነት ኢሳያስ ዕቱብ ደጋፊ ሓድሽ-መግዛእቲ ምንባሩ፡ ምስ ዕላምኡ ኣብ ዝተቓደወሉ እዋን ንህላዌ ፈረንሳ ኣብ ጅቡቲ ህንጡይ ደጋፊኡ ነይሩ። ንሮበርት ካፕላን፡ ሓደ እዋን ቃለ ማሕተት ዝገበረሉ ጋዜጠኛ ዘካፈሎ ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ:

ጀነራል ፍራንክስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ዋና ጸሓፊ ምክልኻል፡ ዶናልድ ራምስፈልድ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዝተናውሔ ዝርርብ ገይሮም ነይሮም። “እቲ ርክባት ኣዝዩ ጽቡቕ ነይሩ፤ ማለት፡ እቲ ርክብ ብኽልቲኡ ወገን ኣምስሎ ይኹን ወደሳ ዘይተሓወሶ ካብ ልቢ ዝወጸ ነይሩ። ንእስትራተጂካዊ ኣጠማምታ ኣመሪካውያን ኣብዚ ዞባ፡ ኣነ ‘ውን እኣምነሉ ኢየ። እዞም ኣብ ጅቡቲ ዝዓስከሩ ሓይልታት ኣወንታዊ ናይ ምርግጋእ ግደ ኣለዎም። ሰራዊት ኣመሪካ ድማ ንዕኡ ዘራጕዱ ክዀኑ ኢዮም። ኣብዚ (ዞባ) ስርዓት ንምሕላው ሓይልታት ወጻኢ ይድለዩ ኢዮም። መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ግን ከኣ ብክዉንነት’የ ዝጥምቶ ዘለኹ።” ክብል ኣተንቢሁለይ።

ኢሳያስ ኣፈወቂ እምበኣር፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት’ዩ ንስለ ሰላምን ጸጥታን ናይዚ ከባቢ ህላዌ ፈረንሳን ኣመሪካን ይድለ ምዃኑ ዝገለጸ። ነቲ ኣበሃህላኡ ዝያዳ መስተንክር ዝገብሮ ግን፡ እዚ ባይቶ ጸጥታ ኣንጻር ኤርትራ ዘሕለፎ ብይን፡ ዕላምኡ፡ ንሱ እቲ ባዕሉ ዘስመረሉ “ንስለ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኣፍሪቃ” ዝብል ቁም-ነገር ኰይኑ፡ እቲ ህላዌ ናይ ‘ዞም ሓይልታት ወጻኢ፡ ስርዓት ንምሕላው ይድለ ኢዩ ዝበሎን እምነት ናይቶም “ሓይልታት ወጻኢ”ን እንተ ዘይጋጠም እዚ ብይን’ዚ ኣይምጸደቐን።

ብዛዕባ ብይን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ቍ. 190

እቲ ኣብ ታሕሳስ 23፡ 2009 ዝጸደቐ ብይኒ  ኣብዚ ዝስዕብ ክንበብ ይካኣል:

ኵለን ኣባላት ሃገራት፡ እንኮላይ ኤርትራ፡ ነቲ 18 ዓመታት ዝቘጸረን ተደጋጊሙ ክጠሓስ ዝጸንሐን መጸዋዕታ እገዳ ኣጽዋር ከኽብራ ይጽውዕ፤

ኵለን ኣባላት ሃገራት፡ እንኮላይ ኤርትራ፡ ነቲ “ዋዕላ ጅቡቲን መስርሕ ሰላምን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ክድግፍኦ እዚ ብይን’ዚ ይጽውዕ፤

ኤርትራ፡ ንራስ ዱሜራን ደሴታት ዱሜራን ለቒቓ ናብ ንቡር ኵነታቱ ክትመልሶ፣ ኣኸቲላ ድማ ምስ ጁቡቲ ሽግር ከምዘለዋ ክትእመን እዚ ብይን’ዚ ይጽውዕ፤

ኵለን ኣባላት ሃገራት፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ናይ ኣጽዋር ይኹን ናይ ወተሃደራዊ ቀረባት ከምኡ ‘ውን መቀያየሪ ኣቕሑት፡ ካብ መሬተን ይኹን ካብ ካልእ ዝነቅል “መሸጣን ምቕራብን” ክኽልክላ እዚ ብይን’ዚ ይጽውዕ።

ኵለን ኣባላት ሃገራት፡ መንንነቶም ጸኒሖም ንዝግለጹ ኤርትራውያን ውልቀ-ሰባት ከይኣትዉ ወይ ‘ውን ብመሬተን ከይሓልፉ ክኽልክላ እዚ ብይን’ዚ ይጽውዕ፤

ኵለን ኣባላት ሃገራት፡ እዚ ብይን ካብ ዝወጽእን ድሕሪኡን ኣብ መሬቶም ንዝርከብ፡ እቶም ጸኒሖም ብኮሚቲ ዝልለዩ ኣካላት ይኹኑ ውልቀ-ሰባት፡ ባዕሎም ይኹን ብሰብ ዘመሓድሩዎ፡ ዝዋጻእ ይኹን ቅሙጥ ከምኡ ‘ውን ካልእ ምጣኔ-ሃብታዊ ጸጋ፡ ብዘይ ምድንጓይ ክዘርዑዎ እዚ ብይን’ዚ ይጽውዕ፤

እዚ መቕጻዕቲ፡ ምስቲ ክሲ ተመጣጣኒ ድዩ? ወይስ ኣይኰነን? ነጺሉ ዝቐጽዕ ድዩ? ዋላስ ኣልማማ ዝጐድእ?

ኣብ የካቲት 22፡ 2006፡ ዓለም-ለኻዊ ማሕበረ- ብ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂን መጋበርያታቱን ነዚ ዝቕጽል መቕጻዕቲ ከስገድድ፡ መርበብ ሓበሬታና ጥርዓነ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር: 

  • ንዅሎም ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክኣትዉ ዝፍትኑ ሰበ-ስልጣን ኢሳያስ ቪዛ ዝኽልክል፣ 
  • ንዓቕሚ ምውጻእ ገንዘብ ናይቲ ስርዓት ዝድርት፣ 
  • ንስዉር ይኹን ግሁድ ዓለም-ለኻዊ ገንዘባዊን ባንክ ጠቀስን ካልእ ተመሳሳሊ ንጥፈታትን ደው ዘብል፣
  •  ነቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነበርቲ ምዕራባውያን ሃገራት ዘዘውትሮ ናይ ምጭናቕ ወፈራ ንምቕንጣጥ ዝሕግዝ፣ 

    እዚ ዝተጠቕሰ ስጕምታት፡ ንኢሳያስን ጕጅለኡን ፈልዩ ዝቐጽዕን ተመጣጣንን’ዩ ኢልና ንኣምን። ምስ እምነትና ዘይሰማምዑ፡ ‘ስርዓት ኤርትራ ኵሉ’ቲ ገንዘባዊ ርካቡ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዘውዕሎ’ ኢሎም ዝኣምኑ ገርሀኛታት ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ ውን ንፈልጥ ኢና።  እወ፡ እቲ ስርዓት ንዝውህለል ገንዘብ ናይ ምድብላቕ ልምዲ ኣለዎ። እቲ ንፍሉይ መዓላ ዝዋጻእ፡ንኣብነት፡ እቲ ኲናት ንዘዘኽተሞም ዜጋታት ንምሕጋዝ ዝዋጻእ ገንዘብ፡ ምስቲ ኲናት ንምክያድ ዝዋጻእ ስለዝተሓዋወስ፡ እታ ናይ ማዕቀብ ኮሚቲ ኣብ ገለገለ ጌጋታት ግትፍጽም ከም እትኽእል ይርደአና። ብሓፈሻ ግን፡ እዚ ማዕቀብ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ሃስያ ውሱን ኰይኑ፡ ነቲ ስርዓት ግን ፈልዩ ዘድመዐሉ ማዕቀብ ክኸውን’ዩ።   

    ነቲ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብዝምልከት ግን፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእየ ንኤርትራ ዝጠቅስ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓላለፈ ብይናት፡ ቍጽሩ 30 በጺሑ ኣሎ። ካብዚ ኵሉ ብይናት፡ ብዘይካ እታ ንኤርትራ ከም ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝተቐበለታ ብይን ቍ. 828 ናይ 1993፡ ከምኡ ‘ውን እታ ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ናይ ዶብ ጸገም ክትፈትሕ እትጽውዕ ናይ መወዳእታ ብይን፡ (ማለት፡ ብይን ቍ. 2009)፣ እቲ ዝተረፈ 28 ብይናት ኵሉ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ግርጭት ዝምልከት’ዩ። ከም ኣብነት፡ እቲ መቀያየሪ ኣቕሑት ‘ውን ወሲኹ ዝትግበር ናይ ኣጽዋር እገዳ ንኢትዮጵያ ሓለፋ ዝህብ ኵነታት ፈጢሩ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ከረጋግጸላ ስለ ዝኽእል፡ ኤርትራ ድማ በዚ ተኽእሎ’ዚ ተሰናቢዳ ነብሳ ዝያዳ ንምዕጣቕ ናብ ዘይ ሕጋዊ ምጕናኽን ምጽፍጻፍን ኣር ክትኣቱ ስለ እትኽእል፡ ቅድድም ኣጓሃሂሩ ነቲ “ሰላምን ጸጥታን” ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእል።

    እዚ ማዕቀብ’ዚ፡ ብተረድኦና፡ ኣብ ክንዲ በቲ ዝያዳ ከቕጽዕ ዝግባእ ኣበር ብፍዅስ ዝበለ ምኽንያት’ዩ ጸዲቑ። ግን ነዚ ‘ውን ንድግፎ ኢና። ኣብ ሰሌዳ ውስእ መርበብ ሓበሬታና ዝቐረበ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ብዛዕብኡ ንዘለና እምነት ኣጸቢቑ ይገልጾ፥

    ክልተ ዓገበኛታት ንኽልተ ዝተፈላለያ ኣባይቲ በብወገኖም ሓዊ ረኲዖምለን ካብ ፖሊስ ክሃድሙ እንከለዉ ሓደ ካብኦም ይተሓዝ፤ እቶም ፖሊስ፡ ናይ መርመራ ጌጋ ይፍጽሙ’ሞ፡ ነቲ ዝተታሕዘ ዓገበኛ በታ ሓዊ ዝረኰዐላ ቤት ከይኰነስ ነታ ካልኣይቲ ብምቅጻል ይኸሱዎ፡ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይፍረድ፤ ኣብዚ ኣብነት’ዚ፡ እቲ ፍርዲ ፍትሓዊ ኣይኰነን ክበሃል ‘ዶ ይከኣል? እቲ መልሲ ኣይከኣልን ዝብል’ዩ። ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ዝተፈጸመ ናይ ማዕቀብ ብይን ድማ፡ ንሕና እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፈጸሞን ገና ‘ውን ዝፍጽሞ ዘሎ ቀንዲ ገበን ተኸሲሱ ክቕጻዕ ምመረጽና፡ ከምኡ ካብ ዘይከውን ግን ነዚ ፍርድ’ዚ እውን ንድግፎ።

    ሕሉፍ ተርእዮታት ብዛዕባ ማዕቀባት ዝእምቶ መረዳእታ

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምድራኽ ማዕቀባት ኣካይዳኡ ዝሕቱል ኢዩ፡ ኣብ ምልጋሱ ‘ውን ከምኡ ኣዝዩ ጊዜ ይወስድ። ካብታ ቀዳመይቲ ማዕቀብ (ኣብ ልዕሊ እታ ቀደም ሮደዥያ እትበሃል ዝነበረት፡ ዚምባብወ) ጀሚርካ ክሳብታ ዝቐረበት፡ ነብሲ ወከፍ ኣብቲ መቕጻዕቲ ዝወደቐት ሃገር፡ እቲ ሽግር ንኽቕንጠጠላ ክተማልኦ ዝግብኣ ብንጹር ዝጥቀስ ግድነታዊ ተፈጻምነት ኣሎ።

    ብኡ መሰረት፡ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፥ ንሃይቲ ብዝምልከት፡ ፕረዚደንት ኣሪስቲድ ናብ ስልጣኑ ክምለስ፣ ንሱዳን ብዝምልከት፡ (ብጕዳይ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሑስኒ ሙባረክ ዝተገብረ ናይ ቅትለት ፈተነ) ክልቲአን ሃገራት፡ ማለት፡ ኢትዮጵያን ግብጺን ይቕረ ክሳብ ዝብላላን፡ ሱዳን ድማ ነቶም ናይ ቅትለት ፈተነ ዝፈጸሙ ክሳብ እተረክብን፣ ንዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዝምልከት፡ ዓሌታዊ መግዛእተን ክሳብ ዝስርዛ፣ ንሴራ ለዮንኣይቮሪ ኮስትን ብዝምልከት፡ እቲ ዋጋ ደም ሰብ ዝኽፈሎ ናይ ዳያሞንድ ምቅይያርን ውግእ ሓድሕድን ደው ክሳብ ዘብላ፣ ከምኡ ‘ውን ንዩኒታ ብዝምልከት፡ ክሳብ መራሕታ ዝበታተኑን ዮናስ ሳቪምቢ ክሳብ ዝመውትን፣ ነፍሲ ወከፍ ማቀብ ከይተቐንጠጠ ጸኒሑ።

    ኣብ ኤርትራ ኸ እቲ ማዕቀብ ንኽቕንጠጥ እንታይ ኢዩ ክኽፈሎ? እቲ ዝኽፈሎ ዝዀነ ይኹን፡ መፍትሒኡ “ምሁራት” ህግደፍ ብዝምህዙዎ ብልሓት ከምዘይከውን ግን ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ድሮ እቲ ብይን ዝጸደቐሉ መዓልቲ ንኣብነት፡ ጥርዓናትን ሰላማዊ ሰልፍን የወሃህዱ ነይሮም፤ ሽግራት ክዕረ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት ምስ በጽሔ! ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ከምዝበሃል። ህግደፍ፡  መንገድን ኣሰራርሓን ናይቲ ግጥም ዝርድኡ፡ ስርዓት ኢሳያስ ካብቲ ዘንጠጢ ዝነበረ ናይ ማዕቀብ ወደቓ ብኸመይ ክድሕን ከምዝኽእል ዝርድኡ፡ ብቑዓትን ትምህርቲ ዝቐሰሙን ምሁራት ኣለዉዎ፤ ነቲ ሓለቓ ኣዕነውቲ ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመለስ ኢሎም ክዛረቡ ዝደፍሩ ግን ኣይኰኑን። ስለዚ ድማ ልክዕ ከምቶም ድሕሪ 40 ዓመታት “ብይን ቍ. 242” ክሳብ ክንደይ ዘይፍትሓዊ ምንባሩ ገና እንዳቈዘሙ ዝነብሩ ፍልስጥኤማውያን፡ ን”ብይን ቍ. 1907” ድማ ንዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት እንዳ ኰነኑዎ ዝነብሩ ኤርትራውያን ክህልዉ ኢዮም። 

    እዚ ተርእዮ’ዚ እተን ናይ ተቓውሞ ውድባት መሪሕ ግደ ንምጽዋት ዕድል ዝኸፍተለን ኣጋጣሚ ኢዩ፤ ንህዝቢ ድማ ኢሳያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጀካ ስቓይ ካልእ ዝጽበዮ ጽቡቕ ነገር ከምዘየሎ ከረድኣ ይግባእ። እሞ ኸ ደኣ ነቲ ብድሆ ናይዚ ዕማም ይበቕዓኦ ዶ ይዀና?

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares