Awate.com

ቃል ኣዳለውቲ መደብ ብመሓመድ እስማዒል

ሰላም
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዑዱማት::

ብ መጀመርታ ሕውነታውን ሃገራውን ሰላምታና ተቀበሉ::
ብምቅጻል:-
ነዚ ሃገራዊ ጻውዒትና ተቀቢልኩም ብምምጻእኩም ብ ሽመይን ብ ሽም ኣዳላዊት ኢዚ መደብን :ብሽም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከይ ኣመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን::

ንዓይ ድማ :
ንመርበብ ዓዋተን : ነዛ ኣዳላዊት ግዝያዊት ኮሚተ ወኪለ : ቃለይ ከስምዕ ዝተወሃበኒ ዕድል ከይ ኣመስገንኩ ክሓልፍ  ውን ኣይደልን

እምበኣር
ነዚ ጽሑፍ ንምድላው ንኽሕግዘኒ መታን : ን መርበብ ዓዋተ (Awate.com) ብ ሽም ዓዋተ ጥራሕ ክጽውዓ ንግዝይኡ ኣፍቁዱለይ:: ታሪኽ ጅግንነት ዓዋተ ንምዝርዛር ተባሂሉ ዘይኮነ ብታሪኹ ምሕባንን ምንያትን ካብ ዝብል’ዩ::

ኩቡራትን ኩቡራንን
ከም ተቃለስቲ መጠን እምነ ኩርናዕና ሃገርዊ ዕማም: ከም ሃገራውያን ድማ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ኢዩ እሞ: ምስ’ዚ ቃልሲ እጃሞም ዘልዓሉሉን ዘልዕሉ ዘለዉን ምልላይ  ቡዙሕ ኣድላይ ኡኳ ተዘይኮነ “ቃልሲ: ንቃልስኹም ከነለሊን ክንላለዮን ዕድል ሂቡና’ዩ እሞ በዚ ኣጋጣሚ ለላናን ምስጋናናን ነቅርበልኩም::

እምበኣርከስ:-
ነዚ ተኣኪብናሉ ዘለና ኣጋጣሚ ተበግሶ ክንወስድ ካብ ዝደረኸና ቀንዲ ምኽንያት ከብርህ ኣፍቁዱለይ::

ኢዚ ወለዶ ቃልሲ ብናህሪ  ክስጉም መታን : ነታ ለሒማ ዘላ ቑልዒ ከነንበድብዳ እንበር ንጋህራ ማይ ክንርብርበላ ቁኑዕ ሕልናዊ ተበግሶ ኣይኮነን ካብ ዝብል መትከል ዝነቀለ ኢዩ::

ነቲ ድሮ ዝተፈለመ ብዝያዳ ናህሪ ክቅጽል እጃምና ከነበርክት ይግበኣና’ዩ  ዝብል : ቁኑዕ ሃገራዊ ክዳንን: ጉቡእ ሕልናዊ ሚዛንንን: ዓዋተ ውን : ጉቡኡ ክሓትት ክንጽበ ኣይምተገበአን ዝብል ሞራላዊ ውሳኔ ውን ኢዩ ነይሩ::

ነዚ መድረኽ ተጠቂምና ድማ ቃልሲ ዓዋተ ቃልሲ ህዝቢ ተኾይኑ ዓዋተ ዋንነት ህዝቢ ምኻኑን: ኩሉ ብማዕረ ክርድኦን ምስኡ ክወሃሃድን: ዓዋተ ድማ ጉቡኡን መሰሉን ሓታትነቱ :ሓላፍነቱ ከልዕል ከም ዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ  ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ::

ከም ዝፍለጥ ዓዋተ… ክበሃል ከሎ: ንኩሉ ኤርትራዊ ቃልሲ ኢዩ ኣብ ሓንጎሉ ዝቅጀሎ (ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽን ወጽዓን)::ንሕና ድማ ነቲ ሽሙ ኣልዒልና ክሳብ ሕጂ ነታ ትንፋስ ኣብ ህዋ ንፋስ ክንኮና : ህዝብና ሓርንት ከስተንፍስ ብዓቅምና መርበብ  Awate.com ክነሳሊያ  ጸኒሕና ኣለና::

ሕጂ ተኾነ ምስ ኩሉ ብድሆታትና ክንቅጽል ሙኻናን እንዳ ኣብራህና : ግን ክኸብድ ሙኻኑን ይኸብደና ከምዘሎን ውን ብግልጺ ክንሕብር ንፈቱ:: ሕጂ ግን ድሕሪ ፍሑኽታን : ታተን: ክንጎዪ ብዝያዳ ናህሪ ክንሱጉም ኡዋን ጠሊቡናን ካብ ቀደም ውን ሓሲብና ሰለነበረ :ነቲ ዝሓለንናዮ : ብዝያዳ ጻዕሪን : ብዝሓሸ ውዳበን ብዝጸፈፈ ኣገባብ ክንሰርሕ ሓገዝ ኩሉ ፈታዊ ፍትሒ የድልየና ኣሎ :: ህዝባዊ ቃልሲ ብህዝባዊ ኣበርኩቶ ክኸውን ስለዘለዎ ነቲ ሽኸም ንማቀሎ ::  “ምኽሪ ሓውኻ ብደውካ : ሓገዝ ካብ ሓውኻ ምድላይ ጉቡእን ግደታን ኢዩ እሞ: ሓገዝ የሕዋት ድማ ዝያዳ ጻዕሪን ኒሒን የቅስመካ ውን ስለ ዝኾነ” ነዚ ቃልሲ ሓገዝኩሙን : ዑዙዝ ሱታፈኹምን ኣድላዪን ወሳኒ እምነ ኩርናዕ ውን ኢዩ: በዚ ኣጋጣሚ ኣዕሩኽ ብምምስራት ኮነ : ናብ መርበብ awate.com ብምኻድ ነፍስወከፍ ሰብ  ክተሓጋገዘና ጻዊዒትና ነቅርብ ድማ ኣለና::

“ንእሽቶ ሓገዝ የላን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ሓደ ዓቢ ስራሕ ክንሰርሕ ብሓገዝኩም ክንምራሕ: ብተግሳጽኩም ክንነቅሕ ጻዊዒት ዓዋተ ድማ ኢዩ::

በዚ ኣጋጣሚ ክውቃዕ ተሓሲቡ ዘሎ ሸቶ ኣስታት $14.000 ሽሕ ኮይኑ እዚ ማለት ድማ ዓመታዊ ጽገናን መሳለጥያታትን 12.000 እቲ ዝተረፈ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተስከምናዮ ነዚ ዓመት ዝውሰኽ ኢዩ::

ካብቲ ግምታትና ንላዕሊ እንተ ሰጊምና በቲ ዓቅሚታትና ዝውሰን ስረሓት ድማ ክንውሰኽ ምኻና  ቃል ንኣቱ::

ኩቡራትን ኩቡራንን ስብ ሕልና : ሰብ ቃልሲ

እዚ ናይ ሎሚ መእከቢና ዛዕባ fundraising and reconciliation ኢዩ::

ብዛዕባ ዕርቂ ብዝምልከት ድማ

ለባም ዝበዘሖ መውስቦ: ነይፈርስ
ቁኑዕ ዝተኾሎ ነይ በርስ ኢዩ እሞ

ኣዛ ሃገርና በላሕትን ሓያላትን ተቃሊሶም ኢዮም ተኺሎማ : እሞ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣብ ዘይተቦቆጸ እኽሊ ዝተረኽበ ክርዳድ
ንሕና ብግሊ ዘይኮነ ብሓባር ክንናድዮ ኢዩ ዝግባእ::

እዚ ማለት ከእ ናተይ ዘይኮነ ናትና ናይ ውድበይ ዘይኮነ ናይ ውድባትና ክንብል ምስ ዘይንኽእል ነቲ መድረኻዊ ጉዕዞ ዲፍኢት ክንውስኸሉን ተጽዕኖ ክንፈጥረሉን ኣይንኽእልን እና::

እዚ  እዋን ብኡኩብ ክንሓስብ መድረኽ ዝጠልተኾይኑ ሃገረይ ምባል ተሪፉ ሃገርና ክንብል ይግባኣና ይመስለኒ ::እጃም ዓዋተ እምበኣር ብርዒ ኢያ::

ልሳን ህዝቢ : ጠላቢት ቑዋምን ቁኑዕ ሃገራዊ መስመርን ኢያ::

እዚ ጉዕዞ ሓያል ሃገራዊ ስጥመት  ተዘይ  ብሉ ውድባውነት ኮነ ኣውረጃውነት : ሃይማኖታዊ ውዳበ  ኮነ ብሄራዊ ስርርዓት ጥርናፈን መተካእታ ወይ በዲል ሃገራዊ ዕማም ክኸውን ኣብትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩውንነት ከኸውን ከምዘይ ክእል ግዜ ምሂሩና ኢዩ እሞ ሃገር በጃ ውድብ ገንሸል ክትከውን ካብ ምፍራድ ሓሊፉ ካልእ ውርጹጽ ኣብነት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ እሞ ቃልስና ን ስነ ሓሳብ ዘይኮነ ንስነ ሕጊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል መትከላዊ ውልቃዊ እምነተይ ከብርህ እደሊ::

እንበኣር ኣብ ፖሎቲካና ተኽልን ፋስን ብሓድ ክኸዱ ጽኒሖም ኣለው:: ሕጂ ግን ንተኽልን ማይን ዝኸውን በዲል ዝኾነ መድረኽ ክንፈጥር ዝብል ተበግሶ ከነዕዝዝ ኣለና: ወላ ውን ብ ነድርታት ዝቋስ ተሃለወ: ብ ውሕልልነትና ግን ዝፍወስ በዙሕ ነገር ኣሎ::

ንኣፍልጦና ንምዝኽኻር ዝኣክል ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ:

እምነትና: ኣውራጃና: ብሄርና : ውድብና ኮነ ጾታና መማቅርቲ ኣይኮነን: መኻፍልቲ ኢዩ::

ሰለ ዝኾነ ድማ ንሕና ብማዕረ  ምቂሊት ንቃለሰሉ : ብማዕረ ጉቡእና ክንሓተሉ ክጥዕመና መታን: :

እዚ ዘስዕቦ እምበኣር
ኣናብባና ኣብ’ዚ መድረኽ ክመይ ይመስል::

ሃገረይ: ዕላማይ:ኣውራጃይ:ቢሄረይ:እምነተይ: ድና ክንብል ዝግበኣና ውላስ: ሃገርና : ዕላማታትና: ኩሎም ብሄራትና:ኣውራጃታትና::

እዚ መድረኽ እምበኣር ኣነ: ናተይ ዘይ ኮነ  :ናትና ክንብል ኢዩ ዝድረኸና ዘሎ እሞ…

እቲ ስነሓሳባዊ ፍልልይ ኣብ ጥውላ ክኸውን ስለዝግብኦ እዚ መድረኽ ክንፈጥር ሕልናዊ ግደታ ኮይኑና::ወዒሉ ሓዲሩ ንዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ኣጀንዳ መፍተሒኡ ፖሎቲካዊ ዝርርብ ጥራሕ ስለ ዝኾነ: ኣበይን መዓስን ድማ በቲ ፖሎቲካዊ ብስለትና ኢዩ ዝጅመርን ዝውስንን:: ዓዋተ ድማ  መድረኽ ኣብ ምፍጣር እምበር ካልእ ፕሎቲካዊ ጥማሕ ኮነ ካልእ ርኽበት የብሉን:: ብጀካ ዝተገብረ ውጺኢት :ንህዝቢ ምቅላሕ ሓሊፉ ካልእ ረብሓ ኣይሓተሉን ኢዩ::

ኣብ መወዳእታ መርበብ ዓዋተ Awate.com በዚ ኣጋጣሚ ንተኣከብ ንተሓጋገዝ ሽግርና ክንፈትሕ ይብል::

ይኣክል ስቅታ ዶብና ይተሓንጸጽ
ኡሱራትና ብዘይ ወዓል ሕደር  ይፈተሑ
ቁዋም ይተግበር

ዝኽርን ክብርን ንሰማታትና
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
እወ ንቁዋም ንድልየታት ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ነባሪ ብርሃን::

የቀንየልና::
ኣብ ክንዲ መርበብ ዓዋተ Awate.com
መሓመድ እስማዒል

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares