Awate.com

ብሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም: ለውጢ ሕጂ፡ ብግዲ ወይ ብውዲ

ምልክታ: እታ ቅድመ ክልተ-ቕነ ኣቢለ ዝጸሓፍክዋ ዓምዲ ብዓረብ ተቶርጊማ ከም ተሓተመት ተዓዚብኩም ትኾኑ፡፡ ነቲ ዝተርጎመ “የቐንየለይ” እናልኩ፡ ኣብ’ቲ ሰናይ ተግባር ሓንቲ ኢድ ከምዘይነበረኒ የፍልጥ፡፡ ዋላ’ኳ ብዓቕመይ ዓረብ እፍትን እንተኾንኩ፡ ክንድኡ ዝኸውን ብቕዓት’ስ የብለይን፡፡ ሓደ-ሓደ ኣሕዋት ግን ኣነ ባዕለይ ብዓረብ ዝጸሓፍኩ መሲልውም ብዙሕ ደስ ኣይበሎምን፡፡ ሓደ-ክልተ ናይ ኩነና ጸርፊ’ውን ለጎሱለይ፡፡ ኣነ በተዓባብያ እኹን በኣረኣእያ ናይ ሰብ ወገን ሒዘ ዝጣበቕ ኣይኮንኩን፡፡ ፈቴ ኢለ ዘይናቱ ንሰብ ኣይህብን፡ ጸሊአ ኢለ’ውን ናቱ ኣይኸልእን፡፡ ኣነ ንኹሉ ነገር ብዓይኒ መትከልን ሕልናን እርእዮ፡፡ በቲ ንዓይ ቁኑዕ ኮይኑ ዝስመዓኒ ድማ ድምብርጽ ከይበለኒ እጽሕፍ፡፡ ንፍትሒ ኢለ እምበር ንኣስላም/መታሕት ካብ ሰበይ ንላዕሊ ፈትየ ኣይኮንኩን፡፡ እንተፈትኹ’ውን ዘይ ኣሕዋተይ’አ ፈትየ፡፡ እዚ ኸኣ ዘሕብን እምበር፡ ይቕሬታ ዘሕትት ኣይኮነን፡፡ ንእግረ-ምንገድይ ‘ውን ሓንቲ ከብርሃ ዘለኒ ብተደጋገመ ዝሕተታ፡ “መዓስ ኢኻ ትምስልም፧” ሕቶ’ያ፡፡ ኣነ ዲቕ ዝበልኩ ተዋህዶ’የ፡ ካብ ተዋህዶ ምውጻእ’ውን ሓራም ኮይኑዩ ዝስመዓኒ፡፡ ክሳብ ለይተ-ሎምስ፡ ናይ መንፈስ እኹን ሕልና ጽምኣት ብማይ ድጋመት ዘይረወየ የለን፡፡ ኣስዒበ’ውን፡ ዋላ’ካ ዳርጋ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ስደት የሕልፎ ‘በር፡ ነቲ ብጣዕመ ዝሕበነሉ ልሳን-ርስተይ ክፈልጥሲ ካብ ፋሕተትተር ምባላ ኣይዘንጋዕኩን፡፡ እሞ እቶም ተሓላቒ ኣስላም/መታሕት ኴንካ ኢልኩም ተቖጢዕኩሙለይ ዘለኹም፡ እዚኣ ትስዕብ ናይ ትግሪንያ ዓምደይ ከም ካሕሳ-ዕርቂ ሕሰቡለይ፡፡ ኣጀኹም ንኹሉ ዘፍቅር ልቢ ኣሎ፡፡

ዝተናዕቀ ዓዲ፡ ብእዱግ ይውረር፡፡ቁሩብ ክራማት ኣቢሉ እኸውን፡ ሓደ ተዋዛዪ ዝኾነ ሓው (ትግራዋይ) ዓዲ በጺሑ ተመለሰ፡፡ ከምቲ ልሙድ ድማ፡ “ዓዲ’ማ ከመይ ጸኒሑካ፧” ኢለ ሓተትክዎ፡፡ ንሱ ድማ ከም’ቲ ኩሉሻዕ ዘዘውትሮ ቃልዲ ጌሩ፡ “ዓድስ ብጣዕመ ጽቡቕ ረኺበዮ፡፡ እቶም ስድራይ ግን (ሕሰም ኣይርከቡ) ሓደ ካብቶም ኣእዱግና ምእዛዝ ኣብዩ፡ተኸኽ ኣቢልዎም፡” በለኒ፡፡

.
ኣነ ድማ ብገርሀይ፡ “እዋእ እንታይ ደኣ ኮይኑ፧” ኢለ ተገሪመ፡ ጠየቕኩዎ፡፡
.
“ወዮ ኣድጊ፡ በቲ ኣብ ባድመ ዘርኣዮ ጅግንነት ተመኪሑ፡ ሓሰር-ንፋይ ኮነ ሳዕሪ ኣይበልዕን’የ ኢሉ፡ ምስ’ቲ ዘጥረዮ ዝና ዝማጠን ማዕርግ እናጠለበ፡ ሓንጊዱ፡” ኢሉ እናሰሓቐ መለሰለይ፡፡

.
ብዓጽሚ ዘይብሉ መልሓስ ሕቖይ ከምዝሰበረኒ ተረዲኤ፡ ብኣሽከዓላል “እዋእ እምብኣር ካብቲ ሓሻኪ፡ ፈንጅ-ረጋጽ፡ ጉዱድ ሰራዊትሲ፡ ኣእዱግ ዝሕሹሉ ዘመን መጺኡ” በልኩ፡፡ እንተኾነስ ካብ’ቲ ዕረ ዝጥዕም ሓቅስ ከምልጥ ኣይከኣልኩን፡፡ ዝኾነ ዘረዓይ ዝፈልጦ ሓቅስ፡ ሓንቲ ዝተናዕቀት ዓዲ ብኣእዱግ ከም ትውረር’ዩ፡፡

.
ብኣሻቡ ድማ ኣብ ዓሙቕ ሓሳባት ጠሓልኩ፡፡ ስለምንታይ’ዩ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ከልቢ ብባዕሉ ዝቐደዶ ዝብኢ-ክንዮ-መረብ ዘእተወ፧ ኢለ ተመራመርኩ፡፡ እቲ ሰኣን እልይ ዝገፈሐ ነገር፡ ዘምጸኦ ጥፍኣትን መከራን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣገሪሙኒ፡፡

.

ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ኣብ መስከረም ናጽነቱ ክዓውርሲ ዓገብ ዶ ኣይኮነን፡፡ ናይ ምንታይ ዕዳ መርገም’ዩ እዚ ኩሉ ሓሰረ-መከራ፧ ስለምንታይ ከምቲ ናይ ጥንቲ ሕጋዊ መናብርኡ “ንነገር ብወቐሳ፡ ንበደል ብካሕሳ” ኢሉ ካብ ሑሱም መቕዘፍ ደቁ ዘይድሓነ፧ እዚ ኩሉ ሓድጊ-ሃገር ዝኾነ መንእሰይ፡ ስሙ ንቕድሚኡ ኣይምኾነን፡፡ እዚ ከይኣክል ድማ ዳሕራዩ በኣሰ፡፡ ኣሎ ዝተባህለ ወራሲ-ሃገር ንኣደዳ ስደት ኣምሪሑ፡ ዓድታት ሃገርና ጸኒቱ ይባደን ምህላዎ’ዩ፡፡

.

ልክዕ ኤርትራ ብጭዋ ዝተሃዝበት ሃገር’ያ፡፡ ህዝባ ድማ ሕያዋይ፡ ፈቃር፡ ተቐባሊ-ጋሻ፡ ንሓቅን ፍትሕን ይስየፍ፡፡ ኣማን-ብኣማን’ውን፡ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ናቱ ዘይህብ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ’ዩ፡፡ እዚ ሕቡን ህዝቢ ካብ ሕነ ሕድገት፡ ካብ ባእሲ ዕርቂ፡ ካብ ዘረባ ስራሕ ይመርጽ፡፡ ብጅግንነቱን ተወፋይነቱን፡ ኣብ’ዛ እንነብረላ ክፍለ-ዓለም፡ ኣፍሪቃ፡ ውሑዳት’ዮም መዘንኡ፡፡
.

እሞ እንድሕር’ዚ ደኣ ኮይኑ ጸጋታት ባህሉ፡ ስለምንታይ’ዩ እቲ ያታዊ ባይትኡ ክቓድር ዘፍቀደ፧ ስለምንታይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንመላእ ኤርትራ ዓመጸ-ጉልቲ ግገብራ ዝዘንገዐ፧ ዓገብ! ሓደ ቀይዲ-በተኽ፡ ብስልጣን ዝዓበደ ሰብኣይ ብኢደ-ዋኒኑ፡ ናይ ሞትን-ሕየትን  ነጋሪት በይኑ ክብሕቶ ኣይምተገበአን፡፡
.

ባይቶኻ ኣይሰስን እምበር፡ ዶብካ ኣይተሓንጸጽ’ሲ ኣይመርገምን፡፡
.

ባይቶኻ ኣይሰስን እምበር፡ ዶብካ ኣይተሓንጸጽ’ሲ ኣይመርገምን፡፡ እዚ ዘበለኒ ከኣ ሃብቲ-ሃገርሲ ኣይካብ ዓውድን ካብ ባይቶ ስለ ዝኾነ’ዩ፡፡ ኩሉ ነገር- ሰላም፡ ፍትሒ፡ ምዕባለ- ካብ ባይቶና ስለ ዝፍልፍል፡፡ ባይቶና ከይ ቀደወ ዝቀዱ ጉዳይ የለን፡፡ እቲ ዝለዓለ ኣድህቦና ድማ ከመይ ጌርና ባይቶና ከም ንውንን ክኸውን ይግብእ፡፡
.

ጎረቤት ኮይኑ ናይ ዶብ ግጭት ዘይብሉ ህዝቢ ብጣዕመ ውሑድ’ዩ፡። ናይ ዶብ-ግጭት ተጠቒምካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል፡ ዝገብር ዘሎ መኸተ ህ.ግ.ደ.ፍ. እቲ ዝኸፈአ ሕድገት ዘይግበረሉ ገበን’ዩ፡፡ ውዒሉ-ሓዲሩ እዚ ናይ ዶብ-ግጭት ከምዝፍታሕ ኣየካትዕን፡ እቲ ሰናይ ጉርብትና’ውን ቦትኡ ከይሓዘ ኣይተርፍን፡፡ እቲ ዘየጠራጥር ሓቂ ግን፡ እቲ ብጽሓይ ዝኣበየ ብማይ ከም ዝሕርስ፡ እቲ ብዓመጽ ዝኸደ’ውን ብፍትሒ ክምዝምለስ’ዩ፡፡
.

ምስ ኣሕዋትና ኢትዮጲያውያን ብሓፈሻ፡ ምስ ተጋሩ ከኣ ብፍላይ፡ ብስርዓት ክንዳነ እምበር፡ ካብ ዘይብልና፡ ብዝተሸመተ ባዕዳዊ ብረት ክንዳመስ ኣየምሕረልናን፡፡ በቲ ሓመድ-ኣዳም ስኢኑ ምእሮ ኣራዊት ዝኾነ ኩቡር ሂወት-ሰብ፡ ኣዴታት መደበሲ ስኢነን ወትሩ ንብዓት ካብ ኣዒንተን ክዛሪ፡ ኣብ ምንቲ-ምንታይ፧ እቲ መይቱ እቲ መይቱ እቲ ሓዘን ዘይናይኩላትና’ዩ፡፡ ወያናይ መይቱ ዝሕጎስ ኤርትራዊ፡ ዋርሳይ መይቱ ዝድሰት ትግራዋይ የለን፡፡ ሓደ ኣፍንጭኡ ተሃሪሙ፡ እቲ ካልኣይ ዓይኑ ዝነብዕ፡ ዓጽመ-ስካ ዝኾና ኣህዛብ ኢና፡፡ ጽልኢ ግን ከም ትኪ ንኹሉ ስለ ዝልክም፡ ነፍሲ-ወከፍና መገዲ ስሒትና፡ ከም ዓሻ ሰበይቲ ወዲ ሓምታ ዘይወዳ ዝመስላ፡ ከም ጓኖት ተራሓሒቕና  ክንዳመ ዓቢ ገበን ፈጸምና፡፡ እቲ ዘገርም፡ እዞም መሽረፈት ሒዞም ውግእ ዘንበድበዱ፡ እቶም መሓውሮም ፍርቑ ኣብ መረብ-መላሽ ፍርቁ ድማ ክንዮ-መረብ ዝተሸኽለ’ዩ፡፡

.
ህዝቢ ኤርትራ ግን መሰል-ባይትኡ ተቐንጢጡ፡ ዋና-ባዕሉ ስለ ዘይኮነ፡ ኣፉ ብልኹቱ፡ ኢዱስ ውሑዳት ቶኾሉ ደኣ ተባኣስሉ፡፡ እዞም ውሑዳት ሓልየትን ሓላፍነትን ዘይስምዖም ዕንደራ-ጉጅለ፡ ነዚ ኩሉ መንእሰይ ከም ዘይኢዶም ርእዮም ኣብ እንዳ ዕንቅሪቢትን ተመንን ኣእትዮም ኣህለቕዎ፡፡ እዚ ከይኣክል ድማ ነቲ ዝተረፈ ዋርሳይ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግልግሎት ኢሎም ንባርነት ፈረድዎ፡፡
.

ህዝቢ ኤርትራ ኣብክንዲ ብግዝያዊ ጭንቂ ተገዚኡ፡ ህድእ ኢሉ ብጥበብን ትዕግስትን፡ ንዘለዓለም ዝኸውን ዕርቂ እንተዘነናዲ ምሓሸ፡፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መርፍእ ዕርቂ ዝሓለፎ፡ ፈትሊ ፍትሕን ሰላምን ይስለፎ፡፡ ብዘይ ዕርቂ ክመጽእ ዝኽእል ሰላም ወይ ፍትሒ የለን፡፡ ምስ ጎረባብቲ ስኒት ዘይብላ ሃገር ዝረሃዋ የለን፡፡
.

ዘመን ከም መንግስቱ
.

ዘመን ከም መንግስቱ’ዩ፡፡ እቲ ብልሹው መንግስቲ ሕማቕ ዘመን፡ እቲ ጥዑይ ከእ ጥዑም ዘመን የምጽእ፡፡ እቲ ቀንዲ ሰበብ ናይ’ዚ ዘስካሕክሕ ህሉው-ኩነት፡ ዘይቡቑዕን ቀይዲ-በተኽን ዝኾነ መሪሕነት’ዩ፡፡ ላዕላዩ ዘይጸረየ ታሕታዩ ድማ ክጸሪ ስለ ዘይኽእል፡ እቲ ዓቢ ክፋል መርመራና ናብኡ ዝጠመተ ክኸውን ናይ ግድን’ዩ፡፡ እዚ ሓሬት ስርዓት ዝግ ኢሉ ከይጸረ፡ ኣበይ ክርከብ ቅሳነት፡፡
.

ነዚ ወዛል መሪሕነት ከተለልዮ ከቢድ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራ ብሕጊ ወይ ትካላዊ ኣሰራርሓ እትምሕደር ሃገር ኣይኮነትን፡፡ እዞም ሓደግትን-ገደፍትን ዝኾኑ ሰበ-ስልጣናት፡ መብጽዓ ስውኣት ኣሕዋቶም ዝጠለሙ፡ ውሕዳት ዑሱባት-ረብሓ ’ዮም፡፡ እቲ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ዓራት ስልጣን ኩድጭ ኢሉ ዘሎ፡ ውልቀ-መላኪ ኣይተ ኢሰያስ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ሓደ-ክልተ ናይ ዕንደራ ጉጁለ፡ ናይ’ዚ ህሉው-ዘመን ዘመተ  መሳፍንቲ ’ዮም፡፡ ናይ ግሊ-ረብሓ ዝዓጠጦም፡ ንዓይ እምበር ንህዝበይ ዘይብሉ፡ ቆርበት በጊዕ ዝለበሱ ጎሓሉ ምዃኖም ኣይንረስዕ፡፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝወሓጥዎ ናይ መትከል ጸጸር ስለዘየለ፡ ኣብ’ቲ ናይ ፈተነ ሰዓት ብከብዶም ከምዝግዝኡ’ውን ኣይንስሓት፡፡
.

ኣብ ማእከል ግራትና ዝቦቖለ ጻህያይ
.

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ መራሕቲ ጉድለት ዘይከሓድ ሓቂ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጠሪሹ ግደ/ኢድ የብሉን ማለት ኣይኮነን፡፡ እዚ ቀይዲ-በተኽ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ማእከል ግራትና ዝቦቖለ ጻህያይ’ዩ፡፡ እዚ ኣብ እዋኑ ዘይተጻህየ እከይ- ውልቀ-ምልኪ- ሕጂ ኣብ ክሳድና ቸይቸይ እናበለ መንጉዳ-ደርሆ ይእዝዝ ኣሎ፡፡
.

ቀደም ከይሳዕረረ ነይሩ እቲ ክውሰድ ዝግበኦ ስጎምቲ፡፡ ነዚ ዝተረድኡ ለባማት ቀዳሞት ከም’ዚ በሉ፡-
.

 “ቀደም ነበረ’ምበር ቀልጠፍካ ምስላፍ፡
 ሎሚ እንታይ የዓብስ ተኣሲርካ ምልፍላፍ፡፡”
.

እዚ ብስክፍታ ዝነቕፎ ዘለኹ ህዝበይ፡ ሓጥያቱ ክጽብጽብ ዘይኮንኩስ፡ ነገር ብወቐስ ከምዝፍታሕ ስለዝኣምን’የ፡፡ ማዕዳ ምስ ተጋገኻ ይርከብ ወይ ካብ ለባማት ተማሂርካ፡፡ እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ጉድለትና ተረዲእና፡ ሓላፍነትና ከም ሳዕሪ ዓቲርና፡ እዚ ዛጊት ዘይረወየ ናይ ነዊሕ ጽምኣት ሓርነትናን፡ ማእለያ ዘይብሉ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን፡ ምስኡ ዝማጠን ቅያ-ታሪኽ ምእንቲ ክንጣበብ’ዩ እቲ ባህግን ሽቶን፡፡
.

ኣሹንኳይ ሃገርሲ፡ ከርሲ ኣደ’ኳ ጉራምራ፡፡

.
እዚ ክብን-ለጠቕን እናበለ ዝምርሽ ዘሎ ፈለግ ታሪኽና፡ ብግቡእ መሚና፡ ብመንፊት-ሞኽባዕትን ዓለባን ጸሙቕና፡ ኣድላዪ ዝኾነ ጽገናን ምምሕያሽን ክንገብር ዓቢ ግዴታ ኣሎና፡፡ መጻኢ-ዕድል ሃገርና ኣብ ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብዘይ ሌላን-ጉሌላን፡ ስለ’ትርከብ፡ ኢደይ-ኢደይ ኢልና እንሰምረላ እዋን ክትከውን፡ ኣብ ሓቂ ዝተሰረተ ኣረዳድኣ ክህልወና ይግባእ፡፡
.

ህዝቢ ከይሰመረ ዝዕምር ዓዲ ስለዘየልቦ፡ ቅድም-ቀዳድም ሓድነትና ኣብ ከውሒ ክንስርቶ ኣልና፡፡ ፍልልይ ናይ ራኢ፡ ፍልስፍና፡ መበቆል፡ ሃይማኖት፡ ነገድ፡ ጉልቲ፡ ጾታ ነውሪ ኣይኮነን፡፡ ብኣንጻሩስ፡ ዓቢ ጸጋ፡ ምንጪ መሃዝነት፡ ዋሕስ ሓርነታት፡ ዋልታ መሰላትን’ዩ፡፡ ቡዝሕነትና ክፍራሕ ዘይብሉ ብልጫ ሃገር’ዩ፡፡ ኣሹንኳይ ሃገርሲ፡ ከርሲ ኣደ’ኳ ጉራምራ፡፡

እሞ’ተ ሓቅስ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝኣመትክዎ፡ ደቂ-ዓዲ ምስ ደቀስና’ዩ፡ ሃገር ዝተባሳበሰ፡፡ ነዚ ኣብ ውሽጥና ዝሰሰነ ውልቀ-ምልኪ ክፍጠር ዘኽኣልና ኩሉና ኢና፡ ዜጋዊ ሓላፍነትና ስለ ዝዘንጋዕና፡፡ እቲ ሓቢርና ክንዝትየሉ ዝግበኣና ባይቶ-ሃገር፡ ብውሑዳት ሓደግትን-ገደፍትን ዝኾኑ ናይ ዕንደራ-ጉጅለ ክትሕዛእ ኣፍቂድና፡፡ ኣብ መጀመርታ “ትኣምኖ ሊእኽካ እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል” እንዳልና፡ ነቕርቦ ዝነበርና ዑቡር ምኽኒት፡ ነቲ ስርዓት ቅጥዒ ዘይብሉ ልቸንሳ-ዕንደራ ኮይንዎ፡፡ ልክዕ’ዩ እዞም ሎሚ ብስልጣን ሰኺሮም ዓቢዶም ዘለው፡ ንነዊሕ እዋን ተቓሊሶም ሓርነት ዘምጽኡ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፡ ብግዲ ኮይኑ ብውዲ፡ ቁሩብ እንተተለገሰሎም ነውሪ ኣይኮነን ዝነበረ፡፡ ናትና ልግሲ ግን ሓለፋ ነይርዎ፡ ኣብ ዕሽነት ዝተቐየረ ኮይኑ፡፡
.

ሽሕ እንተፈተኻዮ መንግስቲ
ቀረጽ ትኸፍሎ ጸበል’ውን ተስቲ፡
እምበር ኣሕሊፍካ ኣይትህብን ርስቲ-ጉልቲ
ረብሓኻን ረብሑኡን ኣይቲ ኣይቲ
ኣጅቦ ዶ ይብላዕ ምስ እሕምልቲ፡
ኣይጥዑምን’ዩ ንዳሕራይ መዓልቲ
ናብራኻ ምስ ኮነ መሓዩር ዘይወግሕ ለይቲ፡፡

.
ናትና ግን ካብ ቀዳማይና ዳሕራይና ገዲዱ፡፡ መጎጎ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ምርሳኑ ክቕህም እንዳረኣና፡ ከም ቀዲሙ ዝሰወተ መሸላ ብዑፍ-ህግደፍ ከይንብላዕ ፈራሕና፡፡ ስቕና ከይኣክል ድማ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” እንዳልና፡ ዓይንና እንዳረኣና ባዕልና ዓወርና፡ እዝንና እንዳሰማዕና ባዕልና ጸመምና፡፡

እታ ብደም ኣንጭዋ ዝተሰርሐት መንደቕ-ሃገር ግን ድምጺ ድሙ ሰሚዓ፡ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ትነብር ኣላ፡፡

.
እቲ ስርዓት’ውን ካብ ፍርሒስ ነጻ ኣይወጸን፡፡ ኣይተ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ጭራ ነብሪ ዝሓዘ ጌሩ ተቖጻጺርዎ ኣሎ፡፡ ነታ ጭራ ምስ ዝፍንዋ፡ እንታይ ከም ትረኽቦ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ፡፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ ሳዕሪ ብድሕረይ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ኣመራርሓ ዝኽተል፡፡
.

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓልዮት ዝለገሰሉ ሰናይ ምንዮት፡ ኣይተ ኢሰያስ ባዕሉ ደጊም ጸንቂቕዎ’ዩ፡፡ እዚ በቸካ “ኣነ” ካልእ ዘይፈልጥ ቃንቁኡ፡ እቲ ዝበልዓሉ ጻሕሊ-ስልጣን ባዕሉ ይሰብሮ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚስ ሞት ዘይትርፍ ፍርሃት ንየው በሎ ዝብለሉ ደረጃ በጸሐ፡፡ ጠለብ ለውጢ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ብጭቕ-ብጭቕ እናለ፡ ወገሐ-ጸበሐ ክትኮስ ትንይ-ትንይ ዝብል ዘሎ እሳት’ዩ፡፡ እታ እዋን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. “ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ” እትበሃለላ ቀሪባ’ያ ዘላ፡፡ እታ ቅድሚ ሕጂ ዘምለጠት ጸሓይ ነጻነት፡ ደጊም መሊኣ ክትበርቕ ምኻና ኣየጣራጥርን፡፡
.

ነገር ኣብ ምጅማሩ
.

ነገር ኣብ ምጅማሩ እንተተኣለየ’ዩ ጥዑም፡፡ ልክዕ እታ ሓርቢ-ሃገርና’ውን ኣብ ምንፍሓ ዘይኮነትሲ ኣብ ምጥብሓ እያ ተባላሽያ፡፡ ኩሉ ወዲ-ሃገር፡ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ሽማግለ ይኹን መንደላይ፡ ገባር ይኹን ተጋዳላይ፡ ክስታናይ ይኹን ኣስላማይ ዝሳተፎ ዋዕላ ኣብ ክንዲ ንገብር፡ ሃገር ኣብ ሽማግለን መኬታይን (ዝተጋደለን ዘይተጋደለን) ጎዛዚኻ፡ እቲ ዝበዘሐ ህዝቢ ኣብ ገዛ-ዓዱ፡ ከም ማእከላይ-ዓሌት ተቖጺሩ፡ ከይ ሞተ ከሎ፡ ኣብ ደገ-ሰላም ክትቅበር ሞባእ ክፈል ተባህለ፡፡
.

እቲ ዓቢ ጉድለት ኣብክንዲ እዝጊ፡ ሰብ ኣሚና፡፡ ኣይትእመን ሰብ ከይሞተ፡ መሸላ ከይሰወተ ዶ ኣይኮነን ዝብል ማዕዳ ቀዳሞት፡፡ ብግቡእ ዘይዓቀብናዮ ታሪኽ ግን ምስ ቀዳሞት ከራኽበና ኣይከኣለን፡፡ እሞ ቀዳማይ ስሕታን ካልኣይ ዕብዳን ከይኸውንሲ፡ ካብ ጌጋታትና ደኣ ንመሃር፡፡ ክሳብ መዓስ መሰልና እናተዘረፈ ስቕ ክንብል፡፡
.

እቲ ዝኸፈአስ፡ እቶም ሓደ-ክልተ ለባማት ነዚ ዓቢ ስሕታን ተረዲኦም ኣእውዮም፡ ክውቅዑ ከለዉ፡ ልብና ዋል’ኳ ኣይሰምበረን፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ መከራስ ከም ዋንጫ መለሊኽ ንኩልና ብብተራ ተዓደለና፡፡
.

ነጻነት ምስ ሓቂ፡፡
.

ነጻነት ብዘይ ሓቂስ ነባሪት ኣይኮነትን፡፡ ሓቂስ ዋላ ዕረ ትጥዓም ደኣምበር፡ ክትወሓጥ ዘለዋ ሃንዛ-ሂወት’እያ፡፡ ጉድለትና ከይተረድኣና ኣድላዪ ጽገና ክንገብር ኣይንኽእልን፡፡ ነዚ መሰረታውን መባእታውን ስሕታን ቅድሚ-ኣገረ ክንርድኦ ኣለና፡፡  እቲ ኣብ ዝባን ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣዳራዕ-ሕሰም ፍሉጥ’ዩ፡ ብኡ ምዝራብ ከኣ ኣብ በራቕ-ጸሓይ ፋኑስ ምብራሃ ይመስል፡፡ ዝኾነ-ኮይኑ ግን፡ እቲ ቀንዲ ሳዕቤን ሓሰር-መከራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሓፈሻ፡ ውልቀ-ምልኪ ኣይተ ኢሰያስ ድማ ብፍላይ ምዃኑ ፈሊጥና፡ እቲ ሎሚ ክንገብሮ ዝግበኣና ንጽባሕ ኣይነባኹሮ፡፡ ፍታሕ ናይ ሽግርና ንግዜ ምሃብ ንጥቕምና ኣይኮነን፡፡ ዝሞተ ምስ ሞተ፡ ዝስደድ ምስ ተሰደ፡ ንመን ሒዝና ኢና ኣብ ሃገር ክንተርፍ፧ እታ ሃገር ከ ንመን ኢያ ክትከውን፧
.
ስደት ፍታሕ ኣይኮነን!
.

ካብዚ ከርፋሕ ናብራን ባርነትን ምምላጥ ዝግበር ናይ ስደት ጉዕዞ ዋላ’ካ እንተተረድኣኒ፡ ስደትሲ ግዝያዊ ፍታሕ ደኣ’ምበር ነባሪ ፍታሕ ኣይኮነን፡፡

እዚ ዋሕዚ ስደት ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ ህላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክኣቱ’ዩ፡፡ ዋርሳይ ኣሰር ቀዳሞት ኣቦታት ተኸቲሉ ምእንቲ ፍትሕን ክብረት-ዓደቦን ደኣ ክቃለስ ኣለዎ እምበር፡ ስደት ቀሊልን ቀረባን ፍታሕ ተሓሲቡ፡ ንሃገር ራሕሪሕካ ምውጻእሲ፡ ነቲ ኩሉ ዝፈሰሰ ደም ንጹሃት ዜጋታት ኮንቱ ምጥፍኡ’ዩ፡፡ ንባዕለይ ኣብ ወጻኢ እናተቐመጥኩ ከምዚ ክብል ምናልባሽ ኣየምሕረለይን እኸውን፡፡ ናይ ሕልና-ስልጣነ ስለ ዘለኒ’ውን ኣይኮንኩን ከምዚ ዝብል ዘለኹ፡፡ እንታይ ደኣ “ወርቂ እንተጠፈአስ ሚዛን ወርቂ ስለ ዘይጠፍእ፡፡” ልሳን ሰብ ድማ ኣብ ከርሲ-ልቢ ዘሎ እንተተዛረበ’ዩ ጉሩም፡፡ ሓቂ እንተተዛረብና ጥራይ’ዩ ሽፋ ዝኾነና፡፡
.

ሓሳብ-ሰብ ከም ጭራ ከልቢ ላዕሊ-ላዕሊ ስለ ዝጥምት፡ ኣነ’ውን ትጽቢተይ ኮነ ባህገይ ከልዕሎ ስለ ዘለኒ’የ እምበር፡ ንዋርሳይ ምውቃስ ኣይኮነን፡፡ በደል ዋና ዘይብላ ደኣ ኮይና’ምበር፡ እዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ኣምጺኦም፡ እዞም መራሕቲ ዝበሃሉ ባዕሎም ካብ ስልጣን ወሪዶም ንሃገር ክድብሱ ምስተገበአ፡፡ ወራዙት ኣብ ፈቐዶ ዓለም ከምኡ’ዮም ዝገብሩ፡፡ እዞም ኩርዓትን ክብርን ዘይስምዖም ወዲኒ ክሓንኹ ኢልካ ምጽባይ ዘበት’ዩ፡፡
.

እቲ ጭዋ ባህልና ነውሪ ዝብሎ፡ ከም ሽጣራ ወሲዶም የሕበንሉ፡፡ እቲ ሓላልን ሓራምን ዝፈሊ ደረት ኣፍሪሶም፡ ብዓይኒ ዕዋልን ወዲኒን ንኽሉ ይርእይዎ፡፡ እቲ ብፍርሒ እግዝኣብሄርን ፍቕሪ ስድራቤትን ተኾስኪሱ ዝዓበየ፡ ሕልነኡ ዝወቕሶ ዜጋ፡ ኣድሓርሓሪ ተባሂሉ ይውገድ፡፡ እዚ ናይ ሕልና ስደት እቲ ዝኸፈአ መግረፍቲ’ዩ፡፡ ክንደይ ለባማትን መስተውዓልትን ደቂ-ሃገር ብጎዲም ካራ-ህግደፍ ይሕረድ ኣሎ፡፡
.

ብበዓለገ ትምራሕ ዓዲ ግን ኣብክንዲ ትስስን እናሓደረት’ያ ትሓንኽ፡፡ ናይ ባህልን ሕልናን ኩርዓት ዘይፈልጡ ሓደሽቲ ወለዶ ከኣ ተዕቢ፡፡ እዚ ባህላዊ ቅሉውላው ዘኸትሎ ዓቢ ሽግር’ዩ፡፡ ብተፈጥሮ ኩሉ ኣህዛብ ዓለም ሓደ’ዩ፡ እቲ ዝፈልዮ ባህልን ሕልናን’ዩ፡፡ ክብሪ ሃገርን ምዕባሌ ህዝብን ዝውስን’ውን ባህልን ሕልናን’ዩ፡፡
.

ብግዲ ወይ ውዲ፡ ሕጂ’ያ ለውጢ
.

ሓደ-ሓደ ሰባት ምእንቲ ኣመሎም ከመይ ጌሩ’ዩ ኣይተ ኢሰያስ ንብይኑ ነዛ ሃገር ዘዕንዋ ኢሎም ናይ ጥርጣረ ሃዋሁ ክዘርኡ ይፍትኑ’ዮም፡፡ እዚ ግን ናይ ቃላት ውሕልነት ናይ ሞጎተ ጭልነት ደኣ ይመስሎም እምበር፡ ካብ ሓቅስ ጠሪሹ ዝረሓቐ’ዩ፡፡ ከምቲ ሓንቲ ቁማል ንሰብኣይ ስሪኡ ተፍትሖ፡ ሓደ ሑሱም ሰብ’ውን ንዓዲ ምሉእ የርዕዶ፡፡ ሓድነቱ ዝዕበረ ህዝቢ ብሑሱም ሰብ ክድፈር ቀሊል’ዩ፡፡ እቲ ሎሚ ብጻዩ ክድፈር ዓገብ ዘይብል፡ ንጽባሓይቱ ናይታ ሕሰም ሑጹይ ምዃኑ ኣይስሓት፡፡
.

ፍርሒ ዝሰፈሮ ሕብረተሰብ ሕድ-ሕድ ምትእምማን የብሉን፡፡ ምትእምማን ዘይብሉ ከኣ ንብዱል ክዘሪ ኣይኽእልን፡፡ ክዘሪ ዘይክእል ሕብረተሰብ በብሓደ ይድህለል፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ሓድነቱ ተዘላዚሉ ከም ጅር ዘይብሉ ሰብ ብማንም ይድፈር፡፡ ምልካዊ ስርዓት ንቶም ኣለው ዝበሃሉ፡ ዓገብ ክብሉ ዝኽእሉ በብሓደ እንዳለቐመ ይደቕሶምን የጃጅዎምን፡ ኣብነት ከኣ ይገብሮም፡፡ እቲ ካልእ ድማ እንታይ ገደሸኒ ዝቕደም ኢሉ፡ ኩሉ ኣዋዲቑ ናብ ዕለት እንጀርኡ ጥራሕ የድህብ፡፡ እዚ ክንዮ ኣፍንጫ ክርኢ ዘይኽእል ኣተሓሳስብ፡ ንሓጺር ግዜ እኳ እንተሰረሕ፡ እቲ ግመ-ድንቁርና እናተቐንጠጠ ምስከደስ፡ እቲ መሶብ እንጀራስ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ እቲ ጨኳነ ምልካዊ ስርዓት’ዩ ዝኣቱ፡፡ ኣብ መጠረሻ መሬት፡ ንብረት ጥራሕ ዘይኮነስ ወዲ እዳም-ሂዋን ‘ውን በቲ ስርዓት ይውነን፡፡ እቲ ዝሓሸ ቅድሚ ውሕጅ ምልካዊ ስርዓት፡ መንገዲ-ነጻነት ምጽራግ እኳ እንተኾነ፡፡ ሕጀ’ውን ነቲ እከይ ስርዓት ካብ ሱሩ ቦርቁቕና ኣስር-ልምጽማጹ ኣጥፊእና፡ ቅዋማውን ዲሞክራሳውን ስርዓት ክንተክል ኣሎና፡፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቡዙሓት ዲጋታት ዘሪሐ ኢሉ ይምካሕ፡ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ውሕጅ-ህዝባዊ ተቓውማ ዝቆጻጸር ዲጋ ግን የብሉን፡፡
.

ህዝቢ ሓኸለ’ዩ፡ ዓቢሩ ኢልካ’ውን ኣይሕደግን፡፡ ግዜ ደኣ ይወስድ እምብር፡ ኣብ መወዳእታስ ህዝቢ’ዩ ’ውን ዝስዕር፡፡ ሓይሊ ህዝቢ ብዘይ ስምረት ኣይስስንን፡፡ እቲ ዝበለጸ ሓድነትሲ ብሓቅን ተግባርን ደኣ’ምበር፡ ብቃልን ልሳንን ኣይኮነን፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ብሓንሳብ ንትስእ ብሓንሳብ ንወድቕ፡ ብሓንሳብ ንስስን ብሓንሳብ ንማስን፡፡ እዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣምጺእዎ ዘሎ ዘይምትእምማን ባህሊ ክንሰብሮ ኣለና፡፡ ከምቲ ናይ ቀደምና ብምትእምማን ኣብ ቤት-ቤትና ኮይና፡ ሓወይ-ዓርከይ፡ እህን-ምህን እንዳልና ንላዘብ፡፡ ከም ዝብኢ ክሳብ ንዳሎ ንሓንክስ፡፡ እዚ ብሑጋ ኣትዩ ኣብ ውሻጠና ኮይኑ ዝዕንድር ዘሎ ጉሕላ ኣብታ ንብጸቱ ዝኾዓታ ጉድጓድ ክቕበር’ዩ፡፡ ኣይተ ኢሰያስ ነታ ጭራ ነብሪ ጥራሕ ክፍንዋ ምግባር፡፡ ምስጢር ዓወትና እዚእ’ያ፡፡
.

ለውጢ ሕጂ፡ ብግዲ ወይ ብውዲ፡፡
.

weriz@yahoo.com This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
You can also reach me via Face Book and Twitter.

ምልክታ: እታ ቅድመ ክልተ-ቕነ ኣቢለ ዝጸሓፍክዋ ዓምዲ ብዓረብ ተቶርጊማ ከም ተሓተመት ተዓዚብኩም ትኾኑ፡፡ ነቲ ዝተርጎመ “የቐንየለይ” እናልኩ፡ ኣብ’ቲ ሰናይ ተግባር ሓንቲ ኢድ ከምዘይነበረኒ የፍልጥ፡፡ ዋላ’ኳ ብዓቕመይ ዓረብ እፍትን እንተኾንኩ፡ ክንድኡ ዝኸውን ብቕዓት’ስ የብለይን፡፡ ሓደ-ሓደ ኣሕዋት ግን ኣነ ባዕለይ ብዓረብ ዝጸሓፍኩ መሲልውም ብዙሕ ደስ ኣይበሎምን፡፡ ሓደ-ክልተ ናይ ኩነና ጸርፊ’ውን ለጎሱለይ፡፡ ኣነ በተዓባብያ እኹን በኣረኣእያ ናይ ሰብ ወገን ሒዘ ዝጣበቕ ኣይኮንኩን፡፡ ፈቴ ኢለ ዘይናቱ ንሰብ ኣይህብን፡ ጸሊአ ኢለ’ውን ናቱ ኣይኸልእን፡፡ ኣነ ንኹሉ ነገር ብዓይኒ መትከልን ሕልናን እርእዮ፡፡ በቲ ንዓይ ቁኑዕ ኮይኑ ዝስመዓኒ ድማ ድምብርጽ ከይበለኒ እጽሕፍ፡፡ ንፍትሒ ኢለ እምበር ንኣስላም/መታሕት ካብ ሰበይ ንላዕሊ ፈትየ ኣይኮንኩን፡፡ እንተፈትኹ’ውን ዘይ ኣሕዋተይ’አ ፈትየ፡፡ እዚ ኸኣ ዘሕብን እምበር፡ ይቕሬታ ዘሕትት ኣይኮነን፡፡ ንእግረ-ምንገድይ ‘ውን ሓንቲ ከብርሃ ዘለኒ ብተደጋገመ ዝሕተታ፡ “መዓስ ኢኻ ትምስልም፧” ሕቶ’ያ፡፡ ኣነ ዲቕ ዝበልኩ ተዋህዶ’የ፡ ካብ ተዋህዶ ምውጻእ’ውን ሓራም ኮይኑዩ ዝስመዓኒ፡፡ ክሳብ ለይተ-ሎምስ፡ ናይ መንፈስ እኹን ሕልና ጽምኣት ብማይ ድጋመት ዘይረወየ የለን፡፡ ኣስዒበ’ውን፡ ዋላ’ካ ዳርጋ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ስደት የሕልፎ ‘በር፡ ነቲ ብጣዕመ ዝሕበነሉ ልሳን-ርስተይ ክፈልጥሲ ካብ ፋሕተትተር ምባላ ኣይዘንጋዕኩን፡፡ እሞ እቶም ተሓላቒ ኣስላም/መታሕት ኴንካ ኢልኩም ተቖጢዕኩሙለይ ዘለኹም፡ እዚኣ ትስዕብ ናይ ትግሪንያ ዓምደይ ከም ካሕሳ-ዕርቂ ሕሰቡለይ፡፡ ኣጀኹም ንኹሉ ዘፍቅር ልቢ ኣሎ፡፡

.
ዝተናዕቀ ዓዲ፡ ብእዱግ ይውረር፡፡
.

ቁሩብ ክራማት ኣቢሉ እኸውን፡ ሓደ ተዋዛዪ ዝኾነ ሓው (ትግራዋይ) ዓዲ በጺሑ ተመለሰ፡፡ ከምቲ ልሙድ ድማ፡ “ዓዲ’ማ ከመይ ጸኒሑካ፧” ኢለ ሓተትክዎ፡፡ ንሱ ድማ ከም’ቲ ኩሉሻዕ ዘዘውትሮ ቃልዲ ጌሩ፡ “ዓድስ ብጣዕመ ጽቡቕ ረኺበዮ፡፡ እቶም ስድራይ ግን (ሕሰም ኣይርከቡ) ሓደ ካብቶም ኣእዱግና ምእዛዝ ኣብዩ፡ተኸኽ ኣቢልዎም፡” በለኒ፡፡

.
ኣነ ድማ ብገርሀይ፡ “እዋእ እንታይ ደኣ ኮይኑ፧” ኢለ ተገሪመ፡ ጠየቕኩዎ፡፡
.
“ወዮ ኣድጊ፡ በቲ ኣብ ባድመ ዘርኣዮ ጅግንነት ተመኪሑ፡ ሓሰር-ንፋይ ኮነ ሳዕሪ ኣይበልዕን’የ ኢሉ፡ ምስ’ቲ ዘጥረዮ ዝና ዝማጠን ማዕርግ እናጠለበ፡ ሓንጊዱ፡” ኢሉ እናሰሓቐ መለሰለይ፡፡

.
ብዓጽሚ ዘይብሉ መልሓስ ሕቖይ ከምዝሰበረኒ ተረዲኤ፡ ብኣሽከዓላል “እዋእ እምብኣር ካብቲ ሓሻኪ፡ ፈንጅ-ረጋጽ፡ ጉዱድ ሰራዊትሲ፡ ኣእዱግ ዝሕሹሉ ዘመን መጺኡ” በልኩ፡፡ እንተኾነስ ካብ’ቲ ዕረ ዝጥዕም ሓቅስ ከምልጥ ኣይከኣልኩን፡፡ ዝኾነ ዘረዓይ ዝፈልጦ ሓቅስ፡ ሓንቲ ዝተናዕቀት ዓዲ ብኣእዱግ ከም ትውረር’ዩ፡፡

.
ብኣሻቡ ድማ ኣብ ዓሙቕ ሓሳባት ጠሓልኩ፡፡ ስለምንታይ’ዩ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ከልቢ ብባዕሉ ዝቐደዶ ዝብኢ-ክንዮ-መረብ ዘእተወ፧ ኢለ ተመራመርኩ፡፡ እቲ ሰኣን እልይ ዝገፈሐ ነገር፡ ዘምጸኦ ጥፍኣትን መከራን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣገሪሙኒ፡፡

.

ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ኣብ መስከረም ናጽነቱ ክዓውርሲ ዓገብ ዶ ኣይኮነን፡፡ ናይ ምንታይ ዕዳ መርገም’ዩ እዚ ኩሉ ሓሰረ-መከራ፧ ስለምንታይ ከምቲ ናይ ጥንቲ ሕጋዊ መናብርኡ “ንነገር ብወቐሳ፡ ንበደል ብካሕሳ” ኢሉ ካብ ሑሱም መቕዘፍ ደቁ ዘይድሓነ፧ እዚ ኩሉ ሓድጊ-ሃገር ዝኾነ መንእሰይ፡ ስሙ ንቕድሚኡ ኣይምኾነን፡፡ እዚ ከይኣክል ድማ ዳሕራዩ በኣሰ፡፡ ኣሎ ዝተባህለ ወራሲ-ሃገር ንኣደዳ ስደት ኣምሪሑ፡ ዓድታት ሃገርና ጸኒቱ ይባደን ምህላዎ’ዩ፡፡

.

ልክዕ ኤርትራ ብጭዋ ዝተሃዝበት ሃገር’ያ፡፡ ህዝባ ድማ ሕያዋይ፡ ፈቃር፡ ተቐባሊ-ጋሻ፡ ንሓቅን ፍትሕን ይስየፍ፡፡ ኣማን-ብኣማን’ውን፡ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ናቱ ዘይህብ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ’ዩ፡፡ እዚ ሕቡን ህዝቢ ካብ ሕነ ሕድገት፡ ካብ ባእሲ ዕርቂ፡ ካብ ዘረባ ስራሕ ይመርጽ፡፡ ብጅግንነቱን ተወፋይነቱን፡ ኣብ’ዛ እንነብረላ ክፍለ-ዓለም፡ ኣፍሪቃ፡ ውሑዳት’ዮም መዘንኡ፡፡
.

እሞ እንድሕር’ዚ ደኣ ኮይኑ ጸጋታት ባህሉ፡ ስለምንታይ’ዩ እቲ ያታዊ ባይትኡ ክቓድር ዘፍቀደ፧ ስለምንታይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንመላእ ኤርትራ ዓመጸ-ጉልቲ ግገብራ ዝዘንገዐ፧ ዓገብ! ሓደ ቀይዲ-በተኽ፡ ብስልጣን ዝዓበደ ሰብኣይ ብኢደ-ዋኒኑ፡ ናይ ሞትን-ሕየትን  ነጋሪት በይኑ ክብሕቶ ኣይምተገበአን፡፡
.

ባይቶኻ ኣይሰስን እምበር፡ ዶብካ ኣይተሓንጸጽ’ሲ ኣይመርገምን፡፡
.

ባይቶኻ ኣይሰስን እምበር፡ ዶብካ ኣይተሓንጸጽ’ሲ ኣይመርገምን፡፡ እዚ ዘበለኒ ከኣ ሃብቲ-ሃገርሲ ኣይካብ ዓውድን ካብ ባይቶ ስለ ዝኾነ’ዩ፡፡ ኩሉ ነገር- ሰላም፡ ፍትሒ፡ ምዕባለ- ካብ ባይቶና ስለ ዝፍልፍል፡፡ ባይቶና ከይ ቀደወ ዝቀዱ ጉዳይ የለን፡፡ እቲ ዝለዓለ ኣድህቦና ድማ ከመይ ጌርና ባይቶና ከም ንውንን ክኸውን ይግብእ፡፡
.

ጎረቤት ኮይኑ ናይ ዶብ ግጭት ዘይብሉ ህዝቢ ብጣዕመ ውሑድ’ዩ፡። ናይ ዶብ-ግጭት ተጠቒምካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል፡ ዝገብር ዘሎ መኸተ ህ.ግ.ደ.ፍ. እቲ ዝኸፈአ ሕድገት ዘይግበረሉ ገበን’ዩ፡፡ ውዒሉ-ሓዲሩ እዚ ናይ ዶብ-ግጭት ከምዝፍታሕ ኣየካትዕን፡ እቲ ሰናይ ጉርብትና’ውን ቦትኡ ከይሓዘ ኣይተርፍን፡፡ እቲ ዘየጠራጥር ሓቂ ግን፡ እቲ ብጽሓይ ዝኣበየ ብማይ ከም ዝሕርስ፡ እቲ ብዓመጽ ዝኸደውን ብፍትሒ ክምዝምለስዩ፡፡
.

ምስ ኣሕዋትና ኢትዮጲያውያን ብሓፈሻ፡ ምስ ተጋሩ ከኣ ብፍላይ፡ ብስርዓት ክንዳነ እምበር፡ ካብ ዘይብልና፡ ብዝተሸመተ ባዕዳዊ ብረት ክንዳመስ ኣየምሕረልናን፡፡ በቲ ሓመድ-ኣዳም ስኢኑ ምእሮ ኣራዊት ዝኾነ ኩቡር ሂወት-ሰብ፡ ኣዴታት መደበሲ ስኢነን ወትሩ ንብዓት ካብ ኣዒንተን ክዛሪ፡ ኣብ ምንቲ-ምንታይ፧ እቲ መይቱ እቲ መይቱ እቲ ሓዘን ዘይናይኩላትና’ዩ፡፡ ወያናይ መይቱ ዝሕጎስ ኤርትራዊ፡ ዋርሳይ መይቱ ዝድሰት ትግራዋይ የለን፡፡ ሓደ ኣፍንጭኡ ተሃሪሙ፡ እቲ ካልኣይ ዓይኑ ዝነብዕ፡ ዓጽመ-ስካ ዝኾና ኣህዛብ ኢና፡፡ ጽልኢ ግን ከም ትኪ ንኹሉ ስለ ዝልክም፡ ነፍሲ-ወከፍና መገዲ ስሒትና፡ ከም ዓሻ ሰበይቲ ወዲ ሓምታ ዘይወዳ ዝመስላ፡ ከም ጓኖት ተራሓሒቕና  ክንዳመ ዓቢ ገበን ፈጸምና፡፡ እቲ ዘገርም፡ እዞም መሽረፈት ሒዞም ውግእ ዘንበድበዱ፡ እቶም መሓውሮም ፍርቑ ኣብ መረብ-መላሽ ፍርቁ ድማ ክንዮ-መረብ ዝተሸኽለ’ዩ፡፡

.
ህዝቢ ኤርትራ ግን መሰል-ባይትኡ ተቐንጢጡ፡ ዋና-ባዕሉ ስለ ዘይኮነ፡ ኣፉ ብልኹቱ፡ ኢዱስ ውሑዳት ቶኾሉ ደኣ ተባኣስሉ፡፡ እዞም ውሑዳት ሓልየትን ሓላፍነትን ዘይስምዖም ዕንደራ-ጉጅለ፡ ነዚ ኩሉ መንእሰይ ከም ዘይኢዶም ርእዮም ኣብ እንዳ ዕንቅሪቢትን ተመንን ኣእትዮም ኣህለቕዎ፡፡ እዚ ከይኣክል ድማ ነቲ ዝተረፈ ዋርሳይ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግልግሎት ኢሎም ንባርነት ፈረድዎ፡፡
.

ህዝቢ ኤርትራ ኣብክንዲ ብግዝያዊ ጭንቂ ተገዚኡ፡ ህድእ ኢሉ ብጥበብን ትዕግስትን፡ ንዘለዓለም ዝኸውን ዕርቂ እንተዘነናዲ ምሓሸ፡፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መርፍእ ዕርቂ ዝሓለፎ፡ ፈትሊ ፍትሕን ሰላምን ይስለፎ፡፡ ብዘይ ዕርቂ ክመጽእ ዝኽእል ሰላም ወይ ፍትሒ የለን፡፡ ምስ ጎረባብቲ ስኒት ዘይብላ ሃገር ዝረሃዋ የለን፡፡
.

ዘመን ከም መንግስቱ
.

ዘመን ከም መንግስቱ’ዩ፡፡ እቲ ብልሹው መንግስቲ ሕማቕ ዘመን፡ እቲ ጥዑይ ከእ ጥዑም ዘመን የምጽእ፡፡ እቲ ቀንዲ ሰበብ ናይ’ዚ ዘስካሕክሕ ህሉው-ኩነት፡ ዘይቡቑዕን ቀይዲ-በተኽን ዝኾነ መሪሕነት’ዩ፡፡ ላዕላዩ ዘይጸረየ ታሕታዩ ድማ ክጸሪ ስለ ዘይኽእል፡ እቲ ዓቢ ክፋል መርመራና ናብኡ ዝጠመተ ክኸውን ናይ ግድን’ዩ፡፡ እዚ ሓሬት ስርዓት ዝግ ኢሉ ከይጸረ፡ ኣበይ ክርከብ ቅሳነት፡፡
.

ነዚ ወዛል መሪሕነት ከተለልዮ ከቢድ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራ ብሕጊ ወይ ትካላዊ ኣሰራርሓ እትምሕደር ሃገር ኣይኮነትን፡፡ እዞም ሓደግትን-ገደፍትን ዝኾኑ ሰበ-ስልጣናት፡ መብጽዓ ስውኣት ኣሕዋቶም ዝጠለሙ፡ ውሕዳት ዑሱባት-ረብሓ ’ዮም፡፡ እቲ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ዓራት ስልጣን ኩድጭ ኢሉ ዘሎ፡ ውልቀ-መላኪ ኣይተ ኢሰያስ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ሓደ-ክልተ ናይ ዕንደራ ጉጁለ፡ ናይ’ዚ ህሉው-ዘመን ዘመተ  መሳፍንቲ ’ዮም፡፡ ናይ ግሊ-ረብሓ ዝዓጠጦም፡ ንዓይ እምበር ንህዝበይ ዘይብሉ፡ ቆርበት በጊዕ ዝለበሱ ጎሓሉ ምዃኖም ኣይንረስዕ፡፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝወሓጥዎ ናይ መትከል ጸጸር ስለዘየለ፡ ኣብ’ቲ ናይ ፈተነ ሰዓት ብከብዶም ከምዝግዝኡ’ውን ኣይንስሓት፡፡
.

ኣብ ማእከል ግራትና ዝቦቖለ ጻህያይ
.

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ መራሕቲ ጉድለት ዘይከሓድ ሓቂ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጠሪሹ ግደ/ኢድ የብሉን ማለት ኣይኮነን፡፡ እዚ ቀይዲ-በተኽ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ማእከል ግራትና ዝቦቖለ ጻህያይ’ዩ፡፡ እዚ ኣብ እዋኑ ዘይተጻህየ እከይ- ውልቀ-ምልኪ- ሕጂ ኣብ ክሳድና ቸይቸይ እናበለ መንጉዳ-ደርሆ ይእዝዝ ኣሎ፡፡
.

ቀደም ከይሳዕረረ ነይሩ እቲ ክውሰድ ዝግበኦ ስጎምቲ፡፡ ነዚ ዝተረድኡ ለባማት ቀዳሞት ከም’ዚ በሉ፡-
.

 “ቀደም ነበረ’ምበር ቀልጠፍካ ምስላፍ፡
 ሎሚ እንታይ የዓብስ ተኣሲርካ ምልፍላፍ፡፡”
.

እዚ ብስክፍታ ዝነቕፎ ዘለኹ ህዝበይ፡ ሓጥያቱ ክጽብጽብ ዘይኮንኩስ፡ ነገር ብወቐስ ከምዝፍታሕ ስለዝኣምን’የ፡፡ ማዕዳ ምስ ተጋገኻ ይርከብ ወይ ካብ ለባማት ተማሂርካ፡፡ እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ጉድለትና ተረዲእና፡ ሓላፍነትና ከም ሳዕሪ ዓቲርና፡ እዚ ዛጊት ዘይረወየ ናይ ነዊሕ ጽምኣት ሓርነትናን፡ ማእለያ ዘይብሉ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን፡ ምስኡ ዝማጠን ቅያ-ታሪኽ ምእንቲ ክንጣበብ’ዩ እቲ ባህግን ሽቶን፡፡
.

ኣሹንኳይ ሃገርሲ፡ ከርሲ ኣደ’ኳ ጉራምራ፡፡

.
እዚ ክብን-ለጠቕን እናበለ ዝምርሽ ዘሎ ፈለግ ታሪኽና፡ ብግቡእ መሚና፡ ብመንፊት-ሞኽባዕትን ዓለባን ጸሙቕና፡ ኣድላዪ ዝኾነ ጽገናን ምምሕያሽን ክንገብር ዓቢ ግዴታ ኣሎና፡፡ መጻኢ-ዕድል ሃገርና ኣብ ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብዘይ ሌላን-ጉሌላን፡ ስለ’ትርከብ፡ ኢደይ-ኢደይ ኢልና እንሰምረላ እዋን ክትከውን፡ ኣብ ሓቂ ዝተሰረተ ኣረዳድኣ ክህልወና ይግባእ፡፡
.

ህዝቢ ከይሰመረ ዝዕምር ዓዲ ስለዘየልቦ፡ ቅድም-ቀዳድም ሓድነትና ኣብ ከውሒ ክንስርቶ ኣልና፡፡ ፍልልይ ናይ ራኢ፡ ፍልስፍና፡ መበቆል፡ ሃይማኖት፡ ነገድ፡ ጉልቲ፡ ጾታ ነውሪ ኣይኮነን፡፡ ብኣንጻሩስ፡ ዓቢ ጸጋ፡ ምንጪ መሃዝነት፡ ዋሕስ ሓርነታት፡ ዋልታ መሰላትን’ዩ፡፡ ቡዝሕነትና ክፍራሕ ዘይብሉ ብልጫ ሃገር’ዩ፡፡ ኣሹንኳይ ሃገርሲ፡ ከርሲ ኣደ’ኳ ጉራምራ፡፡

እሞ’ተ ሓቅስ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝኣመትክዎ፡ ደቂ-ዓዲ ምስ ደቀስና’ዩ፡ ሃገር ዝተባሳበሰ፡፡ ነዚ ኣብ ውሽጥና ዝሰሰነ ውልቀ-ምልኪ ክፍጠር ዘኽኣልና ኩሉና ኢና፡ ዜጋዊ ሓላፍነትና ስለ ዝዘንጋዕና፡፡ እቲ ሓቢርና ክንዝትየሉ ዝግበኣና ባይቶ-ሃገር፡ ብውሑዳት ሓደግትን-ገደፍትን ዝኾኑ ናይ ዕንደራ-ጉጅለ ክትሕዛእ ኣፍቂድና፡፡ ኣብ መጀመርታ “ትኣምኖ ሊእኽካ እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል” እንዳልና፡ ነቕርቦ ዝነበርና ዑቡር ምኽኒት፡ ነቲ ስርዓት ቅጥዒ ዘይብሉ ልቸንሳ-ዕንደራ ኮይንዎ፡፡ ልክዕ’ዩ እዞም ሎሚ ብስልጣን ሰኺሮም ዓቢዶም ዘለው፡ ንነዊሕ እዋን ተቓሊሶም ሓርነት ዘምጽኡ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፡ ብግዲ ኮይኑ ብውዲ፡ ቁሩብ እንተተለገሰሎም ነውሪ ኣይኮነን ዝነበረ፡፡ ናትና ልግሲ ግን ሓለፋ ነይርዎ፡ ኣብ ዕሽነት ዝተቐየረ ኮይኑ፡፡
.

ሽሕ እንተፈተኻዮ መንግስቲ
ቀረጽ ትኸፍሎ ጸበል’ውን ተስቲ፡
እምበር ኣሕሊፍካ ኣይትህብን ርስቲ-ጉልቲ
ረብሓኻን ረብሑኡን ኣይቲ ኣይቲ
ኣጅቦ ዶ ይብላዕ ምስ እሕምልቲ፡
ኣይጥዑምን’ዩ ንዳሕራይ መዓልቲ
ናብራኻ ምስ ኮነ መሓዩር ዘይወግሕ ለይቲ፡፡

.
ናትና ግን ካብ ቀዳማይና ዳሕራይና ገዲዱ፡፡ መጎጎ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ምርሳኑ ክቕህም እንዳረኣና፡ ከም ቀዲሙ ዝሰወተ መሸላ ብዑፍ-ህግደፍ ከይንብላዕ ፈራሕና፡፡ ስቕና ከይኣክል ድማ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” እንዳልና፡ ዓይንና እንዳረኣና ባዕልና ዓወርና፡ እዝንና እንዳሰማዕና ባዕልና ጸመምና፡፡

እታ ብደም ኣንጭዋ ዝተሰርሐት መንደቕ-ሃገር ግን ድምጺ ድሙ ሰሚዓ፡ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ትነብር ኣላ፡፡

.
እቲ ስርዓት’ውን ካብ ፍርሒስ ነጻ ኣይወጸን፡፡ ኣይተ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ጭራ ነብሪ ዝሓዘ ጌሩ ተቖጻጺርዎ ኣሎ፡፡ ነታ ጭራ ምስ ዝፍንዋ፡ እንታይ ከም ትረኽቦ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ፡፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ ሳዕሪ ብድሕረይ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ኣመራርሓ ዝኽተል፡፡
.

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓልዮት ዝለገሰሉ ሰናይ ምንዮት፡ ኣይተ ኢሰያስ ባዕሉ ደጊም ጸንቂቕዎ’ዩ፡፡ እዚ በቸካ “ኣነ” ካልእ ዘይፈልጥ ቃንቁኡ፡ እቲ ዝበልዓሉ ጻሕሊ-ስልጣን ባዕሉ ይሰብሮ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚስ ሞት ዘይትርፍ ፍርሃት ንየው በሎ ዝብለሉ ደረጃ በጸሐ፡፡ ጠለብ ለውጢ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ብጭቕ-ብጭቕ እናለ፡ ወገሐ-ጸበሐ ክትኮስ ትንይ-ትንይ ዝብል ዘሎ እሳት’ዩ፡፡ እታ እዋን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. “ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ” እትበሃለላ ቀሪባ’ያ ዘላ፡፡ እታ ቅድሚ ሕጂ ዘምለጠት ጸሓይ ነጻነት፡ ደጊም መሊኣ ክትበርቕ ምኻና ኣየጣራጥርን፡፡
.

ነገር ኣብ ምጅማሩ
.

ነገር ኣብ ምጅማሩ እንተተኣለየ’ዩ ጥዑም፡፡ ልክዕ እታ ሓርቢ-ሃገርና’ውን ኣብ ምንፍሓ ዘይኮነትሲ ኣብ ምጥብሓ እያ ተባላሽያ፡፡ ኩሉ ወዲ-ሃገር፡ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ሽማግለ ይኹን መንደላይ፡ ገባር ይኹን ተጋዳላይ፡ ክስታናይ ይኹን ኣስላማይ ዝሳተፎ ዋዕላ ኣብ ክንዲ ንገብር፡ ሃገር ኣብ ሽማግለን መኬታይን (ዝተጋደለን ዘይተጋደለን) ጎዛዚኻ፡ እቲ ዝበዘሐ ህዝቢ ኣብ ገዛ-ዓዱ፡ ከም ማእከላይ-ዓሌት ተቖጺሩ፡ ከይ ሞተ ከሎ፡ ኣብ ደገ-ሰላም ክትቅበር ሞባእ ክፈል ተባህለ፡፡
.

እቲ ዓቢ ጉድለት ኣብክንዲ እዝጊ፡ ሰብ ኣሚና፡፡ ኣይትእመን ሰብ ከይሞተ፡ መሸላ ከይሰወተ ዶ ኣይኮነን ዝብል ማዕዳ ቀዳሞት፡፡ ብግቡእ ዘይዓቀብናዮ ታሪኽ ግን ምስ ቀዳሞት ከራኽበና ኣይከኣለን፡፡ እሞ ቀዳማይ ስሕታን ካልኣይ ዕብዳን ከይኸውንሲ፡ ካብ ጌጋታትና ደኣ ንመሃር፡፡ ክሳብ መዓስ መሰልና እናተዘረፈ ስቕ ክንብል፡፡
.

እቲ ዝኸፈአስ፡ እቶም ሓደ-ክልተ ለባማት ነዚ ዓቢ ስሕታን ተረዲኦም ኣእውዮም፡ ክውቅዑ ከለዉ፡ ልብና ዋል’ኳ ኣይሰምበረን፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ መከራስ ከም ዋንጫ መለሊኽ ንኩልና ብብተራ ተዓደለና፡፡
.

ነጻነት ምስ ሓቂ፡፡
.

ነጻነት ብዘይ ሓቂስ ነባሪት ኣይኮነትን፡፡ ሓቂስ ዋላ ዕረ ትጥዓም ደኣምበር፡ ክትወሓጥ ዘለዋ ሃንዛ-ሂወት’እያ፡፡ ጉድለትና ከይተረድኣና ኣድላዪ ጽገና ክንገብር ኣይንኽእልን፡፡ ነዚ መሰረታውን መባእታውን ስሕታን ቅድሚ-ኣገረ ክንርድኦ ኣለና፡፡  እቲ ኣብ ዝባን ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣዳራዕ-ሕሰም ፍሉጥ’ዩ፡ ብኡ ምዝራብ ከኣ ኣብ በራቕ-ጸሓይ ፋኑስ ምብራሃ ይመስል፡፡ ዝኾነ-ኮይኑ ግን፡ እቲ ቀንዲ ሳዕቤን ሓሰር-መከራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሓፈሻ፡ ውልቀ-ምልኪ ኣይተ ኢሰያስ ድማ ብፍላይ ምዃኑ ፈሊጥና፡ እቲ ሎሚ ክንገብሮ ዝግበኣና ንጽባሕ ኣይነባኹሮ፡፡ ፍታሕ ናይ ሽግርና ንግዜ ምሃብ ንጥቕምና ኣይኮነን፡፡ ዝሞተ ምስ ሞተ፡ ዝስደድ ምስ ተሰደ፡ ንመን ሒዝና ኢና ኣብ ሃገር ክንተርፍ፧ እታ ሃገር ከ ንመን ኢያ ክትከውን፧
.
ስደት ፍታሕ ኣይኮነን!
.

ካብዚ ከርፋሕ ናብራን ባርነትን ምምላጥ ዝግበር ናይ ስደት ጉዕዞ ዋላ’ካ እንተተረድኣኒ፡ ስደትሲ ግዝያዊ ፍታሕ ደኣ’ምበር ነባሪ ፍታሕ ኣይኮነን፡፡

እዚ ዋሕዚ ስደት ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ ህላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክኣቱ’ዩ፡፡ ዋርሳይ ኣሰር ቀዳሞት ኣቦታት ተኸቲሉ ምእንቲ ፍትሕን ክብረት-ዓደቦን ደኣ ክቃለስ ኣለዎ እምበር፡ ስደት ቀሊልን ቀረባን ፍታሕ ተሓሲቡ፡ ንሃገር ራሕሪሕካ ምውጻእሲ፡ ነቲ ኩሉ ዝፈሰሰ ደም ንጹሃት ዜጋታት ኮንቱ ምጥፍኡ’ዩ፡፡ ንባዕለይ ኣብ ወጻኢ እናተቐመጥኩ ከምዚ ክብል ምናልባሽ ኣየምሕረለይን እኸውን፡፡ ናይ ሕልና-ስልጣነ ስለ ዘለኒ’ውን ኣይኮንኩን ከምዚ ዝብል ዘለኹ፡፡ እንታይ ደኣ “ወርቂ እንተጠፈአስ ሚዛን ወርቂ ስለ ዘይጠፍእ፡፡” ልሳን ሰብ ድማ ኣብ ከርሲ-ልቢ ዘሎ እንተተዛረበ’ዩ ጉሩም፡፡ ሓቂ እንተተዛረብና ጥራይ’ዩ ሽፋ ዝኾነና፡፡
.

ሓሳብ-ሰብ ከም ጭራ ከልቢ ላዕሊ-ላዕሊ ስለ ዝጥምት፡ ኣነ’ውን ትጽቢተይ ኮነ ባህገይ ከልዕሎ ስለ ዘለኒ’የ እምበር፡ ንዋርሳይ ምውቃስ ኣይኮነን፡፡ በደል ዋና ዘይብላ ደኣ ኮይና’ምበር፡ እዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ኣምጺኦም፡ እዞም መራሕቲ ዝበሃሉ ባዕሎም ካብ ስልጣን ወሪዶም ንሃገር ክድብሱ ምስተገበአ፡፡ ወራዙት ኣብ ፈቐዶ ዓለም ከምኡ’ዮም ዝገብሩ፡፡ እዞም ኩርዓትን ክብርን ዘይስምዖም ወዲኒ ክሓንኹ ኢልካ ምጽባይ ዘበት’ዩ፡፡
.

እቲ ጭዋ ባህልና ነውሪ ዝብሎ፡ ከም ሽጣራ ወሲዶም የሕበንሉ፡፡ እቲ ሓላልን ሓራምን ዝፈሊ ደረት ኣፍሪሶም፡ ብዓይኒ ዕዋልን ወዲኒን ንኽሉ ይርእይዎ፡፡ እቲ ብፍርሒ እግዝኣብሄርን ፍቕሪ ስድራቤትን ተኾስኪሱ ዝዓበየ፡ ሕልነኡ ዝወቕሶ ዜጋ፡ ኣድሓርሓሪ ተባሂሉ ይውገድ፡፡ እዚ ናይ ሕልና ስደት እቲ ዝኸፈአ መግረፍቲ’ዩ፡፡ ክንደይ ለባማትን መስተውዓልትን ደቂ-ሃገር ብጎዲም ካራ-ህግደፍ ይሕረድ ኣሎ፡፡
.

ብበዓለገ ትምራሕ ዓዲ ግን ኣብክንዲ ትስስን እናሓደረት’ያ ትሓንኽ፡፡ ናይ ባህልን ሕልናን ኩርዓት ዘይፈልጡ ሓደሽቲ ወለዶ ከኣ ተዕቢ፡፡ እዚ ባህላዊ ቅሉውላው ዘኸትሎ ዓቢ ሽግር’ዩ፡፡ ብተፈጥሮ ኩሉ ኣህዛብ ዓለም ሓደ’ዩ፡ እቲ ዝፈልዮ ባህልን ሕልናን’ዩ፡፡ ክብሪ ሃገርን ምዕባሌ ህዝብን ዝውስን’ውን ባህልን ሕልናን’ዩ፡፡
.

ብግዲ ወይ ውዲ፡ ሕጂ’ያ ለውጢ
.

ሓደ-ሓደ ሰባት ምእንቲ ኣመሎም ከመይ ጌሩ’ዩ ኣይተ ኢሰያስ ንብይኑ ነዛ ሃገር ዘዕንዋ ኢሎም ናይ ጥርጣረ ሃዋሁ ክዘርኡ ይፍትኑ’ዮም፡፡ እዚ ግን ናይ ቃላት ውሕልነት ናይ ሞጎተ ጭልነት ደኣ ይመስሎም እምበር፡ ካብ ሓቅስ ጠሪሹ ዝረሓቐ’ዩ፡፡ ከምቲ ሓንቲ ቁማል ንሰብኣይ ስሪኡ ተፍትሖ፡ ሓደ ሑሱም ሰብ’ውን ንዓዲ ምሉእ የርዕዶ፡፡ ሓድነቱ ዝዕበረ ህዝቢ ብሑሱም ሰብ ክድፈር ቀሊል’ዩ፡፡ እቲ ሎሚ ብጻዩ ክድፈር ዓገብ ዘይብል፡ ንጽባሓይቱ ናይታ ሕሰም ሑጹይ ምዃኑ ኣይስሓት፡፡
.

ፍርሒ ዝሰፈሮ ሕብረተሰብ ሕድ-ሕድ ምትእምማን የብሉን፡፡ ምትእምማን ዘይብሉ ከኣ ንብዱል ክዘሪ ኣይኽእልን፡፡ ክዘሪ ዘይክእል ሕብረተሰብ በብሓደ ይድህለል፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ሓድነቱ ተዘላዚሉ ከም ጅር ዘይብሉ ሰብ ብማንም ይድፈር፡፡ ምልካዊ ስርዓት ንቶም ኣለው ዝበሃሉ፡ ዓገብ ክብሉ ዝኽእሉ በብሓደ እንዳለቐመ ይደቕሶምን የጃጅዎምን፡ ኣብነት ከኣ ይገብሮም፡፡ እቲ ካልእ ድማ እንታይ ገደሸኒ ዝቕደም ኢሉ፡ ኩሉ ኣዋዲቑ ናብ ዕለት እንጀርኡ ጥራሕ የድህብ፡፡ እዚ ክንዮ ኣፍንጫ ክርኢ ዘይኽእል ኣተሓሳስብ፡ ንሓጺር ግዜ እኳ እንተሰረሕ፡ እቲ ግመ-ድንቁርና እናተቐንጠጠ ምስከደስ፡ እቲ መሶብ እንጀራስ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ እቲ ጨኳነ ምልካዊ ስርዓት’ዩ ዝኣቱ፡፡ ኣብ መጠረሻ መሬት፡ ንብረት ጥራሕ ዘይኮነስ ወዲ እዳም-ሂዋን ‘ውን በቲ ስርዓት ይውነን፡፡ እቲ ዝሓሸ ቅድሚ ውሕጅ ምልካዊ ስርዓት፡ መንገዲ-ነጻነት ምጽራግ እኳ እንተኾነ፡፡ ሕጀ’ውን ነቲ እከይ ስርዓት ካብ ሱሩ ቦርቁቕና ኣስር-ልምጽማጹ ኣጥፊእና፡ ቅዋማውን ዲሞክራሳውን ስርዓት ክንተክል ኣሎና፡፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቡዙሓት ዲጋታት ዘሪሐ ኢሉ ይምካሕ፡ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ውሕጅ-ህዝባዊ ተቓውማ ዝቆጻጸር ዲጋ ግን የብሉን፡፡
.

ህዝቢ ሓኸለ’ዩ፡ ዓቢሩ ኢልካ’ውን ኣይሕደግን፡፡ ግዜ ደኣ ይወስድ እምብር፡ ኣብ መወዳእታስ ህዝቢ’ዩ ’ውን ዝስዕር፡፡ ሓይሊ ህዝቢ ብዘይ ስምረት ኣይስስንን፡፡ እቲ ዝበለጸ ሓድነትሲ ብሓቅን ተግባርን ደኣ’ምበር፡ ብቃልን ልሳንን ኣይኮነን፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ብሓንሳብ ንትስእ ብሓንሳብ ንወድቕ፡ ብሓንሳብ ንስስን ብሓንሳብ ንማስን፡፡ እዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣምጺእዎ ዘሎ ዘይምትእምማን ባህሊ ክንሰብሮ ኣለና፡፡ ከምቲ ናይ ቀደምና ብምትእምማን ኣብ ቤት-ቤትና ኮይና፡ ሓወይ-ዓርከይ፡ እህን-ምህን እንዳልና ንላዘብ፡፡ ከም ዝብኢ ክሳብ ንዳሎ ንሓንክስ፡፡ እዚ ብሑጋ ኣትዩ ኣብ ውሻጠና ኮይኑ ዝዕንድር ዘሎ ጉሕላ ኣብታ ንብጸቱ ዝኾዓታ ጉድጓድ ክቕበር’ዩ፡፡ ኣይተ ኢሰያስ ነታ ጭራ ነብሪ ጥራሕ ክፍንዋ ምግባር፡፡ ምስጢር ዓወትና እዚእ’ያ፡፡
.

ለውጢ ሕጂ፡ ብግዲ ወይ ብውዲ፡፡
.

weriz@yahoo.com

You can also reach me via Face Book and Twitter.

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares