Awate.com

ብርዒ ዓዋተ…

ብርዒ ዓዋተ :- ኣብ ቲሕቲ ዝብል ኣርእስቲ:
ጹሑፋትን : ዝተፈላለየ መልእኽቲ ሓዘል መደባትን: ዓቅሙኹም ተወፍዩሉ መድረኽ ክፍጠር ይጸዓር ኣሎ እሞ ሃየ ንሰጉም: ንሰሰን ንበላ::

(መኽፈቲ ኣፍ)…..
ን መኽፈቲ ኣፍ ኢለ ዘዳለኹዋ ግጥሚ ዘይኮነት ግን ሰነ ጹሑፋዊት ግጥሚ መሳሊት ሃየ ተጋበዙዋ::

ለውጢ
ለውጢ መስርሕ’ዩ
ለውጢ እምነት’ዩ
ብእምነ ኩርናዕ ዝውሰን
ለውጢ ብጉሉጽነትን: ተሓታትነትን:ዝንደቅ
ብህንካን ሃባን ዝምረቅ
ብሰብ ውራይ ዝደምቅ
ናይ ቀጽላታት ስእሉ
ሓርነት ምስሉ
ንኣነንትነት ዘባህርር
ቡዙሕነት ርእቶ ክህሉ ባይታ ዝፈጥር
ክሉስ ናይ ሃዋርያት እምነተ ለበዋ : ናይ ቁዱሳን
ክዳን’ዩ::
ቡዙሕነትና
ሽምና እምነትና
መልክዕ ሓድነትና’ዩ
ውሑስ ዝገብሮ
ክዳን ዘልብሶ
ግና…
ምክብባርና ምክእኣልና
ሓድሕድ እምነት ምስ ምጻር’ዩ::
ኩሉ ከይዲ ብቅዋም ዝስረተሉ
ሉዕላውነት ሕጊ ዝክበረሉ
ብልሽውና ዝመሓውሉ
ናይ ዉሑዳት እጅታ ክይትኸውን ንኹሉ ዘሳትፍ ቆጽሊ ዝተነብረሉ…
ጋሳ ዝምረጸሉ
ብናይ ከይዱ ጉዙኣት
ብናይ ወከልትና ርእቶ ምእዙዛት
ንሃገር ዋልታ ምስ ምኻን’ዩ::
ለውጢ ዝበሃል::
ነዚ ገዲፍና ምስ ዝመጸ ንፋስ ኣይ ንዘዙ
ንግረር መንገዲና ንምረጽ
ክሓይሽዩ እንዳ በልና
መሊሱ ከይከፍኣና
ክውግሕዩ እንዳበልና
ከይ መስየና
ፍልልያትና ኣጽቢብና
መፍተሒ ንድለ ነቲ ሽግርና
ንፈልሞ ከኣ ቲ’ጉዕዞና
ተደጋጊፍና::
ዳሕራዋ’ዩ ከይ ገድድ :ዱጉል ሓዊ ሑዱር ሕማም ብዕበጦ ዕበጦ ኣይ ንግስዮ:
ብውሕልልናን ንቅሓትን
ድልየት ህዝብን ንመክቶ።

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares