Awate.com

ብመሓመድ ብርሃን ብላታ: ኣረዒል ኣልኣወል ቀዳሞት ናይ ስሳታት ተጋደልቲ

ብኣጋጣሚ ሾሞንተ መጋቢት ዓለምለኻዊ በዓል ደቀንስትዮ ብሃገርን ኣህጉራውን ደረጃ ብክብ ዝበለ ክብዕል ከሎ፡ ኣብዚ ኩቡር በዓል’ዚ ደቀንስትዮ ንሑሉፍ ታሪኽ ጠቀስ  ድሕረባይታዊ ኣመጻጽአንን፡ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዓለምና፡ ኣብቲ ዝነብራሉ ሕብረተሰብ በብድረጅኡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዘን ዘሕለፈኦ መሪር ስቓይን ድርብ ጭኮናን፡ ከም ደቀንስትዮ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ዘሕለፈኦ ታሞኩሮአንን፡ ከምኡ ውን ኣብ ኩሉ ዝተኻየደ መስርሕ ቃልሲ፡ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ስነን ነኺሰን ከም ደቀንስትዮ ንኹሉ ከጋጥመን ዝኽል ጸገማት ብሓቦን ተጻዋርነትን፡ በዲሀን፡ ማዕረ ደቀተባዕትዮ ተሰሪዐን ኣብ ምብዳህ  ንምልካዊያን ስርዓታት ይኩኑ ነዖኦም ዝመስሉ ጨኮንትን ጨፍለቕንት ደገፍቶም ንምድምሳስ ዝተበገሱ ሰውራታት ዓለም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣቡኡ ዝተሞርኮሰ  ዝተኻየደ ኣብ ፓሎቲካውን  ቁጠባውን ማሕበራውን መዳይ፡ ደቀንስትዮ ተሳትፎአን ዕዙን ኮይነ ኣብ መቐይሮ ናይ ታሪኽ ምዕባሌታት ብተግባር ኣረጋጊጸን ኣብዚ እዋን’ዚ መድረኽ ዝጠልቦም ንሃገርን ሰፊሕ ህዝብን  ዝምልከቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ዝሓለፈን ህልውን ኩነታተን ኣብ ደቂቕ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ዝግምግማሉ ንኹሉ በዲሀን ህላውኤን ብተግባር ኣራጋጊጸን ናይ መጻኢመደባተን ንራብሓ ሓፋሽን ህዝብን ሓድነቱ  ዘውሕስ  ብንጹር  ኣብ  ሃገራውን ፖሎቲካውን  ቅኑዕ መስመር  ዝሰረቱ  ራኢ መደባተን ሰሪዐን ንዝሓየለ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ቅድሚ  ሕልነአን መብጸዐአን  ዘሐድሻሉ መዓልቲ ስለ ዝኾነ  ብኹሉ  መዐቀኒትት ክረአ ከሎ ትርጉም ናይዚ በዓል’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ። 

ብደረጃ ሃገርና  ኤርትራ ክንርእዮ ከሎና ካብ ኣርባዓታት  ጀሚሩ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ሃገራውን ታሎቲካውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ክሳብ ኣብ  ምእዋጅ ብረታዊ ቃልስና ኣትሒዙ ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ተራ ኤርትራዊ ጓል ኣንስተይቲ ዓቢ ግደ ከምዝነበሮ ተሞኩሮናን ታሪኽ ቃልስናን ዘዘንትዎ ሃቂ እዩ።

ዝከበርክን ናይ ስሳታትን ድሒርክን ኣሰረን ዝተኸተልክን ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ ዓለምለኻዊ ዝኽሪ በዓል ደቀንስትዮ፡ ከም ተቓለስቲ ኤርትራዊያን ዓለም ክመሃረሉ ዝግበኦ ኣብ ታሪኽ ዝተሓንጸጸ ፍሉይ ተሞኩሮ ስለ ትውንና፡ ንሕሉፍ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሓፋሽኡ ምርኣይን፡ ነዚ ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ንሃገርና ኤርትራ ዘንጸላልዋ ዘሎ ከቢድ ድነን ዝፈታትኑዋ ዘሎዉ ዓበይትን ኣስጋእትን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰውራዊ ተሞኩሮኽን ኣዝዩ ዘሕብን ታሪኽ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ከም ቀደምክን ነዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ግምት ብምእታው ንሓይልታት ታቓውሞ ካብ ወገናውን ዓልየታውን ሃይማኖታውን ድሑር ዝምባሌታት ነጻ ኮይኑ፡ ኣብ ምጥርናፉን  ምድልዳሉን፡  ቡኡ ኣቢሉ ንጹር ሃገራዊ ፖሎቲካዊ መምርሒ ወኒኑ፡ ኩሉ ተሞኩሮኡን ዓቕማታቱን ንምእላይ እዚ ንሃገርና ዘሳቕያን ዘጽንታን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምእላዩ ንምቅልጣፍ ዓቢ ግዴኽን ክትጻወታ ከም እትኽእላ ኣይንጠራጠርን።

ዝኸበርክን ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ተሞኩሮ ሰውራ ኤርትራ እንተደኣ ርኢና እቲ ዝዓበየ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ደቀንስትዮ ቀንዲ መለለይኡ ብዚይ ቀጥታዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ ህዝቢ ኣይክህልውን እዮ፡ ዝብል ሃገራዊ ፍናንን ሕልናን ዝተሓወሶ ሰውራዊ ጭርሖኽን ንቓልሲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ዝተናውሐ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ብማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ተሰሪዕክን እቲ ቀንድን መስረታውን ዝኾነ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ሰውራ ኤርትራ ንምትግባሩን ምዕዋቱን፡ ኣብ ዝተፋላለየ ናይ ስራሕ መዳያት ተመዲብክን ንኹሉ ዝጓነፈክን ጸገማት ብሓቦን ትብዓትን ሰጊርክን  ናይ ኩለን ክቃለሳ ዝደልያ ኣብነት ኮንክን ከምቲ ዝደለን መድረኽ ዝጠልቦን ቃልስኽን ኣሐይልክን ብተግባር ምርጋጋጽክን እቲ ሓቀኛ መምዘኒኽን ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ኩርዓትን ሓበንን  እዩ ክንብል ከሎና፡ ንህልውን መጻእን ወሎዶና ክማሃሮን ክኽተሎን ዘኽእሎ ሓቂ እዩ።

ብመሰረቱ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሱ ከበግስ ከሎ ቀንዲ ዕላምኡ ካብ ናይ ዘማናት መግዛእትን ጭኮኑኡን ንምግልጋል ክኸውን ከሎ ፡ ብዘይ ሕለል ተባዕ ህዝባዊ ቃልሱ ኣካይዱ ዝተማልአ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ ንሱ ዝውንና ክብርቲ ሃገር ኮይና ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ ሓቀኛ ዶሞክራስን ማሓበራዊ ፍትሕን ተሓልዩሉ፡ ባዕሉ ንባዕሉ ብነጻ ድልየቱ ክመሓደር ክኽእል ምእንቲ እቲ ዝዓበየ ትምኒቱን  ትጽቢቱን እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከም ዝበሃል፡ ነቲ ንዓመታት ብጅግንነትን ትብዓትን ተቓሊሱ መዘና ዘይርከቦም ናይ ብሉጻት ዜጋታቱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጻ ሃገር፡ ሎሚ ብውሑዳት ተቓለስቲ ኔርና በሃልቲ ተጨውያ ክብሪ መሰላ ተገፊፉ ካብ ናይቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብኣዝዩ ዘኸፍአ ንኽትገልጾን ክትኣምኖን ዘጸግም መሰል ዜጋታታ ተጋሂሱ ክትሳቐ ትነብር ምህላዋ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ምህላዉ ንኹልና ቡሩህ እዩ።

እዚ ማለት ህዝቢ ብነጻ ድልየቱን ባዕሉ ዝመረጻ ካብ ሓቀኛ ድልየት ህዝቢ ዝመንጨወ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ እትኣምን ህዝባዊ መንግስቲ ንኽይትምስረት ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ጓዕጻጽን ሓደገኛን ስልቲ ህግደፍ ኩሉና ኣይንስሕቶን።

ኣብ ከምዚ ዝኣምሰሉ ተሃወስቲ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ነተን ናይ ስሳታትን ድሒረን ዝሰዓባን ገዳይም ተጋደልቲ ሓላፍነታውን እዝዮ ዘተሓሳስብን ውን ስለ ዝኾነ ንድሕነት እዛ ሃገርን ንምውሓስ መጻኢ ወለዶን፡ ዶሞክራሲያዊት ኤርትራን፡ ብዝሓየለ ክትቃለሳ እንተደኣ ኵንክን፡ ብቐዳምነት ናይ ዝሓለፉ ቃልስኽንን ተሞኩሮኽን ብንጽር ገምጊምክን ኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታትክ ኣለሊኽን ነቶም ንዓና ንድሕሪት ጎቲቶም ንስርዓት ህግደፍ መነውሒ ዕድመ ኮይኖም ዘሎዉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ደርቢኽን፡ ነቶም ኣወንታዊ ጎድንታትክን መዝመዝክን ንጥርናፌኽንን ሓድነትክን ዘውሓሱ ቃልሲ ከተካይዳ ሃገራውን ሰውራውን ጉቡእክን ፈሊጥክን ቃልስኽን ከተባራትዖኦ ሃገርን ህዝብን ብሃንቀውታ ይጽበዩኽን ከምዘሎዉ ክዝንገዑ ኣይግባእን።

ኣብ ኩሉ ዓመት ሾሞንተ መጋቢት ኣብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ዓለምና ንዝኽሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ክበዓል ከሎ በዚ ኣጋጣሚ’ዝ ውን ምስ ቡዙሓት ጉዱሳት ናይ ምርኻብ ተኽእሎ ስለ ዘሎ ነዞም ዝተጠቕሱ ብዑምቀት ምርኣይን ፍታሕ ምንዳይን ደኣ ክኾውን ኣሎዎ ደኣምበር፡ ዓመት ዓመት መጸ ተኣኪብካ ብወናማት ደረፍቲ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ዝእንፈት ዘሎ ብወጋሕ ትበል ለይቲ ወንኻ ምርዋይ እንተ ኾይኑ እቲ መግለጺኡ፡ ንሕሉፍ ሓቀኛ ታሪኽ ቃልስኽን ዘንጻባርቕ ስለ ዘይኮነ ኣይግድን ጥራሕ እዩ ክበሃል ዝከኣል፡ እሞ ነቲ ህዝቢ ዝሳቐ ዘሎ ነቶም መንእሰያትና ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ቀላይ ባሓርታትን ዝሃልቁ ዘሎው ዜጋታትና ምስቲ ዘሎዎም ሃንቀውታ ዘየሳኒ ስለ ዝኾነ ክሕሰበሉ ኣሎዎ በሃላይ እየ።

ክብርን ሞጎስን ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ
ክብርን ሞጎስን ንቀዳሞት ታጋደልቲ፡ ኣረዒል
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares